Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ (II)

ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ (II)

0
By Mekonnen T. on January 2, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣሰናዳኢ – AMAN TEKESTE W.

8) “ዓወት ድሕሪ ስቓይ” – ሓየሎም ኣድሓነ – 1968 ዓ/ም/ፈረ

ብዛዕባ ዮናታን ዝተባህለ፡ ወለዱ ተፋቂሮም ሓዳር መስሪቶም ንኽነብሩ ድልየት’ኳ እንተ ነበሮም፡ እንተኾነ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኦም ቤተ-ሰብ፡ ናይ ዓሌት ባእሲ ስለ ዝነበሮም ክምርዓዉ ኣይከኣሉን። ኣደ ዮናታን ብስድራ-ቤታ ተገዲዳ ንኻልእ ተመርዕያ ከም ዝተፋትሐት፣ ድሓር ካብ ኣቦ ዮናታን ንዮናታን ከም ዝጠነሰቶ ይዝንቶ። እንተኾነ ኣቦ ዮናታን ብዘይ ፍቃድ ቤተ-ሰቡ ስለ ዝገበሮ ንኻልእ ክምርዖ ከም ዘገደድዎ ይገልጽ’ሞ፡ ኣደ ዮናታን ብጓሂ ከም ዝሞተት ይዝንቶ። ዮናታን ኣብ መዕበይ ዘኽታማት ምስ ደናግል ይዓቢ። ብዘይ ገበሮን ዘይፈልጦን በደል ማለት፡ ምስ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ቲ መዕበይ ዘኽታማት ዝቕመጣ ደናግል፡ ግብረ-ስጋ ፈጺምካ ተባሂሉ ብሓሰውቲ ካብቲ ዝዓበየሉ ዝነበረ ከም ዝስጎግ ይግበር። እተን ዝተጠርጠራ ድንግል ድማ፡ ነቲ ነገር ከም ዘይፈጸመኦ ንምርግጋጽ ከም ዝተኾለላ ተብርህ።

ዮናታን ብዙሕ ሽግር ድሕሪ ምርካቡ፡ ሓደ ቤተ-ሰብ ኣብ ገዛኦም ኣዕቆቡዎ። ተማሂሩ፡ ነብሱ ኪኢሉ ጽቡቕ ስራሕ ምስ ሓዘ፡ ንጓሎም ክሕጸ ተሓሲቡ ነበረ። እንተኾነ፡ እቶም ገዛ ኣዝማድ ኣዲኡ ኮይኖም ምስ ጸንሑ ንኻልእ ከም ዝተሓጸየ የርኢ። ኣብቲ ፍርዲ ናይተን ድንግል፡ ዮናታን ስለ ዝነበረ ነቲ ብዘይ ወዓለኦ ተግባር ተኸሲሰን ዝነበራ ብሓሶት ምዃኑ ኣጋሊጹ ብነጻ ከም እተፈርዳ ይገልጽ። ጭንቅን ስቓይን – ዓወትን ደስታን ምስ ወዲ-ሰብ ሓቢሮም ከም ዝጎዓዙ ካብዚ መጽሓፍ ምርዳእ ይካኣል።

ብዝሒ ገጻት = 101

ኣሕተምቲ = ኰኾብ ጽባሕ ዘማ ሓዋርያት

 

9) “ጥሪ ዕብዲ” – በርሀ ኣርኣያ – 1967 ዓ/ም/ፈረ

እታ ምስ ብዙሓት ኣንባቢ ዘፋለጠቶምን ብነበብቲ ብዙሕ ኣድናቆት ዘትረፈትን መጽሓፍ እያ። ኩሉ ኣንባቢ ትሕዝቶኣ ተረዲእዎ ክነሱ፡ ኣብ ምትግባር ግን ተሓባበርቲ ዘይረኸበት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝርአ ኣብ ግዜ መርዓ ዝፍጸሙ ተግባራት እትገልጽ እያ። ኣብ ወርሒ ጥሪ መብዛሕትኡ ስነ-ስርዓት መርዓ ከም ዝፍጸም ትሕብር። እቲ ውራይ /መርዓ/ ዘለዎ ኣቦ ጓል ይኹን ኣቦ ወዲ፡ ኣብ ዘይዓቕሙ “ኣነኸ ካብ መን ይሓምቕ”፡ ሰብ ከይብለኒ ብምባል ዘለዎ ንብረቱ ወዲኡ ካብ ካልኦት ሰባት ተለቂሑ መርዓ ከም ዘሕልፍ። መርዓ ምስ ኣሕለፈ ድሕሪ ውራይ ዕዳ ንምኽፋልን ነቲ ዘጥፎኦ ገንዘብን ንብረት ንምትካእ ዘጋጥሞ ሽግር ዘርዚራ ትገልጽ። እቶም ተዓደምቲ ብወገኖም፡ “ተዓዲምና እንዲና ከመይ ኢልና ደኣ ክንተርፍ” ብምባል፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ብዙሕ መርዓ ይኸዱ። ሰብኣይን ሰበይትን ደቆምን ፋሕ ኢልካ ፈቐዶ ዕድመ ገንዘብ እናዘርዘርካ እተሕልፎ ግዜ ትገልጽ። ኣብ ውራይ /መርዓ/ ዘሎ ሃለኽለኽን ድኻምን ይትንትን። ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዘስፈሮ ሓደ ኣብ ግዜ መርዓ ዝተራእየ ይብል፥ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ሓደ ውራይ ናብ ሓደ ውራይ ክትብል፡ ኣውቶቡስ ከይትገድፋ ከተርክብ ክትብል፡ ነቲ ሕጻን ውላዳ ክትሓዝሎ ልባ ጠፊእዋ ንቁልቁል ኣፉ ከም ዝሓዘለቶ ትገልጽ። ብሓጺሩ መርዓ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝወጽእ ገንዘብን ድኻምን ምስ ዓቕምኻ ዝመጣጠን ክኸውን ከም ዝግባእ ትሕብር።

“ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ” ዝብል ኣበሃህላ ዝተኸተለት ጽሕፍቲ እያ።

ብዝሒ ገጽ = 110

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም ኰኾብ ጽባሕ

 

10) “ባዕሎም ይፍረዱኺ” – ተስፋማርያም ወልደገርጊስ – 1969 ዓ/ም/ፈረ

ብዛዕባ ብሩኽ ዝተባህለ መንእሰይ ድሕሪ ሞት ወለዱ ዘጋጥሞ ጭንቀትን መከራን ትገልጽ። ነቦ ብሩኽ፡ ኣሕዋቶም ንብረቶም ክወስዱ ብቕንኢ ተላዓዒሎም ብዘይ ገለ ምኽንያት ከም ዝቐተልዎም ትርዳእ። ኣዲኡ ከኣ ብዘይተሓስበ ድንገት ሓቂ ተቓጺለን ከም ዝሞታ ይግለጽ። እታ ብዙሕ ዘፍቅራ ዝነበረ ሂሩት ዝተባህለት ዓርኩ እውን ጠሊማቶ። ድሕሪ እዚ ስቓይን መከራን እቶም ሓወቦታቱ ናይ ወለዱ ሃብትን ንብረትን ክወርሱ ሃሪፎም ከም ዝነበሩ፣ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረቡ ኩሉ ንብረት ናይ ወለዱ ንብሩኽ ከም ዝተወሰነ፣ እቲ ወሲዶሞ ዝነበሩ ንብረት እውን ከም ዝተመልሰሉ ይገልጽ።

ብሓፈሻ፡ ብቕንኢ ተላዒልካ እትገብሮ ጌጋ ምዃኑ፡ ባዕልኻ ዘየጥረኻዮ ንብረት ክትምነ ከም ዘይብልካ ንብረትካ ከም ዘይኮነን የረድእ። መብዛሕትኡ እቲ ልብ-ወለድ ብግጥሚ መልክዕ ዝቀረበ እዩ።

ብዝሒ ገጽ = 77

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም ኰኾብ ጽባሕ

 

11) “ናይ ምስጢር ማህደር” – ዑቕባይ ወ/ገብርኤልን ኣሰፋው ተኸስተን – 1965 ዓ/ም/ፈረ

ወዲ-ሰብ ኣብ ዝነብረላ ዓለም፡ ራህዋ ጸኒሑ ጸባበ ከም ዝቅየር፡ ተመሊሱ’ውን ራህዋ ከም ዘጋጥም እተረድእ ልብ-ወለድ መጽሓፍ እያ።

እቲ ቀንዲ ገጸ-ባህርይ ካብ ገዛኢ ናይታ ሃገር ማለት፡ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ናይቲ ዓዲ ዝተወልደ ቈልዓ፡ ቦኹሪ ዓመት በዓል ከኽብር እንከሎ፡ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ወራሪ ኣብቲ ዓዲ ብዙሕ ጉድኣት ከም ዘውረደ፡ እቲ ንጉስን ቤተ-ሰቡን ከኣ በቲ ዕግርግር ይሞቱ። እቲ ወዶም ግን፡ ብሓደ ኣገልጋሊኦም ዝነበረ ብሰረገላ ከም ዝሃደመ ይሕብር። መዕቆቢ ስኢኖም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ይሓድሩ ነይሮም። እቲ ሽግር ክጻወርዎ ስለ ዘይከኣሉ ግን፡ ነቶም ናይቲ ቤተ-ክህነት ሓላፊ ሽግሮም ከም ዘካፈልዎ ይገልጽ። እቶም ወረርቲ ምጥፋእ ናይቲ ወዲ ንጉስ ስለ ዝፈለጡ፡ ብህዝቢ ንኽህደን ኣብ ጋዜጣ ኣዋጅ የውጽኡ። እቶም ናይ ቤተ-ክርስትያን ሓላፊ ነቲ ጋዜጣ ምስ ኣንበቡ ከይቕተል ኢሎም ሽሙ ቀይሮም ናብ ሓደ መዕበይ ዘኽታማት ከም ዘእትውዎ የረድእ። ዓብዩ ድማ ስራሕ ኣብ ቤት ፖስታ ከም ዝጀመረ፣ ብመንፍዓቱ ተመሪጹ ከኣ ኣብ ናይ’ቲ ዓዲ ገዛኢ መልእኽተኛ ከም ዝኾነ ይበርህ። ምስ ጓል’ቲ ገዛኢ (ንጉስ) ፍቕሪ ይምስርት። ፍቓድ ናይ ቤተ-ሰባ ስለ ዘይብላ፡ ተታሓሒዞም ይጠፍኡ። ሓንቲ ጓል ምስ ወለዱ፡ እታ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝሞተት፣ ከም ገበነኛ ገይሮም ድማ ካብቲ ቦታ ኣውጽእዎ። ብድሕሪኡ ሰረገላ ገይሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይግለጽ። ሓደ ከታሪ ሓንቲ ቈልዓ ዓፊኑ ናብ በረኻ ከም ዝወሰዳ’ሞ ከም ዘሕደጎን፡ ኣብ ፖሊስ ከም ዘትሓዞን፣ እታ ቈልዓ እንተ ረኣያ ጓሉ ኮይና ከም ዝጸንሐት ብኡ’ውን ቤተሰቡ ከም ዝረኸበ ይዝንቶ።

ብዝሒ ገጽ = 139

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም ኣፍሪቃ

 

12) “ሕንዛም ፍቕሪ ህድኣት” – ይስሓቕ ዮሴፍ – 1968 ዓ/ም/ፈረ

 

ህድኣት ጓል-ኣባሻውል፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ኣብ ኣስመራ ክትዓቢ ክትምሃር፤ ክትመስል፤ ክትወልድ፤ ክትመውት ዝተተምነየት ብዛዕባ ፍቕሪ ከይፈለጠት ብፍቕሪ ዝተጸምደት መልክዐኛ ወይዘሮ ምንባራ የዘንቱ። ብዛዕባ ፍቕርን ሓዳርን፡ ዝሙትን ዕብዳንን፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹን፡ ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ ዝወርድ ተጋድሎን ጸገምን ራህዋን ጣዕሚ ሓዋዊሱ ዘዘንቱ መጽሓፍ እዩ።

ህድኣት በዓል-ቤታ ካልእ ፈታዊት ዝሓዘ መሲልዋ ብቕንኢ ተላዓዒላ ናብ ናይ ቀደም ጠባዩ ክተምልስ ኢላ ዝወሰደቶ ናይ ምኹራይ ጠባይ፡ ነቲ ጽልኢ መሊሱ ከም ዘግደዶ የመልክት። እንተኾነ በዓል-ቤታ ንኻልእ ኣፍቂሩ ዘይኮነስ ብስራሕ ምብዛሕ’ዩ ጠባዩ ከም ዝቐየረ ይገልጽ።

እቲ መጽሓፍ፡ ኣብ ሰብ ሓዳር ምትእምማን ዘድሊ ምዃኑ ዘረድእ እዩ።

ብዝሒ ገጽ = 104

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም መንግስቲ

 

13) “መን’ዩ ዘድሕነኒ” – ይትባርኽ ገብረትንሳኤ – 1968 ዓ/ም/ፈረ

ሓደ ፊልሞን ዝተባህለ ኣቡኡን ኣዲኡን ምስ ሞትዎ፡ ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ክጠፍእ እንከሎ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዘሕለፈ፡ ውሕጅ ገፊዕዎ ክሳቀ እንከሎ ሓደ ቤተ-ሰብ ወሲዶም ከም ዘዕበይዎ ይገልጽ። ዓብዩ ባሕረኛ ኮይኑ ሓንቲ ኣታላ ዝተባህለት ከም ዝተመርዓወ። ኣብ ዓዶም ብተፈጥሮኣዊ ጸገማት ምቕማጥ ስለ ዘሸገሮም ኩሎም ዓዶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ስፍራ ከም ዝኸዱ ተዘንቱ። ካብ ካልእ ዓዲ ወተሃደራት ዝሓዛ መራኽብ መጺኤን ከም ዝማረኹዎምን፡ ንወተሃደራዊ ሞያ ኣሰልጢኖም ናብ ሓደ ዓዲ ንኽወሩ ተኣዚዞም ምስ ከዱ፡ ኣብኡ ተሳዒሮም ከም ተኣስሩ ። ፍርዶም ንመቅተልቲ ኮይኑ ታሪኽ ሂወቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ክዛረቡ እንከለዉ፡ ፊልሞን ሓዊ እታ ንግስቲ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ ኩሎም ብነጻ ተፈሪዶም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ፊልሞን፡ በዓልቲ-ቤቱ ብሓዘን ሰብኣያ ዝኣክል ዓይና ዓዊራ ከም ዝጸንሓቶ ይገልጽ። ፊልሞን፡ ኪኢላ ኣዝዩ ፍቱው ስለ ዝነበረ ንጉስ ኮይኑ ከማሓድሮም ከም ዝተመርጸ ኣታላ ብዓልቲ ቤቱ ከኣ ሕክምና ተገይሩላ ሓውያ ብሰላም ከም ዚነበሩ ገሊጹ እታ መጽሓፍ ትውዳእ።

ብዝሒ ገጽ = 108

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም ኰኾብ ጽባሕ

 

14) “ቀቢረዮ በሉኒ” – ደበሱ ኣበበ – 1958 ዓ/ም/ፈረ

እዛ ልብ-ወለድ ዛንታ፡ ትሕዝቶኣ ብሓደ ስድራ-ቤት ጀሚራ ትውድእ ክትኸውን እንከላ፡ እቲ ታሪኽ ብሕልፊ ኣብ ሕጸ፡ መርዓ፡ ምልሶት ዝፍጸም ናይ ሃገር ባህልን ልምድን ዘንጸባርቕ ኮይኑ ክውገድ ወይ ክመሓየሽ ዝግብኦ ሓደ ሓደ ባህልታት ምህላው ዝሕብር ርእይቶ ይህብ። ቀንዲ መንቀሊኡ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ብ1935 ዓ/ም ብፋሺሽቲ ጣልያን እተፈጸመ ወራር ውግእ፡ ተዓስኪሮም ከይዶም ደሃይ ኣጥፊኦም ብዙሕ እዋን ዝተቐመጡ ወይስ ሞይቶም ከይተፈልጠን ከይተረጋገጸን ጨርሶም ዝጠፍኡ ብዙሓት ከም ዝነበሩ ይግለጽ። ንበዓልቲ እንደኦም ብምእምንና ንደቆም ዝኽትምናን ከም ዝወረዶም በዚ ድማ ንብዙሕ ዓመታት ቃል-ኪዳን ሓልየን ኣደታት ብምእምንና ዘሕልፍኦ ስቓይ ዘንጸባርቕ እዩ። ብሕልፊ እዚ ኩነታት ዘጓነፋ ሰበይቲ፡ በዓል እንዳአን ብዕስክርና ከይዱ ንብዙሕ ዓመታት ደሃይ ስለ ዘጥፍአ፡ ስድራ-ቤቱ ቃል ኪዳን ንኸተውርድ ምስ ሓተትዋ፡ “ቀቢረዮ ዝብል ሰብ ከይተረኽበ፡ ቃል-ኪዳን ኣየፍርስን” ኢላ ከም ዝኣበየት ይዝንቶ። ብእምነት ጸኒዓ እንከላ ድማ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት በዓል-ቤታ መጺኡ ከም ዝተራኸቡ ይገልጽ።

መልእኽቲ ናይ’ዚ መጽሓፍ፡ ሃገራዊ ልምድን ፍቕሪ ሃገርን ከምኡ ድማ፡ ጽንዓት ቃል-ኪዳን እትገልጽ መጽሓፍ’ያ።

ብዝሒ ገጽ = 62

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም ኰኾብ ጽባሕ

 

15) “ኣባዲት ጓለይ” – ግርማይ ተሰማ – 1968

ብዛዕባ ፍቕርን ሓዳርን እትእምት ልብ-ወለድ እያ። ኣብ ጊዜ ንእስነታ ብፍቕሪ ተታሒዛ ብዙሕ ሽግር ናይ ዝረኸበት ጓል ኣንስተይቲ የዘንቱ። ኣብ መጨረሽታ ብብዙሕ ጻዕሪ ናብራኣ ከተመሓይሽ ከም ዝኸኣለት። ነቲ ዘጋጠመካ ሽግር ብትዕግስቲ ምሕላፍ ክትዕወት ከም ትኽእል፡ ኩሉ ነገር ሓላፊ ምዃኑ የረድእ። ሓቀኛ ፍቕሪ ከመይ ከም ዝኾነ ይዝርዝር። ሓዳር ንምጅማር እንታይ ነገራት ኣቐዲምካ ክማላእ ከም ዘሎዎ መብርሂ ብምሃብ ይፍጸም።

ብዝሒ ገጽ = 154

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም መንግስቲ

 

16) “ግራተይ ምስክረይ” – ደበሳይ ሞሳዝጊ ስእላይ – 1975 ዓ/ም/ፈረ

ቅንኢ ዘስዕቦ ሽግር ከቢድ ከም ዝኾነ ዝሕብር መጽሓፍ’ዩ። ኣብ ዓዲ ሃርኮተ ዝተባህለ ዓዲ፡ ኣይተ ኣዕበዮም ዝተባህሉ ሃብታም ሰራሕተኛ፡ ብዕቤት ሃገሮም ዝግደሱ ምንባሮም ይገልጽ። ህዝቢ ንስራሕ ንትምህርቲ ክልዓዓል ብማለት ከኣ ቤት-ትምህርቲ ኣስርሑ። ዓኼላይ ዝተባህለ ወዲ ዓዶም በዚ ናቶም ተግባራት ቀኒኡ ብህዝቢ ክጽልኡን ክቐትሎምን ይደሊ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣይተ ኣዕበዮም ኣብቲ ዓዲ ሓደ ኣራዊት ኣሸጊሩዎም ስለ ዝነበረ ንዕኡ ክቀትልዎ ከዱ። ነቲ ኣራዊት ክቀትሉ ክብሉ ተሃስዮም ደኺሞም እንከለዉ፡ ዓኼላይ ረኸቦም እሞ፡ ኣብ ግራቶም ቀቲሉ ቀበሮም። ካብቲ ዝወፈርዎ ንገዛኦም ብዘይ ምምላሶም ኣብ ቤተ-ሰቦም ከቢድ ሽግር ከም ዝበጽሐ ይሕብር። እንተኾነ ኣብታ መቃብሮም ወይኒ በቊላ ስለ ዝፈረየት፡ ዓኼላይ በቲ ተግባራት ይጭነቅን ይሳቐን ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ መቃብሮም ከይዱ ወይኒ ፈርዩ ከም ዝጸንሖ እሞ፡ ከይዱ ኣብ ዕዳጋ ከም ዝሸጦ ይግለጽ። በዓልቲ-ቤት ኣቶ ኣዕበዮም ካብቲ ወይኒ ክበልዓ ኢለን ምስ ሓዛ ናብ ዓጽሚ ተለዊጡ ከም ዝወግአን፣ በዚ እቲ ምስጢር ከም ዝተፈልጠ ይዛረብ። ኩነታቱ ገሪምዎም ምርመራ ክግበር ሓቲቶም። በቲ ዝተገብረ ምርመራ ዓኼላይ ከም ዝቀተሎም ከም ዝተኣመነ። በዚ ከኣ ግራቶም ከም ዝመስከረትሎም ይገልጽ። እዛ ልብ-ወለድ ብስድ ንባብን ግጥምን ዝተዳለወ እያ።

ንጹህ ደም ብኸንቱ ከም ዘይፈስስ ኣስፊሑ ይዝርዝር። በትሪ ሓቅስ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን ዝብሃል ምስላ ትሕብር።

ብዝሒ ገጽ = 128

ኣሕተምቲ = ቤት-ማሕተም ኰኾብ ጽባሕ

 

******

ምንጪ፥ “ምዕባለ ሕታማት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ”

ኣብርሃም ነጋሽ – ኣመሪካ – 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ
Next Article ትጽቢተይ ካብ መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት ‘ጽቡቕ ዕድል’
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?