ሳባ ኪዳነ
ኣብቲ ክመሃሮ ህርድግ ዝብል ዘለኹ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ክፍለይ፥ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ውዕዉዕ ዕላል ብዛዕባ እዋናዊ ፍጻመታት ስልማት ኖቤል፡ ዘይተዘርዘረ ዛዕባታት ኣይነበረን፡( ቁሩብ ፈሳሕሳሕ ክንብል ኩሉ ብፍረንች እዩ ኔሩ እቲ ዕላል፥ ከም ተመሃሮ መጠን፡ ስብርባር ጥራይ ዘይኮነ ኩርኩሮ ዋላ እንዳገበርናዮ ነቲ ቋንቋ ክንፍትነሉ ስለ ዝተፈቐደና ኢና ድማ ተቢዕና)። ናይ ሎሚ ዓመት ስልማት ኖቤል ናይ ስነ-ጽሑፍን ቁጠባን፡ ፈረንሳውያን ምዕዋቶም፥ ብዛዕባ እቲ ንስልማት ተሓጽዩ ዝነበረ ግን ከኣ ዘይተዓወተ ኬንያዊ ንጉጊ ዋ ትያንጎ፡( ኣንቱም እቲ ከማን ኣብ ኤርትራ ምስ ኣለምሰገድ ተስፋይ ነታ ‘ምስ ተበርሃኒ ይምርዖ’ እትብል ናይ መድረክ ድራማ ተርጉሙ ዘቕረበሉን፥ ን ኤርትራውያን ብናይ ቋንቋ ኣዴና ብምጽሓፍና ንዝስመዓና ፍናን ዝንእድ ዝነበረን)ዓቢ ኬንያዊ ጸሓፊ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ እወ ንሱ፡ንስልማት ኖቤል ተሓጽዩ ኔሩ ዘይምስላጡ ፡ ዝተሰምዓና ከም ዝነበርና፡ ብዓቢኡ ድማ ብዛዕባ እታ ዝነኣሰት ተዓዋቲት ስልማት ኖቤል፡ማላላን መሻርኽታን ፡ ብዝሒ ዝወስድዎ ገንዘብ፥ ዝረኽብዎ ህቡብነት፡ወ. ዘ.ተ ወ. ዘ.ተ። ሽዑ እቲ ዳርጋ ስቕ ኢሉ ክሰምዕ ዝጸንሐ ፡ ሾታ ዝስሙ ጆርጅያዊ ወዲ ክፍልና ፡ ድምጹ ክብ ኣቢሉ “ስምዑኒ እንዶ፥ ስልማት ኖቤል ብማተማቲክስ ከ መን እዩ ወሲድዋ?” ኢሉ ናብ ሽጋራ ምውልዑ ኣተወ። ሰባት ገግምታቶም ኣስማት ህቡባት ሰባት ኣብቲ ዓውዲ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጠቕሱ ተጓየዩ፡ ብፍላይ፥ እቲ ብዕግርግር ናይ ዩክሬይን፡ ናብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቱ ዘሎ ስሙ ዘይሓዝክዎ ሰያብ ሰብኣይሞ ግደፍዎ፡ ብምዝርዛር ኣስማት ማተማቲሻን ሻምፕዮን ናይ ዓለም መበለ መስለኒ። እወ ናይ ማትስ ክኢላ እንድዩ ምኳን፡ ናይ ነገረ ስደት ደኣ ቋንቋ ከጽንዕ ምስ ተገዲዱ፡ ኣብቲ ትሕቴና ዘሎ ክላስ ኣሎ እምበር።
ድሕሪ ክንደይ ድማ እቲ መልሲ፡ ‘ስልማት ኖቤል ኣብ ማተማቲክስ የሎን’ ዝብል ኮይኑ ተረኺቡ። ለካ እቲ ዓቢ ዩክሬናዊ ፕሮፈሰር’ውን ይፈልጥ ኔሩ እዩ። ‘ግን እንተዝህሉ መን ምወሰደ’ ኣብ ዝብል ግምት የእትዩ ይዛረበና ምንባሩ ደሓር እዩ ብቋንቋ እንግሊዝ ነጊሩና። “ስለምንታይ?” “ ሽዑ ተዛንዩ ምኽንያት ከቕርብ ጀመረ፡ ሓሳቡ ብፍረንች ተረር ከብል ብዘይ ምኽኣሉ ይቕሬታ እንዳ ሓተተ ድማ ብእንግሊዝኛ ከምዚ በልና። ምኽንያቱ፡ነቲ መስራቲ ስልማት ኖቤል ዝኾነ ስዊድናዊ ኣልፍረድ ኖቤል፡ ሰበይቱ ብናይ ማተማቲክ ክኢላ ስለ ዝተመንጠለ እዩ። ምስ በለና ውዕዉቕ ሰሓቕ ኮነ፡መምህርና ከኣ ከምኡ ከም ትሰምዕ ግን ከኣ ርግጸኛ ከም ዘይኮነት ምስ ነገረትና፡ ነዛ ጉዳይ ናብ ደረታ ንከብጽሓ ኢለ ሃሰሰስ በልኩ። እቲ ዘገላበጥክዎ ታሪኽ ከምዚ ረኺበሉ፡ ኣልፍረድ ልቡ ዝወሰደት ካቻ ነበረቶ፡ ኣለክሳንድርያ እዩ ስማ ኣብቲ ግዜ እቲ ህቡብ ዝነበረ ኮኾብ ናይ ቁጽሪ ክኢላ ፕሮፈሶር ጎስታ-ሚታግ-ላፍለር፡ ሕልፍ ትብለሉ ምንባራ እዩ ዝዝንቶ። ሓቂ ድማ ዋላኳ ኣይመርዓዋ እምበር መዓንጣ ከብዱስ ኣሕሪርዎ እዩ፡ ርግቢቱ ከይኣይሎ ድማ ብገንዘቡ ሸነን ከይብለሉ ዝወሰኖ ምንባሩ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ናይቲ ኣዋን እቲ ድማ እዩ ዝነበረ፡( ብዛዕባ ቁጽሪ ካብ ተላዕለ፥ እቲ Gosta Mittag-Leffler ዝተባህለ ስዊድናዊ ን ም ዓቢ ማተማቲሻንን ፕፍሮፌሰር ከም ዝወስዳ ፍሉጥ እዩ ዝነበረ)። ኖቤል ምስኣ ምስ ተዓጠለ፡ምስ ሰክረታሪኡ ዝነበረት በርትሃን ኪንስክይ ኣብ ህልም ዝበለ ሃነይነይታ እንከሎ፡ንሩስያ ተመሊሳ ንናይ ቀደም ኣፍቃሪኣ ዝነበረ ምምርዓዋ እንደገና ኣብጭቃ ዝለወሰቶ ፍጻሜ እያ ኔራ ፡ ንሱ’ውን ማተማቲሻን ኣዩ ኔሩ፡ምስኣ ግን ብደብዳቤ ርክቦም ኣየቋረጸን። እታ ሳልሰይቲን ንኣስታት 18 ዓመታት ዝቐጸለ ፍቕሪ ዝነበሮም ሶፊ ዝተባህለት ሰበይቲ’ውን ዋላ እኳ እንተዘይተመርዓዉ ማዳም ሶፍይ ኖብል ኢሉ እዩ ዝጽወዓ ዝነበረ። እቲ ብወግዒ ዘይተመርዓወ ኖቤል፡ ካብ ጥቓ ማትማቲሻን ብዙሕ ርሒቑ እኳ ክነብር እንተሓሰበ ግን ኣይኮነሉን። በዚ ድማ እዩ ሕርቕርቖቱ ዘውጸ። ኣብዚ ናይ ፍቕራዊ ሂወቱ እታ ንሓጺር እዋን ምስኡ ዝጸንሐት ግን ከኣ ዓቢ ጽልዋ ኣብ ስርሑ ዝነበራ ሩስያዊት ሰክረታሪኡን ኣፍቃሪቱ ነበርን ኪንከይ እያ።
ብዙሕ ሻዕ ድማ ነቲ ኣብ ኣጽዋር ምርቓቕን ስርሓት ኣጽዋር ብዕምቆት ትነቕፍ ነበረት ፡እዚ ጽልዋ እዚ ድማ ንኖቤል ኣብ ስልማቱ ንሰላም’ውን ከፍቕድ ዝገበረቶ Lady Down your Arms እትብል ህብብቲ መጽሓፍ ጽሒፋ ነበረት ። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሞት ኖቤል ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ 1905 ስልማት ኖቤል ንዓኣ ተዋህበ። ብዘይካ ናታ ጽለዋ እውን፡እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ፓሪስ ዝነበር ዝነበረ ሓዊ ኣልፍረድ ኖቤል ሉድቪግ ኖቤል ምስ ሞተ፡ ሓንቲ ዓባይ ጽልዋ ዝነበራ ጋዜጣ፡ ‘ናይ ሞት ነጋዳይ ሞይቱ’ ዝብል ጽሑፍ ምስ ጸሓፈ፡ ንኣልፍረን ኖቤል ብዛዕባ ሂወት ብጥልቀት ክሓስብን፡ እቲ ብምስራሕ ኣጽዋር ዝተኣከበ ሃብቱ፡ ድሕሪ ሞቱ ብኽብሪ ንኽልዓልን፡ ብሓፈሻ ድማ ንሰላምን ምዕባለይ ወዲሰብ ንኽሓስብ ከም ዝተደረኸ መዛግብቲ ካብ ምምዝጋብ ኣይሓመቑን። ኦ እዚ ወዲ ከምዚ ምኽኒታት ግን ኣብ ማትስ ሕማቓት ክንከውን ክንተባባዕ የብልናን (ኣነ ኣኳ ወሪድኒ ኣይነበረኒ ኣይጠፍኣኒ) ብዛዕብኡ ካብ ተላዕለ ግን፡ ሓደ ዓለም ለኻዊ Fields Medal ዝተባህለ ዓቢ ስልማት ንማተማቲክስ ጥራይ ከም ዘሎ ምፍላጥ’ውን፡ ንተመሃሮ ዳግም ናብ ሰሌዳ ምርባሕ ገጾም ክትከሉ ዝገብር ሓይሊ ከይህለዎ ኣይተርፍን፡ ኦ! ሕጂ ናይ ዕረፍቲ እዋን ተወዲኡ። ናብ ክላስ ክንምለስ እሞ፡ እቲ ዕዮ ክፍሊ ክንእርሞ።
ሰሰናዩ!
ፓሪስ 17/ 10/ 2014