Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣስመራ፡

ኣስመራ፡

1
By Mekonnen T. on June 12, 2014 Home, ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣስመራ፡ እታ ዘይተዛዘመት ግጥሚ

ብርሃነ ገብረሂወት
“ከመይ ኣላ እዛ ኩሉ ዘፍቅራ
ወትሩ ምሳይ ኣብዓይነይ ተሳኢላ
ከም ሓወልቲ ኣብ ሓንጎለይ ተተኺላ
ኣስመራና እዛ ሓላይት ስድራ …..”
ከም መእተዊ ብኸፊል ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ፍቕሪን ናፍቖትን ኣስመራ ዝግለጸሉ ዝነበረ ሰውራዊ ደርፊ’ዩ። ኣብ እዋኑ መበራበሪ ኰይኑ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ተጻዊቱ። ኣስመራ፡ ብስእሊ ኣብ ኣዒንቲ ተጋደልቲ ከም እትመላለስን ኣብ ኣእምሮኦም ከም ሓወልቲ ንኽትቀውምን ኣኽኢሉ። ኣጋንኖ ኣብ ስነ-ጥበብ ዝህልዎ ግደ ከም ዘየማትእ ዝምስክር ደርፊ’ዩ። ወላ ኣብቶም ፈጺሞም ዘይፈልጥዋ፡ ብዘይካ ህድሞ መረባዕ ርእዮም ዘይፈልጡ፡ ኣስመራ ኣብ ውነኦም ንኽትሰርጽ ደሪኹ። ሓያልን ደፋእን ድርኺት።
“ኣስመራየ ኣስመራ ትሰምዒ ዶለኺ
ሎሚ ካብ ማዕዶ ጽባሕ ምሳኺ….ኣስመራ…..”
ብምባል፡ ኣብቲ ጎቦታት ኰይኖም ህንጡይነቶም ክገልጹላ ተሰሚዖም። ማዕረ ህንጡይነቶም ህንጡይነታ ሰማይ ይዓርግ ምንባሩ ንምግማት ኣየሸግርን። እንተዘይናፍቕዋ ሂወት ከፊሎም ክኣትዉዋኣይምመረጹን። እንተ ዘይትናፍቖም፡ ክኣትዉ እንከለዉ ኣይምሓቈፈቶምን። ናጽነት ኰይኑ ምስ ተታሕዘት ከኣ ተጋደልቲ ኣብ ናሕሲ ህንጻታታ ደይቦም፡
“ፍሽኽኢላኣስመራ
መርሃዊረኺባ ……”
ክብሉ ተራእዮምን ተሰሚዖምን። ብርግጽ ዋናታታ ብምርካባ ኣስመራ ክትስሕቕ’ያ ተራእያ። ሽዑ መን ዘይሰሓቐ! ካብ መስዋእቲ ዝተረፈ ይኹን ዝሰንከለ ተጋዳላይ፡ ኣስመራ ብምርኣዩ ተሓጒሱን ስሒቑን። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነትብምርካቡ ስሒቑ። ኩሉ ሰሓቕ ሓርነት ኣስተማቒሩ። ኣስመራ፡ ካብ ሓቀኛ ባህርያዊ ስምዒት ዝመንጨወ ባህሪያዊ ሰሓቕ ኣእንጊዳ። ኣብ ግንቦት 1991 ምዃኑ’ዩ።ብዛዕባ ኣስመራ ዝተደርፉ ደርፍታት ክቃልሑ እንከለዉ ካብ ትሕዝቶኦም ርሒቕካ ሓሳባት ከተሰላስል ዘገድዱ እዮም። ባህግን ክውንነትን ንምንጽጻር ይሕግዙ። ገለ ንስለ ስምዒት፡ ገለ ጽባቐኣ ክገልጹ፡ ገለ ሰናይ ክምነዩላ፡ ገለ ድማ ከምዚ ኣብ መእተዊ ዘሎ፡ ምስ ተፈለይዋ ንዘለዎም ናፍቖት ከጉልሑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተፈላለዩ ድምጻውያን ዘይሞምላን ደሪፎምላን። እዞም ደርፊታት ግን ነስመራ ይበቕዕዋ ዶ ይዀኑ? ከበራብርዋ ዲዮም ከደቅስዋ እዮም ዝድረፉ? ካብ ስምዒት ምሕድግ ኢልካ ምስትምቓሮም የድሊ።
“ሰጒማ ከይዳ እያየ
መንከርክባ
ከም ስማ ኣስመራ ዕንባባ”
እንክድረፈላ፡ ኣሰር ዝኸደቶ ክትፍትሽ ሃሰው ካብ ምባል ኣየዕርፈካን። ኣስመራ ንድሕሪት ዲዩ ንቕድሚት ጒዕዞኣ? ወይስ ኣብ ዘላቶ እያ እተኹድድ? ዕብየታ ካበይ ናበይ’ዩ? ብርግጽከ ትዓቢ ዲያ ዘላ? ክትፈልጥ ትህወኽ። ነዚ ደርፊ’ዚ ኣበየናይ መቓን ግዜ ብምዃን ከተስተማቕሮ ከም ዘለካ ክትፈልጥ ትደሊ። ንድሕሪት ተመሊስካ፡ እዞም ብደዎም ዘለዉ ህንጻታታ ኣብ ዝህነጹሉ ዝነበሩ እዋን ክትሰምዖ እንከለኻ ትርጒም ትረኽበሉ። ምስጓምን ምዕንባብን ኣስመራ ኣብኡ ኢኻ እትረኽቦ። ካብኡ ሓሊፉ መተዓሻሸዊ’ዩ ዝኸውን። ጒዕዞ ኣስመራ ዘርኢ ንጥፈታት ኣይትረክብን። ሕድስ ዝበለ ነገር ትስእን። በቃ እቲ ዝነበረ እዩ ዘሎ። ንሱ ውን እናተሸራረፈ!ዛጊት ንሸውዓተ ስርዓታት ናይ ኣርባዕተ ሃገራት ኣእንጊዳ ኣላ። ክልተ ኢጣልያውያን ስርዓታት ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን፡ ሓደ ስርዓት እንግሊዝ ኣብ ግዜ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግዜ ፈደረሽን፡ ክልተ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምዃኖም’ዩ።ይኹን’ምበር፡ ጒዕዞ ዘመናውነት ከተማ ኣስመራ ኣብ መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ ኣብ መግዛእቲ ጣልያን’ዩ ኣኽቲሙ ክበሃል ይከኣል። ህንጸታ (ብፍላይ’ኳ ቅዲ ስነ-ህንጻ ኣርት ዴኮ) ድሕሪኡ ኣይቀጸለን። ድሒሩ ዝሰዓበ ምዕናዋን ምዝማት ፋብሪካታታን ጥራይ’ዩ። ካብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ጀሚሮም፡ ብጣልያን ንሰደድን ንዕዳጋታት ውሽጢ ሃገርን ክምግቡ ዝተተኽሉ ፋብሪካታት ተተማሕዮም ተሸይጦምን ግዒዞምን። ናብዚ ዘላቶ ደረጃ ድማ በጺሓ። ዝርካቦም ካብ መግዛእቲ ዝተረፉ ከኣ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ዝደስከሉ’ዮም። ሎሚ ኣብ ስራሕ ካብ ዝውዕል ዘወን ክብል ውዒሉ ገዛ ዝኣቱ ይበዝሕ። ኣብ ፋብሪካታትስ ይትረፍ፡ ኣብ መደበር ምስ ውሕልነቶም ከም ልቦም ዘይሰርሑ፡ ሰኣን ጥረ ነገር ዝጎናደቡ ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ። ኮፍ ንኸይብሉ፡ ዝተጓሕፉ ሓጻውን ካብ ስካሪኮ ኣራርዮም ክሰናንዑ ዝቃለሱ ኢዶም ንዘይምሃብ ጥራይ’ዮም። ንሱ ውን እንተ ተረኺቡ’ዩ!ወላ’ኳ ብምሉእ ሓይሉ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ኣስመራ ስራሕ ዘይፈትሐ ፋብሪካ እንተሎ፡ ፋብሪካ ቢራ ኣስመራ ጥራይ’ዩ። ጠዋሉ ናይቶም ንሱ ዝምግቦም ኣብያተ መስተ ውን ነዚ’ዮም ዝምስክሩ። ብመልክዕ ኣልኮል ወይ ቢራ ኩሉ ግዜ ምስ በሓቶም’ዩ። ከም መርኣያ ትንሳኤን ብልጽግናን ዘቕርብዎ ብዙሓት’ዮም። መጋረጃ ናይቲ ዘሎ ሽግር ምዃኑ ዝዛረቡሉ ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። እቲ ሓቂ፡ እዚ ድሒሩ ዝተገልጸ ከይኰነ ኣይተርፍን።“ኣስመራሽኮር
ኣስመራቤላ
ኣስመራመንክወዳደራ” ተባሂሉ ተደሪፉላ’ዩ።
“ኣስመራየ ኣስመራ
ኣስመራየ ኣስመራ
ኩለን ተኣኪበን
ክንዳኺ ዘይኣኽላ ….” ውን ተዘዪሙላ።ነዚ ዜማ’ዚ እንክትሰምዕ፡ ብኸመይን ምስ መንን ከም እተወዳድራ’ዩ ዝሕርብተካ። ብሕማቑ ይኹን ብጽቡቑ ብርግጽ መወዳድርቲ የብላን። ኣስመራ ኣስመራ’ያ፡ ሮማ ድማ ሮማ። ዘራኽብ የብለንን። ዘመሳስለን ክልቲአን ከተማታት ምዃነን’ዩ። ሃነጽተን ኢጣልያውያን ምዃኖም ከኣ’ባ። ኣስመራ ጻዕዳ፡ ኣስመራ ሽኮር፡ ኣስመራ… ዝብሉ ቅጽላት እንክደጋገሙ የሰልችዉኻ። ህዝባ ዲዩ ጻዕዳ ወይስ ንሳ? ህዝባ ዲዩ ሽኮር ወይስ ኣስመራ? ብልቦናኡ፡ ባህሉ፡ ሰላሙን ምፍቓሩን ህዝባ ዲዩ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወይስ ኣስመራ? ኣበይ’ዩ እቲ ሓይላ? ሓቂ’ዩ፡ ኩሉ ነናቱ ብልጫን ድኻምን ኣይሰኣኖን። ንድኻማቱ ሸፋፊኑ ንብልጫታቱ ከጉልሕ ዝፍትን ግን ከይረኣዮ ዝኸዋውሎ ኢንታ ከም ዘለዎ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ኣስመራ፡ በዘን ብናይ ውሽጥን ናይ ደገን ካሜራታት ዝህደና ህንጻታት ጥራይ ዲያ እትቐውም? እቲ ካልእ ገጽ ኣስመራኸ ኣይረአን ዲዩ? ከተማ ኣስመራ ካብ እትምስረት ሓጺር ዕድመ ኣይገበረትን። ከም ርእሰ ከተማ ኤርትራ ጥራይ 117 ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ። ካብዚ ዕድመ’ዚ 23 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ምዃኑ’ዩ። ነተን ኢድ ባዕዲ ዝሓለፈን ህንጻታታ እያ እትንየተለን። ክትውስኸለን ምርጨኣ ኣይመስልን። ኣብ ወሰናስና ዝተፈተና ድቓላታት ምስ ተጀመራ ኣይተፈጸማን። ኣካላ ንኽትብለን የጸግማ። ምሉእ ትሕተ ቅርጺ ዘይተማላኣለን’የን። ብዘይጥርጥር ቀናእ ከተማ እያ። ዝምስረታ ወይ ዝዓብያ ከተማታት ንጽባቐኣ ዝደፍራ ክኾና ኣይትደልን። ከም ዝነበረቶ ክትነብር’ዩ ሕርያኣ። ሓንሳእ ጥራይ እያ ብፍጮ ህንጻ ንያላ ሆተል ከም ዝተቖጠዐት ንዋናታታ እግሮም ከየንበሩ ነጊራቶም። ኣይሓመቑን ድማ። ብህንጻ ናቕፋ (Nakfa House) ከደዓዕስዋ ተራእዮም። ብፍታዋ ይኹን ብዘይፍታዋ ኣብ ደረታ ኣሳፊሑ ዓለማ ዘይዓለሙ ህንጻ ኣስመራ ፓላስ ውን ወሲኾምላ። ኪኖ ዘይፍጸም መብጸዓታት ካብኡ ኣይቀጸሉን። ንሳ ውን ኪኖኡ ኣይሓተተትን። ዓይኒ ካሜራ ዝጎሰዮም ሻውላታ ኣብ ሕቑፎኣ ከም ዘለዉ ኣየዘኻኸረቶምን። ገዛ ብርሃኑ፡ ገዛ ከንሻ፡ ሓዲሽ ዓዲ፡ ገዛ ታኒካ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ኣባሻውል፡ ዕዳጋ ዓርብን ጎዳይፍን ማዕረ ኮምፒሽታቶ‘ዩ ዕድሚኦም። ገለ ካብዚኣቶም፡ ንቅዲ ኣርት ደኮ ህንጻታት ኮምቲሽታቶን ከባቢኡን ብዕድመ ከም ዝዓብይዎም ኣይከሓድን። ብዕጽፊታት’ኳ ደኣ! ካብ ዝነበርዎ ግን ፍሒት ኣይበሉን። መን ቁሊሕ ምስ በሎም? ገዛእታ ይኹኑ ዋናታታ ነተን ሓድጊ መግዛእቲ ጣልያን ዝዀና ህንጻታት’ዮም ዝምክሑለንን ንኽቅመጡለን ዝቀዳደሙለንን። ውነኦም በዚኣተን ዝተገዝአን ዝተሰልበን ይመስል።መናፈሻ ጨርሒ ንሓፋሽ ክጣበቕ ዝቘመ ህንጻ’ዩ። ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ሻውላት ወኪሉ፡ምስ ህንጻታት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ እናተጠማመተ ኣብ ምጉት ኣውጊሑ’ዩ ዘዕርቦ። ብእምኒ ንዝተጸቓቐጠ መራት ዚንጎ እናረኣየ ይትክዝ። ነተን ቀጠልያ ባንዴራታት እንዳ ስዋ ንበይኑ ስለ ዝርእየን ንበይኑ’ዩ ዝፈልጠን። ኣድህቦ ክግበረለን ይጠርዕ። ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣስመራ እንከለዉ፡ ስዋ’ምበር ቢራ ከም መስተ ክጥዕምዎ ዘይደልዩ ንበይኑ’ዩ ዝፈልጦም። ጸወታ ሸዊት ንእስነት፡ ዕሙር ዕላል ቡን ምስ ቁርሲ ቡን ሸዊት ዕፉን፡ መኣዲ ተማቒልካ ምብላዕ፡ ምትሕቑቛፍን ምንፍፋቕን ኣብ ሕቑፎኡ ከም ዘሎ ይነግር። ሸጓሹግ መገዲታት ግቡእ ቅርጺ ኪሕዙ ይጽውዕ። መስመራት ረሳሕ ማይ ይዘርጋሕ፡ ቈላሕታ ይገበረልና፡ ምስ ዘመናዊ ንድፊ ኣራኽቡና በሃሊ እዩ። ክሳዕ ሎሚ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን። ዝሰምዖ ክሳብ ዝረክብ ጻውዒቱ ዘቋርጾ ኣይመስልን።ዝዓበየ ህያብ ዋናታታ ንከተማ ኣስመራ ኣስማት ጎደናታታ’ዩ። ከተማታትትን ሓውሲ ከተማታትን ኤርትራ ወሲኹ ንኣስማት ታሪኻዊ ቦታታት ድማ የጠቓልል። ብስም ውልቀ ሰባት ዝተሰምዩ ጎደናታት ኣይርከብዎምን። ፍልይ ዝበለ መጸውዒ ዝተዋህቦም ከም ጐደና ብደሆ፡ ጐደና ተጋደልቲ፡ ጐደና ሰማእታት፡ ጐደና ሓርነት፡ ጐደና ዓወት፡ ጐደና ዋርሳይይ፡ ጐደና ኤርትራዊት ኣደ ዝበሃሉ ብፍሉይ ይርከብዎም። ብቁጽሪ ዝተሰምዩ ንኡሳን ጐደናታት ውን ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎኦም ኣለዉ። ኣስመራ፡ ካብ እትምስረት ጐደናታታ እንተ ወሓደ ንሳልሳይ ግዜ መጸውዒ ስም ተቐይሩሎም ኣሎ። ኣስማት ውልቀ ሰባት ክሳብ ዘይሃለዉዎም ብሕጂስ ክንደየናይ ከይቅየሩ! እዞም ዘለዉ ኣስመራ ክሳብ ዘላ ክህልዉ’ዮም። ንዘልኣለም።ኣስመራ ብጥበብ ተሃኒጻ ጥበብ ዘይትፈቱ ከተማ እያ። ሕልምልም ዝብሉ ሲነማታታ ልብኻ እዮም ዝወግኡ። ብዘይካ ሲነማታት ሮማን ኢምፐሮን፡ ካልኦት ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እዮም ብጥበብ ጠቀስ ጉዳያት ዝብጽሑ። ነዚ ውን ዝረኽብዎን ዘይረኽብዎን። ሲነማ ካፒቶል ጥሮታ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ኰይኑ። ዝተረፉ ሲነማታት ካብ ንዝተሰርሑሉ ንካልእ ዕላማ ዘገልግልዎ ይበዝሕ። ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ኤውሮጳ ብምዃን፡ ነበርቲ ኣስመራ፡ ብዛዕባ ጥበብ ገዲፎም ብዛዕባ ኩዕሶ ዝካትዑሎም ኣዳራሻት ካብ ዝቕየሩ ነዊሕ ኰይኑ። ብኣንጻሩ፡ ዝርካቦም ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ቋንቋ ኩዕሶ እግሪ ርሒቕዎም ይረኣዩ። ጐደናታት ኣስመራ ዘላደዩዎም ደናጉ ግን ኣብ ኣህጉራውን ዓለማውን መድረኻት ብቕዓቶም ከመስክሩ ይረኣዩ’ዮም። ኣብ ጉያን ቅድድም ብሽክለታን ምዃኖም’ዩ።ከተማ ኣስመራ፡ ገጽ ንገጽ ዝጠማመታ ሓደ ዝቕርዓተን ኣብያተ ጸሎት መእመናን ክርስትናን ምስልምናን ስለ እትሓቁፍ ወትሩ ምስ ተታዕነነት’ያ። ክልተ ጐረባብቲ ካብ ገዝኦም ተታሓሒዞም ናብዘን ሓደ ዝቕርዓተን ኣብያተ ጸሎት ዘምርሑላ ከተማ’ያ። ሓደ ናብ መስጊዱ ሓደ ውን ናብ ቤተክርስትያኑ ይኣቱ። ጸጸሎቶም ኣብጺሖም ድማ ተጸባብዮም ናብ ቤቶም ይምለሱ። ነዚ ደረጃ እዚ ዘይበጽሐኦ ንከተማ ኣስመራ ይግረማላ ይዀና’የን። ኣብ ሓደ ቅርዓት ምስ ኣብጸሓተን ኣብ ሓደ ህንጻ ክትጥርንፈን ዘይምኽኣላ’ዩ እቲ ዘገርም። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣይደፍኣትሉን። ክትደፍኣሉ ግን ትኸውን።ብዘይካ’ቶም ንሓወልቲ ሽዳ ተኪኦም፡ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ዘቋምቱ (ኣብ ሓለዋ ከም ዘለዉ ዝንገረሎም) ኣርባዕተ ኣግማልን ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ከም መርኣያ ባህላውን ፖለቲካዊን ምሕዝነት ሩስያን ኤርትራን ዝተተኽለ ሓወልቲ ፑሽኪንን ኣብ ኣደባባያ ዝረኣዩ ሓወልትታት የብላን። እዚኣቶም ውን ኣብ ጥቓኦም ኴንካ ዝረኣዩ’ምበር ብጸብለልታ ካብ ርሑቕ ዝገዝኡ መለኽቲ ሓወልትታት ኣይኰኑን። ህንጻታተይ’ዮም ሓወልትታተይ በሃሊት’ያ። ኣብ ቀጽሪ ኣባይቲ ዝተሓብኡ ናእሽቱ ግን ኣይሰኣንዋን’ዮም። ብደገ ንዝርእያ ብስየታታ’ያ ዝያዳ ክትላለዮ እትመርጽ። ሽባኻታታ ውን ሰናፋት ኣይኰንናን በሃልቲ’ዮም። ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ስየታት ብዝግበር ዘሎ ፍሉይ ቆላሕታ ግን ሽባኻታታ ዕድል ዝረኽቡ ኣይመስሉን’ዮም።ኣብ ካልእ ገጻ፡ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ታሪኻ ብፍሉይ ንዩኒቨርሲቲ ተባሂሉ እምነ መሰረት ዝተነብረሉ ህንጻ የብላን። ካብ ምብጋሳ ኣትሒዛ ንትምህርቲ ቀዳምነት ዘይትሰርዕ ከተማ’ያ። ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይፈቅድ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ብዛዕባ ምህናጽ ዩኒቨርሲቲ ከመይ ኣቢሉ ክሓልም? ዝተመሓደረ ሕማም ከይሃለዋ ኣይተርፍን። ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ካልእ መዓላ ዝነበረ ህንጻ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ። ካብ ስድራ ቤታዊ ቤት ትምህርቲ ናብ ኮለጅ፡ ካብ ኮለጅ ድማ ናብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ቀስ ብቐስ ከም እተሰጋገረ ሰነዳቱ ይምስክሩ። ዋናታታ፡‘ዩኒቨርሲቲ ናቕፋ’ ዝበሃል ሓድሽ ተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ክሃንጹላ ምተገበኦም። ኣይሓሰብዎን። ነቲ ዝነበረ’ውን ክዓጽዉዎ እዮም ተራእዮም።
“እዛ ኣስመራ ዝና መተርኣሳ
ምጽዋዕ ብኸብዳ ከረን ብዝባና
ዓሰብ በቲ እግራ ናቕፋ በቲ ርእሳ
ደቃን ደቂደቃን ሒዛተን ደቂሳ!”
እናበለ ዘባጭወላ ኣይወሓደን። ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። ኣስመራ፡ ንትጽቢት ትንሳአ ከተማታት ኤርትራ ሓቚፋቶ’ያ ደቂሳ። ብፍላይ፡ ከተማታት ኤርትራ ዘይረኣየኦ ዝረኣየት ከተማ ናቕፋ ኣብዚ ዘላቶ ክትተርፍ ኣይተጸበየትን። ንዘይከኣል ዝኽእሉ ምስ ተዓዘበት ባህጊ ኣዕቢያ። ኣብ ከርሳ ዝተሃንጹ ትሕተ መሬታዊያን ኣባይቲ ንመጻኢ የወናውንዋ ኔሮም። ብሕቃቕ ኣፍራዛ ኣኻውሕ ክነድሉ ካብ ዝተዓዘበቶም ደቃ ብዙሕ ተጸብያ። ብዘይመጓጅምቲ ደው ንዝበለ ህንጻ ኣፖሎ ሆቴል ጥራይ ሒዛ ደው ክትብል ፈጺማ ኣይሓሰበቶን። ኣብ ከርሳ ኣዕቊባ እምነት ዘንበረትሎም ደቃ ኣብዛ ድቅስቲ ከተማ ኣትዮም ተሸሪቦማ። ምስ ደቃ ተሰኣኢና ትነብር ኣላ። እተን ዝተረፋ ውን ንሻውላታ ዘይኰነትዶ ንኣና ኪትከውን’የን ዝብላኣ። ኣይሰሓታን። ኣስመራ ዘይተዛዘመት ስፈ ቂሐ ጽልሚ’ያ። ዘይተዛዘመት ግጥሚ ዝብልዋ ኣለዉ። ገባር ንዝሓዘሎ ሰውራ ዝወሓጠት መቓብር ዝሰምዩዋ ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። እቲ ምልኪ ኣብተን ሓድጊ መግዛእቲ ዝዀና ህንጻታታ ከይህሉ ሽንፋእ ወዲ ሽንፋእ ንንጸገለን ዝብሉ ድማ ኣይተሳእኑን።
“ወይዘሪት ኣስመራ ሕያወይቲ እንዲኺ
ኰስኲስኪ ዘዕበኽዮም ናእሽቱ ደቅኺ
ኣበይ ከምዘለዉስ ኣይትሓትን ዲኺ?
እናበሉ፡ ዘይከምቶም ብዜማታቶም ዘጋግዩዋን ዘታኽስዋን ብዜማኦም ንኽትበራበር ዝተዃቱዂዋ ውን ኣለዉ። ዝሰምዕ እዝኒ ደኣ ኣይተዓደለትን’ምበር ከስምዕዋ’ዮም ዝፍትኑ። ንጸማም ዘስምዕ ሓይሊ ይሃቦም። ኣስመራ፡ ስማን ግብራን ትርጒም ኣልቢሳ፡ ልቢ ኸተዕብን ንዝተበታተኑ ደቃ ብሰላም ክትሓቁፍን!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገንዘብን ጸገማቱን
Next Article ዋጋ ዘለዎ ህይወት ንበር!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Mahmud on June 14, 2014 6:02 pm

    Great job, keep it up!!

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?