Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን

ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን

0
By Mekonnen T. on August 7, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዳንኤል ሰ. ተስፋይ

ኣኽብሮተ ካልኦት ካብ ነፍሰ ክብረት ይብገስ። እቲ ነፍሱ ዘየኽብር ንካልኦት’ውን ኣየኽብርን። እቲ ንካልኦት ዘየኽብር ድማ ኣብ መጠረስትኡ ነፍሱ የሕስር። “ምሳኻ ምንትራኽ ትሕቲ ክብረተይ’ዩ!” – እዚ እቲ ንርእሳቶም ኣብ ረሳሕ ጭቃ ቋንቋን ሕልናን ተግባርን ወዲቖም ንዓና’ውን ናብ’ቲ ዝወደቑዎ ጭቃ ክጎሱና ንዝጽዕሩ ሕሱራት፡ ምስ ተወዳኣና፡ እንህቦ መልሲ እዩ። ናብ ደረጃኻ’ስ ኣይወድቕን! ምባል ከኣ ብቁዕ ኣቋም ነፍሰ ምክልኻል እዩ። እንተኾ፡ ንካልኦት ብዝኾነን ብዘይኮነ ብምንኣስ ነፍሰ ክብረቶም ክብ ዘበሉ ዚመስሎም ምስሉያት ድማ ብዙሓት እዮም።

ነፍሰ ክብረት ካብ ስምዒት ዝያዳ ገዛእ ነፍሰ ኣተሓሕዛን ኣቀራርባን ኣተኣላልያን ኣዩ። እቲ ሰብ ኮነ ኢሉ ከሕስረና ምስ ዝፍትን እንህቦ መልሲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ንዝኾነ ሕስረት ናብ ውሽጣዊ መዛግቡ ኣንሳሒቡ ዝውሕጥ ቦጥ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ እቲ እህህ እንዳበለ ዝነበርን ንመጠረስትኡ ንነፍሱ ካብ ውሽጡ ዝቐትልን እዩ። እዞም ዓይነት ሰባት እዚኣቶም መብዛሕትኦም ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ብቐጥታዊ ከባቢኦም ብሕስረት ዝዓበዩ እዮም። ከም ኣብነት ኣብ ሰኽራምን ዓማጽን ኣብ ውሽጡ ዝተበተነን ስድራ ቤታት ብቃልን ኣካልን እንዳተዓመጹ ዝዓበዩ ክንወስድ ንኽእል። እቲ ኣድጊ፡ ሰነፍ፡ በትኪ፡ ሕማቕ … እንዳተባህለ ዝዓበየ ኣብ ዓቕመ ኣዳማዊ ዕድሜኡ’ውን ንዝኾኑ ዝወርድዎ ሕስረታት ቍሒሙ ክነብር ካብ ተሞኵሮ ህይወት ተማሂሩ እዩ። መብዛሕትኦም ብዝተሰርጸሎም ስምዒተ-ትሑትነት ነፍሰ ጽቑጣት እዮም። እዚ እቲ ሕስረት ንቡር እንክኸውን እዩ። እዞም ዓይነት ሰባት’ዚኣቶም ምስ ሕስረቶም ተሰማሚዖም ንምንባር ንጠባየ ልሙስነቶም ናብ ኣዎንታ ደጊሞም ይገልጽዎም። (survival redefinition) ንኣብነት ብምእዙዝነትን ትዕግስትን። ኣዎንታዊ ምእዙዝነትን ትዕግስትን ኣሎዉ እዮም። እንተኾነ ንዝኾነ ሕስረት ምጕሳም ምእዙዝነትን ትዕግስትን ከነመኻንዮም ምፍታን ነፍሰ ምትላል እዩ። ኣኽብሮት ትእዛዛትን ትዕግስቲ ንባዕላን ኣስተብህሎ፡ ብልሃት ዝኣመሰሉ ደረታት ኣሎዎም።

ብኣንጻሩ ድማ ብዝነኣሰት ሕስረት ኴይና ብዝተሰመዓቶም ቃልን ተግባርን ሰማይ ዝዘብጡን ዝጓሰጡን ኣሎዉ። እዚኣቶም እቶም ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ከማኻ ዝኣመሰለ ብልህን፡ ንፉዕን፡ ደፋርን፡ መልክዐኛን የሎን፣ ኣንታ ጎይታ ዓለም፡ ሰብ ንድ\ክስ ልትረግጾ እዩ ተፈጢሩ … እንዳተባህሎም ዝዓበዩ፤ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዙ ኣነነቶም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝተነፍሐን እያቶም። ብዘይካ ንነፍሶም ንዘኽብርዎን ንዝፈትዉዎን የብሎምን። ኣነነቶም ነፍሱ ካብ ምንፋሕ ደው ኣይብልን። ኣነነት ሕፋንሳብ ነፍሱ ክነፍሕ እንተጀሚሩ ክሳብ ነፍሰ ነትጕ እዩ ዝነፍሕ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ቅርጻ ጠባያት ድማ እቲ ንኵሉ ሕስረት ውሒጡ ህይወቱ ምሉእ ከኣ ሕነኡ ክፈዲ ክውድብን፡ ክሽርሕን ዝነብር፣ ወሸለ ሓንቲ መዓልቲ ዕድል እንተረኺቡ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ሕኔኡ ዝፈዲ ቂመኛ ኣሎ። መዓልቲ ድሕሪ መዓልቲ ከኣ ኣብ ደንደስ ሩባ ተቐሚጡ ሬሳታት ኣሕሰርቱ በቲ ሩባ ከንሳፍፉ ይጽበ።

እቲ ዝበዝ|ሐ ካብ ሰብ ግን እቲ ሓደ ርትዓውን እሩምን ኣካባቢ ዓብዩ፡ ንክብረትን ሕስረትን ብግቡእ ኣለልዩ ኣብ ደረጃ ኣሕሰርቲ ከይወደቐ ብልቡን ኣእምሮኡን ዝምክት ምዙን ሰብ እዩ።

እዚኣቶም መሰረታዊ ጠባያት ድኣ’ምበር ኣብ ሕድሕዶም ዘይተኣታተው ደረቓት መልክዐ ጠባያት ኣይኮኑን እንትምንታይ ጠባይ ሰብ ብብዙሓት ረቛሒታት ዝጽሎ ኴይኑ ኣዝዩ ሕልኽላኻዊ እዩ። ኣብ ጠራሙዝ መሊእና ክንሓጽሮን ክትጥንቍሮን (to label) ኣይንከኣልን። ንኣብነት መብዛሕትኦም መሳርሒ ዲክታቶራት ካብ’ቲ ቀዳማይ ቅርጻ ይመስሉ። ንኣብነት ጎንበላት ስታሊንን ስታሊን ንባዕሉ’ውን። ስታሊን፡ ካብ ኵሎም ንዘኽብሮ ኣይነበሮን። ኵላቶም ድማ መቐመጭኡ ይልሕሱ። ንሳቶም’ውን ብግዲኦም ክብረቶም ብኡኡ ዝምለስ ግዲ እንዳመሰሎም፡ ነቲ ካብ ስታሊን ዝወሓጥዎ ሕስረት ናብ ብትሕቲኦም ዝርከቡ መሳርሕቶም የመሓላልፍዎ። ክሳብ ሓንቲ መዓልቲ ስታሊን ዝሓንቆም ድማ ተራ ‘ዕንጭቝሊት ስታሊን’ ይጻወቱ። ከም’ዚ ኢሉ ከኣ እቲ ሕድሕድካ ምትሕስሳር ክሳብ’ቲ ዝተሓተ በዓል ስልጣን ይወርድ። ዲክታቶርነት ብመሰረቱ ኣብ ሕድሕዳዊ ምትሕስሳር ጎንበላቱን ኣባላቱን ዝተመስረተ ስርዓተ ስነኣእምሮኣዊ ዓመጻ እዩ።

ስለምንታይ ኢና ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ነቲ ካብ ሓደ ውልቀመላኺ ዝወረደና ሃገራዊ ሕስረት ውሒጥና ዝነበርና? ዝበለ ሕቶ ኵላትና ክንሓስበሉን፡ ብፍላይ ከኣ በዚ ሜዳይ’ዚ ዝሰልጠኑ ምሁራት እንተሃለዉ ከብርሁልናን ዝጽበዮ ዓቢዪን ሕልኽላኻውን ሕቶ’ዩ።

ኣተሓሳስራ፡ ረቀቕትን ብዙሕ ሻዕ’ውን ኮነ ከይተባህሉን ከይተገብሩን ክኾኑ ይኽእሉ። እንተድኣ ሓኪመይ፡ እቲ ብዛIባ ሕማመይን ምልክታቱን እቲ ዝጠበቐ ኣፍልጦ ዘሎኒ ኣነ ክንሰይን፡ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲረ ተቐሚጠ እንዳሃለኹን ብዛዕባዕባይ ምስ ተሓጋጋዚቱ ወይ ተኸናኻኒተይ ጥራሕ ዝዛረብ ኣብ ክብረተይ ከም ዝተከፈኒ እወስዶ። ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓኪም ከኣ ከይተቋወምኩ ኣይሓልፍን። ብድሕር’ዚ ከኣ እቅረታ ከይሓተተ ዝኸደ ሓኪም ኣይፈልጥን። እቲ ሕሙም፡ እቲ ንጉስ፡ ኣነ እየ’ሞ።

ንነፍሰይ ባዕለይ ክጣበቐላን ክከላኸለላን እንዳኸኣልኩ፡ ኣነ ከይሓተትኩ ምእንታይ ዝጣበቕ ‘ኣባሊገ’ እውን ኣይፈቱን። ብዛዕባ ነፍሰይ ባዕለይ ክገልጽ እኽእል’ዬ። ብዘይ ፍቓደይ ዝናገረለይ ግን ንክብረት ርእሰ ውሳኔይ ይትንክፍ። ባርያ’ስ ሓጋዚ እንተረኣየት መዲዳ ትሓብእ ትብሉኒ ትኾኑ። ክሕግዝን ክሕገዝን ዘይፈቱ ኣይኮንኩን። ብዘይ ፍቓደይ ግን መዲደይ ኣይተሕድጉኒ። ኣነ’ውን ብዘይ ፍቓድ ተሓጋዚ ኣይሕግዝን።

ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ንኻልኦት ዘሕስሩ? እቲ መልሲ ቀሊል እዩ። ንካልኦት ብምሕሳር ነፍሶም ዘኽበሩ ስለዝመስሎም እዩ። እቲ ዓሻ ኢሉ ዝጻረፍ ኣነ ለባም እዬ እዩ ዝበለ። እቲ ደንቈሮ ኢሉ ዘሕሰረ ከኣ ኣነ ምሁር እዬ እዩ ዝበለ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ነቲ ወድዒ ሕፍረት ኣሕፊርካ ናብ ምእዙዝ ኣገልጋሊ ንምልዋጡ እዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓስከር ከኣ፡ ግርንቢጥ’ዩ፡ ኣዝዩ እሙን ዓስከር ይኸውን። እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ ንነፍስኻ ኣብ ቦታ’ቲ ዘሕሰርካዮ ሰብ ኣቐሚጥካ ክትርኢ ዘይምኽኣል እዩ። ብ1938፡ ኦስትርያ ብናዚ ጀርመን ምስ ተታሕዘት፡ ኣይሁድ ንጽርግያታት ቬና ብመጽረይ ስኒ ከጽርዩ ተገይሮም። ኮነ ተባሂሉ ንምሕሳሮም ዝተገብረ እዩ። እቲ ኵሉ ነዚ ዝረኣየ ህዝቢ ከኣ ክሳብ ዝስንጠቕ ሰሓቖም። እቲ ዝሰሓቐ ንነፍሱ ኣብ ቦትኦም ኣቐሚጡ እንተዝርእያ ግን ኣንበይሰሓቐን።

ኣምራት ክብረትን ሕስረትን ብባህሊ ዝተጸልዉ እዮም። ኣብ ምዕራብ ምሽፋን ጸጕሪ ከም መሕሰሪ ደቂ ኣንስትዮ ይውሰድ። እቲ ነዚ ዘገድድ ባህሊ ግን ከም ምሽፋን ሕፍረት ደቂ ኣንስትዮ ይወስዶ። እሞ ኣድማሳዊ መግለጽን መልክዕን ሕስረትን ክብረትን የሎዉን ድዮም? ኣሎዉ።

ንሕና ኵላትና ደቂ ሰባት ካብ ሕድሕድና ነጻ ዝኾን’ና በብገዛእ ርእስና ዝሓደርና ደሴታት ኣይኮን’ናን። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ሕድሕድና ንጠቓቐም ኢና። ኣብ ዝኾነ ሃገርን ህዝብን ከኣ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ንረብሕኡ ጥራሕ ክጥቀመሉ ክፍትን ከሎ ከሕስሮ ይጅምር። ርእሰ ውሳኔ ህዝብን ውልቀሰብን ምግፋፍ፣ ብሕታውነትን ውልቃውነትን ሰባት ዘይምኽባር ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ተግባረ ሕስረት እዮም። ንህዝብኻን ንቤተ ሰብካን ንመሓዙትካን ምሕሳው ካብቶም ዝኸፍኡ ተግባረ ሕስረት እዩ። ነፍሰ ነጻነቱን ሓሳባቱን እንዳፈለጠ ዝሓደገ፡ እንክሕደግ ዘስቀጠ ድማ ንመጠረስቱ ከይሓሰረ ኣይኮነሉን።

ንነፍስና ካብ ኣደራዕ ኣሕፈርቲ ከመይ ንከላኸል? ፈለማ ንነፍስና ተንቲንና ክንፈልጣን ክንርድኣን ከም’ቲ ዘላቶ ከኣ ክንቅበላን ይነብረና። እቲ ምስ ነፍሱ ሓቐኛ ዝኾነ ስንዘራታት ሕስረት ኣይትንክፍዎን። ኣብ ልዕሊ‘ዚ ትኵር ኣፍንጫ መጠነኛነትን (sense of proportion) ውሽጣዊ ርግኣትን (internal distance) ዝኣመሰሉ ብቕዓታት ከነማዕብልን ይህልወና።

ንመዛዘሚ፡ እቲ ንካልኦት ዘሕስር፡ ኣብ መወዳእታ ንነፍሱ ይሓስር። እዚኣ ዘይትቕየር እምንቲ ሓቂ እያ።

04.07.2014

ጀርመን

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገንዘብን ጸገማቱን
Next Article በረራ ኣብ ጸልማት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?