Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ታሪኽ ክደጋገም ይነብር፡ ነቲ ዘይነበሮ ግን ሓድሽ ይመስሎ!

ታሪኽ ክደጋገም ይነብር፡ ነቲ ዘይነበሮ ግን ሓድሽ ይመስሎ!

0
By Mekonnen T. on June 27, 2018 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Berhane Gebrehiwot

ብዋዛ ዋዛ ዝሰኣንናያ ሰላም ብዋዛ ዋዛዶ ትመጽእ ኣላ ሓቀይ፧ ጽቡቕ እስከ ንበል፡ ጽቡቕ ክገብረልና። ዘይንሱ እንታይ ንደልይ። ግዳ ኣይንዛነ፡ ዕበጦ ዕበጦን ጉያ ጉያን ጽፉፍ ነገር ስለ ዘየምጽእ -ኣይንዛነ። ብሓደ ወገን፡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ቀዪሕ ምንጻፍን ኣኽሊል ዕንባባን። ጽቡቕ እንግዶት ካብ ልቢ ምስ ዝኸውንስ ንበል -ነመስግን። ክቡር መጠን ነብሱ ስለ ዘኽብረካስ፡ ክብረት ይሃበልና ንበል። ነቶም መብዛሕትና ዘይንርእዮም ዘለና ዓረቕቲ ብኡሳት እውን ምስጋና ኣይንብቀቐሎም። በቲ ኻልእ ድማ፡ “ኣፍ ምስ ዝኽፈት ርእሲ ይረአ” ከም ዝበሃል፡ ኣፍ ምስ ተኸፍተስ ኣይተሓጐስናን ንበል። ተዋስኦ፡ ምስሉይነት፡ ምምስሳል፡ ምኽሽካሽ፡ ለመጭመጭ፡ ወርዘይዘይ፡ ወታእታእ ኣይጽቡቕን። ብትኽ ብትኽን ትኽ ብትኽን ደኣ ይኹን። እወ፡ ሕጂ እውን፡ ብመደረ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣይተሓጐስናን፡ ብመደረ ኣቢ ኣሕመድ እውን ኣይተዛነናን። ብቃል የማነ ገብረኣብ ድማ ተስፋ ኣይቆረጽናን። ነገረ ሲያሳ ከምኡን ክንድኡን’ዩ።

ኣቐዲመ ኣብ ዝሓንጠጥኩዎ፡ “ሕማቕ ዘመን መተዓዛዘቢ… ” ኣብ ዝብል ጽሑፍ፡ ሰብ ብዝተረደአ ይረድኣዮ፡ ብዙሕ ኣእንፊተ ነይረ። ርክብ ልኡኽ ኤርትራን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ድማ ፖለቲካዊ ብምዃኑ፡ ባህሪ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ኣይተጋደፎን ዘሎ። ናበይ’ዩ እዚ ኹሉ ዘብዘብ፧ ታህዋኽ ዓረቕቲ ድዩ ታህዋኽ ተዓረቕቲ ምንጪ ናይዚ ኹሉ ዘብዘብ!፧ እንድዒ። ሓደ ንምሉእ ዕድመኡ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ተቓሊሰ ዝብል ከምዚ ኢሉ ክምድር ምርኣይ ዘየሰንብድ ኣይኰነን። ሃንደራእ ኢልና ከይደምደምና ግን፡ ብኻልእ መልክዕ ክንርእዮን፡ ብኻልእ ሸነኽ ርኢና ነፍስና እውን ክንግምግምን እስከ ንፈትን እብል ብወገነይ። እወ፡ ንድኽመትን ዘርባዕባዕን መደረ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ብውሕዱ ብሰለስተ ነገራት ክንግምግሞ እስከ ንፈትን። ንምሽፋን ዘይኰነስ ክውንነት ንምድላይ።

ቀዳማይ፡ ድሕሪ ነዊሕ እሞ ኸኣ ብኲናትን ክቱር ጽልእን ኣብ ዝልለ ዝነበረ ሃዋህው ስለ ዝጸንሐ፡ ብምግያሽ ወይ ምድፍናቕ እተፈጥረ ከይከውን፡

ካልኣይ፡ ብመገሻ ኣብ ዝኸዶ መልሓሱ ጸዪቑ ዘይምለስ ሕብረተሰብ ስለ ዘዕበዮን ዘሸምገሎን ንስለ ኣኽብሮት ኣእንገድቲ ብምሕሳብ፡

ሳልሳይ፡ በቲ ባህርያዊ መስርሕ ሽምግልና (ዕብየት) እተፈጥረ ስምዒታት ከይከውን ኢልና እውን ንግዜኡ ንሕሰብ።

ኣብዚ ንግዚኡ ክለዓል ዘይደልዮ ጥርጣረ ግን ሓውሲ ጭቡጥ እውን ኣይምተሳእነን። ንግዜኡ ከጽነሖ መሪጸ ኣለኹ። ብኻልእ ሸነኽን ዘይተራእየናን ከኣ፡ ኣብቲ ልኡም መደረኡ ገለ ሓቂ ከም ዘሎ እውን ኣይንዘንግዕ። “መጺኡ ደሓር ጠጠው ዝብል ሰላም ዘይኰነ፡ ዘልኣለማዊ ሰላም ክዀነልና ንምነ” እትብል፡ ካብ እተጐድአ ልቢ እትወጽእ፡ ረዛን ቃል እያ። ከምቲ ብቃል፡ “ቁስልኹም ኣይትሕከኹ” ኢሉና ከብቅዕ፡ ኣብ ቁስልና ጨው ጥራይ ዘይኰነስ ሓዊ ዝኸዓወ መለስ ዜናዊ ንኸይከውን ምዩቕ ዘየብል ስለ ዘይኰነ፡ ዝግንዘቦ እንተ ረኺቡስ፡ ምዩቕታኡ ገሊጹን መልእኽቱ ኣመሓላሊፉን ኣሎ። ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ዝተጸፍዐ፡ ራብዓይ ወይ ሓሙሻይ ግዜ ከም ዘይጽፋዕ፡ ቃል ንበይኑ ውሕስነት ክዀኖ ስለ ዘይክእል እዩ እቲ ምኽንያት።

ብዓቢኡ ግን ኣብ ድኽመትና’ዩ ዝጠቓለል። መንእሰይ ክዓቢ ካብ ዘይደለየ፡ ንሽማግለ ከነኣእስ መልክዕ የብሉን። ሓላፍነት ስለ ዘይወሰድናን ዘይተሰከምናን እንደልዮ ክንምድር ኣይከኣልናን። በቲ ዝተባህለ ድማ ከነላግጽ ዘይኰነ ክስመዓናን ክንሓምምን ግዜኡ ኣኺሉ ኣሎ። ሓላፍነት ንምስካም ፍቓደኛታትን ድሉዋትን ክሳዕ ዘይኰንና፡ ንድኽመት ሽማግለታትና ከም ድኽመትና ንቀበሎ። ኣበይ ጸኒሕና ኸ ክሳዕ ሕጂ፧

“እቲ ኲናት ናይ ዶብ ኣይነበረን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክበርሃሉ ዘለዎ፡ ምስ ኤርትራ ብዶብ ኣይተዋጋእናን…እቲ ኲናት ናይ ቁጠባ ኲናት’ዩ። ጐረቤትካ ክህብትም እንተ ዀይኑ ንስኻ ክትህብትም ኣለካ። ጐረበቲትካ ክደኪ እንተ ዀይኑ ሓቢርካ ክትደኪ ኣለካ። ወይ ሓቢርና ካብታ ናይ ድኽነት ዓንኬል ክንወጽእ ኣለና፡ ወይ ድማ ክልቴና ኣብታ ዓንኬል ክንነብር ኣለና።” መለስ ዜናዊ ካብ ዝብል ክንደይ ድዩ ኰይኑ ዘሎ፧ ካብ ዝድርጓሓልና ማለተይ እየ። እቲ መመሳመሲ ኰይኑ ዝቐረበ እሞ ክንደይ ጸጋታት ዘባኸነን ዘባኽን ዘሎን፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ተወንዚፉ እናሃለወ፡ ገና ሕጂ እውን ክውንዘፍ ንርእይ ኣለና።

“ስነ ጥበባውያን ዝመጽእ መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ስለ እነብዕሎ ካብ ሕጂ ዘድልይ ምድላዋት ክትገብሩ፡ ኣብ ምጽዋዕ ምዝናይ ዝናፈቕኩም ሰባት፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስርሑ ስለ ዝጅምር ተዳለዉ” ድሕሪ ምባል፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ “ኤርትራውያን ኣሕዋትና እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ክብል ተሰሚዑ። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዶ ይቕድም፧ ወይስ ብዛዕባ ዝቕጽሉ ጽንብላትን ምሽርሻራትን፧ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ንኸይንሸራሸር ዝተኣጉደ ኲናት ግዲ ነይሩስ፡ ኣዲስን ኣስመራን ንኽሸራሸር፡ ሰላም ይኸውን ኣሎ እሞ ሰብ ንሽርሽር ክዳሎ ኣዋጅ ኣመሓላሊፉ። ሕመረት መልእኽቱን እታ ዝበለጸትን ግን፡ “ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዘዋጽኣና ፍቕሪ ጥራይ እዩ። እቲ ጽልኢ ፈቲንናዮ ኢና። ንኽልቲኡ ወገን ኣዕናውን ኣኽሳርን እዩ። ሰብ ይበልዕ፡ ግዜ ይበልዕ፡ ሃብቲ ይበልዕ፡ ሓንጐል እውን ይበልዕ። ጠቓሚ ሓሳብ ከፍልቕ ዝኽእል ርእሲ፡ ንኸንቱ ክፍኣት ክሓስብን፡ በየን ወገን ሓሊፈ ክንደይ ሰብ ክቐትል እኽእልን፧ ብምባል የሰላስል። ሰብ ንምቕታል ካብ እንሓስብ፡ ሰብ ንምቕታል ድቃስ ካብ እንስእን፡ ምዕራብ ትግራይን ብኡ ዘሎ ክፋል ኤርትራን ብኸመይ ብሓባር ነልምዕ፡ ብኸመይ ብዘይ ዶብ ብሓባር ኴንና ንሓባራዊ ሰላም ንሕልዎ፡ ብኸመይ ንዝሸገረና ንዕኦም ተወኪስና ዘለና ትርፊ ድማ ሓዊስና ንጠቓቐምን ሓቢርና ንንበርን ኢልካ ምሕሳብ ንዓና ይጠቕመና’ዩ። መበገሲና፡ ንደቅና ጽልእን ቂምን ኣይነውርስን’ዩ፡ ብኣና ይወዳእ፡ ኤርትራውያን ኣሕዋት እውን ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ከም ዝሓስቡ እምነት ኣለኒ” እታብል እያ። መዓር ክነሳ ግን ኣብ ውሽጣ ግን ደቦኽናይ ኣይሰኣናን። “ብወገንና ንሰላም ዘይንኸፍሎ ዋጋ የሎን” ኢሉ ኣሎ ኣቢይ። ጽቡቕ ከኣ ንብል ንሕና።

ኣብዛ፡ “ንድሙቕ ኣቀባብላ ከመስግን እፈቱ። ሎሚ (ድሕሪ 20 ዓመት እዩ ምርኻብና ዝኸውን ዘሎ) ክንራኸብ እንከለና ግን፡ 20 ዓመት ዝኣክል ዘይተራኸብና ዘምስል ነገር ኣይነበረን። ኣብ ቀጻሊ ርክብ ብሓባር ከም ዝነበርና ኢና እተራኸብና ሎሚ። ኣብ መንጎና ዝዀነ ፍልልይ፡ ዝዀነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ የሎን። ሓደ ዘሕዝን ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዓጺና፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣቲና ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ቀዳማይ ምኒስተር ከም ዝበሎ፡ ሓደ ሓደ ‘ናእሽቱ’ ሽግራት፡ ንሎምን ንቀጻልን ክህሉዉ ዝኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ዓይነት ነገራት ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ወይ ክልተ ህዝብታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተ ሰብ እውን ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ከም ዝበሎ፡ ብምርድዳእን ምዝርራብን ከም እንዕወተሎም ንኣምን። እምነትና ድማ ኣብዚ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ናይ ክልቲኡ መሪሕነት ተባዕ ውሳነ ብምዃኑ እዩ።” እትብል ሓጻር መደረ የማነ ገብረኣብ ግን ብዙሕ ዝተሰኽሰኸን ዘዛርብ ዛዕባታትን ምህላዉ ኣፍኢሙልና ኣሎ። ብመሰረት መደረ የማነ ማንኪ፡ ጉዳይ ይጅመር እምበር ከም ዘይተወደአ ኣፍኢሙ ኣሎ።

ዕዉር እንታይ ይደሊ ብርሃን። ነጋዳይ እንታይ ይደሊ ደሓን። ዓኻይ ከ እንታይ ይደሊ ሰላም። ከታሪ ኸ እንታይ ጸላም። ስለዚ፡ ጉልባብ ከታሪ ንዝዀነ ጸላምስ ዕድል ንኽላእ ደኣ። ሕቶታትና ኣብ ቦታኦም፡ ምክትታልና ነሕይል። ዋንነት ሰላም ይሰመዓና።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከምኣ ኮይነ ነይረ
Next Article ብሲስ ማሳዋ
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?