Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

0
By Mekonnen T. on July 28, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረህይወት

(ሓሙሻይን መወዳእታን ክፋል)

ነገረ ኣልኮል ካብ ተላዕለስ፡ ቢራ ኣስመራ ተዘኪሩኒ። ንእኡ ዘዘክር ስለ ዝረኸብኩ’የ። ኣብ መንበሪ ገዛይ ክድሰት መደብ ሒዘ ኣለኹ። ኣብ ቅድመይ፡ ንበይነይ ዝሰትዮ ካሴታ ምሉእ ሀይነከን ቢራ ኣሎ። ሀይነከን፡ እቲ ኣብ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎ፡ ሆላንዳውያን ዝዀርዑሉ ቢራ ምዃኑ እዩ። ቀዳመይቲ ምዕጕቲ ናይ ቀዳመይቲ ጥርሙዝ ጐርዳዕ ምስ ኣበልኩ ግን ብኣጋኡ ሰልችዩኒ። ፍጊዕ ድማ ኢሉኒ። ዝሰኣንኩዎ ናፊቐ መስለኒ። ኣብ ባር ጆስ-ደንደን ክለብ፡ ብመቝነን ንሰትዮ ዝነበርና ቢራ መሎቲ ናፊቐዮ። ነተን ናይ መቝነን እውን ጉቦ ወሲኽካ’ዩ ነይሩ። ገጽካ ኣብቲ ባር ልሉይ እንተ ዘይኰይኑ ከኣ ምርካበን ንጋዳ። ምስተን ኣብኡ ዘለዋ ኣሳሰይቲ ምውዕዓል’ዩ። ብኸመይ፧ ብግቦ። ነፍሲ ወከፍ ምሸት ንኹሕለ ምሕለን ፈይ ተብል። ዝበልዐት ከብዲ ሓሲማ ኣይትሓስምን። ኢድካ ፍትሕ እንተ ኣቢልካስ ቀልጢፍካ ምጻእ ድሒርካ መቝነንካ ናብ ዘብላኦ የብለንን። ፈውሲ ጽምኢ፡ ጠምጠም ኢልካየን ናብ ካልእ ብኸምኡ ዝጸቐጥካዮ ዓውዲ ምቕጻል’ዩ። ተመሳሳሊ’ዩ እቲ መስርሕ።

ብዙሕ ንምስታይ ኣብ ብዙሕ ባራት ዓሚል ምዃንካ ከተመስክር ኣለካ። ወስ ዘይትብል ምስ እትኸውን ወስ ኣይብላኻን። መሳኪን ኣሳሰይቲ ድማ ካብ ጣውላ እንደኣሉ መሃያአን። ኣይተሓዘንን’ዩ። ኣየናይ ደሞዝ ዝኽፈላ ኰይነን። ይትረፍ ንሳተን እቲ እኹል ትሩፍ ዝመሃያኡ’ኳ ንጉቦ ምቕባል ድሕር ኣይብልን – ገንዘብ ዘይመልኮ የለን። ቢራ ኣስመራ ብዘይቀልዓለም መቐረት ኣለዎ። የርዊ፡ ይዕንግልን የዘናግዕን። መሰረታዊ ሃላኺ መግቢ ድዩ መጋየጺ ኣይርደኣንን። ካብ ስገሙ ድዩ ካብ ማዩ እንድዒ። ካብ መስተ ከይወጻእኩ፡ በብዓይነቱ ወይኒ እውን ኣብ ቀረባይ’ዩ። ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝለኸፍኩዎ ወይኒ ከምታ ኣብ ኤርትራ ዝሰትያ ዝነበርኩ ‘ሻልኩ’ ዝስማ ወይኒ ኣይተጋጠመንን። ድሕሪኣ ንወይኒ ሕሩመይ ኢለ ኣለኹ።

ምስ ናፍቖት ኣብ ዝተሓሓዝ ዛዕባ ብተወሳኺ፡ ሃገረ ሆላንድ ንቀምቃማየይን ዓቐን ኣልባሳተይን እውን ኣናፊቓትኒ። ጸሊም ሓውሲ ኰርዳድ ጸጕረይ ኣማሓዳሪ ኣይረኸበን። ብቐደሙ ጠባይ ኣይነበሮን። ወዲ ሃገር ንሕማቕ ጠባዩ ገኒሑ ስርዓት የትሕዞ ነይሩ። ሎሚ ግን ካብ ወዲ ሃገር ስለ ዝረሓቐ ስድነቱ ሳዕሪሩ ኣሎ። ላጺኻ ማጓ ምግባሩ ተመራጺ ኰይኑ ኣይተረኽበን። ክሳዕ ዘሎስ ብውሕዱ መከላኸሊ ቀዝሒ ሓጋይ ኤውሮጳ ምዃኑ ኣይተርፎን። ኣብ ዓቀን ኣልባሳት እውን ከምኡ። ሆላንዳውያን ብቑመቶምን ኣቃውማኦምን ብደረጃ ዓለም ፍሉጣት እዮም። ኣነ ድማ ቁንጽብ ኢለ። እቲ ንቑመቶምን ጸባ ጸገብ ኣካላቶምን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝኣቱ ኣልባሳት ብውሕዱ ክልተ ዕጽፊ ይዀነኒ። ነዚ ንምስትኽኻል እንዳ ሳርቶ ተረካቢ ኣይኰነን። ከም ዝበዝሑ ሆላንዳውያን ኣብ ገዛይ ሳርቶ ከየቐምጥ ድማ ኢደይ ኣየዋሕለልኩን ጸኒሐ። ተንኪፈያ ዘይፈልጥ ንብረት እያ ሳርቶ። ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ይግባኣ ነይሩ። ኣይተግበርኩዋን። ‘ኣዳም’ዩ መምህርና’ እትብል ደርፊ ጣኒቆ ክሰምዕ እንከለኹ፡ ነታ ቈጽሊ ለጋጊቡ ሕፍረቱ ዝኸደነላ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ከም ዘየውዓልኩዋ እግንዘብ። ሰፋዪኡ ዘይፍለጥ ኣልባሳት ካብ ምቅይያር ግን ዓዲ ኣይወዓልኩን። እቲ ኣማራጺ ካብ ዓዲ ቁንጹባት ምእታው ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ልክዕ ከም ቁጠባ ዓድና ሰደድ ዘይብሉ እታው ምዃኑ’ዩ። ፈቲኽን ዶ ንጉስ ትምርቓ’ዩ ነገሩ። ከይፈተኻ’ዩ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። ሕማም ገንዘብን ገንዘብን መወዳእታ የብሎምን። መሳርሒ ካብ ምዃን ወጻኢ፡ ልዑል ስልጣን ተዋሂቡዎ ንመንፈስ ሰብ ተቛጻኣጺሩዎ ኣሎ። ሓጐስን ርውየትን ኵሎም ካብኡ ይድለዩ ኣለዉ። ስለ ዝዀነ፡ ብዕጥራን ይምጻእ ብኽትራን፡ ርሂጽካ ይምጻእ ወሽሊኽካ ክህሉ ኣለዎ። ንገንዘብ፡ ሃገር ትሸይጥ፡ ብ ‘ምስጢር’ ትዋገ፡ ትዕሰብ፡ ክብርታት ሕብረተ ሰብካ ብምቁሻሽ ትሓድር፡ መንነትካ ትኽሕድ። ገንዘብ ሓያል። ንስጋዊ ዓለም ሓሊፉ ድማ ንመንፈሳዊ ዓለም እውን ገዚኡዎ ይርከብ። ብኽድኑ፣ መኽፈልቲ ዘባእሶም መኣስ ውሒዶም። መንፈሳውያን ኢና እናበሉ ስጋ ዝሰዓሮምን ኣብ ሓመድ ዘንገርገሮምን ስለ ንዕዘብ፡ ተኸተልቲ ሓባራዊ እምነት ካብ ምዃን ከም ዘየምለጡ ግሁድ ኰይኑ ኣሎ። ኣምላኽ ኣምላኽ ይብሉ፡ ኣምላኽ ዝፈትዎ ግን ዘይገብሩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ጕዕዞ ስነ ፍልጠት ፈጣሪ ንምርካብ ይምርሽ ኣሎ። ኣምላኽ ምስ ተረኽበ፡ ካብ ሞት ንምትራፍ ጕቦ ንምሃብ ዘሎ ጽቕጥቅጥ ካብ ሕጂ ይረኣየካ። ገነት ናይ ውሑዳት ንምግባሩ ዝህሉ ጸደፍደፍ ኣይንርኣዮ።

ጽርግያ ንኸቋርጽ ብመገዲ ኣጋር ክሰግር ኣብ ዝዳለወሉ ዝገርመኒ ስነ-ስርዓት ሆላንዳውያን ኣሎ። ክሰግር ከም ዝደለኹ ስለ ዝተገንዘቡ ጥራይ ገና እግረይ ከይሰጐመ፡ ብክልቲኡ ሸነኽ ዝጐዓዙ ደው ክብሉ እንከለዉ ይገርመኒ። ብመገዲ እግሪ እናቋረጽካ፡ ኣብ ማእከል ‘ዘብራ’ ዝደፍኡኻ መራሕቲ መካይን ዓድና ትዝ ይብሉኒ። እንታይ ንኸርክቡ ከምኡ ይገብሩ ኣይፈልጥን። ግን ገንዘብ’ዩ ዝኸውን። ደሓር ኣብ ዓድና ድማ፡ መኪና መሳለጢ ዘይኰነትስ መጋየጺ ስለ ዝዀነት፡ ክደፍኡኻ ወይ ክረግጹኻ ባህርያዊ’ዩ። “ጐማይ ከይትጽይቐለይ’ምበር ንዓኻስ” እናበለ ዝፍክር፡ ካብ ህይወትካ ንላዕሊ መኪናኡ ወይ ጐማ መኪናኡ ከም ዝኸብር’ዩ ዝነግረካ ዘሎ – ብተዘዋዋሪ።

ፈጣሪ ንሰብ ፈጢሩዎ ከብቅዕ፡ ጊላ ናይቲ ዝፈጠሮ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ሸውሃት ሰብ ደረት ተሳኢኑዎ ካብ ፈጣሪኡ ኰብሊሉ ንፈጣሪኡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብምዃን ተፈታቲኑዎ። “ብውሉድካ ተፈደዮ’ ከም ዝብል ወላዲ፡ ኣምላኽ ድማ ሓደ መርገም ጥራይ ረጊሙ። “ብዝፈጠርካዮ ተፈደዮ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዛጊት ዝወሰዶ ስጕምቲ የልቦን። ሰብ ንገንዘብ ፈጢሩ። መርገም ፈጣሪ ሰሪሑ፡ መሃወኑ ክሳዕ ዝጠፍኦ ድማ የዕገርግሮ ኣሎ። እቲ ኵሉ ዕግርግር ንገንዘብ ብገንዘብን ንገንዘብን’ዩ። ገንዘብ ንምርካብ ክሳድ ሰብ ምቕንጣብ ከኣ ሓደ ቅዲ። ኣብ ድቃሱ፡ ኣብ ዅሉ ብዛዕባ ገንዘብ’ዩ ዝሓልም። ገንዘብ’ዩ ዝምነ። ብገንዘብ ልዕሊ ሰብ ንምዃንን ሰብ ንምግዛእን ይቃለስ። ብዓል ጸጋ ኰይኑ ጸጋ ሰብኣውነት ይምንዝዕን ይቕንጥጥን። ንፈጣሪ ራሕሪሑ ንገንዘብ የምልኽ። ብገንዘብ ሕማም የሕድር፡ ይሳቐ፡ ይመውት።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ-ገንዘብ
Next Article ሶቅራጦስ ምእንቲ ሓቂ ዝሓለፈ ፈላስፋ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?