Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, June 1, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

1
By Mekonnen T. on August 31, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል

5ይ ክፋል

ናብ ገዛኣ ኣትያ ምሳሕ ኣብ ክንዲ ትሰርሕ፡ ፍሉይ ነገር ከም ዘጋጠማ ኣብ ዓራታ ኮፍ ኢላ ዝን በለት። ቈላሕታኣ ኣብ ኵርሲ ናብ ዝነበረት ንእሽቶ ድስቲ ምስ ኣዕረፈት፡ ብድድ ኢላ ሓዊ ክትኣጕድ ፈርኔሎ ገፍገፍ ኣበለት። ምሳሕ ሰሪሓ ወድአት። ነቲ ብውሕልነት ዝሰርሓቶ ጸብሒ ግን ዘይኣመላ ጥዕም ኣቢላ ገደፈቶ። ስለምንታይ ሸውሃታ ከም ዝተዓጽወ ምርዳእ ስኢኑዋ ኣብ ዓራታ ተገምሰሰት። ቀጨውጨው እናበላ ኣብ ዓራት ክትገላበጥን እናናሳዕ ሰዓት ክትርእን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዓቕሊ ምግባር ስኢና ካብ ዓራት ተስአት። ተጻዒኑዋ ዝነበረ ቅልውላው እንተ ፈዀሳ ኢላ ነፍሳ ክትሕጸብ ናብ ባኞ ኣተወት። እቲ ዝሑል ማይ ብመጠኑ ንመንፈሳ’ኳ እንተ ኣሓደሶ ገለ ነገር ዝጐደላ ኮይኑ ይስምዓ ነበረ። ብዛዕባ መልክዓ ዝጋነን ተገዳስነት ኣይነበራን። ኣብ ሽዑ በጺሓ ግን ኣብ መንደቕ ተንጠልጢላ ናብ ዝነበረት ንእሽቶ መስትያት ብምቕራብ፡ ኣዒንታን ኣፍንጫኣን፡ ከናፍራን ኣስናናን በብሓደ ድሕሪ ምፍታሽ ንጸጕራ’ውን ከም ብሓድሽ ኣተዓራረየቶ። ምሉእ ሰብነታ ኣብ ዓቢ መስትያት ክትርእዮ ብሂጋ ነይራ፡ ሳላ ድኽነት ግን ኣበይ ክርከብ። ኣብ ጐረቤታ ማዕረ ቍመታ ዝበጽሕ መስትያት ከም ዘሎ ትፈልጥ’ያ፡ ግዜ ምሳሕ ስለ ዝነበረ ግን ክተንቀላውጥ ዝመጽአት ከይመስሎም ተሰኪፋ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንታይ ምኽንያት ፈጢራ ከም ትኣቱ ጨኒቑዋ ነቲ ሓሳብ ኣዋደቐቶ። ኣብ መወዳእታ፡ ጸጕራ ቍሩብ ተናኺፋ ሰፋሽፍቲ ኣዒንታ እናደራረዘት ከላ፡ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ክልተ ግዜ ተሪፋ ትምህርቲ ዘቋረጸቶ ጓል ጐረቤት ህሩግ ኢላ ኣተወት። ኣምላኽ ሕዉስ ጠባይን ዋዕን’ምበር መልክዕ ኣይዓደላን። “ሮዚና፡ ናይ ምንታይ ደኣሉ እዚ ኵሉ ምቅንጃው?” በለታ እናኽመስመሰት። ወላ’ኳ ካብ ትላለያ ወርሒ እንተ ዘይመልኣ፡ ሓንሳብ ምስ ተላለየታ ንዓመታት ከም እትፈልጣ ኮይና እያ ተዕልላ ነይራ። ሮዛ እንተኾነት’ውን ብናጽነት ዝዓበየት ከምኣ ገርሂ መንእሰይ ምዃና ስለ ዘስተውዓለትላ ብቕንዕና ቀሪባታ። ግርም ከኣ ተወሃሂደን። “እታፈራሁ መቸም ዘረባ ኣይጽልኣክን’ዩ፡ እንታይ ክገብር ርኢኽኒ ኢኺ ደኣ ክንድዚ ትዛረቢ ዘለኺ? ተወከሰታ፡ ኣብ መስኮት ገዝኦም ተኸዊላ ትከታተላ ከም ዝነበረት ኣየስተውዓለትላን። “ኣየ ሮዛ! ንዓይ ክጠፍኣኒ ኢልኪ ትሓስቢ? ጓል ኣዲስኣበባ እየ’ኮ። ወይ ኣብ ገለ ፓርቲ ተዓዲምኪ’ለኺ ወይ ምስ ወዲ ተቛጺርኪ ኣለኺ’ምበር፡ ዘይኣመልኪ ቀትሪ ምድሪ ነፍስኺ ምሕጻብ፡ ምምሽሻጥን እንታይ ኣምጽኦ? ብዝኾነ ኣምላኽ ይመስገን እንቋዕ ጥራይ ናብዚ ኣብቅዓኪ እየ ዝብለኪ፡” መለሰት እታፈራሁ። መሲሉ ዝተራእያ ካብ ምዝራብ ድሕር ዘይትብል ፍጥረት እያ ነይራ። “ንስኺ ብኸምኡ ተረዲእክዮ’ምበር ኣነስ ክብድብድ ስለ ዝበለኒ ቍሩብ እንተ ፈዀሰኒ ኢለ እየ ነፍሰይ ተሓጺበ። በጋጣሚ መስትያት እናረኣኹ ከለኹ ስለ ዝመጻእኪ ግን ከምኡ ትብሊ ኣለኺ።” “ንሱስ ናባይ ግደፍዮ!” ኢላ ኢዳ ጸግ ድሕሪ ምባል፡ “ሓንቲ ነገር ክመኽረኪ ግን ሮዚና፡ ንእስነትኪ ከይመነኽያ ከይትምርዓዊ። ክንደይ ዝምነዩኺ ሃብታማት ሰብ መካይን ከም ዘለዉ እፈልጥ’የ። ክነግረኪ እናበልኩ ረሲዐዮ’ምበር፡ ትማሊ ናብ ማርካቶ እናተበገስኩ ከለኹ ሓደ ኵሕላይ ዝዓይኑ መንእሰይ መኪናኡ ኣጸጊዑ ላድርስ ይብለኒ’ሞ እናዕለልና ማርካቶ ንበጽሕ። ግርም ክብለኪ፡ ክቘጽረኒ’ዩ እናበልኩ ብዛዕባኺ ሓቲቱኒ። መቸም ንግዜኡ ሓሪቐ፡ ደሓር ግን እንቋዕ ካብ ሮዛ ኣይሓለፈ ኵልኻ ሓደ ኣይትኹን’ዩ ኢለ ነፍሰይ ብምድዕዓስ፡ ‘ኣብ ፋሲል ፋርማሲ እያ ትሰርሕ ኣብኡ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ’ ኢለዮ። ቀጠልያ ኦፔል ዝዝውር ሓለንጋይ’ዩ። ዛጊት ረኺብክዮ ክትኮኒ መቸም ተስፋ እገብር፡” ዝብል ሓበሬታ ኣስዓበት። ሮዛ ተጸዊጋ ጠመተታ። “እታፈራሁ እፈትወኪ እየ፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ግን ኣይፈቱን’የ፡ መንገደይ ሒዘ ክኸይድ ዝደሊ ሰብ’የ። ካልኣይ መዓልቲ ከምኡ እንተ ኢልክኒ ክንጻላእ ኢና፡ ክትብል ገንሓታት። “አረ! ከመይ ዝበልኪ ዓሻ ሰብ ኢኺ ንስኺ! ቍንጅና ክብሃል ከሎ እንታይ ድዩ ትርጕሙ? ኣነ ከምዚ ናትኪ መልክዕ ነይሩኒ እንተ ዝኸውን ኣብ ገዛ ተዀርምየ ኣይምወዓልኩን። ንደቂተባዕትዮ ከም ካምቻ ምቐያየርኩዎም፡ ኣዲስኣበባ ብምልእታ ብኣይ ጥራይ ከም ትዛረብ ምገበርኩዋ ነይረ። ኣሕ! እንታይ ክዓብስ እዩ’ሞ፡ ኣምላኽ ኣባይ ክበጽሕ’ንድዩ ጨኪኑ። ብዘረባኣ ካብ መጠን ንላዕሊ ተገሪማ ቀው ኢላ ክትጥምታ ዝጸንሐት ሮዛ፡ “ንኣምላኽካ ምምራር ነውሪ እዩ። ንሰብ ከኣ ጠባዩ እዩ መልክዑ። ደሓር ከኣ ሳላ ብሩኻት ስድራኺ እንታይ ስኢንኪ? ከማኺ ዕድለኛ መን ኣሎ? ክንደይ ሰብ ዝበልዖን ዝሰትዮን ስኢኑ ይነብር ከም ዘሎ ፍለጢ። ብመልክዕ ዝመጽአኸ እንታይ ይጐድለኪ ድዩ?” ክትብል ናይ ልባ ተዛረበታ። እታፈራሁ ተገሪጫ ክትጥምታ ጸኒሓ፡ “ግደፍና በጃኺ! ኣብ ዘይትፈልጥዮ ጕዳይ ኣቲኺ ኣይትዛረቢ። ኣቦይ ሃብታም እንተኾነ ክምርዓወኒ መዓስ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ትርጕም መልክዕ ከኣ ንዓይ ክትነግርኒ ኣይኮንክን፡” ክትብል ብሕርቃን መሊሳትላ ጠንጢናታ ናብ ገዛኣ ተጸርገፈት። *           *         * ሮዛ ሰዓታ ድሕሪ ምርኣይ ናብ ስራሕ ክትብገስ ብምሕሳብ ኣብ ዓራታ ደርብያቶ ዝነበረት ቦርሳኣ ተሓንገጠት። ካብ ገዛ ቅድሚ ምውጻኣ ንመወዳእታ ግዜ ገጻ ኣብ መስትያት ተዓዘበት። መንገዳ እናቐጸለት ከላ ምስ ኣእምሮኣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ክትዕ ተሸመመት። እንታይ እዩ ክንድዚ ዘሳቕለኒ ዘሎ? ብናይ ሓንሳብ ቈላሕታዶ ፍቕሪ ሒዙኒ ኮይኑ! እዚ’ኳ ክኸውን ዘይክእል’ዩ። ግን ከኣ ብቐዳማይ ቡን እናሰተና ከለና ሓደ መንእሰይ መስተፋቕር ተጠቒሙ ንሓንቲ ጓል ደድሕሪኡ ጸለል ጸለል ከም ትብል ገይሩዋ ይብላዶ ኣይነበራን?” ክትብል ጸኒሓ፡ “ኦይ! ሱቕ ኢለ እየ ዘህተፍትፍ ዘለኹ፡ ኣምላኽ’ምበር ሰብ እንታይ ሓይሊ ኣለዎ? እናበለት ብሓሳብ ምህውታት ቀጸለት። ኣተኵሮኣ ናብ ሰለሙን ብምምላስ፡ “መቸም ኣምላኽ ግርማ ሞገስ ዓዲሉዎ እዩ፡ ንዑኡ ዝሃበ ጕብዝና ንመን ሂቡ? ኣየ’ባ ፍሽኽ ክብል ከሎ ደስ ክብለካ፡ ማማ ሚያ! እንታይ ክዓብስ እዩ’ሞ ደቂ ተባዕትዩ ሕልና ዘይብሎም። ንግዜኡ ተጠቒሞም ከም ማስቲካ እዮም ዝድርብዩኻ። ካብ ምቕራቦም ዘይምቕራቦም ይሓይሽ። ጥዑያት ኢልካ ትቐርቦም ንቋጸር ኢሎም ንስጋዊ ርክብ ይዕድሙኻ፡ ድሌቶም ምስ ፈጸሙ ድማ ይጠልሙኻ። ካብዚ ዝኸፍእ ነገር እንታይ ኣሎ? ካብ ናይ ላውራ መሓዛይ ዝዓቢ ትምህርቲ የሎን። ፖቨረታ ላውራ! ሓመድ በሊዑዋ ተሪፋ” ኢላ ምስ ነፍሳ ክትዛረብ ድሕሪ ምጽናሕ ቍሩብ ዝን ብምባል፡ “እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ከይፈለጥኩ ገጽ ከርእዮ’ኮ ኣይነበረንን። ደቂተባዕትዮ ኩላቶም ሓደ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተኹ ዋይ! ዋይ! ካብ ምባል ከሎ ገና ክብረተይ ምሕላው ይሕሸኒ፡” እናበለት ከይተረድኣ ሓያል መንገዲ ተጓዕዘት። እቲ ምስ ሕልናኣ ዝጀመረቶ መጐተ ከይወድአት ኣብ ጥቓ ስራሓ በጽሐት’ሞ ሃንደበት፡ “ቢብ!” ዝብል ድምጺ መኪና ኣስንቢዱዋ ብዘብዘብ ጽርግያ ሰገረት። ኣብ መንገዲ ኣጋር ደው ኢላ ሰዓታ እንተ ረኣየት ስራሕ ክኽፈት ገና ሓሙሽተ ደቒቕ ከም ዝተረፎ ተረድኣ። ንገለ ካልኢታት ኣብ ጐድኒ ስራሓ ዘዘው ድሕሪ ምባል ቍሩብ ሕስብ ኣቢላ ኣብ ማዕዶኣ ናብ ዝነበረት ንእስ ኢላ ግሮሰሪ ብምኻድ ማስቲካ ዓዲጋ ናብ ስራሕ ተመልሰት። ከም ኣጋጣሚ ከም ሽዑ መዓልቲ ስራሕ ጽዒቑዋ ኣይፈልጥን። ገንዘብ ክትቅበልን ዓማዊል ክተተኣናግድን ከይተፈለጣ ምፍዳስ ግዜ ኣኸለ። ካብ ስራሕ ክትወጽእ ሸበድበድ እናበለት ከላ ሓንቲ ቀጭዋን መሳርሕታ መስኮት እናዓጸወት ከላ ንሰለሙን ኣብ ስግር ጽርግያ ስለ ዝረኣየቶ፡ “ስሚ’ስቲ ሮዛ፡ የቀኑ መልከ መልካም ወጣት ጠብሶሻል እንዴ? መጣልሽ’ኮ! ያውልሽ እዛ፡” በለታ ክምስታ ሓዊሳን ዓይና እናጸቐጠትን። ሮዛ ነታ ጠብሶሻል እትብል ቃል ምርዳእ ስለ ዝሰኣነታ፡ “ምን ኣልሽ?” በለታ ተገሪጫ። እታ ጓል ሓንቲ ሽቓባ እያ ነይራ። ብጭርቃን ተኸኽ ተብላ ስለ ዝነበረት ሮዛ ገጽ ክትህባ ድሌት ኣይነበራን። እታ መሳርሕታ ግን እናሰሓቐት፡ “አረ ምን ዓይነት ገብስ ነሽ! እውነት እስካሁን ድረስ ጠበሳ ምስ እንደሆነ ኣታውቂም ማለት ነው? ያስመራ ልጅ ነኝ ደሞ ትያለሽ፡ እየ የኛ ኣራዳ!” ኢላ ክብዲ ኢዳ ናብ ኣፋ ብምልጋብ ናይ ምስዓም ምልክት ኣርእያታ ገጻ ገልበጠት። ሮዛ ከም ቍጥዕ ኢላ፡ “ጊስ! ናይ እንዳ መን ፈኳስ’ያ እዚኣ! ሓንሳብ ከዕልለኒ ስለ ዝረኣየቶስ እዚ ዅሉ ዘረባ!” ድሕሪ ምባል እናሓንሓነትላ ናብ ደገ ወጽአት። ሰለሙን ኣብ ፊት ስራሓ ኣብ ዘሎ ኵርናዕ ክጽበያ ጸኒሑ ጽርግያ ምስ ሰገረት፡ “ሰላማት ሮዛ፡” በላ ብርምሉእ ርእሰ ምትእምማን። በንጻር’ቲ ዝነበሮ ዓቢ ሃንቀውታን ተስፋን ግን ይትረፍ ኢዱ ክዝርግሓላ ዕድል ክትህቦ ቍሊሕ ኢላ ከይጠመተቶ፡ ህጹጽ ስራሕ ዘለዋ ክትመስል፡ “ሰላም ከመይ ውዒልካ፡” ጥራይ ኢላቶ ቅልጣፈ ወሲኻ መንገዳ ቀጸለት። ካብ እግራ ከይተረፈ ማዕረኣ እናሰጐመ፡ “ስራሕ ከመይ ውዒሉ’ሞ?” ሓተታ ብተግባራ እናተገረመ። ብሒቶም ከዕልሉሉ ናብ ዝኽእሉ ቦታ ክኸዱ እዩ ነይሩ መደቡ። ሮዛ ሕጂ’ውን ደሓን ዝብል ሓጺር መልሲ ሃበቶ። ኵነታታ ምርዳእ ስኢኑዎ ጐድኒ ጐድና እናኸደ ከዕልላ ፈተነ። እቲ ሃዋህዉ ተስፋ ዘይህብ ኮይኑ ምስ ረኸቦ፡ “እንታይ ዓይነት ፍጥረት’ያ እዚኣ! ጠለቤዱ! ኢግኖር ከቲተዮ ኢላ ድያ?” በለ ብውሽጡ ትምክሕቲ እናተሰምዖ። ምስ ተመነዎ፡ “ናብ ሓደ ብሕት ኢልና ነዕልለሉ ቦታ ደኣ ዘይንኸይድ ሮዛ?” ክብል ተወከሳ ብስያፍ እናጠመታ። ከም ሓቂ ኣብ ገዛ ኣትያ ብጽምዋ ከም ትውሓጥ ስለ ትፈልጥ ነቲ ዕላል ኣይጸልኣቶን ነይራ። ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ደፊራ ክትከይድ ከቶ ዘይሕሰብ ስለ ዝነበረ ግን፡ “ነዕልል’ንዲና ዘለና፡” በለቶ ገጻ ከየዞረት። ከምኡ ዓይነት መልሲ ንሰለሙን ከም ጽፍዒት ኣብ ገጹ እዩ ነይሩ። “ከምዞም ብኣጋ ዝደሃሉ ፋራታት ድየ መሲለያ?” ብለ ብልቡ፡ በቲ ዘይተጸበዮ ባህርያታ እናተጠራጠረ። “ዘይትፈልጥ ኮይና እያ ከይብላ ኣብ ኣስኮላ ጥልያን ዝወድአት ኣዝማሪኖ እያ ትመስል፡ ኣፍቃሪ እንተ ዝህልዋ ከኣ ከሎ ገና ኣይትሓዘለይ   ምበለትኒ ነይራ። ንስድራኣ ፈሪሃ ደኣ ክትከውን?” ኣብ ዝብል ግምታት ኣትዩ ክመራመር ጸኒሑ፡ “እናኸድካ ዕላል ደኣ’ሞ ዘይጥዑም። ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ ኮፍ ኢልና ልስሉስ ሙዚቃ እናስማዕና፡ ጥዑም ንፋስ ከኣ እናስተማቐርና ይሓይሽ ምበልኩ ኣነስ። ምናልባሽ መሬት ከይጽልምት ተሰክፊኪ እንተ ዄንኪ ጸገም የሎን ታክሲ ክንወስድ ንኽእል ኢና፡” ብምባል ብዝከኣል መጠን ክሓባብላን ኣብ ድሌቱ ከርግጻን ፈተነ። ዝተዛረቦ ቃላት ሕልሚ ኮይኑ ተሰምዓ። ምስኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዛ ናብቲ ዝበሎ ምቹእ ቦታ ክትከይድን ኣዕልል ክተምስዮን ልባዊ ሃረርታ ተሰምዓ። ክትውስን ግን ኣይከኣለትን። ንገለ ስጕምትታት ቃል ከየተንፈሰት ድሕሪ ምኻድ፡ “ኣይፋለይ፡” ዝብል መልሲ ክትህቦ ተማትአት። ከም ብሓድሽ ሕሳባ ቀዪራ ግን “ንስድራይ ከየፍቀድኩ ክወጽእ ስለ ዘይክእል ክሳብ መጥወዪ ገዛይ እናዕለልና እንተ ከድና እኹል’ዩ፡“ በለቶ ገጻ ከየቕንዐት። ዘረባኣ ዝኾነ ኣናቐጾ። መኪና የብሉን ኢላ ዝነዓቐቶ ኮይኑ ጥራይ ተሰምዖ። ብጓላንስተይቲ ክንጸግ ናይ መጀመርያ ግዜኡ ስለ ዝነበረ እቲ ነገር ክወሓጠሉ ኣይከኣለን። ሓንቲ ቁምነገር ከየፍረየ ኣብ መጥወዪ ገዛኣ ምስ ቀረቡ፡ ብዘይ ቈጸራ መታን ከይትፍለዮ፡ “ኣነ’ውን ብዘይ ፍቓድ ወለድኺ ክትወጽኢ ደስ ኣይብለንን’ዩ። ምስ ትፈትዋ ጓል ክተዕልል ስለ ትህወኽ ግን፡” ኢሉ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “መዓስ ኢና ንራኸብ’ሞ?” ክብል ሓተታ። እንታይ ከም ትምልሰሉ እናሓሰበት ከላ፡ “ወይለይ፡ ጽባሕ’ባ ሰንበት’ዩ! እሞ ኣለ ኖቨ ናይ ንግሆ ኣብ ገለ ቦታ ዘይንራኸብ፡ ወይ ከኣ መኪና ሒዘ ኣብዛ ኵርናዕ ገዛኺ ክጸንሓኪ፡” በላ ምትዕጽጻፍ ብዝመልኦ ኣዘራርባ። ሰንበት ንዓኣ ምስ ኣምላኻ እትራኸበሉ መዓልቲ ኑዛዜን ቁርባንን ምዃኑ ኣይፈለጠን ዘሎ። “ኖ! ስኩዛ ግበረለይ፡” መለሰትሉ ቅልጥፍ ኢላ። “እሂ፡ ሰንበት እንታይ ስራሕ ኣሎ ድዩ? ንስድራኺ ድማ ዝኾነ ምኽንያት ሂብኪ ክትወጽኢ ትኽእሊ ኢኺ። መሳርሕተይ ትሕጸ ኣላ፡ መሓዛይ ተጸሊኡዋ ወይ ዘመዳ ሞይታታ፡ እቲ ምኽንያታት ብዙሕ’ዩ ሮዛ። ንዓኺ ክጠፍኣኪ ኣይክእልን’ዩ፡” ብምባል ሕራይ ከብላ ተጋደለ። ሓሶትን ምትላል ምስ ሕልናኣ ዘይቃዶ ተግባራት ብምንባሩ ዘረባኡ ኣመና ኣስደመማ። ልዕሊ ዅሉ ግን ከይሓሰበቶ ስድራይ ከየፍቀዱለይ ክወጽእ ኣይክእልን’የ ዝብል ናይ ሸፈጥ መልሲ ከም ዝሃበቶ ዘኪራ ብጣዕሳ ሓረረት። ነቲ ንሓጢያት ዝዕድም ሓበሬታኡ ድማ ሽዑሽዑ ነጸገቶ። ‘ከምኡ ምባል ነውሪዶ ኣይኮነን?’ ኢላ ኣሉታዊ መልሲ ክትህቦ ግን ትብዓት ኣይረኸበትን። ብዝኾነ ክሳብ ክንድኡ ተገዲሱ ወጠጥ ዝብላ ዘሎ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ምዃኑ ንምፍላጥ ደኒና እናሓሰበት ከላ፡ ትም ምብላ ምጽዋር ስኢኑዎ ብቕልጽማ ሒዙ፡ “ቤላ ራጋሳ! እንታይ ሓሲብኪ? ሓደኡ ግበሪ። ጽባሕ ክንራኸብ ይጥዕመኪ ድዩ? የስ ኦር ኖ በልኒ፡” በላ መንፈሱ ተወጢሩ ክነሱ ዝተረጋግአ ክመስል ክምስታ ሓዊሱ። “ፈንወኒ!” ክትብሎ ኣዒንታ ሰለምለም እናበለት ምስ ጠመተቶ፡ በተን ጸባ ዝመስላ ስሙራት ኣስናኑ ኣብ ዘላቶ ከም ትዕነድ ኮነት። ደው ኢሎምሉ ዝነበሩ ቦታ ቃልዕ ምንባሩ ኣብ ሽዑ በጺሓ ግዲ ኣስተውዒላትሉ ብሕፍረት ተዋሒጣ ድንን በለት። ኣብ መንጎ ንዑኡ ዘለዋ ክትገልጾ ዘይከኣለት ባህግን ኣብ ልዕሊ ደቂተባዕትዮ ዝነበራ ጥርጣረን ተቐርቂራ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮነት። ክትወስን ስለ ዝነበራ ግን ስና ነኺሳ ስምዒታ ብምቍጽጻር፡ “ቻው!” ኢላቶ ኵርናዕ ተጠውያ ተበቈጸት። ኣብ ጥራይ ጐልጎል ጠንጢናቶ ናብ ኣፍደገ ቀጽሪ ገዛኣ ክትስጕም ከላ ብንዕቀታ እዝዩ እናተገረመ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ናብቲ ቀጽሪ ክሳብ ትኣቱ ኣዒንቱ ተኺሉ ጠመታ። ተግባራታ ዝኾነ ኣቘጢዑዎ፡ “ሺት!” ኢሉ ቅልጽሙ ክምናዕ ክሳብ ዝቐርብ ኢዱ ጸግ ኣበለ። ዝሓሰቦ ነገር ክጓናደቦ ከሎ ሺት ናይ ምባል ልምዲ ኣለዎ። “እንታይ ዓይነት ፋራ እያ’ዚኣ? መሲሉዋ’ምበር ሞይተ ኣይፋርጋን’የ። እዚኣ ትመስል ሽኮሪና ጓል ከመይ ኢላ ክሓድጋ! ናይ ሎሚ ምሸት ምቸም ሰብ ኣይስማዕ ዘብል’ዩ፡” እናበለ መንገዱ ቀጸለ። ከይተረድኦ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ምስ በጽሐ ሰዓቱ እንተ ረኣየ ግዜ ገና ከም ዘሎ ፈለጠ። ንሃብቶም እንተ ረኸቦ ናብ ካዛንችስ መታን ክኸይድ ብምሕሳብ ድማ ገዛ ኣትዩ ክዳን ደሪቡ ወጽአ። ኣብ ባር ኦመድላ ክበጽሕ ከሎ ግን ጥላሁን ካብታ ባር ወጺኡ፡ “ሰለሙን!” ኢሉ ኣድሃዮ። ገጹ ኣዚሩ፡ “እሂ’ታ ጥላሁን፡” ድሕሪ ምባል ኢዱ ጨበጦ። ጥላሁን ምዒጉዎ ዝነበረ ገበታ ትኪ በዀኽ ድሕሪ ምባል፡ “ኣቐድም ኣቢለ ንገዛኻ ክትሓልፍ ስለ ዝረኣኹኻ ይምለስዶ ይኸውን ኢለ ክሕልወካ እየ ጸኒሐ፡ ንዓ እቶ ሓንቲ ሓንቲ ንበል፡” ኢሉ ብቕልጽሙ ሓዞ። “ግደፈኒ ጥላሁን ናብ ካዛንችስ ተበጊሰ’ለኹ፡” ብምባል ዕጥይጥይ በለ። ንቃልዓለም እዩ’ምበር ከዕልሎ ኣይጸልአን ነይሩ። “ኣንታ ወዲ ኣብዛ ካዛንችስ ውሽማ ኣቐሚጥካ’ለኻ ዲኻ? ንዓ ጥራይ ኢንጆይ በል። ሳተርደይ ናይት ምዃኑ ረሲዕካዮ ዲኻ?” እናበለ መሪሑዎ ናብታ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝነበሩዋ ባር ኣተወ። ይቕጽል 6ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 3 መስከረም 2014

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቀያሕ ከተማ
Next Article ጨው ክልተ ወግዒ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Haile Meseret on September 3, 2014 12:10 pm

    I never thought Tigrigna could be written in such an impressive way! I heard about the book but never got it. Pls. continue to serialize it and many thanks.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?