Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሰለስተ ወሓዝቲ

ሰለስተ ወሓዝቲ

0
By Mekonnen T. on July 4, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሊዮ ቶልስቶይ
• ኣብ ደቡባዊ ኣሜሪካ በቶም ቀዳሞት ዓሌታት ዝዝንቶ ኣፋዊ ዛንታ
እግዚኣብሄር ሰብ ፈጢሩ። ኣብቲ እዋን ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ንምንባር ስራሕ፡ መዕቆቢ፡ ክዳንን መግብን ኣየድልዩዎን ነበሩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮም ሰባት ኩሎም ዝሞቱሉ መዓልታት ይፈልጡ ነበሩ። ሕማም እንታይ ከም ዝኾነ’ውን ይፈልጡ ኣይነበሩን።
ካብ ዘመናት ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር ናብ መሬት ወረደ። ደቂ ሰባት ከኣ ኣብ ዓሙቕ ሓዘን ተሸሚሞን ጸንሕዎ። ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሰላም ኣይነበረን። ኩሉ ብዛዕባ ነብሱ ኣዚዩ ይጭነቕ ነበረ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንነብሱ ከምዚ በለ “እዚ ኩሉ ዝኾነ ደቂ ሰባት ብዘይ ዋላ ሓደ ሓገዝ ነብሶም ኪኢሎም ክነብሩ ስለዝኸኣሉ’ዩ” በዚ ከኣ ደቂ ሰባት ብዘይ ስራሕ ክነብሩ ከም ዘይብሎም ፈጣሪ ኣዘዘ። ኮነ ድማ። ደቂ ሰባት ከኣ ካብ ሙቐትን ቁርን ክሃድሙ መጽለሊ ክሰርሑ ጀመሩ። ካብ ጥምየት ክገላገሉ ከኣ ዘራእቲ ክዘርኡ’ ፍረታት ክኣርዩ ጀመሩ።
“ስራሕ ንደቂ ሰባት የቀራርብ’ዩ። ወዲ ሰብ መንበሪኡ በይኑ ክኣልዩ ኣይክእልን’ዩ፡ ወዲ ሰብ እኽሊ ንበይኑ ዘሪኡ ንበይኑ ከእትዎ ኣይክእልን’ዩ፡ ወዲ ሰብ ባዕሉ ጡጥ ባዕሉ ክዳን ክገብር ክሽገር’ዩ፡ ደቂ ሰባት ብመጠን’ቲ ብሓባር ዝሰርሕዎ፡ ዝሓሸ ውጺኢት ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም፡ በዚ ከኣ ኣብ መንጎኦም ሰላምን ፍቕርን ክዓስል’ዩ” ክብል ጎይታ ኣዘዘ።
ብመቑጸሪ ግዜ ዘመናት ተወንጨፉ። እግዚኣብሄር ከኣ ደቂ ሰባት ብሓጎስ ይነብሩ ምህላዎም ንምርግጋጽ ዳግማይ ናብ ምድሪ ወረደ። ኣብቲ እዋን እቲ ከኣ ወዲ ሰብ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሰላሙ ሃዲሙ ጸንሖ። ደቂ ሰባት ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለታት ተመቓቒሎም ንሓድሕዶም ክናቖቱ ጸንሕዎ። እቲ ሓደ ጉጅለ ዘፍረዮ እቲ ካልእ ጉጅለ ክምንጥሎ ላሕ ክበሃሉ ጸንሕዎ።
እዝግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣዚዩ ሓዘነ “ ወዲ ሰብ ዝሞቶሉ መዓልቲ ኣይፍለጥ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ነብሱ ካብ ስግኡ ተፈላልያ ትኺድ” በለ። ኮነ ድማ።
እንተኾነ እቲ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ከይኮነ ተረፈ። ደቂ ሰባት ንሓድሕዶም ክቀታተሉ ጀሚሮም። ሞት ከም መፈራርሒ መሳርሒ ብምጥቃም ከኣ ሓያላት ንድኹማት መዝመዝዎም። ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ከኣ ጽልኢ ሰፈነ። ህይወት ከኣ መንጠሊና ሓዘን ተኸድነት።
እዝጊኣብሄር ኣምላኽ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሰላምን ፍቕርን ንምስፋን ድማ ሕማም መሃዘ። ከምዚ ከኣ በለ “ ደቂ ሰባት ንሕማም ዝተቓልዑ ከም ዝኾኑ እንተፈሊጦም፡ ጥዑያት ሰባት ንሕሙማት ክሕግዙ’ዮም። ክከናኸኑዎም’ዮም። ኣብ መንጎኦም ከኣ ፍቕርን ምትሕልላይን ክህሉ’ዮ” በዚ ከኣ ሕማም ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ፍቕርን ሰላምን ንምስፋን ዝተፈጥረ ናይ መወዳእታ ምህዞ ኮነ።
በዚ ከኣ እግዚኣብሄር ሕማም ብምፍጣሩ ኣብ ደቂ ሰባት ሰላም ኣንጊሱ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ናብ መሬት ወረደ። እንተኾነ ደቂ ሰባት ኣብ ዓሙቕ ናይ ሓዘን ባሕሪ ጥሒሎም ጸንሕዎ። እቶም ድኹማት ነቶም ሓያላት ሕሙማት ክ ኣልዩ ጸንሕዎ። እቶም ድኹማት ክሓሙ እንከለው ግን ዝኣልዮም ኣይነበረን። ድኹማት ክሓሙ እንከለው ሕማም ከየመሓላልፉ በቶም ደቂ ሰባት ይንጸሉ ነበሩ። ብስራሕ ዝደኸመ ኣካሎም ሕማም ክጻወር ዘኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮምን።
እግዚኣብሄር “ወዲ ሰብ ስራሕ፡ ሞትን ሕማምን ናይ ፍቕሪ ምንጪ ምዃኖም እንተዘይፈሊጡ ብሽግር ይመሃር” ብምባል ዳግማይ ከይምለስ ናብ ጽርሃ ኣርያም ወጸ።
ድሕሪ ክንደይ ዘመናት ይኸውን ውሑዳት ደቂ ሰባት ነዚ ጉዳይ በቲ ኣምላኽ ዝሓሰቦ ተረድእዎ
ስራሕ፦ ናይ ሓለቓን ተኣዛዝን፡ ናይ ጎይታን ባርያን፡ ናይ ኣገልጋልን ተገልጋልን ርክብ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ምቅርራብን ሓጎስን ዝፈጥር ናይ ጥንቲ ግብሪ ከም ዝኾነ።
ሞት፡ ሓደ ነቲ ሓደ እናፈራረሐ ዝነብረሉ ዘይኮነ ነብሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ነቲ ተወሲኑ ዝተዋህቦ፡ ዓመታት፡ ኣዋርሕን ሰሙናትን፡ መዓልታትን ሰዓታትን ብፍቕርን ብሓድነትን ንኸሕልፎ ዝተፈጥረ ከም ዝኾነ።
ሕማም፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ፍልልይን ምንጽጻልን ክፈጥር ዘይኮነ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን ንምስፋን ብኣምላኽ ዝተዋህበ ህያብ ከም ዝኾነ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደርዘን ሕቶ ንገጠምቲ! ኣማን ተኸስተ
Next Article እንጣጢዕ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?