Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ልደተ ኤርትራ ካብ ማህጸን መግዛእቲ ኢትዮጵያ!

ልደተ ኤርትራ ካብ ማህጸን መግዛእቲ ኢትዮጵያ!

0
By Mekonnen T. on May 24, 2017 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ምብዓል ናጽነት ይግባእዶ?

ወድ ስእላይ 24 ግንቦት 2016

ጥንሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ማህጸን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተስእሎ መልክዕ ረኪቡ ክነሱ፡ ብቅልጽም ሓያላን ተነጺሉ ወይ ብውሽጣዊ ሕማም ቆሊዑ ከይመውት ዋናታቱ እናሞቱሉ፡ ን30 ዓመታት ከም ሓደ መቀን ጊዜ ጥንሲ ጸብጺቡ፡ ኣካል ገዚኡ ደረት ፈልዪ ቅንያት ማርያም ግንቦት፡ ኪዳነ ምሕረት መዓልቲ ተወልደ። ሸብዓተ ሳዕ ሰብዓ ተዓለለ። ጥጥቖ ዕንበባ ተነጽገ። ነዚ ንስኩም እትርእዎ ዘሎኩም ክርእዩ ብዙሓት….ተባህለ።

ልደተ ሃገርን ልደተ ሕጻንን ብብዙሕ መገዲ ከነመሳስሎ ንኽእል። ሕጻን ምስ ተወልደ ብልደቱ ወለዱ ከም ዝሕጐሱ ዋናታት እታ ሃገር ዝኾኑ ሕዝባ ድማ ምሕጓሶም ዘይተርፍ እዩ። ዝተወልደ ሕጻን ግና ኣብ ዕብየቱ ካብ ሕማም ዝከላከለሉ ክታበት ኣብ ማህጸን እንከሎ ኣይወሃቦን። ተራ ክታበት ድሕሪ ልደት ንሓከምቱን ወለዱን ዝግደፍ እዩ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ እቲ ሕጻን ብከቢድ ሕማም እንተ ሓመመ ወይ እንተሰንከለ ዕለተ ልደቱ ኣይትረግምን። ሃገር እውን ልክዕ ከም ሕጻን ድህሪ ልደታ(ናጽነታ)፡ ብፎኪስን ከቢድን ሕማማት ክትጥቃዕ ባህርያኣዊ እዩ። ገለ ገለ ሰባት ነዚ ተፈጥሮኣዊ ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ልደት ሃገርን ሕማም ሃገርን ፈላሊኻ ምርኣዩ የጸግሞም። ከም ጻድቅ ኢዮብ ድማ ዕለተ ልደተ ሃገሮም ክረግሙ ይስምዑ። “እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ አምላክ ከኣ ይረሰዓያ፡ ብርሃን ከኣ ኣብኣ ኣይንበር” ክብሉ ይስምዑ። ክሓዝኑለንን ክምህለሉለንን ዝኽእሉ 364 ዕለታት እንከለዋ፡ ነታ መበል 365 ዕለት ኣብ ክንዲ ኣብ ሓጐሳ ኣብ ምርጋማ ይውዕሉ።

ኣብ ሓደ ዕለት ልብና ነቲ ዘኪሩ ክሕጐስ ነዚ ሓሲቡ ክጉህይ ኣንጻራውያን ወጥርታት ንመትንታቱ ካብ ዘላሕልሕዎ፡ ገጽና ሞሳ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወት ተደሪሩ ብትንሳኤ ተስፋና ክበርህን፡ ጸኒሑ ኣብ ግራት ውልዶ ዓመታት ናጽነት ብዝወረደ ኣስሓይታ ጥልመት ሰኪሑ ካብ ዝጽምሉን፡ ኮታስ ኩሉንትናና ተጻይ ፍቓዳት ካብ ዘእንግድ ነዛ ዕለት በቲ ጥንተ ዓወታ  ጥራይ እንተጸንበልናያ ይሓይሽ በሃላይ እየ። ካብ ዝተፈራረቀ ስምዒት ዝጽልምት ደመና የሎን። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምውጽኦም ዘኪሮም ዕለት ፈልዮም የኽብሩን ይጽንብሉን ነበሩ። ዕለተ ምፍራስን ምምራኽን ሃገሮም ድማ ታሽዓይ ወርሒ ኣብ ዝብሓቶ ዘኪሮም ክበኽዩ ይውዕሉ ነበሩ። ብዛዕባ ፍልሰት ህዝብናን ምዕናው ሃገርናን ድማ ካልእ ዕለት ፈሊና ከይንቁዝም ዝኽልክለና የልቦን። ስለዚ ዕለተ ናጽነት ልደተ ኤርትራ እዪ እሞ፡ ኤርትራ ተሓጕሳ ክትውዕል ንሕደጋ። ካልኣ ይኣኽላ። ዕለተ ናጽነት በቲ ናይ መጨረሽታ ደረት መግለጺ ፍቅሪ ዝኮነ ረዚን መስዋእቲ ዝተረኸብናያ ዕለት እያሞ ጽልእን ሓዘንን ካብኣ ንሓዋሩ ይርሓቑ። 

እዚ ዘሎናዮ እዋን ሽሕኳ ከም ሽደን ኣንበሳ ንዝራብዕ ተስፋታትና ይሰላልዖ እንተሃለወ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ክሓልፍ እዩ። ተባርዮ ወይ ለውጢ ምምጽኡ ዘይተርፍ እዩ። ጊዜ ጸቢቁ ኢሉ ኣይድንጉን፡ ጊዜ ሓሲሙ ኢሉ ድማ ኣይቅልጥፍን። ተሃዊኽካ ናይ ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ ስጉምቲ ምውሳድ ኮነ ናይ ግዳይ ስምዒት ምሕዳር ግን ድርብ ክሳራ እዩ።

ሓደ ኣብ ልዕሊ ማይ ህዝቡ ጸብለል ናይ ምባል ዘይታዊ ባህርይ ዘለዎ ቀለም ቀመስ፡ ከመይ ኢልና ሕዝብና ብርሃንን ጸልማትን ኣብ ዘይፈራረቆ፡ ዓለመ ጽልመት ተኣሲሩ ከሎ ናጽነት ኤርትራ ነብዕል ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ሓደ ለባም ኣጆካ ኤርትራ መንፈስ ህዝባ እያ። ኤርትራ ሥጋኣ እምበር መንፈሳ ኣይእሰር ኣይመውት፡ ብምባል ስረ ከዕጥቆ ፈቲኑ። ኤርትራ ትንሳኤ ሥጋ ክትረክብ ግድን ክትመውት ኣለዋ። እቶም ጠቢቖማ ዘለው ቁርዲድ ኣብ መቃብር ምስ ተረፉላ፡ ኤርትራ ተሓዲሳ ክትትንስእ እያ። ምብዓል ናጽነት ንሓደ ጉጅለ ፈሪህካ እተቅርቦ ሞባእ አምልኾ ከምዘይኮነ ከረድኦ ብዙሕ ጽዒሩ። ዕለተ ናጽነት እቲ ናይ መወዳእታ ፍረ ናጽነታዊ ሰወራ ምዃኑን፡ ዓቅምን ኣፍልጦን እንተሃልይዎ ፍትሒ፡ መሰል ወዘተ ዝብሉ ሰውራታት ተወዲኦም ዘይውድኡ ስለ ዝኮኑ፡ ኣብዞም ሰውራታ ክዋሳእ ከምዝኽእልን፡ ከፊላዊ ዓወቶም ምስ ጨበጥካ ዕለተ ጽንብሎም ምክያድ ከም ዝከኣልን ገለጸሉ። ምብዓል ናጽነት ምስ ኤርትራውነት እምበር ምስ ስርዓተ መንግስት ከምዘይዛመድ እኳ እንተነገሮ፡ ዓንድሕቆ ውሽጣዊ ርድኢቱ ነዚ ሓድሽ ርድኢት ክስከሞ ዓቅሚ ኣይረኸበን።

  

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቅርጣሽ፣ ተናፋቒት ኤርትራዊት ጐርዞ
Next Article ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ- ገንዘብ
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?