Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»ገጠምትና –

ገጠምትና –

0
By Mekonnen T. on June 26, 2014 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ገጠምትና – ስለዘይተጋገኻ ጽቡቕ ሰሪሕካ ማለት ኣይኮነን

ኣማኑኤል በርሀ

ገጣማይ ከም ሰቡ ክልተ ኣዒንቲ’የን ዘለውኦ። ፍሉይነቱ ግን ኣብ ህዋን ትሕቲ መሬትን ኮይኑ ክጥምት ምኽኣሉ’ዩ። ነቲ ኩልና ኩሉ ግዜ እንርእዮ ነገር፡ ርእይናዮ ብዘይንፈልጥ ማእዝኑ ከርእየና ይኽእል – ናይ ሓቂ ገጣማይ እንተኾይኑ። ነታ ወትሩ ኮፍ እንብለላ ድኳንና ወይሳሎንና፡ ብትሕቲ ኣኣትዩ ኣስተብሂልናሉ ዘይንፈልጥ ምስላ የንጸባርቐልና ጥራይ ዘይኮነ፣ኣብ ልባ ኣእምሮኣ ኣትዩ’ውን፡ ኮፍ ክንብላ ከለና እንታይ ከም ዝስመዓ ከዕልለና’ለዎ። ምናልባት’ውን፡ ኣብሓደ ኩርናዕ ናይ ናሕሲ ወይቦሎፎን ተቐሚጡ፡ ንዓናን ነታኮፍ መበሊትናን ውህደትና ድዩ ፍልልይና ክገልጽ ይኽእል።ነታ ወግሐ ጸብሐ እንርእያ ኣረጊት ሳሎንና፡ “ሎም ስኣሪጋ፡ዕድመ ነዊሕዋ”ኢሉን ተገለጸልና እንታይ ፋይዳ’ለዎ? ምእራጋ ንዓኣ እንታይ ይስመዓ ወይ’ውን ብመንጽር’ቶም ዘአንገደቶም ኣጋይሻ ኣቢሉ ዘሕደረትሉ ዝኽሪ ወይ ጦብላሕታ ንካልእ ፍልይ ዝበለ ዛዕባንዩ ከዋግዓና ዝግባእ። ብሓፈሻኡ፡ እቲ ኩልና ዘይንኽእሎ ኣበሃህላ ዝኽእል’ዩ ገጣማይ። ናዕታ ኣይኮነን መዐቀኒ ግጥምን ዘይግጥምን።ገጣማይ ንምዃን ቅጥዕታት ግጥሚ ምሽምዳድ ግድን ኣይኮነን።እንታይ ትብልን ብኸመይ ትብሎን ንምትግባር፡ተውህቦን ጻዕርን ከሰጉመካ ይኽእል’ዩ። ኣብርእሲ’ዚ ንቕጥዕታት ግጥሚ ክትፈልጥ እንተኽኢልካ ድማ መሓረ!ቀመማትን ባእታታትን ግጥሚ ግን፡ንኽትጥቀመሎም ደኣ ኢኻ ክትጽዕ ርዘለካ’ማበር፡ ንኸይተፍርሶም ኣይኮንካን ክትጥንቀቕ ዘለካ። ዘፍረስካዮ ናይ ግጥሚ ባእታ ስለዘየለ ብሉጽ ግጥሚ ገጢምካ ማለት ኣይኮነን። ሓንቲ ተራ ዘረባ እትመስል፡ ፍኹስ ዝበለትግጥሚ’ውን እኳ፡ ዋላ ሓንቲ ናይ ግጥሚ ባእታ ከየፍረስካ ክትጽሕፋ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሕቶ ግን፡ ክንደይ ቅጥዕታት ጥሒስካ ዘይኮነ፡ ክንደይ ቀመማት ተጠቒምካ’ዩ። ኣከሻሽና ግጥሚ ብመንጽር ኣከሻሽና ጸብሒ ምስ እንርእዮ፡ጨውን በርበረን ጥራይ ተጠቒምካ ዝሰራሕካያ ጸብሒ ክትበልዓ ትኽእል ኢኻ። ጨው ስለ ዘየብዛሕካላ ወይ በርበረ ስለ ዘይነጋሕካያ ግን ምቅርቲ ጸብሒ’ያ ማለት ኣይኮነን። ብዘለዋ ዓቐን ትሕዝቶ እተን ዝግበኣኣ ጨውን በርበረን ብዝግባእ ስለ ዝዓቀንካየን ብዓይኒ ከሸንቲ ዘንቅፈካ ከይከውን ይኽእል’ዩ። ስለምንታይ ዘይቲ፡ ሽጉርቲ፡ ኮሚደረ.. . ኣይተጠቐምካን ግን ዘአምን መልሲ ክህልወካ ኣለዎ። ንግጥምታትና በዚ መንጽር ምስ እንጥምተን፡ ካብ’ተን ቀመማት ክጥቀማ ፈቲነን’ሞ ዓቐኑ ዘይፈለጥኦ፡ እተን ፈጺመን ጨና ቀመም ዘይብለን ይበዝሓ። እተን ዓቐኑ ዘይፈለጥኦ ግን ይበልጻ-ጽባሕ ይፈልጥኦ። እቲ ምንታይሲ፡ምስተጠቐምካሉ ኢኻ ካብ ክኢላታት ከሸንቲ ርእይቶ ትረኽበሉ’ምበር፡ብመሰረቱ እንተዘየለ የለን’ዩ።ኣዝየን ብዙሓት ግጥምታትና፡ካብ’ቲ ዕለታዊ እነዘውትሮ ፍልይ ዝበለ ጥበብ ዘለዎ ኣበሃህላታት ይጎድለን’ዩ። ብዙሓት ድማ ብዘይካ ናዕታውያን ምዃነን ግጥሚ ግጥሚ ዝሽትት ቀመማት ኣይትሽትተለንን። ቀመማተን ድማ፡ ማይ ጨው ፈትፊትካ ስለ ዝበላዕካዮ ጥራይ ጸብሒ’ዩ ከም ምባል ይኾነካ። ካልእ ዕብራን ገጠምትና፡ ዝበሃል ከምዝተሳእነ ኣብ ሓደ ዛዕባ ሽንኮለል ምባል’ዩ። ኣብ ክንዲ በብኩርናዕካ ትርኢ፡ ካልኦት ኣብ ከውሕን ቋቚራን ኣትዮም ንዝረኸቡል ካጠመተ፡ ኣብ ለሰ ደቂስካ ቃላት ቀይርካ ጥራይ ምድጋሙ ይርአ’ዩ። ኣበሃህላታት ክትደጋግምሲ ይትረፍ፡ንሓንቲ ነገር’ውን በብናትካ ኩርናዕ ኢኻ ክትርእያ ዝግባእ። እንተዘየለግን፡“ወቓሕ ኢልክኒ” ይብል በረኸት፣ “ወቓሕ ኢልካኒ’ ትደግም ፌቨን፣“ወቓሕ ኢልክኒ” ይስልስ ቈርጫጭ። እሞ ድማ እቲ ኣበሃህላ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሕመረት ሓሳባት’ውን ኣዝዩ ተመሳሳሊ። እንተኽኢልናስ’ባ በብናትና ኩርናዕ ጠሚትና ነናትና ኣበሃህላ ከኣ ከነምጽእ ምተገብአ። ካልእ ኣብ’ዘን ቀረባ ኣዋርሕ ከምፋሽን መሲላ ዘላ ሜላ፡ ናይ ጎደና ቃላት (low diction) ምጥቃም’ዩ። ናይ ጎደና ቃላት ወይ ድማ ኣብ ዕቱብ ጉዳያት ዘይ ነዘውትሮም ቃላት፡ ኣብ ውሱናት ክሊ ዕድመ (ብፍላይ ኣብመንእሰያት)ኣተኲርካ ኣብ ዝጸሓፉ ግጥምታት ክዝውተሩ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ብርግጽ’ውን ኣዝዮም ኣድማዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ከም መትከል ኣብኦም ኣተኲሮም ዝሰርሑ ንፉዓት ገጠምቲ’ውን ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ናይ ሂፕ ሆፕ ደርፍታት ከኣ ብብዝሒ ንረኽቦም። ኩልኻ ከም ፋሽን ኣብኡ ጥራይ ገጽካ ምውሓዝ ግን፡ እቲ ኣገባብ ኣመራርጻ መለሳ ስለዝሰኣኖ ኣሰልካዪ ይኸውን’ዩ። “ኩላ ምላ ነብሲ ነገር፣ ሃኒ ዘይትብልኒ፣ ናይ ሕማመይ፣ ትጉሽተተይ፣ ገለ ዓይነትገለ፣ ሸርሻሪቶ” ዝብል መግለጺታት፡ንተሰማዕነት ናይ’ተን ደርፍታት ሓጋዚ ኔሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ገጣማይ፡ብዘለዎ መግለጺ ናይ ምፍጣር ናጽነትን ሓይልን’ውን ከም’ዚኣቶም ዓይነት ቃላት ምጥቃም ኣበሳ የብሉን። ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ቃላት ጸቒጡ ዝሰርሕ ሓደ ገጣማይ እንተ ተቐልቀለ’ውን ጌጋ ኣይኮነን። ዝተፈላለዩ ገጠምቲ ከም ፋሽን ናብ ከምዚአን ዓይነት ቃላት ከተኩሩ ግን ተመራጺ ኣይኮነን። ናብ ዕሙቕ ዝበለ ዛዕባ ገጽካ ምጥማት ከኣ ኣገዳሲ’ዩ።ናብ ከምዚ ዓይነት ኣመራርጻ ቃላት ምድሃብ ዝፈጠሮ’ዩ እውን ዝኸውን፡ ኣብ’ዘን ቀረባ ኣዋርሕ ብዙሓት ፍኹስ ዝበለ ትሕዝቶ ዘለወን ደርፍታት ክቀላቐላ ንሰምዕ ዘለና። ዋላ’ኳ ናይ ደርፊ ግጥሚ ፍኹስ እንተበለ ዘይጽላእ እንተኾነ፡ ናብ ቀንጠ መንጢ ዛዕባ ገጹ ከይስዕረካ ምጥንቃቕ ግን ጽቡቕ’ዩ።

ምንጪ ሓዳስ ኤርትራ 13 መስከረም 2012

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቅልዕቲ መቓብር
Next Article ብእግረይ ክጽሕፍ’የ
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?