Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጽሓፍ ሓደ ፍጥረት፡ ኣብ ክልተ ዓለም

መጽሓፍ ሓደ ፍጥረት፡ ኣብ ክልተ ዓለም

0
By Mekonnen T. on July 14, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብኣላንን ባርብራን ተጻሒፋ ብጋዜጠኛ መንገሻ ሃብተ ዝተተርጎመት ዓባይ መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ኣሜሪካ በጺሓ’ላ።
መንገሻ ሃብተ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ከምዚ ይብል

”why men don’t listen and women can’t read maps” ብ ኣላንን ባርባራን ዝተባህሉ፣ብኣረኣእያይ እምብዛ ብልህታት ዝኾኑ ፣ክልተ እንግሊዛውያን ሰብ-ሓዳር ጸሓፍቲ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። ልክዕ`ዩ ከሉ ዝጸሓፍ ጽሑፍ፣ ነናቱ ፍሉይነት፣ ትኽረት፣ ኩርናዕ ዛንታ፣ መልእኽቲ፣ ዕላማ ፣ ቅዲ ኣቀራርባን ጥበብ ኣነጋግራን ክህልዎ ከም ዝኽእል እኣምን የ። ከም`ዛ ኣብዘን ዝቐደማ ናይ መእተዊ ምሉኣት-ሓሳባተይ ኣቐሚጠያ ዘለኹ ሓበሬታ ግን፣ እዛ መጽሓፍ ብኣረዳድኣይ ፣ ካብተን ንተመሳሳሊ ዛዕባታት ኣልዒለን ክምህራ ዝፈተና መጽሓፍቲ መለሳ ኣለዋ።ሃብታም፣ ዓለም-ለኻዊ መልክዕ ዝሓዘት፣ ንሓደ ምከናን ባህላዊ ኣጠማምታን ጥራይ ፈራዲ ጌራ ተቕርብ ኣይኮነትን። ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም፣ ኣብ በበይኑ ጽፍሒ ኣነባብራ፣ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንቕሓት ፣ ኣብ ኩሉ ክሊታት- ዕድመ ንዘሎ ወዲ-ኣዳም ዝምልከት ሓቓፊ ትሕዞ ኣለዋ። ሕጂ ውን ብዓይነይ ርኣዩ፣ ብመልሓሰይ ኣስተማቕሩ ንዘይምባል ፣ “ብኣረኣእያይ“ ንእትብል ሓረግ እደግማ ኣለኹ።
ጸሓፍቲ ኣብ ኣስታት 182 ሃገራት ብምጉዓዝ፣ ተጋዒዞም ድማ ምስ ናይ ብሓቂ ወከልቲ ፣ ናይ ዝበጽሕዎም ሕብረተ-ሰባት ብምዝርራብ ፣ መጽሓፎም ብልክዕ ዓለም-ለኻዊ መልክዕ ኣትሒዞማ። ካብ ኣመሪካ ክሳብ ስዑዲ ዓረብ እዮም ተንቀሳቒሶም። ብኻልእ ካልእ ዘይተጸልወ ስምዒት፣ ኣተና፣ ስነ-ህይወት፣ ድሌታት ናይ ደቂ-ኣዳም ኣድማሳዊን ኪኖ ሰብ-ሰርሖ ዶባትን ኣምራት ዘመናዊ ህዝባዊ ምምህዳርን ስለ ዝኾነ ፣ ጸሓፍቲ ፣ ወካሊ ዝኾነ ርኽበታት ኣብ ምቕልቃል ፈጺሞም ኣይሰነፉን። ብሓቂ ንፉዓት። ዕድሚኦም ትንዋሕ። ብሓቂ ሃብሮማት።
ከም ሰብ ሓዳርን ተመራመርትን ፣ ብጾተይ ዝኾኑ ኣላንን ባርባራን ብዘይቃል-ዓለም`ዮም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ተጋንፎታት ኣብ መጽሓፍ ኣቐሚጦሞ። ንሳቶም እውን ልክዕ ከማና ከም ኣንበብቲ ናይ መጽሓፎም ፣ጾታውነት ዘለዎም፣ ማሕበራዊ ድሌታት ዘለዎም ፣ ጠመይትን ጸማእትን ሰብ ስለ ዝኾኑ ፣ ኣካል ናይቲ መጽናዕታዊ ሳምፕል ኔሮም። ብዘይሕብእብእ ፣ ሄዋንን ኣዳምን ብምኻኖም ጥራይ ኣብ መንጎኦም ንዝተኽስተ መሃሪ ክስተታት ተዛሪቦሙሉ። ኣላን ሰበይቲ ክብህግ ከሎ፣ ባርባራ ውን ፐሬድ ክመጽኣ ከሎ ንዘርእዩዎ ገጸ-ባህሪ ኮፍ ኣቢሎሞ ኣለዉ። ግሉጽነቶም ሓደ ካብ ጽባቐታት ናይዛ መጽሓፎም እዩ።

https://www.soyra.net/product-page/%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8D%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገምጋም መጽሓፍ “መገዲ ዓድና” ብግርማይ ነጋሽ
Next Article ሓድሽ መናፈሻ ኣብ ሓድሽ መናፈሻ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?