Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, September 17, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ድሕሪ መጋረጃ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ዘሎ ዘሰምብድ ሓቂ

    September 17, 2026
    Read More

    ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

    September 15, 2026
    Read More

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ድሕሪ መጋረጃ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ዘሎ ዘሰምብድ ሓቂ

ድሕሪ መጋረጃ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ዘሎ ዘሰምብድ ሓቂ

0
By Mekonnen T. on September 17, 2026 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

‘እቲ ሬሳ ገዚፍ’ዩ፡ ስለዚ ቆራሪጽና ኣብ ፌስታል እንተጌርናዮ’ዩ ዝሓይሽ። እቲ ናይ መስዋእቲ እንስሳ መጺኡ ድዩ? እወ መጺኡ’ሎ’። እዚ ዘረባ’ዚ ካብቲ ብመጸናጸኒ ካሜራታት ተቐዲሑ ዝተወስደ ድምጺ’ዩ። እዚ ዝስዕብ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዜና ሚድያታት ዝጋዋሕ ዝነበረ ዜና’ዩ- ‘መርመርቲ፡ ንጀማል ካሾጊ እንታይ ከም ዘጋጠሞ መርመራ ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ ጊዜ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ጀማል ኻሾጊ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጻ’ላ፡፡ ስድርቤት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ጉዳዩ መዕለቢ ክግበረሉ’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ፡ እዚ ኣዝዩ ዓቢ ጌጋ’ዩ ክብል መሊሱ’ሎ። ቅትለት ጀማል ካሾጊ ኣብ ልዕሊ ስዑድያ ዓቢ ኩነኔ ኣስዒቡ’ዩ። ስዑዳውያን ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ንዓለም ኣዐሽዮማ’ዮም፡፡ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ስዑድያ፡ ኣቐዲሙ ብዝተወደበ ኣገባብ’ዩ ተፈጺሙ’ ዝብል ነበረ።

ሰኑይ መዓልቲ ዕለት 1 ጥቅምቲ፡ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ ቱርኪ ርእሰ ከተማ ኢስታንቡል እትርከብ ብኣግራብ ዝተሸፈነት ቤልግራድ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ዝተመልሰ ይመስል ነበረ፡፡ ናይ ሰሙን መጀመርታ ስለዝነበረ ሒደት በጻሕቲ’ዮም ነይሮም፡፡ ውቕቱ ቀውዒ ስለዝነበረ፡ ኩነታት ኣየር ተቐያያሪ’ዩ ነይሩ። ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ፡ መቆጻጸሪ ከሜራታት፡ ዋንነታ ናይ ኤምባሲ ስዑድያ ኣብ ኢስታንቡል ዝኾነት መኪና፡ ብሓደ ናይቲ ጫካ ቀንዲ መእትዊ ዝኾነ በሪ ክትኣቱ ከላ ዘርኢ ምስሊ ዓቂበን ነበራ። ኣልሰባሕ ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ካብ ናይ ቱርኪ ኣገልግሎት ጸጥታ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ እታ መኪና፡ ንጸጥታዊ ተልእኾ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣሕመድ ዓብደላ ኣማዚኒ ዝተባህለ ኣባል ወተሃደራዊ ክንፊ ኤምባሲ ስዑድያ ኣብ ኢስታንቡል ሒዛ ከም ዝነበረት ኣቃልዐት። ብመሰረት ሓበሬታ’ታ ጋዜታ፡ ኣማዚኒ ንጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንምቕንጻል’ዩ ሽዑ መዓልቲ ካብ ጅዳ መጺኡ፡፡

ኣብ 21 ሰነ 2017፡ ክልተ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ስዑድያ፡ መሓዙታን ቀጠርን ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ሉዑል ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ተሾመ። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ፡ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ካብ ስዑድያ- መዓርፎ ነፈርቲ ጅዳ ናብ ለንደን፡ ካብኡ ድማ ናብ ሕ/መ/ኣሜሪካ ኣምርሐ። ኻልድ ሶፎሪ ዝተባህለ ንጀማል ካሾጊ ዓርኩን ተንታኒ ፖለቲካን ‘ጀማል፡ ኣብ 2014ን 2015ን ካብ ምጽሓፍ ምስ ተኣገደ እቲ ጸቕጢ ወሲኹ ኢለ’የ ዝኣምን። ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ጀማል ንኸይጽሕፍ ዝኣገደ ደብዳቤ ከሕትሞ ምስ ወሰነ፡ ዳርጋ ጸርፊ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዕዎ። ‘እቲ ምኽንያት፡ ጀማል ንስለ ህዝቢ ዓረብ ደው ስለዝበለ’ዩ፡፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከሎ፡ ዓንቀጻት ካብ ምጽሓፍ ተኸልኪሉ ከም ዝነበረ ትዝክርዎ ኢኹም’ ይብል። ዋዳሕ ኻንፋር ዝተባህለ ጋዜጠኛን መስራትን መድረኽ ኣል’ሻርቕ ድማ ‘ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስ መጸ ተራኺብና ተዘራሪብና ኔርና፡ ደጋፊ ዲሞክራሲያዊ ሓሳባት፡ ሓርነትን ዕርቅን’ዩ ነይሩ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ብሓባር ሰሪሕና ኢና’ ይብል። ጀማል ብወገኑ፡ ‘ሞሓመድ ቢን ሳልማን ብዛዕባ ውሕስነት ጸጥታ ዘተኣታትዎ ዘሎ ራእይ ቅኑዕ ስጉምታት ይገብር ኣሎ ኢለ’የ ዝሓስብ፡ ሕጂ ቀልጢፉ ናብ ተግባር ከውርዶ ኣለዎ ድማ እብል’ ኢሉ ኔሩ።

ጀማል፡ ኣብ ቤ/ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ኢንድያና ስቴት ዩኒቨርሲቲ’ዩ ተማሂሩ። ኣብ መጀመርታ 80ታት ድሕሪ ምምራቑ ድማ፡ ልዑል ቱርኪ ኣል’ፋይሰል ኣምባሳደር ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ከም ኣማኻሪ ሚድያ ኣብ ኣሜሪካ ኮይኑ ሰሪሑ’ዩ። ሃቲሻ ሴንጊዝ ንጀማል ሕጽይቱ’ያ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ድማ ከምዚ ትብል፡ ‘ብዛዕባ ጉዳያት መርዓና ምድላዋት ንምግባር ናብ ኢስታንቡል ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ፡ ሓደ ካብ ደቁ ረኺብዎ ነይሩ፡፡ ድሕሪኣኡ፡ ምስ ስድራቤቱን ኣዝማዱን ንቐጻሊ ብቐረባ ምእንቲ ክራኸብ ኣብ ኢስታንቡል ክነብር’ዩ ደልዩ ነይሩ ትብል። ጀማል ምስታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ድሕሪ ምፍትሑ፡ ተመርዕዩ ነይሩ’ዩ፡ እንተኾነ ነዊሕ ኣይቀጸለን። ኣብ ግንቦት 2010 ድማ ምስ ዶ/ር ኣላን ናሲፍ ንሳልሳይ ጊዜ ተመርዓወ፡፡ ካብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝወጽእ ንነዊ ኣዋርሕ’ኳ እንተጸንሑ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝበጽሖ ዝነበረ ክስን መንግስታዊ ጸቕጥታትን ግን ናይ ፍትሕ ስምምዕ ክፍርም ተገዲዱ’ዩ። ‘ሕጉስ ኣይነበረን፡ ይሻቐል ነይሩ፡ ሓደ ጊዜ ክልተ ደቁ ብሰንኩ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉን ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉን ነጊሩኒ ነይሩ’ዩ። ክልቲኦም ናይ ባንክ ሰራሕተኛታት’ዮም ነይሮም፡ ስርሖም ክንቀሳቐሱ ዘገድድ’ኳ እንተኾነ፡ ግን ካብ ስዑድያ ክወጹ ኣይከኣሉን፡ ፓስፖርቶም ተሓዲጎም ስለዝነበሩ ንጀማል’ዮም ዝወቕስዎ ነይሮም። በዚ ድማ ሕማቕ ተሰሚዕዎ ነይሩ’ዩ። ነቲ ዝወረዶም ጸቕጥን ስቓይን ድማ ብሰንከይ’ዩ ብምባል ንነብሱ ከም ዝወቕስ ነጊሩኒ ነይሩ’ዩ’ ይብል ዓርኩ ኻልድ ሶፎሪ።

ኣብ ነሓሰ 2017፡ ጀማል ካብታ ንስደት ዝመረጻ ኣሜሪካ ብምዃን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ትዊተር ጽሓፈ፡ ‘ንኽቡር ሚኒስተር ዜና ንስለ’ቲ ምቕሉል ጻዕሩን ጽቡቕ ግብሩን ከምኡ’ውን ንወራሲ ንጉሳዊ ዘውዲ ዘለዎ ተኣማንነትን ኣናመስገንኩ ናብ ጽሑፈይን ትዊተርን ተመሊሰ ኣለኹ። ኣብ ዘመነ ግዝኣቱ፡ እትስበር ፒሮ የላን ዝዕፈን ጽሑፍ’ውን የለን’ ድማ በለ፡፡ ኣብዚ ጽሑፍ፡ ናይ ጀማል ሓሳብ፡ ብኣንጻር’ቲ ኣብ ስደት ዝነብሮ ዝነበረ ኩነታት ክርአ ከሎ ዝተዋቕዐ’ዩ ዝመስል፡፡ እቲ ሕቶ፡ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ሃገሩን ዝነበረ ኩነታት ግሉጽ ድዩ ነይሩ ዝብል’ዩ። እቶም ሰበ-ስልጣን ንኸይጽሕፍ ኣጊደሞ ነይሮም’ዮም፡፡ ካብ ኣማኻሪ ንጉሳዊ ቤ/ፍርዲ ኣልሳዑድ ካልኣይ፡ ኣፉ ክሕዝ ከም ዘለዎ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ጀማል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ጸርፊ’ዩ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። ‘ነዚ ምቕባል ማለት፡ ክሳብ ክንደይ ውርደት ምዃኑ እፈልጥ’የ፡፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ብቴለፎን ደዊሉ ክጽሕፍ ከም ዘይብለይ ትእዛዝ ሂቡኒ’ ይብል፡፡ ኣብ መስከረም 2017፡ ጀማል ካሾጊ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ክጽሕፍ ጀመረ። እዚ ተሞክሮ’ዚ፡ ንብዙሓት ጸለውቲ ኣካላትን ሰፊሕ ተዓዛብን ናይ ጀማል ሓሳብን ሓረጋትን ንኽርድኡ ኣኽኢልዎም’ዩ።

ንስዑዳውያን፡ እዚ ካብቲ ኣዝዩ ዘሰምብድ ነገር’ዩ ነይሩ፡ እቲ ወዲ ኣብ ምሉእ ዓለምን በቶም ኣብ ኣሜሪካ ወሰንቲ ዝኾኑ ሰባትን ተነባብነት ኣብ ዘለዎ ጋዜጣ’ዩ ዝጽሕፍ ኔሩ፡፡ እቲ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ኣሜሪካ፡ ለንደንን ፓሪስን ቀሪጽዎ ዝነበረ ምስልን፡ እቲ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝወጸሉ ዝነበረ ህዝባዊ ርክባትን፡ ጀማል ብሓንቲ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ብዝጽሕፋ ቃል የዕንዎ ነበረ። ንጀማል ዓርኩ ኻልድ ኣል’ሳፎሪ፡ ናብቲ ኣብ ቪርጂንያ ዝርከብ ‘ታይሰን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰፈር ዝርከብ፡ ጀማል ዝነብረሉ ዝነበረ ህንጻ ሒዙና ከይዱ፡፡ ምስ ዓብደላ- ወዲ ጀማል ካሾጊ ክንራኸብ ፈቲንና ኔርና፡ እንተኾነ ከዘራርበና ፍቓደኛ ኣይነበረን፡ ‘ሕጂ መኪና ሒዘ ኣለኹ፡ ዘኒሔ ክድውለልኩም’የ፡ የቐንየለይ’ ዝብል መልሲ’ዩ ሂቡና ይብል ኣዳላዊ ናይዚ መደብ። ሓደ እዋን ጀማል ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ‘ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ስዑዳውያን ተኣሲሮም ኣለዉ፡ ብዛዕባ’ቲ ጽገና ደፊሩ ዝደለዮ ዝዛረብን ዝወቅስን ሰብ የለን’ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ኣባላት ኣገልግሎት ጸጥታ ስዑድያ፡ ኩሉ’ቲ ብዛዕባ ጀማል ዝምልከት ምንቅስቓሳት፡ ናብ’ቲ ብጽሑፋትን ንጥፈታትን ጀማል ዝሰግእ ዝነበረን ንጉስ ክኸውን ትጽቢት ዝነበሮን መንእሰይ ወራስ ዓራት የመሓላልፍዎ ነበሩ። ጀማል ድማ ‘ኩሉ’ቲ ዝጽሕፎ ከም ሓቀኛ ኣማኻሪ ኮይነ’የ ዝጽሕፎ’ ይብል ነበረ። ንግስነት ስዑድያ ንጀማል ካሾጊ ናብ ስዑድያ ንኽኣቱ ይውትውቶ ነበረ፡፡ ሓደ ንጀማል ዝቐርቦ ሰብ፡ ‘ኣማኻሪ ንጉሳዊ ቤ/ፍርዲ ዝኾነ ሳዑድ ኣል’ካክታኒ ንጀማል ክልተ ጊዜ ብቴለፎን ኣዘራሪብዎ ከም ዝነበረ ሓቢሩና ነይሩ። ወራስ ዓራት ኣብ ጀማል ዘለዎ እምነት ጽኑዕ ምኳኑን ክምለስ ኣብ ዝወሰነሉ ጊዜ ድማ ንጉሳዊ ቤ/ፍርዲ ማዕጽኡ ርሑው ምዃኑን ንጀማል ነጊርዎ ነይሩ’ዩ’ ይብል፡፡ ምንጭታት ከም ዘረጋግጽዎ፡ መንግስቲ ምስ ጀማል ዘለዎ ርክብ ከም ዘየቋረጸን ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ብስዑድያ ዝምወል ናይ ሚድያ መርበብ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ሓዊስካ ንኽምለስ ብዙሕ ግንዖታት የቕርበሉ ከም ዝነበረን’ዩ።

ጀማል፡ ንስርዓት ስዑድያ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝፈልጦ፡ ኣብኡ ኔሩ’ዩ፡ ኣብ ለንደንን ዋሽንግተንን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑድያ ይሰርሕ ኔሩ’ዩ፡ ከም ዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ኣል’ወጠን ኮይኑ ሰሪሑ’ዩ። ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ብዛዕባ’ቲ ዝርዓት ዝነበሮ ኣፍልጦ፡ ከም ጋዜጠኛ ኣብ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ ጊዜ ዝያዳ ተቐባልነት ኣውሂብዎ’ዩ፡፡ ጀማል ንወራስ ዓራት ብቐጥታ ምውቃሱ ነቲ ጉዳይ (ቅትለት ጀማል) ኣቀላጢፍዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ‘ጀማል፡ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ብምዃን ኣብ ዓረባዊ ዓለም ኣብ መንጎ መንእሰያት ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ንምኹስኳስን ሕ/ሰባዊ ልዝብ ንምፍጣርን ኣብ ዲሞክራሲ ዝነጥፍ ትካል ክምስርት ይሓስብ ከም ዘሎ ነጊሩኒ ነይሩ’ዩ’ ይብል ዓርኩ ኻልድ ሳፎሪ። ካብ ሕ/መ/ኣሜሪካ ወጻኢ ዝነበረ ንጥፈታት ካሾጊ፡ ንሓደ ኣብ ካናዳ ዝነብር ዑመር ዓብደልዓዚዝ ዝተባህለ፡ ንኤለክቶርኒካዊ ኮሚቴ መንግስቲ ስዑድያ ዝበድሀ ስዑዳዊ ነጣፊ ፖለቲካ፡ ፖሮጀክት ኤለክሮኒካዊ ኮሚቴ ንኽምስርት ምሕጋዝ ዘጠቓልል ነበረ። ‘ብዓል ጀማል፡ ኣብ ግንቦትን ሓምለን 2018፡ ዝተወደበ ናይ ኦንላይን መጥቃዕቲ- ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዘሎ ፈሊጦም ነይሮም፡ ጀማል ድማ በዚ መጥቃዕቲ’ዚ ብኸፊል ተጸልዩ ነይሩ፡፡ ኣነ ድማ ኣንጻር’ዚ ዝሰርሕ ኤለክሮኒካዊ ጉጅለ ብኸመይ ብሓንሳብ ኴንና ክንፈጥር ከም እንኽእል ንእሽቶ መጽናዕቲ ጌረ፡፡ ሽዑ ነቲ ናቶም ደው ከብል ዝኽእል ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ሓደ ፕሮጀክት ከም ዝህሉ ጌረ፡ ንጀማል ድማ ብዛዕባ’ቲ ሓሳብ ነጊረዮ፡ ንሱ ድማ ብጽቡቕ ተቐቢልዎ። ካብ ኩዌት ድማ ከም ብዓል ታረቅ ሙተይሪ ዝኣመሰሉ ምሳና ነይሮም’ዮም። ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ንምግጣም እምበኣር ሓደ ጉጅለ ክንፈጥር ከም ዘሎና ወሲንና፡ ሽዑ ካሾጊ ክሕግዘናን ወሲኑ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ፓውንድ ካብ ጅቡኡ ብምውጽእ ድማ ነቲ ፕሮጀክት መዊልዎ’ ይብል ዑመር ዓ/ዓዚዝ፡፡

ኣብ ኢስታንቡል፡ ሓደ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዘጽንዕ ሰብ ብዛዕባ ጀማል ካብ ኢስታንቡል ብብዙሕ ሚድያታት ተጠቒሙ ዝፈነዎ ካልእ ዓብይ መደብ ነጊሩና ነይሩ፡፡ ብዙሓት ተሓጋጋዝቲ ጀማል፡ ብሰንኪ ምውዕዋዕ ናይቲ ኣብ መጻኢ ክገብሮ ዝሓስብ ዝነበረ ሓድሽ ፕሮጀክት ስክፍታ ስለዝነበሮም ብዝርዝር ክዛረቡ ዘይመርጹ ሰባት ረኺብና ኢና ይብል ኣዳላዊ ናይ’ዚ መደብ፡፡ (ስዑዳውያን ነዚ ምስ ሰምዑ)፡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ፡ ናይ ትግበራ ዋህዮ’ውን ቆይማ፡ ኣብ ሪያድ ተራኺባ ብዛዕባ ክህልዉ ዝእኽእሉ እንተታት ድማ ተዘራሪባ፡፡ ብመሰረት’ቲ መዓልቲ ብመዓልቲ ዝመጽእ ዝነበረ ሓበሬታ፡ ናይ ትግበራ ኣገባብ ተወሲኑ፡ ነቲ ግዳይ (ንጃማል) ናብ ናይ ዘለኣለማዊ ስቕታ ንምፋናዉ ዝተዳለወ መጻወድያ ድማ ተሃንደሰ። ኣብ ድሮ 9 መስከረም፡ ጀማል ካሾጊ ንኣሜሪካ ንመጨረሻ ጊዜ ተፋነዋ፡፡ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዋሽንግተን- ዳላስ ብምብጋስ፡ ኣብ TK-8 ዝዓይነታ መገዲ ኣየር ቱርኪ ተሳፊሩ፡ ዕለት 10 መስከረም ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣታቱርክ- ኢስታንቡል ኣተወ። ጀማል፡ ጉዳያት መርዓኡ ንምጽፋፍ ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብኡ ክጸንሕ መዲቡ ነበረ፡፡ ቱርካዊት ጋዜጠኛ ሃቲሻ ጀንጊስ ንጀማል ካሾጊ ኣብ ሓምለ 2018 ንመጀመርያ ጌዜ ኣብ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ረኸበቶ’ሞ ምስኡ ቃለ-መሕትት ክትገብር ደለየት፡፡ እዚ ቅድሚ ጀማል ንሃቲሻ (ሕጽይቱ) ብወግዒ ምሕታቱ ኣብቲ ኣብ መስከረም ናብ ኢስታንቡል ዝመጸሉ፡ ናይ መጀመርታ ናይ’ቲ ናብ ሌላ ዘብጽሖምን ንርክቦም ዘዕሞቖን ብዙሕ ርክባት ነበረ። ቱራን ኪስላቺ ዝተባህለ ቱርካዊ ጋዜጠኛ ‘ጀማል ኣብ መጀመርታ መስከረም ደዊሉለይ፡ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ንኣቦኣ ኬድካ ጓልካ ሃበኒ በለለይ’ ኢሉኒ። ‘ሕራይ እኸይድ፡ እንታይ’ዩ’ቲ ክገብሮ ዘሎኒ? ኢለዮ። ‘እንታይ ከም ዝሓቱኻ ኬድካ ስምዓዮም’ ኢሉኒ። ንኣቦኣ ከይደ ተዛሪበዮ፡ ድሕሪኡ ንጀማል ንዕኡ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ሓቢረዮ፡፡ ብድሕሪ’ዚ ኣብ መፋርቕ መስከረም’ዩ መጺኡ፡ መደቡ ንኽልተ ወርሒ ክጸንሕን ኩሉ ዘለዎ ዕዮ ከጻፍፍን’ዩ ነይሩ። ኻልድ ዓርኩ ድማ፡ ‘ጀማል ናይ መርዓ መደብ ስለዝነበሮ ምሉእ ተስፋ’ዩ ነይርዎ፡ ሓድሽ ሂወት ክምስርት ይደሊ ነይሩ፡ መንበሪ ገዛ ምግዝኡን ነቲ ገዛ ዝምጥን እንታይ ዓይነት ንብረት ክገዝእ ምዃኑን፡ ገለ ሰነዳት ንምርካብ ናብ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ክኸይድ ምዃኑን ነጊሩኒ ነይሩ’ዩ፡፡ ካብቲ ዝፈልጠካ 10 ዓመት ንኢስካ ኣለኻ፡ ምኽንያቱ ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ሂወት ትጅምር ኣለኻ ኢለ ጨሪቐሉ ነይረ፡ ንሱ’ውን ስሒቑ። ሽዑ፡ ርኢኻ’ለኻ፡ እዚ’ኮ የድልየና’ዩ፡ ንስለ ሓድሽ ወለዶ ቃልስና ክንቅጽል ምእንቲ የድለየና’ዩ ኢሉኒ’ ይብል። ሽዑ፡ ጀማል ኣብ ከባቢኡ ኣብ ውልቃዊ ሂወቱን ውሽጡን ውሑስ ከም ዘሎ’ዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ፡፡

ጀማል፡ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ካብ ኢስታንቡል ናብ ለንደን ዝመላለሶ ዝነበረ፡ ዕለት 28 መስከረም፡ ዓርቢ መዓልቲ፡ ሰዓት 4፡07 ቅ.ቀ. ናብ ኢስታንቡል ተመልሰ። ሽዑ ንጉሆ ሰዓት 9፡24 ቅ.ቀ. ጉዳይ መርዓኦም ንኽውድኡ፡ ጀማል ንሕጽይቱ ካቲሻ ናብ ምምሕዳር ከተማ ፋታ-ኢስታንቡል ኣሰንይዋ ኸደ። ‘ናብ’ቲ ቤ/ጽሕፈት፡ ናይ መርዓ መስርሕ እንታይ’ዩ፡ እንታይ ዓይነት ሰነዳት’ዮም’ከ ዘድልዩና ሓበሬታ ክንሓትት ሓቢርና ኬድና፡፡ ነቲ መስርሕ መርዓ ንምፍጻም ድማ ሓዳር ከም ዘይብልና መረጋገጺ ሰነድ የድልየና ነይሩ፡ እዚ ንመርዓ ኣገዳሲ ስነድ’ዩ፡፡ ንሱ ድማ ካብ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ጥራይ’ዩ ክረኽቦ ዝኽእል ነይሩ’ ትብል ካቲሻ። ጀማልን ካቲሻን ናብ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑድያ ታክሲ ተኻርዮም ከዱ። ‘ቅድሚ ምእታዉ ቴለፎኑ ምሳይ ገዲፍዋ፡ ንዓይ ግን ንኽኣቱ ኣይፈቐዱለይን፡፡ ጉዳይ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ’ዮም ዝፈቕዱ ነይሮም፡ ኣብ ውሽጢ ንኸባቢ ሰዓት ዝኸውን ጸኒሑ፡ ተመሊሱ ምስ መጸ ሩፍታ ተሰሚዑኒ፡ ንሱ’ውን ካብቲ ቆንስላ ምስ ከድና ሰላም ተሰሚዕዎ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ርክብና፡ ጽቡቕ ጌሮም ከም ዝተቐበልዎ ነጊሩኒ ነይሩ’ ትብል ሕጽይቱ ካቲሻ። ድሕሪ ሰዓትን ፈረቓን፡ እቶም ኣገደስቲ ሰነዳት ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክዳለዉ ምዃኖም ሓበሬታ ተዋሂብዎ ድማ ካብቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ወጸ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ መስከረም 28 ዓርቢ ናይ ምሸት፡ ጀማል ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ካብ ኢስታንቡል ናብ ለንደን ተመልሰ። ኣብ 29 መስከረም ድማ ኣብቲ ብ ‘ሚድል ኢስት ሞኒተር’ ዝተባህለ ጋዜጣ ዝተወደበ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሰላም- 25 ዓመታት ድሕሪ ስምምዕ ኦስሎ ዝዝቲ ንምሉእ መዓልቲ ዝጸንሐ ኣኼባ መደረ ኣስምዐ። እዚ፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ ትዊተር ናይ መወዳእታ ርእይቶ ዝሃበሉ’ዩ ነይሩ። ኣዛም ታሚሚ ዝተባህለ ፍልስጥኤማዊ ምሁርን ነጣፊ ፖለቲካን ድማ ከም’ዚ ይብል፡ ‘ኣነ ካብቶም ቅድሚ ምስዋሩ ዝረኸብዎ ናይ መወዳእታ ሰብ’የ፡ ኣብዚ ኦፊስ’ዚ ምሳይ’ዩ ነይሩ፡ ብሓንሳብ ውዒልና፡ ብሓንሳብ ተመሲሕና፡ ካብዚ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይዱ፡ ንጽባሒቱ ኣነ’ውን ናብ ኢስታንቡል ስዒበዮ፡ ምኽንያቱ ድማ ምስኡ ዝሓዝኩዎ ናይ ቴለቪዥን መደብ ስለዝነበረኒ’ዩ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣነ ናብ ኢስታንቡል ዝመጻእኩሉ፡ ለካ ንሱ ኣይነበረን። ኣብቲ ዝተራኸብናሉ ጊዜ፡ ጀማል ዝተረጋግአን ብዛዕባ ናይ መጻኢ መርዕኡ ዝተሓጎሰን ይመስል ነበረ፡፡ ሽዑ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓሳቡ ዝነበረ ሓደ መደብ ተዘራሪብና ኔርና፡ ብዛዕባ ትንተና ቁጠባዊ ኩነታት ስዑዲ ዓረብን ዞባናን ከምኡ’ውን ጸብጻባትን ዓንቀጻትን እናተርጎምና እንዝርግሓሉ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ንምኽፋት’ዩ ነይሩ’ ይብል። ጀማል ካብ ለንደን ናብ ቤ/ጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ምስ ደወለ፡ ስነዳቱ ተዳልዩ ከም ዘሎን ዕለት 2 ጥቅምቲ ሰሉስ ሰዓት 1፡30 ድ.ቀ. መጺኡ ክወስዶ ከም ዘለዎን ሓበርዎ፡፡ ጀማል ካብ ለንደን ናብ ኢስታንቡል ተበገሰ፡ እዚ ድማ ኣብ ሂወቱ ናይ መወዳእታ ጉዕዞኡ ነበረ። ኣብ ሆቴላት ኢስታንቡል ክስኣን ድማ ናይ መጀርያ ጊዜኡ ነበረ። ሃቲሻ ነቲ ንመርዓኦም ኢሉ ዝገዝኦ ገዛ ኣብ ምስትኽኻልን ኣብ ብዙሕ ኣቑሑ ገዛ ዝሽየጠሉ ቦታታት እናዞረት ዘድሊ ንብረት ኣብ ምሽማትን ነበረት፡ ካብቲ ጀማል ካብ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ምስ ተመልሰ ክገዝኦ ሓሲብዎ ዝነበረ፡ ግን ድማ ድማ ክፍጽሞ ዕድል ዘይረኸበ ድማ ንኣሽቱ ነገራት ጥራይ ተሪፍዋ ነበረ። ሃቲሻን ጀማልን፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝርከብ ቤ/መግቢ’ዮም ቆሪሶም፡ ዕላሎም ድማ በቲ ኣብ ቀረባ ክገብርዎ ዝነበሮም መርዓ ተዓብሊሉ ነበረ። ሃቲሻ ‘ብዛዕባ ዕለተ መርዓናን ንዕኡ ዝምልከት ዝርዝራዊ ነገራትን ተዛራሪብና ኔርና፡ ከመይ ከም እንውድቦን ብዛዕባ ዕዱማትን ተዘራሪብና ኔርና። ሽዑ መን ድኣ ምሳኻ ክኸይድ’ዩ ኢለ ሓቲተዮ። በይነይ ወይ ድማ ሓደ ዓርከይ ሒዘ ክኸይድ’የ ኢሉኒ፡፡ ኣነ ድማ፡ እሞ ኣነ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተይ ክቐጽዕ’ሞ ምሳኻ ክኸይድ ኢለዮ። ሽዑ፡ ናብ’ቲ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ደዊሉ ይመጽእ ኣለኹ ኢልዎም፡፡ ሓንሳብ ጽናሕ፡ ክንድውለልካ ኢና ኢሎሞ፡፡ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ደዊሎም፡ ንሰዓት ሓደ ድማ ቆጺረሞ፡፡ ሽዑ፡ ታክሲ ሒዝና ናብ’ቲ ቤ/ጽሕፈት ኬድና’ ትብል፡፡

ታኽሲ ተኻርዮም ናብ’ቲ ኣስታት 15 ኪ.ሜ. ካብ ገዛ ናይ ጀማል ርሒቑ ዝርከብ ቤ/ጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ከዱ፡፡ ሒደት ሰዓታት ቅድም ኢሉ፡ ሽዑ ምሸት፡ እታ ንጀማል እትቅንጽል ጉጅለ ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ኢንስታንቡል ዓረፈት። ሰለስተ ኣባላት ኣሃዱ ፍሉይ ሓለዋ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ካብ ካይሮ ብናይ ቢዝነስ በረራ ኢስታንቡል ኣተዉ። ክልተ ናይ ግሊ ጀት ድማ ካብ ሪያድ ተበጊሰን ኣብ ናይ ሰዓት ፍልልይ ኣብ ኢስታንቡል ዓለባ። እታ ቀዳመይቲ- ቁጽሪ HZ sk-1፡ ንሓለቓ እታ ቀንጻሊት ጉጅለ ዝኾነ ማሂር ኣል’ሙትረብን ክልተ ወሰንቲ ሰባት ዘለውዋ ካልኦት ሸሞንተ ኣባላትን ሒዛ ሰዓት 3፡30 ቅ.ቀ. ኣብ ኢስታንቡል ዓረፈት። እታ ጉጅለ፡ ኣብ ጥቓ ቤ/ጽሕፈት ቆንስል ስዑድያ ዝርከብ ዊንድሃም ግራንድን ሞቨንፒክን ዝብሃሉ ክልተ ሆቴላት ኣዕረፈት። ኣብ ክልቲኡ ሆቴላት ዝነበሩ መቆጻጸሪ ካሜራታት፡ ኣባላት’ታ ጉጅለ ብተኸታታሊ፡ ሰዓት 9፡40ን ሰዓት 10፡50ን ቅ.ቀ. ካብቲ ሆቴል ክወጹ ከለዉ የርኢ። መቆጻጸሪ ካሜራ ናይቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ድማ፡ ምእታዎም የረጋግጽ። ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ኩሉ’ቲ ሊሒኹ ወጺኡ ዝበልዎ ምስልታት- ክልተ ነፈርቲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣታቱርክ ከም ዝዓለባ፡ 15 ሰባት ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ሆቴል ከም ዝተመዝገቡ፡ ቅድሚ ካሾጊ  ናብቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈአት ምምጽኡ፡ ናብ ውሽጢ ብዘየርኢ ጸሊም ቬትሮ ዘለዋ መኪና ናብቲ ቤ/ጽሕፈት ከም ዝኣተዉን ኣቃልዑ። ብተወሳኺ፡ ስኮትላንዳዊ ክኢላ ምጽራይ ቀጽሪ (መረባ) ቻርለስ ሾብሪጅ፡ ‘እታ ጉጅለ ናብ ቱርኪ ምምጽኣ፡ እቲ ትገብሮ ዝነበረት ነገራት ምስ ኩነታት ጊዜ ብምትሓሓዝ፡ እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዘለውዋን ዘለዎም ረቂቕ ሞያን፡ ዘለዎም መዓርግን- ብፍላይ ሓደ ዝለዓለ ናይ ጸጥታ መዓርግ ዘለዎ መኮንን ምንባሩን፡ ብውሑዱ ድማ እቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ኣባላታ ምስ ዓንኬል ውሽጣዊ ጸጥታ ወራስ ዓራት ቅርበት ዘለዎም ምዃኖምን፡ እዚ ኩሉ ድማ ሓያል ዝኾነ ኩነታዊ መርትዖ ዝህበናን፡ እዞም ሰባት ኣብቲ ጉዳይ ምስታፎም ጥራይ ዘኮነስ፡ ዕላማ’ቲ ጉዳይ እንታይ ከም ዝነበረ’ውን ኣጉሊሑ ዘርእየና’ዩ’ ይብል።

መቆጻጸሪ ካሜራ፡ ጀማል ሰዓት 1፡14 ድ.ቀ.፡ ሞባይሉ ንሕጽይቱ ድሕሪ ምሃብ ስምዒታት ሓጎስን ስግኣትን እናተፈራረቖ ቻው ብምባል ተሰናቢቱ ናብ’ቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ክኣቱ ከሎ የርኢ። (ብድሕር’ዚ፡ ጀማል ደሃይ ምስ ኣጥፍአ፡ ብማዕከናት ዜና ከም’ዚ ዝስዕብ ክጋዋሕ ጀመረ)፡ ‘ጀማል ካሾጊ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝኣክል ደሃይ ኣጥፊኡ’ሎ። ጀማል ብዝኸዶ ከይተመለሰ ምስ ተረፈ፡ ሕጽይቱ፡ ብዛዕባ ምስዋር ጀማል ናብ ፖሊስ ቱርኪ ሓቢራ’ላ። ኣዳለውቲ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ሃላዋት ናይ ሓደ ካብ’ቶም ፍሉጣት ጸሓፍቶም ዘይምፍላጡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ ይብሉ። ሓደ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ብሓሙስ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ሃገሩ ክኣቱ ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ሃለዋቱ ኣይተፈልጠን’ ዝብል ነበረ፡፡ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ. ኮይኑ፡ ጀማል ኣይወጸን። ካቲሻ (ሕጽይቲ ጀማል) ናብ ያሲን ኣክታይን ቶረን ካሽላክቺን ዝብሃሉ ደዊላ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ነገረቶም። ንሳ፡ ‘ድሕሪ ሰዓት 3፡30 ስለምንታይ ጀማል ክሳብ ሕጂ ክወጽእ ዘይከኣለ ብምባል ክሓትት ጀሚረ ትብል። ተንሲኤ ነቲ ከባቢ ክዞሮ ጀሚረ፡ ነተን ካብ ቤ/ጽሕፈት ዝወጻ ዝነበራ መካይን’ውን እዕዘበን ነይረ፡ ነቲ ዝኾነ ኩነታት ክርዳእ እጽዕር ኔረ፡ እንተኾነ ሕማቕ ከጋጥም’ዩ ኢለ ፈጺመ ኣይሓሰብኩን፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ከጋጥም’ዩ ኢለ ፈጺመ ኣይሓሰብኩዎን። ብድሕሪኡ ግን ገለ ጸገም ከም ዘሎ ተረዲኡኒ፡ ብዛዕብኡ ክሓስብ ድማ ጀሚረ፡ ናብ’ቲ ማዕጾ ብምምራሕ ድማ ንጀማል’የ ዝጽበዮ ዘለኹ፡ ስለምንታይ’ዩ ክሳብ ሕጂ ዘይወጸ ኢለ ሓቲተዮ። እቲ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ሰብ የለን፡ ኩሉ ሰብ ከይዱ’ዩ ኢሉኒ። ብድሕሪኡ፡ እቲ መጀመርያ ክገብሮ ዘሎኒ ክሓስብ ጀሚረ- ሽዑ፡ ቴለፎን ናይቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ቀልጢፈ ብምርካብ ደወልኩ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ቤ/ጽሕፈት ይጽበ ከም ዘለኹ ድማ ነገርኩዎም፡ ጀማል ናብ ውሽጢ ከም ዝኣተወን ከም ዘይተመልሰን፡ ኣነ ድማ ሕጽይቱ ምዃነይን ነጊረዮም፡፡ እቲ ሰራሕተኛ ነታ ቴለፎን ዓጽዩ ናብ’ቲ ኣፍደገ መጸ፡ ኣብ ውሽጢ ዋላ ሓደ የለን፡ ሰብ ዝብሃል የለን፡ ስለዚ ኣብዚ ምጽባይኪ ዋጋ ዘለዎ ኣይኮነን ድማ በለኒ፡፡ ኣእጋረይ ከንቀጥቅጥ ጀመረ፡ ናብ ኣቶ ያሲን ደውሊ ዝብል ሓሳብ ድማ ናብ ኣእምሮይ መጸኒ’ ትብል ካቲሻ- ሕጽይቲ ጀማል።

ያሲን ብወገኑ፡ ‘ጀማል፡ ቅድሚ 5 ሰዓታት ናብቲ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ምስ ኣተወ ተመሊሱ ኣይወጸን ኢላትኒ፡ ሽዑ’የ ድማ ዓብይ ሽግር ከም ዘሎ ክፈልጥ ዝኸኣልኩ፡ ካሾጊ ናብቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ምእታዉ ኣይፈልጥን’የ ነይረ፡ እዚ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ሽዑ ሓንሳብ ተጸበይኒ ቴለፎን ክደዋውል’የ’ሞ ተመሊሰ ክድውለልኪ’የ ብምባል ዓጽየያ። ናብ ኩሎም ናይ ጸጥታ መኮንናት ድማ ደወልኩ፡ ናብ ላዕለዋይ ሓላፊ ስርዓተ-ጸጥታ ኣቶ ሃካን ፋዳን ከይተረፈ ደዊለ፡ መሊሰ ናብ ቤ/ጽሕፈት ፕረሲደንት ደዊለ፡ ንገለ ኣዕሩኽ ጀማል’ውን እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ሓቢረዮም፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ፡ ኣባላት ኣሃዱ ጸጥታ ኣድላዪ ዘበለ መስርሓት ጀሚሮም፡ ኩሉ ሰብ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ነገር ፈለጠ፡፡ እዚ፡ ጀማል ደሃይ ካብ ዘጥፍእ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ጥራይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ብድሕሪኡ ንኣቶ ቱራን ኪስላቺ ደዊለሉ’ ይብል ኣቶ ያሲን፡፡ ካቲሻ ብወገና፡ ብኸምዚ’ዩ እቲ ወረ ናብ ሚድያ፡ ኣካላት ፍትሕን ጸጥታን ተዘርጊሑ ትብል። ቱራን ድማ፡ ‘ካቲሻ እንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ ነገረትኒ፡ በቃ! ክሓትዎ ስለዝደለዩ፡ ኣብቲ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለሞ ኣለዉ ማለት’ዩ ኢለ፡፡ እንታይ ኢኻ ትገብር ዘለኻ? ሰለምንታይ ከምኡ ትገብር? ወዘተ ኢሎም ክሓትዎ’ዮም ኢለ ሓሲበ’ ይብል።

ብዛዕባ ዕጫ ናይ’ዚ ሰብኣይ ብዙሕ ግምታት’ዩ ነይሩ፡ ኣብቲ ጊዜ፡ እቲ ዝኸፍአ ዝብሃል ግምት፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተጨውዩ ተወሲዱ ይኸውን’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሕተም ዘ-ጋርድያን ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ካሾጊ፡ ቅድሚ ናብ ስዑድያ ምስግጋሩ ካብቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑድያ ተዓፊኑ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብናይ ዲፕሎማት መኪና ወጺኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ሻቕሎቱ ገለጸ። ያሲን ብወገኑ፡ ‘ብመሰረት ዘሎና ሓበሬታ፡ እዚ ስዑድያዊ ዜጋ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስላዊ ቤ/ጽ/ስዑድያ ከም ዘሎ’ዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ሓበሬታ የብልናን’ ይብል። ወግዓዊ መስመራት መንግስቲ ቱርኪ ግን ክሳብ እዚ ጊዜ’ዚ ስቕታ’ዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልታት- ኣብ 3 ጥቅምቲ ግን ብኣፈኛ ቤ/ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢብራሂም ካሊን ኣቢሉ ወግዓዊ መግለጺ ወጸ፡፡ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ድማ ብፕረሲደንት ኤርዶጋን ተወሳኺ ሓበሬታ ተዋህበ- ምጽራይ ናይዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድማ፡ ነቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ናይ ድምጽን ተንቀሳቓሲ ምስልን ወሲኽኻ ብዙሕ ዝርዝራዊ ሰነዳት ዘለዎ ኣገልግሎት ጸጥታ ቱርኪ ተዋህበ፡፡ ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን፡ መንግስቲ ቱርኪ ኮነ ኢሉ ንወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ብቐጥታ ንዘይምኽሳስ፡ ነዊሕ ኣገባብ መርመራ ብምምራጽ፡ ንንጉስ ሳልማን ካብቲ ገበን ነጻ ከብሎ ዝኽእል ስትራተጂ ተጠቕመ። (ኣብዚ ጉዳይ) ብኣገልግሎት ጸጥታ ቱርኪ ብዙሕ ኣገባባት ብጥንቃቐ ከም ዝተዓየየ ዳርጋ ግሉጽ ነበረ። ነቲ ብዛዕባ ስዑዲ ዝወጽእ ዝነበረ ድኹም ዝኾነ ጸብጻባትን ብኣሜሪካ ዝወሃብ ዝነበረ ባዶ መግለጺታትን ስዒቡ፡ ሊሒኹ ዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታን ቁጥዐን እናበዝሐ ከደ፡፡ እቲ ልሒኹ ዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታ፡ ነቲ ኩነታት ንምምእዛን ከም ቀንዲ መሳርሒ ኣገልገለ፡፡

ቱርኪ ብዛዕባ’ቲ ዝተረጋገጸ መርትዖ ንህዝቢ ንምሕባር ዝነበራ ዕላማ፡ እቲ ጉዳይ ፖለትካዊ መልክዕ ንኸይሕዝ ኣብ ምቅላስ ነበረት። ቻርለስ ሾብሪጅ (ስኮትላንዳዊ ክኢላ ም’ጽራይ ቀጽሪ/መረባ)፡ ‘ከም ሓቂ ኣብቲ ገለ ባእታታት ናይ ቱርኪ ጸጥታዊ ትካላትን መኮንናትን ዘልሑኹዎ ዘለዉ ወይ ዝሓትዎ ዘለዉ ኢና ንምርኮስ ዘሎና። ኣብዚ ጉዳይ ናይ ገዛእ ርእሶም ምኽንያት ክህልዎም ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምናልባት ንህዝቢ ክግለጽ ከሎ ኣብ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምኽንያታት ዝምርኮስ ክኸውን ይኽእል ይኸውን፡ ብድሕሪ መጋረጃ’ውን ምናልባት ምስ ስዑዳውያንን ኣሜሪካውያንን ገለ ዝርርባት ይህሉ ይኸውን፡ ከም ካልኣይ’ውን ምናልባት ንኹነታት እቲ ንመጻኢ ክገብርዎ ዝኽእሉ ምጭፍላቕ ንዘይምጉዳእ ክኸውን ይኽእል ይኸውን’ ይብል። ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብዚ ጉዳይ፡ ናይ ክሕደት ፖሊሲ ብምኽታል ንነብሱ ካብቲ ገበን ከግልል’ዩ መሪጹ። ብመሰረት ኣጻራይት ጉጅለ ናይ’ዚ መደብ፡ ወግዓዊ ትካል ሕትመት ስዑድያ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ጀማል ዝተሰወረሉ ጥቅምቲ 2ን ሕዳር 2ን ዘሎ ጊዜ፡ ልዕሊ 148 ብዛዕባ ምስዋር ጀማል ካሾጊ ዝምልከት ኣመግለጺታት ሓቲሙ። እቲ ወግዓዊ መግለጺታት ድማ 89 ዜናዊ ጉዳያትን 19 ብወረስቲ ዓራትን መንግስታዊ ሚኒስተራትን ዝተዋህቡ መግለጺታትን ዘጠቓልል’ዩ ነይሩ። ብመሰረት’ቲ ናይ ምጽራይ ጉጅለ፡ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ 11 ናይ ቴለፎን ጻውዒታትን ርክባትን ከካይድ ከሎ ወራስ ዓራት ድማ 3 ርክባት ኣካይዱ፡፡ እቲ ወግዓዊ ትካል ሕትመት፡ ብቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑዲ ኣብ ኢስታንቡል ኣቢሉ ክልተ ኣዋጃት፡ ብኣኽባር ሕጊ ስዑድያ- ሳዑድ ኣል’ነጃብ ክልተ መግለጺታት፡ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓብደልዓዚዝ ቢን ሳዑድ ሓደ መግለጺ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓብደላ ኣልጁበይር ድማ ብዛዕባ ጀማል ካሾጊ ዝምልከት ኣብ ሓደ ወርሒ ክልተ መግለጺታት ኣውጺኡ’ዩ። እቲ ወግዓዊ ትካል ሕትመት፡ 4 ናይ መጸናንዒ ደብዳቤታትን ናብ ስድራቤት ጀማል ክጽሕፍ ከሎ፡ ባይቶ ላዕለዎት ምሁራት ድማ ሓደ መግለጺ ጽሒፉ። ብንጉስ ስዑዲ ዝወጹ ንጉሳዊ ትእዛዛት 4 ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ምብራር ናይቶም ኣብ ንጉሳዊ ቤ/ፍርዲ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዘጠቓልሉ’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ቤ/ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ንኣምባሳደር ስዑዲ ብምጽዋዕ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ክህቦ ሓተተ። እዚ ነቲ ኣብ 3 ጥቅምቲ ብቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑድያ ኣብ ኢስታንቡል ኣቢሉ ዝወጸ ቀዳማይ ወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ስዑዲ ምኽንያት ዝኾነ ነበረ። ከምዚ ድማ ይብል፡ ‘ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈትና፡ ስዑዳዊ ዘግነት ዘለዎ ጀማል ካሾጊ ካብ’ቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ህንጻ ቆንስላዊ ቤ/ጽህፈትና ምስ ወጸ ንዘጋጠሞ ምስዋር ኣብ ሚድያ ይከታተሎ’ሎ’ ይብል። እቲ ቆንስል ብተወሳኺ፡ ነቲ ካብ ህንጻ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈትና ምስ ወጸ ዘጋጠመ፡ ድሕሪ መጋረጃ ምስዋር ካሾጊ ዘሎ ኩነታት ንምቅላዕ፡ ናይ ምክትታል ኣገባባትን ምስ ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ናይ ምውህሃድ ስርሓትን ንገብር ኣሎና በለ። ነዚ ስዒቡ ብመሓመድ ቢን ሳልማን ሓደ መግለጺ ወጸ። ትካል ዜና ብሉምበርግ ድማ፡ ንወኪል ወግዓዊ ሕትመታት ስዑድያ ቀዲሙ ዓርቢ ዕለት 3 ጥቅምቲ ነቲ መግለጺ ዘርግሖ። (እቲ ቆንስል እንደገና) ኣብ 6 ጥቅምቲ፡ ‘ኣነ ዝፈልጥ ናብ ውሽጢ ከም ዝኣተወን ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ምናልባ ድማ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከም ዝወጸን ጥራይ’ዩ’ በለ። ብተወሳኺ፡ ‘እወ ኣብ ውሽጢ ቤ/ጽ/ቆንስልና የለን፡ ኣብ ስዑድያ እንተዝህሉ ድማ ምፈለጥኩ ኔረ’ በለ።

ሕጽይቲ ጀማል ካቲሻ ድማ ‘ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ስቕ ኢልና ናብቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ንኸይድ ኔርና፡ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ድማ ንጽበ ኔርና፡ ምኽንያቱ ጀማል ኣብ ውሽጢ ኣሎ ኢልና ኢና ንሓስብ ኔርና፡፡ ሽዑ ስዑዲ ዓረብ፡ ጀማል ናብ ቤ/ጽሕፈቶም ምስ ኣተወ ቁሩብ ጸኒሑ ከም ዝወጸ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰሙን’ዩ ነይሩ፡ ብድሕሪኡ ናብኡ ምኻድ ኣቋሪጸዮን ጀማል ኣብቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ከም ዘየሎ ክኣምን ክኢለን። ናብ ስዑድያ ወይ ናብ ካልእ ቦታ ወሲደሞ ኣለዉ ድማ በልኩ’ ትብል። ካልእ ዩሱፍ ኣልባራዳ ዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካን ጸጥታን ‘ኣብ መጀመርያ ፍጻመ ናይቲ ጉዳይ፡ ፕረሲደንት ኦርዶጋን፡ ሰበ-ስልጣን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ቤ/ጽሕፈቶም ከም ዝወጸ ብግልጺ እንተዘየርእዮምና፡ ሓላፍነት ናይ’ቲ ጉዳይ ዝወስዱ ባዕላቶም’ዮም ኢሉ ኔሩ። ከም ዝፍለጥ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ብሰራዊት ማሕበራዊ ሚድያኦም ኣቢሎም ጀማል ካሾጊ ካብ ቤ/ጽሕፈቶም ከም ዝወጸ ፕሮፖጋንዳ’ዮም ጀሚሮም፡፡ እዚ ድማ ንስዑድያን ነቲ ትርጉም ኣልቦን ዝተፈብረኸ መግለጺኦምን ሓላፍነት ዘሰክም ብኣካላት ጸጥታ ቱርኪ ዝወጸ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ናይ ትግበራ ውጥን ዝሓዘ’ዩ ነይሩ።

እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ብዛዕባ ቅትለት ጀማል ናይ መጀመርያ ሓደሽ ዜና ሒዛ’ያ መጺኣ። ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቱርኪ ንሩተርስ ከም ዝበሎ፡ ናይ መጀመርያ መጽናዕቲ ፖሊስ ቱርኪ ከም ዝሕብሮ፡ ጀማል ካሾጊ ኣብቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ብመደብ ከም ዝተቐትለን ሬስኡ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዝተሰጋገርን’ዩ። መንግስቲ ስዑድያ ነዚ ዜና’ዚ ኮነኖን ነጸጎን። ካብ መንበሪ ናይቲ ቆንስል ዝወጸ ወግዓዊ ምንጪ ከም ዝሕብሮ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል፡ ነቲ ብሩተርስ ዝወጸ ዜና ኮኒንዎ’ዩ። ብመሰረት ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ዝሃብዎ ሓበሬታ ድማ ናይ ስዑድያ ዜንግነት ዘለዎ ጀማል ኣብ ውሽጢ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑድያ፡ ኣብ ኢስታንቡል ከም ዝተቐትለ’ዩ። ነዚ’ውን መንግስቲ ስዑድያ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ብምባል ብትሪ ነጺግዎ’ዩ። ኣብ 6 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ- ንሩተርስ ናብ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈቱ ዓደሞም’ሞ ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ከም ዘየለ ንምርኣይ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ እናዞሩ ከም ዝዕዘቡ ገበሮም፡፡ እቲ ቆንስል መሊሱ ነቲ ብዛዕባ ቅትለት ካሾጊ ዝተዋህበ ዜና ኮነኖ’ሞ፡ ጀማል ካብ’ቲ ህንጻ ወጺኡ’ዩ ኣብ ዝብል ደረቐ። እንተኾነ ከረጋግጽዎ ኣይከኣሉን፡ ምኽንያቱ መቆጻጸሪ ካሜራታት ናይ’ቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ምስሊ ኣይዓቀበን። ብድሕሪ’ዚ ‘ገለ ሽግር ከም ዘሎ ክንርዳእ ክኢልና፡ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣብ ቤ/ጽሕፈትካ ይስወር እንተሎ፡ ካብ’ቲ ቤ/ጽሕፈት ከም ዝወጸ ዘረጋግጽ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ከተቕርብ ኣለካ፡፡ ዘይሰርሕ ወይ ዘይስንድ ስርዓተ-መቆጻጸሪ ሲሲቲቪ’ዩ ዘሎና እንተድኣ ኢሎምኻ ድማ፡ ክትኣምኖ ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ስርዓተ-ስነዳ ክህልወካ ዘይከኣለ ቀንዲ ምኽንያት ሕጽረት ገንዘብ እንተኾይኑ ድማ፡ እዚ’ውን ብርግጽ ንስዑዲ ዓረብ ዓቢ ሽግር ኣይኮነን’ ይብል።

ሰኑይ ዕለት 8 ጥቅምቲ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ’ቲ ቅልውልው ናይ መጀመርያ መግለጺ ኣውጽአ፡፡ መግለጺ ትራምፕ፡ ተሪር ግብረ-መልሲ ስዑድያ ኣኸተለ- እቲ ጀማል ካሾጊ ብስዑድያ ተቐቲሉ ወይ ተኣሲሩ ዝብል ክሲ ምሉእ ብምሉእ ሓሶትን መሰረት ዘይብሉን’ዩ ዝብል ዝነበረ ኣምባሳደር ስዑድያ ኣብ ኣሜሪካ- ልዑል ኻልድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ብወግዒ ስርሑ ዓጽዩ ናብ ሃገሩ ኣምርሐ። ተወሳኺ መብርሂ ይወሃበና ብዝብል ምኽንያት ድማ ዳግማይ ተመልሰ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ CNN ቀሪቡ፡ ‘ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሕጂ ክዘራረብ ጸኒሔ፡ እቲ ንጉስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ የብለይን ብምባል ኣትሪሩ’ዩ ዝቃወም፡ ጥልቕ ኢለ’ኳ ክሓቶ እንተዘይደለኹ፡ ብሓቂ ዝፈልጦ የብሉን። ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ቀተልቱ ቀይዲ በተኻት (በጋሚንዶታት) ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም’ ብምባል ተዛረበ። ዋዳሕ ኻንፋር- ጋዜጠኛን መስራትን መድረኽ ኣል’ሻርቕ ድማ፡ ‘ካብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንመሓመድ ሳልማን መውጽኢ ክፈጥረሉ’ዩ ጽዒሩ። ብርግጽ ኣብ መንጎ ትራምፕን መሓመድ ሳልማንን ዘሎ ሓያል ዝምድና ንፈልጦ ኢና፡ ትራምፕ ቅድሚ መንግስቲ ስዑድያ ብዛዕባ ባእታታት በጋሚንዶ ዝብል ቃል ክዛረብ ከም ዝጀመረ’ውን ንፈልጥ ኢና፡ እዚ ድማ መውጽኢ ክፈጥረሎም ስለዝደለይ’ዩ፡ ስለዚ ነቲ ገበን ንምሽፋን ክጥቀምሉ ይኽእሉ’ዮም፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እንበኣር ተራ ምምሕዳር ትራምፕ እዚ’ዩ ነይሩ’ ይብል። ሃቲሻ ሴንጊዝ (ሕጽይቲ ጀማል) ድማ፡ ‘ካብ ፕረሲደንት ትራምፕ ዕድመ መጺኡኒ፡ ሒደት ሳምንታት ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ዓዲሙኒ፡ ብእወታዊ ዓይኒ ኣይረኣኹዎን፡ ብፖለቲካዊ ሸርሒ ጥራይ’የ ክሪኦ ክኢለ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ህዝቢ ኣረኣእያ ንምኽሳብ’ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ሕ/መ/ኣሜሪካ ብርግጽ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጡ ገለ ነገር ክትገብር ትኽእል ኔራ’ያ’ ትብል።

ዕለት 8 ጥቅምቲ፡ የኒ ሸፋክ ዝተባህለት ጋዜጣ ቱርኪ፡ ኣካላት ጸጥታ፡ ንምንቅስቓስ እተን ብቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑዲያ ኣብ ኢስታንቡል ዝውነና 26 መካይን፡ ኣብቲ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ዝተሰወረሉ ዕለት ኣበይ ከም ዝነበራ ይምርምርዎ ኣለዉ ብምባል ኣቃልዐት። ኣብ ጥቓ ቆንስላዊ ቤ/ጽፈት ስዑድያ ዘሎ መቆጻጸሪ ካሜራታት፡ ክልተ መካይን- ማለት- ሓንቲ መርሰደስ ቪቶ ዝዓይነታ ቁ/ታርጋ 34CC 1865 ከምኡ’ውን ካልእ ቁ/ታርጋ 34CC 2248፡ ጀማል ናብቲ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ምስ ኣተወ ድሕሪ ሰዓትን ሓምሳ ደቒቕን ናብ መንበሪ ገዛ ቆንስል ስዑድያ ከምርሓ ከለዋ የርኢ። እተን መካይን ንሰለስተ መዓልቲ ኣብቲ ናይ’ቲ መንበሪ ጋራጅ ድሕሪ ምጽንሐን፡ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ናብቲ ኣብ ጥቓ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ዝርከብ መሕጸቢ መካይን ተወስዳ። እቲ ኣውቲስታ ብጥንቃቐ (ተገዲሱ) ከጽርየን ከም ዘለዎ ተሓቢርዎ ነበረ፡፡ ቅድሚ ፖሊስ ቱርኪ ነቲ ገዛ ምፍታሾም፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ መሕጸቢ መካይን እቶም ሰራሕተኛታት ነተን ክልተ መካይን ከጽርይወን ከለዉ ስእሊ ወሲድና ኔርና ይብል ኣዳላዊ ናይ’ዚ መደብ፡፡ ብተወሳኺ፡ እታ ቪቶ ዝዓይነታ መኪና፡ ኣብ ኣፍ-ደገ መንበሪ ገዛ ናይ’ቲ ቆንስል ደው ኢላ ከላ ስኢልናያ ኔርና፡፡ ቱርካውያን መርመርቲ፡ እቲ ዝተቖራረጸ ኣካላት ጀማል በዛ መኪና’ዚኣ ከም ዝገዓዘ’ዮም ዝኣምኑ፡፡ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብ 9ን 10ን ጥቅምቲ’ዩ ክቃላዕ ክኢሉ። ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዋሽንግተን ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ጀማል፡ ሰሉስ ዕለት 2 ጥቅምቲ ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ. ናብ ቤ/ጽሕፈት ቆንስል ስዑድያ ክኣቱ ከሎ ዘርኢ ካብ መቆጻጸሪ ካሜራታት ዝተረኽበ ምስሊ ንመጀመርያ ጊዜ ኣሕተመ፡፡ ዕለት 10 ጥቅምቲ፡ መራኸቢ ብዙሓን ቱርኪ ስእልን ኣስማትን ናይ’ታ ቀንጻሊት ጉጅለ ዘርኢ ምስሊ ፈነወ። ኒው ዮርክ ታይምስ ድማ ብዛዕባ’ቲ ስርሒት ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቕረበ፡፡ ጃማል ካሾጊ፡ ክልተ ሰዓታት ድሕሪ ምማቱ ብናይ ዓጽሚ መጋዝ ከም ዝተቖራረጸን፡ ናይ ሞት ትእዛዝ ድማ ካብ’ቶም ዝለዓሉ ሓለፍቲ ስዑድያ ከም ዝተዋህበን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፈረ። ቱርካዊ ጋዜጠኛ ቱራን ኪስላቺ ከምዚ ይብል፡ ‘ንዙረት ከም ዝመጹ’ዮም ዝገልጹ፡ እንተኾነ ናብ’ቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ክኸዱ ብዙሕ ኣይረኣዩን፡፡ ሰዓታት ጸኒሖም ድማ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይዶም። መጀመርታ ናብ ሆቴል’ዮም ኣምሪሖም፡ ብድሕሪኡ ናብ’ቲ ኣብ ኢስታንቡ ዝርከብ ሓሚዲያ ዝተባህለ ዕዳጋ ብምኻድ ካብ 16 ክሳብ 20 ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓበይቲ ቦርሳታት ገዚኦም። ካብኡ ናብ ቤ/ጽ/ቆንስል፡ ጸኒሖም ድማ ናብ መንበሪ ገዛ ኣምባሳደር ከይዶም። ካብኡ ናብ ሆቴል ተመሊሶም፡ ኣብ መወዳእታ ወጺኦም ከይዶም። ሆቴል ዝተታሕዘሎም ንኣርባዕተ መዓልታት’ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ 10 ሰዓታት ጥራይ’ዮም ጌሮም ከይዶም፡ ስለምንታይ?’ ብምባል ይሓትት። ተንታኒ ፖለቲካን ጸጥታን ዝኾነ ዩሱፍ ኣልባርዳ ድማ ‘ስእልን መንነትን ናይዞም 15 እንተተዓዚብና፡ እዞም ሰባት’ዚኦም ኣብ ሓለዋን ካልኦት ጉዳያትን ዝነጥፉ ካብቶም ዝቐረቡ ኣባላት ጉጅለ መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዝኾኑ ኢና ክንርዳእ እንኽእል’ ይብል።

11 መዓልቲ ድሕሪ ጀማል ምስዋሩ፡ ትራምፕ፡ ኣብቲ ናይ CBS ናይ 60 ደቒቕ መደብ ብምቕራብ ‘ስድራቤት ወራስ ዓራት፡ ብዛዕባ’ዚ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝኾነ ኣፍልጦ የብልና ኢሎም ኣለዉ፡ እንተኾነ ጀማል ካሾጊ መይቱ እንተተረኺቡ ስዑዲ ዓረብ ከቢድ መቕጻዕቲ ይጽበያ ኣሎ ብምባል ኣጠንቀቐ። ኣዝዩ ሕማቕን ዘጽልእን ነገር ኣሎ ክብል ከለኹ ክገርመኪ ይኽእል ይኸውን፡ ከምዚ እንተኾይኑ ግን፡ ናብ ታሕቲ ወሪድና ክንርኢ ዘድልየና እንተኾይኑ ክንሪኦ ኢና፡ ከቢድ ዝኾነ መቕጻዕቲ ድማ ክህሉ’ዩ’ በለ። ክኢላ ቀጽሪ (መረባ) ቻርለስ ሾብሪጅ ብወገኑ ‘እዞም ሰባት’ዚኦም ብዘይ ኣፍልጦ ሰበ-ስልጥን መንግስቲ ስዑድያ’ዮም ፈጺመሞ ይብሉ እንተለዉ፡ ናይ’ዞም ሰባት ዲፕሎማሲያዊ ብዩንነት ብምሕዳግን ንፍርዲ ናብ መንግስቲ ቱርኪ ከም ዝቐርቡ ብምግባርን ከረጋግጽዎ ምኸኣሉ ነይሮም። እንተኾነ፡ ከምዚ እንተኾይኑ ብርግጽ ሓደ ዓቢ ሽግር ክስዕብ ይኽእል’ዩ፡፡ እዞም ብናይ ቅትለት ክሲ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡ ሰባት፡ ኣስማት ናይቶም ነቲ ውሳነ ዝሃቡ ካልኦት ሰባት ክነግሩ ይኽእሉ’ዮም፡ እዚ ድማ ብርግጽ ንመንግስቲ ስዑድያ ዝሰማማዕ ጉዳይ ኣይመስለንን’ ይብል። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ጀርመንን፡ ዕቱብ ምርመራ ክግበር ሓባራዊ መግለጺ ኣውጽኡ። ቻርለስ ብምቕጻል ‘ብርግጽ መንግስታት ኣሜሪካን እንግሊዝን፡ እዚ ጉዳይ ከም ዘይተፈጸመ ንምምሳል ሓደ መደብ ከውጽኡ ደልዮም ነይሮም’ዮም፡ እንተኾነ፡ ህዝቢ ንሚድያታት ጸቕጢ ምስ ገበረሉ፡ ሚድያ ድማ ንምዕራባዊ መንግስታት ብውሕዱ ንሓጺር ጊዜ ዝጸንሕ ውሳነ ንኽወስዱ ጸቕጢ ጌርሎም’ዩ፡፡ እዚ ድማ ብርግጽ ንመንግስቲ ስዑድያ ጌጋ ፍርዳዊ መረዳእታ ንኽሕዝ ጌርዎ’ዩ በለ። ዋዳሕ ካንፋር ‘ብርግጽ፡ ድሒሮም ብሰንኪ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝነበረ ጸቕጢ፡ ብሰንኪ ሚድያን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኮንግረስ- ኣብ መንጎ ዲሞክራሲያውያንን ሪፓብሊካውያንን ዝነበረ ፍልልይን ኣረኣእያኦም ንኽቕይሩ ገይርዎም’ዩ። ይኹን ድኣምበር፡ ዋላ’ኳ ኣዘራርባ እንተቐየሩ፡ ኣብ ኩሉ ዳርጋ ተመሳሳሊ ስትራተጂ’ዮም ዝኽተሉ ነይሮም- ካብቲ ጉዳይ መውጽኢ ምንዳይ’፡፡ ኻልድ ‘ስለዚ ሚስተር ትራምፕ ጸቕጢ ምስ በዝሖ፡ ሽዑ ንሽዑ ንሚኒስተር ጉድያት ወጻኢ ሚስተር ፐምፐዮ ናብ ሪያድን ኣንካራን ለኣኾ፡፡ ናብ ሪያድ እቲ ንሳቶም ዝብልዎ ሓቕታት ክሰምዕ’ዩ ከይዱ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ቤ/ጽ/ቆንስል ስዑድያ ዝተፈጸመ ጉዳይ ንምምርማር ድዩ ከይዱ ወይስ ዛንታ ንምፍብራኽ ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን’ ይብል።

እዚ መግለጺ’ዚ እምበኣር ኣብ ዕዳጋታት ስዑድያ ኣጋውሐ’ሞ ኣብ’ቲ ናይ ንግዲ ወቕቲ ዝጅምረሉ 14 ጥቅምቲ፡ ሓባሪ ቀረብ ዕዳጋታት ስዑድያ ብ7% ኣንቆልቆለ። በዚ ኩነታት’ዚ ዝሰግአ መንግስቲ ስዑድያ፡ ኣንጻር’ቲ ንግስነት ንዝውሰድ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ፡ ብዝኸፍአ መልክዑ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ዘጠንቅቕ መግለጺ ኣውጽአ። ይኹን ድኣምበር፡ ካልእ ንመንግስቲ ስዑድያ ናብ ወጥርን ስግኣትን ዘእተወ ኩነታት ድማ ተራእየ፡፡ ሓደ ኣባል ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ስዑድያ፡ ‘ነቲ ሃለዋቱ ይተሓበረና’ ዝብል ጽሑፍ ዝነበሮ ስእሊ ናይ ጀማል ብምቕዳድ ናብ መሬት እናደርበዮ ተራእየ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ እዚ ስእሊ ጀማል ዝቐደደ ዲፕማት፡ ነታ ንመንበሪ ገዛ ቆንስል ስዑድያ ንምፍታሽ ዝመጸት ጉጅለ ክኢላታት ቱርኪ ዘድልያ ሓበሬታ መልሲ ዝህብ ሰብ ኮይኑ ጸንሐ፡፡ ኣብ 14 ትቅምቲ፡  ስም ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን ንመጀመርያ ጊዜ ተጠቕሰ። ወኪል ሕትመት ስዑድያ፡ ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን ንፕረሲደንት ቱርኪ- ኤርዶጋን ከም ዝረኸቦን ንጉዳይ ጀማል ካሾጊ ንምጽራይ ዝምልከት፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ሓባራዊ ጉጅለ ንምቛም ዘቕረቦ ንድፊ ምቕባሉ ከም ዘመስገኖን ሓበረ። እቲ መጉዚት ናይ ክልቲአን ቅዱሳት መሳጊድ ዝኾነ (መሓመድ ቢን ሳልማን)፡ ስዑድያ ምስታ ሓፍታ ዝኾነ ቱርኪ ዝምድናኣ ክትቅጽል ናይ ንግስነቱ ድሌት ምኽኳኑ ኣፍለጠ። ኣብ 15 ጥቅምቲ፡ ንጉስ ሳልማን ካብ ፕረሲደንት ኣሜሪካ- ዶናልድ ትራምፕ ናይ ቴለፎን ጻውዒት ተቐበለ። ወኪል ሕትመት ስዑድያ ድማ፡ ትራምፕ፡ ነቲ ብዛዕባ መጽናዕቲ ጉዳይ ጀማል ካሾጊ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ስዑድያን ቱርክን ዝተጀመረ ምትሕግጋዝ ከም ዝመጎሶ ሓበረ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስዑድያን ቱርክን ናብቲ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ብምምራሕ፡ ብምኽትል ዋና ኣኽባር ሕጊ ኢስታንቡልን ብዙሓት ካብ ቤ/ጽ/ዳይረክተር ጸረ-ሽበራ ዝመጹ ክኢላታትን እትምራሕ ሓባራዊት ጉጅለ ኣቖሙ፡፡ ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት፡ እታ መርማሪት ጉጅለ ምሉእ መሳርሒታት ዝዓጠቓ መካይን ኣሰንያ ናብ’ቲ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት መጸት። እቲ ዕዮ ክሳብ ወጋሕታ 16 ጥቅምቲ ንኸባቢ 9 ሰዓታት ዝቐጸለ ስራሕ ነበረ። እታ ጉጅለ፡ ቅምሶ ሓመድን ኣብቲ መካበብያ ዝነበረ ማዕጾ ሓጺንን ብምውሳድ ካብቲ ቦታ ወጸት፡፡ ናይ ሚድያ ካሜራታት፡ ነቲ ድሕሪ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ንኽፍተሽ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ቆንስላዊ መንበሪ ገዛ ከቢብዎ ነበረ፡፡ ኣብ 16 ጥቅምቲ፡ እቲ ቆንስል በቲ ኣብ መንጎ ዝዝረብ ዝነበረ ናይ ምትሓዙ ተኽእሎ ስለዝተሻቐለ ናብ ሃገሩ ክምለስ ወሰነ።

ፖለቲካውን ጸጥታውን ተንታኒ ዩሱፍ ኣላባርዳ ከም ዝብሎ፡ ‘ድሕሪ’ዚ ኩሉ ሞያዊ መርመራ፡ ፕረሲደንት ኤርዶጋን፡ ንንጉስ ሳልማን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሲኽኻ ናብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ መራሕቲ ዝተወሰነ ናይ ቴለፎን ጻውዒታት ኣካየደ። ብድሕሪ’ዚ ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ዝተፈብረኸ ዛንታ ጀማል ካሾጊ እቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ናብ ሓደ ዘይእመን ደረጃ ከም ዘውረዶ ኣስተውዓለት’ሞ፡ ጀማል ካሾጊ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ከም ዝተቐትለ ተ’ኣመነት።

ኣዳለውቲ ‘ሪል ስቶሪስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ‘ኣባላት ጸጥታ ስዑድያ ኣብ መንጎ 12ን 17ን ጥቅምቲ፡ ናብ ህንጻ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈትን መንበሪ ቆንስልን ኣብ ዛኣትውሉ ጊዜ ብተደጋጋሚ ክንከታተል ዕድል ረኺብና ኔርና። ድሒርና ድማ እዛ ጉጀለ’ዚኣ፡ ከሚካላዊ ክኢላ ኣሕመድ ዓብደልዓዚዝ ጃኑቢን ክኢላ ስነ-መርዚ ኻልድ ያሕያ ኣልዛህራኒን ዘጠቓለለት ከም ዝነበረት ከነረጋግጽ ክኢልና’ ይብሉ። ነዛ ጉጅለ’ዚኣ’ዩ እምበኣር ናይ ቱርኪ ሚድያ ነቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ቆንስል ዝነበረ መርትዖታት ብመደብ ከም ዘይፍለጥ ጌራቶ’ያ ዝበለ። ክኢላ መረባ (ቀጽሪ) ቻርለስ ሾብሪጅ ድማ ‘ንሓደ ከም ምርምራዊ መርትዖ ከገልግል ዝኽእል መረባ ምሉእ ብምሉእ ከተጽርዮ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ፡ መሊስካ ክትገድፎ እትኽእል ካልእ መርትዖ ድማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘጽረኻዮ’ዩ፡ እዚ ድማ እንደገና ኣንጻር’ቲ ክሱስ ኩሉ ጊዜ ከም ኩነታዊ መርትዖ ኮይኑ የገልግል ማለት’ዩ’ ይብል። ድሕሪ’ቲ ሓቂ ንምቕባል ዝነበረ ተደጋጋሚ ክሕደት፡ ኣብ 20 ጥቅምቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ንመጀምርታ ጊዜ ጀማል ኻሾጊ ከም ዝሞተን 18 ስዑዳያን በዚ ጉዳይ ተሓተቲ ምዃኖምን ብኣኽባር ሕጊ ኣቢላ መግለጺ ኣውጽአት። ኣብቲ መግለጺ፡ እቲ ቅትለት ሳዕቤን ባእሲ (ጽልኢ) ምዃኑ ዝእምም ሓበሬታ ሰፊሩ ነበረ። ሕጽይቲ ጀማል ካቲሻ ድማ ከምዚ ትብል ‘ብስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ፡ ጀማል ተቐቲሉ’ዩ ኢለ ምሉእ ብሉእ ኣይኣመንኩን ኔረ፡ ምኽንያቱ ጀማል ከቕትሎ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ዝገበሮ ነገር ኣይነበረን። ማለተይ ጀማል ዝኾነ ዝተኸሰሰሉ ጉድያ ኣይነበሮን፡ ኣንጻሩ ዝተታሕዘ ዝኾነ ጉዳይ ኣይነበረን፡ ዝኾነ ገበን ወይ በደል ኣይነበሮን’ ትብል፡፡

ኣብ 21 ጥቅምቲ ንጉስ ሳልማንን ወራስ ዓራትን ናብ ሳላሕ ጀማል ካሾጊ ክልተ ጊዜ ብምድዋል ኣጸናንዕዎ። ኣብ 23 ጥቅምቲ ድማ ንዕኡን ኣኮኡን ናብ ቤ/ጽሕፈቶም ጸውዕዎም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድማ ምስኦም ስእሊ ወሰዱ። በቲ መንግስቲ ቱርኪ ዝገበሮ ብልሓታዊ ጸቕጥታት ተደሪኹ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ስዑድያ፡ ሳዑድ ኣል’ሞጃብ ናብ ቱርኪ ብምጉዓዝ ነቶም መርመርቲ ከወሃህድ ምዃኑ ገለጸ። ዕለተ ሰኑይ 29 ጥቅምቲ፡ ኣል’ሞጃብ ብናይ ግሊ ነፋሪት ኢስታንቡል ኣተወ፡፡ ምስ ናይ ኢስታንቡል ዋና ኣኽባር ሕጊ ኢርፋን ፊዳን ድማ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ሚኒስትሪ ፍትሒ ክልተ ኣኼባታት ኣካየደ። ድሕሪ’ቲ ኣኼባ፡ ‘ኣብቲ ምስ ዋና ኣኽባር ሕጊ ስዑድያ ዝተገብረ ርክብ፡ ብኣንጻር’ቲ ንቕትለት ካሾጊ ኣብ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ሃገሩ ዝምልከት ሓቅታት ንምቅላዕ ዝገበርናዮ ጻዕርን ዘርኣናዮ ጽቡቕ ድሌትን፡ ኣብ ሓደ ጭቡጥ ፍረ ክንበጽሕ ኣይከእልናን’ ዝብል መግለጺ ብቤ/ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ቱርኪ ወጸ። ብተወሳኺ፡ እቲ መግለጺ፡ ‘ካሾጊ ልክዕ ናብ’ቲ ቆንስላዊ ቤ/ጽሕፈት ምስ ኣተወ ኣቐዲሙ ተወጢኑ ብዝጸንሐ መደብ፡ ሽዑ ንሽዑ’ዩ ተዓፊኑ ከም ዝቕተል ተጌሩ፡፡ ድሕሪ ምቕታሉ ድማ ኣካላቱ ተቖራሪጹ ካብቲ ቦታ ከም ዝእለ ተጌሩ’ ይብል። ካብ’ዚ መግለጺታት’ዚ ጀሚሩ ድማ ናይ ክልቲኦም ወገናት መርገጺ መመልክዑ ሓዘ። ሰበ-ስልጣን ቱርኪ እቲ ዝበልዎ ኩሉ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ምዃኑ ገለጹ። ስዑዳውያን ድማ ነቲ ካብ መንግስቲ ቱርኪ ልሒኹ ወጺኡ ዘበልዎ ሓቅታት ግብረመልሲ ኣውጽኡ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ድማ፡ ‘ረብሓታት ኣሜሪካ ንምሕላው’ ብዝብል ምኽንያት ኣብቲ ንመሓመድ ቢን ሳልማን እተብሮ ናይ ምክልኻል መርገጺኣ ጸንዐት። ጸሓፍቲ ታሕተዋይን ላዕለዋን ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዝወሰዶ መርገጺ ብምኹናን፡ ንግስነት ስዑድያን ወራስ ዓራትን ሓላፍነት ክወስዱ ጸውዑ። ብድሕሪ’ዚ ዝስዓበ፡ እቲ ኣዝዩ ዘጉሂ ስቕታ ሃገራት ኣዕራብ ነበረ። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ኣብ ሓደ ማዕከን ዜና ዝተጋውሐ ዜና ከም ዝብል ነበረ- ‘CIA፡ ንቕትለት ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት ጀማል ካሾጊ ዝኣዘዘ ወራስ ዓራት ምዃኑ መጽናዕቱ ዛዚሙ’ሎ። ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ነቲ ቅትለት ብልክዕ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ፡ ከም ግብረ-መልሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ገለ ስዑዳውያን እገዳ ኣንቢሩ’ሎ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ’ቲ ወራስ ዓራት ክውሰድ ዝኽእል መቕጻዕቲ ጌና ብሕጂ ዝርአ’ዩ’ ዝብል ነበረ።

ጊዜ እናተሓምበበ ከደ፡ እቲ ጉዳይ ግን ፈጺሙ ክሃድእ ኣይከኣለን፡፡ ብመሰረት ካብ ኣሃዱ ስለያ ቱርኪ ልሒኹ ዝወጸ ናይ ድምጺ ቅዳሕን ድሒሩ ዝተገብረ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕትን፡ ካሾጊ ሰዓት 1፡15 ድ.ቀ. ናብ ቆንሳላዊ ቤ/ጽሕፈት ስዑድያ ከም ዝኣተወን፡ መሊሱ ብሓደ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሰርሕ ማሂር ኣል’ማትረብ ዝተባህለ ሓላፍን ሓደ ካልእ ኣባል ፍሉይ ሓለዋ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ተዓጂቡ ናብ ቤ/ጽሕፈት ኣቦ ወንበር ላዕለዋይ ባይቶ መሓመድ ኣል’ጣይቢ ከም ዝኸደን የነጽር። እዞም ሰባት፡ ንካሾጊ ናብ ስዑድያ ክምለስ መደብ ኣለዎ እንተኾይኑ ሓቲተሞ ከም ዝነበሩን፡ ጀማል ኣብ መጻኢ ጊዜ ክምለስ መደብ ከም ዘለዎ ምስ ሓበሮም፡ ካብ ኢንተርፖል ዝመጸ ትእዛዝ ስለዘሎ ክንወስደካ ኢና መጺእና፡ ኢንተርፖል ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ ትእዛዝ ኣውጺኡ’ሎ በልዎ። ዘኽስስ ጉዳይ የብለይን፡ ሰባት ኣብ ደገ ይጽበዩኒ ከም ዝነበሩ ግን ተዓዚበ ነይረ ከም ዝበሎም ድማ የነጽር። ብመሰረት’ቲ ዝተረኽበ ቅዳሕ፡ ንሓጺር ጊዜ ታዕታዕ (ምስሕሓብ) ከም ዝነበረን ድሒሩ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላት እታ ጉጅለ ምዝርራብ ከም ዝነበረን የመልክት። ከምዚ ዝብል ሕሹኽታ ድማ ይስማዕ- ‘ደቂሱ ድዩ? ርእሱ ኣቕኒዑ’ሎ፡ ከይተቋርጽ ጽቐጦ! ጽቐጦ! ኢድካ ከይተልዕል ጽቐጦ!’፡ ዝብል ድምጺ ይስማዕ ነበረ። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መጽናዕቲ ድማ፡ ካሾጊ፡ መጀመርያ ዘደቅስ መርፍእ ከም ዝተወግአን፡ ድሒሩ ድማ ብፕላስቲክ ከም ዝተዓፈነን የመልክት። ብድሕሪኡ ክኢላ ምርመራን ኣባል’ታ ቀንጻሊት ጉጅለትን ዝኾነ ሳላሕ ኣል’ቱባጊ፡ ንሬሳ ጀማል ክቖራርጾ ጀመረ። ድሕሪ ከባቢ ክልተ ሰዓታት ዝኸውን ጊዜ፡ እቲ ድምጺ ዝቐድሕ መሳርሒ ኣብቲ መደያይቦ ደረጃ፡ ስለስተ ዝተፈላለየ ድምጽታት ክዛረቡ ከለዉ የስምዕ። ሓደ ካብኣቶም፡ መጸበይ ቪዛ ክዕጾ ይእዝዝ፡ ሓደ ካልእ ክኢላ ሓበሬታ ድማ፡ ካብቲ መቆጻጸሪ ካሜራ ሓበሬታ የስግርን ምሉእ ብምሉእ ከም ብሓድሽ ይምስርሖምን፡ እቲ ሳልሳይ ንጀማል ዝመስል ሙስጠፋ ኣል’መዳኒ’ዩ፡ ናይ ጀማል ክዳውንቲ ብምኽዳኑ ዝተቖጥዐ’ዩ ዝመስል፡ ‘ናይ ቅድሚ 20 ደቓይቕ ዝሞተ ሰብ ክዳውንቲ ምኽዳን ዘሰምብድ’ዩ’ ብምባል ከንጸርጽር ከሎ ድማ ይስማዕ፡፡ ጫማ ናይ ጀማል ግን ማዕቀኑ ኣይመጸን፡ እታ ጉጅለ ድማ ‘ደሓን ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኮነን’ ኢላ ወሰነት’ሞ ናይ ገዛእ ርእሱ ጫማ ወድዩ ክወጽእ ፍቓድ ሃበቶ፡፡ ሽዑ ኣብ CNN ዝተፈነወ ዜና፡ ‘ቅትለት ጀማል ካሾጊ ደይ-መደይ ኢልካ ዝተፈጸመ ጉዳይ’ዩ፡ CNN ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ድማ ስዑዳውያን ክሳብ ንዕኡ መሲሉ ዝዋሳእ ሰብ ኣብ ምልኣኽ ከም ዝበጽሑ ዘረጋግጽ’ዩ’ ዝብል ነበረ። ኣል’ማዳኒ ቅድሚ ናብ’ቲ ናይ ጀማል ክዳውንቲ ዘውጽኣሉ፡ ብርግጽ ድማ ዝተፈጸመሉ ‘ሜዳ ሱልጣን ኣሕመድ’ እተብጽሖ መኪና ምክራዩ፡ ብኣርባዕተ ጎደናታት ክንቀሳቐስ ከም ዘለዎ መምርሒ ተዋህቦ፡፡

ኣብ 19 ሰነ 2019፡ ኣግነስ ካላማር ዝተባህለት ንዘይፍትሓዊ ቅትለታት እትምርምር ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንቕትለት ጀማል ካሾጊ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሳ ኣገባብ ምርመራ ኣበገሰት፡፡ እቲ ምርመራ፡ ቀጥታዊ ክሲ ነቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ዝተሳተፉ ሰበ-ስልጣን ስዑድያ ዘጠቓልል ነበረ፡፡ ካላማር፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ስዑድያ- እንተላይ ወራስ ዓራት መሓድመድ ቢን ሳልማን ባዕሉ ኣብዚ ገበን ኢድ ከም ዘለዎ፡ ንተወሳኺ ምርመራ ዝዕድም ጭቡጥ መርትዕታት ኣሎ ክትብል መጎተት። ‘ኣነ ንጀማል ካሾጊ ኣይፈልጦን’የ፡ ኣብ ቀጻሊ ግን ንስዑዲ ዓረብ ሓዊስካ፡ ከምዚ ዓይነት ቅትለት ንኸይፍጸም ተስፋ እገብር’ በለት። ጀማል ካብ ዝቕተል ነዊሕ ጊዜ’ኳ እንተሓለፈ፡ ሓደ ዓብይ ሕቶ ግን ዘይተመለሰ ነበረ፡ ንሱ ድማ እቲ ሬሳ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ነበረ። ኣል’ሙትሪብ’ዶ በታ ኣብቲ ዝቐጽለ ምሸት ነታ ቀንጻሊት ጉጅለ ናብ ካይሮን ዱባይን ሒዛቶም ዝበረረት ናይ ግሊ ጀት ኣብ ናይ ዲፕሎማት ቦርሳኡ ኣእትዩ ወሲድዎ ይኸውን? ወይ ኣብቲ ብጉጅለ ፖሊስ ቱርኪ ብተደጋጋሚ ዝተፈተሸ ቤተ-መንግስቲ ያሎቫ ተቐቢሩ ይኸውን? ወይ ኣብ ከባቢ’ቲ ኣል’ማዲኒ ሰዓታት ቅድም’ቲ ቅትለት ዝተራእየሉ ጫካ ቤልግራድ ተበታቲኑ ተደርብዩ ይኸውን? ወይስ ብኣሲድ ሓቒቑ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ቆንስል ተጓሒፉ ይኸውን? እዚ ዝስዕብ ድማ ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ብዝተፈላለየ ሚድያታት ካብ ዝተመሓላለፈ ዜና’ዩ፡ ‘ካብ ዝቕተል ኣዋርሕ ኣሕሊፉ’ሎ፡ እንተኾነ ሬሳ ጀማል ካሾጊ ጌና ኣይተረኽበን ኣሎ’፡ ‘ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምስዋር ሬሳ ጀማል ካሾጊ ኢድ የብለይን ብምባል ነጺጋቶ’ላ’፡ ‘ኣፕል ዝዓይነታ ናይ ካሾጊ ሰዓት፡ ንኣማውታኡ ዝምልከት ሓበሬታ ዓቂባ’ላ’፡ ‘ዓለም ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ከመይ ክትምልስ’ያ ንዝብል ክትሪኢ’ያ ትጽበ ዘላ’፡ ‘ምቕታል ጥራይ ከይኣክል፡ ሬሳኡ ምብትታኑ ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ’፡ ‘ኣማውታ ጀማል ናይ ወዝቢ ኣይነበረን’ ዝብል ሒደት ካብቲ ብዙሕ ነበረ። ጋዜጠኛን መስራቲ መድረኽ ኣል’ሻርቕን- ዋዳሕ ኻንፋር ነቲ ዝነበረ ናይ ሚድያ ተራ ብኸምዚ ይገልጾ ‘ኣህጉራዊ ሚድያ፡ ገበን ኣብ ምቅላዕን መን ከም ዝኣዘዞ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥን ዓብይ ተራ’ዩ ተጻዊቱ፡ ስለዚ፡ እዚ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣብ ታሪኽ ሚድያን ንውህደት ጋዜጠኝነት ዝግበር ቃልስን ኮይኑ ይስምዓኒ’ ይብል። እዚ ዝስዕብ ድማ ጀማል ብኣንደበቱ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ዝተዛረቦ ዝተወስደ’ዩ፡ ‘ኣነ ነጻ ጸሓፊ ክኸውን’የ ዝደሊ፡ ኣብ ገዛይ- ኣብ ጅዳ ኮይነ ካብ ምጽሓፍ፡ ኣብ ሚድያ ካብ ምምጻእን መጻሕፍቲ ካብ ምሕታምን ክኽልከል ኣይደልን’የ፡፡ ሓሳባተይ ክገልጽ ኣንተዘይክኢለ፡ ነጻነተይ ዘስተማቕር ዘለኹ ኮይኑ ኣይስምዓንን’ዩ’ ዝብል ነበረ።

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ
Mekonnen T.

Related Posts

ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

September 15, 2026
Read More

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More
Leave A Reply Cancel Reply

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ድሕሪ መጋረጃ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ዘሎ ዘሰምብድ ሓቂ

September 17, 2026

ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

September 15, 2026

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?