Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፍሉይ ባህሪ ረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’

ፍሉይ ባህሪ ረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’

0
By Mekonnen T. on September 19, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መም. ኣማረ ወልደስላሴ
ቀዳማይ ክፋል
ግሲ ‘ምዃን’ ብመንጽር ክንዲ ኣስማት ተተንቲኑ እንክራባሕ፡ ከምዘይ ኣብ ካልኦት ልሳናት፡ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ ይርከብ’ዩ። ነዚ ንምርዳእ፡ ክልተ ሰሌዳታት ግሲ ‘ምዃን’ን verb to be ናይ እብግሊዝን ከምኡ’ውን verb etre ናይ ፈረንሳይኛን ተቐሪበን ኣለዋ።
ነተን ሰሌዳታት ቅድሚ ምርኣይና ግን verb to beን etreን ብውጹእ መገዲ እንክራባሑ፡ ትግርኛዊ ‘ምዃን’ ግን ውጹእነት ከም ዝጐድሎ፡ ማለት፡ ገለ ጸሓፍቲ ኢየ፡ ኢዩ ኢያ…ምባል እንክመርጹ፡ ገለ ድማ እየ፡ እዩ እያ…ምባል ከም ዝሰልጦም ምዝካር ኣድላዪ’ዩ።
እዘን ኣብ ታሕቲ ቀሪበን ዘለዋ ሰሌዳታት ካብቲ ልሙድ መገዲ ብዝፍለ ኣቀራርባ ተሰሪዐን ኣለዋ። እዚ ኣቀራርበአን ዝተመርጸ ንትንተና ምእንቲ ክጥዕም’ዩ። ፈለማ ቀሪባ ዘላ ሰሌዳ፡ ንverb to beን etreን ዝሓቘፈት እያ።
እታ ካልአይቲ ንረባሕታ ግሲ ምዃን ተንቲና ኣላ። ኣብኣ እንዳ ‘ይ’ ዘለውአን ረባሕታታት ብሓደ እተን እንዳ ‘ይ’ ዘይብለን ድማ ንበይነን ተሰሪዐን ኣለዋ።
I am
you, we, they are
he,she, it is
je suis
tu, elle, Il,vous est
nous somme
ኣማረጺ ‘ኢ’ ኣማራጺ ‘እ’
ኣነ ኢየ
ንሳተን ኢየን
ንሰን ኢየን
ንሱ ዩ
ንሳ እያ
ንሶም እዮም
ንሳቶም እዮም
ንሕና ኢና
ንስኻትኩም ኢኹም
ንስኹም ኢኹም
ንስኺ ኢኺ
ንስኽን ኢኽን
ንስኻትክን ኢኽን
ንስኻ ኢኻ
ኣነ እየ
ንሳተን እየን
ንሰን እየን
ንሱ እዩ
ንሳ እያ
ንሶም እዮም
ንሳቶም እዮም
ንሕና ኢና
ንስኻትኩም ኢኹም
ንስኹም ኢኹም
ንስኺ ኢኺ
ንስኽን ኢኽን
ንስኻትክን ኢኹም
ንስኻ ኢኻ
እዘን ሰሌዳታት እንክጽንዓ፥ ኣብ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ንረባሕታታት፡ am, are, is, suis, est, somme ዘራኽብ ረቛሒ እንክስኣን፡ ረባሕታታት ትግርኛ ግን፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኢየ፡ ኢየን፥ ኢዩ፥ ኢያ፤ ወይ ድማ እየ፡ እየን፡ እዩ፡ እያን፡ ንሓደሕድ ዘራኸቦም ረቛሒ ከም ዘለወን ግሁድ’ዩ።
መበገሲ ኵሎም ደሃያት፡ ሳድስ ብምዃኑ ረባሕታ verb to be ውጽኢት ‘እም’፡ ‘እር’ን ‘እዝ’ን፡ ertre ድማ ውጽኢት ‘ስውስ’ ‘እስ’ን ‘ስም’ን እንክዀኑ፡ ኵሉም ረባሕታታት ‘ምዃን’ ግን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ‘የ’ወይ ‘ዩ’ ወይ ‘ያ’ ዝድርጸጽ ምዃኑ ብምግንዛብ ውጽኢት ‘እይይ ጥራይ’ ኰይኖም ይርከቡ።
ረባሕታታት፡ ኢና፡ ኢኻ፡ ኢኹም፡ ኢኽን ግና ወላኳ ላዕሊ ላዕሊ እንክረኣያ፡ ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራ ኣይምሰላ እምበር፡ ደቂቕ ምርምር እንክካየደለን ግን፡ ንሳተን’ውን ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራ እየን። እዚ ሓሳብዚ ኣብ ታሕቲ ክበርህ’ዩ።
ብተወሳኺ፡ ከምዘይ ኣብ ካልኦት ልሳናት፡ ረባሕታ ግሲ ምዃን ምስ ረባሕታ ግሲታት ተሳንዩ ዝኸይድ ብምዃኑ ነቲ ፍሉይ ዝበሃል ባህሪኡ የድምቖ’ዩ። እዚ ካብ ብመግለጺ ብኣብነት እንክቕርብ ስለ ዝበርህ፡ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ተኣንጊዱ ኣሎ።
ኣብነት፡
ሰትየ ኢ/እየ፡ ሰትዩ ኢ/እዩ፡ ሰትያ ኢ/እያ… ርእየ ኢ/እየ፡ ርእዩ ኢ/እዩ፡ ርእያ ኢ/እያ፡… ኣብዘን ዝቐረባ ኣብነታት ትየ ምስ ኢ/እየ፡ ትዩ ምስ ኢ/እዩ፡ ትያ ምስ ኢ/እያ ተሳንዩ ከም ዘሎ ይረአ ኣሎ። እዚ ፍሉይ ባህሪዚ፡ ኣብ ትግርኛ እምበር ኣብ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ኣይርከብን።
ረባሕታ ግሲ ምዃን፡ ሊቅ ተጣቢቡ ዘካወኖ ብዝመስል መገዲ ንሓድሕዱ ስለ ዝተኣሳሰረ ከም ብልጫ ይውሰድ’ዩ። ይዅን እምበር፡ ውጹእነት ምጕዳሉን ንነዊሕ ግዜ ኣካታዒ ኰይኑ ምጽናሑን ድኽመት ስለ ዝዀነ ብመርትዖ ዝተሰነየ ፍታሕ ክናደየሉ ግድን እዩ።
ብዘይካዚ፡ እዚ ረባሕታዚ ከምዘይ ረባሕታ ካልኦት ልሳናት፡ ከም እምነ-ኵርናዕ ተሓሲቡ፡ ሓያሎ መምርሒታት ክህንጸጸሉን ግድላት ክፍትሐሉን ከም ዝኽእል ዘመልክት ሓበሬታ ስለ ዘለዎ፡ ውጹእነት ንኽረክብ ዓሚቝ ምርምር ምክያድ ግዜኡ ዝጠልቦ ዕማም ምዃኑ ግሁድ’ዩ።
ይቕጽል . . . . . .

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣስማት ደቅናን ትርጉሞም
Next Article እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?