Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ካብ ዕባራ ግጥሚ እተመዅለየ ስዲ ሓሳብ

ካብ ዕባራ ግጥሚ እተመዅለየ ስዲ ሓሳብ

0
By Mekonnen T. on September 9, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

“ኣንትን ኣዳኖይ ላፋ’ግዲ’ውሒደሉ ቢሑቕ እንድዩ ተበላሽዩኒ”
“እደሊኡ ይምጸጽ’ሞ ሓርጭ ፈይ ኣቢልክን ቀጭቅጨኦ’ምበር”

bokre gebreyesus
… … …
ሰብ ጻዕዳ ማዕዳ ተለኹም እስኪ ጽግዕ ጽግዕ በሉ በትሪ ወይ ሽንድሒት ከይረኽበኩም፡፡ ጓይላ ናይ ዋዜማ ኣውድኣመት ክንጅምር ኢና፡፡
ግጥሚ ክጽሕፍ ቀንየ፡፡ መዛዘሚ ስኢነላ፡፡ ናይ መዛዘምስ ድሓን ነይሩ፡ (ዘይ ግጥሚ ሎሚ እዩ፡ ጠፋጢፈ ምዛዘምኩዋ) ግዳ ፈጺማ ምውሓጥ ኣብያትኒ፡፡ ካብ ነብሰይ ጀሚራ ምስ ብዙሕ ነገር ኣባኢሳትኒ፡፡ ኣርእስታ እንታይ ነይሩ’ስከ? ኣርእስቲ ኣይገበርኩላን – ብኸብዳ እየ ጀሚረያ፡፡
ውክልና ዝብል ሜላ ተጠቒመ ክጽሕፋ ፈቲነ፡፡ ምከና፡ መድረኽ ናይ ትያትር ቤት እዩ፡፡ ኣብኡ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ስኢለ፡፡ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ሰባት ድማ ብዋንነት ተቖርቋርነትን እታ ገረብ ኣካሲመዮም፡፡ ሓንቶት ማይ የስትዩዋ ካልኦት ድማ ባ’ሃይበሎ ርኳን ይኽዕዉላ፡፡ በዓል ክንፈ የልቅሱላ በዓል ወለማይራም ይዝምሩላ፡፡ ምስ መረረኒ ካብቲ ጨናፍራ ሰሰሊዖም ሓድሕድ ክዋቕዑ በይነሎም፡፡ ንሳቶም እናተዋቕዑ ገሊኣቶም ድማ ኣብ ላዕሊ ሓዂሮም ካብ ፍረታታ መመንጢሶም ተዛንዮም ይእክሉ፡፡
(ቀሽም ውክልና! )መርድእ ንቐባራይ እዩ ጉዳዩ፡፡ እታ ገረብ ሃገር፡ ተባኣስቲ እቶም ህዝቢ፡ ኣብ ላዕሊ ደይቦም ዝበልዑዋ ድማ መራሕታ ምዃኑ ዘይርድኦ የዋህ በዚ ሎሚ ኣበይ ክርከብ ብምባል ድማ እየ ምስ ዝጸሓድኩዋ ግጥሚ ተባኢሰ፡፡ ንፈለማ ደጊመ ምስ ኣንበብኩዋ (ብዙሕ ግዜ ዘዘውትሮ ልማድ’ዩ) ሽዑ ግን ኣመና ስሒቐ፡፡ ማለተይ ብእተኻእለ መጠን ፈገግ ኢለ፡፡ በይንኻ ከለኻ ትገብሮ ነጸብራቓት ነብሲ( ትስሕቕ፡ ትበኪ ወይ እህ ትብል፡ ምስ ኣውያት ዝዛመድ ብርቱዕ ድምጺ ትለቅቕ፡ ወይ ውን ከብድኻ ጠባይ ይስእን’ሞ ዘይሓፍሩ ባእታታት ይሞልቁኻ (ትጠርጥ)፡፡) ነብሰ-ፍወሳ (meditation) እዩ፡፡ ማንም ፍጥረት ወይ ፍጡር ግን ኬፋትካ ክዘርገልካ የብሉን፡፡ ዋላ ጸሓይ ትኹን ከይትሕስደካ ወይ ከይትኽዝበካ ኢኻ ትፈርሃ፡፡ ሽሕ ግዜ በይንኻ ሃሉ፡ ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ዝኾነ ነገር እንተ ፈጺምካ የማን ጸጋም ቁሊሕ ምሊሕ ምባልካን ኮንፊደንስካ ምጥፋእካን ዘይተርፍ እዩ።
ጸሓይን ፈይስቡክን ደልዳላ ዝምድና ክህሉዎም ነይሩዎ፡፡ ናይ ኮምፕዩተር ይኹን ናይ ሞባይል መስትያት ምስ ብርሃን ጸሓይ ስለዘይቃደዉ ግን ኣዳመይ ኣብ ጽላል ወይ ኣብ ጸላም ተተሓቢኣ ስለትጽሕፍ እዩ መሕፈሪኣ ጠፊኡዋ ዘሎ፡፡ ፍርያቶም ዘወዓውዑ ንግዳውያን ትካላት፡ ሳሕቲ ዝርከቡ ምስ ቴክኖሎጂ ዘዋግዑ ሰነዳት፡ ከምኡ ውን ገለ ሞያውያን ጽሑፋትን መልእኽታትን ብዝገደፍካ ካልእ እንድዒ፡፡ ናይ ቅዱሳንን መላእኽትን ዝክሮም ክተዛኽሮም ዝምሕጸኑ(ሓውሲ ዝእዝዙ) መንፈሳውያን ጽሑፋትን ስእልታትን፡ ፡ ምስ ደቆምን ደቂ ሓትንኦምን ኣብ ዓመት ቈልዓ ወይ ንግደት ዓዲ ዝተሳእሉዎ ስእሊ መርቑልና ዝብሉ በርጌሳውያን ወገናት፡ ናይ ዕድመ ወረቓቕቲ፡ ቤቶም ንምኽሪ ምቹእ ግዲ ዘይኰይኑ ንደቆም ዝመኽሩን ዘጕርሑን ሓጸርቲ ጭርሖታት ምስ ስእሎም…ካብዚ ወጻኢ ፍሉይ ነገር ኣምጺኡለይ ኣይፈልጥን ስክሪነይ፡፡ ረሲዐ’ምበረይ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣቢለ ብቐዳማይ ፈይስቡክ ከፊተስ ኣብ ቀጽሪ ስክሪነይ “ረኣዩዎ በሉ እዚ ሕሱር ስርዓት፡ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ኢና ንጽበ ዘለና ገለ መለ” ብዝብል ጽሑፍ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ስደተኛታት ፉል እናበልዑ ኣብ ጐድኖም ድማ ካልኦት ብጾቶም ሽሻ እናነፍሑ ዘርኢ ስእሊ ተሰጢሑ ተቐቢሉኒ፡፡ መሊሰ ናይ ክልተ ወርሒ ርሕቀት ሃዲመ፡፡ ምስ ሓደ ዓርከይ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ቴለፎን ነሐኪ’ሞ “እንታይ ዳኣ ኣብ ፈይስቡክ ብዙሕ ትረአ የለኻን” ምስ በልኩዎ “ዋዋእ! ግደፈና በጃኻ፡፡ ኣብ ቆልዓ-ሰበይቲ ወዲቑ ምስ ረኣኹዎ’ኮ ብሓሪፍ ሸተት ኢለ፡፡” ዝበለንስ ሓቁ እዩ ግዲ ከማርር? (ውሳነኡን ስጉምቱን ግን ዲክታቶራውን ብርጅዋውን ዝብል ፍርዲ ሂበዮ’የ፡፡)
ንዓይ ጥራይ ድዩ ኣልሕያ ዝኾነ ነገራት ዝመጸኒ ወይስ ኣብ ብዙሓት ተጠቀምቲ እዚ ሚድያ ዘሎ ሽግር እዩ ብምባል ምስ ነብሰይ ተማጒተ፡፡ ፈይስቡክ ካልእ ሰናይ ኣገልግሎት የብሉን ድዩ ዝብል ሕቶ ውን ኣስዒበ፡፡ እመቤታችን ወለተመቕደስ ሕሹኽ ከም ዝበላኒ ግን ፈይስቡክ ሰናይ ኣገልግሎትን ጥቕምን የብሉን ዘይኰነስ ኣነ እየ ዲሲፕሊኑን ጥቕምታቱን ኣጠቓቕማኡን ዘይፈለጥኩዎ፡፡
ካብ ጉዳይ ፈይስቡክ ከይወጻእና፡ “ደሃይ ኣጥፊእካ ብሰላም ድዩ” ካብ ዝብሉ ብዙሓት መልእኽታት ሓንቲ ዝዓጀበትኒ ምሕጽንታ ናባኻትኩም ከብላ፡፡ “ኣታ ወዲ ኣለኻ ዶ፡ በዓል እገለ/እገሊት ኣብ ዩትዩብ ዘውጽኡዎ dislike ጌርካ ዶ? ኣጆና ጥራይ ደቂ ህዝቢ! ህግደፍ መዓልቶም ኣኺላ እያ፡፡” (ኣሪመ ኣንቢበ እየ ኣሪመ ጽሒፈዮ’ምበር ትግርኝኡስ ሓውሲ ግእዝ’ዩ ዝነበረ ዊ፡፡) ብዝኾነ ግን ብመልእኽትን ብልብኹምን ደሃይና ንዝሓተትኩም ስለ ክቡርነቶም ጉልባብና ቀሊዕና ነመስግን ኣለና፡፡ (ተኸደኑዎ (ንፋስ ከይኣትወኩም?))
ከም ወዲ ህዝቢ ዓርከይ ብዝመስሉ ብዙሓት ተቓለስቲ’ኮ ትዒብና ናበይ ኢና ንኸዶ’ንታ? ዒላማኻን ዓይነት ዕጥቅኻን ከይፈለጥካ ዶ ቃልስን ለውጥን ኣሎ እዩ? ወዲ ሃሎ እንተ ብሰብ ወይ ብፈጣሪ ይኸንፍ እምበር ኩሉ ነገር ብሓንቲ ለይቲ ኣልጋ ብኣልጋ ዝቕየር ዝመስሎም ሊቃውንቲ ማእለያ የብሎምን፡፡ (ዓዲ ሃሎ ዝብሃል ገለ ዝሓፍሰሉ ድዩ ዝፍሕሰሉ ነቝጣ ከም ዘለዎ ቦኽሪ እዝነይ ብቐዳማይ ሰሚዐያ፡፡) ኣብ ርእሶም ናይ ጊላ ቦታ’ኳ ዘይብለን ደሞክራስን ፍትሕን ኣበይናይ ሃገር ክነግሳሎም ይጽበዩ? ኣንታ ካብ ናጽነቶም ዘይመሃሩ እዮም ደንቊሮም ከደንቍሩና ሕጊግ ዝብሉ? ብኸበሮ ዝተቐበሉዋ ናጽነት እንሀለት ከበሮን ወቓዒ ከበሮን ሒዛ ተሪፋ፡፡ እቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ንህዝቢ ብዓጸፋ ክልኽብጥ ዝጀመረ ሰብኣይ ብውዕይታ ጰገም ዘየብሉዎ ሕጂ ምኒን እናበሉ ዘጽምሙና፡፡ (ታይ’ሞ፡ ቈልዑ’ንዶ ኔርና ስጋ ቐላቲ!) “ኣብዛ ጎረቤትካ ዘሎ ማንዴላ’ኳ እናፈቐደስ ንምንታይ ኢኻ መርዓ ተመሳሰልቲ ጾታ ዘይትፈቅድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ሮበርት ሙጋበ (ሙጌ ናይ ሲክነሰይ (ብትግርኛ)) ከምዚ ቢሉ መሊሱ ይብሃል፡፡ “ከልዩና’ስከ ደቂ ነጃውስ! 27 ዓመት ካብ ዕድሚኡ ኣብ ስጅን ዘሕለፈ ሰብ ዳኣ ይፈቅድ እወ፡፡”
ካበየ ናበየ ንተኣከብ፡ ሓደ ኢና፡ ሓደ ንኹን፡ ንተሓቛቖፍ ዝብሉ ሰበኽቲ ለውጥን ሓድነትን ከም ዝውቱር መግቢ ሰልችዮምና ሎምስ፡፡ ክጋደሉ ድዮም ወይስ ክዋገሩ ዓሰርተሳዕ ንተሓቛቖፍ ንተሓቛቖፍ ዝብሉ? ሓደ ንኹን፡ ሓደ ኢና ሓድነትና እሽቦሽ ዝብሉና ኸ ኣብ ምንታይ ቁራዕ ኣእትዮም’ዮም ክጥጥቑና ደልዮም፡፡ ንሰብ ብዕቁብን ማሕበርን ክእክቡዎ ክብሉ ይብትኑዎ ምህላዎም ይብእስ፡፡ሕብረተሰብ ዲኻ ትብሎ ህዝቢ ክእከበልካ እንተ ደሊኻ እቲ መገዲ ካልእ እዩ፡፡ ባዕሉ ተበቲኑ ባዕሉ ክሳብ ዝእርነብ ዕድል ትህቦ፡፡ ብህጹጽ ሓደ ክዀነልካ እንተ ደሊኻ ድማ “ያላ ተበተን!” ብምባል ዘረጥረጥ ተእትወሉ፡፡ ዝብተን ዘሎ መሲሉዎ ናብ ሓደ ኣንፈት እዩ ዝጐዪ፡፡ መሰልን ፍትሕን ተነፊገ እናበልካ፡ መሰል ግለሰባት ኣብ ምኵሻም ምውዓል እዩ ዘዛርብ ዘሎ፡፡ ኣብ ሓባራዊ ወጥሪ ዘሎ ኣካል በብመንገዱ መሰልን ፍትሕን ክላመድ ክጸንሕ ግን ዝጽላእ ኣይነበረን፡፡
በለ Leo Tolstoy፥ “ኣብ ናተይ ደረጃ (class) ንዘለዉ ሰባት ኣጽኒዐ፡፡ ንዅልና ሓደ ካብ ዝገብር ጽንኩር ኵነት ዘምልጡሉ ኣርባዕተ መገድታት ድማ ረኺበ።”
ሓደ፥ ዕሽነት/ድንቍርና (ignorance) እዩ፡፡ ስለዘይትፈልጥ ብመዓር ተምባህቝ እምበር ኣራዊት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብ ሓሳብካ ቦታ ኣይትህብን፡፡ ቶልስቶይ ነዚ ምድብ ኣብነታት ኢሉ ዘቐምጦም ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ዓንጃላት ደቂ ተባዕትዮን እዩ ዝብሎም፡፡ ኣብዚኣ’ባ፡ መብዛሕትኦም ፍላስፋታት ንምንታይ እዮም ብብዝሒ ናብ ደቀ’ንስትዮ ኣነጻጺሮም ዝትኵሱ? ናይ አይንስታይን ኳ እያ ተዘኪራትኒ፡፡ “ካብ ክልተ (ቀዳማይን ካልኣይን) ኲናት ዓለም፡ ካብ ክልተ ኣንስቲ፡ ካብ ሂትለር ብሰላም ተገላጊለ፡፡ ስለዚ ዕድለኛ እየ ክብል ኣይክእልን?” ሶቅራጦስ ውን ከምዚ ኢሉ ነበረ…ክላእ ንሳስ መረቓ ወዲኣ እያ ትትረፈኒ፡፡ ግዳ ዘምጽኣና ንግበር፡፡
ክልተ፥ ናይ ኬፋት ወይ ናይ ብላዕ ወስተ (epicurean) እዩ ዝብሎም ነዞም ካልኣይ ምድብ፡፡ እኹል ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ሽግር ይሃልዎም እምበር፡ (ህይወት ከንቱን ትርጉም ዘይብላን ምዃና እዩ እቲ ሓባራዊ ጽንኩር ክውነት ዝብሎ ቶልስቶይ) ጠጥዑሙ እናበልዑን እናሰተዩን ንዓለም ተኸያይፎም ክሓልፉዋ ይመርጹ፡፡
ሰለስተ፥ ብርትዐን ሓይልን (strength and energy)፡፡ መረዳእታኦም ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ ደረጃ ብቕጽበት ዝውስኑ ሰባት ኣብዚ ይምደቡ፡፡ እታ ውሳኔ ሓንትን ጽፍፍትን እያ፡፡ ህይወትካ ምጥፋእ፡፡ ኣብ ክሳዶም ገመድ ምእታው፡ ልቦም ብኻራ ሸጠጥ ምባል፡ ኣብ ማይ ከምኡ ውን ኣብ ባቡር ድርግም ምባል ዝጠቐሶም ኣገባባት እዮም፡፡ ኣብ ራሽያ ግዲ ሽዑ ግዜ ዝውትርቲ ኣይነበረትን ኰይና፡ ቶልስቶይ ንወይዘሪት በረኪና ኣይጠቐሳን፡፡
ኣርባዕተ፥ ድኽመት (weakness)፡፡ ኣብዚ ዝምደቡ ሰባት ኵሉ ነገር እናፈለጡ ዘስቅጡን ንውሳኔ ወይ ተግባር ቅሩባት ዘይኰኑን እዮም፡፡ ገለ ነገር ከጋጥም እሞ ፍታሕ ክርከብ ድማ ኢዶም ጠሚሮም ይጽበዩ፡፡
እምብኣርከስ ናይ ቶልስቶይ ሕቶ ናብ ነብስኻ ተርጒምካ ምድብካ (ጋንታኻ) ምፍላጥ ይከኣል እዩ፡፡ ሰናይ ምደባ፡፡
መስከረም  2017

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓላዊ መቓብር
Next Article ደርፊ ኣይትተሃመል : ኮሓልቲ መሲለን መንቆርቲ 
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?