Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ብኻልእ ኵርናዕ

መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ብኻልእ ኵርናዕ

0
By Mekonnen T. on November 4, 2016 Home, ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ተስፊት ኣብርሃም
“‘ተረፍ’ነጸብራቕ ጽበት ወደ’ስመራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንመጽሓፍ “ተረፍ” እኵብ ሓጺር ዛንታታት (ኣኸድር ኣሕመዲን)፡ ብፍቕረይ የማን ዝተጻሕፈ ከፊላዊ ዳህሳስ ኣብ ገጸ ባህሪያት ናይቲ ዛንታታትን ደራስን ዘተኰረ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ኣመት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቢበ ነይረ። እንተተደልዩ ኣብዚ ሊንክ ጠዊቕካ ምንባብ ይከኣል
 https://merebpoetry.wordpress.com/2016/10/26/%e1%89%b0%e1%88%a8%e1%8d%8d%e1%8d%a3-
ኣብ መጽሓፍ ተረፍ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ብፍላይ እኳ እቲ መሪሕ ጠባይ፡ መበገሲኡ ካብ ሓደ ከተማ ወይ ድማ፡ ካብ ሓደ ገዛውቲ ይዅን እምበር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ግን፡ ብዝግባእ ፈጠራዊ ጥበብ ዝተመላአ ኢዩ።
ኣብ መጽሓፍ ተረፍ፡ ሓይሊ ደራሲ ዝተርኣየሉ እምበኣር፡ ኣብ’ዚ እዩ፡ ንገጸ ባህሪያት፡ ጠባያቶም ብዝግባእ ብምጉላሕን፡ ላህጀኦም ብዕምቆት ብምልላይን ብምልኣት ከተንቀሳቕሶም ምፍታኑ፡ ነታ መጽሓፍ ሓንቲ ካብተን ልሉያት መጽሓፍቲ ክገብራ ኪኢሉ ኢዩ።
ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ዕንወት ስነ ጽሑፍ ደራሲ፡ ኣብ ፈጠራዊ ስርሓቱ ዘለዉ ገጸ ባህሪ ከለልዮምን ክመልኮምን ዘይምኽኣል እዩ። ንኣብነት ኣብ ድራማታት ወይ ኮሜዲ፡ ‘ባህላዊ ዕዮ’ ተባሂሎም ዝስርሑ፡ ካብ ላህጅኦም ክሳብ ዝተላበስዎ ገጸ ባህርይ ዝተጀለሐን ዝተጀላልዐን ኢዩ። እቲ ላሃጃ መበቆል ኣልቦን ሩሕ! ዘይብሉን ኢዩ። ንኽትሪኦ ይዅን ክትዕዘቦ ዓቕሊ ዘየውህብ ዕዮ ድማ ይዀነካ። ኣብ መጽሓፍ ተረፍ ግን፡ ዕድን እንክትገብር፡ እዚ ናይ ላህጃ ይኹን ናይ ዘይ ምምላኽ ጠባያት፡ ኣይተርኣያን። እዚ ከኣ፡ ደራሲ በቲ ዝመልኮ ላሕጃን ቍንቚኛን፡ ንፈጠራዊ ስርሓቱ ከንጸባርቖ ስለ ዝፈተነ፡ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ናታ ጦብላሕታን ስእለ ኣእምሮ ገዲፋ ትሓልፍ። ካብ ግዜ ህጻምነት ክሳብ ትርጕም ህይወት ንዘሎ ናብራን ኣነባብራን ከይተረፈ እናዳህሰሰት ድማ ተራኢ። ኣብዛ መጽሓፍ ዝበዝሑ ቦታ ምከና ዛንታ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝተፈጥሩን ዝተዓዩን ኢዮም። እዚ ከኣ ምናልባት ደራሲ ኣብቲ ግዜ ናይ ውትህድርና ዝነበረሉ ከባቢ ምስቲ ህሉው ኵነታት ዝነበረሉ ቦታታት ምስ ኵሉ ትዝታታቱ ዝተኣሳሰር ዀይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ።
20161026_032607
ኣብዚ ስለምንታይ…: ግድን ድዩ፥ ካብ ሓደ ከባቢ ወይ ካብ ሓደ ቦታ ከበግሶም? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን እዩ። እዚ ናይ ደራሲ ምርጫ እዩ። እቲ ዘገድስ ግን ነጸብራቕ ሕብረተ ሰቡ ኣብዛ መጽሓፍ ብዝግባእ ተኻቲቱ ኣሎ ድዩ? ኣበየናይ ኵርናዕ ሓረግ ናይ ወለዶታት ዘተኰረ እዩ? ንብምልኡ ሕብረተሰብ ሃገሩ ዘካተተ ድዩ ኸ? ብኣድማሳውነት ክትጥመት እትኽእል መጽሓፍ ድያ? ዝብሉ ሕቶታት ክትምልሶም እንተኺኢላ እታ መጽሓፍ ዕውትቲ ከብላ ዘኽእል እዩ።
“ተረፍ” ካብ ግዜ ቚልዕነት ክሳብ ግዜ ንእስነት ዘሎ፡ ብስፍሓት ብምብርባር, ከምኡ እውን ንትርጕም ህይወት ብጥበባዊ እለሻ ጽሓፊ እተርእየና መጽሓፍ ኢያ። ጥምር ኣቢልካ ክትርአ እንከላ ከኣ ካብ ግዜ ቊልዕነቱ፡ ግዜ ትምህርቱ፡ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግለቱ፡ ግዜ ክተትን ግዜ ኲናትን ድሕሪ ኲናት ዘሎ ኵነታትን ከምኡ እውን ኣብ ንቡር ህይወት እንከሎ ምድህረ ታሪኽ ህይወት ብጹቱ ተረፍ ኵናትን ዝወሰዶም ኵናትን እውን ክድህስስ ፈቲኑ ኣሎ። ከምኡ እውን ብቸኮቭያን ሞድ ዝፍለጥ ምስ ውሽጣዊ ስምዒትካን መንፈስካን ዝዝንቶ ቅዲ ጥበብ ኣብ መወድኣታ ኣንቢሩ ይርከብ። እዚ መሪሕ ጠባይ ካብ ሓደ ኵርናዕ ዝብገስ ይዅን ደኣ እምበር፡ ኣብ ዝተፈጥሮ ቦታ ምከና ግን፡ ምስ ተመኵሮ ህይወቱ እና ኣወሃህደ ብምኻድ፡ ንቃንዛ ሕብረተ ሰቡ፡ ንኣንፈት መጻኢ መዘናታቱ፡ ካብቲ ታሕተዋይ ደረጃ ወተሃደር (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ክሳብ እቲ ምሁር ኣካል ዝብሃል ሕብረተ ሰብ ብዝግባእ ኣብዛ መጽሓፍ ተኻቲቱ ይርከብ።
ንኣብነት ዛንታ “ተረፍ” ነታ ተረፍ ኩናት ውጻእ መዓት ዝኮነት ጐርዞ፡ ዝኣክል ምስሊ ብምሃብ፡ ምስሊ እቲ ኸባቢ ድማ፡ ብዝግባእ ብምንጽብራቕ፡ ኵናት ዝገደፎ በሰላ እና ኣርአየ፡ ድሕረ ባይታ ናቱ ድማ የሪአና። ነዲኡ ኪሎ ቡን ኢሉዋ ከም ዘይፈልጥ፡ እንታይ መሲሉን እንታይ ሒዙን ነዲኡ ንኽሪኣ ከም ዘጸግሞ ኣብ ፈለማ እቲ ዛንታ የተንብሃልና ኢዩ። ደራሲ ንቐንዲ ጠባይ ድሕረባይታኡ ብምምጻእ፡ ስድራቤታት ኤርትራ እንታይ ይመስላ፡ እቲ ኣብ ኣጐልግሎት ኣበየናይ ደረጃ ጸቕጢ ሓሳብ ከም ዘሎ እውን እኹል ሓበሬታ ብምንጻፍ፡ ናብቲ ዛንታ የምርሕ። ክንደይ ስድራታት ሕብረተ ሰቡ፡ ልክዕ ከም ኣደኡ ዘጋጠመን ዕጫ ኣለዋ? ከምታ ጐርዞ ተረፍ ኵናት ከ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሰማን ዝተዓንዳን ይህልዋ? ኢልካ ምስትንታን ይከኣል ኢዩ።
ካልእ ዛንታ ምብራቕ፡ ዛንታ ምብራቕ ዝያዳ ኣትኵሮ ሂቡ ዝሰርሓሉ ዝመስል ደራሲ፡ ነታ ምብራቕ ትብሃል ጐርዞ፡ ካብ ስደት ናብ ዓዳ ብምእታው፡ ነቲ ናፍቖት ናይ ምስዳድ ዘለዎ መንእሰይ ክትገትኦ ምፍታን ኢዩ። ኣብዚ ጻልጣ ዛንታ ዝመስለ፡ ተዛማድነት ናይ ስማን ካልእን ብምምጻእ ዝገብርዎ ክትዕ፡ ኣብ ኵሉ ክትብድሆ’ያ ትርአ። ነቲ ምሁር ዝበሃል ከኣ፡ ንኽወርስ ትደፋፍኦ። ኣይንስታይን ዝባሃል ኣብ ማእኸል ጫካታት ዝርከብ ስሕት ኢሉ ዝመጽኣ፡ ጾር ከም ዘለዎን ከውርስ ከም ዝብህግን፡ ንዕኡ ዘድልይዎ ሰባት ድማ ከምኡ ምሁራት ሰባት ምኳኖምን እናነገረቶ ትርአ፡ ንወጅሂ ገጹን ዘረባኡን ርእያ ግን፡ ምኳን ንስኻ ትሰርሕ ኣይትመስልን ኢኻ ኢላ ድማ ተስፋ ከምዘይ ብሉ  በዓላ መደምደምታ ትህበሉ።  በዚ ድማ እዛ ዛንታ፡ ነቲ ዘሎ ምስሊ መንእሰይ ብመንእሰይ እናተመከተ ተራኢ። ኣብታ ንእሽቶይ ዓዲ ሰንከት ክናብ ሕብረ ብዙሓን ሕብረተ ሰብ ከም ዝርከብዋ እውን ኣሪኡና እዩ። ስተል ከም ባህላዊት ሕክምና፡ ዓብዱ ከም ዶክተር ኮይኑ፡ ነቲ ባህላዊ ሕክምና ዝመራመር፡ ኣይኒስታይን ኣብቲ ርሑቕ በረኻታት ከም ዝርከብ። ምብራቕ ድማ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ እናቐረበት እትመጽእ ጐርዞ ኢያ። እንዳ ከቢድ ብረት ኢላ ዝነገረቶ እውን፡ እቲ ካልእ ስእሊን ምስልን ዘርኢ ኢዩ። ዛንታ ምብራቕ ድልዱል መበቆላውነት ዝሓለወት፡ ትንፋስ ዘለዎም ጠባያትን ኢና ንዕዘብ።
ዝፈለሰ ፍቕሪ እውን፡ ራህዋ ድሕሪ መስዋእቲ ዓርካ መርዓ ይዅን ዕርክነት ከም ዝኣበየት ብኸፊል እተርእየና ዛንታ እያ። በሰላ ኵናት ዝፈጠሮ፡ ‘ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ኾን ይዀና፡ መኒነን ጸሓየን ዘዕረባ ይህልዋ?’ ብምባል ናብ መሪር ሓሳብ እተጥሕል ዛንታ ኢያ።
ስለዚ፡ ደራሲ ብዝመልኰ ላህጃን ገጸ ባህርን ደኣ እምበር ብዙሑነት ጠባይ ዘይተላበሰት መጽሓፍ ክትበሃል ኣይትካእልን። ልክዕ’ዩ እቲ ጠባይ ድሕረ ባይታኡ፡ ኣብ ኵለን ዛንታታት ሓደ እዩ። ይዅን እምበር፡ ሕብራዊ ዛንታታት ከም ዝንጻባረቕ ግን ጌሩ ኢዩ።
ገለ ካብዘን ከም ኣብነት ዝጠቐስክወን ዛንታታት፡ ኣብ ትሕቲ “ተረፍ፥ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ” ብዝብል ኣርእስቲ ክድህስሰን ክፍትን እየ። ሰሰናዩ
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቃለ-መጠየቕ፣ ገጣሚ ኣቤል ጒዕሽ ምስ ዛራ ገጠምቲ
Next Article ቃለ-መጠየቕ ገጣሚት ወሓዚት ኣብርሃም ምስ ዛራ ገጠምቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?