Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ንስኻን መሬትን

ንስኻን መሬትን

0
By Mekonnen T. on July 29, 2020 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ መምህር ኣስረስ ተሰማ

ነሓሰ 1970 ዓ.ም

ገጽ 1-11

ንስኻ

ንስኻ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጠርካ፡ ጥቕምኻን ክብርኻን ግምትካን ካብ ኣምላኻዊ ክፍሊ ዝተማቐለ ምዃኑ እሙን እዩ። ትማሊ ተወሊድካ ብፍቕሪ ወለድኻን ማሕበራዊ ኣከባቢኻን ዓቢኻ ዘሕለፍካዮ ቀዳማይ ክፍልኻ ብሕማቕ ወይ ብጽቡቕ ተሳቲፍካዮ ኢኻ። ምንም’ኳ ኣካላዊ ቅርጽኻ እንተዘይተለወጠ፡ ኩሉ’ቲ ናይ ትማሊ ኩነትካ ከም ዝተቐየረ ዘክር። ትማሊ ዝነበረካዮን ሎሚ ዘለኻዮን ጽባሕ ክትኮኖ ዘለካን ፈጺሙ ዘይመሳሰል እዩ። ትማሊ ብዝተጓነፈካ ጭንቅን መከራን ሓርቕትን ጓህን እናተሰጎድካ ክሳዕ ሕጂ ተስፋ ቆሪጽካ ትህሉ። እቲ እዋን’ቲ ዘይሓልፍን ብሎሚ ዘይትካእን መሲሉኳ’ውን ብዝደኸመ ሕልናኻ ተሰኒኻ ናይ ተስፋ ምቑራጽን ሕሊና ምዕራብን ተገዛኢ ኮይንካ ነይርካ ትኸውን።

ዝኾነ ኮይኑ ሕጂ’ውን እታ ትማሊ እትበሃል ቃል ዘይሓለፈትን ዘይተለወጠትን ቀዋሚት ትኽልቲ እምኒ መሲላ ትረኣየካ ትህሉ። ብጥዕና ምስኣን ተኸቢብካ ድኽነት እናተመላለሰት ከተጥቅዓካ፡ ሰባት ኩሎም ጨኪኖምልካ፡ ተፈጥሮኻ ሰብ፡ ናብራኻ ካብ ናይ እንስሳ ዘይሓይሽ ኮይኑ መንነትካ ጸሊእካ ንኣካልካ’ውን ኣብ መስትያት ርኢኻ በቲ ዝሓሰሞ ትርኢታ እምብዛ ጸሊእካያ  ኣብቲ ጥርሙዝ ጡፍ ክትብለላ ዘይትጸልእ ኮይንካ ትህሉ፡ ወይ ድማ ብገዛእ ኣካልካ ተደንግጸካን ተሕዝነካን ትኸውን’ሞ ንምርኣያ ትስከፍ። ምስ ስድራኻ ሰላም ስኢንካ . . . . እምበርዶ ኪሓልፍ’ዩ! . . . .  እናበልካ መፈጠርካ ጸሊእካ ካብ ማህጸን ናይ ብሕቲ ወላዲትካ ወጺእካ ቀልጢፍካ ናብ ማህጸን ናይ ሓባር ወላዲትና ክትኣቱ ትመርጽ ትህሉ። ምስ ጸልመተ ዘይወግሕ፡ ምስ በረኸ ዘይቁልቁል፡ ምስ ተረረ ዘይዘልቕ፡ ምስ ገረረ ዘይዝህም፡ ኩሉ ከም ዘለዎ ደሪቑ ኬድርቐካ ዝነብር መሲሉ ይስመዓካ ይህሉ። ካብ ብጾትካ ተስፋ ስኢንካ፡ ብልምድኻ ተገዲዕካ ኣብ ስራሕካ ተገፊዕካ ወይ ስራሕ ብዘይምህላውካ ንምስክርነት’ኳ ምብቃዕ ስኢንካ፡ ብደቅኻ ሓዚንካ፡ ብማሕበራዊ ኣቕዋም ተፈንፊንካ፡ ሰብ ብሓፈሻ ንዝኾነ ነገር ምእማን ስኢኑካ ብኹሉ ተናዒቕካ፡ ብትሑት ኩነትካ ኩሉ ተመኪሑልካን፡ ኣናኢሱካን ኣዋሲኑካን ተስፋ ዘቑርጽ’ምበር ዘተባብዕ ጨሪስካ ስኢንካ፡ ኩሉ ኣጽቢብካ ንበይንኻ ስለዝሓሰብካዮ ድማ እንቅዓ ረሃጽ ብመትልሕካ ብምፍሳሱ ንዕኡ ከተደዓዕስ መስተ ብርጭቆ ስለ ዝሰተኻ ዝፈልጣኻ ዝነበራ ኣዒንቲ ከም ዘይፈልጣኻ ተዓሚተን ኣሕሊፈናኻ፡ ስለዚ ብናይ ምንጽርጻር መቕዘፍ ተመንጢልካ ትነበር ትህሉ።

ዝሓሰብካዮ ምስላጥ፡ ዝወጠንካዮ ምፍጻም፡ ዝመጎትካዮ ምፍራድ ኣቢዩካ፡ ኩነትካ መዚንካ በይንኻ ወሰን ወሰን ትኸይድ፡ ሓፊርካ ካብ ብጾትካ ተነጺልካ ብልብሲ ዕሩቕ፡ ብገንዘብ ስኡን፡ ብመግቢ ጥሙይ፡ ብሕሊና ዕሩብ፡ ኮይንካ ብምስትምሳል ተገዲድካ ፈተውትኻ ምስ ዝነበሩ ተመዓዳዲኹም ትነብሩ ትህልው። ወገንካ ዝኾነን፡ ጎረባብትኻን፡ መማህርትኻን፡ መቑርስካን፡ ኣብ ሆስፒታል መዳቕስትኻን፡ ኣብ ማይ ጸሎት መተሓጽብትኻን፡ ኣብ ቤት ብልዒ መሳትይትኻን፡ ኣብ መርዓ መዳብልትኻን፡ ኣብ ሓዘን መቛዝምትኻን፡ ዝነበሩ ናይ ሕጂ ኩነትካ ለጠቕ ስለዝበለ፡ ኩሎም ንትርኢትካ ጸሊኦም ካባኻ ርሒቖም ናይ ወግዖም መመሰሊ ጌሮሙኻ፡ ንዓኻ ክርእዩ መንገዲ ሰይሮም ይኸዱ ይህልው። ኣብ ዓራት ክትድቅስ እተሕልፈን ሸሞንተ ሰዓታት ከም ሸሞንተ ዓመት ዘይውዳኣ ኮይነን ብንውሓተን ኪቕጥቅጣኻን ብሓሳብ ናብ ኩሉ ዓለም ከዛውራኻን ይሓድራ ይህልዋ። ስለዚ’ኳ ናይ ለይቲ እዋን ናብ መዓልቲ እንተዝልወጥ ትብል ትህሉ። ምስ ምሉእ ኣካልካ፡ ምስ ሓያል ቅልጽምካ፡ ምስ ድጉል ሓንጎልካ፡ ሕሊና ብምዕራብን ተስፋ ብምቑራጽን  ዝኣክል ብስትንፋስ ሰብ ተደፊእካ እትወድቕ፡ ብሓንቲ ፈትሊ ተኣሲርካ እትኹብኮብ፡ ብፈኳስ ክንቲት ተወቒዕካ እትንስብር፡ ናትካ ኣፈጣጥራ ካብ ናይ ካል ኦት ሰባት ኣፈጣጥራ ትሕት ከም ዝበለ ገሚትካ ከም ሰፍነግ ብምስቁርቋር ዘቕቢብካ ትህሉ። ብስምካ ዝዓየዩ፡ ብዝባንካ ዝተመጎሱ፡ ብገንዘብካ ዘጌጹ፡ ብምኽርኻ ተሃኒጾም ንንጽህናኻ ብምቕላም ንቕሉም ግብሮም ዘንጽሁ ሰባት ብምር ኣይ ኣዒንትኻ ደም ይሰርቡ ይኾኑ።

ዝኣመንካዮም ጠሊሞምኻ፡ ጥዑም ዘኾለስካየን ኣስናን ነኺሰናኻ፡ ዝስሕቃ ዝነበራ ፍሕሽዋት ገጻት ፊተን ጠምዚዘን ዝባነን ሂበናኻ፡ ተስፋ ዘንበርካለን ምበጽዓታት ብኣሉታ ተተኩሰናኻ፡ ስለዚ ምስ ሕሊናኻ ክትቃለሱን ኣዋድቓ ፈረስ ክትወድቁን ትነብሩ ትህልው። ሞትን ሓዘንን ኣጥበጥቢቐን እናተመላለሳ ንቤትካ ስለ ዘጥቅዓኦ ትሽበርን ትጭነቕን፡ ንኹነትካ ብዓይኒ ዑንቁ ኪሓልፍ ብዘይኽእል ኣተሓሳስባ ገቢርካ ከኣ ንኣካልካ እንታይን ከመይ ከም ምዃና ረሲዕካ ባዕልኻ ከተጻብበላ ትፍትን ትህሉ።

ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዘሎ ጸሊም እድያት ከይኣኽለካ ብተወሳኺ ጸሊም ልብስን ጸሊም መኣረምያን ጸሊም ዝእድያቱ ነጸላን ዝተኸድና ቤተሰብ ስለ ዘለዋኻ፡ እዚ ዕድል’ዚ ብፍላይ ንዓኻ ጥራሕ ዝተዋህበ ኮይኑ’ውን ስለዝስመዓካ ንሕሊናኻ ብብርቱዕ ራዕዲ ተሸብሮ ትህሉ። ንኹለን ስድራ ቤት እናዘርካ እንተትበጽሐን ግና መብዛሕት ኤን ከማኻ ምዃነን ወይ ካብ ናትካ ዝብእስ ጸሊም ሕብሪ ለቢሰን ከም ዘለዋ ምፈለጥካ’ሞ ባዕልኻ ምተጸናናዕካ ነይርካ። ነቶም ሰፈይቲ ክዳውንቲ ክንደይ ናይ ሓዘን ልብሲ ከም ዝሰፈዩ’ሞ ሕተቶም፡ ሻቡ ኩነትካ ባዕልኻ ክትፈልጦም ኢኻ። ሓንቲ ሰበይቲ’ኳ ንሓደ ወጌሳ፡ ውላዳ ብሙማቱ ኣዝያ ስለዝሓዘነት  . . . .  እንታይ ክገብረልኪ᎒ ንዝብል ሕቶኡ ዝሞተ ውላደይ ኣተንሳኣለይ ኢላ መለሸትሉ። ንሱ ከኣ ሕራይ ንዝሞተ ውላድኪ ከተንስ ኣልኪ፡ እንተኾነ ንስኺ ድማ ውላድ ዘይሞቶም ስድራቤት እንተደኣ ኣልዮም ሓብርለይ በላ።

ሽዑ ንሳ ሞት ኣብ ገዛ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩለን ስድራቤታት ከም ዝኣተወት ተገንዚባ ብዝሃባ መልሲ ኣመስገነት። ነዙይ ከምዙይን ተመሊኪትካ በይንኻ ኣይትጨወ። ምስ ብዙሓት ሰባት ተሓዋወስ፡ ብብዝሒ ጭንቂ ተፈተን፡ ንናይ መከራን ሓዘንን ባሕሪ ሓምቢስካ ውጻኣዮ። ንሽግርካ ምስ ብጾትካ ቤተሰብካን ዘትዩሉ፡ ፍኹስ ከኣ ክብለካ እዩ፡ ወይ ድማ መፍትሒ ክትረኽበሉ ኢኻ። ንበይንኻ ፍሉይ እንተደኣ ኮይንካ ግና፡ ብዘይካኻ ካልእ ለባምን ወረጃን ወይ ብዘይካኻ ደንቆሮን ሰነፍን ዘሎ ኮይኑ ኣይስመዓካን። ነዚ ኩሉ ፈላልዩ ነየናይ ሰዓት እትበቅዕ ምዃንካ ዝገልጸልካ ድማ ናይ ማሕበራዊ ኑሮ ኣባል ምዃን እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ኩሉ ከምቲ ዘለዎን ከምቲ ዝነበሮን ዝነብር የልቦን። ኩሉ ተለዋዋጣይ ኢዩ። እቲ ንኹሉ ዝመዝግብ ግዜ ዝተባህለ ሰፊሕ ብራና’ኳ ሓንሳእ ብርሃን ሓንሳእ ጸልማት ይኸውን። ወይ ድማ ክረምቲ ዘይብሉ ዓመት ክህሉ ዘይግባእ ክንሱ ሓደ እዋን ክረምቲ ዘይብሉ ዓመት ስለ እን ር ኢ ኩሉ ሳዕ ክንድ’ዚ ተለዋዋጣይ  ምዃኑ ተገንዘብ። ንስኻ ብሕልፊ ሕጂ፡ ልብኻ ብናይ ምድረበዳ ሓዊ ተቓጺሉ ጨሪሱ ፍረ ዘይብሉ መሲሉ፡ እቶም ሕጂ ብምቾት ዝሰኸረ ሕሊና ዘለዎም ሰባት ድማ ይፍንፍኑኻ ከም ዘለው ኮይኑ ይስማዓካ ይህሉ፡ ግና ኣሽንኳይዶ ንሳቶምን ንስኻንሲ ናይ ሰሃራ ምድረ በዳ’ኳ ሓደ ግዜ ልሙዕን ፍርያምን ቦታ ምንባሩ ምዝካር ይ ኣኽለካ። ንስኻ ትማሊ ኔርካ ሎሚ’ውን ኣሎኻ፡ ጽባሕ ድማ ክትህሉ ትኸውን። እንተኾነ ትማሊ ዝነበረ ኩነትካ ሎሚ የሎን፡ ናይ ሎሚ’ውን ጽባሕ ኣይክህሉን’ዩ። ካልእ ይትረፍ ናይ ሎሚ ዕድሜኻ ካብ ናይ ትማሊ ዕድሜኻ ብሓንቲ መዓልቲ ትዛይድ።  እምበኣር ካልእ’ውን ኩሉ ከማኻ ምዃኑ ኣሚንካ ባዕልኻ ተጸናናዕ።

*      *     *

ንስኻ ብተፈጥሮኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ስለዝተቐረጽካ ክብርኻን ግምትካን ዓቢይ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።  ታሪኽ’ዩ ብ ኣኻ ዝስራሕ እምበር ንስኻ ብታሪኽ ኣይተሰራሕካን ዝብል ሓሳብ ዘክሮ። ስለዚ ምንም’ኳ ሕጂ ክብርኻ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ እንተሕሰርካዮ፡ ከምቶም ንስኻ እትእዝዞም እንስሳታት’ውን እንተተቖጸርካ፡ እዚ ኩሉ ናይ ማሕበራዊ  ናባራ ቅመማት ዝለወጥዎ ስለዝኾነ ኩሉ ሳዕ ሰብ ኣዊ ወዝካን፡ እቲ ኩሉ ናይ ዓለም ትሕዝቶ ተደሚሩ ዋጋ ኡ ክንዳ’ታ ህይወትካ ክኸውን ዘይክእል ክብሪ ዘለዎ ኣካልካን ብማንም መንገዲ ኣዛቢዑ ንኹነትካ ክልወጦ ዝኽእል ስለዘየልቦ ብኸምዚ ንርስእኻ ክትጸናንዕ የድሊ።  ቀደም ዘበን ካል ኦት ሰባት መጺኦም ንሕሊናኻ የጸናንዑልካ ኔሮም፡ ንሳ’ውን ንምጽንናዖም ትቕበሎ ኔራ’ያ።  ሎሚ ግን ዘጸናንዓ ሰብ ኣይርከብን። እንተተረኽበ’ውን ኣካልካ ትቕበሎ ኣይትመስልን።

ናይ ሕሊና ምዕራብን ተስፋ ምቑራጽን ብ ኣኻ ኣይተጀምረን። ሕጂ’ውን ኣብ በይንኻ ኣይኮነን ዘሎ። ትዝክር እንተደኣ ኮይንካ ክንደይ ፍጡራት ከማኻ ሰባት ብሞት ካባኻ ተፈልዮም፡ ክንደይ ብሕማም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ኣለው። ክንደይ ተጸሊሎም ኣብ ቤት ሕክምና ናይ ጽሉላት ወይ ብመቑሕ ወይ ብመጽዓን ተኣሲሮም ኣብ ናይ ማይ ጸሎት ቃላያት ይጥሕሉ ይህልው። ክንደይ ኢዮም እቶም ዝር ኢ ዓይኒ ብም ስ ኣን ንመዓልቲ ከይፈለጡዋ ዝነበሩ ዘለው። እቶም ብናይ እዝኒ ድኽነት  ዝ ኣክል ንጥዑም ሙዚቃን ንጻውዒት ናይ ስሞምን ከይሰምዑ ዝነበሩ ዘለው ኣሕዋትካ ዶ ኣይኮኑን። እቶም ዓይነ ብርኮም ለሚሶም ብመንኮርኮር ዝኸዱ ዘለው ኣሕዋትካ ከማኻ ምሉእ ናይ ተፈጥሮ መሰል ከም ዘለዎም’ኳ እንተዘይከሓድካ፡ ንሳቶም ካባኻ ዝሕሹሉን  ወይ እትፈላለዩሉን ብዙሕ ምኽንያት ከም ዘሎ ዘይትስሕቶ ብሩህ ነገር ኢዩ። ኣሎ እምበር የሎን ዘይፈልጡ ህጻናት ዝሓዛ ተደፊነን ውዒለን ተደፊነን ዝሓድራ ብዙሓት ስድራ ቤት ከም ዘለዋ ንምእማን ኣሉ ዘይበሃሎ እዩ።

ስለዚ እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ዘበለ ኩሉ ኣብ በይንኻ ጥራሕ ኣይዓለበን። ኩሉ ሰብ እንተዝሕተት፡ ቀሪብካ’ውን እንተዝር ኤ፡ ከማኻ ወይ ካባኻ ዝብ ኣሰ ኮይኑ ምጸንሓካ። ጥዑይ ኢዩ ኢልካ ከተማኽሮ እንተኸድካ ሓሚሙ ይጸንሓካ። ሓሚሙ ኢልካ ክትበጽሖ እንተኸድካ ድማ ሞይቱ ስለዝጸንሕ ብሰንኪ’ዚ ኩሉ ተስፋ ዘቑርጽን ሕሊና ዘዕርብን ዘበለ ነገራት ኣብ ቤትካ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ኣባይቲ ኣትዩ ድንኳኑ ኪተክል ከም ዝኽእል እመን። ኩሉኹም ብምሕማምኩም ኣይትሰከፍ፡ ከመይ ሕማም ናይ ነፍሲወከፍ ንጽቡቕ ናይ ሓባር መሰረቱ እዩ ክብል ቮልቴር ዝተዛረቦ ቃል ንከንቱ ኣይኮነን። ኣብዚ መንጎ፡ ከማኻ ኣጽቢቦም ዝጭነቑ ዝነበ፡ ካባኻ ብሞት ተፈልዮም ንስኻ ግን ኣለኻ። ስለዚ ካብቶም ዝሞቱ ንስኻ ትሓይሽ። ካልእ እንተተረፈ ንሃገርካ ክትውፈየላ ዝነበረካ ቅኑዕ ኣገልግሎት እንተዘይሞትካ እዩ እምበር፡ እንተድኣ ሞይትካስ ኩሉ’ቲ ኒሓዊ ፍሬኻ ምሳኻ እዩ ዝቕበር። ሓቂ እዩ፡ ዘይመውት ስም ውን ኣሎ፡ ግና እቲ ዘምውት ኣምላኽ ባዕሉ ደኣ ይኹን እምበር፡ ሕሊናኻ ብምዕራብን ተስፋ ብምቑራጽን ባዕልኻ ናብ ሞት ገጽካ ኣይትጸጋዕ። ን ኣምላኽካ ብኻልእ ደኣ ሓግዞ እምበር፡ ነዚ ሓገዝ እዩ ኢልካ ባዕልኻ ኣይትጎደኣሉ። ዓለም ካብ እትፍጠር ክሳዕ ትማሊ ዝሓለፉ ሰባት ነዚ ሕጂ ምሳኻ ዘሎ ኩነታት ከይቀመስዎ ዝሰገሩ ከይመስለካ። ገሊኡ ሚዛኑ ይኸብድ፡ ወይ ይፈኩስ፡ ወይ ድማ ጊዚኡ ይነውሕ፡ ወይ ይሓጽር እምበር ብጠቕላላ ሕሊና ብምዕራብን ተስፋ ብምቑራጽን ዘይባህረረ ሰብ የልቦን። እቲ ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ናይ ዓለም ዘሎ ተስፋ ናይ ምቑራጽ መኣዲ ከም መስትያት እንተትርእዮ ምናልባት መኣድኻ ዝሓሸት ኮይኑ ምስ ተሰማዓትካ።

ንስኻ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ግና እታ ነዓኻ ኣሚና ጸግዒ ክትኮና፡ ኣሕሊፍካ ንኸይተውህባ፡ ክትብጀወላ፡ ክትሕልዋ ኢላ ተጸጊዓትካ እትነብር፡ ካባኻ ተፈልያ ዘይትፈልጥ ሕሊናኻ’ኳ፡ ሓድሓደ ጊዜ ክትርስዓ ከሎኻ ማስጣኣ ከም ዝወርደካ ንምንታይ እትርስዕ᎒ ሰብ ኣዊ ክፍሊ ስለዘለዋ ኣዚያ ክብርቲ ምዃና ንምእማን ስለምንታይ እትዝንግዕ᎒ ኣርሕቕ ኣቢልካ’ሞ ሕሰብ፡ ኩሉ ምእንቲ ሰብ’ዩ ተሰሪሑ እምበር ሰብ ምእንቲ ኩሉ ኣይተፈጥረን። ኣምላኽ እኳ ንኹሉ ፈጢሩ ምስ ወድኤ ኣብ መወዳእታ ን ኣዳም ፈጠሮ። እምበር ነቲ ንሰብ ዘድሊ ኣቐዲሙ ሰሪሑ ኣብ መጠረስታ ንሰብ ፈጢሩ ንኹሉ ከማሓድሮ ኢሉ ካብ ዝሸሞ፡ ናይ ሰብ ክብሪ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ዘረድእ ብሩህ ኣብነት’ዩ። ስለዚ ንገዛእ ሕሊናኻ ንሓዘንን ጓህን ኣሕሊፍካ ኣይተውህባ። ሕርቃንን ነድርን ብ ኣኣ ክጻወቱ ትም ኢልካ ኣይትርኤ። ዋሕሳ፡ ደጀና፡ ጸግዓ ንስኻ ኢኻ። ካባኻ ሓሊፍ ዘጸናንዓን ዝከላኸለላን ካልእ ኣካል ጨሪሱ ስለ ዘየልቦ፡ ንሳ ኣሚናትካ ከተብቅዕ ንስኻ ኣይትጨክነላ። ምስ ካልእ ኮይንካ ኣይትሕመያ። ብ ኢድኣዝዋር ኣይትጉዳኣያ። ካብ ኣ ዘይትሓይሽ ዓይኒ ብም ር ኣይ፡ ካብ ኣ ዘይትሓይሽ እዝኒ ብምስማዕ፡ ካብ ኣይ ዘይትሓይሽ መልሓስ ብምምካሕ፡ ኩለን ተኣኪበ ከየባጭ ዋኣ ተኸላኸለላ።

ሕሊናኻ ንዓኻ ኣሚና ናባኻ ካብ እትጽጋዕ፡ ብ ኢድካ ወይ ብ ኢድ ካል ኦት ጌርካ ኣይተጥቃዓያ። ወዮ ደኣ እናረሳዕካዮ’ምበር፡ ናታ ስቅያትን ጓህን ሕርቃንን ብምሉኡ ናትካ ምዃኑ ኢዩ። ስለዚ ቅድሚ ምውላድካ ካብ ዝነበረ ግዜ ጀሚራ ሕይወትካ ካብ ስጋኻ ክሳዕ እትለቅቕ ካባኻ ከይተፈልየት እካላዊት ሕሊናኻ ረሲዕካ፡ ተስፋ ቆሪጻ፡ ሕሊናኣ ኣዕሪባ፡ ብባሕሪ ሓርቖት ተዋሒጣ ካል ኦት ጋንታ ክስሕቁዋን መመሰሊ ክገበሩዋን ከለው ኸ ከመይ ክስማዓካ ማለት’ዩ። ከምዙይ ክኸውን ከሎ ንገዛእ ኣካልካ ብዓይኒ ካል ኦት፡ ብእዝኒ ካል ኦት፡ ብመልሓስ ካል ኦት፡ ብሓንጎል ካል ኦት ጌርካ እንቋዕ ኣይትዕዘባ። ዝኾነ ኮይኑ ኣቲ ንኹሉ ኩነታትካ ኪገዝሮ ዝኽእል ተስፋ ዘይምቑራጽን  ሕሊና ዘይምዕራብን ጥራሕ ኢዩ። ሰብ ኣውን ዓለማውን ኩነታት በብጊዜኡ ተለዋዋጢ ምዃኑ ምእማን ዘይምዝንጋዕ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleርእይቶ ኣንበብቲ ኣብ መጽሓፍ “ምጽፋይን ግህደትን ምልካውነት”
Next Article ካብ ዳየሪ Teklu Kifle
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?