Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 26, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ገምጋም መጽሓፍ ኦሮማይ

ገምጋም መጽሓፍ ኦሮማይ

0
By Mekonnen T. on July 9, 2020 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ገምጋም
መጽሓፍ፡ ኦሮማይ
ደራሲ፡ በዓሉ ግርማ
ገምጋሚ፡ ሃይለ ቦዂረ
እዛ ልዕል ኢልና ዝጠቀስናያ መጽሓፍ ብዛዕባ ሻዱሻይ ወራር ዓላማን ፍሽለትን ብዝተራቐቐ ንቅፈት ትገልጽ። ደራሲ ሳላ ክእለት ኣጸሓሕፍኡ ኰነ ሞያኡ ማለት ከም ጋዜጠኛ መጠን፡ ኣውራ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ምኽትል ሚኒስቴር ዜናን ሓበረታን ብምንባሩ፡ ብፍላይ ዝደረሳ መጽሓፍ ብፍላጥ ኰነ ብዘይ ፍላጥ ብሳንሱር ጥብቂ ቁጽጽርን ምርምርን ከይተገብረላ ኣብ ማሕተም ብምብጽሓ ተኣምር ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ግፍዕን ዝተሓስበ ተንኰልን ኣቃልዓ ምስጢሩ ስለ እትገልጽ ኢያ። ይኹን እምበር፡ ሓሙሽተ ሚእቲ መጽሓፍቲ ድሕሪ ምሻጥ ተዓግተት። እወ ተፈላጥነት ብምርካባ። ኣብ መጨረሽትኡ ድማ ንደራሲ ለኪማቶ ጠፍአት።
ኣየገርምን ድማ! ኣብ መጽሓፉ ተነብይዎ ኢዩ።
ብመሰረቱ፡ ደራሲ ርእሰ ነገሩ ከም ፖለቲካዊ ልበ-ወለድ ( political novel) ጌይሩ የቅርቦ። እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ “ደርጊ” ብዓብዩ ብፍላይ ደራሲ ጸጋዬ ብዝብል ስያሜ ዀነ ሮማን ሕጽይቱን፡ ከምኡ’ውን ጓል ኣስመራ ፍያሜታ እትበሃል ብንእሱ ኢዮም። ካልኦት ንኡሳን ተዋሳኣቲ ይኹኑ እምበር፡ ከም በዓል ስዕላይ፡ ተኸስተ፡ ኣክሊሉ ዝበሃሉ ኤርትራውያን ኢዮም። ካብኣቶም ከም ሓበርቲ (informants) ኰይኖም ምስ ደርጊ ክሰርሑ ከለው፡ ገሊኦም ከኣ ናይ ሓባር ሰለይቲ ((double agents) ኰይኖም ይዋስኡ። እዞም ዝጠቀስናዮም ዋላ’ኳ ንሓድሕዶም ይቀራረቡ፡ መንነቶምን ምስጢሮምን ምእንቲ ከይፍለጥ ብብልሓት ዝዛረብዎን ዝማሳጠርዎን ዝነበሩ ነቲ ስለያ ፍሉይ ድምቀት ይህቦ። ጸጋዬ ምስኦም ብብሕቲ ዀነ ኣብ ቤት-መስተ ብምርኽኻብ ምስጢሮም ክፈልጥ ይሕልን። ብዘውጽኦም ቃላትን ሓረጋትን ትግርኛ ዀነ፡ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ስርሐይ ኢሉ ንብዙሓት ዓመታት ዝተቀመጠ ይመስል። ብሕልፊ ጠባይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብመጠኑ ምፍላጡ፣ ናይ ኣስመራ ወዲ ሹቕ (የአራዳ ታደሰ/street smart) ከበሃል ይከኣል።
ደራሲ ብግዜ ሻዱሻይ ወራር ንዜናን ሓበረታን ክፍሊ ተወኪሉ ፕሮፓጋንዳዊ (መስተዋርድ) ተልእኾኡ ዀነ ንራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ንምዝራግ (ጃሚንግ) ኣብ ኣስመራ ይምደብ። ብኣጋጣሚ ምስ ፍያሜታ እትበሃል ኤርትራዊት ምሕዝነት ይጅምር። እዚ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሮማን እትበሃል ሕጽይቱ መርዓ ክፍጽም ቃል ከም ዝኣተወ ይገልጽ። ነዛ ዝጠቀስናያ ሕጽይቱ ከም ገርሂ ብተፈጥሮ ጽብቕትን በዓልቲ ምልእተ-ጸጋ ገይሩ ይገልጻ፤ ንፍያሜታ ግና ከም መስሓቲት፡ ተበላጺት፡ ተዃሓሓሊት፡ መብለጭለጪት፡ ተራኣይት፡ ዘይእምንቲ ጌይሩ የቅርባ። (characterization)
ብፍላይ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ንዝዀነ ነገር ከም ኣምሳለ ሰብ (personification) ጌርካ ምቅራብ ልሙድ ኢዩ። ስለዚ፡ ብቀጥታ ፍያሜታ ተምሳል ናይ ብዙሓት ፍያሜታታት (ኤርትራውያን ኣንስቲ) ክትከውን ትኽእል ኢያ። ከምኡ’ውን ሮማን ተምሳል ናይ ወገናታ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣምሓራ ብሄረ-ሰብ፡ ክብረ-ብእሲት ( respect for women) ብታሪኽ ዝጸንሐ ኢዩ። ደራሲ ብኣራኣእይኡ ነዚ ኣጒሊሑ ይገልጾ። ንኣብነት ማርያም ድንግል፡ ንግስቲ ሳባ፡ ጒዲት ወይ ዮዲት (Judy ኣይህዳዊት)፡ እተጌ ጸሃይቱ። በዚ ዝተላዕለ፡ ሃገር ከይተረፈት ከም ተምሳል ኣደ ኢያ ትርአ፡ ንኣብነት “እናት ኢትዮጵያ”። ኣብ ትግርኛ ተዛረብቲ ብሄረ-ሰብ ግና ካብ ኣደ-መሬት (motherland): መሬት ዓደቦ ምባል ይጥዕም። የግዳስ ብዙሓት መጽሓፍቲ ኣምሓርኛ እንተደኣ ኣንቢብና፡ ንጓል ኣንስተይቲ መልክዓን ጠባያን ኣጋኒኖም ይገልጽዋ። ስለዚ’ውን የሺመቤት (ናይ ሽሕ እመቤት)፡ ይመኙሻል (ይምነዩኺ)፡ አስናቀች (ኣንዓቀት/ኣቅንአት) ወዘተ ዝብሉ ኣስማት ይዝውተሩ። ባህርያውን ባህሊን ድማ ኢዩ። ንኣብነት ብዙሓት ኣንስቲ ጠላይን ኣስማተን ዕምባባታት ኢዩ ዘንጸባርቅ። ስለዚ’ውን ኣጸሓሕፍኡ ክጥዕመሉ (strategic scribing) ነቲ ፖለቲካዊ ስሚዒቱ ብፍቅራዊ መልክዕ የቅርቦ። ብዝተረፈ ከም ሰምና ወርቂ እንተድኣ ርኢናዮ፡-
ሮማ (ዘመናዊት ዓባይ ሮማ ዝዀነት ኢትዮጵያ) ከምኡ ፍያሜታ ኤርትራ ኢያ።
“ፍያሜታ” ስም ካብ ጥልያን “fiamma” ወይ ብእንግሊዝ “flameboyant” ዝብል ቃል ዝተወስደ ከኸውን ከሎ፡ ትርጒሙ ሃልሃልታ ወይ ነበልባል ማለት ኢዩ። ፍሉጥ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ከም ሓዊ ጌይሮም ኢዮም ዝርእይዋ ዝነበሩን ዘለውን። ብዝተረፈ ጽሑፉ መርገጺ ብምግባር፡ ብስነ-ኣምር መዳይ (psychoanalysis) ክንትንትኖ ምፍታና ምግንዛብ የድሊ።
ኰይኑ ንኤርትራ ከም “ፍያሜታ” ጓል-ኣንስተይቲ ብምቅራብ ብፍላይ ካብ ማእከል ሃገር (መሃል ኣገር) ዝመጹ ሰባት ስለ ኤርትራውያን ዘለዎም ኣረኣእያ (perception/attitude) ኣጒሊሓ ትገልጽ። ግናኸ ደራሲ ብዛዕባ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ባህሪ ወይ ጠባይ ብዕሙቐት ዝተረድአ ኣይመስልን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምእንቲ ክጥዕም፡ ንፍያሜታ ማለት ኤርትራ ኣብቲ ምቾት ዝነበሮ ግዜን ቦታን ከም እትርከብ ይገብራ። ንኣብነት ፈስቲቫል ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደሉ ግዜ ኣብ ርእሲ’ቲ መሐምበሲ ክዳና፡ እቲ ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ ፈይ-ፈይ እንዳበለ ከሎ፡ ብሃንደበት ኣብ ጥቃ ደንደስ ባሕሪ ከም እተጓነፈቶ ይገልጽ። እዚ ዝጠቀስናዮ ፈስቲቫል፡ ብባህልን ምርኢትን ዘጌጸ፡ ዳርጋ ካብ ክልተ ሽሕ ንላዕሊ ዝዀኑ ተራን በዓል መዝን ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ዝተኻፈልዎ ነበረ። ዕላማኡ ሻዱሻይ ወራር ቅድሚ ምእዋጁ፡ ነቶም ዝጠቀስናዮም ዕዱማት ንኸምዚ ዝኣመስለ ዘስተንክር ባሕሪ ካብ ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ምክልኻል ኣዝዩ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ንምትሕስሳብ፡ ብኡ’ውን ድጋፍ ንምርካብ ኢዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ኣብ ማእከል ሃገር ዝነብር ህዝቢ ካብ ባሕሪ ርሒቁ ስለ ዝርከብ፡ ተገዳስነቱ ክሳብ ክንድ’ቲ ዕዙዝ ብዘይ ምዃኑ ኢዩ።
ደርግ ብቁጠባውን ወራርን መዳይ “ሁሉ-ገብ “ ኣብዮታዊ ዘመቻ (All Purpose Revolutionary Campaign) ዝብል መርሖ ይእውጅ። ብሽፋን ግን ካብ 120,000 ንላዕሊ ዝዀኑ ወተሃደራት ዝካፈልዎ ውግእ ብምክያድ ናቅፋ ብምሓዝ ንህዝባዊ ግንባር ብሓደ-ኣፍ ክድምስስ ይዕልም። በዚ ዝተላዕለ ድማ፡ ዝጠቀስናዮ ግንባር ብዓጸፋ “ኦሮማይ” ተባሂሉ ዝፍለጥ “ስለያ ፈያዲን” መስሪቱ ኣብ ዝጠዓሙ ቦታታት (strategic positions) ሽብር ብምፍጣሩ ህልውናኡ ክዕቅብ ከም ዝደለየ፡ በዚ ኣንጻር ድማ ደርግ ምስ ዝጠቀስናዮም ደቀባት ብምትሕብባር፡ ነቶም ቀንዲ መራሕቲ ክረኽቦም ዘይሕለል ምርምርን ምኽትታልን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ከም ዝጀመረ ብሰፊሑ ይዝርዝር።
ግን ደራሲ ከም ፊሊም ኣዳላዊ ኰይኑ ኣብ ዓውደ-ውግእ ብምኽፋሉ ከም እተረበሸን ተስፋ ከም ዝቆረጸን፡ ኣብ መጨረሽኡ’ውን እቲ ውግእ “ምስ ተፈጥሮ ማለት ኣኽራናት እምበር፡ ምስ ተጋደልቲ ጥራይ ከም ዘይኰነ” የቃልዕ። ስለዚ ቀይ ኮዀብ ዘማች (ዘማቲ) ብዕጥቅኡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግእ ከም ዘይተዳለወን ከም ዘይምችዎን የተሓሳስብ። ፍሉጥ እቲ “ኦሮማይ” ዝብል ቃል ተገልቢጡ ንፍሽለት ሻዱሻይ ወራር ዝምልከት ይመስል። ኰይኑ ደራሲ ንህይወቱ ከይሰሰዐ ኣስዒቡ ብዛዕባ ውድቀት ቀይሕ ኮኾብ ዝገልጽ መጽሓፍ ከዳሉ ከም ዝተደረኸ ንርዳእ። ኣብ መወዳእትኡ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይ “ኦሮማይ” ብዝረኸቦ ምስጢር ዝኣክል፡ ከም እተታሕዙን እተኣስሩን’ኳ እንተ ገለጸ፡ ውጽኢቱ ምስ ፍሽለት ሻዱሻይ ውራር (ፊያስኮ) ክሳብ ክንድ’ቲ ኣይነጻጸርን። ኰይኑ ደራሲ በቲ ዝገጠሞ ሕልኽልኽን ድንግርግርን ዝመልኦ ፖሊቲካዊ ድራማ ፈዚዙ ይተርፍ። ኣብ መጨረሽትኡ ፍያሜታ ብዝወረዳ ምቅንጻል ዝኣክል ሓመድ ኣዳም ትለብስ። ግናኸ ከም ዝገለጽናዮ፡ እታ ዝዓረበትሲ “ኤርትራ” እምበር ፍያሜታ እይኰነትን። ስለዚ’ዉን………
“ሁሉን ትወዳለህ በመጨረሻም ሁሉን ታጣላህ። ሴላቪ (Ce’est la vie)” ማለት “ ኲሉ ትደሊ፡ ኣብ መጨረሽትኡ ድማ ኲሉ ትስእን። ከምዚ ኢያ ናይ ዓለም ነገር። ኦሮማይ” ኢሉ ይድምድም።
ደራሲ ስለ ህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ዝነበሮ ኣረኣእያ ዝጋራጮ’ኳ እንተዀነ፡ ሓቅነቱ ከቃልዕ ዘርኣዮ ተወፋይነትን ድፍረትን ዝምስገን ኢዩ። ብዝገጠሞ መቅዘፍቲ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ከይኰነስ፡ ህዝቢ ዓለም እውን ተወጺዑ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓቀኛታት ደረስቲ ኣድማሳውያን (universal) ብምዃኖም። ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘይወሓጥ ዕዳ ኰይኑ ተሪፉ። ልዕሊ ኹሉ ግና ብርዓዊ ቃልሲ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ዝበርትዐ (a pen is stronger than a sword) ምዃኑ ኣመስኪሩ።
ኦሮማይ!
Foto credit Hadgembis Dawit
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ሰባት ታሪኽ ይሰርሑ፡ ታሪኽ ብግዲኡ ንሰባት ይሰርሖም!”
Next Article ይስሓቕ ኣብርሃም – እቲ ሙዚቀኛን መምህርን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?