Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ኰንቱነት ናይ ኰንቱነታት፡ ኩሉ ኰንቱነት እዩ!”

“ኰንቱነት ናይ ኰንቱነታት፡ ኩሉ ኰንቱነት እዩ!”

0
By Mekonnen T. on February 12, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

(ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን – 4ይ)

 

AMAN TEKESTE WELDESLASIE EMNETU

 

ኣብ ከባቢ ለካቲት 2010 ኣብ ኣቡ-ዳቢ፡ ካብቲ ናይ ህንጻ ቦታ ስራሕና፡ ብኣሰራርሓ ግብጻውያን መሳርሕተይ ኣመና ሓሪቐ ናብ ቤት-ጽሕፈትና እናኸድኩ ከለኹ፡ ኣብ ሓደ ጽምው ዝበለ ኲርናዕ ቪላ፡ ሓንቲ ጓል 23-25 ዓመት ትኸውን ቀያሕ ሓጻር ኤስያዊት፡ ቴሌፎን ሒዛ ክትንኽነኽ ርእየያ። ናይ ሓቂ መሪር ብኽያት እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጦ ቃና ብኽያት ብምንባሩ፡ ስምዒት ርህራሀ እዩ መስለኒ ንኸብደይ ክወሮ ጀመረ። ዋላ’ኳ ኣብ ኢማራት ዓረብ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ገይረ ይንበር (ንዘይትፈልጣ ጓል እሞ ኸኣ ትበኪ ዘላ ምቕራብን ምዝራብን፡ ዓረባውያን ብኻሌታይ ስሒቦም ከየፈራርሑኒ ስግኣት እናሃለወኒ) ከዛርባ ወሲነ።

 

ዝርርባ ምስ ወደአት፥ “ኣር ዩ ኦኬ? ዋት ሃፐን?” ምኽንያት መብከዪኣ ክትነግረኒ ተተስፈኹ።

“ዘይ ጃስት ቶልድ ሚ … ዘይ ጃስት ቶልድ ሚ ዛት ማይ ማም ሃዝ ፓስድ ኣወይ” ኣብቲ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት፡ ብጸጋማይ ኢዳ ሞባይል ሒዛ ርእሳ ተደጊፋ፡ ብየማናይ ኢዳ የዒንታን ኣፍንጪኣን እናደረዘት ተዛረበትኒ። ከብደይ ምግምጣል ገዲፉስ ብሓያል ጉስጢ ከም ዝተሃርመ፡ ኣምዑተይ ዝሑው በለኒ። እቲ ርህራሀ ጥራይ ዝነበረ ስምዒት፡ ኣሻቡ ናብ ፍርሒ ተቐይሩ ኣይፈልጥን። እቲ ዜና ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣገባባቱ ብምስትብሃለይ’ውን ተወሳኺ ነዳዲ ኰይኑዎ ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደቒቕ ዘይከውን፡ ብሕርቓን ተነፊሐዮ ዝነበርኩ ናብ ርህራሀ ጸኒሑ ድማ ናብ ፍርሒ ምልዋጡ፡ ሕብሪ ውሽጠይ ገረመኒ።

“ሊቭ ሚ ኣሎን ፎር ኤ ዋይል … ዱ ዩ ሃቭ ቲሹ?” መንዲል-ወረቐት ሂበያ። ኣብቲ ማዕዶኣ ኮይነ ክከታተላ ወሲነ። ድሕሪ ቊሩብ ደቓይቕ፡ ንብዓታ ሓቢሳ ናብ ሓደ ቤት-ጽሕፈት ኣትያ። ድሕሪኡ እዋን ርእየያ ኣይፈልጥን። ዘይሃስስ ስእሊ ፈጢራትለይ ዘይኮነስ፡ ዘይርሳዕ ስምዒታት ኣሕዲራትለይ። ብዝኾነ፡ ኣብ ዝሃለወት ብሰላም ትሃሉ።

*****

 

ክቡር ወላዲ ተኸስተ ወልደስላሴ እምነቱ ማለት! ኣሕሕ…! ካብ ትፍለ ድሮ ዓመት ምሉእ ጌርካ ሎሚ መዓልቲ። ኣብታ መርድእኻ ምስ ሰማዕኹ ንኣዝዩ ነዊሕ ሰዓታት ኮፍ ኢለላ ዘምሰኹን ዝሓደርኩን ቦታ፡ ኣብኣ እየ ኮፍ ኢለ ዘለኹ ሕጂ። ንርብዒ ዘመን ብጥቡቕ፡ ንዓሰርተ ዓመት ብማዕዶ ዘሕለፍናየን ናይ ህይወት ጽባቐ ዝዀኑ ወቕትታት፡ እቲ ሃዋሃዋ እቲ መኣዛ ካብ ዝፍለየኒ ድሮ ዓመት ምሉእ ኰይኑ! ዝተረፉ መዋእለይ – ዕስራ፡ ሰላሳ ወይ’ውን ሓምሳ ዓመታት፡ መልሲ ብዘይትረኽበሉ ሃንቀውታ ክትካእ ክነብር  ማለት’ዩ። ሓንቲ መልኣኽ መሰል ጽብቕት ጓል ሄዋን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ቊ.__ ኣውቶቡስ ክትስቐል ርኢናያ ኢሎም፡ ንዘይፈልጥዋ ጓል ጽባቐኣን ኣራግጻኣን እናበሉ መጽሓፍ ምሉእ ዝጽሕፉ ዝገጥሙ እናሃለዉ፡ ንዓኻ ንምግላጽ ክንደይ ግዜን ቈጽሊ ወረቐትን ኰን ከድሊየኒ እዩ።

 

ብዛዕባ ምጽሓፍን ምግላጽን ዶ ተዛሪበ፣ ኣብ ባጽዕ ከም ኮንትራክተር ናይ ህንጻ ኴንካ ንሰላሳ ዓመት እናሰራሕኻ መዋእልካን ሃምኻን እኳ እንተሓለፈ፡ እቲ ብውሽጢ ዘቓጽለካን ዝግንፍልን ዝነበረ ፍቕሪ ባህልን ቋንቋን ኣበይ’ሞ ስሒተዮ። ብኣግኡ እየ ገጢመዮ። እቲ ናይ ውሽጥኻ ሓይልን ስምዒትን ብኻልኦት ደቕኻ ስጋ ለቢሱ ምስ ረኣኻ ማዕረ ኽንደይ ተሓጒስካ’ውን ዝዝንግዖ ኣይኮንኩን። እንተ እቲ ን30 ዓመት ከም ኮንትራክተር፡ ብሓፈሻ ድማ ን50 ዓመታት ዝሰርሓሉ ስራሕ ህንጻ፡ ኣነ ውሉድካ – ውላድ ብርክኻ፡ ‘ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ’ ኮይኑ ኣብ 2007 ብስነ-ህንጻ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምስ ተመረቕኩ፡ ዘርኣኻዮ ሓጎስ-ደስታ መተካእታ ኣይነበሮን። ገጽካ ከም ጽሓይ ኳዕ ኢሉ እዩ ውዒሉ። ከምቲ ንስኻ ንባጽዕ ብኣማኢት ቪላታትን ገዛውትን ዝሰለምካያ፡ ኣነ ኣርከበ ወድኻ’ውን ብፐላሶን ቪላታትን ከወቅባን ከገርማን ብሓሳብ ግዲ ተቐጂሉካ፥ “ኣብ ህይወተይ ከም ሎሚ ኮሪዐ ኣይፈልጥን” ዝብላ ዓይነት ሓረጋት ክትደጋግመን ውዒልካን ኣምሲኻን። ተኸስቲኖ ነብሲ፡ ኩሉ ግዜ ፍሱህን ድሱትን እኳ እንተ ነበርካ፡ ሽዓ መዓልቲ ግን፡ ካብተን ብኣይ ኣዚኻ ዝተደሰትካለን መዓልታት ሓንቲ ብምብንባራ ብናፍቖት እዝክራ ኣለኹ።

 

እቲ ንስኻ ትምነዮ ምህሮን ሕልምን ኣብ ወድኻ ስጋ ለቢሱ ክትርእዮ ምኽኣልካ፡ ከምዚ ኣዝዩ ፍሉይ መሲሉካ’ምበር፡ ብሲቪል ኢንጂነሪን ምምራቐይ ዝኾነ ፍሉይ ነገር ኣይስመዓንን ነይሩ ዝገርመካ። ዝኾነ ዓውደ-ትምህርቲ ፍልልይ የብሉን፣ ትሰርሓሉ ባይታ/ሃገር ጥራይ እዩ ወሳኒ። ብዝኾነ ከዕልለካ እንዶ ግዳ፡ ኣብ 2003-5 ዝነበረ እዋናት፡ “ዓዲ ተስፋ የብላን’ሞ ንስደት መርሽ”፥ “ደስቲኒ ህይወትካ ንምእላሽ ንስደት ሰጒም” ዝብሉ ዝፈልሑ ስምዒታት ተጻዊረ ትምህርተይ ብምውዳእ፡ ንሓንሳእ’ውን ትኹን ከሐጉሰካ ምኽኣለይ ግን ሕልፊ’ቲ ዲግሪ፡ ንዓይ ባህታ ክህበኒ ጀሚሩ። እንተ ወሓደ ሓንቲ ቊም-ነገር ዝገበርኩዋ ኣብ ህይወት እንተ ሃልያ እዛ መትከል ጥራይ እያ ክትኸውን ትኽእል ኢለ ደምዲመ’የ። እቲ ካልእ ህይወት፡ ተራ ዝርዝር ካብ ምዃን ሓሊፉ ምንም ትርጒም የብሉን። ስለምንታይ? ከም ዘይትብል’ኳ ፍሉጥ እዩ። እቲ ምንታይ፡ እቲ ሕልምኻ ዝነበረ፡ በቲ ትምህርተይ ገይረ ንባጽዕ ክሃንጻን ከጸብቓን እዩ፣ እንተዀነ ጠንቂ ስደተይ ብምኽሳቱን ብምግዳዱን ኰንቱ ኮይኑ ይርከብ። ብዓል ምሉእ ተስፋን እምነትን ግዲ ኴንካ፡ ክሳዕ’ቲ ኣነ ዝምረቕ፡ ነገራት ዝመሓየሽን ዝኽፈትን መሲሉካ ነይሩ። ኣብ ኣሽካዕላል ህይወት ዘይትኣምን ምንባርካ ኩሉ ግዜ ምስ ኣገረምካኒ ኢኻ። ንሰላሳ ዓመት ንባጽዕ ሰላሊምካያ ከተብቕዕ፡ ነታ ሓወልትኻ ዝነበረት ብዙሕ ዝኽሪ ዝነበራ ህንጻኻ እንድዮም ኣፍሪሶማ ግዲ።

 

ባጽዕ! ንሱ ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ኣንጺፉልኪ እምነ-ኲርናዕ፣ ኣነ ኣብ ስደት ምልኣት ንዘይርከቦ ሕቖይ እምናዕ፣ ብሓለንጊ ናፍቖትክን ናፍቖቱን ልበይ ይውቃዕ፡ እከዶ’ለኹ ህይወት ብዘይ ረዳኢ ብዘይ ምጽንናዕ።

ብድሕሪኡ ሕልምታተይ ተፈንጢሑ፣ ትዝታይ ምስኡ፡ ህይወት ትርጉም ስኢነሉ፣ ባህገይ ከም ሓርጭ ኣብ ንፋስ ተበቲኑ።

ብቪላታት ብህንጻታት ቀይርዎ ዝነበረ ለጻይ መሬት፣ ኣነ ኣብ ስደት ዝሃንጾ ንብላሽ ከም ዓለባ ሳሬት።

ንሱ ኣብ መሬትኪ፡ ኣብቲ ጥዑም እዋን፡ ከቢሩ ኣጊጹ ረጊጹ፣ ኣነ ኸኣ ብዓረባውያን ካብቶም ዝርገጹ።

 

ሰለስተ ሚእትን ሱሳን ሓሙሽተን መዓልታት ጌርካ ብሞት ካብ ትፍለ! 2100 ኪሎ-ሜትር ካባይ ርሒቕካ እናተቐበርካ ከለኻ፡ ብምዕባለ-ኣምጸኦ መሳርሒ ተጠቒመ፡ ኣንፈተይ ናብ ኣንፈት መቓብርካ፡ ናብቲ እምባ-ጠቐራ ብምግባር፡ ንፍርቂ ሰዓት ደው ኢለ ኣፋንየካ እየ። ዋላ’ታ መሰረታዊ ስንብት ብኣካል ተረኺበ ሓመድ ኣዳም ከልብሰካ ዕድል ኣይረኸብኩን። ህይወት እንታይ ዝበለ ኣሽካዕላል ኣሎዋ! ልዕሊ ደርዘን ናይ ዝፈልጦምን ዘይፈልጦምን ቀብሪ ከም ዘይከድኩስ፡ ኣብ ቀብርኻ፡ ቀብሪ ናይቲ ፍቊርን ኣርኣያን ኣቦ፡ ክኸይድ ዘይምኽኣለይ ዘየስደምም ኣይኮነን።

 

ኣብቲ ዝበረኸ ጥዑም ዝንፋሱ እምባ-ጠቐራ፡ እምባ ክነስኻ ሰፊርካ ኣብ ልዕሊ እምባ፣

ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ብጐንኻ፡ ዓይኒ መረብ ኣብ ትሕቴኻ፣

መላእ-ጽልማ-ሰፍኣ፡ መላእ-ሓማሴን፡ ኪኖ-ባርካ፡ ኪኖ-ዓረዛ ኣብ ዙርያኻ፣

ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ልዕሌኻ፣

ጻድቕ ኢኻ ተኸስቲኖ፡ ዕድለኛ ኢኻ ንስኻ፣

ቀኒኤሉ ስፍራ መዋእልካ።

 

ትዝክሮ ዶ ብለካቲት 8-10፡ 1990 (ሓሙስ፡ ዓርቢ፡ ቀዳም) ካብ ዝናብ ጠያይት፡ መዳፍዕን ናፓልምን ነፈርቲ ከውሊ ንምርካብ ኣብ ርእሲ ምድሪ ኣብቲ ትሰርሖ ዝነበርካ ህንጻ ክንዕቀል። መኖም ይውርውሮ ኣሎ ዘይፍለጥ እልፊ መዳፍዓት ኣብ ጥቃና ክዓልብ፡ ብኽልተ የእዳውካ ንሰለስቴና ንኣሽቱ ደቅኻ ከም ነጸላ ሸፊንካ ከተማሙቐና ካብ ፍርሒ ሞትን መልኣከ ሞትን! በቃ ሽዑ እቲ ኣስራዚ ኣእዳውካ ምስ ተዓዘብኩ፡ ካን ትመውት ፍጥረት መዓስ መሲልካኒ።

 

ክነግረካ’ባ ኸኣ ሓንሳእ ኣብ ሉና ሆቴል፡ ሓንሳእ ኣብዚ ዝበልኩኻ ርእሲ-ምድሪ … ብርሑቕ እናኽስማዕ ሓያል ነትጒ – ኣብ ጥቓና እንኽወድቕ ዘየቋርጽ በርቂ – ብቕድሚት ረመጽ ተጋደልቲ – ብድሕሪት ስሕለት ጸላእቲ – ብላዕሊ ሓዊ ዝንስንሳ ነፈርቲ – እልፊ መዳፍዕ እናክወድቕ ክንርእዮ – ኣየናይ ካብ መኖም ምልላይ ክንስእኖ – ኩሎም “እዝጊዮ..! እዝጊዮ..!” ኢሎም ክንቕንቕዎ ንመሬት – እቲ’ኳ መዓት ብመዓት ክደጋገም – ዘመን ከሽካዕልል ከም ተመን … ሽዑ’የ ዝብለካ፡ እቲ “እዝጊዮ..! እዝጊዮ..!” ዝብል ደሃያት ልመና ኣንስትን ሰብኡትን ቈልዑን ዘይኮነስ፡ እቲ ዘይርዕድ ገጽካን ዘይጽዓድ መንፈስን እዩ ተስፋን እምነትን ፈጢሩለይ ዝነበረ። እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ ኣብ እንዳ-ሶራ ቤ/ት ሳንፍራንቸስኮ ዝተላለኹዎ ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ግዙፍ ህላውነትካን ዘይጽዓድ መንፈስ ኣንበሳ ዝመንፈስካ እዩ ሓይሊ ፈጢሩለይ። … ሓጋይ ኣትዩ፡ ትመውት ኴንካ መዓስ ተሰሚዕኻኒ! “ንኹሉ ነገር ገጊዚኡ ኣለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ ኣለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ ኣለዎ፡” ዝብል ጥቕሲ መጽሓፍ መኽብብ ኣበይ እሞ ዲል ሂበዮ። ህይወት፡ ኩሉ ናይ ኰንቱነት ኰንቱ እዩ ብሓቂ። ቊሩብ ዘይጸናሕኻ፡ ከተመርዕወኒ፡ ፍኖት ወደይ ከሕቚፈካ ስምምዕ ዶ ኣይነበረናን ቅድሚ ቅሩብ እዋናት?

 

ኦሜጋ

ተጸብየ ብሃንቀውታ፡
ኸርክበልካ፡ ክፈልጠካ
ስዕም ሕቑፍ ከብለካ፡
ተኣሊኻ ግን ከይረኣኹኻ!

ወዲባጽዕ፡ ካበዕረፍካ
እዝጋብሄር ይምሓርካ!
ሰላም በለለይ ነቲ ንዓይ ዝወለደ
ወሊዱ ግና ከየለለኹዎ ቀደም ናብኡ ዝኸደ።
ከምዚ ብምባል እኳ’ያ ገጢማትልካ ድሕሪ ዕረፍትኻ። ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መስመራት ዘለዋ ቀዳሞት ፊደላት ሓቢረን ስምካ’የን ዝጽውዓ ተኸስቲኖ።

 

መድሃኔ እምባየ፡ ክፍሎም ተኸስተ፡ ትምኒት፡ ተኸስቲኖ … ኣኣብ ሸሞንተ ዓመታት እናተኸታተልኩም’ባ …  እተን ምሳኻትኩም ዘስተማቐርኩወን ዓመታት ኣመና ውሑዳት፡ ብናፍቖትኩምን ሃንቀውታኹምን ክልሎ ዘሕልፎ ግን ንመዋእለ መዋእላት! ህይወት ግን ስቓይን ቃንዛን ደኣ’ምበር እንታይ ምልኣት ኰን ኣሎዋ?! ብዝኸድካዮ Sorrow, suffering, Misery … ፋል ሂወት ምዃኑ ድዩ?! ካብዚ ሳሮው-ሳፈሪን-ሚዘሪ እንታይ ኰን እዩ ክርከብ? እንታይ ንምጭባጥ ኰን እዚ ኹሉ ጸሊም ነበልባል? ንኹሉ መወዳእትኡስ ሞት እንድዩ? መወዳእትኡ ሞት ንዝኾነ ህይወት ሲ ንምንታይ ክንድዚ ስቅያት?

 

ስቅያት ምስ ስቅታ ሰማያት!

“ኤሎሄ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ!”

 

ዘፍቀርካዮ ዘይትጭብጦ፡ ዝተመነኻዮ ብሃንቀውታ ጥራይ’ምበር ዘይተርክቦ፡ ዘይትደልዮ ዝጠብቀካ ህይወት!

 

ኣብ ቤት-መግቢ ሓማሴን፡ ቤት-መግቢ ሩባ ሓዳስ … ወዘተ. ምስ ጥዑም ዕላል ኣቦን ወድን ምስ መወዳእታ ዘይነበሮ ነዊሕ ሰሓቃት እናገበርና ዝበላዕናዮ ላዛኛ፡ ጥብስን ጽብሒ-ደርሆን ወዘተን ክሳዕ ሎሚ ዝኽሮም ደሚቖም ኣሎዉ። ብሓባር ኴንና ከነዕልል እንከለና ናይ 40 ዓመት ፍልልይ ዝነበረና ዘይመስል’ኳ ዝነበረ። ኣብ ባር-ትረስተለ፡ ባር-ኢምፐሮ፡ ባር-ቸንትሮ፡ ባር-በረኸት፡ ባር-ሓደ መስከረም፡ ባር-ኣማኑኤል ዝሰተናዮ ማኪያቶን ካፑችኖን፡ እቲ መቐረቱ – እቲ መንፈስ ዕላል፡ ኣበይ ክረኽቦ እየ ሕጂ። ላዛን መቐረትን ናይዞም ውዑያት መስተን ዕላልን ሒዝካዮም ኬድካ ተኸስቲኖ ወለሎ። “ቀደም ነይሩ መስተ፡ ቀደም ነይሩ ዕላል” ክብሉ ኸለዉ’ቶም ሽማግለታት፡ ሕጂ ተረዲኡኒ እቲ ምስጢሩ። ብሓቂ ቀደም ነይሩ ዕላል፡ መግብን መስተን። ኣብ እንዳ-ማርያም ኣስመረይቲ ኬድና ኣብቲ ትሕቲ ጽላል ኣግራብ ኮፍ ኢልና ምስቲ ህዱእን ዝሑልን ንፋስ ዝፈጥረልና ዝነበረ ባህታን ደስታን፡ ብዛዕባ ሃይማኖት፡ ባህልን ያታን ከነዕልል ከምዚ ሕጂ ኮይኑ ይቕጀለኒ’ሎ። ኣብ ጉዕዞ’ዞም ኩሎም ዕላላት እንድየ ንኹሉ ባህላዊ ቃላት ፈሊጠዮም። ብዓል ዕርፊ፡ ነዊት፡ ኣርዑት …..፣ ብዓል ጥዝእ፡ ጓጒድ፡ መጒእ፡ ጋብላ፡ ሒላብ …….፣ ብዓል መዝርኢቶ፡ ቅርጫት፡ ስግርፍኦ፡ ሚሐ፡ ግተት …..፣ ብዓል ጭርናዕ፡ ኣባ-ጉንባሕ፡ ዓንኬባር-ቆቋሕ፡ ዳንደ-ዛግራ፡ ኣሻዓል-ኣንበላይ-መጋል ኣፍራስ …….፣ ያታዊ ሕጊ እንዳ’ባን ስርዓት ባህላዊ መርዓን …….፣  ኣውሊዕ፡ ሳግላ፡ ጋርሳ፡ ክሊዓው፡ ዓጋም፡ ምልዖ፡ ታህሰስ፡ ሰራው…. ክንደይ እሞ ክብሎ?! እንታይ-ከ ነይሩ’ሞ ካባኻ ዘይቀሰምኩዎ ያታዊ ምህሮታት?! ልዕሊ’ቲ ዝርዝር ኣስማት ግን ንኹሎም’ዞም ያታውያን ኣስማት መምስ ውከላውነቶም ብምግባር ብዙሕ ምስጢራት ህይወት ኣረዲእኻኒ። ….. 60 ዓመት ካባኻ ዘይተፈልየት ማርቴሎ ከም ኣርማኻ ሒዘያ’ሎኹ፣ ባህሊ/ያታ ዓደ’ቦኻ ኣብ ልበይ ገይረዮ’ሎኹ፣ እተን ትፈትወን ደርፍታት ‘መለይ’፡ ’ሚሌና’ ዝብላ ናይ በረኸት ካብተን ምሩጻት ደርፍታተይ ኮይነን ኣለዋ። እንታይ ደኣኸ ‘መ’ ዝጅምሩ ኣምራት ትፈቱ። ማርቴሎ፡ መለይ፡ ሚሌና፡ ማሳዋ፡ መረብ፡ መሎቲ?!

 

ኣነ ከም ቈልዓ-ባጽዕ ብዛዕባ ባቺካነ፡ ዶዳፍ፡ ባቓ፡ ዓረቢ … ከጽንዖም ሒዂ ክብል ከለኹ፣ ምስ ባህልን ያታን ዓደ’ቦና ኣፋሊጥካኒ። ቦኽሪ ወድኻ፡ መጽሓፍታት ወዲ-ሓደራ፡ መሳዂቲ-ማይምነ፡ ክልተ-ቅነ-ኣብ-ድፋዓት፡ ፈታው-ሰዓት፡ መኸተ፡ ፍርዲ-ጎቦ-ዓረይ… ወዘተ. እናገበረ ክምግበኒ ከሎ፣ ንስኻ ድማ እቲ መንፈሳዊ ዛንታን ትረኻን ክሳብ ሕጂ ብድምቚ ኣሎ ኣብ ልበይ። ብፍላይ መኣዲ ምሳኻ ከም ዓቢ ትዕድልቲ’ዩ ነይሩ። ዛንታታት ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ሙሴ፡ ያዕቆብን ደቊን፡ ዛንታ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ፡ እዮብ፡ መዝሙር ዳዊት፡ መጽሓፍ መኽብብ፡ ምስላታት፡ ሉቃስ ምዕ-15፡ ፓውሎስ ምስ ሰብ ሮሜን ቆሮንጦስን … ዘዘንተኻዮ ኣሎ ኩሉ ምስ ዝኽርታቱ። ነቲ ብሰንኪ ስሕለትን ደብዳብን ጸላኢ ብስቅታ ሰማያት ምስ ተሓልፈ፡ ንዕኡ ክቅበሎ ብዘይ ምኽኣለይ ናይ ምጥርጣር መንፈስ ዝነበሮ ልበይ፡ በቲ ሓይሊ ትረኻኻን ዝምስጥ ምዕዶኻን እንዲኻ ፈዊስካዮ።

 

ከም ሓላል ፈቃር ኣቦ ተፈሊኻኒ፣ ከም ኣርኣያ ተባዕ መንፈስ ተፈሊኻኒ፣ ከም ኳዕና መጽለሊ ተፈሊኻና፣ ከም ብሉጽ መምህር ባህልን ቋንቋን ተፈሊኻኒ፣ እቲ ግዙፍን ምዕሩግን ህላውነትካ፣ እቲ ብርቱዕን ሓያልን መንፈስካ፡ ኰታ ኩሉ ግሩም ዘበለ ኣቦ ዝውንኖ ባህርያት ነይሩካ፣ ተፈልዩና ግን። ትርጒም ህይወት ከም ሕጂ ትርጒም-ኣልቦን ኰንቱን ምዃኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ጥቕማን ጽባቐኣ ተዘሪጉኒ። ከምዛ ዓመት ድዂምን ረዳኢ-ኣልቦን ስምዒት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። መትከላት ሂወተይ ከም ዝነቐጸ ዕንጨይቲ፡ ሓዊ ረኲዓሉ ዝብል ሓሳብ ጥራይ እዩ ዝመጸኒ። ናፍቖትን ሃንቀውታን መግለጺ ሓቂ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ተሰቊሩኒ እንድዩ፣ እንተዀነ ሓቂ ደኣ እዩ ዘለዎ’ምበር፡ ምልኣት ወይ’ውን ጽባቐ ግን የብሉን።

 

እዝከረካዶ! እቲ ሓደ መዓልቲ ናብቲ ዝባን እምባ-ጠቐራ ሓቢርና ምስ ሓኾርናዮ፤ ብየማንና መላእ ሎጎ-ጭዋ፡ ከበሳ-ጭዋ፡ ተኸላ-ዓገባ፡ ሚናበ-ዘርኣይ ክንምልከቶ፣ ፊትና ድማ ኪኖ ሊባንን ሓበላን፡ ሰፊሕ ጎላጉል ባርካ ከነማዕዱ፣ ብጸጋምና ከኣ ክሳብ ዓረዛ-ማይድማ፣ ብድሕሬና’ውን ጽልማን ሰፍኣን ጉሕጭዓን ደቡብን ብዘሎ ክንጥምቶ?! ኣብ ትሕቴና ድማ መረብ ካብ ጎቦ ዓደ’ባ ገረኽርስቶስ፡ ካብ ጭሮ-ዱባ፡ ካብ ዝባን በዱ እናወረደ ብዝተፈጥረ ዝናብ-ማይ፡ ምስ ተኣከበ ድማ ራሕሲ ፈጢሩ ክውሕዝ ከሎ ክንከታተሎ ከምዚ ሎሚ ኰይኑ ይስምዓኒ’ሎ። ካብዘን ሰለስተ ዝባናት ብዝተኣከቡ ወሓይዝ ምስ ተጠርነፈ፡ መረብ ክውሕዝ ከም ዝጅምር፡ ኩላ እታ መስርሕን ጒዕዞኡን – ብውከላውነትን ውስጠዘን ናይ ሃገርን ሕብረተሰብን ጌርካ ክትገልጸለይ ዝረሳዕኹዎ ከይመስለካ፣ ከመይ ኢለ’ሞ እቶም ውከላውያን ትረኻኻ ክርስዖም?! ዋላ ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ኣግራብ ብዓል ኣውሊዕ፡ ታህሰስ፡ ክሊዓው፡ ጫዓ ከይተረፈ እንዲኻ ውከላውነቶም ኣውኪእኻለይ። መናድቕ ቋንቋኻ ብውከላውነት ዝተነድቐ እዩ ነይሩ።

 

ቀንዲ ህያብካ ግን፡ ካብ ትምህርቲ ሃገርን ዓለምን ዘይረኸብኩዎ ካባኻ ዝረኸብኩዎም ሓርነትን ትብዓትን እዩ። ዝመረጽኩዎን ዝኸድኩዎን መገዲ ብምሉእ ልብኻ ትኣምነሉ ስለ ዝነበርካ፡ ከም ዝቈውም ገይሩኒ ነይሩ። ሳላ’ቲ ሓርነትን ትብዓትን፡ ንስውር ጸላም እንታይነተይ ንኽርእዮምን ንኽገጥሞምን ሓጊዝካኒ። ምስንባትካ ብዘስዓቦ ስምዒታት፡ ካባኻ ብሓንቲ ነገር ክፍለ ኪኢለ ግን ኣለኹ። መሰረት ሕመረተይ ኰንቱነት እዩ፣ መሰረት ሕመረትካ ግን እምነት እዩ ነይሩ።

You were such a noble soul.

You ARE a gentle and indomitable Spirit.

ኡብርመንች!

 

ዓሰርተ ዓመተይ ኣስመራ እናኽድውል “ሃሎው! መርሓባ! መን ክብል?” ዝብል መልሲ ቴሌፎን ብእዝነይ ሓሊፉ ህልውናይ ክትንክፍ ከሎ፡ ቃናን መኣዛኡን ፍቕሪ ዝነበረ ወለላ ደሃይካ – ሕጂ ብድሕሬኻ እቲ “ሃሎው” ዝብል ቃል፡ ዋላ’ኳ ናይ ሕሳስ-ልደ ሓፍተይ ይኹን’ምበር፡ ናብ ስምዒት ናፍቖት-ቅድምን ዘልኣለማዊ ሃንቀውታን እናሸመመኒ’ዩ ዘሎ።

ዘልኣለማዊ ሃንቀውታ!

ሞት ወላዲ ዋላ’ኳ ከም ርዱእ መስርሕ ህይወት ኩሉ ዝጽበዮ እንተዀነ፡ ንኽትቅበሎ ግን ከቶ ኣይከኣልን። “በቃ ምቕባሉ’ዩ ካብ ወረደ” ክብሉ ከለዉ ሰባት፡ እቲ ካልእ ክብልዎ ስለ ዘይደለዩ’ምበር፡ ሓደ’ኳ ብልቡ ሞት ወላዲ ብግብሪ ዝቕበሎ የለን በሃሊ እየ። ከመይ ኢልና’ሞ ክንቅበሎ?! ከመይ ኢለ’ሞ ሞትካ ክቕበሎ? ሞት እቲ ስውእ ወድኻ ተቐቢልካዮ ዶ ኔርካ ብልብኻ?

እንታይ ናይ ኰንቱነት ኰንቱ እዩ’ዚ?! ትርጒም-ኣልቦ፡ ጥቕሚ-ኣልቦ ጒዕዞ!

 

ዓይነይ ንብዓቱ ኣውሒዙ

ምስ ብርሃን ግርጭት ኣውጁ፡

ልበይ ከኣ ኣስተውዒሉ

ብርሃን ከም ዝመውት

ዓይኒ ምስ ምዕዋሩ

ዘልኣለማውነቱ

ምልኣት ከም ዘይብሉ።            ***1

 

ከም ሙሴ ንደልሃመት ማዕበላት ህይወትን ኲናትን ሰጊርካን ኣስጊርካናን፣ ከም ያዕቆብ ፈሪኻን ጸጊኻን፣ ከም ሰሎሞን ንፍቕርቲ ከተማኻን ደቅኻን ሃኒጽካ፣ ከም ኣብርሃም ብጽኑዕ እምነት መዋእልካ ሰጒምካ፣ ከም ዳዊት ኣብ ምምስጋኑ ኣይቦኾርካን፣ ኣታ ኳዕናን ከም ሃረም፣ ኣታ ግዙፍን መጸግዕን ከም እምባ፣ ኣታ ውቃበ ከተማ ባጽዕ — ኩሉ ኢኻ ኔርካ ተኸስቲኖ።

ምዕራፍካ ምስ ኣርድኡኒ፡ ኣዒንተይ ብንብዓት ኣይተዘቈቛን። ኣብ ኣስመራ ጠንጢነካ ንስደት ብስግረ-ዶብ ክወጽእ ከለኹ፡ ሽዑ’የን ንብዓት ተዘቊቐን።

እዋን ፋነዋ ንስደት፡ እዋን ስንብት ንህይወት ስድራና እንደኣሉ ናብራና።

እዚ ናብራ፡ እዚ ናብራ ኤርትራውያን …. እቲ ስጋዊ ኣካልና ብሕሰም ስደት፣ እቲ ሕልና ብዘሎ ናይ ሃገር ኩነታት፣ እቲ መንፈስና ብስንብት ወለዲ … ተመናኒሁ። ሓቂ እዩ ተዛሪቡ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኩሉ ኰንቱነት ናይ ኰንቱነታት እዩ ክብል።

 

ድሕሪ ዕረፍትኻ፡ ኣምዑት ውሽጠይ ብዀንቱነት ህይወት ቅሒሩ እንከሎ፡ ከመይ ኢለ ንብዓት ከንጥብ?! እቲ ጒሁር ኲራይ ናብ ንብዓት ደገ ኣይተቐየረን፣ ብውሽጢ ግን ዘይነጽፍ ጸረርታ። ከምቲ ዝበልኩኻ ሞትካ ምስ ኣርዱእኒ ኣየልቀስኩን። ብኸመይ ድምጺ ኣውያት ከውጽእ?! ጎረረይ ነቒጹ፡ ግዜ ከኣ’ባ ልዕሊ ኹሉ ነቒጹኒ። (ከምታ ኢንዶነዢያዊት ጓል ኣብ ጽርግያ ወይ ፈይስቡክ ኣይተረዳእኹን፡ ካብ ፈይስቡክ ግን ንዋራ እየ ድሒነ) እተን ናይ መርድእ ቃላት ካብቲ ድያቆን ዝወጻ ዝነበራ፡ ኣብ ልበይን ጎረረይን ሕበጥ ፈጢረን ንኣውያት ይኹን ንብኽያት ዝኸውን ድምጺ ክወጸሉ ዝኽእል ፈቃቕ ኣይነበረን። እግረይ ወለል ኢሉ፡ ነብሰይ ክንቀሳቐስ ኣይከኣለን። ኣብ ቅድመይ ሸውዓተ መሓዙትን ኣርዳእትን’ኳ እንተነበሩ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ጸልማት ጥራይ እዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። ሽዑ እዩ እቶም ሓወልቲ ስእልታት ህላውነትካ በብሓደ ክቅጀሉ ዝጀመሩ። እቲ ምቈት ባጽዕ ዘየሕመቈ ጨዓይ ፍሕሹው ገጽካ፣ ዕቱብነትን ተስፋን ዝረኣዮ ብሩህ ገጽካ፣ እቲ ወለላ ዋዛኻን ሰሓቅኻ፣ እቲ ዝጓዝም ፍሉይ ቃና ድምጽኻ፣ እቲ ውከላውነትን ውስጠዘን ምስላታትን ዝዓብለሎ ዕላላትካ፣ ሓልዮትካ፣ ህድኣትን ርግኣትን መንፈስካ፣ ዋዛ-ፈዛዛ ዘይብረኦ ጠባይካ፣ ተኽለ-ቊመናኻ ብስራሕ ዝተሃንጸ ዓርጣም መሓውራትካ፣ ንማዕበላት ኲናት ዝሰገርናዮም ህሞታት፣ ዘዕበየትና ሆቴልካ … ወዘተ ተቐጂሉኒ። ከም ናትካ ድምጺ ዝጥዕም ከቶ እኮ ኣይገጠመንን፣ ከም ናትካ ፍሕሹው ገጽ ከቶ ኣይረኣኹን፣ ከማኻ ገይሩ ዝርድኣኒ ከቶ ኣይነበረን፣ ከማኻ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይክህሉን እዩ፣ ከማኻ ንሓርነትን ንትብዓትን ንጥርዚ-ትምኒትን ዘተባብዓንን ዘቊመንን እሞ ዘይሕሰብ እዩ። ኣቐዲመ፥ “ብድሕረኻ ሕልምታተይ ተፈንጢሑ፣ ባህገይ ከም ሓርጭ ኣብ ንፋስ ተበቲኑ፣ ህይወት ትርጉም ስኢነሉ” ዝበልኩ ነዚ እዩ።

 

ተኸስቲኖ፡ እቲ ሰሓቕካ እንድዩ መመሊሱ ዝረኣየኒ ዘሎ። ሰሓቂ ኢኻ ኔርካ ብሓቂ። እታ ልብኻ ስለ ዝፈልጣ፡ እንታይ የስሕቐካ ስለ ዝፈልጥ፡ ንዓኻ ዝኸውን ዋዛ የዕልለካ፡ ሰሓቕ ናይ ሃፋትም እናሰሓቕካ ትፈሓስ ኔርካ፣ ብሰሓቕ ትመውት ኔርካ። ንዓይ ግን፡ ዘይሃስስ ዘልኣለማዊ ምስሊ ስሓቕ ኣብ ልበይ ገዲፍካለይ ኬድካ። እቶም ኔርካ ትጥቀመሎም ቃላት ጥልያን ኣብዚ ስደት እናኽሰምዕ፡ ኣካላተይ ብዘይፈልጦ ሓይሊ መንፈስ ይነቓነቕ። “ቦን ጆርኖ፡ ቦና ሴራ፡ ቦና ፋርቱና፡ ሜለ ግራሴ፡ ኔንተ፡ ባቤነ፡ ባቤነ-ባህታ-ሓጎስ፡ ኣድዮ፡ ፕሬጎ፡ ስፐርያሞ፡ ፐር ፋቮረ” ዝብሉ ቃላት ጥልያን እናኽሰምዕ ኣብ ዝኽረይ ትቕጀለኒ። ዋላ እቶም ምስ ሓረቕካ “ብሮብዮ፡ ፊኒታ፡ አርጀንቲ፡ ፈለዲካነ፡ ፖርኮ-ሚዘርያ” ዝብላ ከይተረፋ ናፊቐየን።

እታ ብኣጋጣሚ ናብ ኣርባዕተ ዝተሰብረት ኣብ ናይ ውልቂ ክፍልኻ ዝነበረት ዓባይ መስትያት፡ ብሓባር ክንጽግና ኢና እናተበሃልና፡ ኣነ ዝጥዕም ግዜ እናኸናዲ ኣራኽቦን ኣቓልቦን ከይሃብኩዋ፡ ከየዐረናያ ምዃድካ ካብቲ ኣዝዩ ዘጒህየኒ እዩ። እንዳ ስታርክ “winter is coming” እናበሉ ዓመታት ከም ዘይተኸታተልኩዎም፡ ሓጋይ ቀልጢፉ ከም ድቦላ ንዓና ሓደጋ ክወርደና እዩ ኢለ መዓስ ገሚተ ነይረ። ዋላ ንሓሙሽተ ደቒቕ ተራኺብና ንኸነዕርያን እቲ ፍሽኽታኻ ጥራይ ክርእይን፡ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ህይወተይ መወፈኹ።

 

ካላእ ትዘክሮ ዘሕለፍናዮ ሂወት!
ግን ክኣ….
ኣብ ዝኽሪ ኣሎ ክብሪ!
ኣብ ዝኽሪ ኣሎ ፍቕሪ!
ንሕሉፍ እናጋማድሐ ሕልና ዘጽሪ።             ***2

 

ደም ብደም እዩ ዝጸሪ፣ ሞት ከኣ ብሞት እዩ ዝሰዓር’ሞ፡ ሞይተ ንሞትካ ክቃለሶ እየ። ነጸብራቕ ህይወተይ –ሕሉፉን ሕጅን መጻኢኡን– ብምግምጋምን ብምግማትን፡ እቲ ዘይፍጹምነት ህላውነትና፡ እቲ ዘይምሉእነት ህላውነትና፡ እቲ መለሳ ኣልቦነቱ፡ እቲ ቅርጺ ኣልቦነቱ፡ እቲ ዕላማ/ትርጒም ኣልቦነቱ ኣሚንካ ኰንቱነቱ ብምሉእ ልብኻ ምቕባል እዩ። ዘፍቀርካዮ ዘይትጭብጦ፡ ዝተመነኻዮ ብሃንቀውታ ጥራይ’ምበር ዘይተርክቦ፡ ዘይትደልዮ ዝጠብቀካ፡ ‘ንስኻ ትነድቕ ደድሕሬኻ ዝወድቕ’ … ዘካተተት ዓለም እንደኣላ። ነዚ ዘይፍጹምነትን ትርጒም-ኣልቦን ንምግጣሙ፤ ምርኩስ መደገፊ – እምባ መጸግዒ ኣይጽበይን፣ ኣብ ጽምዋ ተገሊልካ ኢድካ ምሃብ ኣይተበረሃንን፣ ብተራ ዕንደራን ገለ ርእሰይ ከደንዝዞ ኸኣ’ሞ ኣይሓስቦን። ገለስ ክግበር ኣሎዎ። ገለስ ክፍጠር ኣሎ፣ ገለስ ክፈጥር ኣለኒ። ስለዚ’ምበኣር፡ ህይወተይ ህይወት ንኽዘርእ፡ ኩሉ ኰንቱ ናይ ኰንቱነት ምዃኑ ኣሚነ፡ ኰንቱነተይ መትከል ህልውናይ ክገብሮ እየ። ካብዚ መድረኽ ተበጊሰ ክዘልል ክፍትን እየ።

 

ንስኻ ግን፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ዓለም “ቅሰን!” ጥራይ እየ ክብለካ ዝደሊ። ክብርቲ ሰበይትኻ ግደይ፣ ደቅኻ ዮርዳ፡ ጆኒ፡ ሙሴ፡ ኣሚን፡ በሬ፡ ኣኽሊል፡ ፍጆሪ፡ ሜሪ፡ ደርዘን ደቂ-ደቅኻ ናትካ ሓወልቲ ኢና’ሞ ቅሰን። እዛ ጽሕፍቲ’ውን ሓድጊ ትኹነልካ። ዋላ ሰብዓ ዓመት ይውሰድ፡ እታ ሓወልትኻ ህንጻ ዳግም ክንሃንጻ ኢና።

ተፍቕሮ ቋንቋን ትረኽኡን፡ ባህልን ያታን ትግርኛ ኣብ ኣእምሮይ፣ እቲ ፍቕሪ ህዝብኻ ኣብ ልበይ፣ ደረት-ትርኢት ዝኸይድ ሓርነትን ትብዓትን ኣብ መንፈሰይ ኣሎ’ሞ ቅሰን ጨዓይ ተኸስቲኖ ዘብሄረ ማሳዋ! ጨዓይ ተኸስተብርሃን ዘብሄረ እምባ-ጠቐራ!

ኣዲዮ ተኸስቲኖ! ኣዲዮ ፓድረ! ኣድዮ ፓፓ!

ቻው ሚዮ ኣሚኮ ዲ ሰምብረ!

ዲዮ ቲ ሳልቫ!

*******

 

ድሕረ-ጽሑፍ፤ እዚ ዝመላለስ በጨቕታ ስምዒት፡ በጨቕታ ሓሳባት ናይ ሓደ ደቒቕ ዝኸውን፡ ክጽሕፎ ዶ ስቅ ኢለ ኣብ ርእሰይ ጥራይ ክመላለስ ክገድፎ? ኢለ ብዙሕ ግዜ ንነብሰይ ሓቲተያ እየ። ግን፡ ዕላማ ጽሑፈይ ናፍቖተይ ንምውጻእ ድዩ? ፍቕረይ ንምግላጽ ድዩ? ሕልና ንምጽራይ ድዩ? ኢንትሮስፔክሽን ድዩ? ዝኽረይ ንኽውድቦም ድዩ? ኣይፈለጥኩን። ቀንዲ ግን፡ ነቶም ከማይ ኣቦታት ብሞት ዝተፈለይዎም፡ ሃንቀውታ ፍቕሪ ወላዲ፡ ክብደትን ቃንዛን ህይወት፡ ኣባኹም ጥራይ ኣይኮነን፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትና እዩ’ሞ በይንኹም ኣይኮንኩምን (you are not alone) ክብሎም ይደሊ። ብዘለናዮ! ሰላም ዎ ሰናይ ደቂ ሃገረይ!

 

ክልተ ማይ-ቤታት ብምልክት ተጠቂሰን ዘለዋ፤

***1 = መጽሓፍ “ድምጺ ልቢ” – ካብ ግጥሚ ድሕሪ መገሻኺ – ብገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት

***2 = ካብ ግጥሚ “ዝኽሪ ፍቕሪ” ዝተወስደት – ገጣሚ ዮናስ ገብራይ ሚነይ

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleብኢድ ዘይተሃንጸ ሓወልቲ
Next Article ወግዒ ዛራ-ገጠምቲ ምስ ዝተፈላለዩ ገጠምቲ (1ይ)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?