Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጀነራል ተድላ ዕቝቢት ብቛንቋ ኢትዮጵያዊ ደራሲ ዘውዴ ረታ (2ይ ክፋል)

ጀነራል ተድላ ዕቝቢት ብቛንቋ ኢትዮጵያዊ ደራሲ ዘውዴ ረታ (2ይ ክፋል)

0
By Mekonnen T. on March 22, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጸሓፋይ ዘውዴ ረታ (1935-2015)

ትርጒም ብቦኽረ ገብረኢየሱስ

 

ጸሓፋይን ጋዜጠኛን ዘውዴ ረታ (1935-2015)፡ “የኤርትራ ጉዳይ“ ኣብ ዝብል መጽሓፎም፡ ኣብ መወዳእታ ከባቢ፡ “የተድላ ዕቁቢት ትራጀዲ“ ዝብል ኣርእስቲ ይንበብ። ከም ኣድላይነቱ ተጸሚቑ ክቐርብ እንተዘይኰይኑ፥ ካልእ ለውጢ ወይ ምትዕርራይ ኣይግበረሉን። ምንጩ፡ ትረኻኡ፡ ቅኒቱ ወዘተ ኵሉ ናይ ጸሓፊኡ እዩ። ኣብ ምትርጓሙ እተገብረ ለውጢ ምናልባት ኣብ ቅንፍ ዝኣትዉ ገለ መብርሂታት ከምኡ’ውን ስርዓተ ነጥብታት እዩ።
* * * * * * *

 

“በዚ መንገዲ፥ ‘ስልጣን ራቢጣ ካብ ዝቐትለኒ ቀዲመ ህይወተይ ኣጥፊአ ክገላገል’ ብምባል፥ ፈደረሽን ብዘፍረስናሉ ልክዕ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ፡ ሰነ 1963 ህይወቱ ኣጥፍአ። ሞት ናይ’ዚ እሙን መኰንን ኣንድነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተሰምዐ ጃንሆይ ጸዊዖም ሓሳበይ ክህብ ሓተቱኒ። “ተድላ ንጃንሆይ ወይ ንኢትዮጵያዊት ኤርትራ ከዲዑ ኣይኰነን ነብሱ ኣጥፊኡ። ንተድላ ኣብ ትሕቲ ተስፋዮሃንስ ክሰርሕ ካብ ምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምዝውዋሩ ከም ዝሓይሽ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ ኣይተሰምዓለይን። ሕጂ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ። ሎሚ፡ ብናተይ ሓሳብ ቀብሩ ብማዕርግ ጀነራል ኣወቂብና ድሕሪኡ ስድራ-ቤቱ ምሕጋዝ እዩ ዝሓይሽ። ንቐብሩ’ ውን ጃንሆይ ንዓይ እንተትልእኩኒ ግቡእ ይመስለኒ…” ቢለ ሓሳበይ ከይሓባእኩ ነገርኩዎም። ጃንሆይ ብዘሕዝን ሞት ተድላ ከም እተተንከፉ ይርአ ነይሩ። ኰይኑ ግን ብዛዕባ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸሓፊ ትእዛዝ ኣክሊሉ፡ ጀነራል ኣቢይ ክሕተት’ሞ ንሱ እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ በሉ። “ተድላ ነብሱ ዝቐተለ ካባይ ንላዕሊ በዓል ስልጣን የሎን ብምባል እዩ። እዚ ምስጢር ኣይኰነን። ማንም ዝፈልጦ እዩ። ስለዚ ብማዕርግ ጀነራልነት ፍሉይ ቀብሪ ምግባር ኣየድልን…” ቢሎም ሓሳቦም ሃቡ – ጀነራል ኣቢይ። ስለ ቀብሩ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ ተቐባልነት ኣይርከብ እምበር፥ ስድራ-ቤት መዋቲ መሰል ጥሮታ ክኽበረሎም፡ ብመንግስቲ ተዋሂቡዎ ይነብረሉ ዝነበረ ቤት ስድራ-ቤቱ ክጥቀሙሉ ንጃንሆይ ኣፍቂደ፥ በዚ ተፈጺሙ…..”
* * * * *

 

ምስ ፕረስደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ሰራየ ናይ ዝነበሩ ራእሲ ሃይለ ተስፋማርያም ወዶም ፊታውራሪ ኪዳነማርያም ሃይለ ብ7 ሓምለ 1993 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺብና ኔርና። ብዛዕባ ተድላ ዕቝቢት ዝነገሩኒ ብብዙሕ ሸነኻት ምስ መግለጺታት ቢትወደድ ኣስፍሃ ዝመሳሰል እዩ።

“ጀነራል ተድላ ነብሱ ቅድሚ ምጥፍኡ – ቅድሚ ውሑድ መዓልታት ብፍሉይ ቈጸራ ምስ ጀነራል ኣቢይ ተዘራሪቡ እናተመልሰ ስምዒቱ ዝገለጸለይ፥ ብመሪር ብስጭት እዩ ዝነበረ፡” ክብሉ ኣጻዊቶምኒ ነይሮም።

“ክቡር ጀነራል! ንኢትዮጵያ ጣልያን ምስ ወረራ ንስኹም ንነጻነት ሃገርኩም እተዋጋእኩምን እተሰደድኩምን ኢኹም። ኣነ’ውን ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን “ኢትዮጵያ ወይ ሞት” ቢለ እተጋደልኩን እተሳቐኹን ሓርበኛ እየ። ኣብ ኢትዮጵያ ባንዳ ነጊሱ ሓርበኛ እናለቐመ ከጥፍእ ስልጣን ኣይተዋህቦን። ኣብ ኤርትራ ግን ራቢጣ ነጊሱ ኣንድነታውያን ንሞት ክፍረዱ እርኢ። ጸላኢ ኣንድነታውያን ተስፋዮሃንስ በርሀ፥ ካባኹም – ካብ እንደራሴ ንጉሰ ነገስትና ዝልዕል ስልጣን ተቐቢሉ ዝፍጽመልና ግፍዒ ተረዲእኩምዎ ዶ? ወይስ ብፍላጥ ትኽክል’ዩ ብምባል ኣሚንኩሙሉ ኢኹም? ክቡር ጀነራል፡ ትህቡኒ መልሲ ንዓይን ንህይወተይን ንኽውስን ብጣዕሚ እዩ ዝጠቕመኒ…” ቢለ ለመንኩዎም።

 

“ፊታውራሪ ተስፋዮሃንስ ብጠባዮምን ክእለቶምን እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኖም ንምፍላጥ፡ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ፋይናንስ ጸሓፍን ቀረባ ሓጋዚኦምን ገይሮም ንዘዕበዩዎም ቢትወደድ ኣስፍሃ ምውካስ ጠቓሚ እዩ። ኣነ ንፊታውራሪ ተስፋዮሃንስ ብስራሕ ጥራይ እየ ዝፈልጦም። ክሳብ ሕጂ ከም ዝረኣኹዎም፡ ሕጊ ዘኽብሩን ሓላፍነቶም ብትኽክል ዝፍጽሙን ጠንካራ ሰራሕተኛ ምዃኖም እዩ። ብሰናይ ፍቓድ ግርማዊነቶም ምክትል እንደራሴ ንምዃን ምሻሞም ኣይቅበሎን ቢልካ ዘሸገርካ ንስኻ ኢኻ። ብወገኖም ግን “ጀነራል ተድላ ካብ ስልጣኑ ይተኣለየለይ፥ ወይ’ውን ኣጥፊኡ (በዲሉ) እዩ’ሞ ይቀጻዕ” ቢሎም ዘቕረቡለይ ነገር የሎን። ስምካ ኣልዒሎም ሓንቲ መዓልቲ’ውን ሕማቕ ክዛረቡ ኣይሰማዕኩን። … ኢትዮጵያ ብጸላኢ ተታሒዛ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብዛዕባ ዝነበሩ ባንዳን ካብ ሞንጎኹም ኣብ ግዜ ቃልሲ ራቢጣ ነይሮም ብዛዕባ ዝብሃሉ ሰባትን ዝጠቐስካዮ ታሪኽ፥ ስርዓተ-ምምሕዳር እናጠሓስካ ‘ካብ ልዕለይ ትእዛዝ ኣይቅበልን’ ንእትብሎ ጉዳይ ዝሕግዘካ ኣይኰነን። ኣነ ብኣተዓባብያይ ኰነ ብውትህድርናዊ ሞያይ ኣብ ስነ-ምግባር ስለ ዝኣምን ንስልጣን ምክትል እንደራሴ (ተስፋዮሃንስ ማለቶም’ዩ) ብዘይኣገባብ እንክትንውንው ምሳኻ ደው ኣይብልን። ኰይኑ ግን ምክትል እንደራሴ ከጥቅዑኻን ስራሕካ ክብድሉን ክፍትኑ ምስ ዝርእዮም ምሳኻ ደው ክብል እየ”…ኢሎምኒ።

 

“ትርጉም ኣዘራርባ ጀነራል ኣቢይ፥ ‘ካብ ጸላኢኻ ተስፋዮሃንስ ከላቕቐካ ኣይክእልን እየ’ ስለዝዀነ ንህይወተይ ካብ ተስፋዮሃንስ ከላቕቓ ዘለኒ ኣነ-ባዕለይ እየ” ኢሉኒ ካብ ጥቓይ ርሒቑ። ኣነ’ውን ኣሰሩ ስዒበ ከጸናንዖን ክምዕዶን እኳ’ንተ ፈተንኩ ክሰምዓኒ ኣይከኣለን። ተቐላጢፎም ክመኽሩዎን ከዝሕሉዎን ንብዙሓት ፈተውቱ ነጊረ። ንሳቶም’ውን ኣይከኣሉን። ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሞት ተድላ እንክሰምዕ ብጣዕሚ ሓዚነ። … ተድላ ዕቝቢት ኣብ ዘመነ ስልጣኑ እዚ ዅሉ ጸላኢ ምፍራዩ ብሰንኪ ጭካነኡ እዩ፥ ብምባል ዝኣምኑ ሰባት ውሑዳት ዘይምዃኖም እፈልጥ እየ። ንናይ ኣንድነት ተቓወምቲ እና’ሳደደ የሳቒ ምንባሩ ኣነ’ውን ኣይክሕዶን። ይኹን እምበር እዚ ኵሉ ዝፈጸሞ ብኣረሜናዊ ጠባይ ዘይኰነስ ንኣንድነት ክብል እዩ…” ክብሉ ፊታውራሪ ኪዳነማርያም ሃይለ ርእይቶኦም ኣካፊሎምኒ።

 

ብ12 ሰነ 1963፡ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ምክትል ህዝባዊ ጸጥታ ደጃዝማች ክፍለ እርገቱ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ስልኪ ይድውሉ። “ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ጀነራል ተድላ ዕቝቢት ህይወቱ ኣሕሊፉ” ተባሂሉ ብራድዮ ክንገር ድማ ይሕብሩኒ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣነ ኣብ ራድዮ ኢትዮጵያ ሓላፊ ሃገራዊ ፕሮግራም ነይረ። ብወገነይ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ ዘሰንብድን ትጽቢት ዘይግበረሉን ምዃኑ ንደጃዝማች ክፍለ ገለጽኩሎም። ድሕሪኡ፥ ንህቡብ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ብድፉኑ ‘ነብሱ ኣጥፊኡ’ ቢልካ ወረ ምሃብ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ትርጉም ስለዝፈጥር ኵነታት ኣማውታኡ እንታይ ምዃኑ ምግላጹ ከም ዝሓይሽ ኣተንቢሀሎም። ደጃዝማች ሓንሳብ ምስ ሰምዑኒ፥ “ሓሳብካ ቅቡል እዩ። ናይ ኣማውታኡ ምኽንያት ግን ኣሸጋሪ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ፡ እስኪ ኣስመራ ደውል’ሞ ንጀነራል ኣቢይ ኣማኽሮ” በሉኒ። ብቕጽበት ናብ ኣስመራ ደዊለ እቲ ሓሳብ ንእንደራሴ ኣመልኪተዮ። “ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ንላዕለዋይ ሓላፊኡ ኣይእዘዝን ብምባል ስለ ዘሸገረ ካብ ቦታኡ ክዘዋወር ከም ዘለዎ ነጊረዮ ነይረ። ነዚ ነጺጉ ክዕምጽ ኣብ ምድላው ምህላዉ ተበጺሑ። ኣብ’ዚ ህሞት ሕልናዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ኣብ ውሽጢ ቤት-ጽሕፈቱ ኰይኑ ብመሳርያ ህይወቱ ኣሕሊፉ። ታሪኹ ብሓጺሩ እዚ እዩ። ቅድሚ ምማቱ፥ ነዚ ዘብጽሖ ምኽንያት ብጽሑፍ ዝገደፎ ነገር ከይህሉ፡ ወይ’ውን ንናይ ቀረባ ጸሓፊኡ/ቱ እተዛረቦ ቃል ከይህሉ ምርመራ እናተገብረ እዩ። …ብኣይ ወገን፥ ሎሚ ምሸት ብራድዮ ክንገር ዘለዎ፡ ህይወቱ ከም ዘጥፍአን ምኽንያት ሞቱ ንምፍላጥ ፖሊስ ምርመራ ይቕጽል ምህላዉን ጥራይ እዩ” ቢሎም ጀነራል ኣቢይ ኣበበ ብዝነገሩኒ መሰረት እቲ ዜና ብሓጺሩ ንህዝቢ ተገሊጹ።

 

ጀነራል ተድላ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፡ በዚ መልክዕ ብራድዮ ምስ ተነግረ፥ ብህዝቢ ዝቃመሙ ዝተሓዋወሱ ሓበሬታታት ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣዕለቕሊቖም። ካብ ሞንጎኦም ናብ ሓቂ ዝቐረቡ ተባሂሎም ዝግመቱ ክልተ ዓይነት ሓበሬታታት ነይሮም። እቲ ቀዳማይ፥ ተድላ ዕቝቢት ብምፍራስ ፈደረሽን ብጣዕሚ ብምሕዛኑ ነብሱ ኣጥፊኡ ክብል ከሎ፡ ካልኣይ ድማ ንኽእሰር ወታሃደር ምስ ተላእከሉ ኢደይ ኣይህብን ብምባል እናተታዀሰ ተቐቲሉ ዝብል እዩ።

 

ኣብ ሃገርና፥ ብዙሕ ግዜ ሓድ-ሓደ ፍሉጣት ሰባት ምስ ዝሞቱ ወይ ምስ ዝእሰሩ እቲ ሓቂ ተቐሊዑ ብራድዮ ስለ ዘይሕበር ህዝቢ ዘዝመሰሎ እናፈብረኸ ምዝራቡ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ብመሰረቱ፥ ናይ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ትኽክለኛ ኣማውታ፡ እቶም እንደራሴ ኣብ ራድዮ ኢትዮጵያ ንሹም ሃገራዊ ፕሮግራም ዝሃቡዎ ሓበሬታ እዩ። ብርግጽ ተድላ ዕቝቢት ህይወቱ ቅድሚ ምጥፍኡ፥ ኣመና ተበሳጭዩ ቤት-ጽሕፈቱ እናዓጸወ “ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጊናዮ ኢና፣ ኵሉ ዝሰራሕናዮ ትኽክል ኣይኰነን…” ዝብል ቃል ምዝራቡ ተወርዩ እዩ።

 

ንስልጣን ምክትል እንደራሴ ኣይቅበልን ብምባሉ፥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክዘዋወር ከም እተወሰነ እንደራሴ ምስ ነገሩዎ ካብ’ዚ ንድሓር ምስ ማንም ኣይዛረብን ኢሉ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ማዕጾ ይዓጽዎ። ዝወሰዶ ስጕምቲ ከም ተግባር ዓመጽ ስለ ዝተቘጽረ ክእሰር ተወሲኑ፡ ዝሕዙዎ ወተሃደራት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተላእኹ። ተድላ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈቱ ኣጻዊዱ ብምንባሩ እተላእኹ ወተሃደራት እቲ ኵነታት ኣስጊኡዎም እተኣዘዙዎ ከይፈጸሙ ተመልሱ። ኣብ’ዚ ህሞት (ንጀነራል ኣቢይ) ሓደ ሓሳብ መጺኡሎም። ናብ ተድላ ስልኪ ደዊሎም መንፈሱ ንምርግጋእ ደጋጊሞም’ኳ እንተ ፈተኑ ተድላ ግን ክምልሰሎም ኣይከኣለን። ምስ ጨነቖም፡ ንሓላፊ ናይ’ቲ ቤት ጽሕፈት ክንፈ ተስፋጋብር ጸዊዖም “በጃኻ ምኸሮ’ሞ ኣነ’ውን ከዘራርቦ” ክብሉ ሓተቱዎ። ክንፈ ብወገኑ ፈቲኑ ግን ኣይሰመረሉን። ተድላ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ ‘ኣይትሓዙኒ’ በለ።

 

ድሕሪ ገለ ሰዓታት ናይ ካልኣይ ክፍለ ጦር ላዕለዋይ መኰንን ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ (ድሒሩ ሜጀር ጀነራል) ምስ ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል ዘርአማርያም ኣዛዚ ከምኡ’ውን ሓላፊ ናይ ተድላ ቤት ጽሕፈት ክንፈ ተስፋጋብር ኰይኖም ናብ ቤት ጽሕፈት ተድላ የምርሑ። እንታይ ንምግባር? ተድላ ኢዱ ክህብ ንኽመኽሩዎ? ኣሻፈረኝ እንተ በለ ኸ? ካልእ ስጕምቲ ብእንደራሴ ይውሰን። ብኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ ዝምርሑ ልኡኻት ናብ ቤት ጽሕፈት ኣዛዚ ፖሊስ ከይቀረቡ ብርቱዕ ተዅሲ ተሰምዐ። ተድላ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ ብዝፈንጀሮ ‘ኡዚ’ ህይወቱ ኣሕሊፉ ጸኒሑዎም።

 

ተድላ ዕቝቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክዘዋወር ከም እተወሰነ እንክነግሩዎ፡ ካብ ሽግር ተገላጊለ ብምባል ደስ ይብሎ’ምበር ብኸም’ዚ ብስጭቱ ረሲኑ ህይወቱ ክሳብ ምጥፋእ ይበጽሕ ቢሎም ኣይሓሰቡን። ኣቐዲሙ፡ ተድላ ብስልጣን (ትእዛዝ) ተስፋዮሃንስ ይበሳጮ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ “ንዓኻን ንስራሕካን ዝብድል ነገር ክሰርሑ እንተ ርእየዮም ምሳኻ ደው ክብል እየ” ክብሉ ጀነራል ኣቢይ ዝሃቡዎ ቃል ዝዝከር እዩ። ኣብ መጨረስታ ልክዕ እንደራሴ ንጉሰ ነገስት ከም ዝወሰኑዎ ነቲ ዝውውር ተቐቢሉ ኣዲስ ኣበባ እንተዝመጽእ ነይሩ፥ ንጉሰ ነገስት ብጣዕሚ ስለ ዝፈትዉዎ ብዙሕ ደስ ዝብሎ ነገር ከም ዝረክብ እዩ ዝነበረ። እሞ’ንታይ ይኹን? ህልኸኛን ትዕግስቲ ዘይብሉን ሰብ ብምዃኑ፡ ንበይኑ ክሓስብ መጻኢ ህይወቱ ብዅሉ ጸልሚቱዎ።
እቲ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፍጹም ሕብረት ካብ ልቡ ዝኣምን ተቓላሳይ፥
እቲ ንንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ፈጣሪ እና’ወዳደረ ዘምልኾም ሰብ፥
እቲ ሕብረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝቃወሙ ኵሎም ብወረጦ እናለቐመ ዘጥፍእ ሓያል መኰንን… ካብ ዝውለድ ኣብ ሓምሳ ዓመቱ፡ ባዕሉ ብዙሕ ዝለፍዓሉ ፍጹም ውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ተፈጸመ ኣብ ሻውዓይ ወርሑ፡ መወዳእታኡ ዘሕዝን ፍጻመ ብምዃኑ ካብ ወገናት ኣንድነት ብፍላይ ዘይሓዘነሉን ዘይተጣዕሰን ኣይነበረን።

 

ንሞት ናይ ተድላ ቀንዲ ምኽንያት እዮም እተባህሉ ተስፋዮሃንስ በርሀ ግን ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ንቀዳማዊ ሃይለስላሴ እሙን ኰይኖም፡ ናይ ኤርትራ ናይ ‘ምክትል እንደራሴ’ ስልጣን ንዓሰርተው ክልተ ዓመታት ሒዞምዎ ጸኒሖም። ኣብ’ዚ ውን ደው ኣይበሉን። ኣብ ፍጻሜ ዘመነ መንግስቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ይብድሁ ንዝነበሩ ካቢነታት ልጅ እንዳልካቸው መኰንንን ልጅ ሚካኤል እምሩን፡ ተስፋዮሃንስ በርሀ ምኒስተር ማዕድን ኰይኖም ነበሩ።

 

(ተፈጸመ)
ጸሓፋይ – ዘውዴ ረታ፥

የኤርትራ ጉዳይ (ካብ ገጽ 516-525 ተወሲዱ እተተርጐመ)
ትርጉም – ቦኽረ ገብረየሱስ
ሕዳር-ታሕሳስ 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጀነራል ተድላ ዕቝቢት ብቛንቋ ኢትዮጵያዊ ደራሲ ዘውዴ ረታ
Next Article Utopia Remembered
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?