Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 8, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 16 ክፋል
ሮዛ ድቃስ ኣብዩዋ ኣብ ጐድኒ ማዕጾ ተጸጊዓ ኵሉ ክብሃል ዝጸንሐ ክትሰምዕ ጸኒሓ፡ ገም ዝብል ድምጺ ማዕጾ ምስ ሰምዐት፡ ማሪያ ተርክባ ዘላ እናመሰላ ኣብቲ ዓራት ተገምሰሰት። ማሪያ ንወዲ ከረን ኣፋንያ ናብ ሮዛ ተመልሰት። ንከዳሚታ ሰብ ከይተእትወላ ሓቢራ ድማ ግዜ ምሳሕ ክሳብ ዝኣክል ንሮዛ ኮፍ ኣቢላ ንታሪኽ ኣዲኣ ብዝጥዕማ መንገዲ ኣዘንተወትላ። ድሕሪኡ ዓማዊል ስለ ዝመጽኡዋ ንሮዛ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ገዲፋታ ወደኽደኽ ክትብል ወዓለት። ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ኣኸለ፡ ሮዛ ኣብቲ እንዳ ኣጋንንቲ ኮይኑ ዝተራእያ ገዛ ኮፍ ምባል ምጽዋር ሰኣነቶ። ኵሉ’ቲ ኣብ እንዳ ማሪያ ዝረኣየቶን ዝሰምዓቶን ምስ ኣተዓባብያኣ ዘይቃዶ ብምንባሩ፡ ካብ ገዳም ወጺኣ ኣብኡ ናይ ምንባር ተስፋኣ ከም ተኪ በኒኑ ተረፈ። ካብቲ ቦታ ድማ ንፈጺ ንፈጺ ጥራይ መጽኣ። ኣቕሑተይ ከምጽእ ዝብል ምኽንያት ፈጢራ ድማ ነታ እንዳ ዛርቲ ኮይና ዝተሰምዓታ ገዛ ዝባና ሂባታ ናብ ኮምቦኒ ተመልሰት።
ኣብ ኮምቦኒ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ከም ሓላዊ ኣፍደገ ዝሰርሑ ኣቦይ ስብሓት ብማዕዶ ክትመጽእ ከላ ረኣዩዋ። ኣብ ጥቓኦም ምስ ቀረበት፡ “ኣንቲ ሮዛ ጓለይ ደሓንዶ መጺእኪ? ዓንተቦ ምስታ ስርኤል ቀትሪ ክትከዲ ምስ ረኣኹኺ ደኣ፡ ‘ለከመታ ነዛ ጥዕይት ቈልዓ፡’ ኢለ ካን ጎቦ ልበይ’ንድየ ውዒለ። ናይ ደሓን ደኣ ምስኣ ኬድኪ?” ክብሉ ተወከሱዋ ነቲ ዕሙር፡ ስቤት ዝበዝሖ ጭሕሞም እናወጠጡ። ንሮዛ ገና ዕሸል ከላ ከም ውላዶም ዝሓቝፉዋን ዘጻውቱዋን ዝነበሩ ለዋህ ሽማግለ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ትፈትዎምን ከም ወላዲኣ ትጥምቶምን ሰብ’ዮም ነይሮም። ስለዝኾነ፡ ከይሓበረቶም ምስ ማሪያ ምኻዳ ሕልናኣ ወቐሳ። ንዘረባኦም ርእሳ ኣድኒና ብሕፍረት እናተሸቝረረት ድሕሪ ምስማዕ ድማ ጸገማታ ዘርዚራ ገለጸትሎም።
ዘረባኣ ሃንደበት ኮኖም። ካብ ሎሚ ጽባሕ ነቲ ሃሪ ዝመስል ነዊሕ ጸጕራ ጓዕሚማ ሰዓቢት ኣደና እግዝእትነ ማርያም ክትከውን እናተጸበዩዋ ከለዉ፡ መንገዲ ዓለም ምምራጻ ኣዝዩ ኣሕዘኖም። ድሕሪ ሞት ናይ’ታ ኣዝያ ተፍቅራ ዝነበረት መሓዛኣ ጽቡቕ ከም ዘይነበረት ኣስተውዒሎምላ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ማዕረ ክንድኡ ትበጽሕ ኢሎም ግን ኣይሓሰቡን። ዝኾነት ጓል ማሕበር ካብ መንገዲ ኣምላኽ ሓንሳብ ሸተት ምስ እትብል፡ ገዳማዊ ህይወት ክትቅጽሎ ከም ዘይትኽእል ካብ ውህሉል ተሞክሮኦም ኣዕርዮም ዝፈልጡዎ ነገር’ዩ። ከም ኣቦ መጠን ከይለመኑዋ ትም ክብሉ ግን ሕልናኦም ኣይፈቐደሎምን። ስለዝኾነ፡ “ንዒ ኣይፋልክን ሮዛ ጓለይ፡ ናብ ልብኺ ተመለሲ፡ መንገዲ ኣምላኽ ዝመስሉዎ ነገር የሎን፡ ቍሩብ እንተ ተጸሚምኪ ክነፍሰልኪ እዩ። ካብ መዛኑኺ ከመይ ኢልኪ ትሓምቂ? ንዒ ምኽረይ ስምዕኒ ሮዛ ጓለይ፡ ካብ ፈተነ ሰይጣን ደሓኒ፡” ብምባል ኣምሪሮም ለሚኖማ።
ብሕፍረት ተዋሒጣ ክትጥምቶም ኣይከኣለትን። ትዛረቦ ጠፊኡዋ ርእሳ ናብ መሬት ተኺላ ንሓጺር ህሞት ትም ድሕሪ ምባል፡ “ኣቦይ ስብሓት ነቲ ነገር ኣጸቢቐ ሓሲበሉ እየ። ሕጂ ንዘረባኹም ከየዕብር ኢለ ሕራይ እንተ በልኩኹም ሕማቕ’ምበር ጽቡቕ ኣይክረክብን’የ፡” ክትብል ብትብዓት መለሰትሎም።
ንመልእኽታ ብኣጋኡ ቆብ ኣበሉዎ። “እዛ ቈልዓ ኣሰር መሓዛኣ ክትስዕብ እያ ትደናደን ዘላ፡” በሉ ብውሽጦም። ተመሊስካ ትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትኺድ ኮይኑዎም ድማ ዓቕላ ኣጽቢባ ኣብ ሕማቕ መታን ከይትወድቕ ዘድሊ ማዕዳ ድሕሪ ምሃብ፡ “በሊ ሳልስቲ ተጸበይኒ’ሞ ኣምላኽ እንተ ተሓዊሱዎ ንዓኺ ዝኸውን ቦታ ክረኽበልኪ እየ፡” ኢሎም ተፋነዉዋ። ከም ቈጸራኦም ኣብ ሳልስቱ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጸውዑዋ። ዝብሉዋ ክትሰምዕ ብኡንብኡ ከተፍ ምስ በለት፡ “ኣንቲ ሮዛ ጓለይ፡ ብቐደማይ ደኣ እታ ዛርቲ እንታይ በለትኪ?፡ በሉዋ ቀንዲ ዘረባኦም ሓዲጎም። ንማሪያ መዋእሎም ብስማ ጸዊዖማ ኣይፈልጡን’ዮም። መልሲ ክትህቦም ግድን ስለ ዝነበረ ካብ ማሪያ ዝሰምዓቶ ታሪኽ ስድራኣ እናተደፋነቐት ገለጸትሎም።
“ወይዛ ለዅመኛ! ማስጣ’ደኺ ደኣ የውርደላ’ምበር እዛ ከይሲ’ዚኣ ጉድጓዳ ዘይፈሓር፡” ድሕሪ ምባል፡ ኣዲኣ ናብ ኮምቦኒ ክትመላለስ ከላ ዝፈልጡዎ ታሪኽ ብዝርዝር ገለጹላ። ኣስዒቦም ኣብ ከባቢ እንዳ ፍንጃል ምስ ሓደ ኢጣልያዊ ስራሕ ከም ዝረኸቡላ ድሕሪ ምግላጽ መልሳ ክሰምዑ ተጸበዩ።
ዘረባኦም ሃንደበት ስለ ዝኾና ትዛረቦ ጠፊኡዋ ዝን በለት። ኣብ ኣእምሮኣ እቲ ቅድሚ ሳልስቲ ዝሰምዓቶ ብተንኰልን ሽርሕን ዝተባዕጠ ዘረባ ማሪያ ሕምብሊል ይብል ስለ ዝነበረ፡ ድሒሩ ንዝሰዓበ ዘረባኦም ክንድቲ ኣየቃለበትሉን።
ደጊሞም እንታይ ከም ዝሓሰበት ምስ ተወከሱዋ፡ ርእሳ ብምንቕናቕ ናይ እወታ መልሲ ምስ ሃበቶም፡ “በሊ እቲ ሰብኣይ ጽባሕ ናይ ምሸት ሒዝካያ ምጻእ ኢሉኒ ስለ ዘሎ፡ ደሓን የሕድረና ጽባሕ ሰዓት ሓሙሽተ ሒዘኪ ክኸይድ’የ፡” ኢሎም ኣፋነዉዋ። ሮዛ ድማ ኣጻብዕታ ቆራዕራዕ እናበለት ናብ መደቀሲ ክፍላ ኣምርሐት።
ምስ መሓዙታ ነዊሕ ድሕሪ ምዕላል እዋን ድቃስ ኣኺሉ ኣብ ዓራታ ተገምሰሰት። ድቃስ ስለ ዝኣበያ ግን ግዜ ከም ጐማ ተመጢጡዋ ሰለም ከየበለት ሓደረት። ከም ዘይወግሕ የሎን መሬት ምስ ወግሐ ኣንጊሃ ተስአት። ጸሓይ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ዘሎ ዑደታ ክሳብ ትዛዝም ብዓቕሊጽበት ክተዕለብጥ ድሕሪ ምውዓል፡ ካብ ገዳም ወጺኣ ሓድሽ ህይወት ሀ ኢላ ንምጅማር ክዳውንታ ጠርነፈት። ንብዓታ ቍጽርጽር እናበላ ንደቂ ማሕበራ ምስ ተፋነወተን ድማ ነታ ካብ ሕጻንነታ ጀሚራ ብስነስርዓት ተዀስኵሳ ዝተሃንጸትላን ዝዓበየትላን ገዳም ኮምቦኒ ሓንሳብን ንመወዳእታን ግዜ ተፈልየታ።
ኣብቲ ሓድሽ ስራሓ ጽምዋ ሓዲግካ ብዅሉ መዳዩ ዝነኣድ ነይሩ። ኣቦይ ስብሓት’ውን ጸጸኒሖም ደሃያ ካብ ምፍላጥ ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን ነይሮም። ኣብ መበል ሳልሳይ ወርሒ ሓደ ኣርመናዊ ምስ በዓልቲቤቱ፡ ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ትሰርሓሉ ዘላ ገዛ ጋሻ ኮይኑ ድሕሪ ምምጻእ፡ ጽፈት ስራሓ ምስ ረኣየ ምስኡ ክትሰርሕ ናብ ኣዲስኣበባ ክትከይድ ኣብ ብርካ ወዲቑ ለመና።
ቅድሚ ኣብ ውሳኔ ምብጻሓ ምስ ኣቦይ ስብሓት መታን ክትማኸር ናብ ገዝኦም ኣምርሐት። ኣቦይ ስብሓት ንዘረባኣ ጽን ኢሎም ድሕሪ ምስማዕ፡ ኢዶም ኣብ ዝባና ኣንቢሮም፡ “ሮዛ ጓለይ፡ ትፍለይና ደኣ ኣለኺ’ምበር፡ ኣነስ እንተ ኸድኪ ይሓይሽ እየ ዝብል። ቀዲምክኒ እንተ ዘይትመጽኢ ክቕልቀለኪ እዩ ነይሩ መደበይ። ቅድሚ ሳልስቲ እታ ዛርቲ ማሪያ መሪር በሊዓ ትነጋሕ፡ ኣበይ ክትረኽበኪ ከም ትኽእል ክትሓተኒ መጺኣ ነይራ። ከም ዘስተውዓልኩላ ኣብ ልዕሊ ኣደኺ ዝፈጸመቶ በደል ከይኣኽላ ንዓኺ’ውን ተቕስነኪ ኣይትመስልን’ያ። ስለዚ፡ ካብዚ ዓዲ እንተ ረሓቕኪ ይሓይሽ ምበልኩ። ደሓር ከኣ ሎሚ እቲ ሽዋ ከም ቀደም ኣይኮነን፡ ብዙሓት ስልጡናት ደቂ ሃገርና ከም ዘለዉዎ እዩ ዝዝረብ። ዝኾነ ሽግር እንተ’ጓነፈኪ ድማ ባርናባስ ዝብሃል ወዲሓወቦይ ስለ ዘሎ ኣድራሻኡ ክህበኪ እየ ዘሰክፍ የብልክን፡” ኢሎም ልባ ዘረስረሰ ቃላት ኣስምዑዋ።
ሮዛ ብዘረባኦም ዓጊባ ከይወዓለት ከይሓደረት ናብ ኣዲስኣበባ ክትብገስ ወሰነት። ኣብ ሳልስቱ ትብገሰሉ ሰዓት ቅድሚ ምእካሉ ኣቦይ ስብሓት ናብ ስራሓ ከይዶም ነዊሕ ኣዕለሉዋ። ኣብ መወዳእታ፡ “ሮዛ ጓለይ፡ ዓለም እሾኽ’ያ፡ ስለዚ መከራን ሽግርን ከጋጥመኪ ከሎ ተስፋ ኣይትቝረጺ። ንሕና ደቂ ኣዳም ኣምላኽ ዝኣዘዘልና መስቀል ክንሽከም ግድነት እዩ። ደጊም ክንዲ ሰብ ኣኺልኪ ኢኺ። ማዕዳ ዘድልየኪ ኣይመስለንን። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣሰርዘን ካብ ገዳም ምስ ወጽኣ ዘርሞ ዘርሞ ዝተርፋ ከይትስዕቢ ሓደራኺ። ኣጆኺ’ዛ ጓለይ ሃብሮም፡ ንኣምላኽኪ ሕዚኪ ትኾንዮ የብልክን፡” ኢሎም ኣባታዊ ምኽሮም ድሕሪ ምልጋስ፡ “ጻዕዳ ይጽናሕኪ፡ ጽኑዕ የርግጽኪ፡ መንገዲ ሓጐስ ከኣ ይግበረልኪ፡ ብምባል መሪቖም ኣፋነዉዋ።

* * *
. . . . . . . . . . . ይቕጽል
3ይ ምዕራፍ መበል 17 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 12 ጥቅምቲ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ዛራ ጥበባት ምስ ማሰኛታትን መላቐስትን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?