Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 24, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»እንግዶት-መጽሓፍ»መጽሓፍ ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት (ብበረኸት ኣማረ)

መጽሓፍ ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት (ብበረኸት ኣማረ)

0
By Mekonnen T. on July 12, 2020 እንግዶት-መጽሓፍ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
21 ለካቲት 2020
ኣብ ኣዳራሽ ሽግ (TOURCH HALL – SAMP)
“ሰባት ታሪኽ ይሰርሑ፡ ታሪኽ ብግዲኡ ንሰባት ይሰርሖም!”
ዘመንፈስ ሃይለ
“ቃላትን ድፋዕን ተፋተኑ፡ ገደፍዎ ዘይኸውን ኰይኑ” (ካብዛ መጽሓፍ ዝተወስደ)
መወዳእታ ቓልሲ እንተደኣ ዕርቂ ዘይኣትይዎ፡ ዅሉ ግዜ ህልኽን ምትህንዃትን እዩ። እዚ ናይ ሓደ “ቃላት” ዝተባህለ ጅግናን ካልእ “ድፋዕ” ዝተባህለ ካልእ ጅግናን ዛንታ እውን ንዕኡ እዩ ዝገልጽ። ቃላት ከመይ ኢሉ ቓላት ኰይኑ፡ ድፋዕ ከመይ ኢሉ ድፋዕ ኰይኑ፧ ግና እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ውጽኢት ገገዛእ ታሪኻቶም ስለ ዝዀኑ እዩ።
“ሃህ ኢሉ ንዝመጽኣካ ኣንበሳስ ኣይትቃለሶ፡ ስጋ ኣዀልሶ” (ካብዛ መጽሓፍ ዝተወስደ)
እቲ ዝመጽኣካ ዘሎ ኽሳብ ክንድኡ ህንዱድን ደላይ ስጋን ጥራይ ምዃኑ ፈሊጥካ፡ ብስጋ ኸተዐግሶ ምኽኣል ዝሓትቶ ልቦና፡ ካብቲ ኸምኡ ምስ ዘይትገብር ክስዕብ ዝኽእል ጸገማት ዘድሕን ብልሓት እዩ። እዚ ልቦና እዚ ካብ ተመኵሮ እተጥርዮ ኣስተብህሎ ድማ እዩ።
እዚ ኣበሃህላታት እዚ ካብ ዉህሉል ተመኵሮ ዝመጽአ ኣገላልጻታት እዩ። ቃላት ውጽኢት ታሪኽ እዩ፡ ድፋዕ እውን ከምኡ ኢልና ኣለና። እዞም ውጽኢት ታሪኽ ዝዀኑ ክልተ ሰባት እዚኣቶም፡ ናይ ሓደ ዘበን ሰባት ኰይኖም ሎሚ ብህይወት የለዉን፤ ታሪዀም ግና ይዝንቶ ኣሎ። ልክዕ ንምዃን ቀዲሙ ንዘበናት ብኣፈ ታሪኽ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኽመሓላለፍ ጸኒሑ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብተመራማሪ ኣፋዊ ያታታት በረኸት ኣማረ ኣቢሉ፡ “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ማሕተም በቒዑስ፡ ድሮ ብብቕዓት ተሰኒዱ ኸነንብቦ ኽኢልና እነና።
***
እዛ መጽሓፍ ካብ እትሕተምን እትዝርጋሕን ኣዋርሕ ኣሒልፋ እያ። ኣብ ኢድ ብዙሓት ኣንበብቲ በጺሓ እውን ተነባቢትን ምንጪ ብዙሕ ዛዕባታት ንዘተን ክትዕን ኰይና ምህላዋ ይፍለጥ። ከም መቐጸልትኡ ዝሓለፈ ዓርቢ 21 ለካቲት፡ ኣብቲ ማእከል ከተማ፡ ዝርከብ ናይ ትካል ስማፕ፡ ብካምፓስ ዋን ዝፍለጥ (SMAP INSTITUE OF EDUCATION AND CONSULTANCY) ኣዳራሽ ሽግ (Tourch Hall)፡ ዝካየድ ክልተ ሰሙናዊ ናይ ዘተ መኣዲ ቐሪባ፡ ብኣዳላዊኣ ስነጥበበኛ በረኸት ኣማረ ንዕዱማት ዝተጸሙቀ ወግዒ ተኻይዱላ ኣምስዩ።
ኣብዚ ብዙሓት ዓበይቲ ምሁራት ሰብ ዝተፈለለየ ዓውደ ፍልጠታትን ግዱሳት ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ እዚ፡ በረኸት ንስፍሓት ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ኣብ “ታሪኽ መኸተን ኣፈታትሓ ግርጭታትን” ዝብል ኣርእስቲ ዘተኰረ ዛዕባ ጥራይ ብምምዛዝ እዩ ኽዛረብ መሪጹ።
ግርጭት ዘይተርፍ ካብ ኰነ፡ መፍትሒ ምሃብ እውን ኣይተርፍን እዩ። እዚ እቲ ዘይተርፍ መስርሕ ህይወት ደቂ ሰባት ስለ ዝዀነ፡ ካብዚ መስርሕ እዚ መምስ ኣጋጠመን ሓለፈን ከ፡ ከመይ ነበረን ከመይ ተሓልፈን፡ ብምፍላጥ፡ መወከሲ ዝቕጽል ምዕራፍ ህይወትና ኽንገብሮ ዶ ኣይግባእን፧
ድሮ ብዙሓት ኣንቢብናያ ኸም እንህሉ፡ “እዚ ጎቦ እንተዝሕረስ እኽሊ ምዀነ፡ እዚ ሰብ እንተዝሕተት ሓው ምዀነ፡” ዝብል ቃል ኣብ መእተዊ መጽሓፍ፡ “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት” ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ንሕብረትን ሓድነትን ደቂ ሰባት ኣብዚ ኸባቢና፡ ብኡ ኣቢሉ እውን ኣብ ዓለም ዘንጸባርቕ ጭዋ ኣበሃህላ እዩ። ይዅን እምበር፡ ደቂ ሰባት፡ ብኣንጻሩ ነቲ ናብ ሕብረትን ሓድነትን ዝመርሕ ወይ ዘብጽሕ ሓቂ፡ ዋላ እንተዝፈልጥዎ እውን፡ ካብ ሌላን ጉሌላን፡ ካብ መቕርብ መን ይቐርብ፡ ካብ ኣነ ዶ ንስኻ?. .. ካብ ኣነ ዶ እበልጽ፡ ኣነ እባ፡… ካብ ንዓይ ንዓይ፡ እናበልካ ዝብገስ ምትህልላኽን ምንቛትን ዓዲ ኽውዕሉ ዘኽእሎም ዓማሚ መፍትሒ ዘውህብ ኣንፈት ገጽና ኽንከይድ ኣይንርአን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሸነኹ፡ በረኸት፡ ኣብ ታሪኽና፡ ታሪኽ ኤርትራውያን ካብ ቅድም ዝነበረ ያታ መኸተን ኣፈታትሓ ግርጭታትን ከ እንታይ ይመስል፧ ንዝብል ሕቶ ብዝምልስ መልክዑ እዩ ኣፍልጦኡ፡ ብመሰረት ትሕዝቶ መጽሓፉ ኽገልጽ ኣምስዩ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ሒዝዎ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ኤርትራዉያን ኣብ መዋእልና ተኸላኸልቲ እምበር ኣጥቃዕትን ወረርትን ኰይንና ከም ዘይንፈልጥ ጐሊሑ። ብተወሳኺ ኣብ ቀዳሞት ወለድና ዝነበረ ኣፈታትሓ ግርጭታት ብዝምልከት ዘቕረቦም፡ ልቦናን ግዝኣተ ሕግን ዘንጸባርቑ ኣብነታት ንባዕሎም፡ ነዞም ሎሚ ኣብ ምዕቡል እዋን ኣለና ኢልና እንሓስብ ምናልባት እውን እንንየት ወለዶ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘአቱ እዩ ኽብሃል ይክኣል።
በረኸት ኣማረ፡ በቲ መሳጥን ብሱልን ኣብ ታሪኽ ዝተመርኰሰ ኣቀራርብኡን ነቲ ናብ ሱር መሰረትና ወሲዱ፡ ናብ ህሉውና ዘምጽኣና ውጽኢት ምርምሩ ዝዀነ ባህላውን መንነታውን ሓቅታት ንመላእ ተሳተፍቲ ብዝመሰጠ መልክዑ ኣካፊሉ።
***
ኣቐዲመ ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ፡ ብንኡስ መጠን ምስ ኣንበብቲ ዘላሊ ናተይ ምስትምቓር ክጽሕፈላ እናበልኩ፡ እዚ መድረኽ እዚ ኣጋጢሙ፡ ስለዚ ንኽልቲኡ ደሪበ ምግላጹ እየ መሪጸ።
ስለዚ መጽሓፍ ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት፡ ቀዳማይ ክፋል፡ ተባሂላ ኣብ 2019 ተሓቲማ ተዘርጊሓ ዘላ መጽሓፍ ኰይና፡ ድሮ ኣብ ኣንበብቲ ልዑል ተቐባልነት ረኺባ ኣላ። ኣብ ልዕሊኡ መበገሲ ብዙሕ ክትዓት እውን ኰይና እያ። ሓደ ኻብኡ፡ ታሪኽ ወለዶታት ምዝርዛር ንምንታይ የድሊ? ዝብል እዩ። ይዅን እምበር ነዚ ሕቶ እዚ ብዝምልስ መዳዩ፡ እዚ መጽሓፍ፡ ንወለዶታትና፡ ናብ ሕሉፋት ጭቡጣት ታሪኻዊ ክስተታት ወሲዱ፡ ሓቅነቶም ኣብ ምርግጋጽ እጃሙ ኣበርኪቱ ኣሎ። ብኡ መንጽር፡ ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራዉያን ዝጠምረና ዝገደመ መንነት ዘለና ስሙራት ህዝብን ሃገርን ምዃንና ኣረጋጊጹልና ኣሎ።
እዛ መጽሓፍ ብዙሕ መበቂላዊነት ዝነክእ ሕቶታት እትምልስ እውን እያ ክብላ እኽእል። እቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝምለስ ነገር ኵሉ ሰብ ነናቱ መበቆል ከም ዘለዎ፡ “ዓብን ንኡስን” ኢልካ ዝቃለል ዘይምዃኑ፡ ዓበይቲ ዝነበሩ ኽንእሱ፡ ንኣሽቱ ዝነበሩ ኽዓብዩ ንቡር ተርእዮ ምዃኑን፡ ዘረድእ እዩ። ብዝነበረ ዘይኰነ ብዘለካ ኸም እትልካዕ ምፍላጥ እውን ኣድላዪ ከም ዝዀነ ንርኢ።
በረኸት ኣማረ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ንኤርትራውያን ጽዋ ቅያታት ካብ ኣፈ ታሪኽ ኣውጺኡ፡ ክውንነት ከም ዝለብሱ ገይሩ ኣሎ። እዚ ዕማም እዚ ኸኣ ብልጭኡ ንዓና ነዞም ዘለና ወለዶን ነቶም ንዓና ስዒቦም ዝመጽኡ ወለዶታትን ዓቢ ታሪኻዊ ውርሻ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሕሉፍና ፈሊጥና፡ ህሉውና ክንመዝን፡ መጻኢና ከነማእዝን ዝድርኽ እዩ።
ኣብዚ ዝተዘርዘረ ሰንሰለት ታሪኽ ወለዶታት እዚ፡ ንዝነበረ ቅያታት ወለድና ብሕጂ ኣስፊሕና ኽንጽሕፈሎምን ክንትርኸሎምን ናብ ሰነዳዊ ፊልም ኰነ ንፈጠራዊ ስርሓት ፊልምታትና ዘዐርግ ባእታት እውን ዘስንቕ ብዙሕ ማይ ዘይጠዓመ ቅያታት እውን ብብዝሒ ንረክብ።
***
ኣብቲ ህሞት ኻልኣይቲ ቅጺ ኣብ ምድላው ተጸሚዱ ከም ዘሎ ንዝገለጸ ብጻይ በረኸት ኣማረ እውን ኣጆኻ፡ ካልኣይ ክፋል ስራሕካ እውን ዕዉት ክኰነልካ እምነ እብሎ።
ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ ዕዮ ብዓቕሚ ውልቀ ሰብ ጥራይ ክዕመም ክብድ ስለ ዝብል ድማ፡ ብፍላይ ዝምልከቶም ኣካላትን ዓቕሚ ዘለዎም ብምሕባር፡ ውልቀሰባት እውን ተዀነ በብእጃምና ኣጆኻ ኽንብሎን ሃጓፋት ኣብ ምምላእ ክንተሓባበሮን ከም ዝግባእ፡ ምሕባር ኣድላዪ እመስለኒ።
እዚ ኣብ ስማፕ ዝተኻየደ ኣመና ጠቓሚ መደብ እዚ፡ ኣብኡ ጥራይ ከይተገትአ፡ ኣብ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰለ መደባት እውን ብቐጻሊ ኽካየድ ተዝኽእል፡ ማዕረ ኽንደይ ንዅላህና ጠቓሚ ምዀነ፡ እውን ይርኣየካ።
በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኩላትና ኽንዕድጋን ከነንብባን እተድሊ መጽሓፍ ምዃና እውን ክሕብር እፈቱ። ነቶም ከይተሓለሉ፡ ኣብ ስማፕ ንዝካየድ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሱልን ጽፉፍን መደባት ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት ልዑል ምስጋናይ እገልጽ።
ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ክምህ ዘይብል ሞራሉ፡ ንትምህርትን ንባህላዊ ጸጋታትን ንምትብባዕ ተዓጢቑ ዝዓዪ ዘሎ ፕሮፈሶር፡ ተስፋይ ሃይለን መሳርሕቱን ድማ ብፍላይ ከመስግኖ እደሊ።
***
ናብታ ኣብ ኣርእስቲ ዝተጠቀምኩላ ኣበሃህላ ክምለስ፡ ብፍላይ ምስ ትሕትዞ እዛ መጽሓፍ ብምትሕሓዝ ክገልጾ እውን እፈቱ። ምኽንያቱ ንሕና ይፈልጠና ኣይፈለጠና፡ እዚ ኣብዛ መጽሓፍ እዚ ሰፊሩ ዘሎ ታሪኽን ካልእ ብዙሕ ዘይተዘንተወ ቅያታትን ዝሰርሓና ህዝብን ሃገርን ኢና። ስለዚ ኸኣ ካብዚ ታሪኽ እዚ ብወለዶን ብዛንታን (ብተወርሶን ብጽዋን) ብዙሕ ሰኒቕና እናተፈለጠናን ከይተፈለጠናን ብዘስረጽናዮ መንናት ኢና እንነብርን እንግለጽን ዘለና። ከምዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ሰፊሩ ዘሎ ( ገና ንመላእ ሃገር ዝውክል ዋላ ኣይዅን፡ ብሕጂ ብዙሕ ተደኣ ተሰሪሕሉ ግና ናብኡ ኸብቅዓና ከም ዝእኽል ርግጸኛ እየ) ብዝኣመሰሉ ዛንታ ቅያታትና ዝህነጽ መንነት፡ መቐጸልታ እቲ ቅያታት እቲ ኰይኑ ከም ዝሰርር ርዱእ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ንታሪኽ ገድልና፡ ኣብ ኣሰር እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቀለበት ታሪኽ ገጢሙ፡ ካልእ ቅያታት ከም ዝስራሕ ዝገበረ። እቲ ታሪኽ ብታሪኽ ተሰሪሑ ማለት እዚ እዩ።
እምበኣር ንዝሰርሓና ታሪኽ ብምልኣት ንዓቅብ፡ ንሰንድ፡ ንተርኽ እሞ፡ ሰንሰለት ታሪኻዊ ጸጋታትና ብኡ መንጽር ክብታኡ እናወሰኸ እምበር፡ ለጠቕ ክብል ኣይክንርእዮን ኢና። ታሪኽና ናይ ዘይምዝንታውን ምስናድን ሳዕቤን ግና፡ ናብ ብብዓበይቶም ንኡሳን ፡ ብብልጹጋቶም . . ትሒታት፡ ናብ ብጽጉባቶም ጡሙያት፡ ናብ ብጀጋንኦም ፈርሓት፡ ናብ ብምሁራቶም ደናቁር፡ ናብ . . . ብዕዉታቶም ስዑራት ፡ ኣቢሉ ኽመርሓና ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ምኽንያቱ ሰብ ታሪኹ እዩ ዝሰርሖ፡ ንሱ እውን ብግዲኡ ታሪኽ ይሰርሕ፡ ከምኡ እናበለ ድማ ይቕጽል፤ . . .
***
ኣብ መወዳእታ
ኣብዛ መጽሓፍ ብወገነይ ክማላእ ነይርዎ ዝብሎ ሓደን ኣገዳስን ነጥቢ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ስራሕ ምርምራዊ ጽሑፋዊ ዕዮ ብምዃኑ፡ መወከሲታት (ናይ ሰብን መወከሲ ጽሑፋትን. . .መን በለ፡ መዓስ በለ፡ ኣበይ በለ፡ . .) ቅጥዒ ብዝሓለወ መልክዑ፡ ብበሃሊኡ፡ ብግዜን ቦታን ጭቡጥ ዋንነት በሃልን ጭቡጣት ሰነዳትን ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ምርምራዊ ስርሓትን (ብዙሓት ዓለማውያን ቅቡላት ኣገባባት ኣለዉ) ኣቀማምጣ ሓበሬታን ክሰፍር ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ብህሎታትን ጥቕስታትን ካብ ሃውራውን ሓፈሻውን፡ ባዕላውን ዘይጭቡጥን ስክፍታታት ኣውጺኡ፡ ጭቡጥን ተኣማንን ግልጽን ሓቀኛን መወከሲ ስለዝገብሮ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ እውን ካብ ዝወጋ (Bias) ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ወይ ስርቀተ ሓሳብ ካልኦት (Plagiarism) እውን የድሕነካ። ስለዚ ብፍላይ ነቲ ብሕጂ ዝመጽእ ዕዮኡ እዚ ኣገባብ እዚ ምጥቃም፡ ንኣካዳምያዊ ምርምራዊ ዋግኡ ዘዐቢ እዩ እሞ፡ ሸለል ከይበለ፡ ኣብ ልዕሊ ጻዕሩ ጻዕሪ ወሲኹ ኽሰርሓሉ ኽላበዎ እደሊ።
ስለቲ ብውልቃዊ ወኑን ጻዕሩን ምብልሓቱን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሃገራዊ ዕዮ ኸበርክት ምኽኣሉ ግና ብልቢ አመስግኖን ልባዊ ኣኽብሮተይ እገልጸሉን።
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጦብላሕታዊ ገምጋም መጽሓፍ፡ መግዛእቲ ሲኞራ
Next Article ኣሕመድ ናስርን ኣባሓጉኡ ናስር ባሻን (ናስር በ)
Mekonnen T.

Related Posts

እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

August 16, 2020
Read More

ርእይቶ ኣንበብቲ ኣብ መጽሓፍ “ምጽፋይን ግህደትን ምልካውነት”

July 29, 2020
Read More

ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ : “ሰብ ምሕናቕ ኣላምደኒ – ኢለዮ!!”

July 24, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?