Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መልእኽቲ ናፍቖት ካብ ኣስመራን ከረንን

መልእኽቲ ናፍቖት ካብ ኣስመራን ከረንን

0
By Mekonnen T. on August 18, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ግርማይ የውሃንስ
መርሓባ ክቡር ሓውና ሙሌ፣
ኣብ ዘለኻዮ ሰላም። ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ጉድጓድ ሰላም ከምዘየለ ዝሕባእ የብሉን። እንተኾነ ግን ”ኣብ ዘለኻዮ ሰላም” ማለተይ ”ኣብ ገነት ስፈር፣ ኣምላኽ ይቀበልካ፣ ኣብ ጎኑ የምብርካ. . .” ዝብሉ ኣብቲ ትኸዶ ላዕላይ ሰማይ ጸጽቡቑ ክትረክብ ዝሃርፍ ምንዮት ከም ዝኾነ ከም ትሑዝ ንውሰዶ። ኣብ’ዛ ጨናዊትን ግዝያዊትን ዓለም ከም ሰብ ግዝያዊ ኮይንካ ከም ሰብ ድማ ሓሊፍካ። እንተኾነ ግን ዘይሓልፍ፣ ተዘካርን ነባርን መዘከርታ ገዲፍካለን ነስመራን ከረንን። ዘይሰርሐን ዘየፍረየን ካኣ ‘ምበር ከምዚ ከማኻስ መይቱ ኣይባሃልን። ህሉው ስራሕ ሰሪሕካ ኩሉ ግዜ ከምትላዓል ክገብረካ’ዩ። ከም ዘይመትካ ድማ ክነግረና’ዩ ሙሌ ነብሲ። እንተኾነ ግን እተን’ኳ ታተ ዘበለኻ፣ ዘዕኮኻኻን ዘጎበዛኻን ከተማታት ኣስመራን ከረንን ዑፍ መስቀል ተቐየርካየን። ብልጭ ኢልካ ጠፊእካየን። ካላኣይ ግዜ ተመሊስካ ሓደርክንን ማዓልክንን ዘይበልካየን ከተማታት ኣስመራን ከረንን ተሻቒለናልካ’የን። መኣትዎኻ ምርዳእ ኣብዩወን ናፍቖተን ክገልጻ ከሪመን ሓግየነኦ። ብሃዋ ሃዋ ዝመልስ ድምጽኻ
መበቆል ፍረታት ኣደ ሽሻይ
ኣባኺ ዝርከብ ዓርኮብኮባይ
ዝበልካላ ከረን፣ እታ ብመልካዓን ሰላማን ዘሕቆንቆንካላ ከረን፣ እታ ናይ ኩሉ ግዜ ሰላም፣ እታ ነባሪ ሰላምታ ዘሕልፍን ዝገልጽን ዜማኻን ፍረነገሩን ዝወቐርካላ ከረን፣ እታ መግለጺ ኣድናቖት ዝኸውን ቃላት ዝሳኣንካላ ከረን፣ መግለጺ ናፍቖት ዝኸውን ቃላት ሲኢናትልካ ከሪማ ሙሌ። ሽታ ማይ ኮይንካያ ሙሌ።
እታ ሞሊቓ ዝወጸት ደርፍኻ. . . . .
ኣስመራ ሓብሓቢት ኩሉ ሓላል ዓድና
ኣላይት ስድራና።
ካብ ማዕዶ ናብ ማዕዶ ለምለም ሜዳ ዓባይ ኣጉዶ
ኣስመራይ ክብል ዶ?. . . . . . . . . .
ዓባይ ኣባ ሻውል ናይ ምዕባለኺ ስፍራ
ኣብኡ ተጀመረ ምዉቕ ማሕበራዊ ናብራ. . . . . . ።
ዝበልካዮ ‘ውን ንሻውል ኣማእኪላ ኣስመራ ናፍቖታን ምስጋንኣን ገሊጻትልካ’ያ።
እታ ኪንዮ ናታ ጽባቐ ዘሎ ናይ ደቃ ጽባቐ ከተድንቕ ብመረዋሕ ድምጽኻ ዝቓነኻላ ኣስመራ፣ እታ ብኩሉ እንትነአን ሂወት ዝዘርኣ ሂወታውያን ደቃ ”ሂወት ጓል ኣስመራ” ዝበልካለን ደቃ ከክንደአን ኮይና ሰላም ክትብለካ፣ ከተመስግነካን ክትናፍቐካንስ ሓዲራ ውዒላ። ሓግያን ከሪማን ከማን። ዳሃይካ ጠፊኡዋስ ተሻቒላ ከማን።
መልክዕ ምስ ቁም ነገር ኣምላኽ ዝዓደላ
ፍጹም ዘይትምኖ ማዓር ጸባ ፍቕራ
ጥሪ ዝሃበኒ ሂወት ጓል ኣስመራ
ሂወት ጓል ኣስመራ. . . . . . ! እናበልካ ደቃ ዘድነቕካላ ኣስመራ ብዙሕ ሰላም ኢላትካ።
ሂወታውያን ደቃ፣ እተን ዘዜምካለን፣ እተን’ኳ ናይ ሹዑ ባዓል ሂወት ድማ ተሓጒሰናልካ። ደጊምካ ሂወት ክትብለለን፣ ደጊመን ክሰምዓኻ ተጸብየን። ዋላ’ውን ሽም ቀይርካ ክትመጸን ከይተረፈ ተሃንጥየን። መረዋሕ ድምጽኻ ክሰምዓ ተጸብየን። ኣስመራ፣ ከረንን ባዓል ሂወትን ኣጣይቐናልካ። ዳሃይካ ግን ኣይረኸባን። እዘን ናይ ሎሚ ‘ኳ ወሪዱወን ኣየናይ ኢለነኦ ሙሌ ነብሲ ጨርባሕባሕ ጥራይ’ዩ ለሚዱ ርእሰን። ካብ ብኩሉ እንትነኡ ምስትምቓር ድማ ፌስቡክ ከፊተን ”ላይክ፣ ናይስ ፒክ” ክብላ’ዩ ዝቐለንን ዝብረሀንን። ኣብ ኩሉ የለዋን ሙሌ ነብሲ።
ባዓል ሂወት ቀደም ምስ ሂወተን፣ ኣስመራን ከረንን ግን ኣብ ዝኽረን ኣለኻ ሙሌ ነብሲ። ቅድሚ ዕረፍትኻ ዝገበርካዮ ክብረትካን ክብረት ሰብን ዝሕሉ ጽፉፍ ዕላልካ ምስ ሰምዓ ተሓጒሰናሉ’የን። ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ነዊሕ ምጥፋእ መርድእካ ምስ ሰምዓ ግን ናፍቖተን ቢኢሱስ ሓዘነን ገሊጸናልካ ኣለዋ ሙሌ ነብሲ። ዘዜምካለን ዜማታት ኣብ ከብሕታት ዝኽረን ኣቐሚጠን ድማ ”ኣብ ዘለኻዮ ሰላም” ይብላኻ ኣለዋ።

http://www.zaratbebat.com/wp-content/uploads/2016/08/Best-Love-Music-By-Mulugeta-Beyene-Zeymifkar-yihayish-ዘይምፍቃር-ይሓይሽ-.mp4
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleረኽሲ – ወግዒ-ልቢ ዘቝሰለቶ ልቢ
Next Article ጻውዒት ንዕርቂ ዓርሞሽሽ !
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?