Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, June 7, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እሩምን ምዕሩይን ትግርኛ

እሩምን ምዕሩይን ትግርኛ

0
By Mekonnen T. on April 16, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣርኣያ ካሳ

ቈጸረ : ፈቐደ

3.0. ቈጸረ (ግሲ)፡ ምቍጻር (ስም) (ኣርባዕተ+ ትርጕማት)
3.1.1 ቈጸረ (ግሲ) – ፈቐደ – 1፡ 2፡ 3፡ … እናበለ ረቝሐ። ኣ.፤ እቲ ቈልዓ፡ ሰጋእ-መጋእ እንከይበለ ክሳዕ 10 ቈጸረ።
3.1.2 ቍጽሪ (ስም) – ንኣሃዛት – 1፡ 2፡ 3፡ … ዝምልከት። ኣ.፤ ናብ ቍጽሪ 2 ገዛ እቶ።
3.1.3 ቍጽሪ (ስም) – ጨንፈር-ሕሳብ ኣብ ምድማር፡ ጕዳል፡ ምርባሕን ምምቃልን ዜተኵር። ኣ.፤ ኣብ መባእታ ቤት-ትምህርቲ፡ ቅድሚ ሕሳብ፡ ቍጽሪ ኪመሃሩ ይግባእ።

3.2.ቈጸረ (ግሲ) – ግዜ (ዕለት፡ ሰዓት) ወሰነ፡ ተስማንዐ፣ ቈጸራ (ስም)። ኣ.፤ ቈጸራ ምጥላም ነውሪ እዩ።
3.3 ቈጸረ – ዓሰበ (ንስራሕ)፡። ኣ.፤ ሰራሕተኛ ክቘጽር ተዳልዩ ኣሎ።
3.4 ቈጸረ – ፊደል ፈለጠ ተማህረ/ኣድመጸ። ኣ.፤ ብንእሱ ፊደል ኪቈጽር ጀመረ።
3.5 ቈጸረ (ግሲ) – ቋጸረ (ግሲ) – ኣሰረ፡ ሓዘ፡ ጀምረ፡ ኣደነ

እዚ ኣብ ሓሙሻይ ዘለዉ፡ ካብ ግእዝ ዝመበቈሎም ክልተ ግሲታት ምርምር ዘድልዮም እዮም። ኣብ ትግርኛ እቲ ግሲ “ቋጸረ” ንትርጉሞም፡ ሓዘ፡ ዓቈረ፡ ጀመረ፡ ኣደነ ዝብል ጥራይ እንተ ዝኸውን ካብ ክልተ ዝተቐራረብ ድምጽን ትርጉምን ምተፈልየ። ክልቲኦም ኣብ ስም (ምቍጻር) ሕደ እትነዀኑ፡ ፍሉያት ቃላት እዮም።
ኣብነታት (ኣ.)፤
ጥላም (ስራኽ) ሳእኑ ቋጸረ።
ጓላ ስፈ ንኽትምሃር ቋጺራ እድኒ ሂባታ።
ከረጺት ቋጸረ። ንብዓት ቋጸረ

4.0 ፈቐደ (ግሲ) ምፍቃድ። (ሰለስተ ትርጕማት)
4.1 ፈቐደ (ግሲ) – ቈጸረ – 1፡ 2፡ 3፡ … እናበለ። ኣ.፤ መንኰርኰር ንምውንጫፍ 10፡ 9፡ 8፡ … እናበለ ፈቐደ።
4.2 ፈቐደ – ሕራይ-በለ (ፍቓድ-ሃበ)። ኣ.፤ ኣብ ደገ ንኽንጻወት ፈቐደ።
4.3 ፈቐደ – ዝብላዕ/ዝስተ ሃበ። ኣ.፤ ኣብ’ቲ ውራይ፡ ዝፈቕዶም ስኢኖም ከይበልዑ ከዱ።

መዘክር፤ ምሕጻረ-ቃል ኣ. ን ኣብነትን ኣብነታትን የመልክት።
ብዛዕባ ኣፈቓቕዳ ዝተጀመሩ እታዋት ኣብ’ዚ የብቅዑ።
እሩምን ምዕሩይን ትግርኛ.

**** ሓሰበ፡ ቀመረ ****

ኣብ ዝሓለፈ እታው (3 ለካቲት 2016) ብዛዕባ ኣፈቓቕዳ ተዘትዩ፤ ምስ ቍጽሪ ዝተተሓሓዙ ቃላት ኪድህሰሱ እዮም ከኣ ተባሂሉ ነይሩ። እቶም ዝተጠቕሱ ቃላት፤ ሓሰበ፡ ቀመረ፡ ቈጸረን ፈቐደን ነይሮም። እዞም ቃላት፡ ነፍስ-ወከፎም ልዕሊ ሓደ ፍሉያት ትርጕማት ኣለዎም። ሕደ ኣደማምጻን ኣጸሓሕፋን ዘለዎም ቃላት፡ ትርጕሞም ዝንጽሮ፡ ኣብ ምሉእ-ሓሳብ፡ ብትግባረ-ትሕዝትኦም ኪጸሓፉ እንከለዉ እዩ። ኣብ ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት፡ ካብ ግእዝ ዝረዓሙ መዅሲ ዝድመጹ ግን ፍሉይ ፊደል ዝጥቀሙ ብዙሕ ቃላት ኣለዉ። ተጣበቕቲ ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት፡ ንእዞም ቃላት ከም መራጐዲ መጐቶም የቕርብዎም። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ፡ መዅሲ ዝድምጾም ቃላት፡ ግን ብዝተፈልየ ፊደል ንምጽሓፍ ኣማራጺ የብሎምን፣ ንእቲ ተደገምቲ ድምጺ ዘለዎም ፊደላት ይትርፉ ዝብል መጐት፡ ዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት፡ መራጐዲ ኪዀኑ ይኽእሉ።

ኣብ’ዚ ብዛዕባ ዝተፈላላየ ትርጕም “ሓሰበ”ን “ቀመረ”ን ኪድህሰስ እዩ፣ እንሆ ድማ፤

ሓሰበ (ግሲ) (ሓሙሽተ ትርጕም)
1 ሓሰበ (ግሲ) – ብቍጽሪ ዝስራሕ ሰርሐ፡ ገመተ፡ ኣራጠበ፡ ጸብጸበ።
2 ሓሰበ (ግሲ) – ሓንጐሉ ኣስርሐ፡ ኣብ ግምት ኣእተወ። ኣብ’ቲ ቦታ ምስ በጽሐ እንታይ ከም ዝገብር ሓሰበ።
3 ሓሰበ (ግሲ) – ሓለየ። ኣንታ ሓውይ! ኣብ ጸገም’የ ዘለኹ፣ ሕሰበለይ እባ፧
4 ሕሳብ (ስም) – ትምህርቲ፡ ሳይንስ ናይ ቍጽሪ፡ ዓቐን፡ ህዋ። ኣልጀብራ ሓደ ጨንፈር ሕሳብ እዩ።
5 ሕሳብ (ስም) – ኣብ ቤት-ንግዲ፡ ቤት-ብልዒ፡ ዝኽፈል ገንዘብ። ንእቲ ኣሳሳዪ፡ ሕሳብ ኪህበና ሓቲትናዮ።
ተወስኺ –
ሓሰበ፡ ከም ቅድመ-ጥብቆን ድሕረ-ጥብቆን ኣትዩ፡ ንእዞም ዝስዕቡ፡ ምስ ሕሳብ ዝምድና ዘይብሎም፡ ድርብ ቃላት የቍውም፤
ሀ. ሓሳብ-ልቢ – ትምኒት። ሓሳብ-ልበይ ሰሚሩለይ።
ለ ብሓሳብ-ተዋሕጠ – ኣስተንተነ፡ ተከዘ፡ ዝን-በለ። ብሓሳብ-ተዋሒጡስ ኣየቕለበን።
ሐ. ስነ-ሓሳብ – ፍልስፍና ኣተሓሳስባ።
መ. ክልሰ-ሓሳብ – መግለጺ ሓደ ኣምር ወይ ሓሳብ። ብክልሰ-ሓሳብ ቅቡል ነይሩ፡ ትባረኡ ግን በርቲዑ።

ቀመረ (ግሲ)፡ (ክልተ ትርጕም)
1.1. ቀመረ (ግሲ) – ቈጸረ፡ ፈለየ፡ ሕሳብ-ገበረ፡ ብቀመር ዝቖመ ግድል ፈትሐ።
1.2. ቀመር (ስም) – ክልተ ስርሓት-ሕሳብ ብይኸውን (=) ዝተዛመዱ። ኣብነት፤ ሀ+3 = 5። መስርሕ ምፍታሕ- ግድል ቅመራ ይብሃል።
1.3. ቀማሪት (ስም) – ስርሓት-ቍጽሪ (ምድማር፡ ጕዳል፡ ምርባሕን ምምቃልን) እትግብር ኤልክትሮኒካዊት-ኣቕሓ።
2.1 ቀመረ (ግሲ) – ቀስቲ-መሰል ህንጻ ሰርሐ፣ ልዕለ-ቅርጺ ገዛ (ዘይተመልአ) ሰርሐ።
2.2 ቀመር (ስም) – ቅርጺ-ቀስቲ ዘለዎ ህንጻ፡ መዛርዕ ዘይተዛዘመ ገዛ። ቀመር-ትሪኦምፍ፡ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ዝርከብ ቀመር እዩ። ሰኣን ገንዝብ፡ እታ ገዛ ኣይተመለአትን፡ ቀመር ጥራይ ኰይና።

ኣብ ዝመጽእ፡ “ቈጸረ”ን “ፈቐደ”ን ኪድህሰሱ እዮም።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዕላል ምሕጻብ ወጮ !
Next Article ኣይትኺዲ!!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?