Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»እንግዶት-መጽሓፍ»ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ : “ሰብ ምሕናቕ ኣላምደኒ – ኢለዮ!!”

ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ : “ሰብ ምሕናቕ ኣላምደኒ – ኢለዮ!!”

0
By Mekonnen T. on July 24, 2020 እንግዶት-መጽሓፍ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ብሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ ነታ ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባብያየይ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ ኽትልዓል ዝሰምዓ፣ ሳሕት እውን ብሽፍንታ ጥራይ ዝርእያ ዝነበርኩን ምንጪ ብዙሕ ክትዓት ምንባራ ጽቡቕ ገይረ ዝዝክራን መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” ከንብብ ተገደድኩ። ገንጺለ ኸንብባ ምስ ጀመርኩ ግን ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ብዝዀነ ምኽንያት እንተዘይኰይኑ፡ ምንባበይ ከቋርጽ ተጸግምኩ።

ከቋርጽ ዝግድደኒ ዝነበረ ምኽንያት ግን፡ እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ትሕዝቶ ዛንታኣ እዩ። ሓንቲ ኻብኡ እዛ ኣብ ኣርእስቲ መዚዘ ኣውጺአያ ዘለኹ፡ ዝሓዘቶ ንምእማኑ ዝኸብድ ነገር እዩ። ክሳብ ክንድቲ ምጥፋእ ሕልና እቲ ኸይድካ፡ ማሕነቕቲ ሰብ ወዲ ሰብ፡ ያኢ ጸብሒ ምስራሕ ተሓሲቡስ “ማሕነቕቲ እባ ኣላምደኒ – ኢለዮ!” (መጽሓፍ ይጽንሓልኪ ገጽ 56) ዝብል ቃል፡ ካብ ልሳን እታ ኣብ ውሽጢ እቲ መጽሓፍ ዘላ ጸይቀ ዕልልቲ፡ መጋበርያ ዓፋኝ ጓድ ዝነበረት መንእሰይ ወጺኡ፡ ክብሃል ክትሰምዕ ከለኻ ኸ፡ እንታይ እዩ ዝስምዓካ፧

ብዙሕ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ክስተት ከጋጥመኒ ኸሎ፡ እታ “ህይወት ንልብወለድ ወይ ንፈጠራ ተንዕቕ!” እትብል ቃል እየ ዝዝክር። እዚ ቓላት እዚ ኣብ ፈጠራዊ ጽሑፍ እውን እንተንረኽቦ ዝእመን ኣይኰነን። ግን ሓይሊ ፈጠራ ደረት ስለ ዘይብሉ፡ እንተተባህለ ኣይመኽፍአን። ኣብ ጭቡጥ ኵነታት ከምኡ ኽብሃል ክትሰምዕ ግን፧!

እዚ ዛንታ እዚ፡ ነቲ ኣብ 1970ታት ዝነበረ መስተንክር ዛንታ ጅግንነት ፈዳይንን ኣባላት ዓፋኝ ጓድን ኰራኵሮምን እዩ ቈንጪሉ፣ ግን ኰሊዑ ዘርኢ።

ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ሰፊሩ ዘሎ ጭብጥታት ከም ሃገራዊ ታሪኽና ኽርእዮ ኸለኹ ግን፡ ንሓደ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ዛንታ ምስ ኣንበብካ ጥራይ፡ ብዙሕ ዘሐብን ስርሒታት በቲ ሓደ ወገን፡ እቲ ዘሐዝን ፍጻመታት ድማ በቲ ኻልእ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ዝፈጥሮ ስምዒታት፡ ኣብ ሰልሚ ሓሳባትን ምስትንታንን ሸሚሙ እዩ ዘትርፈካ። “ከስዐ ኣደ ጕራጕራ” ጥራይ ኢልካ ዘይሕለፍ፡ “ሓደ ምዕራፍ፡ ካብቲ መሪር ተመኵሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!” እዩ።
ንብዙሕ ምኽንያታት፡ ታሪኽ ብጥሪኡ ኸይዝንቶን ከይጽሓፍን፤ ተተጻሕፈ ድማ ከይሕተምን ክግበር ከም ዝኽእል ይፍለጥ እዩ። እዚ ንግዜን ስምዒታትን ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሃብ ንውልቅን ንሕብረተሰብን ኪኖኡ ንሃገር፡ ዝምልከት ምስ ዝኸውን ዝወሃብ ኣማራጺ እዩ። እዛ ጸሓፊት እዚኣ እውን እዚ ብድሆ እዚ ብዙሕ ከም ዘሰናኸላ ኣብዚ መጽሓፋ ገሊጻ ኣላ። ብኸምኡ ኸኣ እያ ቀንዲ ዛዕብኣ ሓዲጋ፡ ነታ መጽሓፋ በዚ ኣርእስቲ እዚ “ይጽንሓልኪ” ኢላ ኽትሰምያ ዝተደረኸት።
እንተዀነ፡ ንምንታይ ኢኻ እትጽሕፍ፧ ተባሂሉ ዝተሓተተ ደራሲ/ት ፈጠራዊ ጽሑፍ፡ ነናቱ/ታ ምኽንያታት እንተሃለዎ/ዋ ዘገርም ኣይከውንን። ኣብ ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ መድረኽ ዝነበረ/ት እሞ ንሞት ብዙሕ ሳዕ ሰጊሩ/ራ ዝወጸ/ት ሰብ ግን፡ ንተመኵሮኡ ክጽሕፍ ምስ ዝብገስ (ምስ እትብገስ) ንምንታይ ኢኻ/ኺ ትጽሕፎ/ፍዮ ዘለኻ/ኺ ተባሂሎም ክሕተቱ፡ እሞ ምስ ጸሓፉዎ ኸኣ፡ “ይጽናሕ” ዝብል ቃል ኣብቲ ጕዳይ ዘይወዓሉ ሰባት ከመናትዎም፡. . ክፍትን ከሎ ዝመጽኣልካ ሕቶታት ኣሎ። እቲ ምኽሪ እንታይ ዘበገሶ እዩ፧ ስክፍታ፡ ብኣየናይ ወገን፧ ከድዓትን መጥፋእቲ ሃገርን ህዝብን ኣልዒልካ ምጽሓፍ ከ እንታይ እዩ ኣበስኡ፧ ሓልዮት እንተዀይኑ ኸ፡ ነቲ ግዳይ ድዩ ክሕለየሉ ዝግባእ፡ ዋላስ ነቲ ዓማጺ፧ ታሪኽ ናይታ ከዳዕ ማሕነቕቲ ክትምሃር ዝሓተተት ዙፋን፡ ኣብዚ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ መወዳእታ ብምርኣይ ጥራይ ኵሉ ግዜ መፈጸምታ ኸደዓትን ጠላማትን እንታይ ከም ዝመስል ተዀሊዑ ትርኢ!
እዚ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ እዚ፡ ንውልቀ ሰብ ወይ ሰባት እምበር፡ ንታሪኽ ስድራቤታት ዝትንኪ ኣይኰነን። ወይ ንዓይ ከምኡ ኣይመስለንን። ታሪኽካ ምጽሓፍ እምበርኣር ምስ ኵሉ ኣሰካፍን ፈታንን ሸነኹ፡ እዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ሸነኽ እውን ኣለዎ። ሓቅታትን ፍጻመታትን ኣብ ታሪኽ ተዓቢጦም ከይተርፉ ዘኽእል እንኮ መሳርሒ ብምዃኑ።

ልክዕ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ገሊኡ ክፋላቱ ብፍላይ፡ ነቲ ውጽኢት ገበናዊ መርመራ ዝዀነ ቓላት ብዝምልከት፡ ብጭቡጥ ሰነዳት ተሓጊዙ ቐሪቡ ነይሩ እንተዝኸውን ከመይ ኰን ምጸበቐ የብለካ እዩ። እቲ ዅነታት ግን ንኸምኡ ዘፍቅድ ኣይኰነን። ጸሓፊቱ ንባዕላ ኣካል እቲ ታሪኽ ብምዃና፡ ከም ስምዒት እውን ክንዮ ነቲ ኽስተት እቲ ምቅላሕ፡ ካልእ መጽሓፊ ምኽንያት ከቶ ክህልዋ ከም ዘይክእል ኢኻ እትርዳእ።

ብዓይኒ በዓልቲ ዛንታ ኽርእዮ ኸለኹ፡ እቲ ዝነበራ ኸቢድ ጾር፡ ዓሚቝ ቃንዛ ብሓይሊ ጽሑፍ ጥራይ ክድበስ ከም ዝኽእል ኣሚና፡ ነዚ ውጽኢት ቃንዝኣን መስዋእታን መስዋእቲ ብጾታን ዝዀነ መጽሓፍ እዚ ንታሪኽ ከተበርክት ምኽኣላ፡ ኣዕሙቕ ኣቢለ አመጕሳ።

ምኽንያቱ፡ ብውልቀይ፡ ታሪኽ ክልተ ግዜ እዩ ዝስራሕ ኢለ እየ ዝኣመን። ብግብርን ብጽሑፍን። ብዙሕ ብግብሪ ዝተሰርሐ ዓበይቲ ታሪኽ፡ ሰኣን ብጽሑፍ ክስነድ ዘይምኽኣሉ፡ ተፈጺሙ ንምዃኑ እውን ዘረስዕ ዕድል ክገጥሞ ይርአ እዩ። እቲ ብጽሑፍ ዝተሰነየ ታሪኽ ግና፡ ክልተ ህይወት ለቢሱ፡ ንኻልኦት ታሪኻት ናይ ምፍጣር ጸጋ እውን ዘውርስ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ኸኣ፡ ነታ ነዚ ዛንታ እዚ ኣብ ውሽጣ ጸይራ ንዓመታት ዝጸንሐት ውጻእ መዓት (ኣባል ፈዳይን ነበር) ሓብትና ወ/ሮ ብርኽቲ ፍስሃየ፡ ብዘይካቲ ኣብቲ ኣዝዩ ኸቢድን ፈታንን ስርሒት እቲ ብምንባራ ዘረጋገጸቶ ጅግንነት፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ፡ ከምዚ ብዝኣመሰለ መልክዑ ኣዳልያ ናብ ንባብ ብምብቅዓ፡ “በዓልቲ ድርብ ጅግንነት ኤርትራዊት!” እያ እናበልኩ፡ ኵሉ ብሕሉፍ ታሪኻ ዝግደስ ኤርትራዊ ኸንብባ ዘለዎ፡ ኣንቢቡ ድማ ዝሕበነላን ዝድነቐላን ተመኵሮ ዝቐስመላን መጽሓፍ ምዃና እውን ክገልጽ እፈቱ።
ኣርእስቲ መጽሓፍ፡- ይጽንሓልኪ
ደራሲት፦ ብርኽቲ ፍስሃየ (ጓል ብርጁዋ)
ብዝሒ ገጻት፦ 238
ዓመተ ሕትመት፦ 2013 – ስቶክሆልም

ዘመንፈስ ሃይለ – 2020

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጎዳጉድ ሳይበርያ
Next Article ርእይቶ ኣንበብቲ ኣብ መጽሓፍ “ምጽፋይን ግህደትን ምልካውነት”
Mekonnen T.

Related Posts

እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

August 16, 2020
Read More

ርእይቶ ኣንበብቲ ኣብ መጽሓፍ “ምጽፋይን ግህደትን ምልካውነት”

July 29, 2020
Read More

መጽሓፍ ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት (ብበረኸት ኣማረ)

July 12, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?