ባህርያትን ስነ ልቦናን መብዛሕትኡ እዋን ኣገራምን ኣፍራሕን’ዩ ፡ ሓደ ሓደ እዋን ምሳና ብሓባር ዝዓበዩ ፡ ምሳና ዝበልዑን ዝሰተዩን ፡ ተመሳሳሊ ታሪኽ ሂወት ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጦም ዝሓዝዎ ዓሚቕ ናይ ቅንኢ ናይ ጽልእን ናይ ትሑትነትን ስምዒት ካበይ ናበይ ከም ዘምርሕ ንምርዳእ ኣጸጋሚ’ዩ ፡ ሙሁራት ስነ ልቦና እቲ ዝዓበየ ክሕደት ካብ ዘይንፈልጦ ጸላኢ ዘይኮነስ ፍሽኽ እናበለ ካብ ዝሓቑፈና ናይ ቀረባ ሰብና ከም ዝመጽእ ይዛረቡ።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዛንታና’ውን ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ተጓንፎ’ዩ ኣጋጢሙ ፡ ሓደ ህቡብ ናይ ሙዚቃ ኣርቲስት ክመውት እንከሎ ወትሩ ዝፍጠርን እንሰምዖን ሓደ ዓይነት ዘሕዝን ዛንታ ኣሎ ፡፡ሃብቱ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ይብተን ፡ ዝሃነጾም ትካላት ንግዲ ይፈርሱ ፡ ጠበቓታትን ሃርጋፋት ሰባትን ንንብረቱ ይማቐልዎን ድሕሪ ውሑዳት ዓመታት ብዘይካ ሙዚቃኡ ዋላ ሓንቲ ዝተርፍ ነገር ኣይህሉን።ፍረጻዕሩ ንድቁ ዘይኮነስ ንዘይፈልጦም ሰባት ይተሓላለፍ ፡፡
ይኹን እምበር ሎሚ እንሪኦ ታሪኽ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ’ዩ፡ ኣብዚ መደብ እዚ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ኣሜሪካ ክቡር ብዛዕባ ዝኾነ ሓደ ኣርቲስትን ሂወቱ ብሃንደበት ብዛዕባ ዝቖጸዮ ዘሰቅቕ ቅትለትን ድሕሪ ሞቱ ንስድራቤቱን ንነኣሽቱ ደቁን ንሸውዓተ ዓመታት ኮለል ብዛዕባ ዘበለ ዝተሓላለኸ ናይ ቤት ፍርዲ ውግእ ብዕምቆት ክንርኢ ኢና።
እቲ ገበነኛ ኤሪክ ሆልደር’ዩ ዝበሃል ፡ ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ’ዩ ፡ ህቡብነት ዝደሊ ግን ድማ ዘይተዓወተ ራፐር ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ መዋቲ ናይ ቀደም ወዲ ገዛውቲ’ዩ ፡ነዚ ዓቢ ኣርቲስት ሃንደበት ስለምንታይ ቀቲልዎ ይመስለኩም? ድሕሪኡ ኸ ግምቱ 11 ሚልዮን ዶላር ዝኾነ ንብረት እቲ ኣርቲስት ውግእ ስድራቤት ከ እንታይ’ዩ ዝመስል ኔሩ ? እዚ ውግእ እዚ ኸ ኣብ 2026 ዓ ም ብከመይ ዝበለ መልክዕ ተዛዚሙ ? ኣብዚ መደብ እዚ ብዝርዝር ክንሪኦ ኢና።
ታሪኽና ንምጅማር ፈለማ ንድሕሪት ተመሊስና መንነት ናይ መዋቲ ክንፈልጦ ኣለና ፡ ኔፕሲ ሃስል ብኣቦኡን ብኣዲኡን ብዝተወሃቦ ሓቀኛ ስም ኤርሚያስ ኣስገዶም’ዩ ዝበሃል ፡ 15 ነሓሰ 1985 ዓ ም ኢዩ ተወሊዱ ፡ ኣቦኡ ኤርትራዊ ክኸውን እንከሎ ኣዲኡ ድማ ኣሜሪካዊት’ያ ፡ ኔፕሲ ኣብ ከተማ ሎስኣንጀለስ ክሪንሾ ኣብ ዝበሃል ሓደገኛ ብገበን ዝተፈለጠን ገዛውቲን’ዩ ዓብዩ ፡፡ ዝዓበየሉ ገዛውቲ ምቾት ፡ ሃብቲ ምጥራይን ምርግጋእን ዝሕሰበሉ ከባቢ ኣይኮነን ኔሩ ፡ ኣብዚ ገዛውቲ’ዚ ምዕባይ ማለት መዓልታዊ ምስ ሞት ምትሕንናቕ ማለት’ዩ ፡፡
ኔፕሲ ኣብ ንእስነቱ ኣባል ናይቲ Rolling 60 s neighborhood crips እናተበሃለ ዝጽዋዕ ሓደገኛ ጉጅለ ገበን’ዩ ኔሩ ፡ ባህሪ ወዲ ሰብ ብዝዓበየሉ ማሕበረሰብ’ዩ ምሽ ቅርጺ ዝሕዝ ፡ ኔፕሲ’ውን ኣካል ናይዚ ጸልማት ዝኾነ ሂወት’ዩ ኔሩ ፡ ይኹን እምበር ኔፕሲ ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብሎ ሓደ ዓቢ ነገር ነበሮ ፡ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ ራእይን ለውጢ ኣተሓሳስባን ነበሮ ፡ ኤርሚያስ ኣስገዶም ንፉዕ ኣንባባይ’ዩ ኔሩ ፡ መብዛሕትኡ መተዓብይቱ ብዛዕባ ምንባር ጥራይ ኣብ ዝሓስበሉ ዕድመ ንሱ ግን ብዛዕባ ምውናን ንብረት ቁጠባን ብዛዕባ ነጻነትን ምስልሳል ጀሚሩ ኔሩ ፡፡
ኣብ 2004 ዓ ም ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ እንከሎ ናብ ሃገሩ ኤርትራ ገሸ፡ እዚ መገሻ’ዚ ኣብ ሂወቱ ነቲ ዝዓበየ ምዕራፍ ዝኸፈተሉ መገሻ’ዪ ኔሩ ፡ ናብ ኣሜሪካ ካልእ ሰብ ኮይኑ’ዩ ተመሊሱ ፡ ንዘመናት ካብ ዓቕሚ ቁጠባ ተነጺሉ ኣብ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ከባቢኡ መድረኽን ተሰማዕነትን ዘለዎ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ሓላፍነቱ እንታይ ከም ዝኾነ ብግቡእ ዝተረድኣሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ’ዩ ዝዛረብ። ዕድሜኡ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ክእለት ሙዚቃኡ ብምጥቃም ካብቲ ጥሒልዎ ዝነበረ ሓደገኛ ሂወት ክወጽእ ጀመረ ፡ስራሕቲ ሙዚቃኡ ተፈታውነት እናረኸበ ምስ መጸ ብሚልዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ ክረክብ ጀመረ ፡መብዛሕትኦም ኣርቲስትታት ገንዘብ ክረኽቡ ምስ ጀመሩ እንታይ ከም ዝገብሩ ትፈልጡ ዲኹም ? ንገዛውቶም ገዲፎም ናብ ከም በዓል ቢቨርሊ ሂልስ ዝኣመሰለ ጽቡቕን ጸጥታ ዘለዎን ገዛውቲ’ዮም ዝኸዱ።ኔፕሲ ግን ከምዚ ኣይገበረን ፡፡
ኣብ ትንተና ስነ ልቦና ኔፕሲ transformational leader ወይ ድማ ለውጢ ከምጽእ ናይ ዝኽእል መራሒ ባህሪ ዝተላበሰ’ዩ ኔሩ ፡ ንማሕበረሰቡ ክቕይር ይደሊ ኔሩ ፡ኣብ ዝዓበየሉ ከባቢ ሓደ ዓቢ ማእከል ንግዲ ገዝአን The marathon clothing ዝተበሃለ ዘመናዊ መሸጢ ክዳውንቲ ከፈተ ፡ ንመንእሰያት ቆጺሩ ከስርሖም ጀመረ ፡ ንገዛውቱ ካብ ገበን ንምጽራይ ምስ ሓለፍቲ ፖሊስ ኣኼባታት ይገብር’ውን ነበረ ፡፡ኣብ ውልቃዊ ሂወቱ ኣዝያ ጽብቕትን ዝተረጋግአትን ስድራ ኔራቶ ፡ ምስ ተዋሳኢት ሎረን ለንደን ብዝነበሮ ተሪር ናይ ፍቕሪ ዝምድና ብዙሓት ይቐንኡሉ ኔሮም፡፡
ካብ ቀዳመይቲ ዓርኩ ዝወለዳ ዓባይ ጓሉ ኢማንያ ኣስገዶምን ካብ ሎረን ዝወልዶ ህጻን ክሮስ ኣስገዶም ንሂወቱ ምልእቲ ጌሮማ ኔሮም፡ ብደገ ክረአ እንከሎ ኔፕሲ ኩሉ ነገር ዝኾነሉ ንማሕበርሰቡ ዝፈቱን ብማሕረሰቡ ዝፍቶን ጅግና’ዩ ኔሩ ፡ ኤርምያስ ሓደ ፍልስፍና ኔርዎ ፡ All money in no money out ገንዘብ ክእክብ’የ ግን ድማ ዋላ ሓንቲ ገንዘብ ብዘይ ኣገባብ ኣየውጽእን’የ ብምባል ንፍልስፍናኡ ስም ሃቦ ፡ ሓሳቡ ኣብ ናይ ደርፊ ግጥሚ ወይ ድማ ኣብ ትሸርትታት ተሓቲሙ ዝሽየጥ ኣይኮነን ኔሩ ፡ ሓሳቡ ናይ ፋይናንስ መርሖ ፍልስፍና ሂወትን ስምምዓት ከመይ ጌሩ ከም ዝፍጽም ፡ ንዝረኽባ ነፍሲ ወከፍ ዶላር ከመይ ጌሩ መሊሱ ኣብ ወፍሪ ከም ዘውዕላን ንዝመጽእ ሂወቱ እንታይ ዓይነት ሃብቲታት ክሃንጽ ከም ዘለዎ ዝምረሓሉ መዓልታዊ ሕጊ’ዩ ኔሩ።
ኣብ 2008 ዓ ም Epic ሪከርድስ ዝተበሃለ ኩባንያ ሙዚቃ ኣፈሪምዎ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ኩባንያ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጠሞ ፡ ይኹን እምበር ኔፕሲ ካልእ ኩባንያ ንምድላይን ስምምዓት ንምግባርን ኣይተጓየየን ፡ ብድፈረት ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያ መስረተ። ኣብ 2010 ድማ All money in ዝተበሃለ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሙዚቃ ሪከርድስ ኩባንያ ከፈተ፡ ድሕሪ’ዚ እንታይ ዝተፈጠረ ይመስለኩም ? ኔፕሲ The Marathon ዝተሰመየ mixtape ዘርገሐ ፡ እዚ ስራሕ እዚ ንስራሓት ሙዚቃ ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ድሕሪ ሞቱ’ውን ንብርከት ዝበለ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነብር መንነት ብራንድ’ዩ ፈጢሩ ፡ ብምቕጻል PROUD2PAY ዝተሰመየ ወፍሪ ዕዳጋ ብምግባር CRENSHAW ዝተሰመየ ስራሑ ንሓደ ኦሪጂናል ቅዳሕ ጥራይ ብሚእቲ ዶላር ክሸጦ ኪኢሉ’ዩ።ብቕልጡፍ’ዩ ተሸይጡ ፡ ጂይዚ ከይተረፈ ብኣካል ተረኺቡ 100 ቅዳሓት ገዚኡ’ዩ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ቁምነገር እቲ ዝተረኸበ መጠን ገንዘብ ኣይኮነን ፡ እቲ ቀንዲ ነጥቢ ምስ እሙናት ደገፍቱን ኣድነቕቱን ዝተራኸበሉ ቀጥታዊ ርክብ’ዩ ኔሩ፡ እዚ ድማ ዋና ካብ ዘይኮነሉን ብሚልዮናት ካብ ዝስማዕ ስራሕ ሙዚቃ ዝበለጸ ዋጋ’ዩ ኔርዎ፡፡
ስራሕቱ ዝመሓደሩ ከም ካልኦት ኣርቲስትታት ብካልኦት ኢንዳስትሪታት ሙዚቃ ዘይኮነስ ብዋንነት ዘመሓድሮ ባዕሉ ገዛእ ርእሱ’ዩ ኔሩ ፡ ድሕሪኡ ዝገበሮም ቀንዲ ቀንዲ ውሳነታት ኩሎም ኣብዚ መንገዲ እዚ ዝተመስረቱ’ዮም ኔሮም ፡ ኣብ 2013 ዓ ም The Marathon Agency ዝተበሃለ ኩባንያ ብምቛም ንኩሉ ናይ ሙዚቃን ናይ ንግዲ ስራሕቱን ብሓባር ንምምሕዳር መንገዲ ኣጣጥሐ፡ ኣብ 2017 ዓ ም ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየሉ Crenshaw ኣብ ዝበሃል ገዛውቲ The Maratjon Clothing ዝተበሃለ ናይ ገዛእ ርእሱ ብራንድ ዝኾኑ ክድውንቲታት ዝሽየጠሉ ድኳን ከፈተ።ነቲ ዝኸፈቶ ድኳን ስማርት ድኳን እናበለ’ዩ ዝጽውዖ ኔሩ ፡፡
ዓማዊል ክዳውንቲ ገዚኦም ብመንገዲ ኣፕሊኬሽን ምስ ስራሕቲ ሙዚቃኡ ዝተተሓሓዘ ፍሉይ ሓበሬታ ዝረኽብሉ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ድኳን’ዩ ኔሩ ፡ ኔፕሲ ክዳውንቲ ጥራይ ኣይኮነን ዝሸይጥ ኔሩ ፡ ኣብ ሕምብርቲ ዝዓበየሉ ገዛውቲ ንቴክኖሎጂ ፡ ፋሽንን ሙዚቃን ዘጣመረ ዓቢ ናይ ንግዲ ኢምፓየር’ዩ ዝሃንጽ ኔሩ ፡ ነቲ ድኳን ጽቡቕ ጌሩ ድሕሪ ምሕሳብ ምውራድን ምድያብን’ዩ ኣብቲ ቦታ’ቲ ከፊትዎ። ካልኦት ህቡባት ከም ዝገብርዎ እቲ ድኳን ኣብ ቢቨርሊ ሂልስ ኣብ ሰፈር ሃብታማት ክኸውን ኣይደለየን ፡ ንዝዓበየሉ ገዛውቲ ከየርብሐ ንበይኑ ክህብትም ኣየደለየን ፡ ዕቤት ቁጠባኡ ኣዝዩ ንዘድልዮም ማሕበረሰብ ዝዓበየሉ ገዛውቲ’ውን ክኸውን ደልዩ ኔሩ ፡ እዚ ማለት ኣብ ዝዓበየሉ ገዛውቲ ወፍሪ ምግባርን ዓወት ብራንዱ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ማሕበረሰብ ጭቡጥ ለውጢ ከም ዘምጽእ ምግባር ማለት’ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣትሌቲክ ሪከርድስ ምስ ዝተበሃለ ኩባንያ ስምምዕ ፈረመ፡ እዚ ስምምዕ እዚ ንፈላመይቲ ኣልበሙ ዝምልከት ኮይኑ All Money in ምስ ዝተበሃለ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያን ኣብ ስርሓቱን ሙሉእ ምቁጽጻር ንክህልዎ ዝገብር’ዩ ኔሩ።
2 ለካቲት 2018 ዓ ም Victory Lap ዝተሰመየ ኣልበሙ ምስ ተዘርግሐ ኣብ ቢል ቦርድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተኾየጠ፡ ብዘይካዚ ብመዳይ ብሉጽ ኣልበም ራፕ ንሽልማት ግራሚ ብሕጹይነት ቀሪቡ ኔሩ።ምስ Kendrick Lamar ብሓባር ኣብ ዝሰርሓ Dedication ኣብ ዝተበሃለት ስራሑ ብዛዕባ ክፍሊት ስራሕቱ ሙዚቃኡ ብዛዕባ መሰላት ሕትመቱን ብዛዕባ ኦሪጂናል ዋንነቱ ብዝምልከት ደሪፉ’ዩ። ንጃህራ ኣይኮነን ደሪፉ ፡ እታ ደርፊ መርኣያ ዘበጽሖ ደረጃ’ያ ኔራ ፡፡መብዛሕትኦም ኣርቲስታት ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ንነዊሕ እዋን ገንዘብ ንዘፍርዩ ስራሕቶም ንኩባንያታት ኣሕሊፎም ብዝህብዎ ስርዓት ዝተሃነጸ እኳ እንተኾነ ኔፕሲ ግን ንነፍሲ ወከፍ መሰል ኣብ ኢዱ ዘጽንሓሉ ስምምዕ ኣማዕቢሉ ኔሩ።ኔፕሲ ኣብ መዳይ ሪልስቴት’ውን ወፍሪ ጌሩ’ዩ ፡ ድዃን The Marathon Clothing ዝርከበሉ ማእከል ንግዲ ወይ ድማ ፕላዛ ብዋንነት ገዚእዎ’ዩ፡ ነቲ ከባቢ ብቁጠባ ከተኣሳስር ዝኽእል መንበርን ንግዳዊ ህንጻታትን ብምህናጽ ነቲ ከባቢ ንምልማዕ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ኔርዎ’ዩ።
ነቲ ማሕበረሰብ ብቁጠባ ንምዕባይ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ወፍሪ Fund’ ውን ዓቢ ግደ ኔርዎ’ዩ።ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ሓደ እዋን ኣገራሚ ዝኾነ ስራሕቲ ይሰርሕ ኔሩ። ኣብዚ ግን ሓደ ዓቢ ጸገም ክፍጠር ጀመረ ፡ ኔፕሲ ዕዉት ምስ ኮነ ምስኡ ዝዓበዩ ግን ድማ ሂወቶም ዘይተቐየረ ሰባት ውሽጦም ብቅናኢ ክባራዕ ጀመረ ፡ ካብዞም ሰባት እዚኦም ኤሪክ ሆልደር እቲ ሓደ’ዩ ኔሩ ፡ ኤሪክ ሆልደር ልክዕ ከም ኔፕሲ ኣብ ተመሳሳሊ ገዛውቲ ዝዓበየን ኣባል ናይታ ጉጅለ ገበን ዝነበረን መንእሰይ’ዩ ፡ ኤሪክ ኣብ ዓለም ሙዚቃ ህቡብ ንክኸውን ይጽዕር ኔሩ’ዩ ፡ Shitiy pooh ብዝብል ናይ መድረኽ ስም’ዩ ዝጽዋዕ ኔሩ ፡ ይኹን እምበር ሙዚቃኡ ከም ናይ ኔፕሲ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡፡
ተለዋዋጥነት ባህሪ ወዲ ሰብ ከም ዝነግረና ሓደ ሰብ ምስኡ ማዕረ ዝነበረ ዓርኩ ክብ ክብል እንከሎ ንሱ ግን ኣብ ድሕሪት ክተርፍ እንከሎ መርዛም ኣብ ዝኾነ ቅንኢ ይጥሕል፡ ኤሪክ ሆልደር ንኔፕሲ ክርኢ እንከሎ ዝረኣዮ ፡ ውድቀት ገዛእ ርእሱ ፡ ስንፍና ገዛእ ርእሱን ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይሰመረ ሂወትን’ዩ ኔሩ። ኔፕሲ ንዕዑ ዓርኩ ኮይኑ ዘይኮነስ ጠንቂ ውድቀቱ ኮይኑ’ዩ ዝረኣዮ ኔሩ፡፡ ብዘይካዚ ኤሪክ ብደቂ ገዛውቱ ዝተወሃቦ ሓደ ሕማቕ ስም’ውን ኔሩ።ንኤሪክ ስኒች ብምባል’ዮም ዝጽዋኦዎ ኔሮም።ኣብ ባህሊ ጋንግ ኣሜሪካ ስኒች ማለት ሚስጥር ኣሕሊፉ ዝህብ ፡ ንፖሊስ ሓበሬታ ዘቐብል፡ኣሕሊፉ ዝህብ ወይ ድማ ናይ እዝኒ ማለት’ዩ። እዚ ስም እዚ ንሓደ ሰብ እንተደኣ ለጊብዎ ሂወት እቲ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ማለት’ዩ ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊኡ እምነትን ክብርን የብሉን ፡፡ እዚ ስም እዚ ተወሳኺ መጸውዒ ኤሪክ ሆልደር ስለ ዝነበረ ኤሪክ ሆልደር ስምዒት ትሑትነትን ሕርቃንን ይስመዖ ነበረ ፡ ከምዚ ዝበለ ዕግርግር ዝመልኦ ውሽጣዊ ስምዒት ዘለዎ ሰብ ድማ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ጌሩ ንምርኣይ ዝኾነ ይኹን ሓደገኛ ስጉምቲ ንምውሳድ ድሕር ኣይብልን’ዩ።
ሰንበት መዓልቲ 31 መጋቢት 2019 ዓ ም ኣብ ሎስኣንጀለስ ጸሓይ ደሚቓ ዝወጽኣትሉ ዝተረጋገአ ጽቡቕ ድሕሪ ፋዱስ’ዩ ኔሩ ፡ ኔፕሲ ሃስል ዘይተጸበዮ ጋሻ ንምቕባል ናብ መሸጢ ክዳውንቲ ድኳኑ ከደ ፡ ምስኡ ሓዉን ካልኦት ውሱናት ኣዕሩኽትን’ውን ነበሩ ፡ ኔፕሲ ኣብ ፊት እቲ ድኳን ኣብ ዝርከብ ቦታ ፓርኪንግ ደው ኢሉ ምስ ሰባት ስእሊ ይሰኣልን የዕልልን ነበረ ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ኤሪክ ሆልደር ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዓርኩ ብምዃን ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይኖም ንኔፕሲ ረኣይዎ፡ንመኪናኦም ደው ድሕሪ ምባሎም ኤሪክ ናብ ኔፕሲ ኣምረሐ ፡ ንዉሱናት ደቓይቕ ሰላማዊ ዕልላ ኣዕለሉ ፡ ኤሪክ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ ብዛዕባ ስራሕቲ ሙዚቃኦም ተዘራረቡ ፡፡
ይኹን እምበር ኔፕሲ ከም ዓቢ ሓውን ከም ዝሓስበሉ ዓርክን ሓደ ከቢድ ሓቂ ክነግሮ ወሰነ፡ ኔፕሲ ድምጹ ኣትሕት ኣቢሉ ” ዓርኩ ኣብዚ ኣብ ገዛውትና ብዛዕባኻ ጽቡቕ ዘይኮነ ወረ ይውረ’ሎ ፡ ናይ እዝኒ ከም ዝኾንካ ይውረ’ሎ ፡ ናብ መደበር ፖሊስ ኣቲኻ ሓበሬታ ከም ዝሃብካ ይውረ’ሎ ፡ ስለዚ ንነብስኻ እንተትሕሉን ካብዚ ጉዳይ እዚ እንተረሓቕካን ጽቡቕ’ዩ ” በሎ ። ኔፕሲ ከምዚ ዝበለ ንኤሪክ ንምርዳእን ንክጥንቀቕን ብምሕሳብ’ዩ ፡ ይኹን ደኣ’ምበር ስነ ልቦና ወዲ ሰብ ብከመይ ከም ዝሰርሕ ኣቐዲምና ሪኢና ኢና ፡ ኤሪክ ነዚ ምስ ሰምዐ ልቡ ብሕርቃን ቶግ በለት ፡ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ብምባሉ ዓቢ ውርደት ኮይኑ ተሰምዖ፡ ሃንደበት ቁጠዐዑ ሰማይ ዓረገ፡ ኤሪክ “ንስኻ ኩን ካልእ ንዓይ ናይ እዝኒ ክብለኒ ኣይክእልን’ዩ” ብምባል ብቁጠዐ መለሰ ፡ ኣብ መንጉኦም ዝነበረ ዕላል ስለ ዝተበላሸወ ኤሪክ ብሕርቃን ገዲፍዎ ከደ፡ ናብ መኪና ጓል ኣንስተይቲ ዓርኩ ድሕሪ ምእታዉ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ኣንፈት ሓደ እንዳ በርገር ምዝዋር ጀመሩ ፡፡
ኤሪክ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንሕርቃኑ ውሕጥ ኣቢሉ ናብ ገዝኡ ክኽይድ ይኽእል ኔሩ’ዩ ፡ ግን ኣይገበሮን ፡ሕርቃኑ ናብ ትምክሕቲ ትምክሕቱ ድማ ናብ ትልሚ ቅትለት ተቐየረ፡ ኤሪክ መኪናኣ ንክትጠውያ ንጓል ኣንስተይቲ ዓርኩ ነገራ፡ ኣብዚ ግዜ ንብረቱ የዳሉ ነበረ ፡ ሓንቲ ብረት ዘይኮነስ ክልተ ብረት ኣዳለወ ፡ እታ ሓንቲ በዓልቲ 9 ሚሊሜትር ኣውቶማቲክ ሽጉጥ ክትከውን እንከላ እታ ካልኣይቲ ድማ ሪቮልቨር’ያ ኔራ ፡ ብክልተ ኣእዳዉ ነተን ሸጓጉጥ ሒዙ ልክዕ ኣብ ፊልምታት ከም ዝረአ ቀታሊ ተመሊሱ መጸ ፡ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ኤሪክ ናብ ኣፍደገ ድኳን መሸጢ ክዳውንቲ ማራቶን በጽሐ።
ኔፕሲ ሕጂ’ውን ኣብቲ ዝገደፎ ቦታ’ዩ ኔሩ ፡ ኤሪክ ነታ መኪና ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ደው ከም ትብል ድሕሪ ምግባሩ ብእግሩ ተጸግዖ፡ ብክልተ ኣእዳዉ ነተን ሸጓጉጥ ኣነጻጺሩ ዋላ ሓንቲ ርህራሀ እንከየርኣየ ኣብ ልዕሊ ኔፕሲ ሃስል ተኹሲ ከፈተ፡ ኔፕሲ ድሕሪ ምህራሙ ኣብ መሬት ወደቐ ፡ ምስኡ ንዝነበሩ ክልተ ሰባት’ውን ኣቑሰሎም ፡ ኔፕሲ ኣብ መሬት ወዲቑ ደም እናፈሰሶ እንከሎ ነተን ናይ መወዳእታ ቃላቱ “ረኺብካኒ YOU GOT ME” ኢሉ ተዛረበ ፡ ይኹን እምበር ጭካነ ኤሪክ በዚ ደው ኣይበለን ፡ ንኔፕሲ ኣብ መሬት ምስ ኣውደቖ ካብ ቀረባ ርሕቀት ደጊሙ ኣብ ርእሱ’ውን ተኮሰሉ ፡ ድሕሪኡ ድማ ንርእሱ ብእግሩ ድሕሪ ምህራም ብጉያ ሃደመ፡ ናብ መኪና ጓል ኣንስተይቲ ዓርኩ ድሕሪ ምእታዉ ካብቲ ቦታ ብፍጥነት ተሰወሩ።ኔፕሲ ብፍጠነት ናብ ሕክምና እኳ እንተተወሰደ ሂወቱ ግን ክትተርፍ ኣይከኣለትን፡ዓቢ ራእይ ዝነበሮ ወዲ 33 ዓመት መንእሰይን ኣቦ ክልተ ዉሉዳትን ናይ ሎስኣንጀለስ ኣምባሳደር ሰላም ዝነበረ ኔፕሲ ብመተዓብይቲ ዓርኩ ብግፍዒ ተቐተለ።
ሞት ኔፕሲ ምስ ተሰምዐ ምእልቲ ኣሜሪካ ብስንባደ ተረቢሻ ኔራ ፡ ህቡባት ኣርቲስትታት ፡ ፖለቲከኛታትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደገፍቱ በኸዩ ፡ ከተማ ሎስኣንጀለስ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነት ኣብ ሓዘን ወደቐት ፡ እቲ ክስተት ዘምጽኦ ሓዘን ቅጽበታውን ክፉእን’ዩ ኔሩ ፡ ከም በዓል ጄይዚ ፡ ስኑፕ ዶግ ፡ ለውረን ጀምስ፡ ድሪክን ኣብ ደቡብ ሎስኣንጀልስ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ካብ ዘፍርዮ ፍልይ ብዝበለ ሓቀኛ ነገር ክህነጽ እንከሎ ዝረኣዩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሓዘኖም ገለጹ፡፡ዓባዩ ማርጋሬት ት ኣብ ህዝባዊ መግለጺ ሓዘን ተረኺባ ኣምላኽ ኔፕሲ ስርሑ ከም ዝወደአን ኣሰሩ ከም ዘንበረን ከም ዝነገራ ተዛረበት። ኣብ ስቴፕልስ ሰንተር ኣብ ዝተገበረ ናይ ሓዘን ስነ ስርዓት ድማ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ተረኺቦም’ዮም።ሰባት ንሰዓታት ነቲ መንገዲ መሊኦሞ ነበሩ።እቲ ክስተት ሓንቲ ከተማ ንውላዳ ጥራይ እትገብሮ ሓዘን’ዩ ኔሩ፡፡ ኔፕሲ ምስ ማሕበረሰቡ ሓቀኛ ምትእስሳር’ዩ ኔርዎ ፡ እቲ ማሕበረሰብ ድማ ተመሳሳሊ ፍቕርን እምነትን ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ፡፡ፖሊስ ግዜ ከይበልዐ መንነት ቀታሊ ንምፍላጥ ንካሜራታት ድሕነት (cctv) ምምርማር ጀመረ፡ነቲ ምስሊ ብግቡእ ምርኣይ ይከኣል ስለ ዝነበረ ነቲ ቀታሊ ነብሲ ንምልላይ ከቢድ ስራሕ ኣይነበረን ፡ ኤሪክ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ምሕባኡ 2 ሚያዝያ 2019 ዓ ም ብፖሊስ ተታሒዙ ቤት ማሕቡስ ኣተወ፡፡
ኣብ 2022 ዓ ም መስርሕ ፍርዲ ኤሪክ ሆልደር ክጅመር እንከሎ ጠበቓኡ ዝነበረ ኣሮን ጆንሰን ንኤሪክ ካብ ማእሰርቲ ሕልፈት ንምድሓን ሓደ ዓቢ መከራኸሪ ነገር ሒዙ መጸ ፡ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመ ኔፕሲ ኮነ ኢሉ ንኤሪክ ስለ ዝደፋፈኦን ስለ ዘሕረቖን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ምክታዕ ጀመረ ፡ ኣብ መስርሕ ሕጊ Heat of passion ዝበሃል ነገር ኣሎ፡ እዚ ማለት ሓደ ሰብ ሃንደበታዊ ብዝኾነ ቁጠዐ ፡ ሕርቃኑ ንኣእምሮኡ ሸፊንዎ እንከይሓሰበሉ ብቕጽበት ዝፍጽሞ ገበን’ዩ ፡ እቲ ቅትለት ብትኽክል በዚ መንገዲ’ዚ ተፈጺሙ እንተደኣ ኮይኑ ፍርዲ ብዝተወሰነ መልክዕ ይጎድል፡ ብካልእ መዳይ ፍማ premeditated murder ማለት’ውን ተሓሲብሉ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ቅትለት እንተደኣ ኮይኑ እቲ ፍርዲ ናይ ሞት ወይ ድማ ፍርዲ ሕልፈት ይኸውን።
ናይ ኤሪክ ጠበቓ ነቶም ደያኑ ከምዚ በሎም ” ኤሪክ ንኔፕሲ ክቐትሎ ኣለኒ ኢሉ ብምሕሳብ ኣይኮነን ቀቲልዎ ፡ ኔፕሲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ናይ እዝኒ ኢሉ ስለ ዝጸውዖ ኤሪክ ብሃንደበታዊ ቁጠዐን ውርደትን ኣእምሮኡ ሲሒቱ ዝገበሮ’ዩ ” ብምባል ተኸራኸረ፡፡ ይኹን እምበር ኣኽባሪ ሕጊ ዝነበረ ጆን ማኪኒ ነዚ ሓሶት’ዚ ከፍርስ ዝኽእል መርትዖ ኣቕረበ፡፡ ጆን ማኪኒ ንታሪኽ እቲ ቅትለት ሓደ ብሓደ ብምርኣይ ኤሪክ ሆልደር ምስ ኔፕሲ ድሕሪ ምግርጫዉ ሽዑ ንሸዑ ከም ዘይቀተሎ ፡ ናብ መኪና ድሕሪ ምእታዉ ንዓሰርተ ደቓይቕ ድሕሪ ምጉዓዙ ንሸጓጉጡ ኣመዓራርዩ ብምምላስ ፡ ንኔፕሲ ብክልተ ብረት ንምቕታል ሓሲቡ ገጹ ዝመለሰ ኣረመኔ’ዩ” ብምባል ኣረድአ።ብዘይካዚ ከቃብጾ ኢሉ ካብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ርእሱ ከም ዝተኮሰሉን ብእግሩ ንርእሱ ከም ዝሃረሞን ፡ እቲ ተግባር ንውልቃዊ ጽልእን ንዕቀትን ከም ዘርኢ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረድአ፡፡ደያኑ ብክልቲኡ ወገን ንዝቐረበ ሓበሬታ ንብሙሉኡ መርመርዎ፡፡ ጓል ኣንስተይቲ ዓርኩ’ውን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ኤሪክ ነተን ሸጓጉጥ ከመይ ጌሩ ከም ዘዳለወን ምስክርነታ ሃበት ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ ዓመታት ፍትሒ ተረጋገጸ፡ ደያኑ ንኤሪክ ሆልደር ብቀዳማይ ደረጃ ቅትለት ገበነኛ ኢኻ ብምባል ፍርዶም ሃቡ፡ ዳኛ ቶማስ ጃክሰን ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ከንብብ እንከሎ ኤሪክ ኣብ ገጹ ዋላ ሓንቲ ናይ ጣዕሳ ምልክት ኣይረኣዮን ኔሩ፡ ንዝፈጸሞ ዘሰቅቕ ገበን ካብ 60 ዓመት ክሳብ ሕልፈት ዝበጽሕ ጽኑዕ ማሰርቲ ተፈረደ፡ ብቅንኢ ዝተለዓዓለ ኤሪክ ሆልደር ንሂወት ኔፕሲ ጥራይ ዘይኮነስ ንሂወት ገዛእ ርእሱ’ውን’ዩ ኣጥፊኡ፡፡
ይኹን እምበር ዝኸበርኩም ስድራ ሞዛይክ ባህሊ እቲ ዛንታ በዚ ኣየብቀዐን፡ ድሕሪ ሞት ኔፕሲ ካልእ ናይ ስድራቤትን ንብረትን ውግእ ተላዒሉ’ዩ ፡ እቲ ውግእ 7 ዓመታት ዝወሰደ ውግእ’ዩ ፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ንብረቱ እንታይ ይኸውን ኢልኩም ትሓስቡ ? ኔፕሲ ሃሰል ድሕሪ ክቕተል እንከሎ ኣብ ባንክን ኣብ ኩሉ ስራሕቲ ንግዱን ክሳብ 11 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ’ዩ ኔርዎ፡ይኹን እምበር ሓደ ዓቢ ጌጋ ተፈጢሩ ኔሩ ፡ ኣማውታ ኔፕሲ ሃንደበታዊ ስለ ዝነበረ ሕጋውን ብገዛእ ርእሱ ዝተፈረመን ኑዛዜ ኣየዳለወን ፡ ብመሰረት ሕጊ ካሊፎርንያ ሓደ ሰብ ብዘይ ኑዛዜ እንተደኣ ሞይቱ ኩሉ ሃብቱ ነፍሲ ወከፍ ንግዳዊ ስርሑ ፡ ነፍሲወከፍ ንግዳዊ ምልክቱ ማለት ብራንዱ ፡ነፍሲ ወከፍ ናይ መጻኢ ኣታዊ ሙዚቃ ፡ ነፍሲወከፍ ብጽሒት ሪልስቴት ኩሉ ነገር ብፍጥነት መረጋግጺ ውርሻ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ይኣቱ ፡፡ ኣብዚ እቲ መስርሕ ከመይ ከም ዝኾነ ክንርኢ ኢና፡ እቲ ቤት ፍርዲ ጣልቃ ብምእታው ንኩሉ ሃብቲታቱ ምምማይ ፡ ዕዳኡን ወጻኢታቱን ምጽራይ፡ ሕቶታት ዋንነት ምፍታሕን ኣብ መወዳእታ ድማ ንትልሚ ምክፍፋል ሃብቲ ከጽድቕ ኣለዎ፡፡ቅልል ኣብ ዝበሉ ጉዳያት እቲ መስርሕ ኣብ ሓደ ዓመት ወይ ድማ ክልተ ዓመት ክዛዘም ይኽእል፡ ይኹን እምበር ብዝሕ ኣብ ዝበሉ ትካላት ንግዲ ምልክታት ንግዲ ወይ ድማ ብራንድታት ናይ ሙዚቃ ኣታዊ ሪልስቴት ካብ ዝተፈላለያ ኣዴታት ዝተወለዱ ውሉዳትን ኣከራኻሪ ዝኾነ ሞግዚትነት ቆልዑ ዘካተተ ጉዳይ ምስ ዝኸውን እቲ መስርሕ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል።
ኣብ ዝነበሮ ሃብቲ ዘተኮረ መስርሕ ፍርዲ ልዕሊ 7 ዓመታት’ዩ ወሲዱ ፡ ኣብዚ ኔፕሲ ሃስልን ሎረን ለንደንን ሕጋዊ ሓዳር ስለ ዝነበሮም እቲ ዘሎ ሓፈሻዊ ሃብቲ ንክልቲኦም ደቁ ጥራይ ዝመሓላለፍ ይኸውን፡ እቲ ጸገም እምበኣር ኣብዚ’ዩ ዘሎ ፡ ክልቲኦም ደቁ እታ ዓባይ ጓል 10 ዓመት እቲ ህጻን ድማ ወዲ 2 ዓመት ብምዃኖም ብሚልዮናት ንዝቑጸር ገንዘብ ባዕሎም ከመሓድርዎ ኣይክእሉን’ዮም ፡ ስለዚ ሓደ ሰብ ኣመሓዳሪ ንብረትን ሞግዚት እቶም ቆልዑን ኮይኑ ክሽወም ኣለዎ፡ እቲ መስርሕ provit court ብዝበሃል ቤት ፍርዲ ስድራቤትን መስርሕ ውርሻን’ዩ ዝፍጸም፡ ኣብዚ’ዩ እምበኣር ሓዉ ሳሚኤል ኣስገዶም ወይ ድማ ብላክ ሳም ብዝበሃል ዝፍለጥ ሰብ ናብቲ ታሪኽ ዝኣቱ።
ብላክ ሳም ብዝብል ዝፍለጥ ሓዉ ንኔፕሲ ናይ ሓዉ ራእይ ዝፈልጥን እሙንን ሰብ ስለ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ንብረቱ ብምዃን ተሾመ፡ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ንንብረቱ ካብ ጉሒላታት ምሕላው ፡ ዕዳታት ኔፕሲ ምኽፋልን በቲ ዝተረፈ ገንዘብ ንደቁ ሓዉ ምዕባይን’ዩ ኔሩ ፡ ብላክ ሳም ካብተን ፈለምቲ መዓልታት ክሬንሻው ጀሚሩ ማለት’ውን The Marathon Clothing ክኽፈት እንከሎ ስምምዓት ክግበር እንከሎ ስራሕቲ ማሕበረሰብ ክስራሕ እንከሎን ራይእ ክጥጃእ እንከሎን ኣብ ጎኒ ኔፕሲ’ዩ ኔሩ።ሓዉ እንታይ ከም ዝሃነጸ ጥራይ ዘይኮነስ ስለምንታይ ከም ዝሃነጾን ኣብ መጻኢ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝፈልጥ፡፡ስለዚ ሳም ኣብተን ሸውዓተ ዓመታት ዝወሰኖም ውሳኔታት እዮም እምበኣር ደቂ ኔፕሲ ኣቡኦም ካብ ዝነበሮ ሃብቲ ነቲ ዝተረፈ ዘይኮነስ ዝደልደለን ዝሓሸን ሃብቲ ከም ዝወርሱ ዝገበረ፡፡
ብላክ ሳም ነቲ ሓላፍነት ክርከብ እንከሎ ኣብ ቅድሚኡ ዝተገተረ ዓቢ ፈተና ኔሩ፡ ኔፕሲ ካብ ዝነበሮ ሃብቲ ፈለማ ዕዳኡን ወጻኢታቱን ድሕሪ ምጉዳሉ ግምቱ ከባቢ 4 ሚልዮን ዶላር’ዩ ኔሩ ፡ እዚ ውሑድ ቁጽሪ ኣይኮነን ፡ ይኹን እምበር ሎሚ ምስ ዝበጽሖ 11 ሚልዮን ዶላር ክወዳደር እንከሎ ገና ብዙሕ’ዩ ዝተርፎ ኔሩ ፡ናይ ንግዲ ስራሕቱ ሕጂ’ውን ኣብ ስራሕ’ዩ ዘሎ፡ ግን ድማ ንመስራቲኦም ሰብ ሲኢኖሞ’ዮም፡ ሕጂ ኣብዚ እቲ ኣዝዩ ቀሊል መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ንብረት ሕጋውያን ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብያተ ፍርዲ ፡ ኣለቃሕቲን መቐናቕንቲ ወገናትን ብቅርበት ኣብ ዝከታተሉሉ ኩነታት ንኩሉ ነገር ምሻጥ፡ ንምልክታት ንግዱ ምትሕልላፍ ፡ ንብጽሒት ንግድታቱ ናብ ጥረ ገንዘብ ምቕያር ፡ ነቲ ገንዘብ ምክፍፋልን ነቲ መስርሕ ፍርዲ ብዝተኸኣለ ፍጥነት ምዕጻው’ዩ ኔሩ ።ኣመሓደርቲ ሃብቲ ጸቕጢ ክበዝሖም እንከሎ ከምዚ’ዮም ዝገብሩ፡፡
ይኹን ደኣ’ምበር ብላክ ሳም ከምዚ ኣይገበረን ፡ እንታይ ጌሩ መስለኩም ? ናይ ሓዉ ስራሕቲ ንምሕላው ፡ ንግድታቱ ከም ዝቕጽል ንምግባርን ንምስፍሕፋሕን ወሰነ፡ ነዞም ሰለስተ ውሳነታት እዚኦም ንተኸታተልቲ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ኮይኑ ስለ ዝወሰኖም ንዕጫ ደቂ ሓዉ ቀይርዎ’ዩ ፡ኣብተን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ብላክ ሳም The Marathon Clothing ከይተዓጸወ ከም ዝቕጽል ጌሩ’ዩ ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዋና ሓደ ብራንድ ክመውት እንከሎ ስራሕቱ ምስኡ ሓቢሮም’ዮም ምሟት ዝጅምሩ ፡፡
ድሕሪ’ቲ ድኳን ዘሎ ጉልበት ፡ ዓማዊል ናይ ምስሓብ ሓይሊ ምስ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ዝተቛረነ ስለ ዝኸውን እቲ ሰብ ክጠፍእ እንከሎ ኩሉ ነገር ይዓኑ ፡ ኣብ እንዳ ኔፕሲ ግን እዚ ነገር እዚ ኣይተፈጠረን ፡ ብላክ ሳም The Marathon Clothing ብዛዕባ ህቡብነት ኔፕሲ ጥራይ ከም ዘይነበረ ብጉቡእ ተረዲእዎ’ዩ ፡ ኣብ ገዛውቱ ዝተሃነጸ ድኳን ንባህሊ እቲ ማሕበረሰብ ፡ ንዋንነት ጸለምትን ንወፍሪ እቲ ማሕበረሰብ እቲ ቅኑዕ መንገዲ’ዩ ኢሉ ንዝኣምን ሰብ ዓቢ ትርጉም’ዩ ኔርዎ፡፡ነቲ ድኳን ምዕጻው ማለት ነቲ ሓሳብ’ቲ ከም ምጥላም ምተቖጸረ ኔሩ፡፡ ስለዚ ብላክ ሳም እቲ ድኳን ክፉት ኮይኑ ክቕጽል፡ ሰራሕተኛታት ስርሖም ክቕጽሉን ኔፕሲ ኣብ ዝተኸበረሉ ገዛውቲ ራእዩ ተኾሊዑ ከም ዝረአን ገበረ።እቲ ድኳን ዝተሰርሓሉ ዕላማ ከም ዝዕወት ብምግባር ከም ዝቕጽል ገበረ፡፡
ኣብ ክራማት 2022 ዓ ም The Marathon Clothing number 2 FAIRFAX ኣብ ዝተበሃለ ገዛውቲ ተኸፈተ ፡ FAIRFAX ኣብ ውሽጢ ሎስኣንጀለስ ኣዝዩ ተወዳዳርን ባህላዊ ትርጉም ካብ ዘለዎም ናይ ንጽል ንግዲ መስመራት እቲ ሓደ’ዩ ፡ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ብቐሊሉ ዝተረኸበ ኣይኮነን ኔሩ ፡ ብዘይካዚ ማራቶን በርገር ናይ ብራንዱ መስፋሕፍሒ ንግዲ ብምዃን ተኸፈተ፡ እዚ ድማ ካልእ ተወሳኺ ምንጪ እቶት’ዩ ኔሩ ፡ ምልክታት ብራንዱ ፡ The Marathon Clothing ን All Money In ን ተሓልዮምን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ንግዲ ኮይኖም ስርሖም ቀጸሉ ደኣ’ምበር ተዳኺሞም ሕጋዊ ኣፍልጦኦም ከም ዝስእኑ ኣይተገበረን ፡ ይኹን እምበር ሕጂ’ውን ብላክ ሳም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተወሃቦ ከቢድ ሓላፍነት ሕጂ’ውን ካልእ ዝተሓላለኸ ጸገም ኣጓነፎ ፡ ንሂማንያ ኣስገዶም ኣዲኣ ዝኾነት ታኒሻ ፎስተር ሃንደበት ተቐልቀለት ፡ ታኒሻን ኔፕስን ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልዮም’ዮም ኔሮም፡ ኔፕሲ ብሂወት እንከሎ ንጓሉ ሂማኒያ ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዱ’ዩ ዘዕብያ ኔሩ ፡ ምኽንያቱ ታኒሻ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ሕውስውስ ዝበለ ሂወት ስለ ዝነበረት ፡ ምስ ወልፊ ኣልኮልን ሕግን ዝተተሓሓዘ ጸገማት ኔርዋ፡፡
ይኹን እምበር ድሕሪ ሞት ኔፕሲ ታኒሻ ሞግዚትነት ጓላን ብጽሒት ገንዘባን ምቁጽጻር ከም እትደሊ ብምግላጽ ክሲ መስረተት ፡ ስድራቤት ኔፕሲ ሓዉ ሳም ሓብቱ ሳማንታን ኣዲኡን ገና ሓዘኖም ከይወጽኣሎም ታኒሻ ጓላ ንክተዕቢ ብቕዓት ከም ዘይብላ ዕላማኣ ገንዘብ ንምውሳድ ጥራይ ከም ዝኾነ ንምእማን ኣብ ቤት ፍርዲ ምክራኻር ጀመሩ ፡ ናይ ወዲ ሰብ ድሌት ገንዘብ ስድራቤት በዚ መንገዲ’ዚ ከም ዝበታተን’ዩ ዝገብር ፡ ብካልእ ሸነኽ ኣደ ንእሽቶ ወዱ ክሮስ ዝኾነት ህብብቲ ተዋሳኢት ሎረን ለንደን’ያ ፡ ሎረን ምስ ስድራ ኔፕሲ ኣዝዩ ሰላማውን ዝተኸበረን ርክብ ስለ ዝነበራ ንብጽሒት ወዳ ብዝምልከት ምስ ብላክ ሳም ብምስምማዕ ብዘይ ሰሓቦ ጉተቶ ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መንገዲ ከም ዝውዳእ ገበረት፡ ውግእ ታኒሻን ስድራቤት ኔፕስን ግን ብጠበቓታት እናተመርሐ ካብ 2019 ዓ ም ክሳብ 2026 ዓ ም ንሸውዓተ ዓመታት ዝኸደ’ዩ ኔሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ድሕነት እታ ቆልዓ ንምሕላው ብምባል ነቲ ጉዳይ ካብ ጉቡእ ንላዕሊ ኣጓተቶ ፡ ስድራቤት ኔፕሲ ብሚልዮን ዝቑጸር ገንዘብ ንጠበቓ ተውጽእ ኔራ፡፡
ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ናይ ሕጊ ውግእ ኣብ መወዳእታ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ 2026 ዓ ም ናይ መወዳእታ መዓልቦኡ ረኸበ ፡ ፈለማ ጉዳይ ሞግዚትነት ብዝምልከት ኣብ መወዳእታ 2025 ተዛዘመ ፡ ታኒሻ ፎስተርን ስድራቤት ኔፕስን ምእላይ ጓሎም ብዝምልከት ብሓንሳብ ንምግባርን ኣብ ዝተወሰኑ ሕጋዊ ገደባት ንምስምማዕ ወሲኖም ኔሮም፡ እቲ ቀንድን ዓብን ዜና ግን ምክፍፋል ንብረት ኣብ 2026 ዓ ም ሙሉእ ብሙሉእ ምዝዛሙ’ዩ ኔሩ ፡ ዳኛ ንምጽራይ ንብረት ኣጽዲቑ ናይ ኔፕሲ ሃስል ዝነበረ ንብረት 11 ሚልዮን ዶላር ንደቁ ክወሃብ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንመወዳእታ ግዜ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መሰረት ሕጂ ጓል 17 ዓመት ዘላ ሂማንያ ኣስገዶምን 9 ዓመት ዝገበሮ ክሮስ ኣስገዶምን ነቲ ንብረት ብማዕረ ሓምሳ ሓምሳ% ተማቐልዎ ፡ እቲ ክፍሊት ብቀዋሚ ንብረትን ጥረ ገንዘብን’ዩ ተፈጺሙ ፡ እቶም ቆልዑ ዝወረስዎ ነገር ብዝርዝር ምስ እንርኢ ፡
1ይ 100% ዋንነት Marathon Clothing
2 ይ 100% ዋንነት All Money In
3 ይ 100% ዋንነት Marathon Studios
4 ይ 100% ዋንነት Marathon Touring
ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ትካላት ንግዲ ዘሎ ብጽሒት ዋንነት ወይ ድማ ብርኪን ካልኦት ምስ መሰል ብራንድ ማራቶን ዝተተሓሓዙ ሓፈሻዊ ምልክታት ንግዲ ዘካተተ’ዩ ኔሩ፡ ብዘይካዚ ኔፕሲ ዝጥቀመላ ዝነበረ መኪና ናይ 2012 ዓ ም ሞዴል ቼቭሪ ንደቁ ተወሃበት ፡ እዚ ማለት ብጭቡጥ እንታይ ማለት’ዩ ? ሂማኒያን ክሮስን ዝረኸብዎ ናይ ሓደ እዋን ክፍሊት ጥራይ ኣይኮነን ፡ተኸታታሊ ኣታዊ ዘምጽኡ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ትካላት ንግድን ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረትን’ዮም ወሪሶም፡ንስርሓት ሙዚቃ ኔፕሲ ሮያሊቲ ሕጂ’ውን ይኸፍሎም’ዩ ፡ ድኳናት ማራቶን ሕጂ’ውን ኣብ ስራሕ’ዩ ዘሎ ፡ ምልክታት ንግዱ ሕጂ’ውን ኣታዊ የምጽኡ’ዮም ፡እዞም ንብረታት እዚኦም ንዓመታት ምናልባት’ውን ብርክት ንዝበለ ዓሰርተታት ዓመታት ሃብቲ ንምፍራይ ዝተተለሙ ደኣ’ምበር ከም ጥረ ገንዘብ ወጻኢ ተጌሮም ዝውድኡ ኣይኮኑን፡ ክልቲኦም ደቁ ገና ናኣሽቱ ብምዃኖም እቲ ውርሻ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣለይቶም’ዩ ክጸንሕ፡ ሎረን ለንደን ኣብ ብጽሒት ክሮስ ብሕታዊ ሞግዚትነት ክህልዋ እንከሎ ፡ታኒሻ ብላክ ሳምን ስድራ ኣሰገዶምን ድማ ንብጽሒት ሂማኒ ከመሓድሩ’ዮም፡፡
ኣብ ሂፕሃፕን መዘናግዒ ዓለምን ቆልዑ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብዙሕ ገንዘብ ወሪሶም ግን ድማ ጉጉይ ብዝኾነ ውሳነ ፋይናንስ ብምዝመዛ ወይ ድማ ኣብያተ ፍርዲ ሓለዋ ብዘይምህላዉ ሃብቶም ክጠፍእ እንከሎ ዘርእዩ ብዙሓት ዘሕዝኑ ታሪኻት ኣለዉ፡፡ ሓዉ ንኔፕሲ ብላክ ሳም ግን ቃሉ ሓልዩ’ዩ ተረኺቡ ፡ንራእይ ሓዉ ካብ ጒሒላታት ሓልዩ ንብረቱ ብምዕባይ ንሕጋውያን ወረስቱ ከረክብ ኪኢሉ’ዩ ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሂምንያን ክሮስን ኣቦኦም ዋላ’ኳ ብኣካል ምስኦም ኣይንበር ገዲፍሎም ብዝኸደ ዓቢ ናይ ወላዲ ሃብቲ ናይ መጻኢ ናብራኦም ውሑስን ዝተረጋገጸን ኮይኑ’ዩ፡ ኔፕሲ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር ዋላ’ኳ እንተፍረየ ብሰንኪ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ኑዛዜ ዘይምስፋሩ ስድራኡ ንናይ ሸውዓተ ዓመታት ናይ ቤት ፍርዲ ከርተት፡ ውግእ ንብረትን ንልዑል ወጻኢን ኣቃሊዕዎም’ዩ ፡፡
ዝኸበርኩም ስድራ ሞዛይክ ባህሊ ናይ ሎሚ መደብና ነዚ ይመስል ፡ ብዛዕባ እዚ ትሕዝቶ ዘለኩም ርእይቶ ጸሓፉልና ፡ ኣብ ቀጻሊ ብካልእ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ተቛጺርኩም ኣይበለና ኣኣብ ዘለናዮ ሰላምን ጥዕናን።
ኣንገሶም ተስፋሚካኤል
18/08/2026
