Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ ደላዪ ናጽትን ፍትሕን

ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ ደላዪ ናጽትን ፍትሕን

0
By Mekonnen T. on September 15, 2020 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ: እምነቱ ተስፋይ  ኖርወይ

ብዝሒ ገጽ  296

ዓቐን መጽሓፍ  9ኢንች ብ6ኢንች

ኣርታዒ: ፕሮፌሰር ተስፋየሱስ መሓሪ

ዲዛይንን ለይኣውትን: ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ

ናይ ገበር ዲዛይን: ኣማን ተኸስተ

ዝተሓትመትሉ ትካል  ቡክ ሎጂክስ ኣሜሪካ

ኣሕታሚ ሰማያት  www.semayat.com

መጽሓፍ ዝተሓትመሉ ግዜ  መስከረም 2020

መእተዊ፡

ጸጋይ እያሱ፡ ተሪርን ተባዕን፡ ሓበን ብዙሓት፡

ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ከም ሓደ ተውህቦ ዘሎዎ ጻዕራም ተመሃራይ ጀሚሩ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ድማ ኣዝዩ ፍሉጥ ጠበቓ፡ ክኢላ ቋንቋ፡ ደራሲ፡ መምህር፡ ርእሰ-መምህር፡ መዳራይ፡ ንዝተፈላለዩ ኤምባሲታትን ንገለ መራሕቲ መንግስታትን ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ፡ ኣማኻሪ ኪኸውን በቒዑ። ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ብኤርትራውነቱ ዚሕበን ፍሉጥ ሓርበኛ እዩ ነይሩ። በቲ ዝውንኖ ዝነበረ ሰፊሕ ፖለቲካዊውን ሕጋውን ብልሓትን ርክባትን፡ ንናጽነት ኤርትራን ንመሰል ኤርትራውያንን፡ መጀመርያ ኣብ ኤርትራ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሜዳን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብትብዓት ተቓሊሱ ዝተዓወተ እዩ። እዚ፡ ኣብ ነብሱን ኣብ ስድራቤቱን ዓቢ ጕድኣት ከም ዘስዓበሉ ድማ ይፍለጥ።

ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ኣብቲ ናይ ናጽነት ምንቅስቓስ፡ ዘሎዎ ዓቕሙ፡ ተውህቦኡ፡ ሞያኡን ተጠቒሙ ዳርጋ ንምሉእ ህይወቱ ብንጥፈት ተሳቲፉ። ንሱ ኣንጻር ዝኾነ ንኤርትራ በስገዳድ ክገዝእ ኣብ ዝፈተነ ሓይሊ፡ ናይ ቃልሲ ህይወት መሪሑ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ህይወቱ ኣንጻር መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ድሒሩ ድማ ኣንጻር መንግስቲ ደርግ ብትብዓት ኣብ ምቅላስ ኣሕሊፉዎ። ከም ጠበቓ መጠን ነቶም ብፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ተኸሲሶም ዝእሰሩ ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተኸላኺሉሎም። እቲ ንዑኡ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ እቲ ዘርእዮ ዝነበረ ትብዓት’ዩ። ብርክት ዝበሉ ካልኦት ጠበቓታት፡ ንህይወቶምን ናይ ጥብቅና ፍቓዶም ከይሕደጉን ብምፍራሕ፡ ብፖለቲካ ናይ ዝተኣስሩ ሰባት ጕዳይ ምሓዝ ይኣብዩ ነይሮም። ድሒሩ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1970ታት ግን፡ ጠበቓ ጸጋይ፡ ባዕሉ ክልተ ግዜ ብፖለቲካ ምኽንያት ተኸሲሱስ ተኣሲሩ ነይሩ። ከምኡ ኾይኑ ግን፡ ንገዛእቲ ሓይሊ ምብዳህ ደው ኣየበሎን። እቲ ኣብ ህይወቱ ብቀዳምነት ዝሰርዖ ዝነበረ ዕማም፡ ንኤርትራ ናጻ ንምውጻኣ ብምቅላስ፡ ብህዝባ ትመሓደር ሃገር ክርኢ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ደጋጊሙ ዝርአ’ዩ። ስለዚ፡ ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ንዝቕልቀሉ ወለዶታት፡ ከም ሓደ ምንጪ ናይ ቃልሲ ኮይኑ ብምግልጋል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዅሎም ንናጽነት ተቓለስቲ፡ ዚበርህ ቀንዴል ኮይኑ ኪነብር እዩ።

ጠበቓ ጸጋይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን እስያን ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጸልዩ፡ ካብቶም ውሑዳት ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝደለቡ ሰባት ሓደ እዩ። ጓሉ ትብለጽ፡ ከም ትዝክሮ ኣቦኣ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ርሒቖም ናይ ዝርከቡ ንናጽነት ዝቃለሱ ከም በዓል ማሃትማ ጋንዲ፡ ፓትሪስ ሉሙምባ፡ ኣሕመድ ቤን ቤላ፡ ክዋመ ኑክሩማን ሆ ቺ ሚንን ጋዜጣታት ዓቂቡ ይሕዝ ከም ዝነበረ ትዝክር። ንሱ ብዛዕባ ጽቑጣት ኣህዛብ ዓለም ኣዝዩ ሰፊሕ ራእይ ዝነበሮ ኾይኑ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመ ሰብ ከም ምንባሩ መጠን ሓንቲ ናጻን ገዛእቲ ዘይብላ ናይ ብሓቂ ናጻ ኤርትራ ክርኢ ቍርጺ ውሳኔ ነይሩዎ።

ክንዮ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ፡ ጠበቓ ጸጋይ ኣብ ብዙሕ ንምዕባለ ሕብረት-ሰብ ኤርትራ ሓጋዚ ተራ ኣሎዎ ኣብ ዝበሎ ንጥፈታት’ውን ይሳተፍ ነይሩ። ጠበቓ ጸጋይ ንጹርን ነዊሕን ራእይ ነይርዎ። ንኣብነት፤ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ኤርትራ ኪምዕብል ዓቢ ተራ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኣውራጃ ዝተመርኰሰ ዘይቅርዑይ ስፖርታዊ ውድድራት’ውን ኣበርቲዑ ይቃወሞ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ናይ ስነ ጽባቐ (ቍንጅና) ውድድር ክካየድ ዝወደቡ ሰባት’ውን ነይሩ። ኣብ ብዙሕ መዳያትውን ተሳቲፉ። ጠበቓ ጸጋይ፡ ብዙሕ ስራሓት ዘማልአ ምንባሩ፡ ኣብ ምዕራፍ 7፡ ዝኽሪ ጅግና ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ዝተጻሕፈ ኣንብቡ። ጠበቓ ጸጋይ ንህዝቡ፡ ቃልሲ ንናጽነትን ፍትሒ ንነፍስወከፍ ሰብን ዚምልከት ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ። ኣብ ፍትሒ፡ ፈጺሙ ነቕ ዘይብል እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝምልከት ሕቶ፡ ንጸላእቱ ከይተረፈ ይቃለሰሎም ነይሩ። እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ሓደ ነባሪ ናይ ቃልሲ ድርኺት ዘገልግል’ዩ።

ድሕሪ ፍሽለት ፌደራላዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ክሳቐ ጀሚሩ። መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ኰራዅሩን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዛዕባ ናጽነት ሃገሮም ዝሓቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ጕጅለታትን ግፍዕታት ምፍጻም ተተሓሒዞሞ። እቲ ተግባራቶም ብምድንጋር፡ ብሸርሕን ዘይፍትሓውነትን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ጠበቓ ጸጋይ፡ ጅግና ተቓላሳይ ብምንባሩ፡ በቲ ሽዑ ዓሲሉ ዝነበረ ኵነታት ዕላማኡ ካብ ምትግባር ኣይተገትአን። ንዝኾነ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ነቶም ኤርትራ ፌደራላዊ ስርዓት ብዝብል ስም ድሕሪ ምጕባጣ ኣብ ኤርትራ በብተራ ዝተቐልቀሉ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ብዕቱብ ተቓሊሱዎም።

ኣብ ለካቲት 1974 ስርዓት ሃጸይ ሃይለሰላሴ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዝብል ናይ ሬድዮ ፈነዋ ምስ ተሰምዐ፡ ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ናብ ደርግ፡ “እንቋዕ ኣብዚ ኣብጽሓኩም” ዚብል ሰናይ ትምኒቱ’ውን ዚገልጽ ቴለግራም ብምልኣኽ፡ ናይ መጀመርያ ሰብ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትኖን መሬቱ ክምንዝዕን ይደሊ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ ቀዳማይ ዜጋ’ውን እዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝሰደዶ ቴለግራም፡ ብእዋኑ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ከም ዝተፈነወ ድማ ይፍለጥ። ስም ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ክብሪ መዝገብ ኤርትራውያን ጀጋኑ ሰፊሩ ክነብር እዩ። ንሃገሩ ዝነበሮ ፍቕርን፡ ነቲ ዕላማ ዝነበሮ ተወፋይነትን፡ መጻእቲ ወለዶታት፡ ኣብ ሃገሮም ዘስግእ ኵነታት ምስ ዚቕልቀል፡ ናይ ምቅላስ መንፈሶም ኣብ ምዕዛዝ ዓቢ ተራ ከምዚህልዎ ኣየጠራጥርን።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ
Next Article ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?