Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናብ ዛራውያን: ጦብላሕታ ዳንነት !

ናብ ዛራውያን: ጦብላሕታ ዳንነት !

0
By Mekonnen T. on February 16, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ’ዚ ክዳነ ዝወረሐ ውድድር ግጥሚ ዝተሳተፉ ኩሎም ዕዉታት እዮም-ቀዳማይ ዓወት ተበግሶ ስለዝኾነ-ብናተይ ትዕዝብቲ። ካብ ተራ ዘረባን ሌጣ ጽሑፍን ዘይፍለ ግጥምታት ከም ዘጓነፈኒ ውልቃዊ ትዕዝብተይ እዩ። እንተኾነ ግን በዚ ዘረባ ዝመስል ዝብሎ ዘለኹ ኣገጣጥማ ዘይሓለፈ ገጣማይ የለን-ርግጸኛ’የ።
‘ስተግ ኣቭ ስተግ’ ይብሉ ሽወደናውያን። በብቑሩብ ማለት ምዃኑ እንድዩ፣ ሓቆም እዮም። በብቑሩብ እዩ ኹሉ። ሎሚ ዘረባ ዝመስል ግጥሚ ዘበርከተልና ፈታኒ ግጥሚ፣ ጽባሕ ንግሆ ሰብ ዘዛርብ ገጣሚ ኮይኑ እምባሕ ክብለና ከምዝኽእል ርግጸኛታት ንኹን። ከምዚ ንክኸውን ግን ሞራልን ምትብባዕን ምስነወፍየሉ እዩ።
ጽባሕ ንግሆ ደፊርና “ኣምባሳደር ግጥሚ ኤርትራ” እንሰምዮ ዓይነት ገጣሚ ኮይኑ ዱብ ክብለና ይኽእል ይኸውን መን ይፈልጥ። ኩሉ ነገር እኮ በብቑሩብ እዩ። እንቋቑሖ’ኳ በብቑሩብ ብእግራ እትኸይድ! ብዓቢኡ ሰብ ከማን በብቑሩብ ‘ዩ ዝዓቢ። በብቑሩብ ዕድመን ልብን እናወሰኸ ይኸይድ። ፍልጠት ድማ ከምኡ። እናተሞከርካ’ዩ ዝስጎም።
ፍርያት ስነጥበብ ናይ ሓባር ዕዮ እዩ። ብርእይቶ እዩ ዝበልጽን ዝበላለጽን። ዝዓብን ዝዕንብብን። ንፍርያት ስነጥበብ ማትሪክ እየድልዮን እዩ። ‘በይንኻ ኣይስራሕን’ እየ ክብል ደልየ። ርእይቶ እናኣከብካ’ዩ ዝስራሕ። ኣብ ልዕሊ መንፋዓትካ መንፋዓት እንተወሰኹኻ እንታይ ከይብለካ የህጥር እምበር።
እቲ ኣብ መወዳእታታት ቴስዓን መጀመርታታት ክልተ ሽሕን ብውዕዉዕ ሞራል ደገፍትን ኣስተማቐርትን ዝሃጠረን ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ደይቡ ዝነበረን ዓውደ ጥበብን ዓውደ ንባብን ‘ይምለስ ዶ ይኸውን’ ኢልና ኣርሒቕና ንድሕሪት እናጠመትና ናፍቖት ከምንቕሎ ይፍለጠልና ዶ ኾን?
ኣብቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ዓመታት ድማ ካብ ፍርያት ስነጥበብ ዓድና ማዕቢሉ እትብሎ ኣየናይ እዩ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኢሰያስ ጸጋይ፣ ተቐዳዲሙን ከይተሰከፈን ኣፉ መሊኡ’ኳ ዳኣ “ግጥሚ!” ኢሉ መሊሱ-ብዘይቀልዓለም። ኣፍካ መሊእካ ከምዚ ይባሃል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እንተኾነ ግን ከም ደንጎላ ዝፋጋእ ልሕቲት ዝኾነ ግጥምታት ጠረብረብ ድዋዕዋዕ እናበለ ዝወድቕ መሊኡ’ዩ ነይሩ። ወኖምን ባህጎምን ተራእዩ ግን ዝያዳ ምትብባዕ ይሰንቁ ነይሮም።
ካብ ብዙሓት ዳሓን ዝበሃሉ ገጠምቲ ጥራይ ዘይኮኑ ንፉዓት ኣስተማቐርቲ ‘ውን ከይተረፈ ርእይቶ እናተቐበሉ ይቕጽሉ ነይሮም። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ጽሑፍ ዓዲ ሃዳናይ ወፊሩዎስ ዓዲ ክውዕል ጀሚሩ። ዝንበብን ዘንብብን እናንቆልቆሉ ከይዶም። ሕጂ ንባብን ዝንበብን ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለዉ መልሲ ከካብ ውሽጥና ንውሰድ።
ኣብዚ ዝነበረ ውድድር ድማ እቶም ጀመርቲ ልዕሊ እቶም ምኩራት ገጠምቲ ዝያዳ ስንቂ የድልዮም። እቲ ዝማሃሩሉ ነጥብታት ድማ ካብ ናቶም ጥራይ ዘይኮነ ኮላይ ካብ ናይ ካለኦት ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ዓይነት ጌጋ ዘይትደግመሉ መንገዲ ክትሕዝ ምኽኣል ንባዕሉ ስጉምቲ ወይ ማርሻ ምቕያር’ዩ። ካብ ናይ እገለ ዘይትሓምቕ ግጥሚ ክጽሕፍ እየ ንበል። ኣብቲ መዝርኢ ግራት ውሑድ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ጉዕዞ ግጥሚ ኣብ ሕጂ ኮይንና ንምስክረሉ ካብ ሃለና ሕጂ ኣብ ዝደለኻዮ ዓይነት ግራት ከም ዊንታኻ እትዘርኣሉ ግራት ምስተረኽበ እንታይ ተኸስበ?
“ንበሃሃል እባ” ትብል ግጥሚ ኣብዚ ውድድር ጎፍ ኢላትኒ ነይራ። ኣበሃህላኣን ብህሎኣን ኣይተዋሃሃደልይን እምበር ተበግሶኣ ባህታ ነይሩዎ። ካብኣ ዝሕሻ እናረኸብኩ ምስ ቀጸልኩ ግን ንቕድሚት ገጻ ምሳይ ክማላኣ ኣይደፈርኩን። ናብ ኣፍደገ ዓሰርተ ብሉጻት ኣየቕረብኩዋን። ነዛ ኣርእስቲ ግን ሕጂ ክጥቀመላ ምደለኹ። ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ጥበብ ማእሪርናስ ንበሃሃል’ባ ምበልኩ።
ኣብ ስእሊ እትብል ግጥሚ ኣብ ቀዳመይቲ መስመር ‘ኣማእሪረ’ ትብል ዘላ ቃል ገዲፈ ‘ማእሪረ’ መሪጸ ኣለኹ። ብጌጋ ቃል ምጅማራ ካብ ብሉጻት ንድሕሪት ክደፍኣ ዝጀመርኩዋ ግጥሚ ነይራ ብውልቀይ። ዝተፋሓንጨረ ጽሑፍ ዘምስላ ኩምራ ስርዓተ ነጥቢ ገዲፍካ ማለት’ዩ። “እሳት!” ኣብ ኣርእስቲ ዝኣክል ኮፍ ዝበለት ናይ ኣንክሮ ስርዓተ ነጥቢ “ውዳቕ ድያ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሉለይ።
ኣብዚ ውድድር ካብ ዝተራእየኒ ጸገም ኢለ ዝሓስቦን ዝገልጾን ነጥብታት ክልተ እንተነይሮም ስርዓተ ነጥብን ታይፕ ኢረርን ነይሮም። ነናቶም ስራሕን ኣበርክቶን እናሃለዎም እንከሎ ኣዝዮም ንዓቕሊ ዝፍትኑ ነይሮም ናዓይ ብውልቀይ። ብዙሓት ስርዓተ ነጥብታት ካብ ገለ ቦታ ጠረብረብ ኢሎም ዝወደቑ ይመስሉ ነይሮም። ትርጉምን ኣቃውማን ቃላት ዝቕይሩ ናይ ፊደል ጌጋታት መሊኦም በቃ! ኣብነት ንፍቀ ሓዲድን ካለኦትን። ገሊአን ግጥምታት ገጠምተን ተሃኪዎም ከሎ ዝጸሓፉወን ከምዝነበራ ይራኣየካ። ሳኣን ተገዳስነት ዝተጠውያ ይመስላ-ታይፕ ኢረር ምስ ትህኪት ሓዊሰ ማለት’ዩ። ሕጊ ከውጽእ መሰል ተዝወሃበኒ ድማ ኣብ ግጥሚ ታይፕ ኢረር ኣይመፍቀድኩን መስለኒ።
እዞም ክልተ ነጥብታት ማለት ናይ ፊደል ጌጋታትን ስርዓተ ነጥብን ንጽፈት ቋንቋ ፈተንቲ ነይሮም። ከምዚ ማለት ዶ ይኸውን ክትብል ተወሳኺ ስራሕ ይፈጥር ነይሩ። ክፍተት(ስፐይስ) ዘይምጥቃም ነቃውማ ቃላትን ትርጉሞምን ይወጃብሮ ነይሩ። ገሊኦም ቃላት መዝገበ ቃላት ክትጠልበሎም ይደፋፍኡኻ።
“መዓስ ትሓዝንለይ” እትብል ግጥሚ ወጢጠ ናብ ዓሰርተ ብሉጻት ከእቱዋ ዓቕሚ ብምስኣነይ ሓዚነላ-ኣይሓገዘትንን። “ብርጭቆ ልበይ” ካብ’ተን ዝጠመትኩወን ነይራ-ነቓዓ ኣግዲዑኒ’ምበር ። “ቁዛመ ሓይደላይ” ሽምጠይ ሒዘ ክማጎተላ ዲግዲጊት ዝጠለብኩላ ግጥሚ ‘ያ ነይራ። ደስ ዝብል ብህሎ ኣልዒላ ኣብ ኣበሃህለኣን መበሃሃሊኣን ኣግዲዓትኒ። “ሽመት ስምኪ” ክሳብ ፍርቂ ሒዛትኒ ተጓዒዛ ድሕሪኡ ገዲፋትኒ። ናይ በሓቂ ብሂገያ ነይረ። ወርቁ ኢሎምኺ ምስ በለትስ. . .እዝጊ ነጊሩዎም ናቱ ወርቂ ኢሎምኺ ሓቆም’ዮም ናተይ ወርቂ ኢኺ ትብል’ሞ ነዚ መልእኽቲ ሒዛ ሒዛትኒ ተዕርፍ መሲሉኒ ናብ ዓሰርተ ገጸይ ወጢጠያ ነይረ። ኣብ ኣፍደገ ዓሰርተ ግን ኣይተረዳዳእናን። “ፍቕሪ ኣደ” ዋናታት ኣብዚሓ’ምበር ተበሪሃትኒ ነይራ። “ኣብ ቀብሪ እምባና” ኣብ ፕላስ ዋን ኣቐሚጠ ጀሚረያ። ክሳብ ፍርቂ ሒዛትኒ ጽቡቕ ገይራ ኣዛንያትኒ። ድሕሪኡ ግን ኣግዲዓትንስ ንድሕሪት እናደፋእኩዋ ከይደ። “ናይ መወዳእታ ንብዓት” ዘይጣዓሰላ ዝዓገብኩላ ግጥሚ እያ።
እዚኣተን ብቐረባ ዝዝክረን እየን። ናይ ባሓቂ ደስ ዝብላኻ ግጥምታት መሊአን ‘የን። ብዉሑዱ ግን መልእኽቲ ዘይብላ ግጥሚ ከምዘየላ ርግጸኛ እየ።
ኣብዚ ዝቐነየ ውድድር ሓሳቦም ከፍስሱን ሙቐት ክፈጥሩን ዝግበኦም ሰባት ምጽቃጦም ንባዕሉ መርኣያ ውልቃውነት ይመስል።
ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ለበዋ. . .ስነጥበብ ይዓንብብ እዩ ዝባሃል ዘሎ። ካብ ገንዘብ ጥራይ ምሽላም ግን መጻሕፍቲ እናገዛእካ ማሕተም እናተገብረሉ ዝሽለመሉን ኣብ ዝርገሐ ንባብ ድማ ኣበርክቶ ምግባር ምተቖጽረ። ኣብነት. . .150.00 ዶላርን መጽሓፍን ወዘተ። ንባብ ኤርትራ ብዳይነሶር ከይምሰል-ምስላታት በዚሑዎ ኣሎ ንባብና።
ሰብ ርእሱ ዝሓመመሉ ፍርያት ካብ ምንእኣስ ድማ ጉድለትን ጽቡቕን ጎንታት በብዓቕምኻ ምክፋል ሓጋዚ ምኾነ። ከነኣእሱ ኢሎም ኣብ ዛራ ዝኣትዉን ብነጋቲቭ ዝጅምሩን ክርኢ እንከለኹ ኣይብራሃንን የባህርረኒ’ኳ ዳኣ። ኣተባባዕቲ ንኹን። ምንቁሻሽን ምንእኣስን ንዓውዲ ጥበብ ኤርትራ ሓደ ካብ መንሽሮታት ኮይኑዎ’ሎ። ካልእ ካብ ዘጓነፈኒ ጦብላሕታ ዳንነት ኣብ ቀጻሊ መሕከዪ ይኾነና። ኡፍፍፍ! ደኺመ ‘የ መስለኒ!? ፎርሳ በሉ’ስከ! በሉኒ እምበር ኣይትበሉኒ!
ግርማይ ዮውሃንስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስሊ ነብሰይ
Next Article ኣቦይ ቀሺ ዘገርግስ፡ እወታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ተግባር።
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?