Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ትውክልታት ዜማታትና

ትውክልታት ዜማታትና

0
By Mekonnen T. on April 6, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደንደን እስማዒል

06/04/2017

 

ኣብዚ ኣርእስቲ ብቐንዱ ክንብሃሃለሉ ደልየዮ ዘለኹ፡ ዜማታትና ብመንጽር ሃገራዊ ሙዚቃና ካበይ ነቂሎም ናበይ ይኸዱ ዝብል ሓሳብ እዩ። ቀንድን መሰረታውያን ትውክልታት ናይ ምንታይ እዮም? ነባርነቶምን ጣዕሞምን ከ ከመይ እዩ? ጉሉሕነቶም ወይ ብሉጽነቶም ብመንጽር ናይ ካልኦት ሃገራት ስርሓት ከ? ዘሎውና ጉሉሓት ሃጓፋት ከ ኣየኖት እዮም? ብኣብነታት እናኣሰነኹ ብንእሽተይ ዓቕመይ ክፍትሾም ክፍትን እየ።

 

 

ዜማታት ወይ ቃናታት ካበይ ይነቕሉ? ትውክልታቶም ከ?

 

ዜማ ወይ ቃና ምስ ድምጺ ዝተሓሓዝ ምስ ምኻኑ፥ ድምጺ’ውን ብቐንዱ እቲ ቀዳማይ መሳርሒ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ክሳብ ዝኾነ፥ ብስምዒታትና፡ ብኣደማምጻ ቋንቋና፡ ብሜላ መንብሮናን ብኻልኦት ኣብ መዓልታዊ መስርሕ ሂወትና እንጥቀመሎም ድሃያት ዝቈመ እዩ። እዚ ማለት፡ ምስ ነፍስ-ወከፍ ምኽፋት ኣፍና እነድምጾ ድሃይ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ቃናን ስምዒትን ኣለዎ ማለት’ዩ። ጨርባሕባሕ፡ ደሃያት፡ ምንቅስቓሳት (ናይ ፍጡራት ይዂን ነገራት)፡ ወይ’ውን ዝኾነ ድምጺ ዝፈጥሩ ባእታት ክሳብ ዝሃለዉ፥ ኣብ ዙርያና (ወላ’ኳ ስሩዕነቱን ጣዕሙን ክፈላለ ዝኽእል እንተኾነ) ሙዚቃ ኣሎ። ከም’ዚ ልዕል ኢለ ዝገለጽክዎ ናይ ደርፊ ዜማ ወይ ቃና ካብ ሳናቡእና ብዝፍጠር እስትንፋስ፡ ብድመጺ ሳጹንን ጎሮሮን ኣቢሉ ዝፍጠር ደሃይ የበግሱ። እዚ ድማ፡ ብፍንው ዝኾነ ኣገባብን ወይ’ውን ብዝተፈላለየ ቅለጸ (ብቛንቛ ሙዚቀኛታት ‘ቃጥያ’ እንብሎ ማለት እዩ) ክኸውን ይኽእል። ኣብ ቃላት’ውን ነናይ ቋንቋታትና ብምልባስ ንስምዒታት ውሽጥና ብዘርዊ መገዲ፡ ደሃያትና ብምትዕጽጻፍን ብምእላይን ንገልጽ ኢና። በዚ መንጽር’ዚ ድማ፡ ደርፊ’ውን ግድን ሕደማ ክህልዎ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሕደማ’ውን ብቓላትን ሓሳባትን ስለ ዝህነጽ፡ ነቶም ቃላትን ሓሳባትን ብሓቀኛ ስምዒት ዝተኣልመ ‘ዜማ’ ከተልብሶም ትግደድ። ስለ’ዚ ደርፊ ክንብል ‘ከለና፡ ብሓባር ሕደማን ዜማን ንብል ኣለና ማለት እዩ፤ ተመላላእቲ ስለ ዝዀኑ።

 

ዜማ ኣብ እንሰርሓሉ እዋን፡ ብቐንዱ ካብ ቃላትን ሓሳባትን እቲ ሕደማ ክንብገስ ዝበለጸ እዩ። ወይ’ውን ኣቐዲምና ዜማ ምስ እንሰርሕ’ውን፡ ንስምዒት እቲ ዜማ ዝውክል ሕደማ ኣለሊና ክንጽሕፍ ንኽእል። ነዚ መረዳእታ ክኾነና፡ ስነ-ግጥሚ ዓው ኢልና ነቢብና ንፈልጥ ዶ? ከነንብብ ‘ከለና ንድምጽና ብስምዒት ናይቶም ሓሳባት፡ ቃላትን ነግሕታትን ዶ ንቃንዮ? ወይስ ንኹሎም ብሓደ ዜማ ኢና እንነቦም? ግጥሚ ብዓቢኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ እቶም ዝነኣሱ ቃላት ከይተረፉ ነናይ ገዛእ ርእሶም ቃናን ዜማታትን ኣለዎም። ግጥምን ዜማን ምትእስሳሮም ክሳብ ክንድ’ዚ ካብ ኮነ፡ ነዞም ዝበልናዮም ቃናታትን ስምዒት ዜማታትን፡ ኣብዞም ዘለዉ እዋናውያን ዜማታትና ንረኽቦም ዶ ኣለና? ስምዒታትና፡ ቃና ቃላትና ወይ’ውን ነግሕታት ሕደማታትና ኣንቢብና ወይ ብዕምቈት መርሚርና እንተ ንፍትሾም፡ ኣብ ክንደይ ካብኣቶም ኮን ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቀኛ ቃና ዜማታቶም ምረኸብና?

 

መብዛሕትኡ ቃላት ነናይ ገዛእ ርእሱ ቃናን ስምዒትን ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝርርብና፡ መምስ ዓይነት ወግዕናን ተጠቃምነቱ ጎሊሑ ይርአ። ናይ ልመና፡ ሕርቃን፡ ለውሃት፡ ሕቶ፡ ምግራም፡ ፈኸራ፡ ጭደራ … ወዘተ. ናይ ገዛእ ርእሶም ቃናታት ምስ ስምዒታቶም፡ ንዓና ብዘይ ርድኣና ኣገባብ ኣብ መዓልታዊ ዝርርብና እነዘውትሮም ኢዮም። ንኣብነት -‘በጃኻ’- ክንብል እንከለና፡ ናይ ልመና ቃና ኢና እነስምዕ – ናይ ምምስኻን ስምዒት። ስለ’ዚ ወላ ኣዘራርባና ይለዝብ፡ ይትሕት፡ ምስክንኪን ይብል እምበር፡ ኣይጭድርን እዩ። ድምጽና ኣይግረምን ወይ ካልእ ስሚዒታት ኮነ ቃናታት ኣይንጥቀምን። ከምዚ እናበልና ኣብ ነፍስ ወከፍ ቃላትና ነናቱ፡ ምስኡ ዝኸይድ ቃናን ስምዒትን ነንጸባርቅ ማለት እዩ።

“እሂ እሞ?! እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ?” ዝብል ለባም ከምዚ ከማኹም ኣይሰኣንን ይኸውን! ስለ’ዚ እዞም ናይ ነፍስ ወከፍ ቃላትና፡ ቃናታትን ስምዒታትን ኣብቶም ንሰርሖም ዘለና ዜማታት ንጥቀመሎም ዶ? ወይስ ነቶም ቃላት ጥራይ በይኖም ብጥቁል ኣቢልና ኢና ኣብ ዜማ እንሰኹዖም? ወላስ ንሰማዒና – ነቶም ዝፈልጦም ቃላት ምስ’ቲ ስምዒት ዘይብሉ ዜማ፡ ጣዕሚ ኣልቢስና፡ ምስ ዘይለመዶም ቃናታትን ስምዒታትን ቆሪንና፡ ብሓይሊ ናብ ኣእዛኑ ክንሎኽኮሉ እንፍትን?

 

ንገለ ካብቶም ኣብ መሰረት እቶም ቃላት ለቢሶም ዘሎዉ ዜማ ተበጊሶም፡ ባህርያዊ ቃናታቶምን ስምዒታቶም ከየህሰሱ ዝተሰርሑ ስርሓት ክንድህስስ ክንፍትን። ማዕረ ክንደይ ጽባቐን ነባርነትን ከም ዘለዎም እውን ክንዕዘብ ከኽእለና’ዩ።

 

 

“ክኸይድ ናብቲ ሩባ

ዘነበሽ ከዛርባ፡

ዘነበሽ ከማዓልኪ

ዝሓሰብክዮ የቃንዓልኪ”

 

እዛ ሕደማ ብተራ ዘረባ ኣንብባ እንተ ትብሃል ከመይ ገርካ መድመጽካያ? ወይ ብኸመይ ስምዒት ነተን ቃላት መድሃኻየን? ብርግጽ ንስምዒታት እዘን ቃላት ኩልና ብሓደ ዓይነት ቃና ምተዛረብናየን። ምኽንያቱ ኣብ ቋንቋታትና ዘለው ስምዒታት፡ ናይ ቃንኦም ኣብ ውሽጢ ነፍስ-ወከፍና ስለ ዘሎ ምናልባሽ ድምጽና ክረጉድ ክቀጥን ወይ ነናቱ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል ይኸውን፣ ኣብ ቃና ስምዒት ኣዘራርባ ግን ክፈላለ ኣይክእልን። ኣነ ነዛ ደርፊ ብውሽጠይ እንክደርፍ፡ ምስ ዘነበሽ ዘውግዕ ዘለኹ እዩ ዝመስለኒ። ምኽንያቱ ቃና ናይ’ዞም ቃላት፡ ከምቲ ኣነ ነዞም ቃላት ገይረ ዘድምጾም ገይሩ እዩ ብረቂቕ ጥበብ ዜምኡ ሰዂዑለይ ዘሎ።

ስለ’ዚ እዚ ቃና ወይ ዜማ እዚ እዩ ድማ ኣቶ ኣቶብርሃን ሰጊድ ካብ መሰረቱ መበገሲ ብምግባር ልክዕ ከምቲ ንሕና ኣብ ወግዕና እነድምጾ ቃና ኣዘራርባ ብምምጻእ ምሳና ምስ መንነትናን ዝኸይድ ነባሪ ዝኾነ ስራሕ ዘበርከተልና። ናይ ኣቦ ዜማ ሃገር፡ ኣቶ ኣቶብርሃን ሰጊድ፡ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ጽሑፈይ ገለ ክብለሉ’ኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል’ውን ምስዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ መብዛሕትኡ ስርሓቶም ስለ ዝዋሰብ እየ ገለ ክብለሉ ዝመረጽኩ።

 

የማነ ገ/ሚካኤል (ባርያ)፡ “ብኡነት ናይ ብሓቂ እምብዛ ናፊቐ” እትብል ነግሒ ናይ ጣዕመ ዜምኡ በይና እስኪ ሓንሳብ ብውሽጥና ንዘይማ …

ግርም! ሕጂ ድማ ነተን ቃላት (ሓረግ ወይ ነታ ምልእቲ ሓሳብ) በቲ ልክዕ ቃንአን ስምዒታተን ብዘረባ በይነን ነድምጸን። ርግጸኛ እየ፡ እታ ናይ ባርያ ዜማን ምስቲ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና እንጥቀመሉ ወይ እነድምጾ ቃላትን ዜምኣን ሓደ ክመጻልና‘ዩ! ስለ’ዚ የማነ ባርያ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መዓልታዊ እንጥቐመሉ ኣበሃህላና’ዩ ሙዚቃ ኣሰንዩ፡ ናቱ ዜማን ጽባቐታትን ሓዊሱ ጥራይ እዩ ኣቕሪቡልና። ስለ’ዚ እዩ’ምበኣር ነዚ ካብ ኣምጽአ፡ ካብ ኣእምሮኻ ክጠፍእ እንተ ኮይኑስ ቋንቋኻ’ውን ክጠፍእ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ከመይ ኣቢሉ ነባሪ ኣይከውንን!? ንዘልኣለም ነባሪ እምበር! ጽባቐኡ ድማ ብዘይ ኣወላዋል ምስ ጣዕሙ ተፈቲሉ ይርከብ።

 

ካልእ ግርምቲ ኣብነት ክትኮነና እትኽእል ናይ ተስፋኣለም ኣረፋይነ (ቖርጫጭ) “እንታይ ገይረ?” እትብል ደርፊ’ያ። “እንታይ ጌረ” እትብል ነግሒ ብዝተፋላለዩ ቃናታትን ስምዒታትን ክትዝየም ስለ እትኽእል’የ ከም ኣብነት ከምጽኣ ዝመረጽኩ። ኣብዛ ነግሒ ዘሎ ቃና ስምዒታት፥ ‘ሓታቲ’፡ ‘ተገራምን’ ‘ኣንጸርጻርን’ እዩ። “እንታይ ገይረ?” ኢሉ ይሓትት፣ “እንታይ ገይረ!?” ኢሉ ይግረም፣ “እንታይ ገይረ?!” ኢሉ ከኣ የንጸርጽር። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ነግሒ፡ ሰለስተ ዜማታት ክጥቀም ኣለዎ ማለት እዩ። ነዘን ሰለስተ ስምዒታት ንኽውክለን፡ ዘያማይ ከ ከመይ ኣካዊንወን ኣሎ? ደጊምና ንስምዓየን …

ግርም! ሰሚዕናየን እንተኾይና፡ ነዛ ዜማ’ውን ብሰለስተ ጣዕሚ ቃና ስምዒታት እዩ ቃንይወን ዘሎ። እታ ቀዳመይ’ቲ ሓታቲት’ያ ዘላ፣ እታ ካልኣይቲ ተገራሚት፣ እታ ሳልሰይቲ ዜማ ድማ ኣንጸርጻሪት። ነዛ ሓንቲ ነግሒ፡ ንሰለስቲኡ ዓይነት ስምዒታት ብዝውክል ነናተን ዓይነት ዜማታት’ዩ ኣልቢስወን። ስለ’ዚ በቲ ኣብ መዓለታዊ ናብራና፡ ብቛንቋና ኣብ እንገብሮ ዝርርብ እንጥቀመሉ ባህርያዊ ናተን ኣዳምጻ ወይ ስምዒታት ብምጥቃም እዩ ዜማ ሰሪሑ ዘሎ። ሓይሊ ናይዛ ስራሕ ድማ እዚ’ዩ። ወላ’ውን ኣብ ዝቀጸለ ዋሕዚ ናይ’ታ ዜማ፦ “ብሂገያ፡ ጠሚተያ ተበልኩ ዓው ኢለ…” ኣብ እትብል ዜማ ድማ ብፍላይ፡ ኣብታ “ዓው ኢለ” እትብል ነግሒ ዜምኡ ብፍሉይ እዩ ዓው ዘብሎ። እዚ ድማ፡ ልክዕ ምስ’ቲ ዓው ኢለ ዝብለና ዘሎ፡ ብሕደምኡ ወይ ብግጥሙ’ውን ዓውትኡ ብቃንኡ ወይ ብዜሙኡ ተደሪዑ ኣሎ።

 

ከም ራብዐይቲ ኣብነት’ውን “ሕጂ ግርም” እትብል ናይ ተስፋይ መሓሪ (ፊሒራ)፡ ብገጣምን ዘያምን ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ዝተደርሰት ደርፊ፡ እዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ዓይነት ዜማዊ ኣቓውማ ዝተላበሰት እያ። ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ሓደ ዘሐጉስ ዜና ወይ ብስራት ምስ እንሰምዕ፡ “ሕጂ ግርም!” ክንብል እንተ ደሊና፡ ብኸመይ ዓይነት ቃና ነድምጻ ምስ ኣብ’ዛ ደርፊ ዘላ ዜማ-ኸ እንታይ ፍልልይ ረኺብናላ እስኪ ደጊምና ኣዕሚቊና ንስምዓያ።

ርግጸኛ እየ ብልክዕ እንተ ድኣ ኣድሂናያ ዝኾነ ፍልልይ ኣይንረኽበለንን ኢና። “ሕጂ ግርም!” ናይ ደስታ፡ ናይ ዓወት፡ ናይ ፍናን … ስምዒት ቃል እዩ። ናታ ቃና ኣደማምጻ ድማ፡ ነዚ ስምዒት እዚ ጽቡቕ ገይሩ ይውክል።

 

ብዙሓት ካልኦት ዜማታት’ውን ከም ኣብነት ክንዝርዝር ንኽእል (ብፍላይ ኣብቶም ናይ ቀደም ስርሓት)። ሕቶ ነባርነት ዜማ፡ ኣብዚኦም እዩ ዝምርኮስ። ካልእ ዝኾነ ምስጢር የብሉን – ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ሙዚቃ። እዚ ማለት ግን፡ ኣብ’ዞም ኩሎም ከም ኣብነት ክገልጾም ዝጸናሕኩ ይኹኑ ካልኦትን፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ቃል ናይ ሓንቲ ሕደማ፡ ነናቶም ቃና ወይ ዜማ ኣለዎም ኢልና ንኹሎም በብናቶም ንጥቐመሎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ኣብተን ቁልፊ ዝኾና ናይ’ታ ሕደማ መስመራት ወይ ኣብተን ዝደጋገማ ነግሕታት ክንጥቐመሉ ግን፡ ንነባርነታ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። እምበኣርከስ፡ ከም’ቲ ነዞም ናይ ምግራም፡ ምንጽርጻር፡ ምልማን፡ ምፍካርን ካልኦትን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ስምዒታት ዘለውና፣ ናይ ቃላትና ዜማታትን ስምዒታትን’ውን ማእለያ የብሎምን። ግን ከ ንሕና ከም ዘየምቲ፡ ጥልቅ ኢልና ክንምርምሮምን ክንብርብሮምን ንጽዕር ዶ? …… እዞም ሕጂ ንምስርሖም ዘለና ደርፍታትና፡ ንገለ ስምዒታትን ቃናታትን ናይ ቃላትና ከየጥፍእዎ’ውን ዓቢ ስክፍታ ዝፈጥር እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ’ዚ ወለዶ ዘሎ ዘያሚ፡ ነዞም ጸጋታት፡ ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣብኦም ጠሊቁ፡ ኣጽኒዑ፡ በርቢሩ … ዘይኮነስ፣ መጺኦምለይ ወይ ንስለ ገንዘብ ብሃታሃታ’ዩ ዝስንዖም ዘሎ። በዚ እዮም ከኣ ደርፍታትና ከም ኣልኮል፡ ምስ ተሰምዑ ቀልጢፎም ዝሃፉ ዘለዉ። ድሃያትና፡ ቃንዛታትና፡ ተስፋታትና፡ ሓጎስናን ሓዘናን ብትውክልቲ ቃናታትናን ዜማታትናን ኣብ ቃላትና ኣለው። እምበር ከም ወዮ ኣብ R&B ዝግበር ምትዕጽጻፋት ናይ ድምጺ፡ ወይ ከም ኣብ reggae ዝግበር ብትኽታኽ ዝመስል ኣቀላልጻ፡ ወይ ከም ኣብ ናይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ቅድታት ዝግበር ቅላጼ ኣምጺእና ናብ ቃላትና እንተ ሰዂዕናዮ፡ ንእዝኒ ሰማዒና ስለ ዝሕድሶ፡ ንኽለምዶ’ውን ግዜ ስለ ዝበልዕ፡ ብዓቢኡ ድማ ሓቀኛ/ባህርያዊ ስምዒቱ ስለ ዘይላበሶ፡ ፍትውን ነባሪ ክኸውንን ኣይክእልን።

 

06/04/2017

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ሰለስተ መዓልቲ ንእትነብር ኣርባዕተ መዓልቲ ኣይትጨነቕ!”
Next Article ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ገብረየሱስ እቶም ፈላሲ: ተጋዳላይ: ተመራማርን ጸሓፊ ታሪኽን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?