Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

0
By Mekonnen T. on October 4, 2020 Home, ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ
ድምጻዊ – ሓንቲ ግጥሚ እባ ግበረለይ፡ ከም’ዘን ንበዓል እከለ ዝገበርካሎም ጽቡቕ ግጥምታት. . .
ሓዳሚ – ብዛዕባ ምንታይ ክገጥመልካ ኢኻ ደሊኻ ዘለኻ? ሓሳብ ሒዝካ ዲኻ ወይስ ኣብ ሓሳባት እውን ናጽነት ክትህበኒ ኢኻ?
ድምጻዊ – እእእእእእእ. . . ክስታይ. . . ሓንቲ ዝሓሰብኩዋ ኣላትኒ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ማራ ዘፍቅራ ጓል፡ ካብኡ ምስ ተፈለየት ዝዀኖ ምሽ ኣለካ. . . ዝስመዖ ገለታት. . . እታ ዜማ ድማ ከም’ዚ ናይ ምስትምሳልን ምስቁርቋርን ስለ ዝዀነትሲ. . .
ሓዳሚ – ንዜማኻ ዝመስል ሓሳባት ወይ ፍጻመ ብምምራጽካ ጽቡቕ ነገር እዩ። ስለ’ዚ ‘ክገጥመልካ እየ’ እንተ ዘይበልኩ’ኳ ‘ክፍትነልካ እየ’ ክብለካ እኽእል እየ።
ድምጻዊ – ንዓኻ ደኣ እዛ ሓንቲ ግጥሚ እንታይ ግዜ ክትወስደልካ! ብቕልጡፍ ደልየያ ስለ ዘለኹስ እንተ ነውሐ ጽባሕ ክትውደኣለይ ኣለካ።
ሓዳሚ – ኣነ እውን ቀልጢፈ ክውደኣልካ ምፈተኹ። ግናስ ግጥሚ ባዕሉ ኣለኹ እንተ ዘይኢሉካ ብቖጸራ ዝመጽእ መዓስ ኰይኑ!
ድምጻዊ – ኣንታ እንታይ ኢኹም እዞም ጸሓፍቲ “ሙድ”ዶ ገለዶ እንተ ዘይኢልኩም ዘይብራሃኩም! ወድኣለይ ጥራይ እምበር ብዛዕባ ዋጋ ጸገም የለን። ብዝበልካኒ ዋጋ ‘ካሽ’ ክኸፍለካ እየ።
ሓዳሚ – ከም ፈለኛሞ ዲኻ ከም ሳርቶ ገይርካ ዝወሰድካኒ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ኣብኡ ከይድካ ኢኻ ‘ክንድ’ዚ ክኸፍለካ እየ’ሞ ጽባሕ ወድኣለይ’ ክትብል ትኽእል እምበር፡ ኣብ ግጥሚ ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን። “ሙድ” ዝበሃል ነገር ከም ዘሎ እናፈለጥካ።
ድምጻዊ – ደሓን ናይ “ሙድ” ወዲ “ሙድ” እሞ ግደፎ፡ መበገሲ ምእንቲ ክዀነካ፡ ቅድም እዛ ፈቲነያ ዘለኹ ረኣያ፡ ኣተዓራሪኻን መላሊእካን ከም ዝዀነ ግበረለይ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝሃብካዮም ግጥምታት ባህ ስለ ዝብሉኒን ዝና ስለ ዘለካን እየ ናባኻ መጺአ እምበር ክንገብረልካ ዝበሉኒ ብዙሓት እዮም።
ሰበይ ብድሕረኺ ብጽምዋ ተበሊዐ
ነብሰይ ረሲዐ፡ ብፍቕሪ ተገዲዐ
ኣብ መንጎ ሰባት ከለኹ
በይነይ ኰይነ ኣለኹ
ዘዛርቦ ስኢነ ጸገማይ ዘካፍሎ
ንዒባ ብተሎ
ኣፈርክቡ ከይተባህለ ከሎ. . .
ገጸይ ተደዊኑ . . .
ሓዳሚ – . . . “ተኸዲነ ጸሎሎ” ባዕለይ ክምላኣልካ።
ዋእ!!! ከመይ ገይርካ ደኣ ፈሊጥካያ፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢኻያ ነይርካ ዲኻ?
ሓዳሚ – ኣሃሃሃሃሃሃ – ጅምር ምስ ኣበሉ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ባዕሉ መሊኡ ክውድኦም ዝኽእል ግጥምታት ብዙሓት ከም ዝዀኑ ኣይትፈልጥን ዲኻ። እዛ ናትካ ግጥሚ ከኣ፡ ኣብ ከምኡ ዝበሉ ዓይነት ግጥምታት ትምደብ ይመስለኒ።
ድምጻዊ – እዚኣ’ኮ ባዕለይ ዝጸሓፍኩዋ ግጥሚ እያ። እቲ ሓሳባት ናተይ እዩ! ወላ’ኳ ብዙሕ ናይ ግጥሚ ክእለት ዘይብለይ እንተ ዀንኩ መበገሲ ክዀነካ ይኽእል እዩ።
ሓዳሚ – እዛ ግጥሚ ኢልካያ ዘለኻ፡ ናትካ ስለ ዝዀነት ኣብ ጁባኻ ኣክባ። ዝሓተትካኒ ግጥሚ ብዓቕመይ ምጽሓፍ ቅድሚ ምጅማረይ ግን ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ። እቲ ኣፍቃሪ ካብ ኣፍቃሪቱ ተፈልዩ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሰባት ከሎ፡ ምስ ሰባት ከም ዘይዛረብ ገይርካዮ ኣለኻ። ምኽንያቱ ሓሳብን ዝኽርን ናይ’ታ ጎይታ ልቡ “ቢዚ” ገይሩዎ። ሓሳባት ከገማጥል፡ ሃረር ክብል. . . ድቃስ ስኢኑ ኣሎ።
ኣሳሕቓኣ ብዓይነ ሕልናኡ እናቐረጸ ምስኣ ክስሕቕ፡ “ንሳኸ ከመይ ኰን ትህሉ – ኣበይ ኰን ትህሉ” እናበለ ናይ ሓሳብ ቦታታትን ክስተታትን ክስእል፡ ኣብ’ቲ ብሓባር ሰናይ እዋን ዘሕለፉሉ ቦታታት እናኸደ ምስኣ ክዛወር፡ ምስ ካልኦት ክርእያ ከሎ ዝስመዖ ዝነበረ ቅንእን ጓሂን እናዘከረ ናቱ ክገብራ ብምኽኣሉ ብስብእነቱ ክሕበን፡ ዳግማይ ምስ ተራኸቡ ከመይ ገይሩ ከም ዝቕበላን፡ ከመይ ኰይና ከም እትጸንሖን. . . ክሓስብ ኣእምሮኡ ዕረፍቲ የብሉን። ኣእምሮ ከም ዝጽምዎን ስራሕ ከም ዝበዝሖን ዘይትርዳእ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ “ብድሕረኺ ብጽምዋ ተበሊዐ፡ ዘዛርቦ ስኢነ. . .” ካብ ምባል፡ ብድሕረኺ ዕረፍቲ ስኢነ፡ ዝጋማድሑ፡ ዝትንተኑ፡ ባህታ ዝፈጥሩን ዘጉህዩን ሓሳባት ከሳሲ “ቢዚ” እየ ዘለኹ። ንዕላል ዝኸውን ግዜ ስኢነ እንተ በላኸ እንታይ ኣለዎ? ቃሕ እንተ ኢሉካ እውን ኣብስትራክት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ኮ።
ድማጻዊ – ከላእ እዚ ደኣ ዘይከውን! ኣፍቃሪትካ ስኢንካ ደኣ ጽምዋ ይስመዓካ እምበር ከመይ ገይርካ ኢኻ. . .
ሓዳሚ “ከም’ዚ እንተበልካኸ?
. . .ንነብር ኣለና፡ ኣነን ዓለመይን
ኣእዛነይ ካልእ፡ ክሰምዓ ኣይደልያን
ኣዒንተይ ብዘይካኺ ኣይርእያን
ንስኺ እንተ ዘይሃለኺ፡ ወላ ሓንቲ የለን።
ዕላል የለን፡ ጽምዋ የለን
ድምጺ የለን፡ ስቕታ የለን
ምንባር ጥራይ፡ ናብራ ከም ሻሙ
ኣይሕጎስ ኣይቃዝን፡ ኣይሞትኩ ኣይተፈጠርኩ. . .”
ድምጻዊ – እንታይ እዩ’ታ እዚ? ዋዛ ገዲፍካ ጥዑይ ግጥሚ እንዶ ግበረልና። ከም’ዚ ደኣ ባዕለይ ምጸሓፍኩ‘ንዶ!
ሓዳሚ – እዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ሓሳባት፡ ወላ ሓንቲ ፍሉይ ወይ ሓድሽ ነገር የብሉን። ክንደይ ደረፍቲን ገጠምቲን “ናፊቐኪ፡ ጽምዋ ተበሊዐ፡ ብዘይብኣኺ ሂወት የብለይን፡ ንስኺ ምስ ከድኪ መሬት ጸልሚቱኒ፡ ተመለሲ ኣይትጨክኒ” እናበሉ ሰብ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎ ኣዚሞም እዮም።ፈለማ ሓድሽ ሓሳባት ክህልወካ ዝበለጸ እዩ።
ድምጻዊ – እዞም ገጠምቲ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሕልሚ ኢኹም ትነብሩ። ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ሓድሽ ነገር ካበይ ክፈጥረልካ ትደሊ ኣለኻ! እቲ ፍቕሪ – ፍቕሪ እዩ። ካልእ ትርጉም የብሉን። እቲ ምፍልላይ ድማ ምፍልላይ።
ሓዳሚ – ሓድሽ ሓሳባት ማለት’ኮ፡ ዘይተባህለ እምበር ዘይተፈጥረ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዝተባህለ በየናይ ኩርናዕ ትጥምቶ ምፍላጥ ድማ ሓድሽ ሓሳባት ምፍጣር ማለት እዩ። “ኩርናዕ ጠመተ” ዝበሃል ነገር ትፈልጥዶ?
እዛ ግጥሚ’ስከ ከንብበልካ’ሞ ከመይ ከም ትርእያ ክትነግረኒ፦
. . .ጥቓይ ሰፈርኪ፡ መንከ ትበሃሊ
ኣብ ድርኩዂት ልበይ ቅልቅል ምልስ ትብሊ
ግደፊ ግደፊ ኣይተሻቐልኒ፡
ሃረር እናበልኪ ኣይትኾላልፍኒ. . .
ድምጻዊ – እዚኣ ደኣ ደሓን እያ፡ ወሳሲኽካስ ቤላ ምዀነት
ሓዳሚ – ጥቓይ ዝሰፈርኪ መንከ ትበሃሊ
ኣብ ድርኩዂት ልበይ ቅልቅል ምልስ ትብሊ
ሸቐልቀል ደኣ ኣብልኒ መመሊስኪ
ፍቕሪ ወስኸለይ እናኾላለፍኪ
ምቁር ሃረርታ ፈትያቶ’ላ ነብሰይ
ኳሕኲሕኪ ህደሚ፡ ሃውኺዮ ልበይ. . .
እዚኣኸ?
ድምጻዊ – እንታይ ትብል ከም ዘለኻ’ኳ ተወጃቢሩኒ ሕጂስ! ቃንዛን ሸቐልቀልን ዝደሊ ሰብ ኣሎ ድዩ? ንዘፍቀርካያስ ‘ምሳይ ኩኒ፡ እንታይ ገበርኩኺ ሸቐልቀል ተብልኒ፡ ደንግጽለይ” ኢኻ ትብላ እምበር “ኣሻቕልኒ፡ ኣሳቕይኒ” እናበልካ ትልምና።
ሓዳሚ – ግጥሚ ካብ ካልእ ዘረባ ፍሉይ ዝገብሮ ደኣ ንሱ እንድዩ። ኣበሃህላኡ ምስ ካልእ ተራ ዘረባ ዝመሳሰል ኣይኰነን። ስግንጢርነት፡ መልክዕ ግጥሚ እዩ። መለሳ ከኣ ኣለዎ። ወዲ-ሰብ ሓሓዲሹ እዩ ልቡ ዝሰልቦ። ከም መዓልካን ሓደርካን ዝለመዶን ዘጽነዖን ዘረባ ኣምጺእካ እንተ ዘየሰልከኻዮ ይሓይሽ።
ድምጻዊ – የቐንየለይ ዝሓወይ፡ ንስኻ ጥዕና ከም ዝሰኣንካ እርእየካ ኣለኹ። ንባዕልኻ ሃውቲትካ ከተሀውትተኒ ኢኻ ደሊኻ መስለኒ። ጀሚረያ ስለ ዘለኹስ፡ ከም’ታ ድልየተይ ገይረ ጥዋዕ-ጥዋዕ ከብላ እየ ባዕለይ። ቻው ንስኻን ፍልስፍናኻን ጻዕዳ ይጽናሕኩም።
ሓዳሚ – ሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃ
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ ደላዪ ናጽትን ፍትሕን
Next Article ሃገረሰብ ዓደይ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?