Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ደቅስ”ኢልክኒ!

“ደቅስ”ኢልክኒ!

1
By Mekonnen T. on August 25, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ኣቲ ወላዲት..!

ኣደ ባርያ ኣደ ኣቶብርሃን

ዝኽሪ’ቲ ሓቕን ዝኽሪ ዜማን

ዝኽሪ ሕልናን ዝኽሪ ልቦናን፡

እምበር’ዮም ኣብ ገደል ከይትወድቂ

እምበር’ዮም ኩፉእ ከይትረኽቢ

ብንግሆ ዝነበረ፡

ጾር ሕልናኦም ጾር ጽዕነት ልቢ።

ኣደ በየነ ኣደ’ቶም ጸሓፍቲ

ኣደ ተኽለ ኣደ’ቶም ገጠምቲ

ወርትግ ዝረሰሐ ሕልና ክኹስትሩ

ቀም ከየበሉ፡ ኣብኡ ካኣ ዝነብሩ።

ኣነ’ውን ከም ሰብ!

አምነትን ፍቕርን ምስተደብዩ

ሰብን እዝግን ምስተኾራረዩ

ይኽኣሎ ኣይኽኣሎ

ኣርዑት ሕሰም ኣብክሳደይ እንከሎ፡

ንማህጸንኪ ዝኹሕኩሕ “ዘመነ-ተወልፈፍ”

ሴፉን ዋልታኡን ምስተጻዕነ ፈረስ

ከመ-ቅብጸት ግዲ ቀቢጽክኒ

“ ደ ቅ ስ” አልክኒ

ክ ድ ቅ ስ ፈቲነ..ስ

ድ ቃ ስ ኣብዩኒ።

ብዘይ ንሱ……!!

እናፈራህኩ እናሰከፍኩ

እቲ ግዜ ጥፍኣት ግዜ ሓደገኛ

ደም ምስ ሸተቶ ፈረሰኛ፡

ክሳድ ንጹሃን መመሪጹ ምስ ሰየፎ

ሰብ ጸሊእክዮ፡ኣምላኽ ካኣ ቀቢጽክዮ።

ሰሪ’ዚ ከም ረመጽ ዘቃጽል ጋሂ

ሰሪ’ዚ’ዩ ምስተሓቕነ ከብድኺ

ኣብራኽኪ ጭ ብ ጥ ኢሉ

ብርሃን ተስፋኺ ው ድ እ ኢሉ

ንዓይ ገዲፍኪ ንማህጸንኪ ክትራገሚ

ንዓይ ገዲፍኪ ንጡብኪ ክትራገሚ

እርእዮ’ዴ ዘለኹ!

እሰምዖ’ዴ ዘለኹ!

ዓቕሊ ጽበት ዓቕሊ ዕርበት

ካብ ትማሊ – ናብ ሎሚ

ድቃስ ዶ ‘ሎ’ዩ …?

ደቅስ ትብልኒ?

ብዘይ ንሱ …….!!

ዘይከም ካሎኦት ዘይከም ዓለምኪ

ፍቕሪ’ካ ውሒዱኪ ኮይኑ፡

አቲ ንልብኺ ዝሰበረ ሓዘን

ንብዓት ሎሚ ንብዓት ሕሉፍዘመን

ዘየደቅስ ንብዓት ክልተ ወለዶ

ሰብ ዘይክእሎ ሰብ ዘይጸሮ

ኣብ ከብድኺ ዘሎ

ኣብ ከብደይ’ዩ ዘሎ።

እመንኒ ካኣ ! …..ኣጆኺ!!

ጾር ድሕሪትን ቅድሚትን

መንፈስ ራእን ጽባሕን

ከም ደመና ተኣኻኺቦም፡

ኣለዉ! …. ኣለዉ!! …..ኣለዉ!!!

መቑሕ ሰባቢሮም፡ ንልብኺ ዝድብሱ።

ዘፌ 2013

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article “ዓባየይ ብኻ’ባ ኣቦኺ ኮይነ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Anonymous on September 19, 2014 12:46 am

    ነቲ መግለጺ ዘይረኽበሉ ለውህት ወላዲተይ ክትገልጸለይ ስለ ዝኸኣልካ ብልቢ የመስግነካ። ብጥዓሚ ንፍዕ ኢኻ ቀጺሎ ሓወይ ናተይ፡፡

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?