Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት

ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት

0
By Mekonnen T. on August 9, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኣቶ ገብረየሱስ ካሕሳይን ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስን ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ብ1959 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣደራሽ ካህናት እናበልዑን እናሰተዩን ከምዚ ክብሉ ተዋዘዩ፡- መጀምርያ ማሰ ዝበሉ ኣቶ ካሕሳይ ኢዮም፡፡

ወዲ ብላታ ሓጎስ በዓል ገፊሕ ደገ በዓል ገፊሕ ሩባ

ወዲ ግራዝማች ተኪኤ ንጉስ እንዳባ

ኣብዘይ ከዳ ዘይብሉ ኣብ ዘይነጥባ

ኣንታ ዘይትኹኩድልና ኣብቲ ህድሞኡ ብመስነባ

ሰበይቲ ኣላቶ ማርያም ትመስል ምስ ጉልባባ

ስለዝ ሰኣነት ናብዪ ብኽንክን ዝሕብሕባ

ምእንቲ ምስ ቆልዑታ ከይትሳቐ ብስእነት ዓጸባ

ኣብ ወዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትኸይድ ከትመጽእ ናይ ዓመት ቀለባ፡፡

ኣቶ ገብረየሱስ ካሕሳይ ቀይሕ ቁንጹብ’ዮም ኔሮም። ነዚ ኣመልኪቶም ከኣ ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስ ከምዚ ክብሉ መለሱ፡-

ወዲ ካሕሳይ ወዲ ድግና ዝበለጹ

ወዲ ሸውዓተ ከንተብቲ ክዛረቡ ዘይርበጹ

መሓውሩ ዘይነውሕ ካብ መሓውር ምጹ

ከም ሽጉርቲ ንቑልቁል ተሃኒጹ

ኣድጊ ዝጽዕን ዱኳ ረጊጹ።

ኣንታ ወዲ ካሕሳይ ኩሉ ዝፈለጦ

በዓል ማይ ሕማቖ ኩሉ ዝፈልጦ

ሞባእ ሂቡ ሸይጣን ተሻየጦ

ዕስራ ዘንስቱ ከም ወጠጦ፡፡

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስን ኣቶ ሞሳ ክፍላይን ተሸማጢጦም ኔሮም፡፡ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዓመታዊ በዓል መድሃኒ ኣለም ኣኹሩር ኢዩ። እቲ ቦታ ከኣ ኣብ ኣብ ኣደራሽ ህድሞ ኣቶ ገብረማርያም እማን ነበረ፡፡ ማሰ ንምጅማር ሜስ እናተሰትየ ኣረቂ ጎርዳዕ እናበሉ እንከለው’ዮም ኣቶ ሞሳ ክፍላይ ንኣቶ ገብረመድህን “ንበልዶ” ዝበልዎም፡፡ ኣቶ ገብረመድህን ከኣ ንስኻ ንበል ካብ በልካስ ንስኻ ጀምር በሉዎም፡፡ በዚ ከኣ ኣቶ ሞሳ ክፍላይ ከምዚ ክብሉ ጀምሩ፡-

ወዲ ተስፋንኪኤል ኢኻ ሃብቱ ኣብ ጸንዓደግለ ዝፈሰሰ

ወዲ ብላታ ሓጎስ ኢኻ ሃብቱ ኣብ ምድሪ ቤት ዝፈሰሰ

ደድሕሪ ካህናት ከይዱ ዝፈስፈሰ

ካብ መሳትኡ ንድሕሪት ዝተመልሰ

ባሕሪ ደጉዓ እንተሓረሰ፡ እንተ ኣደፍረሰ

ምህርቱ’ኳ ዘይኣኽላ ክልተ ምሰ፡፡

ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስ ከኣ ከምዚ ብምባል መለሱ፡-

ኣንታ ወዲ ክፍላይ ኢኻ ዝያዳ

ወዲ ጉላይ ኢኻ ዝያዳ

ሓረሮ ትመስል ለበዳ

ትንባኾ ዝቐለብካ ከም ይሁዳ

ሒዶት ዝእቶትካ እንቃዓ ዛንገዳ

ሳላ ጸንዓደግለ ተኺድንካ ጻዕዳ።

እዘን ቀዳመይትን ራብዓይቲን ማሰ ኣብ መጽሓፈይ መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቐዳሞት ዝሰፈራ ኽኾና እንከለዋ፡ እታ 2ይትን 3ይትን ግን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ወዲ ማሰኛ ኣቶ ገብረመድህን ሓጎስ ማለት ኢሳያስ ገብረመድህን ዝለኣኸለይ ኢየን። ኣቶ ኢሳያስ ብዘይካ’ዚ፡ እዚ ዝስዕብ ማሰ’ውን ልኢኹለይ ኢዩ’ሞ ኣቐዲመ ብስም ኣነበብቲ ከመስግኖ ይፈቱ፡፡

* * *

ኣቶ ሃይለ ኣስገደ ማሰኛ በዓል ኣውህነ ኣብ ዓዶም እንከለው ኣደም ሳልሕ ዝበሃል ተጋዳላይ ናብ ገዝኦም ይመጽእ ምስኦም ይዝትን በሊዑ ሰትዩ ከኣ ይኸይድን ነበረ፡፡ ሓደ መዓልቲ ከም ቀደሙ ኣብ ገዝኦም ኣምስዩ በሊዑ ሰትዩ ቅድሚ ምኻዱ ከምዚ ኢሎም ማሰ በልሉ፡

ኣደም ሳልሕ ሃለኽለኻ

ኣብ ጸልማት ዝነብር ኣብ በረኻ

ሂል ክትብል ማርያም ተሰንኻ

ሰብኣይ ሰብኡት ከም ኣቦኻ

እትነብር ስሒልካ ጉራዴኻ

ንወለዲ ኣይትበድል ዝወደይ ሓደራኻ።

ጸንዓደግለ ይኸይድ ይብሎም ኣብልዑኒ

ንዓረት ንዝባንቡር ይመጽእ እናበለ ሃቡኒ

ኣታ ኣነ’ውን ከምኡ ገቢረ ክበልዕ ደስ ይብለኒ

እዛ ምስጢር እንዶ ግዳ ንገረኒ

እንተዘየሎ ንስኻ ብጠበንጃ ኣነ ብእምኒ

ክንዛበጥ ኢና፡ ኣብ እትመጻሉ ድራረይ ክተሕድገኒ

ኣቦኻ እየ ጽን በለኒ

ወላድኻ እየ ኣይትንዓቐኒ

እንካ ተቐበላ እዛ ንእሽቶ ምኽሪ ዘላትኒ።

እዚ ጎቦ ትርእዮ ዘለኻ

እዚ መንገዲ እትረግጾ ዘለኻ

ኣፍ ኣለዎ ብድሕሬኻ

ኣታ ኣደም ሳልሕ ወደይ ንስኻ

ከም ቀደም ከይመስለካ እንዳቦኻ

ኩሉ ከንፈሩ ተቐዲዱ’ዩ ዋላ እዚ ዘሎ ምስኻ ።

ኣደም ሳልሕ በቲ ማሰ ኣስተንቲኑን ሓዚኑን ከደ

ማሰኛ ባሻይ ሃይለ ኣስገደ (ምንጪ ስእሊ መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቐዳሞት)

ካልእ ግዜ ከኣ ኣብ ጎደቦ ዓዲ ቐብሪ ስለዝነበረ ኣብቲ ቀብሪ ከምዚ ኢሎም ኣልቀሱ፡

መንእሰይ ወደይ ክብሪ

ካብ ብንግሆኡ እትጽየቕ ጸብሪ

ጎተናኻ እንዶ ግዳ ኣይትስንትሪ

ኣቲ ግዜ ሎምስ ኮይንኪ መሰነይታ ነውሪ

ኣረ መገዱ ኮይንኪ ንዓማጺ መሰጋጋሪ

ኣቋራጭ ኮይንኪ ንቖልዓ ብዝኽትምና ክትከትሪ

ከተማ እንተኸድካ መግረፍቲ ብቐትሪ

ኣብ ዓድና ከኣ ብጸልማት ብበትሪ

ደልሃመት ተኸዲና እዛ ናይ ኣቦና ምድሪ።

ከይንዛረብ ብኹሉ ተለጉምና

ከይነ እዊ ዝሰምዕ ስኢና

መሃየትና ጠፊኡ ብኸትሪ ተዘኒብና፡፡

መልሓሰይ ብዙሕ ኣይትለፍልፊ

ጎቦ ጎቦ ዝኸይድ ኣሎ ጸድፊ ጸድፊ

ከይሰምዓኪ ተመን ኢዩ ተናዳፊ።

ኣቶ ሃይለ ኣስገደ ኩሉ እቲ ዝበልዎ ብተጋደልቲ ናይ ጀብሃ ተስምዐ፡፡ ከምቲ ልሙድ ድማ ብለይቲ መጽዮም “ብጸልማት ኣጎልቢብኩም ብጸድፍን ተመንን ገሊጽኩምና ከተብቅዑ ምስ ጸላኢ ሓደ ጌርኩምና፡ ኣብ ምንታይ ክፍእኩም ከም ዝወዓልና ከተረድኡና ኢና መጺና ዘለና” በልዎም። ንስም ከኣ ከም ኣደም ሳልሕ ሸልል ዝብልዎም መሲሉውም ደፊሮም መለሱሎም፡፡ ሽዑ እቶም ተጋደልቲ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ብበትሪ ከትኪቶም ሓደ ዓይኖም ኣስኣኑዎም፡፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ባሻይ ሃይለ ዓዲ ገዲፎም ኣብ ኣስመራ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ተቐሚጦም ናብ ዓዲ ተመልሱ እሞ ከምዚ ኢሎም ከኣ ኣውሎ በሉ፡-

ብዘይ ፈጸምናዮ ተወንጂልና

ብብሕቲ ብጽሞና

መጽፋዕትን በትርን ኮይኑ ምግብና

እዞም ተጋደልቲ ደቅና

ሓለይቲ ንነጻነትና

ግዱሳት ከምዚኦምሲ ነይረኣና

ቀትሪ ኣብ በዓትና

ለይቲ ኣብ ገዛና

ኮይኖም ብሕቡእ ኣጥፊኦሞ ኣዒንትና

ብበርደግ በርደግ ከየማስኑና

ጸሎትን ንግበር ናብ ፈጣሪና

ብኽእለቱ ቀይዱ ክኣሰረልና

ብምሕረቱ ሰላም ከውርደልና

ንጸልማት ዝኽዳኑ ከም ይሁዳ ከጥፋኣልና

ንለምን ንእግዚኣብሄር ንፈጣሪና፡፡

ባሻይ ሃይለ ኣስገደ ነዚ ምስ በሉ ናብ እንዳ ሽንቲ ዝኸዱ መሲሎም ምሉቕ ኢሎም’ዮም ናብ ኣስመራ ኮይዶም፡፡ ኣብኡ ከኣ ንዝተወሰነ ዓመታት ተቐሚጦም ነበሩ፡፡

የቐንየለይ !

ምንጪ ጽሑፍ

1. መጽሓፍ ማሰን መልቀስን እዝኒ መሰታ ቐዳሞት (ብመኮነን ተስፋይ፡ ጸሓፊ እዚ ጽሑፍ)

2. ጽሑፋት ኣቶ ኢሳያስ ገብረመድህን ሓጎስ (ስዊዘርላንድ)

3. ቃለ መጠይቕ ምስ መላቓሳይ ኣቶ ጠዓመ ደስታ ሃይሉ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእቲ ዘፍቀረኒ ኣራዊት
Next Article መርድእ ብሜላ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?