Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ባህልን ያታን»ናብራ ዝኽሪ

ናብራ ዝኽሪ

0
By Mekonnen T. on September 11, 2014 ባህልን ያታን
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረሂወት

ወርሓቱ መስከረም፡ ቅንያቱ ቅንያት ሃንሰ መስቀል’ዩ። እንድዕለይ ናብ ገለ ኣቢለ ሃጽ ኢለ ኣለኹ። ዝኽሪን ናፍቖትን ይተሓዋወሰኒ ኣሎ። ናብ ባህልን ልምድን ናይቲ ዝዓበኹሉ ሕብረተ ሰብ የብለኒ ኣሎ! ሎሚ’ኳ ክንደየናይ ከይህሉ። ኣብ ዝኽሪ ግን ኣይሰኣንክዎን። ንድሕሪት እምለስ ኣለኹ። ከማይ ዶኾን ይህሉ? በሉ ንኺድ!

ከውታ ለይቲ’ዩ። ናብ ምውጋሕ ኣቢሉ የምርሕ ግን ቅድሚ ኮኾብ ጽባሕ። “ጳጉሜን’የ ኣብ ማይ ጳጉሜን፡ ኣይትሕጸባንዶ ኣብ ማይ ጳጉሜን” ዝብል ደርፊ ምስተን ኣብ ወጋሕታ ጩቕጩቕ ዝብላ ኣዕዋፍ ተወሃሂዱ ኣብ ኣእምሮይ ይቓጭል ኣሎ። ማይ ጳጉመን ንኽሕጸባ ተኣኪበን ናብ ሩባ ዝወርዳ ኣዋልድ መስከረም፡ እናተቐባበላ የዚማኦ። ዝገድፋሉ የብለንን። ምስ ኣዕዋፍ መስከረም ንሕናዶ ንስኽን እንክበሃሃላ ኣየ ክጥዕማ! ማየን ተቛሪረን እንክምለሳ፡ የማነ ጸጋመን ካብ ዘለዉ ግራውቲ፡ ሸዊት ስገም ቀቀንጢበን ሓሓስየን ኣፈን ይኸፍታ። ቅድሚ ምቁራረን ግን ፈጺመን ኣይውዕለኦን። ነውሪ። ማይ ጸሎት እኽሊ ከይለኸፍካ’ዩ። ኣይሓረሳ ኣይሓመሳ ኣዕዋፍ መስከረም’ውን ከምአን። ንዝጨልገዐ ዝገድፋሉ የብለንን። ንሕናስ ማዕረኽን እንዲና ክንዝምር ኣርፊድና እናበላ ኣብ ጉንቦ መሸላ ተኾይጠን እጃመን የልዕላ። እዚ ቅድሚ ቅዱስ የውሃንስ ኣብ ዘሎ ሳምንቲ’ዩ። ብውሕዱ ንሸውዓተ መዓልቲ መዝሙር ተፈጥሮ ብጻልታኡ ይደጋገም። ኣየ ክጥዕም!

ሃንሰ መስቀለ ንምቕባል ዝግበር ምድላዋት መወዳእታ የብሉን። ጓሶት ካብ ዝነቐጸ ቀሸም ታህሰስ፡ ታበብ፡ ኣላኺትን መሰልቶምን ወይ’ውን ንቑጽ ቆልቋል፡ ምስ ደረጃ ዕድመ ናይቲ እትስረሓሉ ሰብ እናነጻጸሩ፡ እግሪ፡ ጓል እግሪ፡ መሶብ፡ ጓል መሶብ፡ ጢና፡ ጓል ጢና እናበሉ ሽግ ይሰርሑ። ኣጉባዝ ዓዲ፡ ኢድ ሃራሚኡ ዘድሚ ከበሮ የዳልዉ። ኣብ ከበሮን ሃረምቱን ብዙሕ ፍቕርን ዛንታን እዩ ዘሎ። ኣዋልድ፡ “ንሃንሰይ ንመስቀለይ፡ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ” እናበላ ኣብዚ ቅንያት ዝላበዋ ብዘይምኽንያት ኣይኰናን። “ሃንሰይ መስቀለይ ጥቓ ጥቓ ሃብኒ ሽቶነይ ክዕጠቓ” ውን ይውስኻ። ኣጉባዝ ብወገኖም፡ ኣነ እየ ዝሃርም ኣነ እባ እናበሉ ከበሮ ዝመናጠሉ ምኽንያት ኣለዎም። ዕላመኦም ጠማትን ተጠማትን ንምዃን’ዩ። ኩሎም ንመስርሕ ምትሕርራይ፡ ምምርራጽን ስሕበትን!

ኣብ ድሮ ቅዱስ የውሃንስ ኩሉ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ምድላዋት ተወዲኡ፡ ምትእኽካብ ይጅመር። ሓደ ብዓል በሪኽ ድምጺ ኣብ በሪኽ ቦታ ወጺኡ፡ “ወር ወር ወር ……. ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፡ ትድረር ዘለኻ ጻሕልኻ ስበር!” ብምባል ናይ ዜሮ ሰዓት ከም ዝኣኸለ ድሕሪ ምብሳሩ፡ ኩሉ ሸሽጉ ሒዙ ናብ ቅርዓት ዓዲ ይእከብ። ሽጉ ኣብ ጸጋማይ መንኩቡ ጸይሩ ኣብ የማኑ በትሪ ኣለዎ። ሽግ ተወሊዑ፡ ብመጀመርታ ታቦት ድሕሪኡ ድማ ዓዲ ምሉእ ብመስርዕ ይኹለል። በየን ተጀሚሩ በየን ይዛዘም ንድፊ ኣለዎ። ብዝመጸልካ ወይ እግርኻ ከም ዝመርሓካ ኣይኰነን።

images

“ሆየና ሆየ ……… ሆየ

ሓንሰ መስቀለ……. ሆየ

እንቋዕ ተቐልቀለ…. ሆየ

ሆየ ሆየ……… ሆየ

ኣብርሃም ዓጓ …. ሆየ

ክጐዪ ተጐጓ ……..ሆየ

ሆየና ሆየ………. ሆየ

ሆየ ዘይበለ…… ሆየ

ካባና ይፈለ…… ሆየ

ሆየ ሆየ…….. ሆየ

ኣጆኹም ቆልዑ… ሆየ

ባልደንጓ ጨልቂዑ….ሆየ

ኣጆኽን ኣንስቲ ….. ሆየ

ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ…. ሆየ

ሆየ ሆየ…… ሆየ”

እናበሉ፡(ኣብ ውሽጡ’ውን ገለ ናይ ስዕሮ ይሕውሱሉ እዮም) ንዓዲ ምልእቲ ብምኹላል፡ ብሓደ መራሒ (ከራሪ) ተመሪሖም ድምጺ ተስፋን ብስራትን የስምዑ። ኣደታት ኣኣብ ደጐለን ኰይነን ዕልልታ ይፍንዋ። ጐራዙት ዓዲ ብወገነን ድምጺ መላእኽቲ ብዝጥዕም ደሃይ፡ “ሓምሊ ቁራዕ ክቦም ከሪመየ፡ ከኣ ወለል በሉ መምስ ሽጎምየ” እናበላ የሰንያኦም። ሎሚ ኰይኑ እባ ተራእየኒ!

ኣብ መዛዘሚ ምስ በጽሑ፡ “ዓኾዃይ ዓኾዃይ፡ ሓምሊ ቁራዕ ውጻእ፡ ገዓት ጠስሚ እቶ!” ኢሎም ድሕሪ ምእዋጅ፡ “ዓመት ንዓመት የድግመና፡ ዓመት ንዓመት የድግመና!” እናደጋገሙ ይኣትዉ። ንተረፍ ናይቲ ኣብ ምኹላል ዓዲ ኣብሪሆሞ ዝጸንሑ ሽግ እናኣጥፍኡ ይእክብዎ። ዓዲ ኣብ ምኹላል ዝጸንሑ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መዛዘሚ ቦታ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገና ልህላሀኦም ከየዝሓሉ፡ ኣዋልድ ዓዲ ከበሮ እናደሰቓ፡ “ላሎየ ላሎየ……. ጐበዝ ናብ መጌራ፡ ፈላሲ ናብ ጓይላ” እናበላ ይሰሃለኦም። ደንጒኹምና ንምባል እየን ዝዀና። እቲ ዝተኣከበ ተረፍ ሽግ መጻወቲ ጓይላ ይኸውን። ካብ ቀዳማይ ክሳብቲ ዳሕረዋይ ኣብ ኢዱ ዝጸንሐ ክሳብ ዘረክብ ጓይላ ኣይጅመርን። ብግቡእ ከም ዝጠፍአ ኣረጋጊጽካ ናብ ዝቕጽል ጉዳይ ምስጋር ኣካል ናይቲ ባህሊ እዩ። ሓደ ዘይስገር ነገር ውን ኣሎ። ቅድሚ ጓይላ ምጅማሩ፡ ኣቦይ ቀሺ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ ኣለዎም። “ዓመተ ሰላምን በረከትን ይግበረልና! ኣሜን።” ኢሎም ድማ ንጸሎቶም መዕረፊ ይገብሩሉ።

ጓይላ ተጀሚሩ ምሕዳሩ’ዩ። ኣባ ጓይላ ይምረጽ። “ከበሮ ናብ እገለን እገለን’ዩ። ሳዕስዒት ናብ ኣዋልድ፡ ካልእ ኩልኻ ወሰን” የዳምጽ። ብሒም ዝብል የሎን። “ወናም እንተሎ፡ ምስ ከበሮ ተላዓል በሎ” ይድረፍ። ሓደ ጓይላ ምስ ወጸ ድማ፡ “ከበሮ ናብ ኣዋልድ’ዩ፡ እከሊትን እከሊትን” እናበለ ኣስማት ይጽውዕ። “ንጻወት’ሞ ንተሓዋወስየ፡ ዘመን ክምለስ” ይቃላሕ። ጓይላ ይዕምር። ኣባ ጓይላ ከይፈቀደሎም ናብ ከበሮ ዝጐዩን ዝመናጠሉን ምርኣይ ልሙድ እዩ። “ከበሮ ኣብ ምድሪ! ኩልኻ ወሰን!” እናበለ ኣባ ጓይላ ስርዓት ንኸትሕዝ ዱላኡ የወጣውጥ። ቆጽሊ ንዝተነብሮ ኣባ ጓይላ መን ብጩቕ ክብሎ?

imagesCAYGG666

ኣባ ጓይላ ኣይንቀፍን ማለት ግን ኣይኰነን። ጓይላ ዝሕልሕል እንተ ኢሉ ኣዋልድ ዓድና ሰናፋት ኣይኰናን። ኩሉ ኣብ ኢደን እዩ። ንኣባ ጓይላ፡ ብጸርፊ ዘይኰነ ብደርፊ ልክዑ ይህበኦ። “ኣባ ጓይላ ሓሚቑናየ፡ ቁሪ ወዲኡና” ይደርፋሉ። ኣብ ምሕደራኡ ወይ ኣተዓዳድላ ከበሮ እንተ ዘይዓጊበናሉ ውን ኣይንሕስያሉን እየን። ወገናዊ ምስ ዝኸውን ዝብላኦ ኣይስእናን። “ኣባ ጓይላ ሎሚየ፡ ንከበሮ መዳለዊየ” እናበላ ይሰሃለኦ። ድምጸን ተሰማዒ’ዩ። ዘይዕግበተን ዝሰምዑ ኣጉባዝ ካልእ ንኽምረጽ ባይታ ይፈጥሩ። እቲ ይመረጽ እቲ ጓይላ ክዝሕል የብሉን። ኣብየት እወ ኣነባባር! ውቅዒት ከበሮ፡ ህርመት እምብልታ፡ ስኒት ጣቅዒት፡ ውህደት ሳዕስዒት ዘይረኣየ ይርኣዮ።

ቅዱስ የውሃንስ ዝተጀመረ ጓይላ ክሳብ መስቀል ብዘይምቁራጽ ብኸምዚ ይቕጽል። ምሸት ምሸት ኣብ ቅርዓት ዓዲ ከበሮን ድምጺ ከበሮን ኣሎ። ገለ ሓዘን ምስ ዘጋጥም ግን ንኽብሪ መዋቲ/ት ተባሂሉ ህጣሙ ዘጥፈኣሉ ግዜ ኣይሰኣንን። ኣብዚ ቅንያት እዚ፡ ጥሪ ዝተመርዓዋ ኣዋልድ ንሳተንን ጽባቐአንን ሓዊ መስቀል ይርእያ። ኣብየት ንሰንን ቁንጅነአንን! ነተን ዘይተመርዓዋ የቕንአአን። ሃረር የብለአን። ኣብ መስከረም ኩሉ እዩ ዝጽብቕ። ደመና ጐሊቢብዋ ዝኸረመት ጸሓይ ትበርቕ። መሬት ብዕንባባታት ተሸሊሙ ይስሕቕ። ደቂ ዓድና ምስኡ ሓቢሮም ይስሕቁ። ሓዲሽ ፍረ ይቀላቐል፡ ሓደስቲ ፍጡራት ይበዝሑ። ሓደስቲ ውጥናት ይመጹ። ወዮ ደኣ ሎሚ መርዓ ኣብ ዝማእመአካ ይኸውን ኣሎ እምበር፡ ቅንያት ሃንሰ መስቀለ ብዓቢኡ ቅንያት ዕዳጋ ናይቲ ዝቕጽል ጥሪ እዩ።

ንኩነታት ኣተሓሕዛ ግራቱ ኣብ ቆፎ ከይኣተወ ብምግምጋም ዝደናደን ብዙሕ እዩ። ኣጋውላ ግራትካ ተስፋ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ንውሳነ ድሕር የለን። ኣብ ግራቶም ዳጉሻ ከየንጠሩ ክረምቲ ንዘሕለፉ ኣጉባዝ፡ ጐራዙት እንታይ ዝመስል ጋመ ተቘኒነን ይፈታተነኦም። ኣብ ቅንያት ሓንሰ መስቀለ ልቦም ዝስለብ ኣባጽሕ ኣደታቶም ይቑጸረኦም። ኣብየት ሽዑ ዘሎ ቃንዛን ጣዕሳን! ‘ሰኣን ዳጉሻ ምንጣር ካብ ጓል እገለ እባ ተረፍኩ’ እናበልካ ምሕራር’ዩ። ‘ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ’ ደኣ’ዩ ነገሩ እምበር፡ ‘ጓል ሓንሰ መስቀለ ርኢኻ ኣይትተሓጸ’ ኢሎም ዝምዕዱ ለባማት ዘወር ይብሉ’ዮም። ነገረ ፍቕሪ ንበሎ ሃነይነይታ ናይዚ ቅንያት ግን ካብቲ የብሉ ካብቲ። ንኹሉ እዩ ዘረኻኽበሉ። ብውቅዒት ከበሮ ፈዚዘን ልበን ዝተሰርቀ እሞ ንበይነን ዘጣቕዓ ውን መኣስ ውሑዳት! ናይ ሃንሰ መስቀልስ ክንደይ ኢልካ ክዝረብ! ናፍቖቱ እንዶ ብኢሱ ግዳ። ዘመን ይመልሶ በሉ’ምበር ኣይተኻእለን። ርሑስ ቅንያት ሃንሰ መስቀል ንኹልና ኣኣብ ዘለናዮ ደኣ! ክሳዕ ንዓመታ ይዕቆረና!

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመንጉዳይ!
Next Article ዘይተመለሱለይ ሕቶታት
Mekonnen T.

Related Posts

መጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ

November 26, 2020
Read More

እቲ ብሕጊ እንዳባ ዝምካሕ ነቲ ዓንቀጻቱ’ውን ከኽብሮን ክስረዓሉን ይግባእ

October 9, 2017
Read More

እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

September 20, 2014
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?