Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ምግንዛብ ደው ኣብ ዝብለሉ እምነት ይጅምር”

“ምግንዛብ ደው ኣብ ዝብለሉ እምነት ይጅምር”

0
By Mekonnen T. on August 11, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረህይወት

ካብ መጽሓፍ “ጥበብ ፪ ከጲላጦስ” ብ ኃይለጊዮርጊስ ማሞ
ገጽ 1-5 ዝተተርጐመ

ንጉስ ፈረንሳ ዝነበረ ናፖልዮን ቦናፓርት፡ ሓደ ግዜ ምስ ፍላስፋታት ተቐሚጡ ኣብ ዘዋግዓሉ ዝነበረ፡ “ጥዑይ ፈላስፋ ሕማቕ ዜጋ የፍሪ” ምስ በሎም፡ ሓደ ካብቶም ፈላስፋታት ተሲኡ፡ “ክቡር ንጉስ! እተዛረብካዮ ልክዕ እዩ፡ ይዅን እምበር፡ ሕማቕ ዜጋ ውን ጥዑይ ፈልሳፋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።” በሎ።

ገለ ገለ ፍልስፍና ኣብ ዘመንና እምብዛ ተፈታዊ ኰይኑ ዘይምርካቡ ጥራይ ዘይኰነ ተጸላኢ እዩ ይብሉ። ሶቅራጦስ ህይወቱ ዝኸፈለላ፡ ፕላቶ ውን ንፍልስፍና ካብ ዝኸስር ሞት እመርጽ ብምባል ክልተ ግዜ ንመስዋእቲ ዝተዳለውላ፡ ጳጳሳት ንኽንደይ ሰዓብታ ዝኣሰሩላ፡ ዘሳቐዩላ … እዛ “ፍልስፍና” “ንምዃኑ እንታይ ኣብ እተልዕለሉ’ዩ እዚ ዅሉ ጣጣ ዘጋጥማ?” ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ’ዩ።

ሰዓብታ፡ ናይ ፍልስፍና ዓብይን ናይ መጀመርታን ሕቶኣ “ሓቂ” ስለ ዝዀነ እዩ ይብሉ። “ሓቂ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ፡ ፍልስፍና እትጽልኣሉ መሰረት እዩ። “ብርግጽ እንርእዮ ነገር እንርእዮ፡ እንሰምዖ ነገር እንሰምዖ፡ እንሽትቶ ነገር እንሽትቶ፡ እንድህስሶ ነገር ውን እቲ ዝዳህሰስናዮ ወዘተ …. ሓቂ ስለ ዝዀነ ድዩ? ወይ ውን ሓቂ እዩ ኢልና ስለ እንሓስብ?” ብምባል ፈላስፋታት ይሓቱ።

ኣብዚ ዓለም፡ “ንገለ ገለ ሰብ እቲ እምነቱ እዩ ሓቁ” ይብለና። እንተዀነ፡ “እምነትካ ሓቂ እዩ” ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ዓለም ውሽጢ፡ ፈላስፋታት ድማ፡ “ርትዒ ከተቕርበሉ ዘይትኽእል እምነት ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን።” ይብሉ።

ዓቢ ፈላስፋ ፍረደሪክ ኒቼ ክዛረብ እንከሎ፡ “ናይቲ እትኣምኖ ህልውና ዘረጋግጽ ርትዒ ከተቕርብ ክሳዕ ዘይከኣልካ እምነትካ ሓሶት እዩ፡ ኣቦይ ናባይ ዘሰጋገሮ እምነት ኣቦሓጎይ ዝነገሮ እዩ። ንኣቦሓጎይ ውን ቅድሚኡ ዝነበረ ብኸምዚ መልክዕ ዘተሓሓዞ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣነ ዝነብሮ ዘለኹ እምነት ካልኦት ኣቐዲሞም ዝነብሩዎ ዝነበሩ እምበር ኣነ ብርትዒ ኣረጋጊጸ ዝረኸብኩዎ ኣይኰነን ማለት እዩ። ስለዚ እምነት ናይ ሓሶት እዩ።” ይብል። ካልኦት ፈላስፋታት ውን ኣብዚ ይሰማምዑ።

በዚ መሰረት ናብ “ሓቂ” ዝብል ሕቶ ምስ እንምለስ፡ ኒቼ ክለዓል ዝግብኦ ናይ መጀመርታ ፈላስፋ ይኸውን። ከም እምነት ኒቼ “ሓቂ ብግቡእ ዝተላዕለትሉን ዝተሓተተላን ብሓደ ሰብን ኣብ ሓደ ቦታን ጥራይ እያ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ብጲላጦስ እዩ።” ይብል። ኣናትሊ ፍራንስ ውን ኣብዚ ኣበሃህላ እዚ “እሰማማዕ ጥራይ ዘይኰነ እኣምን” ይብል።

“ጲላጦስ፣ እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ? በሎ። ኢየሱስ ድማ፣ ንጉስ ምዃነይ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ክምስክር እየ ዝተወለድኩ። ምእንቲ እዚ ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ወገን ሓቂ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ በሎ። ጲላጦስ ከኣ፥ ሓቂኸ እንታይ እዩ? በሎ።”
ዮሓ፡ 18፡37
እምበኣር እዛ ጲላጦስ ብሕቶ ዝጀመራ “ሓቂ” ንምምላስ ንመጀመርታ ዝፈተኑ ግን ብግቡእ ከም ዘይመለሱ ዝንቀፉ ሶፊስተኛታት [Sophists] እዮም።

“ብዛዕባ ሓቂ ንምፍላጥ ካብ ፍልጠት ምብጋስ” እዮም ዝብሉ። (ነዚ ኣበሃህላ እዚ ካልኦት ፈላስፋታት ንእዝኒ ዘሰበበ ጫውጫውታ እዩ ይብሉዎ)። “ሓቂ ካብ ስምዒት እዩ ዝመጽእ፡ ስለዚ ድማ ናይ ሓቂ ሕቶ (ብኻልእ ኣበሃህላ ንናይ ጲላጦስ ሕቶ መልሲ) ስምዒትካ እዩ” ይብሉ። ስለዚ፡ ሓቂ ማለት፡ እተስተማቕሮ፡ እትሽትቶ፡ እትድህስሶ፡ እትሰምዖን እትርእዮን ነገር እዩ።” ማለት እዩ። በዚ መልሲ እዚ ከም ዘይሰማማዕ ዝገለጸ ናይ መጀመርታ ሰብ ድማ ፕላቶ ነበረ።

“ሓቂ ማለት ሶፊስተኛታት ከም ዝብሉዎ ስምዒት እንተ ዀይኑ ሓቂ የለን ማለት እዩ።” ድማ ይብል። “ስለምንታይ?” ኣብ ዝተባህለሉ፡ “ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ዝሽትቶ፡ ዝድህስሶ፡ ዘስተማቕሮ ወዘተ ብዝተፈላለየ መገዲ ስለ ዝዀነ።” በሃሊ እዩ።

“ሓደ ነገር ብኽልተ ሰብ፡ ብኽልተ መገዲ ምስ ዝሰምዖ ወይ ምስ ዝርእዮ እቲ ነገር ሓደ ምዃኑ ኣብቂዑ ኣሎ። ስለ ዝዀነ እቲ ነገር ንገዛእ ርእሱ ሓቂ ኣይኰነን” እዩ ኣበሃህላኡ። “ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንሓቂ ኣመልኪቱ ዝቐርብ ሕቶ ዝምለሰሉ ብምሕሳብ እምበር ብስምዒት ኣይኰነን” ይብል። “ሓደ ነገር ንምርኣይ ምግንዛብ የድልይ፡ ኣቀዲምካ እትሓስቦ ነገር ናብ ዓይኒ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እቲ ዝረኣኻዮ ንኽትርኢ የኽእለካ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እትርእዮ ነገር ሓቂ ምዃኑ እትፈልጥ ስለ እተገናዝብ እዩ፡ ስለዚ ሓቂ ማለት “ምግንዛብ” እዩ” ድማ ይውስኽ።

ኣብዚ ናይ ፕላቶ ኣበሃህላ ዝተሰማምዐ ውን ኣሪስቶትል ነበረ። በዚ መሰረት ድማ “ሕጊ ግንዛበ” ዝብል ኣውጸአ። “ኣብዚ ዓለም እዚ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ነገር ሓቂ ዝኸውን ብምርኣይ፡ ብምድህሳስ ወዘተ ዘይኰነ ስለቲ ነገር ብዝህልወና ግንዛበ እዩ” ማለት ይኸውን።

ኣብዚ ከም ፊሮ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ተጠራጠርቲ ፈላስፋታት ይለዓሉ እሞ፡ “ንሓደ ነገር ኵሉ ግዜ ሓቂ ዝገብሮ ስለቲ ነገር ከነገናዝብ ወይ ክንሓስብ ስለ ዝኸኣልና ኣይኰነን” ይብሉ። ብፍላይ ፊሮ ንናይ ኣሪስቶትል “ሕጊ ግንዛበ” እንከነጻጽር፡ “ንሓደ ነገር ሓቂ ዝገብሮ ምግንዛብ ስለ ዝኸኣልና ካብ ኰነ፡ ሰብ ዘገናዝብ ወይ ዝሓስብ ፍጡር’ዩ፡ ሶቅራጦስ ድማ ሰብ እዩ፡ ስለ ዝዀነ ሶቅራጦስ ሰብ ብምዃኑ ክሓስብ ወይ ከገናዝብ ይኽእል ማለት እዩ። እዚ ግን ኵሉ ግዜ ዝሰርሕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኵሉ ሰብ የገናዝብ ወይ ይሓስብ ምባል ዕሽነት ስለ ዝዀነ” ይብለና።

ብሓጺሩ ናይ ገለ ገለ ሰብ ሓሳብ ትኽክል እዩ ምባል ክሳብ ዘይተኻእለ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ምሕሳብ ጥራይ ሓቂ ንክኸውን ኣየኽእሎን ማለት እዩ።

ካልኦት ፈላስፋታት በቲ ግዜ ተላዕሉ እሞ “ጽቡቕ፡ ካብ ሎሚ ንንዮ ንድሕሪት ናብ ናይ ሶፊስተኛታት እምነት ተመሊስና ንስምዒት ህዋሳትና ንእመን” በሉ። ፊሮ ከኣ “ንሱ ውን እንተ ዀነ ኣብ ዘብጽሃኩም የብሉን” በለ። “ንምንታይ?” ምስ በሉዎ ድማ፡ “ንእትርእዮ ከመይ ኣቢልካ ክትኣምኖ ትኽእል?” ብምባል ድሕሪ ምሕታት፡ “ጸሓይ ካብ መሬት ኣዝያ ብዕጽፍታት ከም እትዓቢ ንፈልጥ። እንተ ዀነ፡ ኣብ መሬት ደው ኢልና ንጸሓይ ምስ እንርእያ ኣዝያ ንእሽቶ እያ። ስለዚ፡ ኵሉ እቲ እንርእዮ ሓቂ ኣይኰነን ማለት እዩ።” ብምባል ነቲ ናይ ሶፊስተኛታት “ሓቂ እንታይ እዩ?” ንዝብል ሕቶ ዝህቡዎ መልሲ ማይ ኣፍሰሰሉ።

ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ዝለዓለ ቦታ ካብ ዝወሃቦም ፈላስፋታት ሓደ ፊሮ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑሉ። ኣብ ፍልስፍናኡ ኣዝዩ ተጠራጣሪ ብምንባሩ፡ ድሕሪ ሞቱ ሰዓብቱ ከም ዘይበኸይሉ ይንገር። ስለ ዘይፈትዉዎ ዘይኰነ ግን ሞይቱ ኢሎም ስለ ዘይኣመኑ’ዩ።
“ሓቂ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶን መልስታቱን ብኸምዚ ኣብ መንጎ ብህዋሳት ስምዒትን ብሓሳብን ንዘመናት ከርተት ድሕሪ ምባል፡ ግሪኻዊ ስነ ፍልጠትን ሮሚዊ ስልጣነን ቦታኦም ንኤውሮጳዊ እምነት ክርስትናን ንቤተ ክርስትያንን ኣረከበ። ሓቂ ድማ እምነት ኰይኑ ነገሰ።
ይኹን እምበር፡ “ሓቂ እምነት እዩ” ተባሂሉ ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ ዘመን ውን እንተ ዀነ “ነቲ እምነት ርትዒ ከቕርብ ዝኸኣለ ኣይነበረን” ይብሉ ፈላስፋታት።

እምነት ናይ ሶቅራጦስ ግን “ሰብ ምግንዛብ ምስ ዘቋርጽ ምእማን ይጅምር” እዩ። “ምኽንያቱ ምግንዛቡ ንኽሰምዕ፡ ክድህስስ፡ ክሽትት …ወዘተ ይገብሮ፡ ንኽኣምን ግን ዝዀነ ነገር ኣየድልዮን” ይብል። ኣብ ምጥቕላል እምበኣር፡ “ዘይተገናዝብ ህይወት ንምንባር ኣይትበቅዕን እያ” ኢሉዋ’ሎ።

ሰዓብቲን ኣድነቕትን ሶቅራጦስ ውን “ምግንዛብ ከይከኣልካ ከም ካሊባን ኣብ ዙፋን ካብ ምቕማጥ፡ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ከም ሶቅራጦስ እናኣገናዘብካ ምንባር ይሓይሽ” ይብሉ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኤርትራ እታ ዘይተነበበት መጽሓፍ
Next Article ኤርትራ እታ ዘይተነበበት መጽሓፍ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?