Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ወግዒ ምስ ስነ-ጥበበኛ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ

ወግዒ ምስ ስነ-ጥበበኛ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ

0
By Mekonnen T. on March 31, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብሃብቶም ሃይለ

ስነ-ጥበባዊ ሊንጎ፡ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ሜዳ ዝፈረዩ በዓል ድርብ ሞያ እዩ። ኣላይ መድረኽ፡ ጸሓፊ፡ ከሙኡ እዉን ገጣሚ እዩ። እዱድ ዘመተን፡ ሓሞት ኣብ ዱለትን: ዝብላ መጻሕፍቱ ብዙሕ ናእዳን ተፈላጥነትን ረኺበን እየን። ንእኡ ድማ ከም ጸሓፋይ ዓቕምታቱ ከመስክር፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ኣንበብቲ ክታሙ ከንብር እኽኢለነኦ። ናይ ደርፊ ግጥምታቱ ካብ ሓድሕድ ዝበላለጽ ሓይሊ ኣለዎም። በዓል ቅርቅረ፣ ሚዘር፡ ሒለለን ካልኦትን ናይ ዓቕሙ መሰኻኽር እየን። እተን ናይ ንባብ ግጥምታቱ፡ እታ ኣዉራ ዝፍለጠላ ናይ ቦሎኛ “ኤርትራዉያን” እትብል ግጥሚ ሓዊስካ፡ ምስ’ቲ ናይ ኣቀራርባ ክእለቱ ናይ መድረኽ ምልከቱን፡ ካብ’ቲ ኣቡኡ ዝቐረብ ምኡዝ ደርፋታት ብዘይፍለ ንክትሰምዖ ዘብህግ እዩ። ከም ሰብ ስቕ በሃላይ እዩ፡ ከዕልለካ እንተ ጀሚሩ ግን ዕላሉ ኣይምኖን፡ ናይ ምዝካር ክእለቱ፡ ነገራት ብምዑምቀትን ስእላዊ ብዝኾነን መንገዲ ናይ ምግላጽ ዓቕሚ መሊእዎ እዩ። ተሞክሮኡ ከካፍለኒ ምስ ሓተትክዎ ሕጽር ምጥን ግን ከኣ ዕሙቕ ብዝበለ መንገዲ ከምዚ ኢሉኒ።

መጀመርያ ኣላይ መድረኽ ወይ ኣበሳሪ ናይ ሓደ ምርኢት ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ኣላዪ መድረኽ ማለት፡ ኣብ መንጎ ስነ-ጥበብን፡ ስነ-በባውያንን ናይ መድረኽ ተዓዘብቲን ኮይኑ ዘሳሲ ተዋሳኣይ እዩ። ንጣዕሚ ናይ’ቲ ናብ ተዓዘብቲ ንኽቐርብ ዝተቐረበ ትሕዝቶ፡ ብናቱ ኣተናትና፡ ከም መጥዓሚ ዝኽውን መእተዊ ጌሩ፡ ተዓዘብቲ እንታይ ክሰምዑ ወይ ክርእዪ ምዃኖም ኣላልዩ ይጸንሕ። ኣብዚ፡ ኣላላዪ ንዝስዕብ ትሕዝቶ ምስ ካልእ ናይ ሂወት ንባህርይ ንክስተታት እንዳ’መሳሰለ፡ ብዋዛ፡ ምስላ፡ ኣበሃህላን ካልእ ሓቀኛ ዕላላትን ብምቊሳይ፡ ንተዓዘብቲ የወናውን ወይ ኣቓልበኦም ይስሕብ። ብኻልእ መንገድ’ውን፡ ከም ቅያር ናይ መደብ /variety/ እውን እዩ።

ሎሚ ሎሚ ተራ ኣለይቲ መድረኽ እናሃሰሰ ይመጽእ ኣሎ ኣድላይነቱ ኣብቂዑ ዶ ወይስ?

ኣድላይነቱ ዘብቅዕ ዓይነት ስነ-ጥበብ ዘሎ ኣይመሰለንን። መሃዛይ፡ ኣዘናጋዓይ፡ መሃራይ ክሳዕ ዝኾነ።

ንስኻ ሓደ ካብቶም ልሉያት ኣበሰርቲ ናይ መድረኽ ኢኻ ናብ’ዚ ሞያ ዝሰሓበካ እንታይ እዩ?

ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ጠጠው ኢሎም ማሰን መለቀስን ከቕርቡ ካብ ዝኽእሉ ቤተሰብ’የ መጺአ። ኣቦ-ሓጎይ (ኣቦ-‘ደይ) ክልተ ኣኮታተይን ኣቦይን ማሰኛታት ኔሮም። ንሱ ንባዕሉ ጠጠው ኢልካ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ሓሳባትካ ብስነ-ጥበባዊ መንገዲ ምግላጽ’ዩ። አድንቖም ከኣ ኔረ። ዋላ’ኳ ብኡኡ ክነብር’የ ዝብል ትጽቢት ኣይንበረኒ፡ ከምኣቶም ንምዃን እብህግ ኔረ። ኣብ ሜዳ ግን ንናተይ ድሕረ-ባይታ ፈሊጦም ኣይኮኑን ናብ ባህሊ መዲቦምኒ። ኣብ ድፋዕ እጨርቕ፡ ኣብ ድሕሪ ውግእ በቲ ኣብ’ቲ ውግእ ዘጋጠመና መስሓቓትን መሕረቕ ነገራትን ክጨራርቕ ምስ ርኣዩኒ፡ ‘ይነፍዕ’ዩ’ ኢሎም መዲቦምኒ። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ናትና መራሒ-መደብ ዝነበረ፡ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ዝበሃል ብጻይና፡ ካብ’ቲ ገይሽናዮ ዝነበርና (ካብ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጉባኤ) ናብ ኤርትራ ክንምለስ ከሎና፡ ቐዲሙና ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ንሕና ከኣ ኣብ ዓድታትን ከባቢታትን ትግራይ እና ኣርኣና ንመጽእ ስለ ዝነበረና፡ ካብ’ቶም ዝተረፍና ኣነ ግዲ ዝሓይሽ ኔረ ኮይነ፡ ናይ ምምራሕ ስራሕ ተዋሂቡኒ፡ ብኡኡ ከኣ ቀጺለ።

ከም በዓል ግራዝማች ኣለማዮ ካሕሳይ፡ ኣርኣያ በላይ ጀንደ ወዲ ፈራዳይን ክልኦትን ዝኣመሰሉ ኣበሰርቲ ኔሮምን ኣለዉን፡ ብዛዕባኦም እንታይ ትዝክሮ ኣሎካ? ካባኣቶም ገለ ዝጸለወካ ይህሉ ዶ?

ኩላቶም በብዝነብሮም ዓይነት ኣቀራርባ፡ ኣብ ዘዝተዋህበ ግዜን፡ ኣዝዮም ክድነቑ ዝግብኦም ስነ-ጥበባውያን፡ እቶም ብሂወት ዘየለዉ ኔሮም፡ እቶም ብሂወት ዘለዉ ከኣ እዮምን። ብቐንዱ፡ ግን እቶም ቀዳሞት፡ በዓል ግራዝማች ኣለማየሁ፡ ኣርኣያ በላይ፡ ንጉሰ መንሰዓይ ንካልኦትን ምስ በዓል ጀንደ፡ ወዲ ፈራዳይ፡ ፡ ሃብቶም በየነ (መጺጽ)፡ ኣነን ካልኦትን ዝነበርናሉን ይፈላለ እዩ። ኣነ ብፍላይ ካብ’ዞም ዳሕረዎት ብቐረባ ዝፈልጦም መሳርሕተይ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ኣቀራርባኦም ብዙሕ ተማሂረ እየ። ቀንዲ ንዓይ ዝመሃረኒ ግን፡ ኣፈወርቂ ኣብርሃ እዩ። ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሓይልታት ወዲ መስርዐይ ኔሩ። ድሒሩ ከኣ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ብርጌድ 23 ሓላፊየይን፡ ናይ መድረኽ መራሒን ኔሩ። ንሱ፡ ኣብ ናይ ሽዑ ሶቬት ሕብረት ብስነ-ቅመም ተመሪቑ ናብ ሜዳ ዝኣተወ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍን ናይ መድረኽ ኣመራርሓን ጽቡቕ ክእለት ኔርዎ። ብዛዕባኡ ሓደ ካብ ዝዝክሮ ነገር፡ መደብ ክውድብን፡ ከም ገለ ኣብ መንጎ ምርኢት ዘይሓሰብካዮ ዕንቅፋት ምስ ዝርከብ ከኣ፡ ሓደ ነገር ናይ ምምሃዝ ክእለት ኔርዎ። ካልእ ብዛዕባ ቀዳሞት፡ ዋላ’ኳ ብዕድመን መደባቶምን ክርኢ ዝበቅዕ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ከተማ ስለ ዘይዓበኹ፡ ብኣካል ኣብ መድረኽ ንኽርእዮም ኣይበቓዕኩን። ንኣርኣያ በላይ ግን፡ ድምጹ ኣብ ሬድዮ እሰምዖ ኔረ። ብጣዕሚ ዝምስጥ ናይ ኣዘርራርባ ቅዲ ኔርዎ። ተቐቲሉ ዝብል ዜና ኣብ ሬድዮ ምስ ተቓልሐ ከኣ፡ ብጣዕሚ ሓዚነ። ብምሟቱ ዝጎሀኹሉ ናይ ፈለማ ስነ-ጥበባዊ ድማ ኔሩ። ድሒሩ፡ “ኣርኣያ በላይ ዘቕትል ገበን ኣይነበሮን” ዝብል ዘረባ ተደጋጊሙ ተሰሚዑ’ዩ። ኩሉ ሳዕ ከኣ ዘቕትል ገበን እንተ ዘይኔርዎ’ስ፡ ናብ ምቕታል ዘይተመጣጠሩ ኔሮም እንተ ዝኾኑ እንታይ ኔርዎ’ እብል። ምኽንያቱ፡ ምስ ኣርኣያ በላይ ብዙሕ ክእለት ተቐቢሩ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ሂወቱ!!

ኣላይ መድረኽ ጥራይ ዘይኮንካ፡ ገጣማይ፣ ጸሓፋይ ዉን ኢኻ። ናይ ደርፊ ግጥምታትና ከመይ ኣለዉ? ኣብ’ቲ ናይ ቀደም ደርፍታትን ናይ ሎሚን ዘሎ ዝምድና እንታይ ይመስል?

ኣብ ናይ ፈራዳይ ቦታ ኮይነ ንኽዛረብ ዝበቅዕ ኣይመስለንን። ግን ናይ ውልቀይ፡ ዝመስለኒ፡ ገምጋም ክህበካ። ፈለማ ናይ ቀደም ደርፍታት ክትብል እንከሎኻ፡ መዓስ’ዩ እቲ ቐደም? ንኣብነት፡ ቅድሚ 150 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን፡ ዝማም ጓል-ጸብኡ ትብሃል ከራሪት ኣብ ከባቢ ሃዘሞ ምንባራ ይንገር። ድሕሩ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 19 ክፍለ-ዘመን ብዛዕባ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን፡ ሰብኣይ ጓሎም ንራእሲ ካልእ ተዋጋኣይ ዝነበረ ንጉሰ ወዲ ከንቲባ እልፉ፡ ዮሃንስ ወዲ ዞሞ ወዘተ ኔሮም። ኣብ ከባቢ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ብሄረ ትግረ ክሳዕ (ብናተይ ኣገማግማ) ብጽባቕኡ ክብረ-ወሰኑ ዘይተሰበረ፡ ናይ ኢድሪስ ወዲ-ኣሚር ግጥምታት ኣሎ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ብድምጺ ምቕራጽ ዘርከቡ፡ በዓል በረኸት መንግስትኣብ፡ ኣቶ ኣተወ-ብርሃን ሰጊድ፡ ጸሃይቱ በራኺ፡ ተወለደ ረዳ፡ መንግስተ-ሰማያት የዋርሳ ኣምለሰትን ካልኦትን ስዒቡ። ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ድሓር ድማ ብዓቢኡ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ዝተገጠመ ግጥምታት ክምደብ ይኽእል።
ኩላቶም፡ ኣብ ከኲነታቶም ክድነቑ ዝግብኦም ኔሮም። እቲ ተዓዛባይ’ውን ብኡኡ መጠን። ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ዝዓበየ ወለዶ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ደርፍታት ግጥሚ፡ ሰሚዑ ኣይመንዎን’ዩ። እቶም ግጥምታት፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህዉን ድሌትን ስለ ዘነጸባርቑ። ንደርፍታት፡ ኢድሪስ ወዲ ኣሚር ካብ ኣብ ባርካን ጋሽን ዝዓበየ ተዘራባይ ትግረ፡ ኣብ ሰምሃርን ሳሕልን ዝዓበየ ዝያዳ የድንቖ። ‘ቀጣን ገበይ ስጋለት’ ክብል እንከሎ፡ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ባጽዕ ንዝፈልጥ ሰብ ይምስጦ።
ዝበልና ምስ በልና ግን፡ ግጥሚ ይኹን ካልእ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት፡ ብቐንዱ ኣብ ቦታን ግዜን እዩ ዝፍረድ። ብጽባቐኡ’ውን ክትፈርዶ ትኽእል ኢኻ። ገሊኡ መተካእታ ዘይብሉ ኣሎ። ብኻልኦት ገጠምቲ ንኽድገም ምኽንያት ዘይብሉ። ንኣብነት፡ ንራእሲ ወልደሚካኤል ከምዚ ተባሂሉ።
“…..ኣባ ጎመድ ኣንታ ኣባ ጎመድ
ብስማይ’ዶ ወረድካ ብገመድ
ብመሬት’ዶ ፈላሕካ ካብ ሓመድ
ምቕታል’ስ ሊሚድካ ኢኻ ምሕረት ልመድ
ምሕረት’ዩ ዘብዘሓልካ ዘመድ”

ነዚኣ ንኽትርዳእ ንኹሉ’ቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ክትፈልጦ ኣሎካ። ካልእ ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ኣብ 14-15 ዓመታት ዝተገጠመ ናይ ብዙሓት ደረፍቲ ግጥምታት፡ ኣብ ቅዱ፡ ናይ ፒራሚድ ቕርጺ ዝሓዘ ይመስል። ኣብ ክንዲ እንዳ ሰፍሐ ዝኸይድ፡ እንዳ ጸበበ፡ ዳርጋ ኣብ መወዳእታኡ’ስ ኣብ ሓንቲ መስመር ከይራኸብ ትፈርሕ። ስነ-ጥበብ ግን፡ በንጻሩ ክኸውን እዩ ዝግብኦ። ሰፊሕን ገፊሕን። እዚ ሽግር ዘምጽእ ዘሎ፡ ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን፡ ፍሉያት ሰባት ክሰምዕዎ ንዘደልዩ ነገራት ከስምዑ ስለ ዝፍትኑ እመስለኒ። ስነ-ጥበብ ግድን ኣይኮነን፡ ሎሚ ተሰሚዑ ሎሚ ክፍቶ። ወላ ን20 ዓመታት ሸለል ተባሂሉ፡ ብድሕሪኡ ክድነቕ ይኽእል’ዩ። እኳ ድኣ ንሱ ዝያዳ ንስነ-ጥበብ ፡ ስነ-ጥበብ ዘብሎ። እገለ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፎ/ፈቶ። ክብሃል እንተ ኽኢሉ፡ ዓሚቕ’ዩ ማለትዩ።

መጻሕፍትኻ ኣዝዮም መሰጥቲ ክንሶም፧ ጭሕሚ ሰበይቲ እዮም ትድንጉየና ኮይንካ ንዝብሉ ‘ታይ መልስኻ?

ፈለማ፡ ንስርሓተይ ስለ ዘድነቕካ የቐንየለይ። ብባህርየይ ግን፡ ሰብ ክድነቕ’ኳ ዘይጸልእ እንተኾነ፡ ዝያዳ ክሰምዖ ዝደሊ ወቐሳ እዩ። ምኽንያቱ፡ ‘ጽቡቕ’ ዝብለካ ሰብ ኣይትስእንን ኢኻ። ካብ ናይ ነቐፈታ መኣዝን ርእዮም ሓሳባት ዝህቡዃ ግን ዝበለጸ ሓገዝ ከም ዝገበሩልካ ክትሓስብ ኣሎካ። “ሕመቕካ ዝነግረካ፡ ቦኽሪ ጓሉ ከም ዝሃበካ” እዩ። ናብ ቀንዲ ሕቶኻ ክምለስ፡ ተስፋ እገብር ኣብ ድሮ ተጻሒፈን ዘለዋ መጻሕፍተይ (ሓጺር እዋን እንተ በልኩዃ ዘይግብራዊ ከይከውን) ኣብ ዘዝጠዓመኒ እዋናት ከውጽአን። ሓደ ነገር ኣሎ፡ ገሊኡ መጻሕፍተይ ኣብ ኤርትራ ከለኹ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከለኹ ዝጸሓፍኩዎ እዩ። ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ፡ ገለ ምትዕርራይ የድልዮ። ድሓር ኣእምሮና ኸኣ ካብ ዕለት-ናብ ለት ገለ ነገር ይመሃር እንድዩ።
ኣብ ዝመጽእ እዋናት፡ እግዚኣብሄር ዕድመን ጥዕናን ይሃብ፡ ሓያሎ ክገብሮ ዝመደብኩ ነገራት ኣሎኒ። ሕጂ እዚን-እቲን ክገብር መዲበ’ለኹ ካብ ምባል ግን፡ እቲ ዝሓሰብኩዎ ምስ ሰለጠ ሰባት ባዕላቶም ክርእይዎ ይሓይሽ።

አመስግነካ ሊንጎ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስለማርያም
Next Article መተዓብይቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?