Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 24, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ናብ ሓለቓይ ነበር

ናብ ሓለቓይ ነበር

0
By Mekonnen T. on September 4, 2014 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ነታ ትካልካ ምስ ከፈትካያ

ተሃንጥየ’የ መጺአካ ብጉያ

ተፈጥሮ ሰብ ግዲ ኮይኑ

ሓዲሽ ነገር ተፈታዊ’ዩ ኣብ ፈለማኡ።

ኣነ ድማ ከምኡ ኮይነ

‘ናዘለልኩ ናብ ትካልካ ኣትየ።

    እናዕበኹዋ ብጥበብ ክዓቢ

ድምጸይ ኣበሪኸ ድምጺ ፍቕሪ

ስጋይ ኣጥምየ ን’ናበላዕኩ ባህጊ

ከይተገበዝኩ ሰሪሐ ብልቢ።

ምስኡ ድማ ….

ጥበባዉን ለዋህን ክትከዉን ሕለቓይ

ጸሎት ትምኒት ኣዕሪገ’የ ንሰማይ።

                                                                               ወረ ግርህናይ ክነግረካ

ምሉእ ክትኮነለይ’የ ተጸብየካ።

ከትስተየኒ ወይኒ ሓርነት

ከተነቓቓሓኒ ብዜማ ሰባዉነት

ሃረር ኢለ’የ ብኡነት።

       እንታይ’ሞ መላእ’ብላ ጠስሚ ኮይኑ

ትምኒታተይ ከም ትኪ በኒኑ።

ቁንጣሮ ጽቡቕካ ቅልቅል ኢሉ ኔሩ

ከም ዑፍ መስቀል ግና ሽዓ ተሸሪቡ።

ሃንቀዉታኻ ምስ ትእስኖ

ዝፈጥረልካ ቃንዛ ዘይፈተነ ይፈትኖ።

ምስ ቃንዛይ

ምስ ምግራመይ

እስከ ድሓን ንዉዓል’ሞ ድሓን ድማ ንሕደር

እንተተሰቆሮ ትዕግስቲ ክድረር

ኢለ፣

ንዝተሰወርካ ጥበብ ንክትርእዮ

ሓሳብ ምስ ሃብኩዃ ዝሩግ ክትቃንዮ

ከም ብዕራይ መኼዳ ኣፈይ ኣሲርካዮ

ኣነ ድማ ንትካልካ ጠንጢነዮ።

ሽዑ’የ ‘ምብኣር

ሓርነትካ ትፈጥሮ’ምበር

ዝህበካ ከዘየለ ኣስትብሂለ።

ሓለቓይ ነበር ጥበብ ዘባህርሮ

ኣዒንቱ’ናረኣየ ልቡ ዝዓወሮ

ክብሪ ሰብኣውነት እንተትርድኦ

ክብሪ ሰብነተይ መኽበርካዮ።

ኣበይ ኢልካዮ’ሞ ሓላዊ መንበር

ጓና ሕልንኡ ንስጋ ዝነብር ።

 ሓለቓየ ሓለቓ ትማሊ

ኣልቦ ለውሃት ተሪር ልቢ

ካባኻን ትካልካን ብምርሓቐይ

ፈጢረዮ’ለኹ ሓርነተይ።

ከብስረካ ግዳ

ወላ ይዓርዕርካ

ሓዉዩለይ’ዩ ‘ቲ ዘቑሰልካኒ ብስጋኻ

ሓዉዩልካዶ ቁስሊ ሕልናኻ !?

ጸጋይ መሓሪ(ተመርዖ)

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሰማይ ነቢዑ
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?