Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ነዊሕ ልብ-ወለድ (1ይ ክፋል)

ነዊሕ ልብ-ወለድ (1ይ ክፋል)

0
By Mekonnen T. on March 15, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቦኽረ ገብረየሱስ

 

ምዕራፍ ሓደ

 

መእተዊ

ልብ-ወለድ መጽሓፍ (ኖቨል) ማለት፣ ነዊሕ ልብ-ወለዳዊ ጽሑፍ ወይ ድማ ድርሰት እዩ። መብዛሕትኦም ልብ-ወለዳውያን መጻሕፍቲ ብዙሓት ጠባያት ብምክታትን ነቶም ጠባያት ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ከም ዝዋስኡ ብምግባርን፣ ዝተሓላለኸ ዛንታ ይትርኹ። ልብ-ወለድ መጻሕፍቲ ነዋሕቲ ምስ ምዃኖም፡ ብሓፈሻ 200 ገጻትን ልዕሊኡን፡ ደረስቲ ብዕምቈት ዝሃብተመ ዛንታ ክትርኹ ዕድል ይረኽቡ – ካብ ደረስቲ ሓጸርቲ ስነ-ጽሑፋውያን ስራሓት ንላዕሊ። ብመንጽር ንውሓቶም ድማ ርእሶም ክኢሎም ብመልክዕ መጽሓፍ ንንባብ ይበቕዑ።

 

ብዙሓት ነበብቲ፣ ነዊሕ ልብ-ወለድ ኣዝዩ ተዓጻጻፍን ከም ውጽኢቱ ድማ ብዝሓት ተኽእሎታት ዝውንንን ምዃኑ ይኣምኑ። ንኣብነት፤ ኣብ ነዊሕ ልብ-ወለድ እቶም ደረስቲ፣ ድራማዊ ዝንባለ ዘለዎ፣ ደረጃ ርሕቀት ናይ ሓደ ብሉጽ ግጥሚ ዝመስል፣ ስእልን ረምታን ናይ ሓደ ንኡድ ሕደማ ዝመስልን ካልእን ዓይነት መልክዓት ዘለዎ ዛንታ ከፍርዩ ይኽእሉ። ቅርጺ ወይ ቅዲ ነዊሕ ልብ-ወለድ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ፣ ደረስትን ጸሓፍትን ንዘመናት ተመራሚሮምሉስ ብቐጻሊ ሓድሽ ቅድን መንገድን እናፈጠረ ኣብ ዘየቋርጽ ስልጣኔ ይርከብ።

 

ኖቨል (novel) ዝብል ቃል ኣብ ዘመነ ተሃድሶ (14-17 ክ/ዘ) ጣልያናዊ ጸሓፊ ጂዮቫኒ ቦካችዮ፣ ንሓጸርቲ ትረኻታቱ ይህቦም ካብ ዝነበረ ስያመ – novella ካብ ዝብል ሓረግ እተወስደ እዩ። ጸኒሖም ዛንታታቱ ኣብ እተተርጐሙሉ እዋን እቲ novella ዝብል ሓረግ novel ብምባል ናብ እንግሊዝኛ ተተርጐመ። ነዊሕ ልብ-ወለድ ንምባል ከገልግል ድማ ኣብ ጥቕሚ ወዓለ። novella ድማ ከም ዘለዎ ብእንግሊዝኛ ሓጺር ዛንታ ንዝብል የገልግል ይርከብ።

 

ምዕራፍ ክልተ

 

ነዊሕ ልብ-ወለድ እንታይ ማለት እዩ?

ብዙሕ እዋን፣ ጸሓፍቲ ካብ ልሙድ መልክዓት ስነ-ጽሑፍ ክወጹ ስለ ዘይረኣዩ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ምድባት ስነ-ጽሑፍ ምውቓዕን ምትሕውዋስን ወትሩ እዩ ዝኽሰት። ኣብ መንጎ ነዊሕ ልብ-ወለድን ካልኦት ዓይነታት ስነ-ጽሑፍን ዘሎ ጭቡጥ ፍልልያት ምርኣይ ግን፣ ውጹኣት ጠባያት ነዊሕ ልብ-ወለድ ኣብ ምፍላጥ ንነበብቲ ከም መሰረታዊ መምርሒ ክጠቕሞም ይኽእል።

 

ልክዕ ከም ሓጺር ልብ-ወለድ፣ ነዊሕ ልብ-ወለድ እውን ዛንታ እዩ ዝጽሕፍ/ዝትርኽ። ከም ሓጺር ልብ-ወለድ ኣብ ሓደ ወይ ውሱን ዛዕባ ዝሕጸር ግን ኣይኰነን። ኣብ ነዊሕ ልብ-ወለድ እቲ ደራሲ፣ ትልምን ጠባያትን ቴማን ብዘገምታ ናይ ምህናጽ ናጽነት ኣለዎ። ብተወሳኺ ደራሲ ነዊሕ ልብ-ወለድ ንቐንዲ ትልሚ፣ ነቲ ዛንታ ህይወት ብዘልብሱ ንኡሳን ትልምታት ከማእክሎ ይኽእል። ዘይከም ሓጺር ዛንታ ነዊሕ ዛንታ ኣብ ግዜን ቦታን፣ ከምኡ’ውን ጥልቀት (ብዓይኒ ደራሲ ብመንጽር ጠቐሜታኦም/ኣገዳስነቶም) ተደጋጋሚ ምልውዋጣት ከርኢ ይኽእል።

 

ከም ስነ-ግጥሚ፡ ነዊሕ ልብ-ወለድ እውን ውቁብ ቅርጺ ክሃንጽን ዓበይቲ ፍጻመታት ክትርኽን ይኽእል። ዘይከም ስነ-ግጥሚ ግን ናይ ደቂ-ሰብ ዕለታዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ግዴታታትን ዝኣመሰለ ዝውቱር ህይወት ዓሚቝ ትዅረት ይህብን ብዝርዝር ይጽሕፍን። ኣብነት ንምቕራብ፣ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ይነብር ዝነበረ ሆመር እተባህለ ገጣሚ ዝጸሓፋ ኢልያድ ዘርእስታ ግጥሚ ንውግእ ትሮጃን ትገልጽ። ጦብላሕታ ናይ’ቶም ወተሃደራት ግን ብዝርዝር ኣይተቐምጥን። በንጻሩ፣ ጉስተይቭ ፍሎበርት (Gustave Flaubert) እተባህለ ፈረንሳዊ ደራሲ፣ Madame Bovary (1857) ኣብ እተሰምየት መጽሓፉ ዝተሃንጸት ቀንዲ ጠባይ ኣስፔዛ ኣብ ትገዝኣሉ ብኽብሪ ዕዳጋን ክብደት ናብራን ክትሻቐል ብዕምቈት የርኢ።

 

ከም ድራማዊ ድርሰት ነዊሕ ልብ-ወለድ ውን ዛንታ እዩ ዝነግር። ኰይኑ ግን ካብ ቀንዲ ዛንታ እናሰገረን እናኰብለለን እግረ-መንገዱ ካልእ ዛንታ ኣብ ምክታትን ምምላእን፣ ካብ ደራሲ ድራማ ንላዕሊ ደራሲ ነዊሕ ልብ-ወለድ ርሒብ ናጽነት ይውንን። ንኣብነት፡ ምስቲ ቀንዲ ዛንታ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ንዘጋጠመ ታሪኻዊ ፍጻመ ነቲ ናይ ግዜ መቓን ከም ምኽንያት ተጠቒሙ ክማልኦ ይኽእል። ድራማዊ ድርሰት ብመንገዲ ዝርርብ እቶም ጠባያት ክቐርብ ስለዘለዎ ደራሲ ኣዝዩ በዚ መንገዲ’ዚ ዝተሓጽረ እዩ። ዘይከም እቲ ኣብ ልብ-ወለድ ዘሎ ተራኺ/ዘንታዊ፣ ኣብ ድራማዊ ምርኢት ዘሎ ተዋሳኢ ምስ ተዓዘብቱ ብቐጥታ ከውግዕ ዘሎ ዕድል እውን ኣዝዩ ዝጸበበ እዩ። ብተወሳኺ ደረስቲ ልብ-ወለድ፣ ኣብ ግዜን ቦታን (ምከና) ፍቱሕ ምቅይያርን ምትዕጽጻፍ ክገብሩ ይኽእሉ። ጸሓፍቲ ድራማዊ ድርሰት ግን ስራሓቶም ኣብ ውሱን መድረኽ ዝቐርብ ምዃኑ እና ሓሰቡ ስለዝጽሕፉዎ ክንድኡ ዝኸውን ምግምዳሕ ክገብሩ ጸቢብ ምከናዊ ግዝኣቶም ዝፈቕደሎም ኣይኰነን።

 

ከም እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሰባት፣ ኣብ መጻሕፍቲ ልብ-ወለድ ዘለዉ ጠባያት እውን መንገዲ ኣምላኽ ንምርካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕልምታትን ሓሳባትን ክህሉዎም ይኽእል። ዘይከም እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ብዙሓት ጠባያት ግን ኣብ ልብ-ወለድ ዝህነጹ ጠባያት መንፈሳዊ ተልእኾን ትምኒትን ከም ዘይብሎም ገይሮም እዮም ዝቐርቡ። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ህዝቅኤልን ኢሳይያስን ዝበሃሉ ነብያት ንሰብ ኢብራይስጥ (ሄብረው) ቅኑዕ ክገብሩ ይሰብኩ። ብኣንጻሩ ድማ ራሽያዊ ደራሲ ሊዮ ቶልስቶይ ኣብ ዝጸሓፋ Anna Karenina እተሰምየት መጽሓፉ ዘሎ ለቪን (Levin) ዝበሃል ጠባይ ብሞራላዊ ህይወት እተሰላቸወ፣ ሓረስታይ፣ ንፉዕ ሓሳቢ፣ በዓል ሓዳር፣ ከምኡ’ውን ከም ጠለባት ዕለታዊ ህይወት ኣብ ማሕበራዊ ሱታፌታት ዘየብኵር ዓይነት ገጸ-ባህርይ እዩ።

 

ምዕራፍ ሰለስተ

ባእታታት ነዊሕ ልብ–ወለድ

ንነበብቲ ጋህዲ መሲላ ትርአ ልብ-ወለዳዊት ዓለም ኣብ ምህናጽ ደረስቲ ልብ-ወለድ መጽሓፍ/ነዊሕ ልብ-ወለድ ዝግልገሉሎም ሓሙሽተ ዓበይቲ ባእታታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ትልሚ፣ ጠባይ፣ ግርጭት፣ ምከናን ቴማን እዮም። ቀጺልና እምበኣር በብሓደ ክንርእዮምን ክንፍትሾምን ክንፍትን ኢና።

 

3.1፡ ትልሚ (plot)
ትልሚ ንመስርሕ እቲ ዛንታን ቀጥታዊ ትርጉሙን ይምልከት። ስለዚ ሓደ ነባቢ ብዛዕባ ትልሚ እንክዛረብ፣ ነቶም ጠባያት እንታይ ከም ዝገጥሞምን እንታይ ማለት ምዃኑን ክገልጽ የድሊ። ትልሚ ናይ ሓደ ዛንታ ኣብ ሓሳብ/ሕልሚ ናይ ደራሲ ዝምርኰስ ይኸውን። ውጹእ ሓቂ ክሳብ ዝመስለሉ ደረጃ ዝኸይድ ትረኻዊ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል፤ ወይ ውን ምስ ሕብእቲ/ርሕቕቲ ዓለም ዘፋጥጥ ፋንታዝያዊ/ስነ-ፍልጠታዊ ዛንታ ወይ ትረኻ ክፈጥር ይኽእል። እንግሊዛዊ ደራሲ E. M. Forster ንትልሚ ብኸምዚ ይገልጾ – “ተራኺ/ዘንታዊ ፍጻመታት፡ ንሓድሕዶም ንዝተኣሳሰሩ ሰንሰለታውያን ፍጻመታት ደኣ’ምበር ዝምድና ንዘይብሎም ብትኽታኽ ፍጻመታት ብትልሚ ክንጠምሮም ማለቱ ግን ኣይኰነን።”

 

ትልሚ ብሓያሎ መንገድታት ወይ ኣገባባት ክህነጽን ክምዕብልን ይኽእል። ገለ ካብ’ኣቶም ድማ፤ እተመቓቐሉ ትልምታት፣ እተሓላለኹ ትልምታት፣ ኣብ ጠባያት ዘተኵሩ ትልምታት፣ ከምኡ ውን ምርምራውያን ትልምታት እዮም።

 

እተመቓቐሉ ትልምታት፠ እዚ ዓይነት ትልሚ እተመቓቐሉ ዛንታታት (episodes) ኣብ ሓደ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ኣነጺሩ የርኢ። እቶም ንኡሳን ዛንታታት ንሓድሕዶም ሓደ ድሕሪ ሓደ እተዋሰቡ ኰይኖም፣ ብኻልእ መንጽር ድማ ርእሶም ክኢሎም ከም ፍጹማት ዛንታታት ክንበቡ ይኽእሉ። እዚ ትልሚ’ዚ ናይ ቀደም ጸሓፍቲ ኣዘውቲሮም ይጥቀሙሉ ነይሮም። ንኣብነት፣ ኢስጳንያውያን ደረስቲ Lazarillo De Tormes (1554: Lazaro of Tormes); Miguel De Cervantes (1605, 1615: Don Quixote); ኣመሪካዊ Mark Twain (1884, Huckleberry finn)… ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል።

 

እተሓላለኹ ትልምታት፠ እተሓላለኹ ትልምታት (complex plots) ማለት ኣብ ሓደ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቀንዲ ጠባያት ወይ ገጸ-ባህርያት፣ ወይ ድማ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዋሕዝታት ትረኻ (story lines) ምህናጽ እዩ። ንዝተሓላለኸ ትልሚ ጽቡቕ ኣብነት ክህበና ዝኽእል ጥንታዊ ራሽያዊ ጸሓፊ ሊዮ ቶልስቶይ እዩ። ኣብ’ታ war and peace እትብል ልብ-ወለድ መጽሓፉ ሓሙሽተ ቀንዲ ጠባያት (ሓሙሽተ ስድራ-ቤታት) ተሃኒጾም ይርከቡ። ወታሃደራዊ ወፍሪ ራሽያውያን ኣንጻር ወራር ቀዳማይ ናፖልዮን (1805-1814) ዝነብሩ ዝነበሩ ኰይኖም፣ እቶም ጠባያት ነፍሲ-ወከፎም ንዝተፈላለየ ገጻት ህይወት ሕብረተ-ሰባት ብዝግባእን ብዕምቈትን ከም ዝውክሉ ገይሮም እተሃንጹ እዮም። እተሓላለኹ ትልምታት ዘልዕሉዎ ዛዕባ ዳርጋ ወሰን የብሉን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ‘ዎር ኤንድ ፒስ’ ቶልስቶይ ዘይተንከፎ ዓይነት ሕብረተ-ሰብን ኣነባብራኡን የሎን።

 

ኣብ ጠባያት ዘተኵሩ ትልምታት፠ እዚ ዓይነት ትልሚ ካብ ኣብ ተግባር/ፍጻመ ንላዕሊ ኣብ ጠባያት ዝያዳ ኣድህቦ ይገብር። ውሑድ/ውሱን ተግባር ምስ ተኸስተ፣ እቶም ውሑዳት ፍጻሜታትን ስምዒት/ነጸብራቕ ናይ’ቶም ጠባያትን ብሓባር ንሕመረት እቲ ዛንታ የቑሙዎ። ኣብ መጽሓፍ ‘ማዳም ቦቫሪ’ ናይ Gustave Flaubert ሽግራት ኢማ ቦቫሪ እተባህለት ጠባይ ይዝንቶ። ክትምርዖ ኣብ ዝግባኣ እዋን ሰለስተ ግዜ ዕርክነት ፈቲና እቶም ክልተ ድሮ ጠሊሞምዋ። ኣብ’ቲ ልብ-ወለድ ዝንበብ ኵሉ ሽግራት መንቀሊኡ ኣብ ፍቕራዊ ህይወት ዘለዋ ባህግን ኣተሓሳስባን ናብ ማእከል ገጹ ዝገማገም ህያው ዕድሚኣን ንሓድሕዶም ዝፈጥሩዎ ነውጽን ግጭትን እዩ።

 

ምርምራውያን ትልምታት፠ ገለ ደረስቲ መእተዊ፣ ሕምብርትን መደምደምታን ናይ’ቲ ዛንታ ብንጹር ብዘይምቕራብ እቲ ትልሚ ሕቡእን ንምርምር ከፉት ከም ዝኸውንን ገይሮም የቕርቡዎ። እንግሊዛዊ ደራሲ Laurence Sterne ኣብ ዝጸሓፎ ‘ትሪስትራም ሻንዲ’ ዝብል ልብ-ወለድ መጽሓፍ፣ ናብ ዕምቈት እቲ መጽሓፍ አዐሪኻ ክሳብ ትጥሕል ነቲ ትሪስትራም ዝበሃል ቀንዲ ጠባይ ፈጺምካ ኣይትረኽቦን። በንጻሩ ነበብቲ ንሓሳባት ናይ’ቶም ካልኦት ጠባያት እና’ስተማቐሩ ከም ዝጓዓዙ ይገብር። ኣብ ናእሽቱ ጉዳያት ዝርዝራት የብዝሕ። ከምዚኦም ዓይነት ደረስቲ ንትልሚ ዛንታኦም ፈትፊቶምን ኣድሚቖምን ከቕርቡዎ ኣይመርጹን። ንነበብቲ መንከሲ መረዳእታ ዝኸውን ረቂቕ ሜላ ኣይጥቀሙን ማለት ግን ኣይኰነን።

 

ካልእ ኣብነት ክንውስኽ፤ ኣብ 20 ክ/ዘ ደረስቲ ንዋሕዚ-ትልሚ ብዝተፈልየ ኣገባብ ክኸዱዎ ተራእዮም’ዮም። ኤርላንዳዊ ጀምስ ጆይስ (James Joyce)፤ Ulysses(1922) ዝብል መጽሓፍ ጽሒፉ። ነቲ ልብ-ወለድ እተጠቕመሉ ምከና ዱብሊን – ኤርላንድ ኰይኑ፣ ኣተኵሮኡ ድማ Stephen Dedulus እተባህለ መንእሰይ ጸሓፍን Leopold and Molly Bloom እተባህሉ ምርዑዋት መጻምድትን እዮም። ጆይስ እተጠቕመሉ ትልሚ ግን፣ ዘይውዳእ ዝርዝራት ብዛዕባ ከተማ ዱብሊን ከምኡ ውን ስሩዓት ክበሃሉ ዝይከኣሉ ሓሳባት ናይ’ቶም ጠባያትን እዩ። ኣብ መወዳእታ፣ ጆይስ ንሓያሎ ምስጢራት ናይ’ቶም ጠባያት ከይፈትሖም ይሰናበት። ሕሉፍ ሓሊፉዎ እቶም ስቲፈንን ሊዮፖልን እተባህሉ ወሰንቲ ገጸ-ባህርያት’ኳ መወዳእታኡ እንታይ ኰኑ፣ ከይነገረ እዩ ዝዛዝም – እቲ ዘንቀሎ ትልሚ ባህሪኡ ከምኡ ብምዃኑ።

 

3.2: ጠባያት (characters)
ነበብቲ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ዛንታ ንምጽማዶም መታን ክሕግዝ፣ ደራሲ እተወሳሰበን ምሉእን ፍጹምን ሰብነት ዘለዎም ጠባያት ክሃንጽ የድሊ። ጠባያት ግድን ኣይኰነን ህያውን ብኣካል ክቖሙን ዘለዎም። ስነ-ፍልጠታውያን ልብ-ወለዳት ንኣብነት ንምለኮታውያን ፍጥረታት ብደረጃ ጠባይ ሃኒጾም ከዛርቡዎም ይረኣዩ እዮም። ብርግጽ ግን ትርጉም ዘለዎም ጠባያት እንተ ዀይኖም፣ ነባቢ ብቐሊሉ ክግንዘቦ ዝኽእል ተስፋ፣ ፍርሒ፣ ግዱስነት፣ ባህግታት….ወዘተ ክህሉዎም ይግባእ። ብዝግባእ ዝዓዀኹን እተሃንጹን ጠባያት ነቲ ትልሚ ኣብ ምዕማቝ ዝሕጸር ዕማም ኣይኰነን ዘለዎም። ከም’ዚኦም ዓይነት ጠባያት ኪንዮ እቲ ውሱን ዛንታ ዝዘልል ህይወት ከም ዘለዎም ንነባቢ ከእምኑዎ ኣይጽገሙን እዮም።

 

ኣብ ሓደ መጽሓፍ፣ ጠባያት ማለት ምስ’ቲ ትልሚ ዝንቀሳቐሱ ልብ-ወለዳውያን ኣካላት እዮም። ብደራሲ እተማህዙን፣ ብስጋን ደምን ዘይኰነ ድማ ብቓላት እተሰርሑን ገጸ-ባህርያት እዮም። ስለዚ ህያው ደቂ ሰባት ዘማልኡዎም ኵሎም ረቛሒታት ከማልኡ ኣይክእሉን። ኰይኑ ግን፣ ደረስቲ ማዕረ እቶም ህያው ሰባት ዝፈጥሩዎ ጽልዋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎም ልብ-ወለዳውያን ሰባት (ጠባያት) እዮም ዝሃንጹ።

 

ደረስቲ ነቶም ፈኰስቲ (ብዙሕ ዕማም ዘይብሎም) ጠባያት ውሑዳት ሓረጋት ተጠቒሞም ምስ ነበብቲ ከፋልጡዎም ይኽእሉ። ከም’ዚኦም ዓይነት ጠባያት ኣብ’ቲ ነዊሕ ጉዕዞ ዛንታ ውሱን ቦታ እኳ’ንተሃለዎም ኣብ ትልሚ ዘለዎም ግብኣት ግን ዝነዓቕን ብኻልእ ዝትካእን ኣይኰነን። እንግሊዛዊ ቻርለስ ዲከንስ (Charles Dickens) ኣብ ዝጸሓፎ copperfield(1849-1850) እተሰምየ ልብ-ወለድ መጽሓፉ፣ ነበብቲ ካብ ነቶም ግዙፍ ቦታ ዘለዎም ን ኡርያህ ሂፕ ኣብ ተዘክሮኦም ዓቢ ቦታ ክህቡ ይኽእሉ።

 

ደራሲ እተፈላለዩ ሜላታት እናተጠቕመ ግዙፋት/ቀንዲ ጠባያት ክሃንጽ ይኽእል። ንኣብነት ቀንዲ ጠባይ ንሓፈሻዊ ታሪኽ ወይ ንገዘፍቲ ሕብረተ-ሰባት ኣግፊሑ ዝሓቁፍ ጽዋ ይወሃቦ። ኣመሪካዊ William Faulkner ኣብ ዝጸሓፎ the Bear (1942) ኣብ እተሰምየ ሓጺር ዛንታ ኣይክ ማካስሊን ዝበሃል ቀንዲ ጠባይ ናይ ስድራ-ቤቱ ናይ ሃድን ተሞክሮ ዘፋልጥ ገጸ-ባህርይ ለቢሱ ንረኽቦ።

 

ቀንድን ሓቀኛታትን ጠባያት ንምህናጽ፣ ደረስቲ ምስ ሓደ ህያው ሰብ ዘይኰነስ ካብ ብዙሓት ባህርያት ደቂ ሰብ እተሓናፈጸ ባህርይ ዘለዎ ጠባይ ይፈጥሩ። ንተግባራቶም ድፍኢት ዝኸውን ጠንቅታት ንምስኣል ድማ ሓሳባት፣ስምዒታት፣ ነውጽታትን ንለውጢ ዘለዎም ዓቕምታትን ብንጹር ይቕመጥ። ኣብ ናይ ቶልስቶይ መጽሓፍ – ኣና ካረኒና፣ ኣና ቀንዲ ጠባይ እያ። ናይ መርዓ መደባት እናሃለዋ፣ ጐኒ-ጐኑ ድማ ምስ ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ካልእ ሕቡእ ጾታዊ ዝምድና ትጅምር። ጸኒሑ ግን ጉዳይ ኣና ንፋስ ይወቕዖ። ሕማቕ ዕድላ ኰይኑ ድማ ሰላም ዝብላ ክሳብ ትስእነሉ ደረጃ ትወርድ፤ ኵሉ ሰብ ዝባኑ ይህባ። ከም ኣና ዝበሉ ብደቂቕ እተፈተሉን እተነድቁን ጠባያት ምህናጽን ኣብ ምሉእ እቲ ዛንታ ግዙፍ ቦታ ከም ዝሕዙን ጌርካ ዝስራሕ ሜላ ኣተሃናንጻ ጠባያት ኣብ 19 ክ/ዘ ብዙሕ ተሰሪሑሉ እዩ። እዚ ዓይነት ኣተሃናንጻ ጠባያት ካብ እተጠቕሙ ደረስቲ ናይ’ቲ ዘመን ንምጥቃስ፤ እንግሊዛዊ ጀይን ኦውስቲን፣ ፈረንሳዊ ጉስተይቭ ፍሎበርት፣ እንግሊዛዊ ጆርጅ ኢልዮት….ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል።

 

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናረቐቐን እና ተቐያየረን ዝኸይድ ቅዲ ፈጠራ ጠባያት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ክፉት ዋሕዚ ሓሳባትን ስምዒታትን (stream of consciousness) ብመንገዲ ጠባያት ብጥልቀት ዝፍትሹ ዓይነታት ስነ-ጽሑፍ፣ ሓፈሻዊ እምበር ጭቡጥ ሓቂ ዝበሃል የሎን ካብ ዝብል እምነት ንጠባያት ብዙሕ ግምት ዘይህቡን ኣብ ሓሳባት ዝያዳ ዘተኩሩን ዓይነታት ልብ-ወለድ፣ ንናይ ብሓቂ/ንህያው ሰባት ከም ጠባያት ኣብ ልብ-ወለዶም ዘስፍሩ (ንኣብነት ቶልስቶይ ንናፖልዮን ከም ጠባይ ተጠቒሙሉ ይርከብ)፣ ውሑዳት ኣብነታ እዮም።

 

3.3 ግርጭት (conflict)
ደራሲ፣ ነበብቲ ንምኽዕባት ዝጥቀመሉ ብልሓት ሓደ ምፍጣር ግርጭት እዩ። እቲ ግርጭት ጉልበታዊ፣ ስምዒታዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ኰይኑ እቶም ጠባያት መዕለቢ ክገብሩሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ወጥሪ ድማ እዩ። ትልሚ ናይ ሓደ ልብ-ወለድ ካብ ዝንጽረሉ መንገድታት እውን እቶም ጠባያት ብግርጭት ምስ ዝስነዩ እዩ።

ብዙሕ ግዜ ግርጭት ኣብ ሞንጎ ክልተ ጠባያት ከም ዝኽሰት ተገይሩ እዩ ዝስራሕ። ዊልያም ፎክነር ኣብ ዝጸሓፎ Intruder in the dust (1948) እቲ ግርጭት ኣብ ሞንጎ ገለ ጉጅለ ጠባያትን ዝተረፈ ክፋል እቲ ሕብረተ-ሰብን እዩ። ሚግወል ዲ ሰርቫነትስ ኣብ ዝጸሓፎ Don Quixote ዝበሃል መጽሓፍ ድማ እቲ ግርጭት ኣብ ሞንጎ ሓደ ውልቀ ሰብን እቲ ሕብረተ-ሰብን ከም ዘጋጥም ገይሩ ሃኒጹዎ ይርከብ።

 

ግርጭት ኣብ ሞንጎ ሓደ ጠባይ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝፈጥሮ ውሽጣዊ ራብሻ/ቅልውላው/ነውጺ ጌርካ ውን ይህነጽ እዩ። ንኣብነት ኣብ The Moviegoer (1961) ብ ኣመሪካዊ Walker Percy፣ ትርጉም ህይወት እንታይ ምዃኑ ዘጽንዕን ዝጭነቕን ጠባይ ኣሎ። ኣብ The fall (1957) ብፈረንሳዊ Albert Camus እውን ተመሳሳሊ ብውሽጣዊ ግርጭት ዝሳቐ ጠበቓ (ጠባይ) ንረክብ።

 

መብዛሕትኦም ደረስቲ እቲ ግርጭት ቀስ እናበለ ከም ዝኸርር ብምግባር ንነባቢ ናብ ጥልቀት ከም ዝኣቱን ከም ዝከታተልን ይገብሩዎ። ግርጭት ዘስዓበ ምኽንያት ካብ ምምርማር ኣትሒዙ፣ ካብ ክፋል ናብ ክፋል ዝምዕብለሉ መስርሕ፣ ክሳብ እቲ ጥርዚ ዝበጽሓሉን መዕለቢ ዝረኽበሉን ድማ ምስ’ቲ ዛንታ ብሓባር ይጓዓዝ። እቲ ወጥሪ ኣብ’ቲ ቀንዲ ግርጭት ስለዝህሉ፣ ደራሲ ናእሽቱ ትልምታት ብምንዳፍ ካልኦት ደቀቕቲ ግርጭታት መዕለቢ ከም ዝረኽቡ ይገብር። ገለ ደረስቲ ውን ካብ ትጽቢታት ነባቢ ብግምጣሉ ናይ ምኻድ ልማድ ኣለዎም። ኣቐዲሞም ፍጻመ ናይ’ቲ ዛንታ ይጽሕፉ’ሞ ድሕሪኡ ብኸመይ ናብኡ ከም እተበጽሐ ድሕሪት ተመሊሶም የዘንትዉ።

 

ይ ቕ ጽ ል!

 

ለካቲት 12 2016
ቦኽረ ገብረየሱስ

Reference
1: David Madden, Novel. Encarta 2009. (Page 1-41)
2: David G. Hartwell, Kathryn E. Cramer, Science Fiction. Encarta 2009.
3: Other documents related to novel and short story.

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካብ ከብሒ ግጥምታትና
Next Article ነዊሕ ልብ-ወለድ (2ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?