Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»በረራ ኣብ ጸልማት

በረራ ኣብ ጸልማት

0
By Mekonnen T. on August 7, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ፡ ሲሞን ኮሊንግስ

ተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ

ናይ በረራ ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ተራእየ፡: ኣብ ምስፋር ዝርከቡ ሒደት ገያሾ ኣቝሑቶም ክጥርንፉ ሸበድበድ ኣብዝሑ፡: ኣብ ጐነይ ሓንቲ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት ዕድመ እትርከብ ሰበይቲ ኣላ:፡ እዛ ሰበይቲ፡ ከለልዮ እኳ እንተዘይከኣልኩ፡ ብክቡር ዝግዛእ ጨና ተለኽያ’ላ፡: ንዓኣ ከዛርብ ደለኹ፡ ግን መዓስ? ሓደ ኣብ መስኰት ዝተገተረን እንታይነቱ ዘይተፈልጠን ሰብኣይ እንከሎ ክውከሳ ኣይደለኹን፡: ኣብ ማእከል ተቐመጠት፡ ኣነ፡ ብምራነይ ክእሰር እናተዳለኹ ከለኹ ከለኹ፡: ነቲ ናተይ ብጌጋ ኣልዒላ ተጠቒማትሉ ከም ዘላ ኣስተብሃልኩ፡ በዚ፡ ናብኣ ገጸይ ጠመትኩ፡ ንሳ’ውን ናባይ፡ ሽዑ፡ ክልተና በቲ ኣጋጣሚ ሰሓቕና፡ ‘ኣብ ባንግሎር እንታይ ትገብሪ ነይርኪ?’ ነቲ ስቓታ ሰበርኩዎ፡ ‘ቤት ጽሕፈተይ ኣብኡ’ዩ፡ ኣብኡ ሰረት ኣሎኒ፡’ ኣደማምጻኣ ጓል ሰሜን ኣሜሪካ ኣምሰላ፡: ኣሰር ኣደማምጻ ነበርቲ ርሑቕ ምብራቕ ድማ ኣይረኸብኩላን፡: ኣብ ሓደ ክዳውንቲ ዘፍሪ ህብረ ብሄራዊ ኵባንያ ተቘጺራ ከም እትዓዪ ሓበረትኒ፡: በዛ በረራ ናብ ታይላንድ ገጻ ትገይሽ ከም ዘላ ገለጸትለይ፡: ኣብኡ፡ ክትበጽሖም እትደሊ ክልተ ፋብሪካታት ኣለዋ፡: ኣገደስቲ ምስ እትብሎም ሰባት ድማ ክትራኸብ’ያ፡: ንእግረ መንገዳ ድማ ንፒ.ኤ.ች.አ ዝኸውን ድርሳን ኣብ ላፕቶፓ ንምድላው ድልውቲ ኣላ፡: ኣብ ጸጋማይ ኢዳ ኣብ ዝርከብ ሳልሳይ ጽብዒ ብሩራዊ ቀለቤት ተሰኲዓ ከም ዘላ ረኣኹ፡: እናተዛረበት ነቲ ወረቐት መተሓላለፊኣ ኣብ ቦርሳኣ ኣእተወቶ፡: ካናዳዊ ዜግነት ከም ዘለዋ ድማ ኣስተብሃልኩ፡: ብግደኣ፡ እንታይ ከም ዝዓዪ ንምፍላጥ ተወከሰትኒ፡: ነገርኩዋ፡ ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ዕዮኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትህበኒ ሓተትኩዋ፡: ነገረትኒ፡ ኣብቲ ህሞትቲ ነፋሪት ናብ በሪኽ ስፍራ ኣንሳፈፈት፡: ኣብ ጋቢና ጸጥታ ሰፈነ፡: ብርሃን ከም ዝጐደሎ ድማ ጸልመተ፡: ድምጺ መቈጻጸሪ ኣየርን ገለ ሕሹዅሹኽን ግን ተሰምዐ፡: ናብ ሲንጋፖር ንምጕዓዝ ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ፡: ነቲ ጕዕዞ ብድቃስ ከሕልፎን ከየሕልፎን ምውሳን ግን ፈጺመ ኣይከኣልኩን፡: ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ ኣኺሉ’ዩ፡: እቲ ብጥቓ መስኰት ተቐሚጡ ዘሎ ተሳፋሪ ንኣዒንቱ ከዊሉ፡: መተርኣስ ኣብ ክሳዱ ኣንቢሩ ከም ዘዕረፈ ተመልከትኩ፡: ኣብ ዝተቐመጠሉ መንበር ጠሊቑ፡: ንርእሱ ናብ ሓደ ወገን ኣዘዝዩ ደቂሱ ነበረ፡: ኮበርታኡ ክሳዕ ደረቱ ንዘሎ ሰብነቱ ሸፊኑዎ፡: እታ ሰበይቲ ምልክት ድቃስ ኣየርኣየትን፡: ገሪሙኒ ኣበይ ከም ዝዓበየት ሓተትኩዋ፡: ኣቦኣ ሓኪም ከም ዝዀነ ነገረትኒ፡: ቅድሚ ምውላዳ ናብ ካናዳ ከም ዝኸዱ ድማ ገለጸትለይ፡: ንሳቶም፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሞንትርያል ተቐሚጦም ንሳ’ውን ኣብኡ ጸኒሓ፡: ንዝበዝሐ ግዜኣ ግን ኣብ ሳስካቸዋን’ያ ኣሕሊፋቶ፡:

‘ጽቡቕ ስፍራ’ዩ፡’ በለት፡ ‘ኣብኡ ብዙህ ነገር ኣሎ፡ ከምቲ ዝሕሰብ ምውት ኣይኰነን፡ ንኵነታት ኣየር ብዝምልከት ግን፡ እንሓንሳብ ሙቐት ካብ ባዶ ንታሕቲ ክሳዕ ስድሳ ከም ዝዕቀን ሓበረትኒ፡:

‘ብርግጽ፡ ሰላሳ ትሕቲ ባዶ ተዓቂኑ ከም ዝነበረ ኣነ’ውን ኣስተብሂለ’የ፡ እቲ ዝነፈሰ ንፋስ ግን ስድሳ ትሕቲ ባዶ ኣምሲሉዎ፡ ኣብቲ ህሞት’ቲ ሰራሕተኛታት ተቈጻጸርቲ ኵነታት ኣየር፡ ‘ናይ ወዲ ሰብ ሰብነት ኣብ ውሽጢ 1.4 ካልኢት ክድስክል’ዩ እናበሉ ከም ዘመሓላለፉ እዝክር’የ፡’

‘ከምኡ ዓይነት ቍሪ ኣጓኒፉኒ ኣይፈልጥን’ዩ፡’ በልኩ፡:

‘ብመሰረቱ፡ እቲ ቍሪ ስሙ’ዩ እምበር ዝጓዳእ ኣይኰነን፡ ጸሓይ ዝወደቖ ዛሕሊዶ ጠፊኡካ፡ ርግጽ ቈርበት ሰብ ጸላዕላዕ ምባሉ ኣይተርፎን’ዩ፡ ግን፡ ኣብ ደገ ብምውጻእ ካብ ምጽዋት ዝዓግት ዕንቅፋት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ፡’ ‘ስምዓኒ! እናቘረርካ ከለኻ፡ ዘይስምዓካ ግዜ’ውን ኣሎ እኮ’ዩ፡: ናብ ገዛኻ ክትምለስ ከለኻ ግን ገጽካ ብቝሪ ይግጨብ፡: ኣእዳውካ ይቕንዘዋ፡: እዞም ኣብ ንፍቐ ዓለም ዝንቀሳቐሱ ዳህሰስቲ፡ ጽብዒ እግሮም ዝስእኑ በዚ ምኽንያት ከይኰነ ኣይተርፍን፡: ከም ዝተቐዝሑ ኣየስተብህሉን’ዮም፡’ ‘ልክዕ ኣለኺ መስለኒ፡’ ኣብ መንጎ ስቕ በልና፡: እንታይ ለቂበ ነቲ ዕላል ከም ዘበግሶ ድማ ጠፍኣኒ፡: ‘ኣብ ህንዲ ዝቕመጥ ግን፡ ኣንጻር ናይዚ ንብሎ ዘለና ክስተት’ዩ ዘጓንፎ፡’ ‘ባንግሎር ምችእቲ’ያ፡’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ይዅን እምበር ዝናብ የድላያ’ዩ፡ ክትፈልጥ፡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ኣብ ደቡብ ህንዲ ደርቂ ኣሎ፡ ‘እወ፡ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት ነፍሰ ቅትለት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ’ዩ፡’ ‘እህ፡ እቲ ኵነት ንገለ ሰባት ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ፡’ ወግዕና ብኸምዚ ዓይነት መገዲ እናቐጸለ ኸሎ፡ እቲ መብራህቲ ኣጭለምለመ፡ ምራን መቓምጦታት ተፈትሓ፡: መቘለፊአን’ውን ኣሕጨልጨለ፡ ገለ ተጓዓዝቲ ካብን ናብን መሕጸቢ ክፍሊ ተንቀሳቐሱ፡: ኣሳሳይቲ ኸኣ ኣብ ጓንቴራ ሽጐማነተታት ኣንቢረን ቀረባ፡: ኣነ ብጥሉልን ልቡጥን መሃረብ ንገጸይን ክሳደይን ሓቢሰ ርስሓት እታ መዓልቲ ኣጽረኹ፡:

እታ ሰበይቲ ብዛዕባ ስራሐይ ሓቲታትኒ መብርሂ ሃብኩዋ፡: ምስ ገለ ክፋል ታሪኽ ህይወተይ’ውን ኣላለኹዋ፡: ምርዑው ከም ዝዀንኩ ግን ከይነገርኩዋ ተረፍኩ፡: በዓል ሓዳር ክንሰይ ምስ ካልእ ሰበይቲ፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል እራኸብ ከም ዘለኹ’ውን ኣይገለጽኩላን፡: ምስጢር ክሕሉ ወይ ድማ ከታልላ ስለ ዝሓሰብኩ ኣይኰንኩን፡: ብዛዕባኡ ከም ዝዝረብ ስለ ዘይፈልጥ ጥራይ’የ፡: ብመሰረቱ ምስ ካልእ ሰበይቲ ክራኸብ ምስ ጀመርኩ፡ ክፋታሕ’የ ኢለ ሓሰብኩ፡: ሓዳር ምብታን ግን ቀሊል ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን፡: እንተበቲነ ምቍር ህይወት ዝሓልፈኒ ኰይኑ ተሰምዓኒ፡: ነዛ ሰበይቲ ኵሉ ክነግራዶ እናበልኩ ግን ወስወስኩ፡: ክውስን ብዘይምኽኣለይ ድማ ተረበሽኩ፡: ነዚ እናሓሰብኩ ከለኹ ድራር ተቐረበ፡: ሰዓት ሓደ ኰይኑ ኣሎ፡: ዝዀነ ሰብ ናይ ምብላዕ ሸውሃት ኣየርኣየን፡: ሽታ ዝተኸሸነ ምግቢ ምስ ጨና እታ ነፋሪት፡ ሰብን ጸምሪን ተሓዋወሰ፡: ኣነ ብርጭቆ ነቢት ኣዘዝኩ፡: መኻይደይ ድማ ቃሕታኣ ኣዚዛ ጓንቴራ ምሉእ መግቢን ብርጭቆ ነቢትን ተቐረበላ፡: ጸብሒ ደርሆ  ዘለዎ መትሓዚ እናኸፈተት እንከላ ድማ፡ ስራሕ እንክፈትሕ እንታይ ከም ዝገብር ሓተተትኒ፡: ሳክስፎን ዝተባሀለ ጥሩምባ እነፍሕን ጃዝ ዝተባህለ ከበሮ እሃርምን በልኩዋ፡: እዚ ግን ግዜ እንክህልወኒ ከም ዝዀነ ኣብራህኩላ፡: በቲ ኣጋጣሚ ተደነቐት፡ ብወገና ብፕያኖን ጃዝን ከም እትዘናጋዕን ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ተፈልያቶም ከም ዘላ ገለጸትለይ፡: ብኡንብኡ ኣስማት እንፈትዎም ሙዚቀኛታት ኣልዒልና ተመያየጥና፡. ‘ብቐዳማይ ክጻወት ፈቲነ’ በለት ንሳ፡ ‘ግን ገዲፈዮ ብምጽናሐይ ተጸጊመ፡ ክግደፍ የብሉን፡’ ኣተሓሳሰበት፡ ‘ኣነ’ውን ሓሓሊፈ እላመድ እየ፡’ ሓበርኩዋ፡ ምብላዕ ጀመረት፡ ተመጊባ ክሳዕ ትውድእ ስቕ በልኩ፡ ኣብ ቅድሜና ኣንስትዮ ነበራ፡: ንሳተን ፈዝራዓት እየን፡: እታ ኣብ ማእከል ዝተቐመጠት ናብ ክፍሊ መሕጸቢ ገጻ ከደት፡: እተን ዝተረፋ ዝተመጠነ ምንቅስቓስ ኣካየዳ፡ ሓንቲ ካብአን ክልተ ኣብ ረርእሲ ዝተነባበራ ጓንቴራታት ሒዛ ነበረት፡: መሓዛኣ ካብቲ ስፍራ ምስ ተንቀሳቐሰት፡ ንሳ ንጓንቴራኣ ሒዛ ኣብኡ ጸንሐት፡: ጥብቆን ውሽጢ ስረን ወድያ ነበረት፡: ኰፍ ኢላ ጸኒሓ ክትትስእ እትኽእል’ውን ኣይመሰለትንን፡:

ኣብቲ ህሞት’ቲ ሓንቲ ሰራሕተኛ ነፋሪት ናባይ ገጻ መጸት፡: ሓደ ብርጭቆ ነቢት ክትውስኸኒ ሓተትኩዋ፡ ‘መዓስ ኢኻ ናብ ህንዲ ትመጽእ?’ ሓተትኒ፡ ‘እንድዒ፡ ምናልባት ግን ንዓመታስ እመጽእ እኸውን እየ፡’ ‘ንነዊሕ ግዜ ክትመጽእ ኣለካ፡ ርግጽ፡ ብዙሕ ዝረአ ኸኣ ኣሎ፡ ኣብ መድሃራ ኣቢልካ ተዛዊርካዶ ትፈልጥ?’ ‘ኣይተዛወርኩን፡ ግን ክዛወር ድልየት ኣለኒ፡’ ‘ናይ ሱልጣን ቲፖ ግንቢ ኣብኡ ኣሎ፡’ ‘እቲ ዘማሪ ነብሪ ኣለዎ ዝበሃል ድዩቲ?” ‘እወ ንሱ፡’ ‘ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ከም ዘሎ ሓደ እዋን ኣብ ቤተ መዘክር ለንደን ርእየ’የ፡ ’ ‘ንዕኡ፡ ካብ ባንግሎር ተበጊስካ ንኽልተ ሰዓት ዝኣክል ናብ ደቡብ ምስ ተጓዓዝካ ኢኻ ትረኽቦ፡’ ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ መጻሕፍቲ ህንዲ ክትሕብረኒ ተወከስኩዋ፡ ስም ደረስቲ ነገረትኒ፡ ንገሊኦም ፈለጥኩዎም፡ ገሊኦም ግን በዅሪ እዝነይ ኰኑኒ፡: ብዛዕባ እቶም ዝፈልጦም ኣዕለልና፡ ሓባራዊ መረዳእታ’ውን መስረትና፡: ሓድሕድ እናተናበብናን ተቐራረብና፡ ‘ብዙሕ ልብወለድ ዲኻ ተንብብ?’ ሓተተትኒ፡ ‘ሒደት’የ ዘንብብ፡ ነቶም ዝበጽሖም ከተማታት ክፈልጦም እደሊ እየ፡ ዛንታ ምንባብ ሓደን ጽቡቕን መፍለጢ መገዲ’ዩ፡ ዛንታታት ምስ ሰብን ከባቢን የላልዩኻ እዮም፡ ‘ዘዛውረካ ዓርኪ ኸኣ ከድልየካ’ዩ፡ ’ ሓሳብ ኣቕረበት፡ ብጥዑም ድምጻ ሃዳእኩ፡ ኣብቲ ህሞት’ቲ እቲ መብራህቲ መሊሱ ደበነ፡ ዝበዝሕ ሰብ ድማ ተታኸሰ፡ ነቢትን ለይቲን ተሓጋጊዞም ኣህድኡኒ፡ እቲ ዕላልና ሕልማዊ መልክዕ ሓዘ፡ ዝበዝሑ ሰባት ደቀሱ፡ እቲ ጥቓ መስኰት ዘሎ ሰብኣይ ድማ ኣፉ ከፊቱ ሓርነኸ፡ ‘ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ናብ እንግሊዝ ክመጽእ’የ፡: ኣብኡ ድርሳነይ ከቕርብ’የ፡ ኣብዘን ዝቕጽላ ሳምንታት ንዕኡ ዘድሊ ዕዮ ዘበለ ክውድእ’የ፡ ኣብ ለንደን ቍሩብ ክጸንሕ’የ፡’ ነዚ ብዝሰማዕኩ ክትመጽእ ኣተባባዕኩዋ፡: ድሕሪኡ ናብኣ ገጸይ ተጠውየ ስማ መን ከም ዝበሃል ሓተትኩዋ፡ ‘ኣይሻ፡’ ርእሳ ኣድኒና ተዛረበት፡: ምስጢር ዘውጽአት ኰይኑ’ውን ተሰምዓ፡: ንሳ’ውን ሓተትኒ፡: ናባይ ገጻ ተጸግዐት፡: ኣዒንታ ተዓመተ፡ ርእሳ ናባይ ገጹ ዛዘየ፡: ንተኽለ ሰውነታ በቲ ብርሃን ዝወሓዶ መብራህቲ ተዓዘብኩዎ፡: ነቲ ክቡር ጨናኣ’ውን ኣስተማቐርኩዎ፡: ኣብ ሒደት ስፍራታት ጮራ ብርሃን ተራእየ፡ ገለ ሰባት ድማ መጽሓፍ ከንብቡ ጀመሩ፡ ብዛዕባይን ካልኦትን ሓሰብኩ፡: ንሕና ደቂ ሰባት ፈተውቲ ነብስና ኢና እናበልኩ ኣስተንተንኩ፡: ኣብቲ ህሞት’ቲ ኣይሻ ቀም ኣበለት፡ ኣነ ግን ወይከ፡ ኣእምሮይ፡ ነቲ ኣብ ነብሰይ ዝዓሰለ ባህታ መመሊሱ ነበቦን ኣስተማቐሮን፡: ኣብቲ ህሞት’ቲ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ጻዕዳ መጋረጃ፡ እታ ነፋሪት ክትዓልብ ቀሪባ ከም ዘላ ኣመላኸተ፡: ከም ወትሩ ሰንከልከልን ነቀይ ነቀይን ተኣንገደ፡: ነዊሕ ከም ዝተጐዓዝና ዘመልክት ሕንጻጽ’ውን ተሳእለ፡: ዝተረፈና መንገዲ ብነጠብጣብ ተመልከተ፡: ሽዑ፡ ኵሉ ነገር ቀቀልጢፉ ተቐየረ፡ ኣብቲ መጋረጃ ብቻይንኛ ዝተጻሕፈ ምልክታ ተነብበ፡ ባህታ’ውን ከመቕጽበት በነነ፡:

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን
Next Article እቲ ዘፍቀረኒ ኣራዊት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?