Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ማሕላ ንመን ቀተለ !

ማሕላ ንመን ቀተለ !

0
By Mekonnen T. on January 4, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ንፈልጥዶ ህዝቢ ዓፋር ከም ዘይምሕሉ ?

መኮነን ተስፋይ

ማሕላ ማለት መፈጸምታ ነገር ወይ ናይ ሓሳብ መኸተሚ ኮይኑ እተዛረብናዮ ኮነ ዝሰማዕናዮ ነገር ከነረድእ እንከሎና ኩነታቱ ሓቂ ምዃኑ እነረጋግጸሉ ናይ ሓሳብ መኸተሚ ቃል ኢዩ። ማሕላ ኣብ መላእ ህዝቢ ዓለም ዝውቱር ኮይኑ ኣገባባቱ ግን ክፈለላ ይኽእል‘ዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንባዕሉ‘ውን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገባብ ማሕላታት ኣሎ። ቆልዑ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ንመዓልቲ ብውሑድ 10 ግዜ ክንምሕል ይዝከረኒ። ። እስከ መሓል ትብል ቃል መጻውትኻ ወይ ወዲ ትምህርትኻ ዳርጋ ልምድቲ‘ያ። ሓሶትን ሓቅን ከኣ ብማሕላ ነረጋግጽ ነበርና። እቲ ኣገባብ ኣመሓሕላ  ኢድ እቲ ትምሕለሉ ዘለኻ ሰብ ብምጥቃዕ’ዩ፡ እስከ መሓል ኢሉ ኢዱ ይሰደልካ  ሓቂ ምዃንካ ከተረጋግጸሉ ዝደለየ ሰብ፡ ንስኻ ኸኣ ሓሙሽተ ኣጻብዕትኻ ምስ ኣጻብዕቱ ብምርኻብ ጠቓዕ ኣቢላክ ትምሕል። ኣብ ግዜ ቁልዕነት ብሓሶት ክትምሕል ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ጸቢብ’ዩ። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣመሓሕላ ስም ኣቦሓጎኻ ጠቒስካ ዝግበር ኮይኑ ስጋ ኩስቶ ብምባል ናይ ኣቦሓጎኻ ስም ረቑሕካ ትምሕል። እዚ ኣገባብ ኪኖ እቲ ማሕላ ስም ኣቦሓጎኻ ንኽትዝክርን ብዛዕባ ኣቦሓጎኻ ክትሓስብን ዝድርኽ ኮይኑ ይስመዓኒ። ገለ ሰብ’ውን ብስም መዋቲ ወላዲኦም ወይ ዝፈትውዎ መቕርቦም ዝምሕሉ ኣለው “ባባ ዝኣተዋ ” ወይ ድማ ስጋ ኣቦይ ኢለ ዝብል መምሓሊ ልሙድ‘ዩ።   ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ዕቱብ ጉዳያት ማሕላ ዓቢ ክብርን ተፈራሕነት‘ዩ ዘለዎ። ገለ ሰብ ሓቅነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ክምሕሉ‘ውን ኣይደልዩን‘ዮም። ኣብ ገለ ከባቢ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ማዕረ ጉድጓድ ኩዒቶም ነጸላ ከዲኖም ሓቂ እንተኾይንካ ነዚኣ ሰለስተ ተሳገራ ተባሂሎም ዝምሕሉ ሰባት‘ውን ኔሮም ይበሃል። ኣብ ገለ ገለ ዓዲ እውን እንዳ እከለ ዝበሃሉ ኔሮም ኣቦኦም ብሓሶት ምስ መሓለ ጸኒቶም‘ዮም ዝበሃል ዛንታ ጎፍ ይብለካ‘ዩ።  ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ብሓሶት ሚሒሎም ዕውራት ጥራሕ ዝወለዱ ስድራ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ። እዚ ይኹን እምበር ማሕላ ንመን ቀተለ ዝብል ብሂል ከኣ ኣሎ።

ገጣሚ ብርሃነ ገብረሂወት ማሕላ ኣብ እትብል ሓጻር ግጥሙ እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ንረኽቦ

ማሕላ ብኸፈር

ብከንፈር

ብሓንቲ ቃል ብዘይመስፈር

ልዕሊ እኽሊ

እነሆ ሰብ ይስፈር።

ቃሉ ንከኽብር

ይምሕል ይጥሕል

ቃሉ ንክቕይር

ይምሕል ይጥሕል።

እናበለ

“ማሕላ ንመን ቀተለ”

ኣይእገም ኣይጽገም

ክኽሕድ’ውን

ማሕላ’ዩ ዝደግም።

ማሕላ ምስ እምነትን ሕልናን ተሳንዩ ዝኸይድ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ከኣ ኣብ ገጠራት ሰብ ነገር ናብ ዳኛ ምስ ቀረቡ ሓቅነቶም ንምርግጋጽ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ወይ ክታብ ክጠቕዑ ዝረኣዩ።  ኣብ ሓደ ሓደ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ማሕላ ዘስፈሮ ጽሑፍ’ውን ከምዚ ይብል

ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።

ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡

ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ።

ካብ ጸጉሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል።  ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

ህቡብ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያም’ውን ኣብ 1993 ዝጻሓፋ  ምሕል ጥልም ዘረእስታ ግጥሙ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ይርከባ

ኣነ ዝፈልጠካ ትማሊ ትማሊ

ዕንቅፍ ከይበልካ ኣብ ባይቶ መሓሊ

ዓፍራ ክሳብ ተውጽእ ኣብ መዳሪ መሓሊ

እቲ ኩሉ ፈዳሕ ዳሕ

ናይ ኣፍ መዳራጋሕ

እቲ ኩሉ ጎሳዕሳዕ

ዶ ኣበልካዮ ርስዕ

ምሕል ጥልም  

ሓወይ ምሕል ጥልም

ማሕላስ ኣይቕተልካ ንመን ምስ ቀተለ

“ቕጭጭከ” ካብ በለካ ሰብ ዝበለ እንተበለ

ሕልናኻ ግን እይንታይ ይብለካ ገለ ?

ብዛዕባ ማሕላ ክለዓል እንከሎ ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ህዝቢ ዓፋር’ዮም። ህዝቢ ዓፋር ማሕላ ከም ዘይምሕሉን ምኽንያት ዘይመምሓሊኦም ከኣ ታሪኻዊ መበገሲ ከም ዘለዎ እዚ ዝስዕብ ዛንታ የረጋግጸልና። ብዛዕባ ሕግታት እንዳባ ኣብ መደብ ሞዛይክ ባህሊ ንዝቐረበ ትሕዝቶ ኣመልኪቱ ርእይቱኡ ንኽገልጸለይ ብተሌፎን ዝረኸበኒ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ክፍለ ግ ዝ ኣት ካሊፎርኒያ ብስደት ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ካብ ሃገር ዝተፈልየ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት (ጀብሃ) ነበር ተኽለ ወዲ ሓንታይ እቲ ቀንዲ ዘደወሎ ሓሳባት ምስ ዛዘመ ሓደ መሳጢ ዕላል ኣካፈለኒ።  ተኽለ ሓንታይ ምስ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት እንከሎ ኣብ ሰሜን ደንከል ከባቢ በዓል ባዳ ተመዲቡ’ዩ ዝጋደል ኔሩ ስርሑ ዝፈጠረሉ ኣጋጣሚ ድማ ምስ መነባብሮን ባህልን ህዝቢ ዓፋር ክላለ ዕድል ረኺቡ ነበረ ።  ወዲ ሓንታይ ዘዕልለኒ ዝነበረ ቦታታት ካብ 1990 ክሳዕ 1993 ኣብ ደንካልያ ካብ ኢንገል ክሳብ ደሴት ሓሌብ ኣብ ዝዝርጋሕ ቦታ  ስለዝነበርኩ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ስእሊ እቲ ከባቢ ዝቕጀለኒ ኔሩ። ይኹን እምበር ባህርያት ናይቲ ዝነጥፈሉ ዝነበርኩ ስራሕ ምስ ባሕርን ደሴታትን እምበር ምስቲ ህዝቢ ብዙሕ ዘራኽብ ስለዘይነበረ ብዛዕባ ህዝቢ ዓፋርን መነባብሩኡን ሕግታቱን  ክንዲ ናይ ተኽለ ዝኸውን ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይጸንሓንን።

ኣብ 1978 ዓም ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሰሜን ደንከል ባዳ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ክልተ ስድራ ተኻሲሶም ናብ ዳኛ ናይቲ ዓዲ ቀረቡ ዳኛ ነቲ ዝቐረበሉ ነገር ፈጺሙ ክገብረሉ ቁሩብ ከበዶ። ተኻሰስቲ እቲ ሓደ ካብ’ቶም ሕይል ዝበሉ ዓሌት ኮይኑ ብሓደ ካብቶም ቁሩብ ድኽም ዝበሉ ዓሌት ተኸሲሱ’ዩ ናብ ዳኛ ቀሪቡ። ከሳሳይ ነቲ ዝኸሶ ዝነበረ ሰብ “ኣጣለይ ሰሪቑ ናብ የመን ወሲዱ ሸይጡወን” ብምባል’ዩ ከሲሱዎ። ተኸሳሳይ ከኣ “ኣይፋል ኣነ ኣጣልካ ኣይወሰድኩልካን ናብ የመን ወሲደ’ውን ኣይሸጥኩወንን” በሎ። ዳኛ ዝህቦ ፍርዲ ንተኻሰስቲ ናብ ደም ምፍሳስን ካልእን ከየብጽሕ ስለዝሰገአ ነቲ ጉዳይ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበሩ ንዕብይ ዝበለ ጉዳያት ዝፈርዱ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ቤት ፍርዲ ከሕልፎ ወሰነ።

ተኻስስቲ ኣብ ፊት ነቲ ጉዳይ ክርእዪ ዝተቐረቡ ተጋደልቲ ደው ምስ በሉ ነገሮም ኣፍሲሶም እቶም ተጋደልቲ ዝብልዎም ንኽሰምዑ ምሕጽንተኦም ኣቕረቡ። ነቲ ጉዳይ ዝመርሖ ዝነበረ ሰብ “ሕራይ ኣጠለይ ሰሪቑ ናብ የመን ወሲዱ ሸይጡወን ትብል ኣለኻ መን ኣለካ ምስክር? ማለት  ን ዕ ኡ ሰሪቑ ክሸይጥ ዝረኣዮ ወይ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጥ ምስክር ኣለካዶ?”ብምባል ንኸሳሳይ ሓተቶ።

ከሳሳይ “ኣነ ምስክር የበለይን” በለ

“እሞ እንድሕሪ ምስክር ዘይብልካ ኮይንካ ተኸሳሳይ ነዚ ጉዳይ ከም ዘይወዓልካዮ ክትምሕል ኢኻ?” ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ  ዳኛ ተጋዳላይ ብሕልን ኡ ከኣ እቲ ጉዳይ ብማሕላ ክፍጸም’ዩ ዝብል ግምት ኣሕዲሩ ነበረ።

እቶም ነቲ ጉዳይ ክከታተሉን ከሳስን ተኸሳስን ከሰንዩ ዝመጹ ዓበይቲ ዓዲ ኣቦታት ነቲ ናይ ማሕላ ጠለብ ምስ ስምዑ ሰንበዱ። ንሓድሕዶም ከኣ ጉጅምጅም በሉ። ሓደ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ከስነዩ ዝመጹ ዕብይ ዝበሉ ኣቦ ግን ብዛዕባ ማሕላ ዝምልከት እቶም ተጋደልቲ ዝፈልጥዎ ከም ዘይብሎም ንኸብርሃሎም ጎረሩኡ ስሒሉ ባዛዕባ ማሕላ ከምዚ ብል ገለጸሎም።

ንሕና ኣይንምሕልን ኢና፡ ኣብ ሕብረትሰብና ከኣ ማሕላ ፍቑድ ኣይኮነን። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ እዚ ዝስዕብ ዛንታ ክነግረኩም ብምባል ንመበገሲ ናይቲ ህዝቢ ዓፋር ማሕላ ዘይምሕለሉን ኣብ ዓዳት ኣልዓፋር ዝብል ያታዊ ሕጊ እንዳባ ንዝሰፈረ ዓንቀጽን ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብርሃሎም።

ኣብ ብሄረ ዓፋር መርዓውን መርዓትን ክሕጸኑ እንከለው ንመሐጽኒኦም ዝኸውን ጸባ ምእንቲ ክሰትዩ ተሓላቢት ላም ትፍለየሎም ነበረት። ብጀካዚ ዓርኪ መርዓዊ ን45 መዓልታት ማለት ንወርሕን ክልተ ሰሙንን ካብ መርዓውን መርዓትን ከይተፈልየ’ዩ ምስ ኦም ዝሕጸን። እዞም መበገሲን መኸልከን ማሕልናን ዝኾኑ መርዓውቲ ዓፋር እምበር ሓደ መዓልቲ መርዓት ኣብ ሕጽኖታ እንከላ ናይ ኣጻብዕታ ናይ መርዓ ካትም ትጠፍኣ። መርዓት ካትማ ከም ዝጠፍኣታ ንመርዓዊ ምስ ነገረቶ መርዓዊ በቲ ኩነታት ሕርቃኑ ድሕሪ ምግላጽ ነታ ካትም መን ክወስዳ ይኽእል ሓሰበ። መርዓውን መርዓትን ነታ ካትም ኣብቲ ገዛ ከይትህሉ ንኹሉ ፈቲሾም ምስ ቀበጹ ሰብ ወሲዱዋ ክኽውን ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። ክወስዳ ዝኽእል ከኣ ብጀካ ዓርኪ ርእሲ ካልእ ክኸውን ኣይክልእን’ዩ ብምባል ንዓርኪ ጸዊዖም ናይ መርዓት ካትም ወሲድካ ኣለኻ ኣምጻኣያ በልዎ። ዓርኪ መርዓዊ በቲ ዝተወንጀሎ ገበን ኣመና ሰንብደ። ወሳዲ ከም ዘይኮነ ከኣ ተዛረበ። ይኹን እምበር መርዓዊን መርዓትን ንስኻ ኢኻ ወሲድካያ ኢሎም ስለዝነቐጹ ናብ ሽማግለ ክቐርቡ ግድን ነበረ። ዓርኪ መርዓዊ ኣነ ካትም ሰበይቲ ዓርከይ ኣይወሰድኩን ብምባል ነቶም ሽማግለ ከረደኦም ፈተነ። ሽማግለ ዓርኪ መርዓዊ ይኹን መርዓዊ ምስክር ስለዘይብሎም ሓንቲ ክገብርዋ ዝኽእሉ ዓርኪ መርዓዊ ካትም ከይወሰደ ብማሕላ ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ወሰኑ። ዓርኪ መርዓዊ ድማ ብሕርቓንን ጓህን ሕርር ኩምትር እናበለ ካትም መርዓት ዓርኩ ከም ዘይወሰደ መሓለ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዓርኪ መርዓዊ ምስ መሓለ ሽዑ ንሽዑ ጣዕ ኢሉ ድሕሪ ምውዳቕ ህይወቱ ሓለፈት። ሞት ዓርኪ መርዓዊ ኣዚዩ ኣሰንባዲ ኮነ። ኩሎም እቶም ህዝቢ ከኣ ብሓሶት ስለዝመሓለ’ዩ ሞይቱ ማሕላ ከም ኡ ኢዩ ዝገብር ብሓሶት ዝምሕል ሰብ ሕማቕ ዕጫ’ዩ ዝጎንፎ ብምባል ነቲ ተረኽቦ ኣሳብሕዎ። ብሞት ዓርኩ ኣዚዩ ዝጎሃየን ክሳብ ሞት ይመጽእ’ዩ ውን ዘይበለ ሰብ መርዓዊ ነበረ። መርዓዊ ብሰንኪ ሞት ዓርኩ ካብ ሕርቃን ተላዒሉ ኣብቲ ሕጽኖቶም ጸባ ትልግሰሎም ንዝነበረት ላም ኣብ ሓዘን ዓርኩ ክትብላዕ ሃሪሙ ምስ ኣወደቓ ደቂ ተባዕትዩ እቲ ዓዲ ነታ ላም ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ጌሮም ክጠብሕዋ ጀመሩ። ላም ተጠቢሓ ምስ ወደአት ፈርሲ ክፍርስ ነቲ ስጋ ዘለዓለ ሰብ ኣብ መንጎ መስርሕ ምፍራስ ሓደ ዘደንጹ ነገር ረኸበ። ኣብ ከብዲ እታ ላም ዝጸንሐ ዘገርም ነገር ካትም መርዓት ኮይኑ ጸንሐ። ለካ እታ ተሓላቢት ላም’ያ ነታ ካትም ምስ ካልእ ዝብላዕ ለኪማ በሊዓታ። ለካ ዓርኪ መርዓዊ፡ ዓርከይ ጠርጢሩን ስመይ ኣጸሊሙዎ ኢሉ’ዩ ብሕርቃን ጣዕ ኢሉ ሞይቱ። ዓዲ ድሕሪ’ቲ ሞት ዓርኪ መርዓዊ ተኣኪቦም ድሕሪ ምምካር ማሕላ ክተርፍ ከም ዘለዎን ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ ክምሕሉ ከም ዘይብሎምን ወሰኑ  ይበሃል።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጂብራን ኸሊል ጂብራን جبران خليل جبران Khalil Gibran
Next Article ሓጺር ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊ ኣቶ መብራህቱ ሶሎሙን (መብሬ)…
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?