Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 10, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ገንዘብን ጸገማቱን

ገንዘብን ጸገማቱን

0
By Mekonnen T. on August 6, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣስታት 20 ዓመታት ይገብር፡ ሓደ ኣብ ሓላፍነት ቦታ ተቐሚጡ ኣብ መንግስታዊ ቤት-ጽሕፈት ዚሰርሕ ዝነበረ ብጻየይ (ጓድ እልፉ) ካብቲ ናይቲ ህንጻ ዋርድያ ንሽጋራ ዚኸውን ገንዘብ ኪልቃሕ ተዓዚበዮ።

“ዋእ! ከመይ ኢልካ ደኣ ንስኻ እትኣክል ሰብ፡ እሞ ኸኣ ብርክት ዝበለ ደሞዝ እትወስድ፡ ካብ ሓደ ዋርድያ ገንዘብ ክትልቃሕ መዲብካ?” ብምባል ብመልክዕ ተግሳጽ ሓተትኩዎ።

“ካባና ንላዕሊ’ኮ ንሳቶም ገንዘብ ይሕዙ” ዚብል ዘገርም ግን ከኣ ሓቀኛ መልሲ ሂቡኒ።

እቲ ዋርድያ፡ ኣብ ነፍስወከፍ መወዳእታ ወርሒ፡ ነተን ዘይጠቕማ ደሞዙ ሒዙ ንበዓልቲቤቱ እዩ ዘረክባ። ምስ ሓምሽተ ደቆም ኮይኖም ድማ ብዓቢ ቝጠባን ብተመስገንን ይውድኡወን። ጓድ እልፉ ግን፡ ነተን ካብቲ ናይ ዋርድያ ደሞዝ ብዓሰርተ ግዜ ዚበዝሓ ደሞዙ ሒዙ ምሸት ምሸት እናቘራረመን እናጨራረመን እዩ ዝጽንቅቐን። እተን ኣምላኽ ንገዛ ኪኣትዋ ብጥንቲ ዝመደበለን ገንዘብ ኣብ ጁባኡ ምስ ሓደራ፡ ንጽባሒቱ ተንሲኡ ዕዳታቱ ኪኸፍል ነይሩዎ። ናይ ቢራ፡ ናይ ዊስኪ፡ ናይ ቡን፡ ናይ ሽጋራ፡ ናይ ቢልያርዶ፡ ናይ ቁማር…. ናይቲ ዋርድያ….ወዘተ.። ቀደም ይዝከረኒ፡ ኣዴታትና ነቲ ኣቦታትና ዚህቡወን ገንዘብ ገሊኡ ኣብቲ ሰራቒ ዝሰከሓሉን ንዘልኣለም ዘይረኽቦን ከብሒ ወይ ጥፍሒ ይሽጉጣኦ። ገሊኡ ተሰፍዩ ኣብ ትሕቲ ፍርናሽ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብቲ ተቓሊስካ ከተግድፈን ዘይትኽእሎ መንዲለን ቋጺረን ኣብ መንጎ ኣጥባተን ይውትፋኦ ነበራ። ኩሉ ብቝጠባ እዩ ዚካየድ ነይሩ። ንወርሒ ዘካይድ ጠስሚ፡ በርበረ፡ ሽሮ፡ ቀጠፍ፡ እኽሊ፡ ይውሰን ነበረ። ኣብ መንጎ ባጀት ሰንከል ምስ ዚብል ድማ፡ ናይ ክልተ ሳንቲም ዘይቲ፡ ናይ ሰለስተ ሳንቲም ቀጠፍ ይጅምር። ካብቲ ባጀት ምውጻእ ዚብሃል ነገር የልቦን። ነቲ ፈርነሎ’ኳ ፈሓም ቈጺረን እየን ዘእትዋሉ ነይረን። ቍሩብ ካብቲ ወርሓዊ ባጀት ወጺእካ ንጸጋም ወይ ንየማን ጥውይ ምስ እትብል፡ ተጠዊኻ ኢኻ እትተርፍ። ሽዑ ኣለቅሑኒ፡ ኣጽንሑኒ፡ ስተሩኒ፡ ኣላምኑኒ፡ ይመጽእ። ገለ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኪነብሩ ኪብሉ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ዝኣተዉ ኸኣ ቅለቱኒ ንምባል ኣይእግሞምን። ገለ ኣደታት ግን ነዚ ቍጠባዊ ሰብ-ሰርሖን ተፈጥሮኣውን ሓደጋ’ዚ ኣርሒቐን ብምዕዛብ፡ ዕቁብ ይኣትዋ ነበራ። ኣዝየን ዚሰግኣ ምስ ዚኾና ግን፡ ክሳዕ ወርቂ ገዚእካ ከም መሓለውታ ምቕማጥ ከም እንኮ ፍታሕ ይወስዳኦ ነበራ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ኣብ ባንካ ኪቕመጥ ዚግባእ ገንዘብ፡ ኣብ ክሳዳውተን የንጠልጥላኦ ነይረን ማለት እዩ። ኣብ ልዕል’ዚ ግን ገሊአን ድማ ስፈ ሰፍየን ሰናቲም የጠራቕማ፡ ገለ ሽሮ ጥሒነን ይሸጣ፡ ገለ እናዞራ ይቝንና፡ ገለ ከም ተወሳኺ ኣታዊ ስዋ ይሸጣ ነበራ። ሽዑ ሰብኡት ብዙሕ ኣመል ኣይነበሮምን። ካብ ስዋ ዚሓልፍ ኣይነበረን። ገለ ብስዋ ዘይዓገቡ ድማ ኣረቂ ይጭልጡ ነበሩ። (ኩባያ ኣረቂ፡ ምስታያ ድንቂ፡ ምኽፋላ ጭንቂ ይብሃል ነይሩ)። ቀስ እናበለ ግን፡ ህዝብና ሓሻሽ እናኾነ መጺኡ። እቲ ምሕሻሽ፡ ምናልባት ሕቡእ ባህሪ ኾይኑ ንኺግንፍል መዓልቱ ይጽበ ነይሩ ከይከውን። ማለት ትም ኢሉ ካብ ሰማይ ዱብ ዝበለ ባህርይ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ኣፍሪቃውያን ናይ መነባብሮ ኣጉል ፍልስፍና ወይ ኣመለኻኽታ እተሰረተ ይመስል። ንሱ ድማ ብሰለሰት ገጻቱ ክንርእዮ ንኽእል፥

ሀ. ጽባሕ እንታይ ከም እትወልድ ኣይፈልጥን እየ’ሞ ሕጂ ዘይውነስ

ለ. ገንዘብ እንተ ዘረኻዮ እዩ ዚመጽእ፡ እንተ ዓቘርካዮ ድማ ይጠፍእ

ሐ. ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ዓድቦ ኣይርኣዮ

ኣብዛ ዓለም ክንነብር ከሎና፡ ክንፍጽሞ ዘሎና ነገራት ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ንስድራቤትና ኣደልዲልና ዘድሊ ንዋታውን መንፈሳውን ሓድጊ ክንገድፈሎምን ንዙርያና ክንልውጥን፡ ንህዝብናን ንሃገርናን ክንጠቅም ንመጻኢ ወለዶ ድማ ኣብነት ክንከውንን እዩ። ጽባሕ ዓለም ክትግልበጥ እያ ብዚብል ኣመለኻኽታ ክንሰትን ክንስዕስዕን ገንዘብና ክንዘሩን ክንዓብድን ምስ እንውዕል ወይ እንሓድር ግን፡ ንጽባሒቱ እታ ዓለም ንሳ፡ እቲ ስራሕ ንሱ፡ እቲ ስድራቤት ንሱ፡ ማለት ኩሉ ኣብ በቦታኡ ኾይኑ ይጸንሓናሞ፡ ዕጥቅና ኣዝሊቕና ብምጽናሕና፡ ንምብዳሁን ንምምካቱን ይጽግመና። መዓልታት ከም ኣሞራታት ኣዋርሕ ከም ኣናብር፡ ዓመታት ድማ ከም ኣናብስ ኮይኖም ይምክቱልና። ገሌና ኢድና ብምሃብ ናብቲ ስኽራንናን ከንቱ ህይውትናን ንምለስ። ገለና ድማ ንመንግስትን ንዓለምን ንኣምላኽን ከነማርር ምሉእ ህይወትና ነሕልፎ። ገንዘብ እንተ ዘረኻዮ እዩ ዚመጽእ ንዚብሉኸ እንታይ ንበሎም? ነቲ ገንዘብ ከም እኽሊ ገይሮም ድዮም ወሲዶምዎ? እኽሊ ንኺበቝለልካ ኣብ መሬት ትዘርዎ እሞ፡ ማይን ጸሓይን ረኺቡ ይበቍል። ገንዘብ ግን፡ ምናልባት ምስ ዘረኻዮ ከም ኣውሊ ቀልጢፎም ዚሃፉ ኣዕሩኽ የፍርየልካ ይኸውን። እዚ ድማ ኣብ ሰለሎን ኣብ ዕዳን ዒንዲዳን ንኸእትወካ ኣይድንጕን።

ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ዓደቦ ኣይርኣዮ ዚብል ምስላና ንብዙሓት ባድላ ለቢሶም ኣብ ፈቐዶ ባራት ዊስኪ ከም ዚጭልጡን ደቆም ድማ ጥራይ እግሮም ኣብ መገዲ ኸም ዚጻወቱን ገይሩን ይገብርን ኣሎ። ከምኡ’ውን ንኣደታት ኣእዳወን ብወርቂ ሸፊኑ ደቀን ግን ኣብ መገዲ ማስቲካ ከም ዚሸጣ ገይሩን ይገብርን ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለኹ ኣብቲ ጥቓ ገዛይ ሓንቲ ኩሉ ግዜ ደው እትብል መርሰደስ ማኪና ነይራ። ኣብቲ ቦታ’ቲ ብዘይካ ብእርጋን ዝቐነነ ገዛውትን ገለ ኣጓዱን ካልእ ኣይትርእይን። እሞ እዛ መርሰደስ ደኣ ናይ መን ኮን ትኸውን?

“ናይ ኣቶ ጣሰው እያ” ዚብል መልሲ ረኺበ። ኣቶ ጣሰው ይትረፍ ነታ ዝንተየላ መርሰደስ ዚኸውን ጋራጅ ኪህሉዎስ፡ ርእሱ ዘጋድመላ ጥዕይቲ ዓራት’ውን ኣይነበረቶን። ኣብ ዘምሰየ ኣምስዩ፡ ካብታ ‘ዝባኑ ዓደቦ ዘይተርእየሉ’ መርሰደስ ወሪዱ፡ ኣብቲ ‘ንኸብዱ ሓምሊ ዚመልኣሉ’ ኣጕዶኡ እዩ ዚኣቱ። ኣብ ባህልና ምስ እንዕዘብ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ንኺረአን ‘ከምዚ እባዩ፡ ከምቲ እባዩ’ ንኺበሃል እዩ ኣብዛ ዓለም ኪነብር ዚደሊ። ብሓጺሩ፡ መብዛሕትኡ ህዝብና ንኻልእ ሰብ ከእምንን ከመስክርን ኢሉ እዩ ብህይወት ዚነብር። ካብ ኩሉ ዘገርም ግን ዘይሰኣንና ክነስና ከም ስኡናት ኴንና ንወጻኢ ሃገር ክንከይድ ከሎና፡ እቶም ንገሌና ዚናብዩና ህዝቢ ከመይ ኢሎም ኣብቲ ደረጃ’ቲ ከም ዚበጽሑ ንምፍላጥ ኮፍ ኢልና ሓሲብና ንፈልጥዶ? ህይወቶም በዚ ዚጐድኣና ዘሎ ንገንዘብ ዚምልከት ኣጉል ባህሊ ዚምራሕ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ካብቲ ሃብቶም ክንካፈል ናብ ዓዳቶም ምኸድናዶ? ፈረንጂ ኣዝዮም ቈጠብትን ብመደብ ዚኸዱን ህዝቢ እዮም። ገንዘብ ምውህላል ኣብ ደሞም ኣትዩ ዚሰርሕ ግሩም ባህሊ እዩ። ንገንዘብን ንግዜን ከም ኣምላኽ እዮም ዘምልኽዎ። ኣብቲ ወድሰብ ሃረር ዚብሎ ቍጠባዊ ደረጃ ከኣ ኣብጺሑዎም። ንሕና ግን (ብዘይካ ገለ ለባማት) ኣብኡ ኬድና’ውን ኣይንመሃርን። ኣብኡ ኴንና እንቝጥብን ገንዘብ እነዋህልልን ኣዚና ውሑዳት ኢና። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ቈርማዳት ክንከውን ማለተይ ኣይኮነን። ከም ኤርትራውያን ገይሩ ንስድራቤቱ ዚሕግዝ ስደተኛ የልቦን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ግን ኣብቲ ምሕጋዝ’ውን ልቦና የድሊ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ወጻኢ እንቕመጥ፡ ነቶም ነኣሽቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚሃንጾም ደኣ እምበር ዘበላሹዎምን ዘሐንቅቖምን ትህኪት ዚዕድመሎምን ገንዘብ ወይ ጥሪት ክንሰድድ ኣይግባእን። እቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ መርዓን ደርዓን ኣብ ካልእ መሰረት ዘይብሉን ናይ ሸብዳዕዳዕ ጽምብላትን ዚጠፍእ ዘሎ ገንዘብ ግን ደሓር መዓልቲ ጸብጻቡ ከቕርብ እዩ። ዝረሃጽካሉ ገንዘብ’ዶ ከምዚ ጌርካ ተጥፈኦ ኢኻ? ወይስ እቲ ዚጠፍእ ዘሎ ገንዘብ ከይተጻዕሮ እተኣከበ ኢዩ? ገንዘብ፡ ኣብ ሰብኣውን ማሕበራውን ሃገራውን ህንጸትን ምዕባለን ምስ ዚውዕል ከም ጽድቂ ኪቝጸር ይከኣል። ገለ ሰብ ግን ገንዘበይ ናተይ ስለ ዝኾነ ድላየይ ክገብሮ እኽእል እየ ዚብል ኣሎ። ከምዚ ምባል ዕሽነት እዩ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንገንዘብ ወይ ንጥሪት መንፈሳዊ ባህርይ ስለ ዘልብሶ ብገለ መገድስ ናትካ ከም ዘይኮነ፡ ማለት ኣምላኽ ብጥበቡ ዝለገሰልካ ምዃኑ፡ ይእምተልካ እዩ። ስለዚ ገንዘብካ ከተባኽን ወይ ሸብዳዕዳ ክትብለሉ ከለኻ፡ ኣምላኽ ከም ዘይሕጐሰልካ ክትዝክርን ብኣኡ ኣቢልካ ኸኣ ክትጥንቀቕን ምፍታን ኣዚዩ ኣገዳሲ ጕዳይ ኢዩ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣነን ሓወይን
Next Article ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?