Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ይጠፋኣኪዶ ኢለዮ

ይጠፋኣኪዶ ኢለዮ

0
By Mekonnen T. on August 24, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣነስ ጓለይ ቀደም እቲ ክንራኸብ

ትመስሊ ኔርኪ ጓል ቆቋሕ ጓል ሰብ
ኣንቲ ጓል በረኻ ጓል እምነ ገረብ
ሰብ ዶ ኣይኮነን ዝገብሮ ንሰብ
ሰብ ጌርክኒ ዘይሕሰብ ከም ሰብ!

ኣንቲ ጓል ሃገረሰብ
ሰብዶ’ቲ ናብ ሰብ ይዕሰብ
ክላእ ግደፍና መንኣሎ ምስ ሰብ ዝዋሰብ
ልዕሊ ሰብ እንከሎ በሉኒ ዝብል ሰብ?

ጓል መንጉዳ ጓል ጸድፊ ጓል ህበይ
ንስኺ ማዕበለይ ንስኺ መኽሰበይ
ሰብ ዶ ኣብ ጎድፍ ይድርበይ
ኣይትደርብይኒ ወርቀይ ደሃበይ!

ናተይ ድርዒ ናተይ ድባበይ
ሰይጣንዶ መጺና ክርዳድ ድርባይ
እሞ ንሰንድዎ ከመይ ግን ደኣ ናበይ?
ኣነ ሰብኪ ንስኺ ሰበይ
ሰብ ይኹን ህበይ
ሰይጣን ይኹን መልኣከ ውህበይ
ኣይዓጅበንንዩ መኽሰበይ!
ስታየይ ኢኺ ጽጋበይ
ኣበይ እሞ ኣበይ?
ስብ እንዶ ኾንኪ ከማይ!

ኣብ ጎነይ እንተትኾኒ ኣብ ኣብ ጸግዐይ
ይትረፍ ሰብ ሰብ’ዚ ሓላፋይ
ንኾንቲ ሕልፈት ተወላፋይ
ፈቃር’ኳ እዚ ፍቅሪ በሃላይ
ከም ወዮ ውሃቢ ዘይተዓዳያይ
ምበለ መስለኒ ተላጋቡ ከማይ!

ከመይሲ ሰብ’ዩ ሰብ ደላያይ
እንተ’ዚ ናተይ ናይ ፍቅሪ ሰሌዳይ
ክረምቲ ይኹን ሓጋይ
ኣነ ዓካትኪ ንስኺ ጋባይ
ኣይኮነን ድዩ ተለጋባይ?!

እንታይ’ዩ እዚ ኮለል እንታ’ዩ ዚ ፍዳይ
ሓላል ከሎ ልቢ’ዚ ፈረዳይ
እንታይ እምኑ እንታይ ሓንዳይ ምንዳይ
ፈጣሪ እንተሎ ፈራዳይ
ንንጹህ ወካሊ ንሕንጊድ ተፈራዳይ
ይምሕለለይ ይኸውን ክንዲ ክንዳይ፡
በስ ንዒ ኣብዛ ጥቓይ
ኣለኹ ኣብ ጥቃኺ ንስኪ ኣብ ጥቓይ!!
እንተዘይ ኮይኑ መንዩ ተጠያቓይ
ኮንቲ ሕልፈት ኮንቱ ስቓይ!
ግን’ኮ ንምንታይ!!??
ኣንቲ ናተይ ምናተይ መዓንጣይ
ፍናነይ ውሽጠውሽጠይ
ልበይ ኢኺ ኩሉሙሉ ኩሊተይ!!

መለስ ንጉሰ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article ፍረ – ናይ’ቲ ኮኾብ 
Next Article ሓላዊ መቓብር
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?