Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 22, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ምሩኻት’ዮም”

“ምሩኻት’ዮም”

0
By Mekonnen T. on August 30, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

እዋኑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 1999 ዓም እዩ። ኣብ መላእ ኤርትራ ካብ ጻት ናብ ጻት ግፋ ዝተኻየደሉ ግዜ ። ኣነ ግዜ ደሓን ኣሎ ክብል ካብቲ ዝምህረሉ ዝነበርኩ ዓዲ ቀዳመ ሰንበት ናብ ኣስመራ መገሻ ስለዝነበረኒ ብደቀምሓረ ጌረ ኣስመራ ኣተኹ። ኣብ ጎዳይፍ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ደው ኢሎም ካብ ዝነበሩ ፈተሸቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ደው ኣቢላ መንቀሳቐሲ ሓተተትኒ። ነታ ኣብ 1993 ክፋኖ ከለኹ ዝተዋህበትኒ ናይ ሓርበኝነት ወረቐት ኣውጺአ ድማ ሃብኩዋ። “እንታይ ኮይንካ ዘይከተትካ ደኣ?” ሓተትኒ “መምህር እየ” በልኩዋ ኣፍ ልበይ ነፊሐ። “ወዲ ኹስቶ” ብምባል ነታ ካርድ ሒዛ ናብቲ ሓላፊኣ ከደት። ንሱ ኣእትውዮ ጥራሕ ኢሉዋ መስለኒ ተመሊሳ ሕለፍ በል ኢላ ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣእተወትኒ። ግፉፋት ምስ ተኣከቡ መኪና መጽያ ናብ ሰምበል ካብኡ ድማ ናብ ሽማንጉስ ታሕታይ (እንተተጋግየ ሽማንጉስ ላዕላይ ቀይሩዋ) ወሰዱና። ኣብቲ ቦታ ንመኽዘን እኽሊ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዓበይቲ ሃንገራት ስለዝነበረ ጉፉፋት ብመካይን እናተጓረቱ ናብቲ መኽዘናት ተደርበዩ። ኣብቲ እዋን ካህናት ናይ ካቶሊክ ይኹን ናይ ኦርቶዶክስ መርዓዊን ካልእ በዓል መዓልትን ተገፊፎም ብምንባሮም ፍሉይ ፍጻመ ነበረ። ኣብታ ኣነ ዝነበርኩላ ኣዳራሽ ኣስታት 2000 ንኸውን ሰባት ተኣሲርና ነበርና። ካብኣቶም ክልተ ካህናት ምስ ልብሶም ኔሮም። ክሳብ 3 መዓልቲ ዝኾነ ምጽራይ ዝበሃል ኣይነበረን። ንጉፉፋት ዝተቐረበ መግቢ ይኹን ማይ’ውን ስለዘይነበረ ሰብ ዓቕሉ ኣጽበበ። ብገለ ዝተረኽበ ማይ ብሳንኬሎ ክኣቱ ከሎ ሰብ ብኹባያ ጌሩ ጥዕም ጥዕም እናበለ ናብ ኩሉ ይበጽሕ ነበረ። ገለ በናና፡ ባኒ ሒዞም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ንሓንቲ በናና ዳርጋ ናብ 5 ሰብ የብጽሑዋ ነበሩ። መንጸፍ ይኹን ክዳን ለይቲ ዝበሃል ኣይሕሰብን’ዩ። ገለ ባኮ ኣንዲዳ ትስሕን ገለ ከኣ ተጸቓቒጣ ትድቅስ ብኸምዚ ስለስተ መዓልታት ሓለፋ። ኣብ 3ይ መዓልቲ ንማለቱ ሓሓንቲ ስቃጥላ ተዓደልና መቕደዲ ሰንጢ ዳርጋ ሓንቲ ን 100 ሰብ ኣቢላ ስለትኸውን ኣብ ኣደገ ኣውጺ ኦም ከኣ ስለዝሃቡና መብዛሕትና ብቓጨላ እምኒ እናቐደድና ኢና በሊዕናዮ። ኣነ ዕድለይ ጸቢቑ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣባላተይ ገፊፍኩም ኢሉ ን ሓደ 30 ንኸውን መምህራን ስለዘወጽኣና ዓርቢ ዝተገፈፍኩ ሰኑይ ንግሆ ንሽማንጉስ ታሕታይ ደሓን ኩኒ ኢለያ እየ ወጽየ።

ዝበዝሐ ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበረ ዝተገፈፈ መንእሰይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ኣስመራ ዝመጸ እዩ ኔሩ። ንኣብነት ኣብ ብሎኮ ጎዳይፍ ዝተታሕዙ መራሒቲ መካይን ነዳዲ ናይ ዝጸዓና ቦጣት ካብ መካይኖም ኣውሪዶም’ዮም ኣምጺኦሞም። “ኣቱም ሰባት ግደፉ ጽባሕ ኳሕ እንተ ኢላ ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ ኢና፡ ኣነ ናይ ታንክታት ነዳዲ እየ ጽዒነ ዘለኹ ሎሚ ምሸት ከኣ ዘላምበሳ ክበጽሕ ኔሩኒ”። እናበለ ዘዕገርግር ዝነበረ፡ መራሕቲ ቦጠለኒ ኣሃድኦም ገዲፎም ናብ ኣስመራ ብስራሕ ዝመጹ ኮታ እቲ ግፋ ብኣልማማ ስነዝነበረ ዘይተገፈፈ ሰብ ኣይነበረን። ብድምር ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት 30 ሽሕ ዝኸውን ሰብ’ዩ ተገፊፉ። ካብዚኦም እናተጻረዩ እናተጻረዩ ናብ 5000 ወሪዶም። እዞም 5000 ኣባላት ምክልኻል ኮይኖም ኮብሊልኩም ተባሂሎም’ዮም ናብ ገላዕሎ ተወሲዶም። ንኣብነት ሙሴ ወዲ ሱዳን ዝበሃል ኣብ ባሕርያ ወዲ ኣሃዱድየይ ዝነበረ ወዲ ከረን ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ ምስ መጹ ሓላፊኡ ፍቓድ ስለዝሃቦ ብዘይ ወረቐት ኣብ ዓድቐይሕ ንዝነበረ ሓው ርእዩ ሰኑይ ክምለስ ኣብ ብሎኮ ጎዳይፍ እዩ ተታሒዙ። “ኣቱም ሰባት ጃልባ ደው ኣቢለ ኣለኹ ብስራሕ ኢና ካብ ዓሰብ መጺና” እንተበለ መን ክሰምዖ። ሽዑ ሙሴ ካብቴን ናይታ ጃልባ እዩ ኔሩ። ሙሴ ኣይኮብለለ ኣይሃደመ ጥራሕ ወረቐት የብልካን ተባሂሉ ካብቶም ናብ ገላዕሎ ዝሰገሩ 5000 ሓደ ነበረ። ኣብዚ ናይ ግፋ ግዜ ከይጠቐኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ጥቃ ባር ስቴላ በቶም ዝገፉ ዝነበሩ ተቐጥቂጡ ዝተቐተለ ወዲ ከባቢ ደቀምሓረ ካብ ኣሃዱኡ ብዕረፍቲ ዝመጸ ተጣይሱ ዝነበረ ደሓር ዝኸተተ ገዲም ተጋዳላይ ዳሕራይውን ንስድራቤቱ ሬሳ ኣይንህበኩምን ብምባል ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ደቀምሓረ ዝተቐብረ ወሲኽካ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ። ገለ ካብ መኪና ዘሊሎም ክሃድሙ ኣብ ጽርግያ ፈጠቕ ኢሎም ወዲቖም ዝመቱ፡ ገለ ድማ ኣብ ሽማንጉስ ታሓታይ ናይ ካንቸሎ ማዕጾ ሰቢሮም ክሃድሙ ፈቲኖም ብተኹሲ ዝተቐተሉ ወሲኽካ እቲ ግፋ ህወይት ሓያሎ ሰባት ወሲዱ እዩ።

እዞም 5000 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሓደ ግምባር ዝዓጽው ኣባጽሕ እዮም ኔሮም። ይኹን እምበር ከይሃድሙ ሳእኖም ተሓዲጎም ኮምፕላስዩኒ ተኸዲኖም ኣብ ገላዕሎ ተዳጉኖም። ሽዑ ዝስራሕ ስራሕ ስለዘይነበረ ከም መቕጻዕቲ ሎሚ ካብ ሓደ ጎቦ ናብቲ ካልእ ጎቦ እምኒ የመላልሱ እሞ ንጽባሒቱ ከኣ ናብቲ ቦትኡ ምለስዎ ተባሂሎም ጥቕሚ ኣብ ዘይብሉ ስራሕ ከድክምዎም ይውዕሉ ነበሩ። ኣብቲ እዋን ንህዝቢ እቲ ከባቢ እዚኦም ናይ ወያነ ምሩኻት’ዮም ተባሂሉ ስለዝተነግሮም እቶም ህዝቢ ዓፋር ነቶም ኣባላት ሰራዊት ከም ምሩኻት ናይ ወያነ እምበር ከም እሱራት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣይፈልጥዎምን ነበሩ። እቶም እሱራት ብዛዕብኦም ነቶም ዓፋር እንታይ ተነጊሩ ዝፈልጥዎ ስለዘይነበሮም ግን ዕድል ኣብ ዝረኸቡሉ ክሃድሙ ይፍትኑ እሞ እቶም ዓፋር ከኣ ምሩኽ ናይ ወያነ ይሃድም ኣሎ እናበሉ ብዳርባ እምንን ካልእን ይቐትሉዎም ነበሩ። ብኸምዚ ዝተቐተሉ እሱራት ከም ዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ዝምስክርዎ እዩ። እቶም ናብቶም እሱራት ማይ ብቦጥ ዘመላልሱ ይኹኑ ካልእ ነገራት ዘምጽኡ መራሕቲ መካይን ምስቶም እሱራት ክዛረቡ ይፍቐደሎም ስለዘይነበረ እቶም እሱራት ምሩኻት ናይ ወያነ ወተሃደራት እምበር ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እዮም ዝብል እምነት ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ቦጥ ኣውቲስታ ኣቦ መኪኑ ደው ኣቢሉ ኣብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ፊስቶታት ማይ እናመልአ እንከሎ ኣብ ግምባር ኣሎ ንዝብሎ ዝነበረ ወዱ ከም ምሩኽ ናይ ወያነ ጥራሕ እግሩን ናይ እሱር ኮምፕላሲዮኒ ጌሩን ሰንኬሎ ሒዙ ማይ ክቐድሕ ረኣዮ። እቲ ኣቦ ክእምን ኣይከኣለን ከረጋግጽ ከኣ ኩስቶ ዲኻንታ ብምባል ከይዱ ሓቑፉ ሰዓሞ።ሰብኣይ ዚዛረቦ ኣይፈልጥን’ዩ። ነቲ ኩነታት ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሓለውቲ ግን ብዙሕ ዕድል ከይሃብዎም ነቲ ወዲ ወሲዶም ነቲ ኣቦ ካብቲ ቦታ ከም ዝእለ ገበሩ። ኣብቲ እዋን ብዛዕባ እዞም 5000 ብዙሕ መረረን ሕቶን ስለዝነበረ እቲ ወትሩ ብስልበጣ ዝፍለጥ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓዲ ጥልያን ገይሹ እንከሎ ኣብ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ብዛዕባ እዞም ሰባት ተሓቲቱ ኔሩ። ሽዑ “ኣነ ኣብ ገላዕሎ እሱራት ከም ዘለው ኣይፈልጥን እየ እንተሊዮም ግን ናብ ሃገር ምስ ተመለስኩ ከጻርዮ እየ” ክብል እዩ ናይ ኣልወኛ መልሲ ሂቡ። ሓደ እዋን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ነቲ ኣብ ደንጎሎ ዝሰርሕዎ ኮለጅ ሓይሊ ባሕሪ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ተመንጠሉ ብዙሕ ስለዘዕገርገሩ ኢሳያስ ካብ መራሒ መስርዕ ንላዕሊ ኣኼባ ጌሩሎም ነበረ:: ኣብቲ ኣኼባ “ስለምንታይ እዩ እዚ ኹሉ ዕግርግር ሓለፍትኹም እዮም በዲሎምኹም ንሕና ሓለፍትኹም ኣብ ህንጻ ሃገር እጃምና ከነበርክት ኢና ስለዝበሉ ደንጎሎ ክሃንጹ ሂብናዮም እምበር ንኮለጅ ሓይሊ ባሕሪ ኣይሃብናኩምን” በሎም። ሓደ ካብቶም ሓተቲ ግን “ንስኻ ግን ትፈልጥ ኔርካ ኢኻ ኣብ መመረቕታውን ተረኺብካ ኢኻ” ምስ በሎ ኢሳያስ ተቐቢሉ “ኣነ ኣብ መመረቕታ ክርከብ መደብ ኣይነበረንን ናብ ባጽዕ እናወረድኩ እዮም ኣልዮምኒ:: ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዓሊ ሰይድ እምበር ኣነ ዝፈልጦ የብለይን:: ደሓር ከኣ ብዙሕ ሓፍ ሓፍ ኣይተበሉ ኣቦ ገዛ ከይሓዘ ውሉድ ገዛ ክሕዝ ኣበይ ዓዲ ርኢኹም” ክብል ሕውስውስ ዝበለ ዘረባታት ኣቕረበሎም። ኣብቲ እዋን ዓሊ ሰይድ ሚንስተር ሚንስትሪ ምክልኻል’ዩ ኔሩ። ናብ 5000 “ምሩኻት” ክምለስ። ኢሳያስ ኣስመራ ምስ ተመለሰ እሞ ድማ 3ይ ወራር ምጅማሩ ዘይተርፎ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ናብ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ወይ መዳጎኒ ንበሎ ትእዛዝ ብምምሕልላፍ ጫማ ጌሮም ክዳን ተዋሂቡዎም ከም ዝጸንሑ ብምግባር ኣኼባ ገበረሎም። ኣብዚ እውን ገለ ደቂ ማርያም ሓዚና እዚ ሰብኣይ ኣይፈልጥን እዩ ኔሩ ክብሉ ኣሚኖም ኔሮም እዮም። ብዝኾነ ድሕሪ ኣዋርሕ ኩናት ናይ 2000 ተጀሚሩ በተብተብ ከኣ ነዚ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ኣውጺኦም ብዘይ ልምምድን ምንቅስቓስን ነናብ ግምባሮም ሰዲዶም ኣብ ኩናት ኣሰለፍዎም።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመንጉዳይ!
Next Article ቀያሕ ከተማ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?