Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እናጠዓመ ከደ

እናጠዓመ ከደ

0
By Mekonnen T. on May 21, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ግርማይ ዮሃንስ
“እናጠዓመ ከደ ሰያብ መሰኹደደ” ድዮም ዝብሉ ወለዲ? ኣብ ዕድመኦም ንዕድመኦም ማለት’ዩ። ኣብ ዐዕድመኻ ኮይንካ ነንዕድመኻ ምድራፍ ግርም’ያ። ኣነን መዛኖይን ድማ “እናጠዓመ ከደ ቲን ኤጀር መሰኹደደ” ንብል ማለት’ዩ።
“ንእስነት ከደት’የ ከምዚኣ’ናበለት’የ ከምዚኣ’የ” ኢልካ ምስትምሳል ግናይ! ከም ርዱእ ግን ምኻዳ ኣይተርፋን እንድዩ፣ እንተኾነ ግን “ከመይ እናበለት?” ዝብል ሕቶ እንተ ተላዒሉላስ መልሲ ክህሉዋ ኣለዎ’ምበር። ወረ ግድን’ዩ! ግድን መልሲ ክህሉዋ ኣለዎ! “ኣብቲ ዝነበረቶ ዓውደ-መኼዳ ገለ ኣፍርያ ዶ ዋላስ ኣኹዲዳ ኣኹዲዳ’ያ ከይዳ?” ይኸውን ኣሎ እቲ ሕቶ ማለት’ዩ’ኮ! እንተዘየሎ ግን “ንእስነት ከደት’የ ከምዚኣ’ናበለት’የ” ዝብል ቃና፣ ቁዘማ ካብ ምዃን ኣይክሓልፍን’ዩ ማለት’ዩ።
ኣብ ምድሪ ዓለም ብሂወት ትነብር ከምዝነበርካ ቀዳማይ ምስክርካ ስእልኻ’ዩ። ቀንዲ ግን ምስልኻ’ዩ። ምስሊ ውሽጥኻ፣ ምስሊ ዕዮኻ፣ ኣበርክቶኻ፣ ግብርኻ፣ ብሓፈሻ ግን “ናብ ዓለም መጺኻ እንታይ ጌርካ?” ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ። “ጎንደር ኬድካ ታይ ኣምጻኻ” ይብሉ ወለዲ! ነዛ ዓለም ኣውደኽዲኽካላ ዲኻ ኬድካ? ረጋጊጽካ ተፊእካላ ዲኻ ሓሊፍካ? ዝብሉ ገዘፍቲ ሕቶታት መልሲ የድልያ’ዩ ነብሲ።
ንእሽቶ እሞ ድማ እትነዓቕ ትመስል’ውን ትኹን ንባዕላ ኣበርክቶ እያ። ምስ ከምኣ ዝመሰላ ናኣሽቱ ነጥብታት ተደማሚራ እንዳኣላ ጸኒሓ ከም ቁሚጦ ትኹመር። ቁሚጦ ዓወት ትሰርሕ ማለት’ዩ። ዓወት ድማ ብዓቢኡ ድምር ናይ ነገራት እንደኣሉ። ስለዚ ነንእሽተይ ካብ ነገራትና፣ ሓሳባት ደሚርና ምስ እነወፊ፣ ተደማሚሩ እንዳኣሉ እምባ ዓወት ክኹድመልና። ብኣጠቓላሊ፣ ክንዲ ኹሉን ነዚ ኹሉን ዝምልሰልና ድማ ምንባብ’ዩ።
ዝንበብ ብፍላይ መጽሓፍ ዝኣክል፣ ክንደይ ሓንጎል ዝፈሰሶ፣ ክንደይ ጉልበትን ግዜን ዘህለኸ፣ ክንደይ ሓሳብ ዘለዎ፣ ክንደይ ክምህሩኻ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ውሽጡ ዝሓቖፈ ስለ ዝኾነ ርእይ እንከተብሎ ክንደይ ባህታ’ዩ ዝፈጥር። ጽሙዋ ዝስመዖ ዘሎ ከብሕታትና ከም ክዳን ኣውደኣመት ዝጽበ ዘሎ ቆልዓ እናተሰራሰረ ክጽበ እንከሎ ይረኣየካ።
‘ቆሪርና ኢሎም የስተማስሉ’ ኣለዉ ክትብሎም ዝጸናሕካ ዝርካቦም መጻሕፍትና ፍናን ተሰሚዑዎም ፉሕፉሕ ኢሎም ክማሙቑን ነንዝመጸት ሓዳስ መጽሓፍ፣ “ካኣ መጸ መጸ. . .” ኢሎም እናነጠሩ ክቕበሉዋ እንከለዉ ይረኣየካ። ባህግን ህንጡይነትን ህሉዋት መጻሕፍትና ተገንዚብካ ድማ “መጻሕፍትስ ኩሉ ግዜ እንተዝሕተሙ” የብለካ-ከብሕታትና ክማሙቕ መጻሕፍትና ድማ ጅሮም ሰሲኑ ወትሩ ክፍንጥዙ መታን! ተዓዘብቲ’ውን “ሰስኑ ሰስኑ. . .” እናበሉ ምዓጀቡ-ካብ መጽሓፍ ዝዓቢ ድርዕን ዋልታን ስለ ዘየለ።
“ብወገን ሰሜን ኣቢሉ ኣሜን. . .” ድዩ ዝበለ ፍሒራ ዓወቱ ክገልጽ ከሎ? ኣብ ዓድና ሰሜንን ምብራቕን ተፈተውቲ’የን። ነጎዳ ሰሜን፣ ዝናብ ሰሜን፣ ንፋስ ሰሜን. . .! ምብራቕ ድማ መግለዚ ሰናይ ዘበንን ወጋሕታን።
ካባይ ብወገን ሰሜን ጥዑም ንፋስ ይነፍሰኒ ኣሎ-ንፋስ መጽሓፍ። ከብሕታትናን መጻሕፍትናን ሓዳስ መጽሓፍ ተወሊዳትሎም ፍናንን ሙቐትን ተሰሚዑዎም ፉሕፉሕ ክብሉን ክፍንጥዙን ከለዉ ተራእዩንስ ኣነ’ውን ሙቐት ይስማዓኒ ኣሎ። መጻሕፍትናን ከብሕታትናን የመስግኑን ይምርቑን ኣለዉ።
“ሳርማታት ኣደይ” ዝተሰምየት መጽሓፍ ቅልቅል ክትብል ትረኣየኒ ኣላ። ሃንደበት’ያ ዱብ ኢላ ርእየያ። “ሕንጥሸው!” ዝበለት ኮይኑ ተሰሚዑኒ ድማ ተቐዳዲመ “ጥዑም ምለሲ!” ኢለያ። “ክንደይ ከ ይጥዕም እቲ ስማ! በዛ ኣርእስቲ ክበሃለኒ ዝጽበዮን ዝምነዮን ወግዒ ወይ ባህሊ ኣሎ ኢለ እግምትን እጽበን-ባህጊ ሓዊሰ ማለት’ዩ።
“ተመርዖ” ትብል ሳጓ በየን መጽያ ዋላ’ኳ ተዘይፈለጥኩ ካብ ቀጥታዊ ትርጉማ ተበጊስካ ዝግመት ግን ኣይሳኣንን’ዩ። ክምርዓው ዝደለዩዎ ዘጠመቑዎ’ያ ኢለ ክግምት’የ ንግዚኡ። ተመርዕዩ ኢለ ድማ ኣርጊጸ ኣለኹ! እቲ ቀንዲ ዘገድስ ድማ ተመርዕዩስ ኣብ ሂወት ክልተ ውሉዳት ምብርካቱ’ዩ። ሓንቲ ፍጥርቲ ኣእምሮ መጽሓፍን ፍጥረት ኣብራኽ ማማይን። ክልተ ማናቱ!
ከብሕታትና፣ መጻሕፍትናን ዓለምን በብዝምልከቱወን ፈንጢዘን ኣለዋ። ኣነ ብወገነይ ‘ውን ነዞም ሕንጥሸው ኢለሙና ዘለዉ ክልተ ፍጡራት “ሰስኑ” እብል ኣለኹ! ንመጻሕፍትናን ከብሕታትናን ወኪለ ድማ፣ “እናጠዓመ ከደ” ኢለ እፍንጥዝ ኣለኹ!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣብ ግጥሚ ተራ ዋሕዚን ሰዋስውን
Next Article ምስላታትና። ምንጪ ዓሞቝቲ ሓሳባትን መስትያት ኣመለኻኽታናን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?