Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሂወት ከም ጸወታ ዳማ!

ሂወት ከም ጸወታ ዳማ!

0
By Mekonnen T. on December 4, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ማይኮ ተኽለ

ሂወት ከም ጸወታ ዳማ/ ኣብ ክፉት ጣውላ/ ምሳይ ትጣላዕ !/ ኣብቲ ዝመልኮ-ናይ ምንባር ሜላ/ ክስዕራ’የ ንናብራ……………
እናበለ የዝዮም ድምጻዊ ግርማይ ዓንዶም ኣብታ ‘ሂወት’ እትብል ዜማኡ።

ወዲ ሰብ ንኽነብር እዩ ዝፍጠር፡ ዓውደ ምንባር ክኣ ኣዝዩ ሰፊሕ ዓውዲ ኮይኑ፡ ብዙሓት ባእታታት ኣብ ውሽጡ ይሓቁፍ። ስለዚ ድማ’ዩ ወዲ ሰብ ፍጥር ምስ በለ ኣብ ዓውደ ምንባር ተጸምቢሩ፡ ከከም እንታይነቱን ኣታሓሳስባኡን፡ ዝፈጠሮም ሜላታት እናተኸተለ መስርሕ ምንባር ዘሰላስል። ኮይኑ ግን፡ ናይ ምንባር ሜላ እናተበላሓተ ዝሓሸ ኣገባብ ናብራ ክነብር ‘ድኣሉ ዝቃልስ እምበር፡ ኩሉ ግዜ ብኸምቲ ዝወጠኖ ኣገባብ ይነብር ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ዘያማይ ዝበሎ፡ ‘ሂወት ናይ ምንባር ዕድል ትህብ እምበር-ከምቲ ትደልዮን ትብህጎን ኣገባብ ጌርካ ንኽትነብራ ኢዳ ኣጣሚራ ኣይትዕዘበካን’ያ።’ ናይ ምንባር ዕድል ፈጢራ-ንቕልስ እትዕድም መስርሕ እያ። ስለዝኾነት ድማ’ዮም ደቂ ሰብ ‘’ሂወት ቃልሲ’ያ’’ ክብሉ ኣሕጺሮም ዝገልጽዋ።

ይዝከረኒ፡ ኣብ ዳንተ (ውሽጢ ሲነማ ዳንተ እትርከብ መዘናግዒ ማእከል) ሻሂ እናሰተና ብዛዕባ ሂወትን ምንባርን ኣብ ነዕልለሉ ዝነበርና እዋን ፡”ምንባር! ንዘይተፈልጠ ገደብ ግዜ ንዝተመጠነትልና ሂወት፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ ኣገባብ ንኽንነብራ ብፈጣሪ ዝተዋህበትና ዓውዲ እያ” ኢሉ ክገልጻ። ኣይተጋገየን! ነብሱ ይምሓሮ፡ እዚ ሕጂ ናይ ምንባር ግዚኡ ዛዚሙ ድሮ ተፈልዩና ዘሎ ስነጥበባዊ ዮናስ ዮሃንስ(ወዲ ኪኮ)- ንምንባር ብልክዕ እዩ ገሊጽዋ። ከምቲ ንሱ ዝበሎ፡ ምንባር ናይ ገዛእ ርእሳ ስልጣን የብላን፡ በቲ ነዛ ትንፋስ ዝዓደለና ፈጣሪ፡ ነታ ሂወት ንኽንነብራ እትኽፈተልና ባይታ ጥራይ እያ። ግን ክኣ ወዲ ሰብ ስቕ ኢሉ ንዝተዋህቦ ገደብ ግዜ ክቖጽር ጥራሕ ስለ ዘይተፈጥረ፡ ምስ ምንባር ተፋጢጡ፡ ዕድመ ሂወቱን እንታይተንት መፈጠሩን ትርጉም ንምልባስ፡ ኣብ ሜዳ ምንባር ወሪዱ ዝቓለስ።
እምነቱ ዓቒቡ ተልእኾ ምንባር ከሰላስል፡ ፍቕሪ ሰኒቑ ሂወቱ ከመቅር፡ ሰሪሑ ዝሓሸ መልክዕ ናይናብራ ክነብር፡ ተማሂሩ ነብሱ ክፈልጥ፡ ነብሱ ፈሊጡ ቃና ውሽጡ ከዳምጽ፡ ስምዒታቱ ተረዲኡ ብሕልና ክግዛእ፡ ንፈጣሪኡ ተኣዚዙን ኣሐጒሱን ድሕነት ክጎናጸፍ፡ ነብሱ ኣድሒኑ ነቲ ቀንዲ ተልእኾ ሂወት ኣብዛ ዓለም ብምስልሳል- ናይ ዘልኣለም ሂወት ክረክብ ……. ይጽዕር፡ ይቃለስ፡ ይነብር። ወዲ ሰብ!

ስነ-ጥበበኛ ዮናስ ዮውሃንስ ውን፡ ከም ሰብ በዚ መስርሕ እዚ ሓሊፉ፡ ካብ እዋን ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስ ምንባር ተቓሊሱ። ኣብ እምነት፡ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ፡ ኣብ ስራሕ ዓለም፡ ኣብ ፍቕሪ፡ ኣብ ሓዳር፡ ኣብ ውላድን ፍቕሪ ዉሉድን በጺሑን ኣስተማቒሩን። ሓንቲ ምዓልቲ ኢዱ ከይሃበ፡ ንምንባር ተቓሊሱ ንሂወቱ ነቢርዋ።
ኣብ 2003፡ መበል 17 ዙርያ ወተሃደራዊ ተዓሊም ናብ ሳዋ ምስ ወረድና ኢና ተላሊና፡ ብሓደ ተዓሊምና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይክኣሎ ውን ብሓደ ተማሂርና። ዮናስ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ሓደሽቲ ሓሳባት ኣብ ምፍልፋል ሓያል ክእለት ከምዝነበሮ ሽዑ እየ ፈሊጠ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍን ግጥምን ኣዝዩ ብሉጽ ብቕዓት ከምዝውንን ኣብቲ ገለ ገለ ብሓንሳብ ንሰርሖ ዝነበርና ግዝያት ጽቡቕ ጌረ እናተዓዘብክዎ ክመጽእ ክኣኢለ።
ዮናስ ዘይከም ኣነ፡ ቀልጢፉ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ናይ ምፍላጥን ምውህሃድን ፍሉይ ክእለት ነይርዎ፡ ካብኡ ዝተበገሰ ፈለጥቱ ኣዝዮም ብዙሓት ምንባሮም እዝክር። ጉዳይ ሳዋ ተዛዚሙ 2005 ኣስመራ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ይዝክር። ብርክት ዝበሉ ድርሰታቱ ከንብቦም ይዕድመኒ ስለ ዝነበረ፡ ብልጸት ፈጠራታቱ ጽቡቕ ጌረ’የ ዝፈልጦም። ንፉዕ ገጣማይ ውን’ዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዋላ ኳ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ተላቢሱ ክዋሳእ ጀሚሩ እንተዘይነበረ፡ ኣብ ገለ ገለ ፊልምታት ሃገርና ዝውሃቦ ዝነበረ ሓጸርቲ ገጸባህርያት ናይ ምውሳእ ክእለቱ ይዕዘቦ ነይረ ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ኣዝዩ ዓቢ ተዋሳኣይ ክኸውን ምዃኑ ይፈልጥ ነይረ እየ።
ኣብ መወዳእታ 2006 ሓደ ሰንበት ኣብ ገዛና፡ በጋጣሚ ማንም ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ንመጀመርታ ግዜ ባዕለይ ንምሳሕ ዝኾነኒ መግቢ ከዳሉ ኣብ ዝፈተንኩሉ፡ ፓስታ ስፓጌቲ ንኸብስል፡ እቲ ፓስታን ዝሑል ማይን ብሓደ ስለዝሰኽተትክዎ፡ ብፋርኬታ ጠጠቕሊለ ክበልዓ ዝሓሰብክዋ ፓስታ ስፓጌቲ- ብማንካ እትብላዕ ጽብቕቲ ግዓት ኮይና። በዚ ተስፋ ቆሪጸ፡ መረሳስዒ ጥሜት ዝኾነኒ ፊልም ወሊዓ ነደይ ክጽበያ ኣብ ዝመረጽኩሉ ህሞት፡- ዮናስ ዓርከይ ሃንደበት ተጸንቢርኒ። ‘’ጠሚና ኢና መጺና ምሳሕ ደኣ የለን ድዩ?” ምስ በለኒ ድማ’የ ነታ የሕፊራትኒ ክሓብኣ ዝሓሰብኩ ዘጋጠመት ጉዳይ ዘዕለልክዎ። ዮናስ ስሓቑ ክቆጻጸሮ ኣይክኣለን፡ ግን ክኣ- ግዲ ተስፋ ክህበኒ ደልዩ “ኣምጻያ ጥራይ-ሓንቲ ኣይብለናን ‘ዩ” “ ደይ ሓይኽና ምስ ውሓጥናዮስ፦ ግዓት ‘ዩ ክቕየር….” እናስሓቐ ምብላዕ ምስ ጀመረ ኣነ ውን ስዒበዮ፡ ጥዕምቲ ግዓት ብስልሲ ተመሲሕና። ካብዚኣ ዝጀመረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ኣዕሩኽ ምሓዙት ሻሂ ቡን ኣብ ንብለሉ እዋን፡ ዘዝተላዕለ ኣርእስቲ ዕላላት ብምጥዋይ፡ ናይታ ጋዓት ብስልሲ ዕላል እናምጸ፡ ነታ ናይ ሽዑ እዋን ዝበለጸት ምህዞይ(ግዓት ብስልሲ) ፡ ዳርጋ ምስ ኩሎም ፈለጥትና ኣላልይዋ እዩ። ዮናስ ኣቦ ዋዛ!

“ወዲ ሰብ ቀንዲ ናብ ዓለም መምጽኢኡ፡ ንኽሰርሕ እዩ። ላዕልን ታሕትን እናበለ ድማ ሕጉስ ናብራ ንኸሕልፍ ይጽዕር። ካብቶም ጎደሎ ሓጎስ ዝውንኑ ፍጡራት ሓደ ኣነ’የ። ንሕሉፍ ዘመን ሂወተይ፡ ተጣዒሰ’ኳ እንተዘይመለስክዎ፡ ከም መወከሲ መጻኢ ሂወተይ ግን ክጥቀመሉ’የ። ግዴታ እዩ!” ኣብታ “ወዲ ኪኮ” ትብል ቀዳመይቲ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐት ድርሰቱ(ፊልሙ)፡ ኣብ መእተዊ ናይቲ ዛንታ ዝተጠቕመላ መሳጢት ሓረግ እያ። ዮናስ መብዛሕትኡ ሓሳባቱ፡ ዕላላቱን ድርሰታቱን ምስ ሂወት-ጻዕሪ-ምንባር ዝትሓሓዝ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ማለት እታ ብዛንታ(ካብ ድርሰታቱ) ዝፈልጣ ዝነበርኩ “ወዲ ኪኮ” ትብል ፊልሙ፡ ኣብ ሕትመት ክትበጽሕ እንከላ ኣነ ድሮ ኣብ ስደት ይርከብ ኔረ። ስለዝኾነ፡ እታ ወዲ ኪኮ እትብል ሳጓ ብድሕረይ ዝጠበቐቶ ሓዳስ ሳጓ እያ፡ እምበር፡ ንኽበልዕ ኮነ ንኽጽሕፍ ወይ ውን ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ንኽዓምም፡ ጸጋማይ ኢድ ስለ ዝጥቀም፡ ብኸምኡ ዝተዋህበቶን ምስኡ ዝዓበየትን ሳጉኡስ “ኣባጋ” ‘ያ ኔራ።
ስነጥበበኛ ዮናስ ዮውሃንስ፡ ብድሕሪ ፊልም “ወዲ ኪኮ” ውን፡ ተመኩሮኡን ትሕዝቶኡን ብምዕባይ፡ ባዕሉ ዝኣለያ “ሶፊሊ” እትብል ድርሰቱ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ። ጎኒ ጎኑ ውን፡ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ሃገርና ፊልምታት ዝተፈላለየ ገጸባህሪ ብምልባስ ተዋሲኡን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ካልኦት ደረስቲ፡ ዳይሬክተር ኮይኑ ኣልዩን ተዋሲኡን። ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሪ-ቲቪ ተኸታታሊ ፊልምታት ብብቕዓት ሰሪሑን ናይ ብዙሓት ደርፍታት ትግርኛ ቪድዮ ክሊፕ ዳይሬክተር ኮይኑ ኣልዩን ተዋሲኡን።
ዮናስ፡ ኣብ ድርሰቱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዋላ ኣብ ግብራዊ ሓሳባቱን ጠመትኡን፡ ንዝያዳ ዕቤትን ዕጋበትን ንምንዳይ፡ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ምንባር እናበለ እዩ ዝጓዓዝ። ክዕወት ሙኻኑ ውን ብርእሰ-ትኣማንነት እናነገረ ንቕድሚት ይስጉም። ኣነ ኣብ ስደት ንሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ውን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኩሉ እዋን ንራኸብ ስለ ዝነበርና፡ ኩሉ መደባቱ እዩ ዘካፍለኒ ኔሩ፡ ጥራሕ ዘይኮነ ውን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሓድሕድ ንተሓጋገዝ ኔርና። ብዓል ብዙሕ ተስፋ፡ ራኢን መደባትን ዝነበረ ስነ-ጥበባዊ ዮናስ ዮውሃንስ፡ ቅድሚ ካብ ሃገር ምውጽኡ ኣጻፊፉ ዝዛዘማ ሳልሰይትን ዓባይን ድርሰቱ፡ ፊልም “ፊደል ከይሲ” ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ከሕትማን ከዘርግሓን መደብ ስለ ዝነበሮ፡ ድሮ ሳምፕል ናይታ ፊልም ናባይ ምስ ሰደደ፡ ኣይጸንሓን ንሱ ውን ናብ ስደት ኣምሪሑ። ንዕኡ ዘይትኸውን ስደት!
ኣብቲ ንሱ ዝመልኮ ናይ ምንባር ሜላ፡ ሂወት ኣብ ክፉት ጣውላ ፊቱ ኮፍ ኢላ ተጣሊዓቶ! ስደት ካብ ዝወጽእ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሂወት ኣዘንጊዓ ኣብዘይተጸበዮ ህሞት ኮሊፋቶ! ግን ክኣ፡ ስዒርዋ እምበር ኣይሰዓረቶን። ተዓዊቱላ’ዩ! ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ፡ እቲ ንሱ ክነብሮ ዝተፈቕዶ ዕምሪ ነቢርካ ክብጻሕ ዘይክእል ዓወት ተጓናጺፉ እዩ ሓሊፉ። ብጥበባዊ ድርሰታቱ፡ ፍቕሩ፡ ትሕትንኡን ካልእ ብዙሕ ነገራቱን ዘይሃስስ ዝኽርን ህያብን ገዲፉ፡ ናይ ምንባር ተልእኾኡ ብግቡእ ዛዚሙ ሓሊፉ። ስነ-ጥበበኛ ዮናስ ዮሃንስ!!!

ጽንዓት፦ ነታ ገና ፍቕሩ ዘይጸገበት በዓልቲ ቤቱ፡ ርእያ ዘይጸገበቶ ህጻን ጓሉ፡ ገና ክትርእዮ ዘይተዓደለ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝርከብ ፍረ-ዘርኡን ሙሉኣት ስድራቤቱን ፈተውቱን ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብን። መንግስተ ሰማያት ድማ ንዓኡን ንድምጻዊ መርሃዊ ኮኾባይን ኩሎም ግዳያት ናይቲ ዘስካሕክሕ ሃንደበታዊ ሓደጋን።

01-12-2016

15317770_1346415502070544_6466483606620084725_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካበይ ንጀምር ?
Next Article ተራ ቆልዑ ባልካን ኣብ ምዕሻው ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?