Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጥፊኢ ሃገር ጻህያይ

መጥፊኢ ሃገር ጻህያይ

0
By Mekonnen T. on February 21, 2019 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email


ዳኒኤል ክብረት
ትርጉም መኮነን ተስፋይ
ምትሕርራቕ፡ ሃይማኖት፡ፓለቲካ፡ ወግዒ ወይ ስርዓት ኣይኮነን።ምትሕርራቕ ካብ ዝኸሰረ ሕልና ዝምንጩ መጥፊኢ ሃገር ዝኾነ ጻህያይ ኢዩ። መጥፊኢ ሃገር ዝበሃል ጻህያይ ጸረ ኣትክልትን እንስሳታትን ዝኾነ ኣዕናዊ ተኽሊ ኢዩ። መጥፊኢ ሃገር ጻህያይ ዋላውን ነቲ መስከረም ምእታው ዘበስረና ገልገለ መስቀለ እንብሎ ዕምባባ ከይተረፈ ዘብርስ ተኽሊ’ዩ። እንስሳታት ነቲ ተኽሊ ስለዝፈልጡዎ ኣብ ከባቢኡ’ውን ኣይቀርቡን’ዮም። ንማለቱ ዘወጸኦ ዕምባባ ንህቢ እንተደኣ ተንኪፉዎ ዝሰርሖ መዓር ዘይኮነ መርዚ’ዩ። ግዝኣቱ ከስፋፍሕ እንከሎ ካብ መግዛእቲ ኣውሮጳውያን ንላዕሊ ይገድድ። ቀንዲ ስርሑ ንኻልኦት እናበርሰ ንገዛእ ርእሱ ምስፍሕፋሕ’ዩ። ከብቲ ዝብልዑሉ ናይ መጋሃጫ መሬት ንምብሓት ከም ፈረስ’ዩ ዝጋልብ። ብፍላይ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ሓያሎ ቦታታት ተነዚሑ’ዩ። ኣብ ህንዲ “ሳዕሪ ኣባል ቤት ምኽሪ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት መተካእታ ዘርኢ ዝገድፍ ኮይኑ ዓመት ምሉእ ዓምቢቡ ይጸንሕ። ክሳዕ ሓደ ሜትሮ ዝኣክል ሱር ስለዘለዎ መላእ ሃገር ክቆጻጸር ኣይጽግሞን። ዘርኡ ክሳዕ 20 ዓመት ኣብ መሬት ክጸንሕ ይኽእል። ሓረስቶት ዋግ ሕምራ “መጥፊኢ ሃገር ዝኾነ ጻህያይ” ብዝብል ስም ዘጠመቕዎ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ድማ parthenium hysterophorus ኢሎም ይጽውዕዎ።
ምትሕርራቕ ከምዚ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ፓለቲካን ሃይማኖትን ልዑል ቦታ ረኺቡ ሃገር እናጥፈአ’ዩ። እቲ ንጽሕፎ ጽሑፍ፡ እቲ እንልጥፎ ስእሊ፡ እቲ እንህቦ ትምህርቲ፡ እቲ እነቕርቦ ጭብጢ፡እቲ እንሰርሖ ስራሕ፡ እቲ እንልግሶ ሓሳብናን መርገጺና እንገልጸሉን ደው ንዝበልናሉ ዕላማ ንኽንገልጽን እወታዊ ለውጢ ንምምጻእን ተሪፉ፡ ነቲ ሓደ ንምሕራቕ፡ ሕርር ንኽብል፡ ንኽበሳጮ፡መዓንጣ ከብዱ ቅርጽ ክብል፡ ስቶማኮ ከም ትለዓሎ ንምግባር ኣውዲቕካ ንምኽትካትን ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።
ጉዳይና ኩሉ ናብ ጸላኢ ዘተኮረ ኮይኑ።
“ጸላኢና ሕርር ይበል” “በዓል ኩስቶ ጣዕ ይበሉ” “በዓል ኩስቶ ዓይኖም ደም ይምላእ” “ መዓንጣ ከብዶም ይቀረጽ” “ደሞም ይምረር” ዝብሉ ኣገላልጻታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዓብሊሎሞ ይርከቡ።
ሓደ ሊቅ ኣብ ሓደ እዋን “ኣነ ጽቡቕ ዝሰርሕ ክርስቶስ ደስ ክብሎ እምበር ሰይጣን ባህ ከይብሎ ወይ ክሓርቕ ኢለ ኣይኮንኩን” ዝብለዎ ዘረባ ኣዚዩ ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ።
ንሕና ዝኾናዮን ዝተሰማዓናን ኣብ ክንዲ ምግላጽ “ኩስቶ ነዚ ክርኢ ከሎ ክንዲምንታይ ክሓርቕ ኢዩ” እናበልካ ምስ ሲኦል ሓቢርካ ምሕሳብ እንታይ ዝበሉዎ ሕማም’ዩ።
ምትሕርራቕ ዝፈቱ ሰብ ብዘይ ጸላኢ ክነብር ኣይክእልን’ዩ። ጸላኢ እንተስኢኑ ምስ ገዛእ ጽላለቱ’ዩ ዝበኣስ። ምትሕርራቕ ዝፈቱ ሰብ ንሱ በሊዑ ካብ ምሕጓስን ምምስጋንን እቲ ካልእ ሰብ ጾም ምሕዳሩ ዝሕጎስ’ዩ። ምትሕርራቕ ዝፈቱ ሰብ ካብ ናቱ ምንባር ንላዕሊ ናይ ካልእ ሞት፡ ካብ ናቱ ምፍታሕ ንላዕሊ ናይ ካልእ ሰብ ምእሳር፡ ካብ ናቱ ምድሓን ንላዕሊ ናይ ካልእ ሰብ ምሕማም፡ ካብ ናቱ ምትንሳእ ንላዕሊ ናይ ካልእ ምውዳቕ ዘዕግቦ’ዩ።
ሃገር ክትስልጥን፡ ዘመናዊት ክትከውን ናይ ሓባር ክትከውን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ እናተሓራረቕካ ምጉዓዝ ኣይኮነን። እቲ ለውጢ ንኹሉ ከከም ዓቕሙን ከከም ብጽሒቱን እንተዘጠቐመ፡ ኣሕራቕን ሓራቕን ጉጅለ እንድሕሪ ፈጢሩ “መጥፍ ኢ ሃገር ጻህያይ” ሱር እናሰደደ እዩ’ሞ ክንነቅሕ ይግባእ።
ነቲ ጻህያይ ዘጽንዑ ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ “ መጥፍኢ ሃገር ጻህያይ” እንድሕሪ ሱር ሰዲዱ ካብ ሱሩ ንምብርቋቑ ካልእ ሳዕቤን’ዩ ዘምጽእ። እቲ ጻህያይ ከተጥፍኦ ትኽእለሉ ቀንዲ መንገዲ ብምክልኻል’ዩ። ዝተበንቆሰ ዝመስል’ውን ከይተረፈ መርዛም ዘርኡ ኣብ ምድሪ በቲኑ ሓቢኡዎ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ። ምስ ጠዓሞ ከኣ ወረሩኡ ይጅምር።
ናይ ጽሑፋትና፡ ናይ መደረና፡ ናይ መገለጺና፡ ናይ ፍጻሜታትና፡ ናይ ቃልስናን ዓወትናን ንወዲ ሰብ ዝጠቅም ገለ ነገር ንኽንረክብ እምበር ካባና ርሒቑ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ከነሕርቕ፡ ባህ ከይነብሎ እንተኾይኑ “መጥፍኢ ሃገር ጻሃያይ” ከም ዘስፋሕፍሕ ኢና ንገብር ዘለና። ብምትሕርራቕ ዝርክብ ድሕነት፡ ዝሳለጥ ፓለቲካ፡ ትህነጽ ሃገር፡ ዝምዕብል ህዝቢ ኣይህሉን’ዩ።
ምትሕርራቕ ከምቲ መጥፍኢ ሃገር ዝኾነ ቆጥቋጥ ጽቡቕ ነገር ኣጢፊኡ ንበይኑ ዝነብር ሕማም’ዩ !

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣንቶንዮ
Next Article መጋቢትን መጋቦን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?