Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ግጥሚ እቶም ገጠምቲ

ግጥሚ እቶም ገጠምቲ

0
By Mekonnen T. on July 8, 2014 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

እናተነበዩ ዝዘንቡ

ብዘይ ነጎዳ በርቆም ዝሰዱ

ምስቲ ህቦብላ መሬት ሓመድ እምኒ

ምስ ዝተዋጃበረ ማእዝን

ዝተጻፍዐ ህልወት

እናሳነዩ ዝህልው፡ እናስተንተኑ ዝዕዘቡ

እናዘንበዩ ላዕሊ ላዕሊ

ሰሓቖም ይውድ ኡ’ሞ

ትንፋሶም መንፈስ ይዛሪ!

ንሓድሕዶም ይላዘቡ

ሕንጻጽ ኣብ ዘይብሉ፡ ኣሕዋት ይራኸቡ

ድምጺ ዘይብሎም ብዘይካ መንኮርኮር

ብዘይ ሴፍ ዝቖርጹ ብዘይ ደበላ ጓይላ

እንሆ’ኳ ይረኣዩኒ ንሶም ዝቖረጽዎም ኣራእስ

ርእሲ ዘይብሎም ደሞም ካብ ክሳዶም ዘይፈስስ

ኣለዉ ርእሶም ናብ ከርሶም ተጎምብዩ

ገሊኦም ብፈርሲ ዳንገኦም

ገሊ ኦም ብከስዐኦም ዝሓስቡ . . . .

እቶም ግጥሚ ገጠምቲ ዋዕላ ጌሮም ለ’ን ቅነ

ኣድበንቢኖም ሰማይ ጸሊሙ

ከቢዶም ዓጠጥታ ኣስሚዖም

ክዘንቡ’ዮም ግዲ ማይ ኮይኖም

እንተ ራሕሲ ከምጽኡ

እንተ ንቑጽ ክብንቁሱ

ንመጽእ ኣለና ይብሉ’ለው

እቶም ግጥምታት ገጠምቲ

ደቂ ሎሚ ምስ ደቂ ጥንቲ

ብሓንቲ ደበና ዘነብቲ

ንፋሶም ይነፍስ ኣሎ፡ መገዶም ተጸሪጉ

መሬት ሓሬት ሓሬት-ደበንኦም ኣጽለግሊጉ

ክደምቕ’ዩ ግዲ እዚ ንግሆ

ግጥሚ ዘኒቡ ጸራሪጉ ከውግሖ

ገሊ ኦም ፈሪሆም እንሆ የንቀጥቅጡ

ንግለ ኣካሎም ኪኖ ሓጹር የቐምጡ

ግጥምታት እንተዘኒቦም ግን

ሓጹር ኣይፈልጡ

ኪኖ ሓጹር ኣይፈልጡ

ንዝተኾደዑ ይኹኑ ንዝተቐመጡ

ንኹሉ’ዮም ዝግሕጡ

ብማዮም ሓጺቦም፡ ንጽህቲ ዓለም ክፈጥሩ

ንግስነት ኣይደልዩን’ዮም ንግስነት ውልቂ ክፈጥሩ

እንሀለው ይቕልቀሉ “መጺኻለይዶ ክጽበየካ”

ሹሻይ ሽውሽውታ

ድምጺ ሻሕሻሕታ።

መለስ ንጉሰ

ሕዳር 2002

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደሓን ኩኑ
Next Article ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?