Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ልበ ወልድ»ኣንቶንዮ

ኣንቶንዮ

0
By Mekonnen T. on October 29, 2018 ልበ ወልድ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቢንያም ዮሴፍ
2011
“ኩሉሳዕ ሕርኽርኽ ትብለኒ ሓንቲ ነገር ኣላ። ማለተይሲ፡ ጸጸኒሓ ኣብ ውሽጠይ እናተመላለሰት ተዕገርግረኒ ነገር’ያ። ነዚ ዘዕልለካ ሰብ እፈልጦ’የ ዝብል … ግን ክኣ ኣይፈልጦን’የ። ማለተይ፡ ምስ’ዚ ሰብ’ዚ ካብ ንፋለጥ ሓያለይዶ ኽብሎ፧ … ሓያለይ ዓመታት ሓሊፉ። ኣብ ሓንቲ ጋንታ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኢና ጌርና። ድሓር ኣነ ካብታ ኣሃዱ ምስ ተቐየርኩ’ውን፡ ምስቶም ደቂ ጋንታይ ዝነበሩ ሰባት ከም ገለ ኢልና፡ ሳሕቲ፡ እናክንራኸብ ድሃዩ እሰምዕ ኔረ። ንሳ ብንሳ’ኳ፡ ሳሕቲ፡ ዳርጋ ዝዕለል ምስ ተወደአ። ማለተይሲ፡ ኣለካ’ንዶ፡ ከምዚ ሱቕ ኢሉ ኹሉ ሰብ ዝርስዖ፡ ኣለካ ምሽ፡ ከምዚ ርሱዕ ዓይነት ሰብ’ዩ ኔሩ።
“ሞቱ ምስ ሰማዕኩ ግን …
“ሞቱ ምስ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዓለም ብምልእታ ብሓንሳብ ጕድል ዝበለት ኮይኑ ኣይተሰምዓንን። ኣነ ጥራይ ዝጐድልኩ መሲሉኒ። ፈጺመ ኸይፈለጥኩዎ ከም ዝሞተ ተረዲኡኒ ክሳብ እታ ዝደቐቐት መትኒ ኣካላተይ ከም ሚልዮን በላሕቲ ነገራት ተሰዊጡኒ። ልዕሊ ኹሉ ኣማውታኡ ደንጽዩኒ፡ ብዘይመጠን ጕህይ ኢለ። ቁሩብ ጽንሕ ኢለ ግን፡ ሕጂ ምስጢር ምዓሙቝ ልበይ እየ ዝእመነልካ ዘለኹ፡ እዚ ኽብሎ ዘይከኣልኩ ስሓቕ ስሒቐ።”

“ስሓቕ፧! ብሞት ሰብ ስሒቕካ፧!!!”

“ብኡነት ስሒቐ።”

“እንታይ ዝዓይነቱ ስሓቕ ወደይ፧”

“እንድዕሉ! … ከም ገለ ዓይነት ስሓቕ። በቲ ስግንጢርነት ኣማውታኡ ድዩ፡ በቲ ኣጋጣሚ ኣማውታኡ … እንድዕሉ ወደይ፡ ምስሓቕሲ ስሒቐ። ከምዚ … ኣብ ቤተ ክርስትያን ምሽ ከም ዘይሰሓቕ ትፈልጥ ኢኻ፧ ግን ኣብኡ፡ ኣብቲ ቕዱስ ቦታ ትመጸካ ስሓቕ ክትክልክላ ኣይትኽእልን ኢኻ ምሽ ሓቀይ፧ ከምዚ ሸይጣን ሕንቲኽቲኽ ዘብለካ ዘሎ ኾይኑ’ዩ ዝምዓካ ሓቀይ? ባቃ፡ ከምኣ ዓይነት ስሓቕ’የ ስሒቐ። ሓንሳብ ምስ ንብዓት፡ ሓንሳብ ብዘይ ንብዓት። ኣንቶንዮ ከይፈለጥኩዎ’ዩ ሞይቱ። ካብቶም ደቂ ኣሃዱና’ውን ዝኾነ ሰብ ከይፈለጦ፡ ማለተይ ብሓቂ ኸይፈለጦ፡ ሓሊፉ ኢለ’የ ዝኣምን። … ምዃን መንዶ ውሽጢ ሰብ ዝፈልጥ ኣሎ’ዩ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ …
“ሚልዮን ዓመት ይገብር፡ ኣንቶንዮ ኣብ ጋንታና ዝተፈላለየ ኣደማምጻ ሽም እዩ ኔሩዎ። ዝበዝሑ ደቂ ሃገረሰብ ‘ኣንተኖ’፡ ብሕልፊ ኣዋልድ ‘ኣንቴኖ’፡ ‘ኣንቴንዮ’፡ ገሊኦም እሞ ኸኣ ብጥሪኣ ‘ቴኖ’ ምባል’ዩ ዝቐሎም። ተኽለ ግን፡ ኣሕ ተኽለ መሽኪናይ ወደይ፡ እቲ ብሩኽ ወዲ፡ ካብታ ምልእቲ ጋንታ እቲ ኣዝዩ ምሁር ሰብ፡ ‘ኣንቶን ቸኮቭ’ ኢሉ ስም ሓደ ዓቢ ሩስያዊ ደራሲ ሰምዩዎ ኔሩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብታ ደቂ ሃገረሰብ ዝበዙዋ ጋንታና፡ እዛ ቕጽል ስም’ዚኣ ክትጠብቕ ኣይከኣለትን።
“ኣንቶንዮ ብቐንዱ’ውን ይትረፍዶ ስም ሓደ ዓቢ ደራሲ ኽሕዝ፡ እታ ሽሙ ምጽሓፍ’ኳ ጋዶ እያ ትኾኖ ኔራ። ነታ ቀዳማይ ክፍሊ ‘ትምህርቲ ንዓበይቲ’ ሰለስተ ድዩ ኣርባዕተ ዓመት’ዩ ሓማቲሉዋ። ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ትምህርቲ ዓበይቲ ናብ ካልኣይ ክፍሊ ፍጹም ምሕላፍ’ዩ ስኢኑ። ወይከ ምንቕ። ኣብ መወዳእታ፡ ሞራሉ ከይትንከፍ ተባሂሉ፡ ካልኣይ ክፍሊ ከም ዝሓልፍ ተጌሩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ዘምጸአ ተኽለ ምንባሩ ይውረ። እቲ ንርእሱ ብኽንደይ ደጋግፎ ሳልሳይ ክፍሊ ትምህርቲ ዓበይቲ ዝቐሰመ መራሕ ጋንታና፡ ኣንቶንዮ ካልኣይ ክፍሊ ከይሓልፍ ብዙሕ ከም ዘዕገርገረ እውን ኣብታ ጸባብ ኣሃዱና ይውረን ይሕመን። እንተ ኣንቶንዮ እሞ፡ ካልኣይ ክፍሊ ሓሊፍካ ምስ ተባህለ፡ ፌስታ ንፌስታ’ዩ ኣዊጁ መሽኪናይ።
“ንኣንቶንዮ መን ፈለማ ‘ኣንቶንዮ’ ኸም ዘውጽኣሉ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረን። ወለዱ ከም ዘይሰመዩዎ ግን፡ ብዘይካ ገለ ሓደስቲ ተጋደልቲ፡ ዳርጋ ዅልና ንፈልጥ ኢና። ምኽንያቱ፡ ሽሙ ገረዝጊሄር ድዩ ገረኣምላኽ፡ ክላሌ ዓለም! ሽሙ’ኳ ረሲዐዮ ወደይ! … እንድዒ ወደይ፡ ብዝኾነ ‘ገረ’ ኣላታ። ግን መልክዑ ፈጺምካ ገረዝጊሄር ወይ ገረኣምላኽ ኣይመስልን’ዩ። ቅድም ቀዳድም ሓንፈጽ ጥልያን ድዩ ሓንፈጽ ዓረብ ወይ ካልእ ሕንፍጽና ይንበሮ ኣይፈለጥኩን’ምበር – ኣሽንኳይዶ ኣነን ካልኦት ደቂ ጋንታይን ንሱ ባዕሉ’ውን ኣይፈልጦን’ዩ – ካብ መልክዕ ሓበሻ ብዘይካ ን…እሽተይ ወይ ቁ…ሩብ ጽልሚ ኻልእ ኣይወሰደን። ካብ ገጹ መጀመርያ ኣዒንትኻ ትውጥጠካ፡ እታ ኽንዲ ቡኛ ዝጫፋ ኣፍንጭኡ እያ። ኣዒንቱ ብጸቢብ ድልድል ዝፈላለያ ደቀቕቲ፡ ሕብረን ክኣ ኣይ ዓይኒ ድሙ ኣይ ሃሳስ ቡናዊ – ገለ ሰባት ‘ዓይኒ ህበይ’ ይብልዎ። ጨጕሩ ለሚሽ በጥ ዝበለ። ግን ሓንቲ ጨጕሪ ነጺልካ ኣብ ሞንጎ ኣጻብዕካ እንተ ኣንከባሊልካያ ኽትረጕድ! ገለ ሰባት ‘ጨጕሪ ህበይ’ ይብሉዎ። ኣቤት ኣእዛኑ ኽግልብዳ … ኣንቶንዮ ሓጺር’ዩ ኔሩ። ዶጭዳጭ። መሽኪናይ።”

“ጠባዩኸ፧”

“እንድዒ! … ክቋየቝ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥ … ኣታ ሓቀይ’ወ፡ ክቋየቝ ሰሚዕዮ ኣይፈልጥን! ኣብ ውሽጡ ኵላትና ዘይንርድኦ ገለ ዓይነት ዘየቋርጽ ሓጐስ ኔሩዎ ክኸውን ኣለዎ፡ በተን ተኣምራት ዝምጽባቐን ደርጊ ስኑ ወትሩ ፍሽኽ ምስ በለ’ዩ። ጭሕሚ ትበሃል የብሉን። ኣብተን ዳንጋ ሽጕርቲ ዳናጉኡ፡ ኣስላፉን ቀላጽሙን ግን እዚ ዘይበሃል ጨጕሪ-”

“ጠባዩ’ባ በጃኻ፧”

“እንድዒ … ባቃ፡ ሕያዋይ። … ገለ ሰባት ጽሉል ድኣ ኸይከውን ይብሉ። ግን ዳርጋ ዅልና ጽሉል ኣይንብልን ኢና። ገለ ዓይነት ዛሕሊ ኣእምሮ ከም ዝነበሮ ግን ርዱእ’ዩ ኔሩ። ጻሕጋር’ዩ ኔሩ መሽኪናይ። ማለተይ ጠምባር … እባ፡ እንድዒ፡ ከምዚ፡ ኣለካ’ንዶ ኸምዚ … ኣካይዳኡስ ርጉጽ ኣይኮነን። ደርገፍገፍ’ዩ ዝብል። ዓይኑ ድዩ ጽቡቕ ዘይርኢ ዋላ እንታይ እዚ ኽብሎ ኣይክእልን። ግን ምስ’ዚ ኹሉ ዓንደፍደፉ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር፡ ምሳና ኔሩ።”

“ስለምንታይ፧”

“ክሳብ ሕጂ እንድዒ። ኣቐዲመዶ ኣይበልኩን’የ፧ ርሱዕ እኳ’ዩ። … ክኸውን ኣለዎ መቸም። ግን በዚ ኾይኑ በቲ፡ ኣብ ጊዜ ውግእ፡ ብሕልፊ ኣብ ህጁም፡ ጥቑኡ ክኸውን ዝደሊ ሰብ ኣይነበረን። … ፈጺምካ ዋእ!”

“ኢሂ፧”

“ሓንሳብ እምኒ ገምጢሉ ነፍሱን ዕጥቁን ከረውረው፡ ሓንሳብ ኣብ ህጉም ኣትዩ ደርጓዕጓዕ፡ ሓንሳብ ብረቱ ምስ ደንጐላ ሓጸል … ዋእ! ኣሽንኳይ ነቲ ጥቑኡ ዘሎ፡ ነታ ብምልእታ ትሃጅም ኣሃዱ’ዩ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ። ኤእ ህጁም ክኣ ቃጻ’ዩ። ግን ኣይተሐስወኒ፡ ነዚ ኣነ ኣየርከብኩሉን። ቅድመይ ቀደም ነዚ ዝፈለጡ ሓለፍቲ፡ ቀቅድሚ ነፍስ ወከፍ ውግእ መዝነት መጋባይ ኣሰኪሞም ንድሕሪት፡ ኣዝዩ ድሕሪት፡ ከርሕቑዎ ካብ ዝጅምሩ እዋን በሊዑ’ዩ። ንሱ ድማ ኣብዩ ኣይፈልጥን። ኣንቶንዮ ብቐንዱ’ውን፡ መሽኪናይ፡ እምቢ ኣይትወጾን’ያ። ማይ ውረድ ኣንቶንዮ። ሕራይ። ዋርድያ ውጻእ። ሕራይ። እንድዒ’ምበር፡ ዋላ በዚ ጽደፍ እንተ ትብሎ፡ ሃው ዝበለ ገደል እናረኣየ ምተነቝተ። … ማለተይ፡ ተረዲኡካ’ሎ ሓቀይ፧”

“እህምምምም… እሞ ጽቡቕዶ የብልዓኩም፧ እቲ መጋባይ ዝኾነሉ እዋን፧”

“ወሪዱዎ! ነታ ብማይን ጨውን ጥራይ ትፍትፈት ቅጫ’ኳ፡ ነታ ቦጅቦጅ’ኳ … እንታይ’ሞ ኽብሎ’የ፡ ሓንሳብ ጨው ንግሕ የብላ፡ ኣብ ክንደይ እተን ጨውና፡ ሓንሳብ ማይ መሊኡ ሸርበ ይሰርሓ ይዋእ’ዩ። ነተን ሰለስተ ቀመማት ቦጅቦጅ ዝኾና ማይን ጨውን ቅጫ ወዲ ዓከርን፡ ባቃ ነዚአን ምዕቃን ይስእን። ብሓጺሩ ‘ወሪዱዎ፡’ ምባል ይሕሸኒ። ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኩሉሳዕ ካልኦት መጋቦ ምስኡ ከም ዝህልዉ ስለ ዝግበር፡ ንሱ ዝኸሸኖ ቦጅቦጅ ኣይንበልዕን ኢና። ንሱ ወትሩ ተጐርቢቱ እዩ ዝኸይድ መሽኪናይ።”

“እሞ ብምንታይ ድኣ ትዝክሮ፧”

“ብኽልተ ነገራት። ኣንቶንዮ ብዙሕ ተዛራባይ ኣይኮነን። ወረ ዳርጋ ኣይዛረብን’ዩ። እንተ ተዛረበ ኽኣ መልሓሱ ጽሩይ ኣይኮነን። ጸያፍ’ዩ። ማለተይ፡ ንፊደላት ‘ረ’ን ‘ለ’ን ኣይክእለንን’ዩ። ኮርታዕ ኣይኮነንን። ግን ነተን ‘ረ’ን ‘ለ’ን ሓውሲ ሕውስዋስ ‘ወ’ን ‘ቨ’ን እዩ ዝገብረን። ከምዚ ወ + ቨ ዓይነት። ልክዕ ጌረ’ኳ ኽጽሕፎ ኣይክእልን’የ፡ ንኣብነት ግን፡ ‘ጀሪካን ተሰኪምና ኽንመጽእ ከለና፡’ ኽብል፡ ‘ጀዊካን ተሰኪምና ኽንመጽእ ከወና፡’ ይብል። ሕጂ ነተን ‘ዊ’ን ‘ወ’ን ሓውሲ ‘ቪ’ን ‘ቨ’ን ኣእትወለን። … ኣሕ ብኣፈይ ጽቡቕ ጌረ መስማዕኩኻ ኔረ ብኡነት።
“ብዝኾነ ድሓን፡ ንግደፎ፡ ቁሩብ ተረዲኡካ ክኸውን ተስፋ እገብር፡ ኣቐዲመ ኣንቶንዮ ብዙሕ ተዛራባይ ኣይኮነን ኢለካ ኔረ ምሽ፧ … ጽቡቕ! እታ ኣዝያ ትገርመኒ ግን፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ትለዓል ሕቶ፡ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ኽምልስ ኣለዎ። ኣታ መልሱ ኸኣ ኩሉሻዕ፡ ቃል ብቓላ ኩሉሻዕ፡ ሓንቲ እያ። ንኣብነት ሕቶ፤
” ‘ኣሜሪካ ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ምስ ሶቬት ሕብረት ዘሰሓሕባ እንታይ እዩ፧’
“ኣንቶንዮ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ እንታይ ኢሉ’ስከ ይምልስ፧
” ‘ቀደም ኣብ ሳዊና እናሰዋሕና ኸወና፡ እቶም ብውጁዋታት ንዓና ሒደት ገንዘብ ሂቦም ንዖኦም ብዙሕ ይወስዱ ኔዎም። እዚ በወጽ’ዩ፡’ ኢሉ ኮፍ። ትርጉሙ፤ ‘ቀደም ኣብ ሳሊና እናሰራሕና ኸለና፡ እቶም ብርጅዋታት ንዓና ሒደት ገንዘብ ሂቦም ንዖኦም ብዙሕ ይወስዱ ኔሮም። እዚ በለጽ’ዩ።’
“ሕቶ፤ ‘ኤርትራ ክንደይ ብሄራት ኣለዋኣ፧’
“መልሲ ኣንቶንዮ፤ ‘ቀደም ኣብ ሳዊና…’
“ዋላ መሬት ኣብ ዙርያ ጽሓይ ዑደት ክትጽም ክንደይ ይወስደላ ትኹን፡ ‘ቀደም ኣብ ሳዊና ክንሰውሕ …’ ወዘተ። እቲ ዝገርም ኣብ ነፍስ ወከፍ ትምህርቲ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ እዩ ዝምልስ። ካልኣይቲ የብላ ሳልሰይቲ፡ እንኮ። ካልኣይ ጊዜ ክምልስ’ዩ ዘይጨቓጨቕ እምበር፡ ነዛ ሓንቲ ብውዲ ወይ ብግዲ ኽገብራ ኣለዎ። ብዘይካ ሓድሽ ሰብ ካልኦት ቀደም ስለ ዝለመድናያ ኣይንስሕቕን ኢና።”

” ‘ሳሊና’፧ ስለምንታይ ‘ሳሊና’፧”

“እንድዒ፡ ኣንቶንዮ ቐደም ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ፡ ባጽዕ ዓብዩ፡ ኣብ ፋብሪካ ጨው ‘ሳሊና’ ባጽዕ ይሰርሕ ኔሩ እዮም ዝብሉዎ። እቶም ብሃልቱ’ውን ርግጸኛታት ኣይመስለንን። ኣብ መዝገብ ታሪኽ ህይወቱ ዝተጻሕፈ ነገር ግን፡ እዝጊሀር ዋናኡ፡ ተኻፋሊ እዚ ምስጢር ኣይነበርኩን። ይኹን’ምበር፡ በቲ ምድግጋም ‘ሳሊና’፡ ኣብ ህይወቱ ሓደ ሓያል ስምብራት ፋብሪካ ጨው ‘ሳሊና’ ባጽዕ ከም ዝተረፈ ዘካትዕ ኣይኮነን። ሕጂ ተጠንቀቕ! ‘ሳሊና’ን ‘ጨው’ን ከይትርስዓለይ!”

“ኢሂ፧”

“ድሓን ኣይትረስዕ ጥራይ። ሕጂ ኣብታ ዘይርስዓ ኻልአይቲ ነገር ክኣቱ ሕደገኒ … እዋ………..ይ …”

“ኢሂ’ታ፧ … ቐጽል’ባ። … እንታይ ድኣ ዝን ትብል፧”

“ኣዪ…እ … ሓደ መዓልቲ ኣንቶንዮ ከም ሰቡ ኣፍቂሩ ኽምርዖ ደልዩ ወደይ!”

“ኣንቶንዮ!፧”

“እወ ወደይ…”

“ንመን፧”

“ንሓንቲ ኸመይ ዝኣመሰለት ዘናጥ ቈልዓ። መልክዓ ማርያም እምበር ሰብ ተትመስለልካዶኸ ጸሊእካ፧ … ቈልዓ ጓል ከተማ ኣይኮነትን። ግን፡ ዋዛ ኸይመስለካ፡ እተን ደቂ ኸተማ ዝገብራኣ ኩላ እርይ ቍጽር ኣቢላ ኸተተግብራ ትጽዕር ወናም ጓል’ያ ኔራ። ማለተይሲ፡ ኣለካ’ንዶ፡ ከምቲ ሽዑ እተን ካብ ከተማ ዝወጻ ተጋደልቲ ኣዋልድ በታ ዝርካበን ክማላኻዓ ያኢ፡ ክንዲ ቢጎዲኒ፡ ብሰፈር ቢሮ ወይ ርሳስ ወይ ብኣጻብዐን ጸጕረን ዘዛዕኵራኦ፡ ማለተይ ነዚ ጨጕረን ዕንኵርኵር ዘብልኦ ዝነበራ ወይ ንካምቻአን ወይ ስሪአን ሸጠው ቀጠው ዘብላኦ ዝነበራ ማለተ’የ … ተረዲኡካ፧”

“ኣይተረድኣንን።”

“ከመይ’ሞ ኽብለካ’የ ወደይ፧ ጓል ኣብ ዝሃለወቶ ኩነት ህይወት ክትማላኻዕ ትፍትን’ያኖ። ማለተይ፡ ሽዑ፡ እተን ምሳና ዝነበራ ኣዋልድ ተጋደልቲ ነዚ ‘ሚላኖ’ ዝባሃል ካምቻአን፡ ብዝባኑ፡ ከምዚ ‘ቪ’ (V) ዝመስል ዓይነት ቅርጺ የውጽኣሉ፡ እ… ፊንታ ስሪአን የሕጽረኦ ገለመለታት ኣለካ’ንዶ፡ … ኣይተረድኣካን፧”

“ኣይተረድኣንን።”

“ኦ… ካብዚ ንኔውሲ ንዓይ’ውን ኣይርድኣንን’ዩ። ብዝኾነ፡ ኣብታ ቘልዓ ክመልሰካ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ፡ እታ ቘልዓ፡ እታ ገዛእ ነፍሳ ጽብቕቲ ምዃና ኣጸቢቓ’ያ ትፈልጥ ኔራ። በዚኣ ፈጺማ ትሕትና የብላን። ንቝንጅናኣ ተጋንኖ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ትኽየፈሉ’ውን እያ። ወሪኣ ካብ ጋንታና ሓሊፉ ኣብ ስግርና ዝነበራ ሓይልታት’ዩ በጺሑ። ቁሩብ ትሕትና እንተ ዝነብራ ኽኣ ቀደም ተመርዕያ ምሃለወት። ቀደም ቦጕ መበሉዋ ኔሮም። ግን ክሳብ ሽዑ ዝደፍራ ስኢና፡ ብዘይ ዓርኪ ወይ በቲ ናይ ሽዑ ቋንቋና ብዘይ መዛምድቲ፡ ንጽል ከም ዝነበረት ሳላ ኣንቶንዮ ኢና ፈሊጥና። እዋይ ብኡነት፡ ይገርመካ’ዩ፡ ኣንቶንዮ ዋዛ የብሉን ነዛ ማሕማሕ ትብል ጓል ሓቲቱ። ኣቤት እታ ቘልዓ ዝተጸለለቶ እንተ ትርኢ!”

“ኣንቶንዮ ኽትምርዓዎ ከም ዝሓተታ ከመይ ጌርካ ፈሊጥካ፧”

“ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ ጋንታ ምልእቲ ዳርጋ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ፈሊጣ። ብሰንኪ ሓሰን ወዲ ጋንታና።”

“ሓሰን፧”

“እወ ሓሰን ወዲ ጋንታና። ሓሰን ብዘይመጠን ሓቀኛ ሰብ’ዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ሓቀኛ እኳ ድኣ። ሓሰን ኣይሕሱን’ዩ። ሓንቲ ኣበሩ ግን ጭርቃን ኣይጻወርን’ዩ። ጓልያት፡ እታ ኣንቶንዮ ኽትምርዓዎ ዝሓተታ ቘልዓ ማለተይ’የ፡ ሳልስቲ ምግቢ ምብላዕ ኣብዩዋ፡ ኣምዑታ ተሓሚሱ ተዓዅሊላ ምስ ቀነየት፡ ሓሰን’ዩ ንመጀመርታ ጊዜ ኣስተብሂሉላ። ከም ብጻያ መጠን፡ ቀስ ኢሉ፡ እንታይ ከም ዝኾነት ዝሓቲቱዋ ሓሰን። ጓልያት ፈለማ ዝረኸባ ምንጋር ኣብያቶ። ኣብ መወዳእታ ግን ውርደታ ከቶ ምጽዋሩ ግዲ ስኢና፡ ምስጢር ልባ ፈርሺሓትሉ። ኣዒንታ ክሳብ ዝሓብጥ እናነብዐት። ድሕሪኡ ፈዂሱዋ ረሲዓቶ ይዋእያ። ኣብ ሰሙንን ገለን ግን፡ ሱቕ’ኳ ኸይትብል፡ ኣብ ጠባይ ቀደማ ተመሊሳ፡ ነቲ ልባ ዝቐልዓትሉ ሓሰን ኣብ ማእከል ጋንታ ብጭርቃን ክንቲት ሰሪሓቶ። ሓሰን ፈጺሙ ጭርቃን ኣይጻወርን’ዩ ኢለካዶ ኔረ ሓቀይ፧”

“እወ።”

“ምስጢር ኣንቶንዮ ቶጕ ኣቢሉዋ! ምስ ቀመሙ እኳ ድኣ። ‘ከምቲ ዲሞክዋሳዊ ሕጊ መውዓ ውድብና ዝፈቕዶ፡ ከምቲ ናይ ማውክሰ ዌኒናዊ ኣገባብ ፍቕዊ፡ ንዝምድና ይሓተኪ ኣወኹ።’ ትርጉሙ፤ ‘ከምቲ ዲሞክራሲያዊ ሕጊ መርዓ ውድብና ዝፈቕዶ፡ ከምቲ ናይ ማርክሰ ሌኒናዊ ኣገባብ ፍቕሪ፡ ንዝምድና ይሓተኪ ኣለኹ።’ ኣይንርኣዮ፡ ኣይንርኣዮ … ቈልዓ ጨርቃ ደርብያ።”

“ድሓርከ፧”

“ድሕሪኡ ኣነ ናብ ክፍልታት፡ ናብ ደጀን ተቐዪረ።”

“ባቃ፧ … እታ ቘልዓኸ፧”

“ዛንታ መን ዲኻ ክነግረካ ደሊኻ፧”

“ዛንታ ኣንቶንዮ’ምበር፡ ግን ነታ ቘልዓ መን ኣልዕላ ኢሉካ፧ ቁሩብ መልኣለይ ድሕሪኡ ናብ ኣንቶንዮና ንቕጽል።”

“በል ቈልዓስ ድሕሪኡ ተደፊራ፡ ተመርዕያ። ከምቲ ትምነዮ ኣይኮነላን ይብሉ ገሊኦም፡ ከምዛ ትምኒታ ዝፈልጡ፡ ግን ተመርዕያ ኢሎማ።”

“ባቃ፧”

“ባቃ።”

“ኣንቶንዮኸ፧”

“ኣንቶንዮስ ተሰዊኡ ኢሎሞ ወደ-”

“እንታይ!”

“ኣንቶንዮ ተሰዊኡ።”

“ብኸመይ፧”

“ኣሃ! ሕጂ ጽቡቕ ሕቶ ኣምጺእካ፧ … እዚኣ’ያ ኸኣ ልዕሊ ኹሉ ትገርመኒ-”

“ኣብ ኲናት ድዩ ተሰዊኡ፧ ብጥይት፧ እስኮጆ፧”

“ኣይፋሉን።”

“ከመይ ዓይነት ኣማውታ ድኣ ሞይቱ፧”

“ኣብ ሓንቲ ኮናትል ሓርጭ ወዲ ዓከር ዝመልአት ዓባይ ማኪና ተጻዒኑ እናተጓዕዘ ኸሎ’ዩ ተሰዊኡ።”

“ከመይ ከመይ ኢሉ፧”

“ኣብ 1990 ባጽዕ ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ንሱን ካልኦት መጓዕዝቱን ኣብ ዝባን ሓንቲ ማኪና ተሰቒሎም ኔሮም። ከምቲ ዝበልኩኻ እታ ማኪና ሓርጭ ወዲ ዓከር’ያ ጽዒና ኔራ። እቲ ኾናትል ሓርጭ ብዘይ ተኣደነ ኣግማድ ብስርዓት ተጠሚሩ ኔሩ ይብልዎ። ካብዚ ወጻኢ ግን፡ ካብ ፋብሪካ ሳሊና ጨው ዝመልኣ ክልተ ዓበይቲ ኣኻይሽ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓርጭ ተጻዒነን ኔረን። እዘን ኣኻይሽ ጨው ብገመድ ኣይተኣስራን ኔረን። ኣንቶንዮ ኸኣ ኣብ’ዘን ኣኻይሽ ጨው ተተርኢሱ ደቂሱ ኔሩ። ነዊሕ ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ከባቢ ኣፋዕበት፡ ኣውቲስታ ተታኺሱ ነታ ማኪና ኣብ ገለ ጕድጓድ ኣእትዩዋ። እታ ማኪና ኣይተገምጠለትን። እቶም ኣብ ዝባና ተሰቒሎም ዝነበሩ ሰባት ግን ናብ ምድሪ ተዃዕዮም። ኩላቶም ብዘይካ ጐርጽን ጭንዳሕ-ምዳሕን ሓንቲ ኸይኮኑ ብሰላም ወጺኦም። ኣንቶንዮ ግን፡ እተን ተተርኢሱወን ዝነበረ ኣኻይሽ ጨው ምስኡ ተገልቢጠን ጨፍሊቐናኦ። … ሕሰቦ’ሞ … ጨው ሳሊና ዝጽሕር ዝነበረ ኣንቶንዮ፡ ጨው ሳሊና ጸቒጡ ቐቲሉዎ።”

“እንታይ ትብል ወደይ … ባቃ ኮይኑዎ፡ ኣኺሉዎ፧!”

“ባቃ …”

“ብኽሻ ጨው፧”

“ብኽሻ ጨው …”

“እህ……..እ!”

“ኤበ … ገሪሙካዶ፧”

“መስዋእትስ’ንካ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ …”

“ዝተጋደለ’ውን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ …”

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጦብላሕታይ ምስ ቀሺ መምህር ሙሳ ኣሮን!
Next Article መጥፊኢ ሃገር ጻህያይ
Mekonnen T.

Related Posts

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

November 13, 2020
Read More

ማይ ጸሎት

July 14, 2020
Read More

ዘብዐኛ ዒራዒሮ

April 2, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?