Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (3ይ)

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (3ይ)

0
By Mekonnen T. on January 29, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

AMAN TEKESTE W.

 

እዋን ትረኻ – ሎሚ፤

 

“ሰላም ባጽዐይ! ናይ መብጽዓይ፡ ኣለኺ ዶ ምሳይ?”

 

“ሰላም እዩ ወዲ ተኸስቲኖ፡ ኣሎኹ። ሎሚ ኸ እንታይ ኢኻ ከተዋግዓኒ? ናይ ጓል ኡዝበኪስታን ወይስ እታ ብኣምሆ ቃሕ ዝበለትካ ፊሊፒናዊት ጓል?”

 

ካብ ጥቅምቲ 2012 ናይ ኡዝበኪስታን ፍጻመ፡ ናብ ሚያዝያ 2017 ዘጋጠመ ኢየ ክወስደኪ። ኣብ መንጎ’ዚ ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ንኻልእ ግዜ ክትርኸልኪ’የ። እምበር ዝዕለልሲ መሊኡ ኣሎ። ፊሊፒናዊት ጓል ዶ በልኪ፣ ንሓንቲ ፍሊፒናዊት ማናጀር ኣብ ቤት-ጽሕፈታ ተጋሲስካያ ዶ ብዘይ ድሌታ ጌርካያ ዶ ገለ ኢሎም ዝተኣሰርኩዎ ዛንታ’ውን ኣሎ-ኮ።

 

ብሓይሊ፡ ብዘይ ድሌታ ዲኻ ጌርካዮ?

 

ኖ! ናብቲ ቤት-ጽሕፈታ ብስራሕ ምኽንያት ምስ ከድክዋ፡ ንበይና ጸኒሓትኒ። ዓምኣ ብመገሻ ምኽንያት ኣብኡ ኣይነበረን። ኣነ ኣብ ጥቃኣ ደው ኢለ፡ ንሳ ኣብ መንበር ኮፍ ኢላ፡ ወረቃቕተይ ገናጺለ እናኣረዳእኹዋ ከለኹ፡ እቲ ካምቻኣ በቶም ኣራንሺ ዒላበርዕድ ዝመስሉ ክልተ ኣጥባታ ተወጢሩ ርእየዮ። ዓይነይ ክነጥራ ደልየን። ልምሉም ኣካላታ ብቐደሙ’ውን ደስ ይብለኒ ነይሩ’ዩ። ህርመት ኣፍ-ልባ ሓይሉ ክውስኽ ተዓዘብክዎ። ማዕበል ኣስተናፍሳኣ’ውን ኣብ ኢደይ ክስምዓኒ ጀመረ።

(ኣታ ከኾልሳ ዶ፡ ሓዊ ትኾልስ ሓፍተ’ቦኣ)

(ግደፍ ..ግደፍ .. ዓሕ…! ኣታ ተንሲኡ’ምበር) ከም ቅጽበት በትሪ ኣዳመይ ከም ሞርታር ንስያፍ ቀኒዑ። ናብቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቡናዊ ሓጺር ጎና ክዳና ምስ ተመልከትኩ ከኣ፡ ንላዕሊ ተሰብሲቡ፡ ቀይሕ ኣስላፋታ ከም ቅብኢ ዘሎዎ ያሒት ኣውሊዕ ኳዕ ምስ በለ፣ ምራቕ ኣፈይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክዛይድ ጀመረ። ህርመት ልበይ ከም ሞዶሻ ንኣፍልበይ ከነቃንቖ ጀመረ። ልበይ ንጎረረይ ሓሊፋ’ውን ብኣፈይ ክትወጽእ ደልያ። ረሃጽ ብመታልሐይ ክወርድ ተፈሊጡኒ።

(ብቕድመይ ሓንቲ ነፋሪት ኲናት ትመስል ብፍጥነት ብርሃን ዓይነት ሓሊፋ – ጽልምት ኢሉኒ፡ ርእሰይ ዘይርኒ)

ሃንደበት ክልተ ኣእዳወይ ኣብ ሽምጣ ገይረ፡ ነዛ ፊሊፒናዊት ካብቲ ዝነበረቶ ሓፍ ኣቢለ፡ ብዝባና ናብቲ ጣውላ ሰንደያ። ናይ ቅድሚት ኣካላታ ናብ ፊተይ ኮይኑ፡ ጎና ክዳና ንላዕሊ ተቐሊዑ፡ ጸጒሪ ርእሳ ተበቲኑ። “ዋት ዘ ፋክ ኣር ዩ ዱዊን?” ብምባል፡ ኣውያት ጀመረት። ጸሊም መትንታት ኣብ ግንባራ ርኣኹ። በጽፋር ኣእዳዋ ክትፍሕጥረኒ ብምሕሳብ ናብ ገጸይ ለኣኸቶ። ክትቃለሰኒ ጀመረት። በቲ ኣስላፋተይ ገይረ ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ኣካላ ጸሚቐ ኣሰርክዎ። ብጸጋማይ ኢደይ ገይረ ነቲ መንከሳን ገጻን ምስቲ ጣውላ ኣላጊበ፡ ከም ትሰሓግ ገበርኩዋ። ብየማናይ ኢደይ ብሓይሊ ነቲ ካምቻኣ ምስ በተንክዎ፡ መላጒም ክዳና ናብ ገጸይን ናብቲ መሬትን ተነስኒሶም። ….. ኡፍ መልጐም ምስ በልኩ፡ ናይ ብሓቂ ንዛንታኻ መላጒም ስለ ዘድልዮ፡ በብሰዓቱ ከዘንትወልኪ ይሓይሽ። ናይዚ፡ ድሕሪ’ዛ ዛንታ ከዕልለኪ እየ። ብዝኾነ ግን ንሳ እያ ኣስሒታትኒ።

 

ቀጽል እስከ ወደይ።

 

ሕጂ፡ ብዛዕባ’ዞም ‘ሰብ-ቅያ’ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ‘ዩ-ቲ-ዩብ’ ዝብሃል ቪድዮታት ጸጽዒንካ እልፊ ሓበሬታ ትዝርግሓሉ፡ ኣብኡ እናክከታተል፡ ሓቂ ፊልምታት ሂወተይ እናደመቐ ይመጽእ ምህላዉ ንኸዕልለኪ’ዩ።

 

***

ሰዓት 6 ድ.ቐ. ብምዃኑ፡ ካብ ዓቢ ሓወይ ሰሪቐ ንዘምጻእኩዋ ብሽክለታ ምስ መታዓብይተይ መድሃኔ ኮይነ ንኺንጻወተላ ተሰማሚዕና ኢና። ተጋደልቲ ንባጽዕ ቅድሚ ምሓዞም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንፍራንቸስኮ ባጽዕ – ጥዋለት፡ ብእንዳ ሶራ እንጽውዖ ቤት ትምህርቲ – ቀዳማንይ ካልኣይን ክፍሊ ብሓንሳብ ኢና ተማሂርና።
“መዳ፡ ዋላ ቸቹንኴ ጅሮ ናብቲ ብሎኮ በጺሕና ንምለስ። ፍራቴሎ ከኣ ጁው ከየብለኒ፣ ቀልጢፈ ከይረኣየኒ ክመልሳ ኣለኒ፡” በልኩዎ። ብልምዲ ‘ብሎኮ’ እንብሎ ከባቢ ሲነማ ኣይዳ፡ ኣዝዩ ገፊሕ መስቀላዊ ጽርግያ ኢዩ። ናይ ክልቴና ገዛውቲ ካብዚ ብሎኮ ናይ ሚእቲ ሜትሮ ኣቢሉ ርሕቀት ኣሎዎ።

“ቤላ! ብመን ትጀመር ቢምቦም-ባክስ ዶ ንግበረላ?! ግን ድሓን ንስኻ ጀምር፡” በለኒ መድሃኔ።
ዋላ’ኳ ብዙሓት መታዓብይቲ እንተ ሃለዉ ምስ መድሃኔ እምባየ ብሓንሳብ’ዩ ውዕሎና። ኣብ ቤ/ት ይኹን ኣብ ገዛውትና ብሓንሳብ ንጻወትን ነዕልልን፣ ካልእ ሳልሳይ ኣይንውስኽን። ድሕሪ ለካቲት 1990 ግን ተጋደልቲ ንባጽዕ ስለ ዝሓዙዋ፡ ነፈርቲ ኲናት ቀጻሊ ስለ ዚዝንብያ፡ ብድሕሪ’ቲ ኪመጽኣሉ ዘይክእላ ሰዓታት ዕራርቦ ኢና ተራኺብና እንጻወት።
ብሸነኽ ጸጋምና፡ መወዳእታ ሰሙን ጾም ኣርብዓ ብምንባሩ፡ ኣዴታት ገዛውትና ኣብ ኣፍደጌታተን ኮይነን ገሊኤን ሕንኲሮ፡ ጣይታ፡ ቅጫ … ወዘተ. ይዓያ ኣሎዋ። ብየማንና ክሳብ’ቲ ብሎኮ ተር ዝበላ ከባቢ ዕስራ ገዛውቲ፡ ገሊኦም ስድራ ኣብ ደገ ማይ ረብሪቦም ሻሂ፡ ቡን ይሰትዩ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎዉ። በታ ብሽክለታ ብናህሪ ነዘን ገዛውቲ እናሓለፍና፡ ኣነን መድሃኔ ዓርከይን ሰሰለስተ ግዜ ብሎኮ በጺሕና ተመሊስና።
“እውይ መዳ … ኣብቲ እንዳ ላምባ ዘሎ ሪጋ ክበዝሕ! እንቋዕ ሎሚ ሪጋ ኣይከድና፡ ክላ ምዃን ከምኡ’ዩ።”
“ማራ ‘ስከ! ብዓል ባባ ኩሎም’ቶም ኣሰብኡት ኣብቲ እንዳ ቺፍ-ኣየለ ቡን ይሰትዩ ኣሎዉ፡ ርኢኻዮምዶ፧”
ከባቢ 6፡17 ድ.ቀ ሪጋይ ኣኺሉ ነታ ብሽክለታ ‘ከብላ’ እናተዳለኹ ከለኹ፥ “ኣማን! ኣርከበ ወደይ ነዓ’ሞ፡ ንዓ ቅጫ ክህበካ። ነዛ ሓፍትኻ ድማ ሓዘለይ፡ ኣብዚ እግረይ ሕልኽልኽ ኢላ ምስንካት ከሊኣትኒ።” ዝብል ዘረባ ኣደይ ሰማዕኩ።
“ኣንቲ ማማ እጻወት ኣሎኹ። በረካን ኣኽሊልን ኣሎዉ ምሽ፧ ንሶም ዘየጻውትዋ፧!” ሓውሲ ምሽክንክን እናበልኩ መለስኩላ።
“ንዓ እንድየ ዝብለካ ዘለኹ! ሓሲቡልካ ኢዩ ግዲ፧! በረካን ኣኽሊልን ከኣ ደቂሶም ኢዮም ዘሎዉ፡” በለትኒ። ዝህባ ካልእ ምኽኒት የብለይን። ነቶም ኣብ መንጐይ ኣብ መንጐ’ዛ ፊዮሪ ዝስማ ሓብተይን ዘሎዉ በረካን ኣኽሊልን ዝብሃሉ ኣሕዋተይ፡ “ድሓን ይተስኡ’ሞ ጉንዲ እዝኖም ጅው ከብሎም’የ” ኢለ ብውሽጠይ ፈከርኩ። እታ ብሽክለታ ንመዳ ዓርከይ እናሃብኩ፥ “እሞ መዳ፡ ክሳብ ዝምለሰካ ንስኻ ኣብላ፡ ኣነ ናብ ማማ ክኸይድ።” ናብ ኣደይ ገጸይ ከድኩ። ኣነ ነታ ሚሚ ሓዚለ እሩሩ እናበልኩዋ፡ መድሃኔ ድሮ ዱወ ጅሮ ዘቢጡ መጺኡ። ካባይ ቊሩብ ሜትሮታት ተፈንቲቱ፥ “እሞ ኣርከበ፡ ንስኻ ምስ ሓፍትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ከብጽሓ ክኸይድ …” ዘረብኡ ከይወደአ ……

ብርቱዕ ብጫ ማሕታ ንዓይነይ ቀደዶ። ገሃነም ዝመስል ገዚፍን ከቢድን ጸላም ንኹሉ ሰማያት ሸፊኑ፡ ዓለም ብሓያል ነገር ተተኲሳ ኣብ ክልተ ከም ዝተመቕለት ሂምምምምም……! በለ። እዚ ብርቱዕ ማሕታን ምድሪ ዘነቃነቐ ሓያል ድምጺ (ገምታ) እንታይ ምዃኑ ከይተረደኣኒ ከሎ፡ ብሓያል ማዕበል ንፋስ ተጸፊዐ ከም ጨርቂ ናብ ገለ ቦታ ተሰንድየ። እታ ሚሚ ናበይ ነፊራ ኣይፈለጥኩን፡ ሃንደበት ብላዕሊ ዝመጸ ኣካል ዱብ ኢሉ ጸቀጠኒ።

 

ጸጥ’!

 

ሃንደበት፡ ብርቱዕ ኣውያት ኣንስትን ጫውጫውታ ቈልዑን ሰሚዐ ኣዒንተይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ንጐኒ ሸነኽ ምስ መለስኩዎ፡ ብጸላም ዝተሸፈነ ኣብ ማእኸል ጎልጎል ሜዳ ዘለኹ ኮይኑ ተሰመዓኒ።

(ኣይተረደኣንን!? – ገሃነም ኣቲና ማለት ኢዩ እዚ ጸሊም ነበልባል – በስመኣም! በስመኣም!! እውይ ክገጅፍ ሸይጣን!? – መወዳእታ ዓለም! – ሸይጣን! – ገሃነም! …)

“ኣማን…! ኣርከበ….!” ዝብል ድምጺ ናይ ሓወይ ዝመስል ሰማዕኹ። ‘ኣብዚ ኣሎኹ’ ከይብሎ፡ ጎረረይ ተዓጽዩ ድምጺ ምውጻእ ኣብዩኒ። ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝነበረ ኣካል ሰብ ኣልጊሱ ኣልዒሉኒ። ደው ምስ በልኩ፥ “ሙሴ ሓወይ … ሙሴ ሓወይ፡ ኣብዚ ከባቢ ኣላ ፊዮሪ፡ ካብ ኢደይ ወዲቓ፡” ኢለ ኣዒንተይ ምስ ኣዘርኩ፡ ርኤያ። ናብታ ሚሚ ምስ ከድና፡ ኣፋን ነብሳን ብሓመድ ተሸፊና ጸኒሓትና።

 

ናብ ገዛ ምስ ኣምራሕና፡ ክፍሎም ዓቢ ሓወይ ነቶም ኣብ ዓራት ደቂሶም ዝነበሩ’ሞ በቲ ምንቅጥቃጥ ናይቲ ነትጒ ካብ ዓራቶም ወዲቖም ብዓራት፡ በለፎን፡ ከረዴንሳ፡ ተጸቂጦም ዝነበሩ በረካን ኣኽሊልን ኣልዒሉ ኮፍ ኣቢልዎም ጸኒሑና። ማማ ግን የላን። “ኣብቲ ኮይና እንጀራ ትስንክት ነይራ፡” በልኩዎም ብኢደይ እናመልከትኩ። ነርባዕቴና ኣብዚ ጽንሑ ኢሎም፡ ክልቲኦም ክደልዩዋ ከዱ።
እቶም ክልተ ኣሕዋተይ ንሓንቲ ሰበይቲ የልዕልዋ ኣሎዉ … ‘እወ ማማ እያ። ተሃሪማ ድያ ወይስ ሃለዋታ ጠፊኡ?!’ ራዕዲ ኣተወኒ፣ ከብደይ ዝሑው ኢሉኒ። ኣተሲኦማ። ‘ኡፍፍፍ … ኣይተሃርመትን ኣላ’። ናባና ገጾም መጺኦም። ኣደይ መሬት እናጠብጠበት፥ “ኣንታ ፈጣሪ፡ ካን! ካን! … ዋይ ኣነ ደቀይ! ዋይ ኣነ ደቀይ! …” ገለ ትብል ኣላ።

 

“ባባ ኸ ባባ?!” ኢለ ሓተትኩዎ። “ደሓን’ዮም ኩሎም።” ኢሉ መለሰ ክፍሎም ሓወይ። ክልቲኦም ንሓሙሽቴና ርእስናን ካልእ ኣካላትናን ፈትሾሙና። “ተስኡ እንድያሞ ንውሽጢ ድፋዕ ንእቶ።” እቲ ዓቢ ሓወይ ንኹላትና መሪሑና ናብታ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ባባ፡ ኣብ ውሽጢ ካንሸሎና ሰሪሕዋ ዝነበረ ዓማቚ ድፋዕ ኣተና። ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ነፈርቲ ደርጊ ከም ዘይመጻ ስለ ዝተመኰርና ኢና ካብዚ ድፋዕ ቅድሚ ሰዓት ዝኸውን ከም ኩሉ ሰብ ዝወጻእና። ኣይጸንሐን ዓቢ ሓወይ ክፍሎም፡ ንዓና ምስ ሙሴ ገዲፉና ናብቲ ሓደ ገዛና ማለተ ናብ ሆቴል ገጹ ክኸይድ ርኣኹዎ።

 

(ክፍሎም ሓወይ፡ ሽዑ ዓቢ ሰብኣይ ዝመስለኒ ዝነበረ፡ ለካ ወዲ 16 ለይለይ በጽሒ እዩ ነይሩ። መስክናይ፡ ከየዕረፈ፡ ብኡ ገይሩ ምስ ከደ … ሳሕል-ወቂሮ-ጊንዳዕ-ዓላ-ደቀምሓረ-ኣስመራ-ባጽዕ-ዓሰብ-ቡሬ … ዋይ ሓወይ፡ ኣኽርያ ተወሊድካ ቡሬ ትወድቕ ዶ መሰለካ ኣብ 24 ዕድሜኻ። ብ90 ምስ ተሰለፍካ ዝተሰኣልካዮ ስእሊ፡ ኣብ ኤክስፖ ኣስመራ ብ2008 ምስ ረኣኩኻ፡ ኣሕሕ! ኣብዛ ሰዓት ኣነ ክወልደካ ዝኽእል ጻልጣ ኢኻ ኔርካ።)
ኣብቲ ድፋዕ ብጽምዋ ተዋሓጥና። ኣብቲ ፊተይ እቶም ሰለስተ ደቂ 1፡ 3፡ 5 ዝዕድሚኦም ኣሕዋተይ ፊዮሪ፡ ኣኽሊል፡ በረካ ንማማ ከቢቦማ ረኣኹዎም። እቲ ሓደ ብኽልተ የእዳዉ ንኽልቲኡ የእዛኑ ዓጽዩ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ብርኩ ዓጺፉ፡ ርእሱ ኣብኡ ተደጊፉ፡ ደቂሱ’ዩ መስለኒ። ማማ፡ ንላዕሊ እናጠመተት ክሰምዖ ዘይክእል ተህተፍትፍ፣ ሙሴ ከኣ “ሓደ ሰብ ተንከስ ኢሉ ከይወጽእ ካብ’ዛ ድፋዕ፡” ኢሉና ናብቲ ዝፈረሰ ገዛውቲ ከደ።

 

መዳ ሓወይይይ … ዓሕሕ! – ብሽግለታ ንከብላ ከኣ ሪጋይ እያ ነይራ – ባባ ካብቲ እንዳ-ቺፍ-ኣየለ ተመሊሱ ዶ ይኸውን ንገዛ – እንዳ ነዳዲ ሪጋ ገይሮም ዝነበሩ ኩሎም ሞይቶም ማለት’ዩ – እቶም ኣቦይ ቀሺ ሞይቶም ማለት’ዩ – ዘድሕን የለን ማለት’ዩ – ንምንታይ ስቅ ኢሉ ገዲፉና፡ ዘየድሕን ተኾይኑ እንታይ ይገብር ማለት’ዩ – እታ ሶራ ምሽ ከማን ዘጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዝሕልወኩም’ዩ ምሽ ኢላትና። ኣይጠልመካን’ዩ ኣይሓድገካን’ዩ ምሽ ኢላትና – እንታይ ደኣ’ሞ – ብኸምዚ ንመውት ተዄንና ንምንታይ ፈጢሩና ደኣ’ሞ – እዞም ዝሞቱ ሕጂ በጺሖም ዶ ይኾኑ ናብ ገነት – ገነት ጎረቤትና ኸ ኣላ ዶ ትኸውን ብሂወት – እቲ ገዛና ኸ ፈሪሱ ዶ ይኸውን – ጆንን ዮርዳን ከ ብሂወት ይህልዉ ዶ – ማማ ዓይና ፍሩይ’ባ’ዩ። እንታይ ኮን ትሓስብ ኣላ – ኣደይ ማርያም ከ እንታይ ኮን ትሓስብ ኣላ – ኣብ ማርያም ኣይኣምኑን ማለት ኢዮም ኣምሓሩ – ኣምሓሩ ደቂ’ዛ ኣእዱግ ብኻራ ጌርካ ዓይኖም ተንትዖም፡ ደቂ ሸርሙጣ – ኣብታ ነፋሪቱ ከሎ፡ ምንጋግኡን ርእሱን ምስቲ ሓጺን ኣጸጊዕኻ ባል ባል ዝብል ማሕረሻ ተእትወሉ፡ ምስ ነፋሪቱ ናብቲ ባሕሪ ተጥሕሎ ወዲ’ዛ ቡዳ – ምስ ዓበኹ ፓይሎት እየ ዝኸውን፡ ዋላ ይሙት ኣይግድሸንን’ዩ፡ ክርእያኒ እየን ሽዑ ተረጎብቲ – ኣምሓርኛ ትብሃል ከይትዛረብ ንኹሉ ግዜ – ኡፍፍ – ዓሕሕ – እንዳ’ቦይ ኣስገዶም እንዳ’ቦይ ኣሕመድ በብሓደ ጠረብረብ ኢሎም ወዲቖም እናረኣኹዎም – ፋጥማ ኣዲኦም ንኣፍራሕን ኣሚርን ብደም ተሸፊና ተሰጢሓ – እውይ በስመኣም – ኣሕሕ – ኣፍራሕ ጓላ ከም ዝበሰለት ኮሚደረ ኣካላታ በቲ ጋዝ በሻዕሻዕ ኢላ፡ ካብ ዓንካሪኣ ንታሕቲ መርገጺ እግራ የለን ከይዱ – ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ፡ ብዓል መን ኢዮም እንድዒ ተዓጻጺፎም ወዲቖም ኩሎም – ማማ ሓረጉ’ያ መስለኒ በቲ ማዕዶ ንሓደ ዝወደቐ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሳ ርእሱ ቀቀሊዓ የማናይ ኢዳ ኣብ ርእሳ ጸጋማይ ኢዳ ኣብ ድሕሪኣ ዓጺፋ ተልቅስ ነይራ – እቶም ሰማያዊ ክዳን ገይሮም ዝነበሩ ቀሺ ማይ እንዶ ኣስትዩኒ ዞም ደቀይ ድዩ ዝብል ነይሩ – ኣነ ከማን ጎረረይ ነቂዑ ኣሎ፡ ማይ ድየ ጸሚአ – ኣፍራሕ ከኣ እግራ ተቘሪጻ፡ ኣብ መርዓኣ ደኣ ከመይ ገይራ ክትስዕስዕ እያ – መዳ ሞይቱ፡ ኣፍራሕ ተቘሪጻ፡ ሳሚ ጃኒ’ቦኮር ኣሎ ይኸውን’ዩ ዋላ ምስኡ ይጻወት … ግን ጽባሕ መጺኦም ተቀተሉና ከ እንታይ’ሞ ትርጒም ኣሎዎ ምምራጽ – ካባና መን ኮን ቀዲሙ ይመውት ይኸውን – ኡፍፍ በስመኣም – ምሽ ኩሉ ግዜ ንጽሊ ኢና ኣብ እንዳ ሶራ – ንስኻስ ክትጽሊ ከሎኻ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ፡ ድያ ትብለና ሶራ፡ እወ ከመይ ገይረ’ሞ ክርስዖ ዓመታት ተማሂረዮ፡ ኣብዚ ድፋዕ ከ ጸሎት ይሰርሕ ዶ ይኸውን – እዚ ኹሉ ኣቦይን ኣደይን ዝጽልዩዎ ኣይሰርሐን ማለት ድዩ ተደብዲብና – ንምንታይ’ሞ ኣነ ይጽሊ ……  – ሰብኡትን ዓበይቲ ኣወዳትን ዚንጐታትን ጣዋሉን ብሊኮትን እናልዓሉ ዚሞቱን ቊሱላትን ኣልዒሎም ናብቲ ኣፍደገ ገዛና ከቀምጥዎም – ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዝነበሩ ገሊኦም ሕቘኦም ዝነደደ፡ ገሊኦም ጸጉሮም ዝነደደ፡ ገሊኦም ዝተነፍሑ፡ ገሊኦም ቁስሎም ዘይረኣኹዎ ግን ደም ዝነበሮም – እውይይ ከፍሩሑኻ በስመኣም – ብሓመድ፡ ክሻ፡ ማይ ገይሮም ነቲ ሓዊ ከጥፍእዎ ዝቃለሱ – ኡፍፍፍ – ኣታ ኣምላኽ ሕልሚ ግበሮ ሕልሚ ግበሮ ሕልሚ ግበሮ –

 

ኣማን ኣዕልለኒ’ባ፡ እንታይ ደኣ ስቅ ኢልካ ሎምስ?

 

ስቅ ዶ ኮይኑ፡ ኣይ ብዝኽሪ ህልም ኢለ ጸኒሐ ናብ ሓደ ፍጻመ። ኣብቲ ዩ-ቲ-ዩብ፡ ሓደ ሰባኺ ‘ጉዳይ-ኣስላም’ ይብል፣ ካልኦት ‘ኣከለጉዛይ-ሓማሴን’ ገለ ኢሎም፡ ቅኒት ስኒት ዘይብሉ ክዛረቡ ክሰምዕ ከለኹ፡ እናተመላለሱ ዘሸግሩኒ ፊልምታት ይቅጀሉኒ’ዮም። ሓደ ካብቶም ፊልምታት’ዩ ተቀጂሉኒ ጸኒሑ። ኣብ ምንታይ በጺሕና ኔርና ዕላል?!

 

“ሕጂ፡ ብዛዕባ’ዞም ‘ሰብ-ቅያ’ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ‘ዩቲዩብ’ ዝብሃል ቪድዮታት ጸጽዒንካ እልፊ ሓበሬታ ትዝርግሓሉ፡ ኣብኡ እናክከታተል፡ ሓቂ ፊልምታት ሂወተይ እናደመቐ ይመጽእ ምህላዉ ከዕልለኪ፡” ምስ በልካ’ኳ ዋላ ሓንቲ ኣይቀጸልካን ድሕሪኡ።

 

ኦኬ! ደሓን ብግጥሚ መሰል ገይረ ከዘኻኽረኪ። ውጽኢት ቋንቋኹም እያ ትብል እዛ ግጥሚ፤

 

ሃንደበት ዝመልሕ ስሕለት ነትጒ

ልበይ ኣርዒዱ ብርከይ ብምሕማቚ

ጸፊዑኒ፡ ተደፊኤ ናብቲ ባይታ፡

ጐረረይ ተለኪቱ

ኣዒንተይ ምስ ተኸፍታ

ጒሁር ፍሓም ካብ ሰማይ ወዲቚ

ክንዲ እምባ ዝኸውን ባርዑ

ኣሻቡ ከም ማዕበል ተዘርጊሑ

ንኹሉ ረም ኣቢሉ።

 

ነፈርቲ ትምኒተን ሰሊጡ

ሰብ ከም ቈጽሊ ረጊፉ

ኩሉ ባይታ ዘቢጡ!

 

እንታይ ክረኽቡ?!

ልበና፡ ልቢ ህጻውንቲ ቈልዑ

ብነተጒቲ ዘርዕዱ?!

 

ይገርሞም ዶ ሕጂ!?

ናይ ሽዑ ዝረዓዱ

ምስ ኰኑ

ካብኣቶም ዝገደዱ።

*****

 

እዛ ዘንበብኩልኪ ግጥሚ፡ ካልኣይ ክፋል ናይታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘንበብኩልኪ እያ። ዘኪርክያ ኣለኺ እታ ዘመን ተለመን፤

እልፊ መዳፍዕ ክወድቕ ትርእዮ

ኣየናይ ካብ መኖም ከተለልዮ

“እዝጊዮ..! እዝጊዮ..! እዝጊዮ…!”

ኣቤት ከብድኻ ሓቊፍካ ትጽልዮ!

መዓት ብመዓት ክደጋገም

ግዜ ነቒጹ፡ ኮይኑ ዘልኣለም።

 

ሓይሊ ጸላኢ፡ ንዕንበባታት ቆዝሞስ ክብንቊስ፡ ነቲ ዝባነይ ምስ ደቀይ ከንኲል ክቀልጥ ኢሉ ዝለኣኸን ነፈርቲ፡ ዕላምአን ሰሊጡ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ኩሉ ባይታ ዘቢጡ፡ ኩሉ ረጊፉ ከመይ ኢለ ክርስዖ ወደየ! ፈንጣሒ፡ በታኒ ሓይሊ ኴዎስ – ነቲ ርጉእ መንፈስ ሓይሊ ቆዝሞስ ብሃንደበት ስዒሩ፡ ሰብን ዕንበባታትን ክረግፉ ከመይ ኢለ ክርስዖ ወደየ! ንዓኹም በሰላን መሪር ተመኲሮን፡ ንዓይ ጸሊም ነጥቢ ምዃኑ ብደሚቚ እንድዩ ዘሎ ወደየ! ምሕረት ዘይብሉ ኲናት፡ ምሕረት ዘይፈልጡ ፍጡራት፡ ሰብ መዐቐኒ እከይን ስኒትን ምዃኑ ተዓዚበ። ሰብ ካብ ዝኾነ ፍጡር ንላዕሊ፡ እቲ ዝጨከነ ምዃኑ ተመኲረ’የ። መሬተይ ሞት ሞት ክጨኑ፡ መልኣከ-ሞት ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሌኹም ክዝንቢ፡ ፍርሒ ሞት ኣብ ከብድኹም ኣትዩ መዋእልኩም ክትቅንዘዉ – ቃንዛኹም ቃንዛይ፡ ንብዓትኩም ንብዓተይ እኮ እዩ ደቀየ!  

 

ንነብሰይ ተጨኒቐ ዶ ንዓኺ ኸኣ ኣዘኻኺረኪ …. ሕጂ ኸኣሲ፡ እዞም ምሳይ ነዚ ዘሕለፉ ብዓል ኣፍራሕ፡ ኣዱንያ፡ ደቂ ሳልሕ፡ ደቂ ዘነበሽ ዝኾነ ይኹኑ – ነዚኦም ድየ ኣስላም ብምዃኖም ኣየሕዋተይን ክብሎም?! ምእንታይን ምእንታኽን ብረት ኣልዒሎም፡ ብጅግንነት ዝወደቚ ዘዕበኽዮም ሙስሊምን ደቅኺ ክርስዖም?! ነዚኦምን ኣሕዋቶምን ማዕረይ ዝተደብደቡ፣ ማዕረይ ንስቅያትን ከርተትን ዝተፈርዱ፣ ማዕረይ ንዘፍቅሩኽን ክሃንጹኺ ዝደልዩኽን ድየ ማዕረይ መሰል የብልኩምን ኣብቲ መሬት ክብሎም?! ከምቲ ኣነ ኣብዚ ኮይነ ብሃንቀውታ ልልው ዝብሎ ዘሎኹ፡ ማዕሪኡ ብናፍቖትኪ ዝነብዑ ኣሕዋተይ እንድዮም ግዲ ኩሎም። ሓቂ ደኣ ኣብ መልሓስ መዓስ ሃልያ። ሓቂ ኣብቲ ናፍቖታዊ ጸረርታ ንብዓት እንድያ ዘላ። ስለዚ፡ ኣይኮነን-ዶ እዚኦም ስምዒቶም ዚስምዒተይ ደቂ ኣዳም፡ ነቲ ሚም ገረብኪ፡ ነቲ ዕምበባ-ባሕርኺ፡ ነቲ ጨዋም ሓመድኪ፡ ነተን ኣጣልኪ ኣግማልኪ ከማን፡ ባጽዕ ሕልፍኹም ትብጽሓኒ’ያ – ንጉስካ’የ ክገዚኣካ’የ ክብሎስ ከመይ አሕፍረኒ።

ነቲ በሰላና፡ ቃንዛና፡ መከራና፡ መስዋእትና ብሓባር ዳስ ተኺልና ተዝካር ጌርና ምስ ተደባበስና ከመይ መዝሙር ስኒት ዘይንዝምር፣ ኩላህና ብዜማ ኲናትን ጥፍኣትን ቅርጺ ዝሓዝና ህዝቢ እንዲና፡ ከመይ ማሕበራዊ እምነት ዘይህልወና። ሓባራዊ ታሪኽና እኮ’ዩ ሓባራዊ መንነትና፣ ሓባራዊ ስቅያትና እዩ እምነትና።

 

በሊ’ስከ፡ ኣስተርእዮኺ ኣኺሉ! እስከ ክሓተኪ፡ እቲ ብርሁው ቆላ-ዝሕብሩ ሰማያትኪ፣ እቲ ህርመት ባሕርኺ፣ ሰቀጥቀጥ ማዕበላትኪ፣ መዝሙር ንፋሳት ገማግምኪ ከመይ’ሎ?! ግርማ ሞጎስ ጎላጉልኪ መልክዕ ገማግምክን ደሴታትክን፣ ወለላ ፍቕሪ ህዝቢ ባጽዕ፣ ፍሕሹው ዝገጸን ልውየት ዝተኸድና ደቅኺ፣ ጀለብያ ዝተኸድኑ ኣያታተይ፣ ግርማውነት ዘይፍለዮም ኣቦታት ዓደይ፣ ጻዕዳ ዝኽዳነን ኣዴታተይ፣ ቅኒት መንፈስና ዝነበረ ሕውነት ደቂ-ባጽዕ … ከምቲ ናይ ቀደም ከምቲ ዝፈልጦስ ኣሎ ዶ ትብልዮ ኢኺ?! ኣስተርእዮኺ ምስ ሓለፈ መልስለይ። ኣብ ቀጻሊ፡ ሰሰናዩ!

****

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (2ይ ክፋል)
Next Article ዝርዝር ኣስማት ገጠራት ኤርትራ (1)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?