Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 31, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣስማት ደቅናን ትርጉሞም

ኣስማት ደቅናን ትርጉሞም

1
By Mekonnen T. on September 18, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣማን ብርሃነ (ኣማኒኖ)

ኣሰያይማ ኣስማት ንደቅና ትርጉም ዘለዎ ድዩ? ወይስ እቲ ህጻን ምስ ዓበየ ዘቖጥዖ እዩ ?ስም ናይ ሓደ ሰብ ንዘልኣለም ደድሕሪኡ ተኾልኲሉ ዝኸይድ መጸውዒኡ እዩ፡ ከም ወዮ «ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ» ዝተባህለ፡ …እዚ ብሂል እዚ፡ ስም ናይ’ቲ ተረቋሒ ሰብ እንታይነት ዝገልጽን…፡ ዘመላኽትን እዩ ። ኣስማት ደቅና ድማ ትርጉም ዘለዎ ምስዝኸውን እዩ ዝያዳ መልክዕ ደቅና ጎሊሑ ዝርአ። ኣስማት ደቅና ብዝያዳ ዘላቕን ዘልኣለማውን ትርጉም ሒዙ ንክኸይድ ካብ ኣስማት መፈጠርና/መጽሓፍ ቅዱስ/ እንተኾነ ብዝያዳ እናሻዕ እቲ ስም እንክርቋሕ ቅዱስ ነገር እዩ ዘዘኻኽር። ካብኡ ሓሊፉ ንጅግንነት ኣግኣዚና ህዝባዊ-ግንባር-ሓርነት-ኤርትራ/ገድሊ-ኤርትራ/ ዝገልጹ ኣገደስቲ ኣስማት ቦታታት ፍጻመ ጅግንነትናን ጀጋኑናን እንተኾኑ ድማ፡ ታሪኽና ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይዕቀበልና። ብዓቢኡ ድማ ታሪኻውያን ኤርትራውያን ኣስማት ዓድታትን ቦታታትን ካልእን’ውን ኣለዉና። ወዮ ደኣ እቲ ናትና ኣይወሓጠልናን ኮይኑ እምበር፡ «ዋሽንግቶን» ‘ዝስሞም ኣሜሪካውያን ክንሰምዕ እንከለና’ኮ ከም ንቡር ወሲድና ሕጉስስስ ኢና ንብል። ካቡኡ ሓሊፍና እቲ ስም ጽሑፍ ዘለ’ዎ ክዳን ለቢስና ሸናዕዕዕ ንብል ወረግ። «ፓሪስ ‘ዝስማ ወይ ዋሽንግቶን» ‘ዝስሙ ሰብ ከም ቅቡል እንተወሲድና «ሃዋሻይት…፡ ሓሬና…፡ ወይ እምባልቆ…» ኢልና ንደቅና ክንስይምን ወይ’ውን ከምኡ ንዝስሞም ሰባት ክንጽውዕ ቅጭጭጭ ክመጸናን ከም ዘይንቡር ክንወስዶን ኣይግባእን።

ሓበሻዊ ባህላዊ ትርጉም ዘለዎም ኣስማት ህጻናት ክጥመቑ ኣዚዪ እዩ ደስ ዝብለካን ዘላቒ ታሪኻዊ ትርጉም ዝህልዎን። /ራኢና..፡ ሞሳና..፡ ኤልሻዳይ..፡ ኣቤንኤዘር..፡ ዩፍታሄ..፡ ናቕፋ..፡ ዩዳሄ..፡ ሰምሃር፡ ኣልጌን፡ ሓባብ../ ካልእን ካልእን መበቆላዊ ትርጉም ዘለዎምን ንኽትሰምዮም እውን ጥዑማትን እዮም። ኣዚዩ ዝገርመካ ነገር፡ ሓበሻዊ ኣስማት ያኢ ከም ሕፍረት ተቖጺሩለይሲ ኣልዕል ኣቢልካ ባህላዊ ወራር ከስዕቡ ንዝኽእሉ ትርጉም-ኣልቦ ኣስማት (ሚሚ፡ ጃኪ፡ ኒኒ፡) ኢልካ ስም ንደቅኻ ክትስይም ምርጫኻን መሰልካን እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እዚ ግን ምርጫኻን መሰልካን ንባህልኻን ከባቢኻን ኣብ ግምት ዘእተወ ምስዝኸውን እዩ ዝምረጽ። እንተዘይኮይኑ ጽንሕ ኢሎም /ኣኮን፡ ሮማሪዮ፡ ሻኪራ፡ መሲ…/ ዝስሞም ሓበሻውያን ህጻናት ክመጹና እዮም። ቻው! ዓዲ ናብ ብራዚል ወይ ሆሊዉድ ክትቅየር እያ።

ደሓር እንታይ እዩ ክበሃል…?

ንኣብነት ኣደ ሻኪራ፦)

“,,,ሻኪራ ጓለለለይይይ! ንዕስ’ከ ነዴኺ ኣመተ፡ ኣደይሲ ናብ’ቲ እንዳ ሓዘን ክንበጽሕ… ኣነ ሽሮ ንስኽን እንጀራ ኹና’ሞ ከይመሰየ ግልብጥ ኢልና ክንምለስ ኢላትክንንን በልየን ኢኺ፡ ንዒ ጉያ ኢልኪ ሻኪራየ፡ ምስ መጻኺ ድማ ግንዕ ኣቢለ ቅጫኺን ሻሂኽን ክህበኪ እየ። ን«ኣኮን» ሓውኺ ድማ ኣብ’ቲ መንገዲ ክጻወት እንተጸኒሑኪ ትምልእ ኣብልዮ ኢኺ፡ እቲ ግናይ ባላቶሊ ወደ’ቦኺ ቐኘዝማች ዓንተቦ ክወቕዖ ርኤዮ እየ፡ ብሓደ ምጹ ሻሂኹም ክትሰትዩ”።

እዚ ምናልባት ነ’ደይ ኣመተ ንፉዓት ስድራ እንተነይሮመን እሞ ትርጉም ዘለዎ ስም እንተ ኣጠሚቖመን ነይሮም እዩ እምበር፡ ስድራ ኣደይ ኣመተ ከም’ዞም ክስታይ… እንተነይሮም ኮይኖም ስመን «ማዘር-ኢንዲያ» እዩ ክኸውን፡ ሽዑ

ኣደ ሻኪራ፡) “,,,ሻኪራ ጓለለለይይይ ንዒ’ስከ ነ’ዴኺ ማዘር-ኢንድያ ኣደይሲ… ” እየን ክብላ ማለት እዩ። ውይ ምዕልቲቲቲ…! ዝበለ ሰብኣይ ከም’ዚ ምስረኸበ እዩ ዝኸውን። ኣብ’ዚ ቕንያት’ዚ ሓደ ስም እውን ሰሚዐ’ለኹ። ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሓውልቲ ናይ ፑሽኪን፡ ኣብ ዕለተ ምምራቑ ንዝተወልደ ህጻን ወለዱ ተኣኒኖም «ፑሽኪን» ኢሎም ሰምዮሞ። ኣብዚ’ለኻ ዘረባ…!

ንበል’ሞ ምናልባት እዚ ህጻን’ዚ ዓብዩ ክንዲ ሰብ ምስኣኸለ፡ ኣርካን ዝኾነ መራሕ ሃገር-ኤርትራ ንምዃን እንተበቒዑ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ “,,,ፕሬዚደንት ሃገረ-ኤርትራ ኣቶ ፑሽኪን-ወልደዝጊ-ኽፍላይ ኣብ ኡጓዱጉ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሞም…” ክበሃል እዩ። ብተዛማዲ ናይ በዓል ህጻን ሜሲ እውን ከምኡ፡ “,,,ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ኣቶ ሜሲ-ዑቕባጊዮርጊስ-ተድላ ኣብ ኣርጀንቲና ምስ መዘንኦም ሚኒስተር ናይ’ታ ሃገር ኣቶ ሊዮነል ሜሲ ተራኺቡ ዝብል ዜና ክፍኖ እንድዩ፡ ክክክ ካብ ሕጂ ይረኣየካ በዓል ዓባየይ እንክግረማ።

ንቐጽል…

ካብ’ዚ ሓሊፉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን እንተኾነ ስማዕ-ልማዕ ኢልካ ዘይኮነ፡ ትርጉማቶም ካብዘይምፍላጥ ዝወሃቡ ኣስማት ድማ ኣለዉ።

ንኣብነት፡) 1-ኒምሮድ 2- ኢዛቤል 3- ኣቤሴሎም 4- ደሊላን ካልእ ካልእን ኣስማት።

እስከ ነቲ መቦቆላውነቶም ንርአ:-

1- ኒምሮድ

…ወዲ ኖህ እዩ፡ ንሰባትን ንእንስሳታትን እናሃደነ ድቃስ ሰብ ዝኸልእ ዝነበረ ሽፍታ። ብተወሳኺ’ውን ንኻልኦት መታን ክገዝእ ካብ ፍቓድ ወጻኢ ንነብሱ ከም ንጉስ ዝቖጽር ዝነበረ ዕሉል ድፍረተኛ እዩ ዝነበረ።

ሃየ…! እሞ ኽንደይ ኒምሮድ ዝስሞም ሰባት ኢና ንፈልጥ? ኣዲኦም ትቑጸሮም…። ዘፍጥረት 10:1 ተወከሱ’ሞ ብዝያዳ እከያት ኒምሮድ ክትረኽቡ ኢኹም።

2- ኢዛቤል

…ጓል ንጉስ ሲዶን ዝነበረት ኮይና፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እተምልኽ ዝነበረት፡ ብዘርኢ ካብ ቤተ-እስራኤል ዘይኮነት እከይ ንግስቲ እያ። ሕጂ ግርምምም…! ነዚ ኸይፈለጥካ ኢዩ “,,,ኢዛቤል ጓለይይይ” ዝበሃለለይ?። 1ይ ነገስት 16:29-33 21:1-16፡ ከምኡ’ውን 2ይ ነገስት 9:30-37 ተወከሱ እከይ ጉዳታ ከም ጨው ናይ ሳሊና ተኾሚሩ ኣለኩም ኣብኡ ።

3- ኣቤሴሎም

ወዲ ንጉስ ዳዊት እዩ ዝነበረ። ዘወናውን ጉብዝናን ምልኩዕ ተክለሰብነት ዝነበሮን በጽሒ። ግናኸ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ተግባር ዝነበሮን፡ ተመናይ ንግስነት ኣቡኡ ዝነበረን ተጻባኢ እዩ። ዓረቦ እዩ ነይሩ ኾ’ታ። ኣንታ ከመይ’ደሉና እንዴትሮ ኢና ወደይ? ነዚ ዘይክፈሎ ኣድማሳውን ቅኑዕን መወከሲ(መጽሓፍ ቁዱስ) ሳኣን ግንጽል ኣቢልና ትርጉሙ ምፍላጥሲሲሲ ድግስ ደጊስና ኣቤሴሎም ኢልና ስም ክንሰሚ? ትሩፍ ደጊም…!። ብዝወሓደ 2ይ ሳሙኤል ምዕራፍ 13 እሞ ንበቡ…።

4- ደሊላ

ሰበይቱ ንሲምሶን(ሳምሶን) እያ ነይራ። ብናይ ፍሊስጤማውያን ገንዘባዊ መብጽዓ ሰዲዓ ንሚስጢር ሓይሊ ሲምሶን(ሳምሶን) ኣብ ጸጉሩ ከምዝነበረ ኣሕሊፋ ብምሃብ ዘቃልዐት ናይ እዝኒ /መጣምዒት/ እያ ነይራ። ኣነ ብወገነይ ልዕሊ ሓሙሽተ ደሊላ ዝስመን እፈልጥ፡ ሕጂ’ኳ ክንደየናይ ብተናጸል ረኺበ ትርጉሙ ከይነግረን፡ የግዳስ ነዛ ጽሕፍቲ እንተንቢበን’ሞ ሓቂ ኾይኑ እንተረኺበንኦ ሱፒቶቶቶ ኣበየ ናይ ከተምአን ምምሕዳራት ክረኣያ እየን። መሳፍንቲ ምዕራፍ 13-16 ንበቡ’ሞ ኣርምም ከብለኩም እዩ።

ኣብ ምዝዛም ናይ ሎሚ ሑፈይ ክብሎ ዝደልዩ ነገር እምበኣር ትርጉም-ኣልቦ ኣስማት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንስነ-ምግባርን መንነትን ናይ’ቲ ተረቋሒ ሰብ ስለዝውክሉ ክኽኑ’ዩ ዝግብኦም ስለዚ ኣብ ኣሰያይማ ጥንቅቕ ደኣ ንበል ኣሕዋተይ። ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ሓንቲ ስም ደስስስ እትብለና’ሞ ትርጉማ ዘይንፈልጣ እንተኾይንና ብፍላይ ንውላድና ወይ መቐርብና በታ ስም ከነጠምቖ ምስ እንደሊ ፡ ከይተገበዝና ምሕታት..! ምሕታት..! ምሕታት..!

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ፍሉይ ባህሪ ረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Anonymous on February 21, 2015 4:00 pm

    ኤለሻዳይ ማለት ኩሉ ዝኽእል ማለት እዪ ንኣምላኽ ጥራሕ ዝተወሰነ ስም እዪ።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?