Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሓድሽ መናፈሻ ኣብ ሓድሽ መናፈሻ

ሓድሽ መናፈሻ ኣብ ሓድሽ መናፈሻ

0
By Mekonnen T. on July 19, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ከተማ ኡምዮ ካብ ሃገረ ስዊድን

166 ገጻት፡ 166 ሓሳባት፡ 166 ናፍቖት፡ 166 ዝኽሪ፡ ምናልባሽ’ውን ልዕሊኡ።

ብመለስ ንጉሰ እተጻሕፈት 11 እኩብ ሓጺር ዛንታታት ዝሓዘለት መጽሓፍ፡ ተኸልኲለ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኡምዮ ዝርከብ ሓድሽ መናፈሻ ወዓልኩ። ስጋይ ኣብኡ ምንባሩን ኣብኡ ምውዓሉን፡ ናብ መንበሪ ገዛይ ክምለስ ከለኹ ኣረጋጊጸ እየ። ነፍሰ-መንፈሰይ ግን፡ በቶም መለስ ንጉሰ ”20 ዓመታት ዘሕለፉ” ዝበሎም ፍጻመታት፡ ዝኽርታትን ቦታታን ተጎቢኡ፡ ነዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘለኹ ክሳዕ ዝጽሕፍ’ውን ገና ናብ ውኖኡ ኣይተመልሰን ነበረ።

እቲ ዝነበርክዎ መናፈሻ፡ ብርግጽ ሓድሽ መናፈሻ እዩ። ከምቲ መለስ ንጉሰ ዝዛረበሉ መናፈሻ ግን ኣይኮነን። እቶም ኣብ ከባብየይ ዝርእዮም ዘለኹ ሰባት፡ ዝንቀሳቐሱ፡ ሓሶቦም ዘፍስሱን፡ ዝፈሰሰ ሓሳብ ዝሓፍሱን እዮም። ሓደ ካብቲ ንስርሓት መለስ ንጉሰ ዘድንቐሉ መኣዝናት ጠመተ፡ እቲ ኣነ ዝሓስቦ ካልእ፡ እቲ ንሱ ዝብሎ ድማ ካልእ ኮይኑ ስለዝረኽቦ እዩ። ሓንሳእን ክልተ ሳዕን ጥራይ ዘይኮነስ፡ መብዝሕትኡ ግዜ።

ካብታ ”ወረቐት ስሚንቶ” እትብል ዛንታ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ኣብ ቁርጽራጽ ወረቐት ዝጸሓፎ መዘክር፡ ሓደው ናይ ፍቕሪ መልእኽትታት፡ ወይ’ውን ምስጢራዊ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ እሱራት ብዝምልከት እዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ዝብል ግምት’ዩ ኔሩኒ። ግምተይ ግን ግምት ጥራይ ኮይኑ’ዩ ተሪፉ። ከም ወትሩ፡ እቲ ኣነ ዝሓስቦን ዝግምቶን ካልእ፡ እቲ መለስ ንጉሰ ዝጽሕፎ ድማ ካልእ። ስለዚ ድማ እየ ባህ ኢሉኒ ዘንብቦ።

ገጣሚ መለስ ንጉሰ፡ ኣብ መደብ ”ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት”፡ ግጥምታቱ ኣብ ዘቕረበሉ ግዜ፡ ኣነ፡ ጋዜጠኛ ድምጺ ሓፋሽ ኮይነ፡ ነቲ ጸብጻብ ኣወሃሂደ ኣቕሪበዮ ነበርኩ። ”ኣርማድዮና”፡ ”ሰይጣን እንተዝምርዖ” ወዘተ ዝብሉ፡ ስምዕ ውዒልካዮም ዘይምነውን ዓሚቑ ምስጢር ዝሓዘሉን ግጥምታት መለስ፡ ናይ ዘሎኒ ኣወሃሂደ ነቲ መደብ ከቕርቦ ይዝከረኒ። ብርግጽ ነቲ ኣነ ዝጸሓፍክዎ እቶም ዘንብብዎ ካልኦት እዮም ኔሮም። እቲ ገጣሚ ግን ነቲ ጸብጻብ ኣይተሓጐሰሉን።

ገጣሚ መለስ (እቲ ”ገጣሚ” ዝብል ቅጽል፡ ከም ስሙ እቲ ”መለስ” ዝብል ስም ድማ ከም ስም ኣቦኡ)ንዓይ ክሳዕ ለይተ ሎሚ፡ ”ገጣሚ መለስ” እንተኢለ፡ ብዘይካኡ ኣብ ርእሰይ ዝመጽእ ካልእ መለስ የለን። ስም ኣቦን ስም ኣቦሓጎን ጌረ፡ ካብ ካልእ መለስ ክፈልዮ ኣየድልየንን ነበረ። መለስ ንጉሰ ክፍሉ ግን ኣይተሓጐሰለይን። ስለምንታይ ምንባሩ፡ ሕጂ፡ ኣብዛ ”ሓድሽ መናፈሻ” ኢሉ ጽሒፍዋ ዘሎ ስራሕ፡ ”ንዘፍቅሮም ወለደይ፡ ንጉሰ ክፍሉን ኣለም በርሀን” ኢሉ ስም ወለዱ ኣብ መጽሓፍ ሓድሽ መናፈሻ  ጽሒፍዎም ምስ ነበብኩ፡ እቲ ምኽንያት በሪሁ ተገልጸለይ። ብፍላይ እታ ”ንዘፍቅሮም” እትብል ንወለዱ እተጠቕመላ ቃል፡ ብዙሕ ኣሕሰበትኒ። መጽሓፍ ሓድሽ መናፈሻ፡ ንትርጉም ፍቕሪ ብሓደ ካልእ መኣዝን እተርኢ መጽሓፍ ኰይና እየ ረኺበያ። ኣብ ”ሄለን ቆንጆ”፡ ”ዘይትኣርግ ፍቕሪ”፡ ”ጤለበዱ”፡ ”ፈውሲ ጭንቀታተይ” ”ህያብ”  ወዘተ ዘሎ፡ ፍቕሪ ብጻይ፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን፡ ፍቕሪ ወላድን ውሉድን፡ ፍቕሪ ጾታ፡ እቲ ኣገላልጻ ይኹን፡ እቲ ዕምቈት ኣቀራርባ፡ ብሓቂ ዝነኣድ እዩ።

ገጣሚ መለስ ንጉሰ ክፍሉ፡ (ብፍላጥ’የ) ነቲ ናይ ድምጺ ሓፋሽ መደብ ተኸታቲሉ፡ ”ስለምንታይ ስም ኣቦይ ረሲዕካዮ” ኢሉ ዘይዕጋበቱ ክገልጸለይ ከሎ እምበኣር ናይ ልቡ እዩ ዝነበረ። ተኸታተልቲ መደብና ንሱ ምዃኑ ጠፊእዎም ምስ ካልእ መለስ ከየጋግይዎ ሰጊኡ ዘይኰነስ፡ ክብሪ ወላዲ ብዝግባእ ዝተረድአ ስለዝነበረ ምዃኑ ድማ እንሆ ደጊሙ በሪሁለይ ኣሎ። እቲ ብኣካል ዝፈልጦ ለውሃትን ፍቕርን መለስ ንጉስ፡ ”ክቡር የኽብረካ መጠን ነፍሱ” ከምዝበሃል፡ ንበዓልቲ ቤቱ ድማ ”ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ” ክብል ኣብታ መጽሓፍ ጠቒስዋ’ሎ። እቲ ክብራን ተኸባቢራን፡ እቲ ርዝነት ኣጸሓሕፋ፡ እቲ ዕምቈት፡ እቲ ፍልስፍና፡ እቲ ኣመራርጻ ቃላት፡ ነታ መጽሓፍ ብብዙሕ መዳያ፡ ብልጽቲ ስራሕ ከብላ ካብ ዝኽእል ገለ ረቛሒታት ይመስለኒ።

ብቐንዱ ግን ህይወትናን ደረጃ ኣተሓሳስባናን ቅልዕ ኣቢላ እተርእየና ስለዝኾነት ድማ’የ ፈትየያ። ኣብታ ቀዳመይቲ ዛንታ ዘሎ ”ማጆር ወዲ ባሕሪ፡” ልቢ ሰማዕቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልቢ ነበብቱ ዝሰልብ ክኢላ ኣዘንታዊ እዩ። እቲ ዛንታ ሓሶት ምንባሩ፡ እቲ ጸሓፊ ብጭብጢ እንተዘየሰንየልና ኸኣ፡ ካብቲ ነቲ ድሒርና እንፈልጦ ሓቅን ክውንነትን ንላዕሊ፡ ንሓሶት ማጆር ክንኣምን ምቐለለልና። እቲ ዕምቈት ድማ ኣብዚ’ዩ ዝርአ። ”ህይወት ሓሶት’ያ፡ ዓሻ ወዲ ሰብ ድማ ንዘየላ ሓቂ ክደሊ ኮለል ይብል” ይብል ባዕሉ ማጆር ወዲ ባሕሪ። ”ህይወት ሓሶት’ያ!! . .” በይነይ ደኣለይ ኔረ እምበር ዓው ኢለ ደገምክዎ። እንታይ ከምዝብል ኣይፈለጥኩን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢለ ዝተገተርኩ መሰለኒ፡ ”እንታይ እዩ ሓሶት? እንታይ’ዩ ሓቂ?” ኢለ ክመራመር ከምዝግባእ ግን ኣንኪሱኒ’ሎ።

ኣብታ ካልአይቲ ዛንታ፡ ብፍልስፍና ሒዙካ ዝዕዘር፡ ተረካብ ዘረባ ዶክተር ኣሎ። ”ሎሚ ምስ ሓቂ ተጋጢምኪ ኣለኺ፡” እዩ ዝብላ ነታ መደቀሲ ደልያ ዝመጻቶ ጓል። ”ከም ኩሎም ደቂ ዓድና ግን ሃዲምኪ፡” ድማ ይብላ። ”እህእ. . .” እናበልኩ ድማ ንባበይ ይቕጽል። እቲ ብዛዕባ ካብ ሓቂ ምህዳም ብዝምልከት ዝተሰምዓኒ ስምዒት፡ ንዓኹም’ውን ተሰሚዑኩም ከምዘሎ ርግጸኛ እየ። ሰብ፡ ስለምንታይ እዩ ካብ ሓቂ ዝሃድም? ይቕረታ ብዛዕባ ህድማ እናተዛረብናስ ድማ ክሃድም?!! ስለምንታይ ኢና ካብ ሓቂ ንሃድም? ንምባል እዩ። ሕጂ’ውን ይቕረታ፡ ስለምንታይ እየ ካብ ሓቂ ዝሃድም. . . ? ክብል እዩ ዝግብኣኒ። ሕጂ ግርም!! ንስኹም ከ፡ ከም ኩሎም ደቂ ዓድና፡ ካብ ሓቂ ምህዳም ዶ ወይስ ነቲ ህድማ ኣቋሪጽኩም ምስ ሓቂ ክትጋጠሙ ኢኹም ክትውስኑ?!

ምርጫኹም ምስ ሓቂ ንምፍጣጥ እንተኾይኑ፡ ”ዓይነ-ስውርቲ ኰይና እተፈጥረት ጤለበዱ፡ ንነፍሳ ካብ ነብሪ ብኸመይ ከተድሕና ትኽእል?” ዝብል ወጥሪ እዩ ተቐሪቡልና ዘሎ፡ ኣብኡ፡ ኣብቲ ዛንታ። ነዛ መስኪነይቲ ጤለበዱ እዚኣ፡ ኣዲኣ ሓዚላታ ከይትሃድም፡ ህበይ ኣይኮነትን፥ ኣብ ከረጺት ከርሳ ውትፍ ኣቢላታ ከይትሃድም ድማ ካንጋሮ ኣይኮነትን። ነፍሳ ከተድሕነሉ እትኽእል ደኣ እሞ እንታይ ብልሓቱ እያ ክትጣበብ?! ከም ኣመልና ዶ ካብ ሓቂ ንህደም ወይስ ፊተ-ፊት ተጋጢምና መፍትሒ ነናዲ?!

ብልሒ ጥበብ፡ ደራሲ መለስ ንጉሰ ኣብ ከምዚታት እዩ ጐሊሑ ዝርአ። ኣብዘን 166 ገጻት፡ ነቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት፡ ግሩም ዝኾነ ዝኽርን ምስልን ዝሓድግ፡ ኣቀራርባን ትሕዝቶን ተንጸባሪቑ ኣሎ። ኲናት ኢትዮ-ኤርትራን ጽልዋኡን፡ ድኽነት፡ ጥልመት፡ ፍቕሪ፡ ንእስነት፡ ዩኒቨርሲቲ፡ ንግዲ፡ ውትህድርና፡ ጋዜጠኝነት፡ እንዳ ስዋ፡ ስደት፡ ሕክምና፡ ፍልስፍና፡ ግርህነት፡ ሲነማታት ኣስመራ፡ ዙረት ባጽዕን መናፈሻታትን. . ኮታ ናብቲ ግዜን ናብቲ ቦታን ሒዛትካ እትሽመም መጽሓፍ ኰይና እየ ረኺበያ።

ኣብታ ”ሓድሽ መናፈሻ” እትብል ዛንታ ዘለዉ ሳሙኤልን ሳምራዊትን፡ ”ሰብ ክርእዮም ከሎ በቲ ዘለዎም ግርምቢጥነት ዘይግረም የለን፡” እዩ ዝብል እቲ ደራሲ። ንሳ፡ ሓጺር ዝጸጉሪ ርእሳ፡ ወደ-ወዶ ትመስል ክንሳ፡ ግን ከኣ ጸጋታት ተፈጥሮን ዝሑል ሙዚቃን ህዱእ ቦታን እያ እትፈቱ። ንሱ ድማ ነዊሕ ዝቑነን ጸጉሪ ዝውንን ኮይኑ፡ ግን ከኣ ጨርባሕባሕ ዝብል ውዑይ ሙዚቃ ይፈቱ። ፍልልያቶም ዘይሳነ ክንዲ ሰማይን ምድርን ዝምርሓቑ ክንሱስ ግን ከኣ ፍቑራት!

ኣብ ሓድሽ መናፈሻ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣይዛረቡን እዮም፡ ስቕ ኢሎም ጥራይ እዮም ዝጥምቱ፡ ኣብ ገጾም ዘሎ ዶሮና’ውን ክነግፉ ኣይክእሉን እዮም።

እቶም ሰባት ኣነ ኰይኑ ተሰሚዑኒ. . . ንሕና እዞም ኤርትራውያን ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ደራሲ ከምዝብሎ፡ ንሳቶም ምውታት እዮም። ”ሳሙኤልን ሳምራዊትን ካብቲ ዓቢ ቀጽሪ መቓብር እንዳ ማርያም ወጺኦም፡ ናብ ቤቶም ብህዱእ ኣካይዳ መኪና ተበገሱ።” ብምባል ድማ ነታ ዛንታ ይውድኣ። ኣነ’ውን ካብቲ ዝነበርክዎ መናፈሻ ብድድ ኢለ ብምትንሳእ፡ ናብቲ መኪናይ ዝዓሸግኩሉ ከይደ፡ ናብ ቤተይ ብህድኣት ኣምራሕኩ። እቲ ንባብ ተወዲኡ፡ እቲ ንባብ ዝቐስቀሶ ዝኽሪ፡ እቲ ንባብ ዝበገሶ ወጥሪ ግን እንሆ ይዛሪ፡ ዝውዳእ’ውን ኣይመስለንን።

የቐንየልና ደራሲ መለስ ንጉሰ ክፍሉ፡

መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዚ ሊንክ ምጥዋቕ ይከኣል።

https://www.soyra.net/product-page/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8D%88%E1%88%BB-hadish-menafesha

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ ሓደ ፍጥረት፡ ኣብ ክልተ ዓለም
Next Article ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?