Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጂብራን ኸሊል ጂብራን جبران خليل جبران Khalil Gibran

ጂብራን ኸሊል ጂብራን جبران خليل جبران Khalil Gibran

0
By Mekonnen T. on August 15, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጻሓፊ ኣማኒኤል በርሀ

ንመበል 19ን 20ን ክፍለ ዘመን ብዓወት ዝዓንደረለን ጂብራን ኸሊል፡ በታ “the prophet” እትብል መጽሓፉ እዩ ዝያዳ ዝዝከር። እዛ መጽሓፍ፡ ንባዕሉ’ውን፡ “እቲ ነቢ” ዝብል ሳጓ ስለ ዘጥበቐትሉ ደኣ’ምበር፡ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሽርጣጦኡ ኣሰር ዝገደፈ’ዩ። ኣብ ሊባኖስ ተወሊዱ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየን ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ኣብ ፓሪስን በይሩትን ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጥበብ ዝተማህረን ጂብራን፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ብማዕረ’ዩ ዘንጎድጉዶ ኔሩ።
ጂብራን ኸሊል ጂብራን፡ ብ1883 ዓ.ም እዩ ኣብ ጎቦታት ሊባኖስ ተወሊዱ። ኣደኡ Kamila Rahmeh ካብ ሳልሳይ በዓል ቤታ እያ ንጂብራን ወሊዳቶ። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲማ ዝወለደቶ ብሽዱሽተ ዓመት ዝዓብዮ ወዳ ከኣ፡ ድሕሪ ጂብራን’ውን ክልተ ኣዋልድ ወለደት። ኣቦኡ ኸሊል ጂብራን፡ ብዛዕባ እታ ስድራ ፋዕራ ዘይነበሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጂብራን ወዲ 8 ዓመት ምስ ኮነ’ውን ኩሉ ንብረቱ ስለ ዝተሓረጀ፡ እታ ስድራ ኣብ ሕሱም ድኽነት’ያ ኣትያ። ከይደንጎየት ድማ ናብ ከተማ ቦስተን ተሰዲዳ ናብርኣ ክትመርሕ ጀመረት።
ብሰንኪ ድኽነት ስሩዕ ትምህርቲ ክረክብ ዘይክኣለ ጂብራን፡ ብዘይካ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ኣይክኣለን። ደሓር ግን፡ ትኩር ብምንባሩ ኣቓልቦ’ቲ መምህሩ ሰሓበ’ሞ፡ ምስ ፊደላት ክላለ ከኣለ። ጸኒሑ ድማ ናብ ኒዮርክ ብምግዓዝ፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ’ቲ ስደተኛታት ጥራይ ዝምሃሩሉ ዝነበሩ ብዙሕ ኣተኩሮ ዘይወሃቦ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ጀመረ። ስሙ ብጌጋ ብምምዝጋቡ ከኣ፡ ጂብራን እትብል ስሙ ተረሲዓ፡ መዋእሉ “ኸሊል ጂብራን” እናተባህለ ብስም ኣቦኡ ይጽዋዕ ነበረ – ጂብራን ኸሊል ጂብራን። ኣደኡ ከኣ ኣብ’ቲ ጠፋሽ ጎደናታት ቦስተን ቤላ ሮባ ትሸይጥ ነበረት።
ጂብራን፡ ብዝስእሎም ስእልታትን ሕንጻጻትን ወትሩ ንመምሃራኑ ይምስጥ ነበረ። ነቲ ብቈልዓኡ ከሎ ዝጀመሮ ተውህቦ ድማ፡ ዝያዳ ክሰርሓሉ ጀመረ። ናብ’ቲ ዳሕራይ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበሉ ዓውዲ ስነ ጽሑፍ ምእታዉ’ምበኣር፡ ብቅብኣታቱ እዩ ዝፍለጥ ዝነበረ። ገና ወዲ 20 ዓመት ምስ መልአ ከኣ፡ ኣብ ቦስተን ናይ ቅብኣ ኤግዚቢሽን ኣቕረበ’ሞ ብዙሕ ኣድናቖት ረኸበ – ብ1904 ዓ.ም። ብድሕሪ’ዚ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ፓሪስ ብዓውዲ ቅብኣ ድሕሪ ምስልጣኑ፡ ኣብ 1912 ዓ.ም ናብ ኒዮርክ ተመሊሱ ኩሉ ህይወቱ ንቕብኣን ስነ ጽሑፍን ወፈዮ።
ክሳብ 1918፡ ጂብራን ብቋንቋ ዓረብ እዩ ዝጽሕፍ ኔሩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ዳምዓ ወ እብቲሳማ፡ (smile and tear)፡ኣል ኣርዋሕ ኣል ሙታመሪዳ፡ ኣል ኣጅኒሓ ኣል ሙታከሲር (the broken wings) ዝብላ ዓበይቲ መጽሓፍቲ ኣሕቲሙ’ዩ። ድሕሪ 1918 ዓ.ም ግን፡ ዝበዝሑ ጽሑፋቱ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እዮም ኔሮም። እታ ብ1923 ዓ.ም ዘሕተማ “the prophet” እትብል መጽሓፉ ድማ፡ ብልዕሊ 20 ቋንቋታት ተተርጒማ ጥርዚ ዝና ኣብጽሓቶ። ብፍልስፍናዊ ጽሑፋቱ፡ ብርቂ ልብ ወለዳቱ፡ ምስጢራውያን ዝስመዩ ግጥምታቱም ቅብኣታቱን ዝልለ ጂብራን ከሊል ጂብራን፡ ኣብ ዓለም ብብዝሒ እተሸጡ ቅድሓት መጽሓፍቱ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።
ድሕሪ’ዛ ንስሙ ጥርዚ ዝሰቐለት መጽሓፉ፡ SAND AND FOAM, JESUS, THE SON OF MAN, THE EARTH GODS, 1931 ዝብላ መጽሓፍቲ ከሐትም ከሎ፡ ካልኦት ሓሙሽተ መጽሓፍቱ ድማ ብ1931 ዓ.ም ኣብ ኒዮርክ ድሕሪ ምዕራፉ ዝተሓትማ እየን።
ጂብራን ኣዝዩ እዩ ተፈጥሮ ዘድንቕ ዝነበረ። ብፍላይ ቅርጺ መሬትን ሽውሽውታ ንፋሳትን ኣዝዩ ይምስጦ ነበረ። ወዶ 10 ዓመት እንከሎ፡ ምስ ቅርጺ መሬት ከዋግዕ ንበረኻታት ኒዮርክ እናተዛወረ፡ ብሓደ ጸድፊ ብምንክርራዉን ከቢድ ሃስያ ስለ ዝወረዶን፡ ኣካላቱ ድኹም እዩ ዝነበረ።
ምስ ኣግራብ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ጂብራን ኸሊል፡ ““ኣግራብ፡ መሬት ኣብ ልዕሊኣ ዝጽሓፈቶም ግጥምታት’ዮም። ንሕና ድማ ቈቈሪጽና ናብ ወረቐት እናቐየርና፡ ባዶነትና ንጽሕፈሎም” ይብል ነበረ። ኣብ ዝበዝሑ ግጥምታቱ ድማ ንጸሓይን ንፋስን ይጠቕሶም ነበረ። ምስ ሰባት ልዑል ፍቕሪ ከምዝነበሮን ምግርጫው ዝፍንፍንን ዝነበረ ጂብራን፡ ኣብ ብዙሓት ግጥምታቱ ንፍቕሪ ይጽውዕ ነበረ። “ምስጢራትካ ንንፋስ እንተገሊጽካሉ፡ ንሱ ከኣ ንገረብ እንተነገረልካ፡ ኣይትቀየመሉ” እትብል ጥቕሱ ከኣ፡ ባዕልና ብዝፈጠርናዮም ሽግራት ንኻልኦት ክንወቅስ ከምዘይብልና ትምዕድ።
ብፍልስፍናዊ ጥቕስታቱ እውን ዝልለ ጂብራን ኸሊል፡ ዝበዝሑ ጥቕስታቱ ካብ ግጥምታቱ እተቘንጨሉ እዮም። ንሰባት ፍቕሩ ክገልጸሎም ድማ ይብርሆ ነበረ። “ሓደ መዓልቲ ህይወተይዶ ይበልጽ ህይወትኩም ክትሓቱኒ ኢኹም። ህይወተይ ከምዝበልጽ ክነግረኩም እየ። ንስኻትኩም ግን፡ ህይወተይ ምዃንኩም ስለዘይትፈልጡ ክትቅየሙለይ ኢኹም።” ብምባል ከኣ፡ ንካላኦት’ውን ማዕረ ህይወቱ ከምዘፍቅሮም ደጋጊሙ ይገልጽ ነበረ። ናይ’ዚ ኣብ ሰባት ዘለዎ ክብርን ፍቕርን ድማ፡ እቲ ኣብ ቁልዕነቱ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝምህሮ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ይንገረሉ።
እዚ እጹብ ድንቂ ስርሓት ዘቕረበ ጥበበኛ፡ ሰባት ንሓድነትን ፍቕርን ብጌጋ ከይርድእወን እዩ ዝምሕጸን። ሰባት ብፍቕሪ ዓቢዶም፡ ልቦም ንኻልኦት ኣረኪቦም፡ ብዘይ ልቢ ከይተርፉ ይምዕድ። እዚ ማለቱ ከኣ፡ ብሓደ ወገን ጥራይ ክንክን ዝግበረሉ ፍቕሪ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ከምዘይክእል ንምዝኽኻር እዩ። ፍቕሪ ብህያባት ክግለጽ ከምዘይግባእ እውን ጸቂጡ ይዛረበሉ ነበረ። “እቲ ዘለና ንዋት እንተሃብና፡ ከመይ ኣቢሉ ህያብ ፍቕሪ ይኸውን። እቲ ሓቀኛ ንፍቕሪ ዝገልጽ ህያብ፡ ኩለንትናኻ ክትህብ ምኽኣል እዩ።” ድማ ይብል። “ሓድነት፡ ሓደ ምዃን ማለት እዩ። ሓደ ኣብ ምዃን ግን፡ ንመንነት ናይ’ቲ ካልእ እናቐተልካ ኣይኮነን” ብምባል ከኣ፡ ሓደ ኣብ ምዃን፡ ኩልኻ ክትህሉ ኣለካ ይብል። ኣብ ሓድነት፡ ዓብላልነት ወይ ወጽዓ ናይ ሓደ ወገን ከይፍጠር ድማ ይጽዕር። ነዚ ንምግላጽ ካብ ዝጽሓፈን ግጥምታት ሓንቲ፡ እዛ እትስዕብ ኣያ።
“ኣብ ሞንጎ ሓደነትኩም፡ ስፍራ ይሃሉ
ነቲ ሞንጎኹም ንፋሳት ገነት ይሳዕስዑሉ
ተፋቐሩ፡ ብዘይ ውዕል ፍቕሪ
ኣብ ደንደስ መንፈስኩም ከምዝዘልል ባሕሪ፣
ምልእዎ’ሞ ብርጭቆ ክልቴኹም
ተኻፈዩ ግን ክትሰትዩ ከለኹም
ሓቢርኩም ሳዕስዑ ብሓባር ተሓጎሱ
ግን ከኣ ነነፍስኹም ኩኑ፡
ኣውታራት መሰንቆ’ውን ነዛ ሓንቲ ቅኒት
በበይነን’የን ዝኾና ኣብ’ቲ ስጡም ህርመት።” ብምባል፡ ጸጽባቐና ዓቂብና ክንሰምር ከምዝግባእ እናዘኻኸረ፡ እቲ ሓደ ኣውታር ነቲ ካልእ ክዕብልሎ ከምዘይግባእ ይገልጽ።
ጂብራን ኸሊል ጂብራን፡ ብዛዕባ ጽባቐ’ውን ብዙሕ እዩ ጽሒፉ። “ጽባቐ ነብሳ ኣብ መስትያት ቀው ኢላ እትርኢ ዘልኣለማዊት ሓቂ እያ። እቲ ሓቅን መስትያትን ድማ ንስኻትኩም ኢኹም” ዝብል ትሕዝቶ ኣብ ዘለዋ ግጥሙ፣ ንዓለምለኻዊ ፍቕርን ምጽውዋርን ጸቒጡ ይገልጾ። ጽባቐ ኣብ ልቢ ዘሎ ብርሃን ምዃኑ ዝኣምን ጂብራን፡ ናይ ከተማ ቦስተን ጋለሪታት፡ ኦፔራታትን ትያትራትን ጽልዋ ከም ዘሕደራሉ እዩ ዝምስክር።
እዚ ብርቂ ገጣማይ፡ ቀባኣይን ደራሲ ልብ ወለድን ዋላ’ቶም ዝጎድኡና ዝመስሉና ሰባት’ውን ከምዝጠቕሙና ወይ ከምዘድልዩና እዩ ዝዛረብ። “ካብ’ቶም ለፍለፍቲ ስቕታ ተማሂረ፣ ልግሲ ድማ ካብ’ቶም ቁጥምታት፣ ካብ’ቶም መጭበርበርቲ ከኣ ዓቕሊ ቀሲመ። እቲ ዝገርም ግን፡ ኣመስጊነዮም ዘይፈልጥ ምዃነይ እዩ” ብምባል፡ ነፍሱ ዝነቅፍ ዘሎ ኣምሲሉ፡ ልቦናዊ ነግሕታት ኣንጎድጒዱዎ እዩ።
ኸሊል ጂብራን፡ ዋላ’ኳ በቶም ምስጢራውያን ግጥምታቱ እንተኾነ ዝያዳ ዝልለ፡ ቅብኣታቱ’ውን ኣዝዮም መለኮታውያን ምንባሮም እዩ ዝምስከረሎም። ልዕሊ 440 ኦሪጂናል ቅብኣታቱ ድማ ተዓቂቦም ምህላዎም ይርከቡ። ገለ ሃየስቲ ድማ፡ “ገዛእ ግጥምታቱ እዮም ንቕብኣታቱ ከም’ቲ ኣድለ ቈላሕታ ንኸይረኽቡ ጸቒጦሞም’ምበር፣ ኣብ ቅብኣ’ውን ሕሉፍ ምልከትን ፍልስፍናዊ ምስጢራትን ዘለዎ ኣርቲስት እዩ” ብምባል ይምስክሩሉ። እቲ ቀንዲ ብቕብኣ ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይፍለጥ ዝገበሮ ግን፡ እቶም ልዕሊ 700 ዝኾኑ ቅብኣታቱ ድሕሪ ሞቱ ናብ ሊባኖስ ተመሊሶም፡ ኣብኡ ተዓጽዮም ምትራፎም ምዃኑ ይገልጹ። እምበር ብፍላይ ንቃንዛታትን ቅርጺ መሬትን ብዝግባእ ከምዘዕልሎም እዩ ዝምስከረሉ – ጂብራን ኸሊል ጂብራን!

14034700_10210149490684541_4741562728932812309_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleርቀትካ ዕጣን!
Next Article ረኽሲ – ወግዒ-ልቢ ዘቝሰለቶ ልቢ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?